Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ኤርትራ

ደሃይ ካብ ኤርትራ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ክሳብ’ዚ እዋን ‘ዚ መንቀሳቐሲ ወረቐት ብሓለፍቶም ክወሃቦም ድሕሪ ምጽንሑ፣ ካብ ሕጂ ንደሓር ግን እቶም ናይ ህዝባዊ ሰራዊት ሓለፍቶም ‘ውን ኣብቲ ዝወሃቦም መንቀሳቐሲ ኢድ ክህልዎም ኣለዎ ተባሂሉ መምርሒ ስለዝተዋህበ፣ ነዚ ብዝምልክት

ደሃይ ካብ ኤርትራ
ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ክሳብ’ዚ እዋን ‘ዚ መንቀሳቐሲ ወረቐት ብሓለፍቶም ክወሃቦም ድሕሪ ምጽንሑ፣ ካብ ሕጂ ንደሓር ግን እቶም ናይ ህዝባዊ ሰራዊት ሓለፍቶም ‘ውን ኣብቲ ዝወሃቦም መንቀሳቐሲ ኢድ ክህልዎም ኣለዎ ተባሂሉ መምርሒ ስለዝተዋህበ፣ ነዚ ብዝምልክት ጽባሕ ሓሙስ ኣኼባ ክገብሩ እዮም።
ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብህዝቢ ተፈንፊኑ፣ ነቲ ስርዓት ከገልግሉ ዝጸንሑ ከም ብዓል ልኡል ገብርኣብ ዝኣምሰሉ እሙናት ኣብ ምድስካልን ምቕያርን ኣብ ዝርከበሉ እዋን፣ ነቲ ተኣፋፊ ዝብሎም ናይ ሓላፍነት ቦታታት ብዘይመተካእታ የካይዶም ኣሎ።
በዚ መሰረት፣ ሚኒስስተር ምክልኻል ነበር ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ድሕሪ ምቕያሩ ፣ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሚኒስተር ክሳብ ሕጂ ሚኒስተር የብሉን። ዓሊ ዓብዱ ንስርዓት ኢሳያስ ገዲፉዎ ኣብ ኣውስትራልያ ዑቕባ ምስ ሓተተ ‘ውን ሚኒስትሪ ዜና ብዘይ ሚኒስተር እዩ ክኸይድ ጸኒሑ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ምስ ዓረፈ ብተመሳሳሊ እቲ ሚኒስትሪ ንዓመታት ብዘይሚኒስተር ከምዝተኻየደ ይፍለጥ።
ምትእምማን ኣጥፊኡ ምዓልቲ ውድቀቱ ዝጽብጽብ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሰራዊት ደምሒት ኣብ ከተማታት ኣዋፊሩ ስልጣኑ ንምሕላው ይፍትን ኣሎ። ኣብዚ ኤርትውያን ብምረት መነባብሮ ዝደሃኹሉ ዘለዉ እዋን፣ ብዶላራት ግብጺ ፊዕፊዕ ዝብሉ ዘለዉ ደምሒት ሃገራዊ ስምዒት ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ምድኻም ንህግደፍ ቀንዲ መጋበርያ ኮይኖሞ ኣለዉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • Keren November 5, 2014

    ደሃይ ካብ ኤርትራ ይብል: “ኣብዚ ኤርትውያን ብምረት መነባብሮ ዝደሃኹሉ ዘለዉ እዋን፣ ብዶላራት ግብጺ ፊዕፊዕ ዝብሉ ዘለዉ ደምሒት ሃገራዊ ስምዒት ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ምድኻም ንህግደፍ ቀንዲ መጋበርያ ኮይኖሞ ኣለዉ።”

    ኣቱም ሰባት ዘገርም እዩ፤ ጉድ እኳ እዩ።

    እዞም ሳሕሳሕ ዓረብ ግብጽን ራሻይዳን ኣብ ሱዳንን ሲናይን ከም ባሮት ዓብድ ይጻወቱልና፤ መንግስቲ ግብጽን ናቱ ዓብድ ኣይተ ኢሳያስ ኣፍጨርቅን ድማ ብገንዘብ ከዛብ ዓረብ ጌሩ ንቶኻሉ ደምሒት ጌሩ ዉሕዉሕ ይብለልና።
    ሽዓን ድየ ታሪኸይ ኣባሓጎታተይ ቋንቋይ ስርዓተይ ምስ ተናዕቀን ደድሕሪ ከደምቲ ክኸይድ እተዘንጋዕኩ። ሕጂ ከም ኣርጊት ከልብን መሓዛ እራይምራይ ዓብድን ኮይነ እተፈንፈንኩ።

  • Samson November 5, 2014

    ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር-ነበር፡ ጀነራሉ፡ ኮለኔሉ ተራ ተጋዳላዩ፡ ስሬኡ ፈቲሑ፡ ተንበርኪኹ ብደምሂት ክእዘዝ ፍቓደኛ ስለ ዝኾነ፡ ለውጢ ካብ ውሽጢ-ሃገር ክመጽእ ተስፋ ኣይትግበሩ። ኣብ ወጻኢ ዘሎ ደላይ-ለውጢ ተሓባቢሩ ኢሳያስን ህግደፍን ንምጥፋእ ክልዓል ኣለዎ።

  • liya November 5, 2014

    ewy keren komontka nay tgray eyu

  • tesfu November 5, 2014

    shame on you Eritrean Youth looking silently while your country is going to hell.

