Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ኤርትራ

ደሃይ ካብ ኤርትራ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ክሳብ’ዚ እዋን ‘ዚ መንቀሳቐሲ ወረቐት ብሓለፍቶም ክወሃቦም ድሕሪ ምጽንሑ፣ ካብ ሕጂ ንደሓር ግን እቶም ናይ ህዝባዊ ሰራዊት ሓለፍቶም ‘ውን ኣብቲ ዝወሃቦም መንቀሳቐሲ ኢድ ክህልዎም ኣለዎ ተባሂሉ መምርሒ ስለዝተዋህበ፣ ነዚ ብዝምልክት

ደሃይ ካብ ኤርትራ
ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ክሳብ’ዚ እዋን ‘ዚ መንቀሳቐሲ ወረቐት ብሓለፍቶም ክወሃቦም ድሕሪ ምጽንሑ፣ ካብ ሕጂ ንደሓር ግን እቶም ናይ ህዝባዊ ሰራዊት ሓለፍቶም ‘ውን ኣብቲ ዝወሃቦም መንቀሳቐሲ ኢድ ክህልዎም ኣለዎ ተባሂሉ መምርሒ ስለዝተዋህበ፣ ነዚ ብዝምልክት ጽባሕ ሓሙስ ኣኼባ ክገብሩ እዮም።
ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብህዝቢ ተፈንፊኑ፣ ነቲ ስርዓት ከገልግሉ ዝጸንሑ ከም ብዓል ልኡል ገብርኣብ ዝኣምሰሉ እሙናት ኣብ ምድስካልን ምቕያርን ኣብ ዝርከበሉ እዋን፣ ነቲ ተኣፋፊ ዝብሎም ናይ ሓላፍነት ቦታታት ብዘይመተካእታ የካይዶም ኣሎ።
በዚ መሰረት፣ ሚኒስስተር ምክልኻል ነበር ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ድሕሪ ምቕያሩ ፣ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሚኒስተር ክሳብ ሕጂ ሚኒስተር የብሉን። ዓሊ ዓብዱ ንስርዓት ኢሳያስ ገዲፉዎ ኣብ ኣውስትራልያ ዑቕባ ምስ ሓተተ ‘ውን ሚኒስትሪ ዜና ብዘይ ሚኒስተር እዩ ክኸይድ ጸኒሑ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ምስ ዓረፈ ብተመሳሳሊ እቲ ሚኒስትሪ ንዓመታት ብዘይሚኒስተር ከምዝተኻየደ ይፍለጥ።
ምትእምማን ኣጥፊኡ ምዓልቲ ውድቀቱ ዝጽብጽብ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሰራዊት ደምሒት ኣብ ከተማታት ኣዋፊሩ ስልጣኑ ንምሕላው ይፍትን ኣሎ። ኣብዚ ኤርትውያን ብምረት መነባብሮ ዝደሃኹሉ ዘለዉ እዋን፣ ብዶላራት ግብጺ ፊዕፊዕ ዝብሉ ዘለዉ ደምሒት ሃገራዊ ስምዒት ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ምድኻም ንህግደፍ ቀንዲ መጋበርያ ኮይኖሞ ኣለዉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • Wedi nega November 6, 2014

    Hagrena kem Hager ktktsl hzbna wn kem hzbi selam krekb ante koynu hade dimtsi koyna ms serawit hdri ajamna neberkt!!!!

  • Mike November 6, 2014

    I would like to do a side joke here regarding this article:

    These ministerial positions that are vacant needs to be filled. I think one of the people that I see posting comments here in Assenna would be just perfect suitor. Any application online that the Eritrean government has put online? Always good to fill in positions from within but sometimes outsiders could bring a good mix. Remember, if the man on top is filling in for all these open positions – no wonder he is stretched far and beyond to run the country. This looks like the lame duck session Eritrea style. Heck, I could apply for it but I have to catch up with my lingo a whole lot more. Guy – I say apply for it and you never know, once the positions are filled the country might run okay – just a thought.

    Assenna – You are sharpening your message – stay at it. Keep exposing and let the world weigh through the eyes of Justice.

