Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዉጩ፡ ብሰላም ኣዕርፍ (So long Wuchu)

 ዉጩ፡ ብሰላም ኣዕርፍ (So long Wuchu) ንስድራ (ኣባላት) ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትን ንመላእ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም። ሰብ ሕጽረታት ከይተፈልዮ ካብዛ ዓለም ኣይፍለን እዩ። ውሑዳት እዮም ንሕጽረታቶም በዲሆም ልዕሊ እቶም ኩሉ ዝተዓደሉ ብጾቶም ጎሊሖም ዝረኣዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፍትወትን ኣኽብሮትን

 ዉጩ፡ ብሰላም ኣዕርፍ (So long Wuchu)

ንስድራ (ኣባላት) ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትን ንመላእ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም።

ሰብ ሕጽረታት ከይተፈልዮ ካብዛ ዓለም ኣይፍለን እዩ። ውሑዳት እዮም ንሕጽረታቶም በዲሆም ልዕሊ እቶም ኩሉ ዝተዓደሉ ብጾቶም ጎሊሖም ዝረኣዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፍትወትን ኣኽብሮትን ብጾቶም ዘጥረዩ ውሑዳት ዕድለኛታት ዝልለዩሉ ጠባይ እንተሎ ንሕጽረታቶምን ውሱንነት ዓቕሞምን ፈሊጦም ንመሳርሕቶም ብምስታፍ  ንድኹም ጎንታቶም መሊኦም ምሉኣትን ልዕሊ ምሉኣትን ክኸኑ ምኽኣሎም እዩ።  ተጋዳላይ ዉጩ ንሕጽረታቱ ስዒሩ ልዕሊ ምሉኣት ክኸውን በቒዑ። ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ምስሉን ምስሊ ከምኡ ዝኣመሰሉ ምቕሉላትን ደፋራትን ኣዘዝቲ ተሃኒጹ’ዩ ዘይድፈር ዝመስል ዝነበረ ዝደፈረ። የቐንየልና ስለ’ቲ ኣገልግሎትካ ብጻይ ዉጩ ። ብሰላም ኣዕርፍ።

ምስኡ ዝወዓሉ፡ ለዋህ፡ ተጫራቓይ፡ ክፉእ ዘይኣልም፡ ገርሂ፡ ዝረኣዮ ኣብ ገጽካ ዝብለካ፡ ንሰራዊቱ ዝሓሊ፡ ናይ ስራሕ ናጽነት ዝህብ፡ ተባዕ፡ በሊሕ…ኢሎም ገሊጾሞ።

ኣብ ስድራ ህዝባዊ ሰራዊት ንዝነበረ ሰብ ጽልዋ ዉጩ ካብ ርሑቕ እዩ ዘራኽበሉ ነይሩ። ምስኡ ሰሪሕና ዘይንፈልጥ ከይተረፍና ብሕክያታት ዉጩ ተዘናጊዕናን ተተባቢዕናን ሓዪልናን ኢና። ሓደ ካብቶም ዝና ህዝባዊ ሰራዊት ሰማይ ዝሰቀሉ ምቕሉላት ኣዘዝቲ ምንባሩ ዝካሓድ ኣይኮነን። ውሩይ ወተሃደራዊ መራሒ ጥራይ ዘይኮነ ዘይንጸል ያታን ኣፈታሪኽን ህዝባዊ ሰራዊት- ማለት ባህላዊ መለለዪ ወይ cultural icon እውን ነይሩ እዩ። ዋዛታት ዉጩ ንግርህና፡ ለውሃት፡ ቆራጽነትን ጽንዓትን ተጋዳላይ ኤርትራ ዝገልጹ ነይሮም። መልእኽቲ ናይተን ውሑዳት ጥረ ቃላቱ ነቲ ሸፊንወን ዝፍኖ ዝነበረ ገጠራዊ  ጠባያት ማለት ኣገላልጽኡን ኣካላዊ ገጸባህርያቱን ገሊህካ ኢኻ ትርድኦ። ዘይጸዓድ ጽንዓት ኤርትራዊ ተጋዳላይ ምስ ኣንጸባረቐ እዩ። እዚ መዳይ እዚ ንዕኡ ከም ሰብ ንምትሓቱን ምንኣሱን ዘይኮነስ ንምሕያሉን ምጉባዙን ተጠቒሙሉ። ንኩሎም እቶም ከም ምክትላቱ ኮይኖም ዝምህርዎን ዝተሓጋገዝዎን ዝነበሩ ብጾት ዕድል ስራሕ ይህብ ስለዝነበረ፡ ናቱ ጥረ(raw) ወተሃደራዊ ክእለት ምስ ናይ ሓንጎሎም ዓቕሚ ተወሃሂዱ እቲ ንፈልጦ ዉጩ ፈጢሩ። እዚ ከኣ እዩ ምስጢር ዓወት ናይ ዉጩ- ሕጽረታቱ ፈሊጡ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ጸጋታት ሰብ ብግቡእ ምጥቃም። ዝምድና ወዲ ልብሱን ዉጩን ከምኡ እውን ዝምድና ካልኦት ምስ ዉጩ ዝሰርሑ ናይ ቀለም ዕድል ረኺቦም ዝተሰለፉ ብጾት ከም ወዲ ብላታ፡ ኣብረሃለይን ብጻይ ቢተወደድ ኣብራሃን ነዚ ይምስክር።

