Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዳስ ሓውያ (ሞይታ)

ዳስ ሓውያ (ሞይታ) ዳስ ሓውያ ብሓንቲ ዘፈር ጠጢዓ ቀዳማይ ክፋል ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ክኣ ኣብ ከበሳ፡ ሓደ ዳስ ሓውያ ዝብል ቢሂል ኣሎ። ብዙሓት ደቂ’ቲ እዚ ዳስሓውያ ዘበለ ዛንታ ዝተሰርሕሉ ከባቢ ከም ኣብነት ዘግልገልሉ ኣዘራርባ’ውን እዩ። ብተወሳኺ እዚ ከም

ዳስ ሓውያ (ሞይታ)

ዳስ ሓውያ ብሓንቲ ዘፈር ጠጢዓ

ቀዳማይ ክፋል

ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ክኣ ኣብ ከበሳ፡ ሓደ ዳስ ሓውያ ዝብል ቢሂል ኣሎ። ብዙሓት ደቂ’ቲ እዚ ዳስሓውያ ዘበለ ዛንታ ዝተሰርሕሉ ከባቢ ከም ኣብነት ዘግልገልሉ ኣዘራርባ’ውን እዩ። ብተወሳኺ እዚ ከም ምድጋም ቃል ወይድማ ከም ምስላ ዓይነት ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነስ፡ ከም ኣብ ሓደ እዋን ዝተሰርሐ ተንታን ዘለዎ ሓቀኛን ኣሕዛንን ታሪኽ ምኻኑ’ዩ ዝግለጽ። እዚ ዛንታ’ዚ ብዝተፈላለየ መልክዓት ዝዝንቶ’ኳ ይኹን እምበር፡ ብዛዕባዚ ብዕሙቕ ዝበለ መልክዕ ዝፈልጡ ብዙሓት ከምዝህልዉ’ውን ዘይሰሓት’ዩ።

እዚ ታሪኽ እዚ፡- ቅድም ኢሉ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ወረዳ ደቡብ፡ ኣብ ጋውለ ጎሞሮ ዝጽዋዕ ከብቢ ዝተሰርሐ ታሪኽ ምኻኑ ይፍለጥ።

ኣነ ኣብ ሜዳ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፈ ኣባል ናይተን ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ ሓይልታት ኮይነ ኣብ ዝቃለሰሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ዳስ ሓውያ እትብል ቢሂል ብዙሕ ግዜ ተጋጥመኒ ነይራ። ካብዚ ተበጊሰ ድማ ብዛዕባ ዳስ ሓውያ ብዕምቆት ክፈልጥ ይፍትን’ካ እንተነበርኩ፡ ብርጡብ ዘትሕዘኒ ክረክብ ግን ኣይከኣልኩን። ኣጋጣሚ ኮይኑ ካብቲ ከባቢ ናብ ካልእ ቦታ መስ ተንቀሳቐስና፡ ሓደ ወድ’ቲ ከባቢ ናይ ዕድመን ኣፍልጦን ብዓል ጸጋ ዝኾኑ ኣቦ ረኺበ ብዛዕባ ዳስ ሓውያ ክገልጹለይ ሓተትኩዎም። ንሶም ድማ፡ ንዛንታ ናይቲ ተረኽቦ ካብ ሱሩ እናተሓሓዙ ገለጹለይ።

ኣነ ሎሚ ብዛዕባ ዳስ ሓውያ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ ቀንዲ ምኽንያት፡ ስለ ዳስ ሓውያ ክትንትን ዘይኮንኩስ፡ ብመሰረት ካብ ልሳን እቶም ዓቢ ኣቦ ዝረኸብክዎ ናይ ቃል ታሪኽ፡ ገለ ገለ ምስ ህልዊ ኩነታትና ዝዛመዳ ነጥብታት ስለ ዝትዓዘብኩን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ከገልጸን ኣገደስሲ ኮይኑ ስለ ዝተሰማዓንን’ዩ። ንሰን ድማ፡-

  1. ታሪኽ ዳስ ሓውያ፡ ምስቲ ኣብ ሃገርና ብኢሳይያስ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ   ዘመሳስሎ ነገራት ስለዘሎ፡
  2. ኢሳይያስን፡ ቀንዲ ሰራሕ ታሪኽ ዳስ ሓውያን ዘመሳስሎም ኣተዓባብያን ባህርን፡
  3. ኣብቲ ዳስ ሓውያ ብሓንቲ ዘፈራ ጠጢዓ ትብል ቀጻሊ ታሪኽ፡ ግደ ጓል ኣንስተይቲ ከመይ ከምዝነበረ ንምብራህ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለ ዝረኸብኩዎ’ዮ።