  • biniam November 6, 2014

    እተን ሚኒስትሪውን ልክዕ ከምቲ ሰብ እየን ገሊአን ይጽልጸላ ገሊአን ይድስክላ ገሊአን ይጣየሳ:ገሊአንውን ሕልፍ ዝበላ ኣለዋ ተጎርቢተን ዚኸዳ:ከም በዓል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት:ሚኒስተር ዶ ሞኾስተር ክብሎ ዑስማን ሳልሕ ንሹሙ ኮታ መልኡ ክባሃለለይ ከንብበሎም ድዮም ዝወስዱዎ በዓል የማነ ማንኪ ወይስ ሻንጣ ክስከም ንዕኡ ንገድፎ።ወላ በቲ እስያስ ዝሓንጸጾ ስማዊ ሕጊ ናይ ሚንስተራት ዕደላ እታ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳርውን ነt ካልእ ሃይማኖት ብጺሒት ዝገበራውን ድሕሪ ነዊሕ ምድስካል ንዖኦም ኪትበዝሖም ተምስል ኣትሪፉዋ ።

  • helen November 6, 2014

    “ምትእምማን ኣጥፊኡ ምዓልቲ ውድቀቱ ዝጽብጽብ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሰራዊት ደምሒት ኣብ ከተማታት ኣዋፊሩ ስልጣኑ ንምሕላው ይፍትን ኣሎ። ኣብዚ ኤርትውያን ብምረት መነባብሮ ዝደሃኹሉ ዘለዉ እዋን፣ ብዶላራት ግብጺ ፊዕፊዕ ዝብሉ ዘለዉ ደምሒት ሃገራዊ ስምዒት ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ምድኻም ንህግደፍ ቀንዲ መጋበርያ ኮይኖሞ ኣለዉ።” I disagree, the dollar for dimhet pay is from Bisha Gold not egypt.

  • bielo November 6, 2014

    ኣንታ ኣማኑኤል

    ሚኒስትሪ ዜና ኢልካ እባ ክብሪ ኣይትሃቦ። ብዓሊ ዓብዱ ዝምራሕ ዝነበረ መውኣለ ህጻናት ዘይትብሎ። እዚ ኣብዘን ኣብ ደገ ዘለዋ ከም በዓል ዓዋተ ዶት ኮም ፣ ኣሰና ዝጽሓፍ ጽሑፋት ሲ የንቢቡዎ ዶ ይኾኑ። እተን ናይ ተለቪዥን ቆልዑት ከ ነዘን ምሳቶአን ናይ በዓል ኣልጀዚራ ናይ በዓል ቢቢሲ ፣ ናይ ሱዳን ፣ ናይ ከንያ ፣ ናይ ኢትዮጵያ መደባትን ኣቅረብቲን ይሪኢኦም ዶ ይኾና፠፠፠፠። መሕፈር እኮ ዩ። ጋዜጣ ከኣ ሞ፣ ክዱን በኣፈ ስላሰ ዩ ዘብል። በቃ መቓብር ጋዜጠንኘት። እቲ ኣሳናዳኢ ናይ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ድማ ኣቦኡ ክንደይ ሰብ ዝሓረደ ንሱ ድማ ኣባል መንእሰያት ኢሰፓ ዝነበረ በሉዎ። ሞያ የቢሉ ሕልና። ኣየ አርትራ ዓደይ።