ገርህን ገጠራውን ጠባዩ ሓሓሊፉ ዘይድለ መልእኽትታት ዘመሓላልፍ ኣበሃህላታት ከም ዝስንዱ ገይሩዎ ይኸውን። እዚ ሓደ ካብ ሕጽረታቱ ክኸውን ይኽእል። “ እዚኣ እንተበልኩስ እንታይ ተሰምዕ ትኸውን” ዝብልን ዝራቀቕን ሰብ ኣይነበረን። እቲ ኣብ እዋን መዘናግዒታት ተባሂሉ ዝበሃል ዘረባታት ንዋዛታት ተጋዳላይ ዘይፈልጥ ሰብ ካልእ ትርጉም ከስምዕ ይኽእል። ሰብ እንድዩ፡ ሕጽረት ክነብሮ ግድን እዩ።  ሰብ ግን ብምሉእነቱ ምስ ዝረአ እዩ ፍትሓዊ ስእሊ ዝወሃብ። ብሂወቱ እንከሎ ኣስሚዕናዮ እንተንኸውን እውን ኣይመኽፈአን።

ኣብቲ ዓምዲ ርኢቶ ተለጢፉ ዘሎ ጸርፍታት ዘሕዝን እዩ። ክንድዚ ኣጸያፍን ከፋፋልን ዘለፋታት ኣይመድለየን። ብመሰረቱ እውን ቃል ደለይቲ ፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ፡ ፍትሒ ፍትሒ እያ። ኣብ ዝደለኻያ ግዜ ተውጸኣን ኣብ ዘይደለኻያ ግዜ ትቐብራን ኣይኮነትን። ፍትሒ ንጸላኢኻ እውን ኣይትበቃን፡ ኣይኮነን ንስዉእ ዉጩ። ፍትሓውያን ምኻንና ብግብሪ ክነርኢ ኣለና። ፍትሒ ንርእስና ንጠልባ እንተኮይንና ንሬሳ ስዉእ ዉጩ ክንነፍጋ የብልናን። ብሰላም ክነፋንዎ ኣለና።