እቲ ንወለዶታት ከም ዛንታ ኮይኑ ዝተሰጋገረ ሓቀኛ ናይ ቃል ታሪኽ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ጋውል (ዓዲ ጋውል) ሓደ በቲ እዋን ህዝቢ ዘመሓድሩ መስፍን ከምዝነበሩ ይግለጽ። እዞም መስፍን ባዓል ሓዳር ኣቦ ቆልዑ ነበሩ። መሳፍንቲ ዝገብሩዎ ምውስቦ፡ ምስ በቲ ናቶም ደረጃን ሚዛንን ዝረኣዩ ከምኦም መሳፍንቲ ጥራይ ስለ ዝነበረ፡ ሓንቲ ጓል ካብ ደቆም፡ ሓደ ወዲ መሳፍንትን ክቡራትን እናተጸበዩላ ከለዉ፡ ሓደ ጎበዝ ካብቶም ኣብቲ ገዛ ዘገልግሉ ዝነበሩ ፈተወት። ዝምድናኣ ምስኡ ክሳብ ደረጃ ስጋዊ ርክብ በጽሐ’ሞ ከም ውጽኢቱ ድማ ጥንሲ ሓዘት። ኣብ ከምዚ ኩነታት ምስተበጽሐ፡ እቲ ዝፈተወቶ ኣገልጋሊ ካብቲ ገዛ ሃዲሙ ከደ። ንሳ ድማ ኣቡኣ ብዛዕባዚ እንተፈሊጦም ከይቀትልዋ ስለ ዝተፈርሀ፡ ንሶም ከይፈለጡ ግዜ ሕርሲ ኣኸለ፡ ወቆልዓ’ውን ተውሊዱ ጎበዘ።

እቶም መስፍን ከምልምዲ፡ ኩሉ ግዜ ድሕሪ ቀትሪ (ኣጋምሸት) ምስ ዝኸውን፡  ኣብቲ ቅድሚ ገዘኦም ዝነበረ ጽላል ኮፍ ኢሎም ነቶም ኣብቲ ቅርዓት ዝጻወቱ ቆልዑ እናረኣዩ ይዛነዩ። ወየ ዘይፈልጥዎ ወዲ ጋሎም’ውን ምስቶም ዝጻወቱ ቆልዑ ሓቢሩ ይጻወት እሞ፡ በቲ ንሱ ዘርእዮ ንጡፍ ምንቅስቓሳትን ብልሓትን ድማ ይሳሓቡ ነበሩ። ነትም ኮፍ መባህልቶምን መዛርብቶምን ድማ ይብልዎም “ኣንታ እቲ ቆልዓ’ቲስ ክነፍዕ! ትርኢዎ ዶ ኣለኹም ኩሉ ግዜ ኣብዚኣ ኮይነ ንኹሎም ይዕዘቦም’ሞ እቲ ካብ ኩሎም ዝነፍዐን ወላ ሰውነቱ’ውን ካብቶም መዛንኡ ዝመስሉ ዝጎለዐን ዝረአን ቆልዓስ ንሱ ጥራይ’ዩ” ብምባል ወድመን ከምዝኾነ ክፈጡ ደጋጊሞም ይሓቱ። መዛርብቶም ድማ እቲ ነገር ስለ ዝፈልጥዎን ዝኸበዶምን ነቲ ሕቶ ከምዘየቕለብሉ ብምግሳይ ይሰግርዎ ነበሩ ይበሃል።

ከምዚ እናበለ ነዊሕ ምስ ከደ፡ እታ ስድራቤቶምን ቀረብቶምን ደጊምሲ ከንገሩ ኣለዎም ኣብ ዝብል መደምደምታ በጽሑ። በቶም ፈተውቶምን ኣዕርኽቶምን ጌርካ ክኣ ከምዝንገሩ ተግብረ።

እቶም መስፍን፡ ኣብ ማእከል ቤቶም ከምዚ ዓይነት ነገር ከጋጥም ምኽኣሉን፡ ብዓቢኡ ድማ ንዓመታት ዝኣክል ዘይምፍላጦምን ኣዝዩ ጎድኦም። ኣብ ዓሚቕ ጋህን ሓዘንን ውዲቖም ብኡ ኣቢሉ ድማ ሰለሎ ከም ዝኣተዎም ይንገር። እዚ ነቲ ቤተሰቦም’ውን እንተኾነ ከም ሓዲሽ ኣጉሃየ።