  • tarikh November 6, 2014

    እዛ ናይ ደምሕት ጉዳይ ሲ ዘይትግደፍ። ኣብ ትርጉም ዘለዎ ጉዳይ ዘይነተኩር። ህግደፍ ባዕሉ ዝፈጠሮ ዘስካሕክሕ ጸገም ኤርትራውያን፣ ንኻልኦት ንምስካም ሓንሳብ CIA ካልእ እዋን ወያነ እንዳበለ ጉዳይ ካብ ነብሱ ከርሕቕን፣ ነብሱ ከም ጵላጦስ ንጹህ ክመስል ይጽዕርን ኣሎ። ንሕና ኸ ንምንታይ ኢና ባዕልና ክንፈትሖ ዘለና ሽግርን፣ ናይ ባዕልና ኤርትራውያን ሽግርን ንካልኦት ከነሰክሞም ንፍትን ዘለና። ሓቂ እዩ ደምሕት ዕቑር ዓቕሚ ህግደፍ እዩ፣ ክሳብ ሕጂ ግን ህግደፍ የሕዋቶም ክቐትሉን፣ ክሓርዱን፣ናይ በደውን ክሸጡን፣ ኣብ ደሃያ ንምእታውን ድሕር ዘይብሉ እኹላት ኤርትራውያን ኣለዉዎ። ኢሰያስን ጭፍርኡን ደገፍቱን ብኹሉ መለክዒታት ኤርትራውያን እዮም። ነብስና ኣይነታልል። ኣብ ኤርትራ ዘልሎ ዘሎ ጸገም ካአ ናህና ናይ ኤርትራውያን ሽግር እዩ፣ ኣብ ምፍትሑ ሓገዝ ገበርቲ ሰናይ እንተረክብና ማሕረ ኣይኮነን ጸገምና ናህና እዩ።
    ብኸምዚ ዘይክዉንን ትርጉም ኣልቦን ወረታት ደምሕትን ካልእን ክኽሰቡ ዝድለዩ ዘለዉ ባእታታት የለዉን። ጽውጽዋይ እዮም። there is no such thing as called “silent majority “, there may be silent but certainly they are not a majority not even close።

  • TRUE LIES November 6, 2014

    Truly TRuly and all others,

    ኣሕዋት ኣብዚኣ ብጌጋ ከይትርድ \ኡኒ እቲ ሕማም ሕማምና እዩ ።ወያነ ድማ ኢትዮጵያዊ ሓይሊ እዩ ስለዚ ከም ቀዳማይ ተወቃሲ ጌረ ከቕርቦ ኣየጥዕመለይን እዩ።ግን ንሓው ትሩሊ ክብሎ ዝደሊ ኣነ ከምዚ ወያነን ህግደፍን ብሓደ ኮይኖም ተስፋ ኤርትራዊ መሬት ኣዝቢጦም ከምበርክኽዎ ፕላን ዘውጽኡ ይመስል።እቲ ጉዳይ እውን ኢሳያስ 1991-1993 ነጻነትና ክፍርም ከሎ ምስ ኣሜሪካን ምዕራባውያንን ወያነን ዘውጽኦ ኣጀንዳ ይመስል ።ምኽንያቱ ኤርትራ መታን ግራት ኣሸበርቲ ቴሮሪስትታት ከይትኸውን ምስ ኢትዮፕያ ምሕዋሳ ዝወጸ ፕላን ይመስል።ብቐጥታ እቲ ኣጀንዳ እንተ ኣምጺኦሞ ህዝቢ ኤርትራ ኣይክቕበሎን እዩ።ግን ከምቲ ንዕንቁርዖብ ኣብ ምዉቕን ምቹውን ማይ ኣእቲኻያ በብቑሩብ ነቲ ሓዊ እናፍላሕካ ከይተፈለጣ ተጠጢቓ ትመውት ህዝቢ ኤርትራ እውን ሓቢሮም ካብ ኢትዮጵያ ሰጕጎም ሃብቱ ራስዮሞ ድሓር ብማንጁስን ራሻይዳን በደዊንን ጌሮም ኣሽይጦሞ ሰብኣይ ከይተረፈ ተዓሚጹ ኤርትራዊ ሰብኣይ ናብ ኣደይ ዓባይ ቀይሮሞ ሓኒኹ ሱቕ ኢሉ።ቢሻ ወርቅን ፖታሽን ናይ ወጻ ኢ ሰልድን እናኸዶ ብጥሜት ሒዞም ናይ ከብዱ ጥራይ ከም ዝሓስብ ጌሮሞ ሕጂ 73% ዝኸውን ህዝቢ ከበሳ ኢትዮጵያና ምሓሸትና ይብል ኣሎ።84%% ደቂ መታሕት ምስ ሱዳን ክኾኑ ይደልዩ። 100% ዓፋርን ኩናማን ምስ ኣሕዋቶም ኢትዮጵያውያን ይመርጹ።ከምቶም ሶርያውያንን ዒራቓውያንን ቦዝንያውያንን ካብ ወጻኢ ኣይኮነን ካብ ሱዳንን ኬንያን እኳ ኣትዩ ዝቃለስ ሰብኣይ የለን።
    Brother Truly or anybody else do you truly believe we are not going to be colonized by Ethiopia again ? And this time no objection because hungry people need food for their kids not a country ?