  • TRUE LIES November 5, 2014

    ካብቶም 25.000 ዝኾኑ ሰራዊት ደምሒት ሓደ 40% ምስ ወያነ ርክብ ከም ዘለዎም ኣይንረስዕ።እዚ ክብል ከለኹ ወያነ ምንቅስቓስ ናይ ህግደፍ ክፈልጥ ስለ ዝደለየ እዩ ንምባል ደልየ እየ፣እታ ዓሰብ ናብ መንግስቲ ቓጣር ንዕስራ ዓመታት እዩ ይመስለኒ ሊዝ ኮይና ኣላ፣መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቓጣር እናኸፈለ ክጥቀመላ እዩ ዝብል ኣጸቢቑ ዘይተረጋገጸ ወረ ኣሎ ፣ስለዚ ዳርጋ እታ ዓሰብሲ ንረስዓያ ዓይነት እዩ ዝመስል ኣፋፍኖት መንግስቲ ኤርትራ።ኣየ ዓዲ ትፋናጣሕ ኣላ ንሕና ድማ ሱቕ ኢልና ንርእያ ኣለና፣ሕድሪ ስዉኣት ብኣፍና ጥራይ እዩ እምበር ሰብኡት ኣይኮንናን።ኢሳያስ ነብሱ ከውጽእ ብወደባትና ክሳማማዕ ምዃኑ ኣብ ኢትዮጵያ ክፉት ምስጢር እዩ።ብሕልፊ ቅድሚ እዛ ምርጫ ናይ ኢትዮጵያ ወደባትና ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትዋ ብምግባር ኢህኣደግ ክምረጸለን እዩ።

    • rezen November 6, 2014

      “ኣየ ዓዲ ትፋናጣሕ ኣላ ……ኢሳያስ ነብሱ ከውጽእ ብወደባትና ክሳማማዕ ምዃኑ ኣብ ኢትዮጵያ ክፉት ምስጢር እዩ።ብሕልፊ ቅድሚ እዛ ምርጫ ናይ ኢትዮጵያ ወደባትና ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትዋ ብምግባር ኢህኣደግ ክምረጸለን እዩ።”

      TRUE LIES,
      It is a sober view.

    • selam November 6, 2014

      True lies, We Ethiopians do Not need your port. We are doing fine with out your port. U better focus on your internal problem.

  • Abrhaley November 6, 2014

    ኩቡር ሓው ኣማኑኤል እዚ ባዶነት ናይ ሚኒሰትሪታት ተሓዚኡ አይተሓዘአ ዘምጽኦ ለውጢ ወላሓደ ከምዘየለ እተን ካልኦት ሚንሰትርታት ምሰክራት እየን።ኣብ ምኒስትሪ ዜና ግን ሚኒስተር ጥራይ ዘይኮነ ነይሩ ብውሕድ ፍርቂ መንግስቲ እዩ ነይሩ እንተበልና ሀጋፉ ርእይናዮኢና።ዓሊ ከም ወሀቢ ቃል ኣማኻሪን ሚኒስተር እዚ ስርዓት ከኣ ስለዝነበረ።

  • Bilen November 6, 2014

    Hade saHsaH do kemzi geru meAnTa nay malU hagerawi yzerg iyu.
    wey gud kulna ab wshTn wetsEn zelena metna ina zelena ymesleni.
    mTaEmi zehzn, motn shgrn ab geza nefsi wekef eritrawi atya gna entay ntsbe alena ayteredeAnn.

  • abraham November 6, 2014

    ከምቲ ንስኹም ንደምሒት ትንዕቁን ትጻረፉን ንሳቶም ድማ ንሰራዊት ሕድሪ ይንዕቁ ዶ ይኾኑ?ብድዐ,ንዕቀት ኣቃሪጽና ነብስና ነለሊ.ንሳቶም ድማ ንመሰሎም ይቃለሱ ከም ዘለው ኣይንረስዕ.esayas gin aferarihu yesrehom alo bzey dlyetom.slezi kab riesi ethiopiawyan nwred begakum,kulu hatyatnan geganan ab nebsnan mengstnan eyu zelo.gda kab serawit eritrea lewti zxbe hlmi koynu kterf yu

  • biniam November 6, 2014

    እተን ሚኒስትሪውን ልክዕ ከምቲ ሰብ እየን ገሊአን ይጽልጸላ ገሊአን ይድስክላ ገሊአን ይጣየሳ:ገሊአንውን ሕልፍ ዝበላ ኣለዋ ተጎርቢተን ዚኸዳ:ከም በዓል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት:ሚኒስተር ዶ ሞኾስተር ክብሎ ዑስማን ሳልሕ ንሹሙ ኮታ መልኡ ክባሃለለይ ከንብበሎም ድዮም ዝወስዱዎ በዓል የማነ ማንኪ ወይስ ሻንጣ ክስከም ንዕኡ ንገድፎ።ወላ በቲ እስያስ ዝሓንጸጾ ስማዊ ሕጊ ናይ ሚንስተራት ዕደላ እታ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳርውን ነቶም ኣስላም ብጺሒት ዝገበራውን ድሕሪ ነዊሕ ምድስካል ንእስላም ኪትበዝሖም ተምስል ንክርስትያን ዓዲሉዋ።