እቲ ቆልዓ(ወዲ ጓሎም) ኣባሑጉኡ ብዛዕባቲ ተረኽቦ ክሕበሩ ከለዉ፡ ኣብ ሙግርሑ ስለ ዝነበረ፡ ድሒሩ እናዓበየ ክርደኦን ከስተማቕሮን ዝኽእል ብዙሕ ነገራት ከዋህልል ከኣለ። ገለ ካብኡ

  1. እቲ ኣብቲ ገዛ ዝዓሰለ ሕማቕ ሃዋሁን፡ ኣብ ልዕሊ ኣዲኡ ዝውርወር መሪር ናይ ልሳን ጹግራፋትን፡ ንሳ እተርእዮ ምሹቕራራት ዓሚቕ ጓህን ኣብ እምርኡ ስፍራ ገበረ።
  2. ንሱ ሓደ ካብቶም ኩቡራትን ሕፉራትን ኩሉ ነገር ዝተመድመደሎም ኣኮታቱ ዘይኮነስ፡ሓደ ዝተፈልየን ዘይመኻፍልቲ ጸጋታቶምን ምኻኑ እናተገንዘበ መጽአ።
  3. ወዲ ሓደ ኣገልጋሊ ከምኻኑ መጠን፡ ወላ ነቶም ኣዕሩኽቱን መጻውቱን ደቂ ተራ ነበርቲ’ውን እንተኾነ ትሕቲኦም ከምዝቑጸር በብቑሩብ ተጎልሓሉ።
  4. ጠንቂ ናይቲ ኣብታ ስድራቤት ዝተፈጥረ ኣበሳ ንሱ ምኻኑ ስለ ዝተወስደ፡  ናብታ ስድራ ዝቐርብ ዘበለ ኩሉ ብሕማቕ ከምዝሪኦ ገይሩ ኣቐመጠ።

ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ልዕሊታ ዘዕበየቶ ስድራቤት ዓሚቕ ቂምታ ክኣልኽ ጀመረ።

ቆልዓ ኬንካ ኣይንበርን’ዩ ዕድመ በጺሑ ኣብ ምምስራት ሓዳረ-ናብራ በቕዐ። እንጀራ ‘ውን ኮይንሉ ጽቡቕ ይባሃል። ምስቲ ዝነበሮ ብልሒ ሃብቲ ድማ ተወሲኹውዎ፡ ነቶም ቂምታ ዝሓዘሎም ኣኮታቱ ክወዳደሮም ዘኽእል ዕድል ረኸበ። ብተወሳኺ ካብታ ዓዲ ብዙሓት ኣዕሩኽትን ደገፍትን ከጥሪ ከምዝኻኣለ ይዝንቶ። ንዝረከቦ ጸጋታት ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ እንዳ ኣባሕጉኡ ዝነበሮ እሉኽ ቂምታን ጽልእን ዝፍውስ፡ ሕማቕ ዊንትኡ ምሉእ ብምሉእ ዘርዊ፡ ሓንሳእን ንሓዋሩን መልሲ ክህብ ወሰነ።

ስለዚ ኽኣ መደባቱ ንምፍጻም ዝቐለለን ኣድማዕን መንገዲ ከናዲ ጀመረ። ዝሓሸን ድማ ብሓደ ግዜ ስሚ ኣስትዩ ከፋንዎም (ክውደኦም) መረጸ ። በዚ መሰረት ነቲ ዓድን ከባብን ዘትኣናግድ ሓደ ዓቢ ድግስ ክገብር ወጠነ፡ ንጎዶቦታት ብምልኡ ዓደመ። እቲ ድግስ (ውራይ) ክልተ ማዓልታት ዝወስድ ኮይኑ፡ እታ ቀዳመይቲ ማዓልቲ ንእንዳ ኣባሕጉኡን ኩሉ ቤተሰቦምን ዝዕደሙላ ጥራይ ክትከውን ወሰነ። ካብኦም ዝውለድ ሓደ ከይተርፍ ብምባል ድማ ብምሉኦም ኣብታ ማዓልቲ ከምዝርከቡ ገበረ።