ዉጩ ወተሃደር እዩ ነይሩ። በታ ስራሕ’ቲኣ ከኣ ሂወቱ ብዘሕብን ዝኽርታት ዝመልአት እያ። ፖለቲካ ንፖለቲካኛታት እዩ። ንዉጩ በታ ስርሑ ደኣ ክንርእዮ ኣለና እምበር ሕጂ ምስ ዓረፈ ብረቂቕ ኣምራት ፖለቲካ ክንመዝኖ ፍትሒ ኣይኮነን። በቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝግበር ዝነበረ ግፋ እውን ታሪኹ ክንብልል የብልናን። ሰራዊት ንስራሕ ፖሊስ ኣይምልመልን እዩ። ሰራዊት ንውግእ እዩ ዝሰሓል። ሰራዊትና ስራሕ ፖሊስ ክሰርሕ ይእዘዝ ከምዝነበረን ኣብቲ መስርሕ ብዙሕ ጉድለታት ከምዝነበሮን ኣብኡ ዝነበሩ ይዝክርዎ። ብፍሉይነት ንዉጩ ዘንቅፍ እንተነይሩ ከኣ ብሂወቱ ከሎ እዩ ክኸውን ዝግበኦ ነይሩ።  ስለ’ዚ ኣሕዋት፡ መረረ ክህሉ ይኽእል ግን ብዝተኻእለ መጠን እዚ ሰብ’ዚ ብምሉእነቱ እንተራናዮን ብሰላምን ሓበንን እንተፋነናዮ ይሓይሽ። ውሱንነት ዓቕሙ ዘፍቀዶ ኩሉ ንሃገሩ ጌሩ እዩ። ንሓደ ኣውቶመካኒክ፡ ኣዕጽምቲ ሰብ ከገጣጥመልካ ኣይትጽበዮን። ዉጩ ነቲ ኣብ ወተሃደራዊ ሂወቱ የጓንፎ ዝነበረ ግድላት ብግቡእ ገጢሙ ዝሓለፈ ብጻይ ‘ዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንሰብ ሰብ ዘብል ጠባያት ዝተዓደለ ብጻይ ምንባሩ መጋድልቱ ይገልጽዎ ኣለዉ። ስለ’ዚ ብጻይ ዉጩ ግቡእካ ፈጺምካ ኢኻ ብሰላም ኣዕርፍ ምባሉ ግቡእ እዩ። So long wuchu, rest in peace.

ንእሽቶ ምኽሪ ነቶም ፖለቲካ እትጻወቱ ዘለኹም ኣሕዋት፡ ፈተውቱ ጥራይ ዘይኮኑስ ጸላእቱ እውን ናይ ኣኽብሮት ሱቕታ ወይ ዕርፍቲ ሂቦሞ ከምዘለዉ ፍሉጥ እዩ። ብመሰረቱ እውን ባህላውን ሞራላውን ክብርታት ህዝብና ንዝዓረፈ ሰብ ክንድዚ ጸርፍታትን ዘለፋን ክወርዶ ኣየፍቅድን። ንጽሕፎን ንብሎን ሓላፍነታዊ እንተኾነ ይሓይሽ። ወላ ብዓይኒ ስልቲ ክረአ ከሎ፡ ነዚ ድንገት እዚ ንፖለቲካዊ ዓላማ ምጥቃም ኣየረብሕን እዩ። ብቁጽሪ እውን ኣየዋጸኣኩምን’ዩ- ብፍላይ ኣብዚ እዋን ሓዘን፡ ፈተውቱን ኣኽበርቱን ካብ ጸላእቱን ንዓቕቱን ብዕጽፍታት ስለዝበዝሑ። ደሓር ከኣ ኣብ ዝዓረፈ ሰብ ከራሩኹም እንተዘየጕደምኩም ይሓይሽ።

ነባሪ ዝኽሪ ንስዉኣትና

ማሕሙድ ሳልሕ

***መንቀሊ ናይዛ ንእሽቶ ርኢቶይ እቲ ብገለገለ ሰባት ክልጠፍ ዝጸንሐ ኣዝዩ ዘሕዝን ርኢቶታት እዩ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
219 COMMENTS
  • Habte Kifle March 10, 2014

    Dear “Mohammad Saleh”

    No one should and will deny that Wuchu ia a Hero. RIP. We are all proud of him as a fighter but not as an administrator!!
    What we all the True Eritreans are saying is ” It should not be the winner takes it all as per the animal kingdom” Because EPLF has won the war it should not dictate the Eritrean people to run the nation wrongly with an Iron Feast and without any constitution!!!
    What we are saying is ” Let them take care of the national security and defence but leave to the intellectuals and capable Eritreans to run and prosper our lovely nation”

    Most of our heros changed to Zero after destroying their name by mismanaging the whole Eritrean Economy and they changed the whole nation to a concentration camp!! Above all ” an injustice to one is an injustice to everyone.” If they are quiet when all the injustice is commited against the Eritrean people he is not immune to be blamed like the others.

