Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ኤርትራ፣ ትማሊ ሰንበት 6 ጥቅምቲ ልዕሊ 80 እሱራት ካብ ቤትማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ኣምሊጦም።

ትማሊ ሰንበት 6 ጥቅምቲ ልዕሊ 80 እሱራት ካብ ቤትማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ብምምላጥ ተሰዊሮም። እቶም ናብ ከባቢ ጻዕዳ ክርስትያን ከምዝሃደሙ ዝተረድኡ ሓለዋ ቤትማእሰርቲ ነቶም እሱራት ከርክቡ ናብ ጻዕዳ ክርስትያን ኳ እንተኸዱ ህዝቢ 'ቲ ዓዲ ድሮ ሓቢኡዎም ስለዝጸንሐ

ትማሊ ሰንበት 6 ጥቅምቲ ልዕሊ 80 እሱራት ካብ ቤትማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ብምምላጥ ተሰዊሮም።

እቶም ናብ ከባቢ ጻዕዳ ክርስትያን ከምዝሃደሙ ዝተረድኡ ሓለዋ ቤትማእሰርቲ ነቶም እሱራት ከርክቡ ናብ ጻዕዳ ክርስትያን ኳ እንተኸዱ ህዝቢ ‘ቲ ዓዲ ድሮ ሓቢኡዎም ስለዝጸንሐ ክረኽቡዎም ኣይከኣሉን።

እቶም ወተሃደራት ንዘዝረኸቡዎ ሰብ ክሓቱን ከሰራጥዩን ዝረኣየ ተገሪሁ ዝጸንሐ ሓደ ኣማኑኤል ዝተባህለ ወዲ ‘ታ ዓዲ ከምኣመሎም ዝገፉ ዘለዉ መሲሉዎ ክሃድም ፈቲኑ ሓደ ካብቶም ሓለውቲ ቶኪሱ ብጥይት እግሩ ወጊኡዎ።

ህዝቢ ጻዕዳ ክርስትያን ከኣ ናብቶም ሰራዊት ከይዱ እቲ ዝቶከሰ ኣርእዩና ኢሉ ብምክርኻር ነቲ ዝሃረመ በብዝሓዞ ሃሪሙ ኣውዲቑዎ። በቲ ኩነታት ዝሰግኡ ወተሃደራት ነቲ ዝወደቐ ብጻዮም ገዲፎም ንድሕሪት ምስተመልሱ፣ ፖሊስ መጺኦም ነቲ ተሃስዩ ወዲቑ ዝነበረ ወተሃደር ሒዞሞ ከይዶም። እቲ በቶም ወተሃደራት ዝተወቕዐ ወዲ ታ ዓዲ ከኣ ኣብ ሕክምና ተዓቝቡ ኣሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
57 COMMENTS
  • selemon October 7, 2014

    ወግዒ ወያነ መዓልታዊ ብኣማኒኤል ዝተጻሕፈ ሓደ መዓልቲ ብህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ ብህዝቢ ምብራቕ ኣፍሪቃ ትሕተተሉ ግዜ ይመጽእ ይኸውን ምኽንያቱም ኣንጻር ሰላም ትሰርሕ ስለዘለኻ

    • Tsegay Kefali October 7, 2014

      Solomon ata zbei hager men yehatt men yhtet abey emo

    • isayas October 7, 2014

      ብህዝቢ ዝሕተት ስ እቲ ንህዝቢ ሰላም ነፊጉ ንርእሱ ውን ሰላም ተሓሲሙ ኣብ ሁከት ዝነብር ዘሎ ገባቲ መራሕ ህግደፍ ኢዩ፤
      ኣማኒኤል ኢያሱ ዝኾነ ነገር ኢዩ ዝጸሓፈ በዚ ከኣ ይምጎስ ኣሎ፤
      ጽቡቅ ጥራሕ እናሰማዕካ ነብስኻ ከተታልል ተደሊኻ ትቪ አሪ ወይ ሓዳስ ኤርትራ ተወከስ

    • Tes October 7, 2014

      Selemon Ede!!!chenawie brainless teiqi!!

    • Simon G. October 7, 2014

      ምኽንያቱም ሲ ኣምሓርኛ ኣምሲልካያ, ሰለሞን

  • dan October 7, 2014

    ሰሎሞን ከማኻን ወዲ ከማኻን ኢዮም ሃገር ዘጥፍ ኡ

    ዘለዉ

  • helen October 7, 2014

    Selemon,
    Reporting about the escape of 80 people from PFDJ’s prison is not anti peace (Antsar Selam). Do you want the 80 people to expire in the prison?

  • ande October 7, 2014

    Zubuk gerom

  • semere October 7, 2014

    Solomon
    Ata aytihafrin zhtetu daa dey etom azmadka seb ziasru zelewu eyom kor tegelbet ensisa mibelkuka gin tixihif konka medengex

  • Massawa October 7, 2014

    Solomon, you must be one of those ‘risi mrakh’ of the regime.

  • Gemel October 7, 2014

    Selemon:

    Why would reporting the news be a crime?

  • amanuel yemane October 7, 2014

    Selemon ኣታ ጸማም ሓቅኻ ኢኻ ሓቂ ዝተዛረበ ዝእሰረሉ ግዜ እንድዩ።

  • shewit October 7, 2014

    Yes,Selomon
    Why is a crime to report what is happening inside Eritrea?
    Please use your brain and come up with a good reason. Please stay away from TV Ere for a little while and keep tuned to Asena news just for a change.

  • Ti October 7, 2014

    Anabs deqi Eri!! bebzelenayo nqawem alena!!
    deqi tsaEda christian dma amlakh ybarkhkum.

1 2 3 5

Post a Reply to Wadbahar Cancel Reply