  • Truly Truly i say to you November 6, 2014

    …”ሚኒሽተር ምክልኻል ነበር ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ድሕሪ ምቕያሩ ፣ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሚኒስተር ክሳብ ሕጂ ሚኒስተር የብሉን። ዓሊ ዓብዱ ንስርዓት ኢሳያስ ገዲፉዎ ኣብ ኣውስትራልያ ዑቕባ ምስ ሓተተ ‘ውን ሚኒስትሪ ዜና ብዘይ ሚኒስተር እዩ ክኸይድ ጸኒሑ።”

    ወይ ጉድ! ብዛእባ ኣበይ ዘለዉ ሚኒስትራት እዚ ጸሓፋይ ዘሕክይ ዘሎ? ኣብ ኤርርትራ ንሙዃኑ ሚኒስትራት ኣለዉ ክበሃልዶ ይከኣል ድዩ?
    ብዝኾነ ሓደ ሕክያ ከሕክየኩም፣
    ብዛእባ ሓለቃ ገብረሃና ዝብሃሉ ተዋዛዪ ሰብኣይ ዘይፈልጥ ወይ ዘይሰመእ ሰብ ዘሎ ኣይመስንን።
    ሓደ ግዜ እንታይ ኮይኑ መስለኩም ኣብቲ ንሶም ዝነብሩሉ ሰፈር ብክቱር ድኽነትን ሕማምን ትፈለጥ ዝነበርት ሃንቲ ዘኽታም ኣረጊት ትሞተልኩም። ሓለቃ ገብረሃነ ግን ገይሾም ስለዝነበሩ ዋላሓንቲ ዝሰምእዎ ጉዳይ ኣይነበረን። ዻህራይ ካብ መገሻ ምስተመለሱ እቶም ጎረባብት ንሓለቃ ከርድእዎም ይኸዱ። ዳሕራይ ከምዚ ክብሉ ኣረድእዎም፣ ሓለቃ እታ ምስኪን ዘኽታም ኣረጊት ሰበይቲ እኮ ሞይታ በልዎም። ካብ ሕጂ ንሕጂ ሓለቃ ክሃዝኑ ክበኽዩ እዮም ኢሎም እንዳተ ጸበይዎም፣ ትቅብል ኣቢሎም፣ ኣንታ ንሳ´ዳ ብቀደምስ ማኣስ ብህይወት ነራ? ሞይታ ካብትብለኒ ተገላጊላ ደይትብለኒ። ብሃቂ ሕጂ እያ ሕይወት ረኪባ በሉ ይብሃል።
    እዚ ሓውና ድማ ብቐደሙ ንዝሞተ ንዘየሎ ምክልካል ሚኒስትር፣ ከምዘሉ ሽሙ ይጽውኣልና። ኤርትራ መከላከሊ ሚኒስትር ተዝሕልዋ መሬትና ብወያኔ ብሃይሊ ተጎቢጡ ምተረፈ´ዶ? ዝገደደ´ከኣ ኣብ ኤርትራ ዜና ከምዘሎ ሚኒስትሪ ዜና ነበር ኢሉ ይጽው ኣልና። ቀስ ኢሉ ሚኒስትር ወጻኢ፣ ሚኒስትር ፍትሒ እናበለ ከይቕጽል ስልዝስጋእኩ፣ በታ ቃዛፊ ኣብ ኤርትራ ኡደት ኣብዝገብረሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ሕግደፋውያን ነቲ ዘባጨወሎም ሕክያ ሓክየ ክፋነወኩም።
    ቃዛፊ ኣብ መእርፎ ኣየር ምስወረደ በቲ ናይ ፕሮቶኮል ሓላፊ ምስ ሚኒስትራት ከላልዮ እንከሎ ፣ እዚ እገለ ሚኒስትር ጥዕና ይበሓል፣ እዚ ምኒስትር እገሌ እናበለእዚ ኣብ መወዳእታ እዚኣ ፎዚያ ሓሽም ሚኒስትር ሕግን ፍትሕን ትበሃል ምስበሎ፣ ቃዛፊ ደንጺውዎ ወይለከይ ሕግን ፍትሕን ኣለኩም እምበኣር ኢሉ ከምዘባጨወሎም ትፈልጡ ዲኹም?

    • rezen November 6, 2014

      “ቃዛፊ ደንጺውዎ ወይለከይ ሕግን ፍትሕን ኣለኩም እምበኣር ኢሉ ከምዘባጨወሎም ትፈልጡ ዲኹም?”

      NO, NO, NO >>> does it matter? Oromai!

      Thanks, Truly Truly, for your incisive observation. What a TRAGEDY!

1 2 3

Post a Reply to ahmed saleh Cancel Reply