    Any objection Mohammad!!??

    • mahmud saleh March 10, 2014

      habte kifle: I agree with most of your characterization. I wrote a piece in the aftermath of Lampedusa” PFDJ has to surrender power to the rightful owners…” and echoed similar reflection stating that Eritrea had all the prerequisites for success and lamented on the fact that we were going backwards in many respects, esp, political. We all wish Wuchu played a positive role in that regard, he did not. Now, with the understanding that looking up to a general to solve our political mess may not be the right one, I agree if miraculously Wuchu played that unique role of standing up for his people, it would earn him a double admiration.My take away is this man was not so sophisticated and few expected him to rise to that occasion. Given his limitations, and the political mess under which he lived, I think my article is balanced.

  • hariray March 10, 2014

    “ንስድራ (ኣባላት) ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትን ንመላእ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም።”
    ከይሓፈርካ እዚ ቓል ትጽሕፍ? መብዛሕትኡ ዳርጋ ኹሉ ህዝቢ በንጻሩ ካብ ኣድመይቱ ሓደ ከምጎደለ እምበር ከምዝሓዘነ ብኸመይ ፈሊጥካስ ንኹሉ ህዝቢ እብ ሓደ ኸረጺት የእቲኻ ባዕልኻ ንኡስ ፕረዚደንት ትኸውን ?!! ሰብ ብዘይትፈልጦ ተዳናገረካስ ደሓን ግን ግመል ሰሪቕካስ…… እይፋልካን ዝሓወይ ቐትሪ ምድሪ ላምባዲና ሒዝካ ኣይትዙር

  • msgna March 10, 2014

    vvvvvvvvvv

  • Sorobeti March 10, 2014

    Mahmud is trying to convince us that those the so called freedom fighters like Wuchu and others who drove university students like animals to a concentration camp for just asking for their rights peacefully and watched many innocent students die of lack of medicine and food are heroes. No Mahmud, you are wrong, a hero is the one who stands and struggles for justice not those who perform their master’s orders as robot machines.

  • mahmud saleh March 10, 2014

    FOLKS:
    see, what you doing now is justice. You could hammer me even harder; I could reply if I wish to do so; I’m alive. You have a living and walking officials in the country. Please do us a service: do some exercise of your fingers and hurry up to the key board, let us here what each of those officials are doing.
    On wuchu: remember that there are thousands who read the same article, agreed or disagreed respectfully.Certainly history will have its take, but that was my personal take. I wish he turned up to be Sawar AZZAHAB of the Sudan; it did not, and I did not expect that from him.
    On personal attacks towards me: Every ugly word tells more about its owner than it says about the target. Therefore I will say nice stuff: thank you for reading. Stick to the substance. I represent myself, nobody else. You may call me opposition or hgdf, it does not change my independent mind. Thanks for those who posed interesting ideas, again, I

    • Yohannes March 11, 2014

      Mr mahmud saleh,

      Of course you are entitled to your opinion. But what everybody trying to inform you is that you are a mentally retarded person. What you wrote is totally out of nowadays reality in Eritrea. You know that he destroy a lot of Eritrean family and knowing that you try to lecture us about him. He should stand and say no to abusing Eritreans. After all he join the struggle for the rights of Eritreans. On the contrary, he was abusing Eritreans more than the colonizers. For God/Allah sec, why don’t you shut up your mouth? You know there are a lot of Eritreans out there who know more than you. I never came across to shinti Muslim like you. Be brave like Wedi Ali, like your fathers or shut up your mouth. I hope not tomorrow when wedi Medhin berad pass away, you again will wright another article with “so long wedi medhin berad” and argue that you are entitled to your independent opinion.