ኣቀማምጣ ዓዲ ጋውል፡ እቲ ካብ መንደፈራ ንዓረዛ ዝወስድ ጽርግያ ብጎኒ’ታ ዓዲ’ዩ ዝሓልፍ። ብተወሳኺ እቲ ምብራቓዊ ሸነኻታ ንጎላጉል ዓዲ ቑንጽብ ዓዲ ኢታይ ከም’ውን ዓቢይ ዓዲ ዘርኢ ክኸውን ከሎ ምዕራባዊ ጎና ግና ኣጻድፍ’ዩ።

ባዓል ጉዳይ፡ እታ ዳሱ  ኣብታ ገምገም ጸድፊ ከምዝነበረት ይግለጽ። ብርግጽ እተን ኣብ ጎቦ ዝቖማ ዓድታት ብጽበት መሬት እቲ ገማግም ዝጥቀማሉ’ካ እንተኾነ፡ ነዚ ባዓል መደብ ባዓል ውራይ’ዚ ግን ንዝነበሮ ጥጁእ ውጥን ኣብ ምዕዋት ዓቢ ዕድል ነበረ። እታ ዳስ ብፍሉይን ውቁብን ኣገባብ ዝተሰርሐት ኮይና፡ ናብቲ ገምገም ጸድፊ ዘብል ሸነኻ ድማ ብጽቡቕ ጨርቂ ዝተነጽፈ ዓራውቲ ተሰርዐ። ብድሕሪ’ቲ ዓራት መከላኸሊ ዘይብሉ ባዶ ከንሱ፡ ነቲ ዳስ ብዘማዕርግ ብቐንዱ ድማ ነቶም ቀንድን ክቡራትን እንዳ ኣባሕጎታቱ ተጸጊዐሞ ኮፍ ክብሉ ባህ ዘብል ዝመስል መጋረጃ ተጋረደ።

እኽለማይ ብምልኡ ተሻሽዩ፡ ኣብቲ ነቲ መዓልቲ ክስተ ዝተመደበ ኣጋንእ ስዋ፡ ሓሞት ሓርማዝ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይቲ እዋን ስሚ ብምእታው ተዘጋጀወ።

ግዜ ምምጻእ ዕዱማት በጺሑ፡ እንዳኖ ካብ ርሑቕን ቀረባን ክመጹ ጀመሩ። ቀንዲ  እሙናት ኣዕሩኽ ባዓል ጉዳይ፡ ተዓጣቖ ኮይኖም፡ ገለ ካብኣቶም ኣጋይሽ በብዝመጹዎ ተቐቢሎም ኮፍ ብምባል፡ ካብቲ ብስሚ ዝተቓመመ ኣጋንእ ስዋ ከከፊሎም እናቐድሑ ዝዕድሉ ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም ካልኦት ድማ፡ ኣጋይሽ ስዋ ምስ ሰተዩ ኣብ ገጾም ዘርእዩዎ ምልክት እናተዓዘቡ፡ “ንዑ ድኣ ኣብዚኣ ምዕራፍ ትሕሸኩም” እናበሉ ሰሰሒቦም ናብቲ ዓራት፡ ካብ ዓራት ድማ ናብቲ ጸድፊ ክፋነዉ ተዋዕለ። እታ ኣፍደገ ዳስ ድማ ንኽት ኣትወላ እምበር ንኽትወጸላ ዘይተፍቅድ ኮይና ዋዓለት ተባሂሉ ይዝንቶ።

ኣብ ስግር ምድንባር ኣከለጉዛይን ሰራየን ዘሎ ዓድታት ዝነብሩ ሓደ ዓይነስዉር ተወላዲ ካብቶም ብዘርኦም ክጠፍኡ ዝተወሰነሎም መሳፍንቲ ዓድጋውል ነበሩ። እቶም ዓይነ ስውር ኣቦ ሓንቲ ጓል ዝነበረቶም ኮይኖም፡ ብብልሕን ምስትውዓልን ኣዝዮም ፍሉጥ ክምዝነበሩ ይትረኽ። ዓይነ ስዉር ኣቦ፡ ብዕዉር ዝብል ሳጋ ይጽውዑ ከምዝነበሩ ይንገር። ንሶም’ውን ናብቲ ጉዳይ ክመጽኡ ስለዝነበሮም ጓሎም መሪሓቶም ብበቕሊ ካብ ዓዶም ንዓድጋውል ኣምርሑ።