    • tarikh November 9, 2014

      I don’t think Ethiopia would be willing to colonize you. Not even the fervent proponents of physical occupation anywhere in the world would use the terms colony, colonialism or related ones in present or future tense other than in the Hollywood sci-fi movies.
      The fact of the matter is Eritrea was never colonized by Ethiopia. The ever equivocal DIA had confirmed that in his last interview.His analysis though bizarre was, Ethiopia so undeveloped at the time was not able to conquer other nations;hence,he argued Ethiopia had contracted the colonial enterprise on behalf of the then “super powers”.

      • tarikh November 9, 2014

        Am not in anyway supporting the madman’s half-baked reasoning. However, I am implying that at one point in our history a substantial number of our compatriots had a strong feeling toward union with Ethiopia. The devoted members of mahber hibret and ardent fighters of Mahber Meni’esey Hibret aka mahber andnet had one very disillusioned vision in mind, to get rid of European colonialism and gain independence along with their brothers across the border.
        Ethiopia wasn’t only an inspiration to freedom loving Eritreans but the rest of Africa, the Caribbean and the USA.

  • there is time for everything November 6, 2014

    Hadas eritrea(6/11/14) was still informed the people of eritrea about west african nation burkinafaso.Here it is

    መራሕቲ ጋና፡ ናይጀርያን ሰኔጋልን፡ እቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ፖለቲካዊ ወጥሪ ብሰለማዊ መገዲ ዝሃድኣሉ ኩነታት ንምፍጣር ናብታ ሃገር ከምዘምርሑ ተሓቢሩ። ብመሰረት ቢ.ቢ.ሲ፡ እቶም መራሕቲ ምስቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ኮረሻ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ወታሃደራዊ መራሒ ሌተናል ኮለኔል ኣይዛክ ዚዳ ብምርኻብ እቲ መኮንን ስልጣኑ ኣብ ዝሓጸረ መዓልታት ንሲቪላዊ መራሒ ከረክብ ድፍኢት ክገብርሉ እዮም። መራሒ’ታ ሃገር ዝነበረ ብለይዝ ካምፓወረ ብሓያል ህዝባዊ ናዕቢ ተገዲዱ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምውራዱ’ዩ ሌተናል ኮሎኔል ኣይዛክ ዚዳ ብኢደ ወነኑ ኮረሻ ስልጣን ክጭብጥ ዝኻኣለ።
    Let us discuss on the lateERINA NEWS

    • ahmed saleh November 6, 2014

      True lies stated by saying as follows ;
      73 % highlanders say we better off with our Ethiopia .
      84% Lowlanders choose to stay with Sudan .
      100% Kinsman and Denkalya people choose with their
      Ethiopian brothers . Are you serious ?
      Well , you are entitled to express yourself but this kind
      misleading information won’t fool to many of us .
      And Eritrea is sovereign country recognized by
      international world and Ethiopia doesn’t need to
      go backward to deal with failed state and failed
      people . To run from the mess we created is not
      a solution and it is shameful to ask for hand over.

  • there is time for everything November 6, 2014

    ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ሃገር እትርከብ ፍኩርን ሓቦኛን ደላዪ ፍትሒን ዝኾንካ; ሓዳስ ኤርትራ ሓደ መልአኽቲ ቲነግረካ ኣላ። ንህዝባዊ ናዕቢ ተዳሎ;ኣያታትካ ሚሳካ ኢና ተበገስ;ኢቲ ለውጢ ኣብ ኢድካ ኢዩ ሆየ ሆየ ንበል። እቲ ን27 years ብሓይሊ ዝገዝአ ብ ሓደ መዓልቲ ብህዝባዊ ናእቢ ተኣልየ። there is no power in a country than the people unity for change.

    please let us inherit full democracy to our children.

  • aus November 6, 2014

    The regime is in a lunatic state of mind, toxic in his actions and poisonous in his talks has hardly any chance to distinguish between his friends and enemies. A paranoid state of mind prevails and marks its attitude towards any swaying/ moving figure be it a tree or a human. this is where Eritrea is today, how long will it sustain is a matter of time?

Post a Reply to mihrie Cancel Reply