      • mahmud saleh March 11, 2014

        Yohannes: you are entitled to your opinions, too. You are not mentally retarded, and you are not shinti….

  • mahmud saleh March 10, 2014

    ሎሚ ወላ እታ ኮምፑተረይ ተጸሊላ’ላ። ነታ ኣብ ላዕሊ ዘላ ናይ እንግሊዘኛ ክምለኣ ክልተ ግዜ ፈቲነ ኣይተዓወትኩን፡ ስለእዚ ብትግርኛ ክምልኣ፡ ብሕጽር ዝበለ ኣብቲ ብዙሓት ዘተኮሩሉ ዝምድና ሰራዊትን ሲቪሊኣንስን እየ ክምልእ ደልየ። ወተሃደር ትእዛዝ እዩ ዝፍጽም። ካልእ ኣማራጺ የብሉን። ናቱ ውሽጣዊ ሕግታት ኣለዎ (code of conducts) ኣብ ውሽጡ ዘመሓድሮን ምስ ግዳም/ ሕሰብ ዘራኽቦን። ንኣብነት ናይ ዊዓ እንተወሰድና፡ ዘሕዝን እዩ። ሓዚንና እውን ኣብ ግዚኡ። ኣብ ኤርትራ ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓ እንተዝህሉ፡ ሎሚ መን ንመን ትእዛዝ ሂቡ፡ ብከመይ ተፈጺሙ፡ ሰራዊትና እንታይ እዩ ጥፍኣቱ፡ እቲ ቺቪሊኣን ወይ መንግስቲ ከ እንታይ ቀደም ምፈለጥና። ስለ’ዚ እቲ ጸገም ንሰራዊትን ኣዘዝቱን ጥራይ ዘይኮነ ንኩሉ ኣሰራርሓ፡ ንኩሉ ጽፍሕታት ዝበደለ ኢቅዋማዊ፡ ኢዲሞክራስያዊ ኣመሓድራ ስለዘሎ እዩ። ዉጩ ኲናት ወሊዑ ተባሂሉ፡ እዋእ ዉጩ ‘ኮ ወተሃደር እዩ ኢልና ኢና። ወተሃደር ድማ ትእዛዝ ምፍጻም እዩ ስርሑ። ወተሃደራት ኣመሪካ ጽባሕ መክሲኮ ክትወሩ ኢኹም እንተተባሂሎም፡ ኣብ ታክቲካዊ ጉዳያት ደኣ እዮም ርኢቶኦም ዝህቡ እምበር ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢዶም ኣይእትዉን። ኲናት ምውላዕ ወይ ጠጠው ምባል ፖለቲካዊ ውሳነ እዩ። ዉጩ ህዝባዊ ማዕበል ተላዒሉ( ከም ሜዳ ታሕሪር ናይ ካይሮ) ምስ ህዝብኻ’ዶ ምስ ኣያኻ ተባሂሉ እሞ ንኣይኡ ክከላኸል ህልቂት እንተዝፍጽም ርኢቶይ ካልእ ምኾነ። ኣብዛ ርኢቶ’ዚኣ እውን ብጹእ እዩ ነይሩ ኣይበልኩን። እቲ ጸገም ካብ ዉጩ ይገዝፍ ኣሕዋት። ፖለቲካዊ ጸገም እዩ። ኣቶ ተወልደመድህን ነገራት ከምዝሓላልኽ ከምዘገራጩን ትገልጸኒ ኣለኻ። ብልክዕ ንስኻ ትጽበዮ ሓሳባት ከቀምጥ ኣይክእልን- በበይንና ስለዝኾንና። ላምፐዱሳ እያ ኣበጊሳትኒ። ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ ዝተፈላለየ ጽሑፋት ኣቕሪበ ኣለኹ። ብጥሙር መልክዕ እንተርኢኻዮ ናጻ ርኢቶ ዝውንን ሰብ ምዃነይ ክበርህ ይኽእል። ኣብቲ ንሰማማዕሉ ንሰማማዕ፤ እንተዘይተሰማማዕና እውን፡ ካብ ፍልልያትና ንመሃሃር እምበር ዝሃሲ ኣይመስለንን።

