Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘሕጉስ ዜና ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጅቡቲ

[መጋቢት 29, 2014] ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ብዛዕባ እቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ክሰጋገሩ ዝደልዩ ኤርትራውያን ሕቶኦም ግብራዊ መልሲ ክረክብን ናይቶም ናብ ካልኦት ሃገራት ክሰጋገሩ ዝደልዩ ጉዳይ ብዕቱብ ክርአን ምስ ላዕለዎት ኣካላት

[መጋቢት 29, 2014] ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ብዛዕባ እቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ክሰጋገሩ ዝደልዩ ኤርትራውያን ሕቶኦም ግብራዊ መልሲ ክረክብን ናይቶም ናብ ካልኦት ሃገራት ክሰጋገሩ ዝደልዩ ጉዳይ ብዕቱብ ክርአን ምስ ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን UNHCR ተራኺቡ ተዘራሪቡ። ብመሰረት እቲ ብኣባላት ስምረት ዝተኻየደ ዘይሕለል ጻዕሪ ክሳብ ሕጂ እቶም ናብ ኢትዮጵያ ክሰጋገሩ ዝደልዩ ኤርትራውያን እሱራት ብጅቡቲ ቅልቀቑን ኢትዮጵያ ክትቅበሎምን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ።

ጉዳይ ኣብ ጅቡቲ ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራውያን መሰረታዊ ፍታሕ ንኽረክብ: ስምረት ምስ ኣብ ኣዲስ አበባ ዝርከቡ ወከልቲ ARRA ብቐጻሊ ርክባት ክትገብር ድሕሪ መጽናሕ: ኣብ መጋቢት 10 ምስ UNHCR ዝርርብ ብምክያድ እቶም እሱራት ምእንቲ ኽፍትሑ UNHCR ጸቕጢ ንኽትገብር ምሕጽንታ ቀሪቡ። ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ዝተኻየደ ርክብ: UNHCR ኣዲስ አበባ ምስ UNHCR ጅቡቲ ብምርኻብ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ይከታተሎ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ተበግሶ ንምድሓን ኣሕዋትናን ኣሓትናን: ኣብ መጋቢት 17 ወኪል ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር መንእሰይ ኣድያም ረዳኢ ምስ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብምርኻብ ዝርርብ ኣኻይዳ። ዶክተር ቴድሮስ ብወገኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ሚኒስትሪኡ ድማ ብፍላይ ነዞም ኣብ ሽግር ዝርከቡ ኤርትራውያን ክፍትሑን ብሰላም ናብ ዝሓሸ ዓዲ ክሰጋገሩን ዝከኣሎም ክጽዕሩ ምዃኖም ኣረጋጊጹ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ኢትዮጵያ ነቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንኽትቅበል ዘለዋ ድልውነትን ካብ መንግስቲ ጅቡቲ ዘድልዩ ምትሕብባራትን ብዝርዝር ዝተጻሕፈ ደብዳበ ናብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣምባሳደር ጅቡቲ ሰዲዱ። ኣምባሳደር ሱሌማን ብወገኑ ጅቡቲ ጉዳይ ናይ’ቶም ናብ ኢትዮጵያ ክሰጋገሩ ዝደልዩ ኤርትራውያን ንክሳለጥ ክትተሓባበር ምዃና ተመባጺዑ። ድሮ’ውን ሎሚ ንግሆ ምጽራይ ናይ’ቶም ናብ ኢትዮጵያ ክሰጋገሩ ዝደልዩ ኤርትራውያን ተጀሚሩ ከም ዘሎ ካብ ጅቡቲ ዝመጸና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ኣባላት ስምረት ምስ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ: ሎንዶን: ስቶክሆልም: ናይሮቢ ዝርከቡ ወከልቲ UNHCR ከምኡ’ውን ኣምባሳደራት ኢትዮጵያን ጅቡትን ብኣካልን ብደብዳበን ርክባት ከካይዱ ጸኒሖም ኢዮም። ኩሎም እቶም ኣብ ጅቡቲ ተኣሲሮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ተለቒቖም ናብ ሰለማዊ ሂወቶም ክመርሕሉ ዝኽእሉ ሃገር ክሳብ ዝሰጋገሩ: ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ኣበርቲዓ ክትጽዕር ምዃና ድማ ይሕብሩ።