ባዓል ጉዳይ ነዞም ብዕዉር ዝጽውዑ ተወላዲ ብብልሖምን ምስትውዓሎምን ይሰግእ ስለዝነበረ በቲ ንሶም ዝመጽሉ መንገዲ ዝመጹ ቤተሰብ “ኣንታ እቲ ዕዉርሲ ይመጽእ ደሎ? ኣበይከ ረኺብኩሞ”? እናበለ ኣብ ዘዝበጽሕዎ ክከታተል ከምዝዋዓለ ይሕበር። እዞም ተወላዲ ድማ ኣብታ ጥቓ ዓዲ ምቕልቃል ዳስ ምስ በጽሑ፡ ንጓሎም “በሊ ናዓይ ኣብዚኣ ኣውርድኒ እሞ፡ ኣነ ክሳብ ዝሸይን ንስኺ ናብቲ ዳስ እናማዕደኺ ዝኣትዉን ዝወጹን ተኸታተሊ” በልዋ። ድሕሪ ምሻኖም፡ “እሞ ክንከይድ በሊ እቲ ዳስ ከ እንዳ ውራይ ዶ ይመስል፡ ሰብ ክኣቱ ክወጽእዶ ትሪኢ ኣለኪ”? ኢሎም ሓተትዋ። “ኣቦይ ዝኣቱ’ሞ ይሪኢ ኣለኹ ዝወጽእ ግን ኣይረኣኹን” በለቶም። “እዋእ! እስክ በሊ ቁሩብ ንጸበ ጽቡቕ ጌርኪ ድማ ርኣዪ” ብምባል ተጸበዩ። “ሕጂ’ውን ዝኣቱ እንበር ዝወጽእ ኣይረኣኹን በለቶም፡ “ወላ ንኽሸኑ ውጽእ ኢሎም ዝምለሱ’ውን ኣይረአኽን”? ኣቦይ በዘይካ ዝኣቱ ዝወጽእ ኣይረኣኹን በለቶም። ኣትዩ ዝወጽኣ ከም ዘየለ ምስ ኣረጋገጹ “በሊ ደጊም እዚኣስ ጣቃ የብላን፡ ዳስሓውያ እያ” ብምባል ንዓዶም ክምለሱ ወሰኑ። “ንሕና’ውን በሊ ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበልና ንኺድ’ሞ ንድሕሪት ቅሊሕ ምባል ድማ ኣይትግደፊ ኢኺ” ኢሎምዋ ንጓሎም መንገዶም ሒዞም ቀጸሉ።

ባዓል ውራይ ድማ ነቶም ኣብ መንገዲ ሰላም ኢሎምዎም ዝሓልፉ ዝነበሩ ኣጋይሽ እናሓተተ ኣበይ ከምዝበጽሑ ክከታተል ስለዝዋዓለ፡ ካብቲ ኣብ ዳስ ክበጽሕዎ ዝግበኦም ግዜ ስለ ዝደንጎዩ ክጥርጥር ጀመረ። “እዚ ዕዉርሲ ምናልባት ደኾን ጠርጢሩ ንድሕሪት ተመሊሱ? ተመሊሱ’ዩ” ብምባል፡ ሰብ ኣፍራስ ብጉያ ኣርኪቦም ሒዞም ዘምጽእዎም ኣዕሩኽቱ ላኣኸ። ዓይነ ስዉር ምስ ጓሎም ነዊሕ ምስ ሰጎሙ፡ ብድሕሪት 4-5 ዝኾኑ ሰብ ኣፍራስ መንገዶም ተኸቲሎም ይጎዩ ብርሕቕ ትሪኦም ከምዘላ ጓሎም ሓበረቶም።”በሊ በቕሊ ሕዝለይ ክወርድ’ሞ ናብዚ መሻሉ ንእቶ ቀስ ኢልና ድማ ውሽጢ ውሽጢ ንኺድ”ኢሎም ብዘራእቲ መሻሉ ተኸዊሎም ጉዕዞኦም ቀጸሉ። ሰበ’ፍራስ ድማ ኣፍራሶም ብናህሪ እናጋለቡ ንወዮም ዝህደኑ ንጎኒ ገዲፎሞም ሓለፉ። ክሳብ ስግር ኣከለጉዛይ ዘርኢ ገማግም በጺሖም፡ ኣማዕድዮም ክሪእዎም ምስ ዘይካኣሉ ንድሕሪት ተመልሱ።

ኑራ ሑሴን

ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • belay nega December 12, 2013

    “ኣብቲ ነቲ መዓልቲ ክስተ ዝተመደበ ኣጋንእ ስዋ፡ ሓሞት ሓርማዝ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይቲ እዋን ስሚ ብምእታው ተዘጋጀወ።”

    ልክዕ ክምታ ብ 1961 ዝመረጽናያ ስሚ

    • Sorobeti December 13, 2013

      belay nega

      That same poison killed the dream of you and your likes, of being part of mama Ethiopia.