  • Michael Haile March 10, 2014

    ናብ ክቡር ሓዉ ማሕሙድ ሳልሕ ሰላምታ-
    ቀጺለ ዘቅረብካዮ ሓሳብ ኣብ ገለ ይሰማማዓሉ ኣብ ገለ ዉን ኣይሰማማዓሉን እየ፡ከምቲ ዝበልካዮ ኣብ ግዜ ቃልሲ ይሰማማዕ፡ዉጩ ከም ማንም ሰብ ንዕላማ ዝወጸ እዩ እምበር፡ ናይ ዉልቂ መደባት ወይ ናይ ገዛእቲ መደባት ከተግብር እሉ ዝወጸ ኣይኮነን ነይሩ፡ስለዚ ኢና ዉን ታሪኹ ካብ 1970-1991 ጂግና ክንብሎ ዘምሕረልና።ካብ 1992 መወዳእታ ግን ክሳብዛ ዝዓርፈላ ካብ ፍትሓዊ ሰብ ናብ ኣረሜናዊ ሰብ ተቅይሩ እዩ ።መጋበርያ ኣዛዚኡ ማሌት ኣያይ ዝብሎ ባዕሉ ኮይኑስ ልዕሊ ትእዛዝ ገበናት ምፍጻም ተሳሂሉዎ ነይሩ፡እቲ ትገልጾ ኩሉ ደምሲሱ መጋበርያ ክፋእት ተዓጢቁ ብዉሳኔ ናቱ ናይ ብዙሓት መንእሰያት ሂወት ቀዚፉ ምሕላፉ ኣይትረስዕ፡ንምንታይ ተጋዲሉ ህዝቡ ክብደል ከሎ ክከላኸልን ክጣበቅን ዶ ኣይኮነን ዕላምኡ ነይሩ ፡ንምግዳሉን ዕላምኡን ምልክት ሕቶ ገይሩሉ ሓሊፉ ፡ኣብ ህዝቢ ዝፍጸም በደላት ተዋሳኣይ እንተኾንካ ዕላማኻ ብኡ ከምዝዘንብዔ ክትርዳእ ፈትን፡ ስለዚ ተሓታትነቱ ብሂወቱ ምጸበቀ ነይሩ ግን ካእ ክፋል ታሪኹ ምኻኑ ኣይትረስዓዮ፡ቁሩብ ክስቆረካ ይግባእ መሳኪን ናእሽቱ ደቅኻ ሕሰም ዉጩ ስለዝኾኑ ይተፍእዎ ኣለዉ ምዕቃር ስለዘጸገሞም ኣብ ቅድሚኦም ዝፈጸሞ ስለዝኾነ እዩ፡ቅድሚ ምጽሓፍካ ዉን ክልተ ግዜ ንነብስኻ ምሓተትካያ ስለምንታይ እዚ ኩሉ ፧ብዝተረፈ ንስድራ መዋቲ ጽንዓት ይሃብ ባህልና እዩ።ወድሓንካ-

    • mahmud saleh March 10, 2014

      Michael Haile: ተረዲአካ። ንሃይለ ክፍለ ዝመለስክዋ ምስዛ ናትካ ትኸይድ እያ። “I agree with most of your characterization. I wrote a piece in the aftermath of Lampedusa” PFDJ has to surrender power to the rightful owners…” and echoed similar reflection stating that Eritrea had all the prerequisites for success and lamented on the fact that we were going backwards in many respects, esp, political. We all wish Wuchu played a positive role in that regard, he did not. Now, with the understanding that looking up to a general to solve our political mess may not be the right one, I agree if miraculously Wuchu played that unique role of standing up for his people, it would earn him a double admiration.My take away is this man was not so sophisticated and few expected him to rise to that occasion. Given his limitations, and the political mess under which he lived, I think my article is balanced.”