ከም ዝፍለጥ 267 ዝኾኑ ኤርትራውያን ካብ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ባርነት ኣምሊጦም ናብ ጅቡቲ ምስ ኣተዉ: ብዘይ ንጹር ምኽንያት ንዓመታት ተኣሲሮም ኣደዳ ሕማምን ሞትን ይኾኑ ኣለዉ። ካብዚኣቶም እቶም 91 ናብ ኢትዮጵያ ክሰጋገሩ ፍቓደኛታት ኢዮም። ብዙሓት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ጉዳይ ናይዞም ኣብ ጸልማት ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን መዕለቢ ክርከበሉ በብወገኖም ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

ሓርነትና ናይ ግድን ኢዩ!!!

ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
37 COMMENTS
  • adi-nfas March 30, 2014

    well done smret ajokum kuluna ab godnukum alena

  • haile March 30, 2014

    how come there is no mention of Elsas Churum’s hunger strike?

    • Tes March 30, 2014

      haile,
      what is your problem? Elsa is playing her bit and smerr or dihnet hager are doing their bit. Who care what did what the main issue is to sort out the problem at hand.

  • Sala March 30, 2014

    ስምረት ናይ ውጹዓት ኣያ፣
    ህዝብና የመስግን ናይ ውዕሎኹም ቅያ፣
    መንእሰይ ዓይኒ ብሪ፡ ዕጠቕ ተዳሎ፡
    ንወፍሪ ዓደ’ቦ ክተት ይበሃል ኣሎ፡
    ስምረታዊ ስነ-ሞጎት’ዩ ቅኑዕ ጎደና ንቕሎ፡

    • Sala March 30, 2014

      ኤልሳ ተበጊሳ ንእንዳ መስከረምን EYSC ሒዛቶም
      ብጥምየት ከይተላሕሱ ስምረት ገላጊላቶም
      ስምረተይ ኩሕሎ
      ናትክ’ስ ንበይኑ’ዩ መን ክኽእሎ

  • asmara March 30, 2014

    What about Elas’s role. Has anyone done what she did this week at Geneva? It seems “Simret” or what so ever are trying to get credit for what others like Elsa payed the sacrifice. I wish good luck for those Eritreans who are at Djibouti. But “Simret” is extremely nonsense.

  • sara gual eritra March 30, 2014

    kemey nay ELSA tebegso zeytegeltse?
    thank you ELSA CHIRUM GOD bless you
    enqaE hagoseki

  • solomon March 30, 2014

    Simret why are in hurry for the NEWS. I understand it is a good progress but as you know it has been best to see results. further credit also be given to Elsa Chirum and others who worked day and night for the release of our brothers.

  • asghedom March 30, 2014

    politic is politic why elesa now not yesterday. every one wants glory. when the people write and read and they are advertised by Meskerem .com, they are part of the Eritrean regime we don’t believe them.
    why Meskerm was advertising of elesa CHirum. negeru Aigden only polotics

  • Asmerom March 30, 2014

    The announcement sound like a race of publicity and taking credit of a current development regarding eritreans In Djibouti.Smret is a childish competition with Elsa. Good Job anyway.:)

  • yonas March 30, 2014

    MANY MANY THANKS TO ‘SMRET ERITRAWYAN NDHNET HAGER’,THIS IS HOW ALL ERITRIANS SHOULD DO.WE HAVE TO HELP EACH OTHER,WE SHOULDN’T GET TRAPPED INTO HGDEF’S DIVISION AND CARELESSNESS.HGDEF SUPPORTERS OPEN YOUR EYES,PRAISING AND GLORIFING THE DICTATOT DOESN’T MAKE YOU’HAGERAWYAN’,THIS MAKES YOU ANIMALS.

  • hager March 30, 2014

    ጽቡቅ ግን ስራሕ ኤልሳኸ ደኣ ስለምንታይ ተዘንጊዑ ቅድድም ኮይኑ ባቃ ፍለጡለይ

1 2 3

Post a Reply to salem Cancel Reply