      • belay nega December 14, 2013

        Sorobeti

        ኢትዮጵያውያን ደአ ንዓኻዶ አይቀርቡዃን እግሮም ክትልሕስ ትውዕል ዘለኻ
        አነ ጸገምና አለሊና አብ መገዲ ባቡር ንደቅስ እየ ዝበልኩ

  • Haben December 12, 2013

    I belong to the Hawya tribe and grew up hearing the story of our ancestors from my parents and grandparents. Whilst I thank the writer for taking interest, I can’t help but inform them that the article is far from being accurate. The story of the Haway Tribe and those who feature in the story including Dejazmatch De’ebul (the ruler), Ambessajr (the servant that the daughter fell in love with) and Gebrehiwot Ewir (the wiseman) is far more than what is said in this article. Readers should note that use the story as a reference as it contains a lot of error.

  • Haben December 12, 2013

    I meant to say:

    Readers should not use the story as a reference as it contains a lot of error.

    • Sorobeti December 13, 2013

      Haben
      Can you write your part of the story, because the writer stated that there are many narrations for this story.

  • Fidel December 13, 2013

    Ambessajr eyu shimu Eti Ni Qidisti Hana wey Dima nay Tarik Shima dima Melalit Tibahal gaul Nugus De,ebul esu win wedi nigus Hazey mirrara Gebremariam eyu kab Sidranegawis eyu emo Azebika hitet mis tarik Isayas Agame dima esi tarik zerakib yebilun nebsu zikale tarik alewo.Eti wedi Dima Abeto Jir Gedla eyu Shimu.

  • Fidel December 13, 2013

    Eti mis gaulu Zihademe nab Akele guzai nab Segeneti dima Gebrhiwot Ewir dima Haweom Ni nugus De,buel eyu Esom Deqi Rasi Harlengay eyom 7 deqi Nugus miche dima Yebahalu kab neged Below.
    Gebrihiwot Ewir dima kab gaulu ni Segnai ni Zarda ni Wotron ni Denkelay ni Haryon Ni Fihrin ni qeste Argamon zitebahlo 7 Deqi welede Segeneti zibel adi Kab segnay ziterbe eyu.

  • Fidel December 13, 2013

    Bisey gedis Nab Jir gedela kimileska Jir gedela kab Abo Adeyu Nugus de,buel higawi ziwerese eyu neru bi Amez zemzo Aykonen Temeriqu kab Abohagu ziwerese eyu neru emo degim Meznati kedliyo eyu zihufka kubur hawi kitwikesni dima ymezenka.

  • Stefanos Temolso December 13, 2013

    True! the story contains some errors and seems to have been adapapted.

  • mehawi December 13, 2013

    I am from Zoba debub from around Hawya,I grew up in rural area and am well informed about the story of our far grand fathers or ancestors.
    Nura ,I thank you for tying to say what you know, but you have distorted the true story of our fathers(the seraye Ancestors)Dejazmach De’ebul was the Governor of Mereb Milash, two youngesters (Jirate qechin & Anbesajir were the guards of Dejazmach De’ebul.Qidisti Hana the daughter of Dej/De’ebul felt in love with Anbesajir,she got pregnant and Jir-Gedela was born.To shorten the story when Dej/De’ebul knew that his daughter gave birth a child from his guard(Anbesajir) then Dej/de’ebul killed his guard.when Anmesajir grew up he made mass massacre on the tribes of his mother in revange of his father.One man named Gebrihiet uwur who was one of the tribes of those who were mass massaced came to understand the trick of Anbesajir was able to escape and had seven sons from his daughter.Where the tribes of the seven sons are scattered in Seraye, will continue…….NB.Readers as is said by Haben above please do not use Nura’s story as reference.

  • Thoams December 13, 2013

    The story above has some factual errors. To begin with this story happened in present day Akele Guzai awraja and not in Seraye.

    • Stefanos Temolso December 13, 2013

      Crrection to Thomas’s assertion. The story originates in Seraye and ends in Hawya Segeneyti. Let Nura continue the story I will not interruot her, because she may have much tell.

  • muma December 13, 2013

    Dear Sister Nura
    I enjoy the story I am looking forward to read the part two. You are doing a great job . Well done.

1 2 3

Post a Reply to Mesfin Bahlibi Cancel Reply