  • SAVING YOUNG ERITREANS March 10, 2014

    “ካብ ተኽሊ ሓሽሽ ኣራንቺ ዝጽበዩ ገልዳማት ጥራይ እዮም”

    ነህባይ ብቑንጅና ምውድዳር ከንቱ እዩ ከም ዝብሃል ውጩ ይኹን እቶም ባባ ኢሳያስ ኣሲርዎም ዘሎ ኩሎም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ምንባሮም ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።ካብ እቶም ብ G-15 ዝፍለጡ፣ ሓረስታይ ኤርትራ ደቁ ክምንዛዕ ከሎ፣መርዑት ካብ ሕጽኖተን፣ካብ ንእዲ ተጎቲተን ናብ ማሕረዲ ናይ ገድሊ ክግደዳ ከለዋ፣ድሙ ድሙ ኣስትዮም ከባዕልጉወን ከለዉን፣ቅኑዕ ሕቶ ዝሓተቱ ብስልኪ ተሓኒቖም ኣብ ጣሻታት ክድርበዩ ከለዉ ኣበይ ኔሮም ፧ ጉዳይ ባድመ ፣ባዕሎም ኣብ ሰማንያታት ንተጋድሎ ሓርነት ኣውጺኦም ንወያነ ዝለገስዎ መሬት ፣ኢሳያስ ሓዊ ወሊዑ ንመንእሰያትና ንጻህያይ ኢሉ ኣታሊሉ ይኹን ካብ ትሕቲ ዓራት ጎሲሱ ንማሕረዲ ኵውርውሮም ከሎ ምንም ዘይበሉ፣ ወያነ ሓራእራእ ምስ ኣበለና ግን ፣እሞ ህዝቢ ኤርትራ ከዕዘምዝም ምስ ጀመረ፣እታ ሽፍታ ውድቦምን እቲ ዓማጺ መንግስቶምን መታን ከይፈርስ ነቲ ሓጥያት ንኢሳያስ ንበይኑ ከሰክምዎ ፈቲኖም ፣ንሱ ግን ካብ ኣቶም ዝጠንከረ ሽፍታ ስለ ዝኾነ፣ነቲ ንዕኡ ኵውትፍሉ ዝፈተኑ ሸመር፣ናብኣቶም መሊስዎ ። ስለዚ ካብኣቶም፣ እዚ ኮሪዑ ኣብ ሽፍትነቱ ዝሞተ ዉጩ ይኸብር።
    ዉጩ, ህዝቢ ኤርትራ እንተቐተለ ፣ኣውራጃዊ ኮይኑ ብሕልፊ ንኣውራጃ ኣከለጉዛይ እንተገፍዔን ብጥርጣረ እንተርኣየን፣ንሬሳ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ,ኣዳግማ ነዛ ወዲ ሓሊማ ኣስላመይቲ ኢሉ ካላሽኑ እንተጅምዔ፣ደቂ ኣንስትዮ እንተዓመጸ፣ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮ በቶም “ኣሕዋትና” በደዊን ኣዕራብ ተጎምቡኢሖም ክግበሩ ፣ካብ ሳዋ ኣውጺኡ ንራሻይዳ እንተሸጠ፣____ይግበሮ ኣይግበሮ ነዚ ኩሉ ዝጠቐስኩዎን ካልእን እንተገበረ፣ሓቀኛ ተጋዳላይን ጅግና ስዉእን እዩ ዘብሎ። ኣብ ሃገረሰባት ኤርትራ ቀንዲ መሳርሒኦም ዝነበረ መምርሒታት ስለ ዝነበረ፣ንምንታይ ኢዩ ዝገርመኩም ፧ ወይ እቲ ገድሊ ሓቀኛን ጻድቕን ኔሩ ብኽልተ ሰለስተ ሰባት ከም ዝተባላሸወ ጌርኩም ትፈርድዎ፧
    ኣባል ኣል ቃይዳ ዝኾነ ተጋዳላይ ክርስትያንን ይሁዳውያንን ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ናተይ ዝብሎም ኣስላም እውን፣ጭሕሞም እንተዘያብቍሎም ደርፊ ንዝሰምዔ ብዳርባ እምኒ እንተዘይቀቲሎም ፣ይቐትሎም እዩ ።እዚ ድማ ሓቀኛ ተጋዳላይን ጻድቕን የብሎ እምበር ሓራዲ ኣየብሎን። ንምንታይ ኢኹም ካብ ህዝባዊ ሽቓቕ ኬክን ጆላቲን ትጽበዩ፣ካብ ሽቓቕ ሓርእን ተምላስን ኢኻ ተውጽእ። እዋይ እዚ ሽቓቕ እዝስ ሃነን ዝብል ጸብሒ ዝግኒ ዘይብሉ ኢልካ ምውቃስ ግን ናይ ኣተሓሳስባ ሽግር ከም ዘለካ እዩ ዘመስክር።
    ዉጩ ሸፋቱን ኣሸበርቲ ቴሮሪስትን ዝገብርዎ ,ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ግፍዒ ኣካይዱ እንተ ኔሩ, ሓቀኛ ተቓላሳይ ኔሩ ማለት እዩ። ኣዝማድና ተጋደልቲ ንኸንቱ ጥራይ ዘይኮነስ ንጥፍኣትና ከም ዝተቓለሱ ክንኣምን ስለ ዘቐንዝወና ናይ ባዕልና ፋንታሲ ፈጢርና ካብ ጎድፍ ወርቂ ክንፍሕር እንድሕር ንፍትን ሃሊና ፣እቲ ሽግር ናይቲ ጎድፍ ዘይኮነስ ፣ናይቲ ጎድፍ ኣተሓሳስባና እዩ።

    ዕንወት ንሸፋቱ ፣ህሉዋትን ሕሉፋትን፣
    ዓወት ንመንእሰያት ኤርትራ

    • Tes March 11, 2014

      Kubur Hawi saving young Eri,

      I just want to correct you in one of your points. You implying Wuchu hate Akeleguzay. May be you are right but if he was it is simply because he was retarded, ignorant individual. His ancestors were originally from Akeleguza from a village called Birkito locate between Seganeity and Adi Keyh. His village folks from Hamasein came to Birkito after liberation of Eritrea in mid-ninety with gifts and claim they are their folks and the village acknowledge their claim. You can do your own research if you want to know how/when they migrate to Hamassien from your side. The bottom line is those who advocating regionalism are doing so for their evil intention to grip in power. Otherwise the Eritrean society is interlinked by blood in one way or another. Of course there are few who are consumed by identity crises and on perceived fear of the majority. But that is all in their head.

      • SAVING YOUNG ERITREANS March 11, 2014

        Dear Brother Tes ,

        Actually I did not know Wuchu,that is why I qualified my conditional” ይግበሮ ኣይግበሮ ነዚ ኩሉ ዝጠቐስኩዎን ካልእን እንተገበረ፣ሓቀኛ ተጋዳላይን ጅግና ስዉእን እዩ ዘብሎ….I was trying to make a broader point of the organization..that were standard crimes & characters..so my bottom line was “Even if he is accused of such atrocires,,,it was and still is the trade mark of EPLF/MUDADA.
        However I appreciate your intention..we should be careful what we type.

        Thanks Tes

        Uncle SYE

  • Fact-is-Fact March 10, 2014

    The writer “mahmud saleh” clearly put his pair of shoes in his mouth. With all due respect, sir, you neither possess logic nor reason. You engaged, disengaed yourself in a very sensitive issue that affects more than 4 million people. At this stage of Eritrea’s circumstance, no sincere, reasonable, logical Eritreans attach him/herself wit a struggle & its leaders that destroyed the past, the present and the future. The long, intricated struggle and its cruel leadership didn’t only kill so many brights in meida but also brainwashed, diluted, derailed so many Eritreans’ mind in the likes of Wuchu, Naizghi Kiflu and senseless, insensitive cadres in the likes of mahmud saleh, Ali Abdu that have been trying to propagate and beautify the ugly realities of gedli, its leaders, its benefactors. Please have a sense of humanity to those parents who lost 5, 6 tegadeltis and adding salt to injury who were told “neghu neguho BeGiE keneHared aykonan!” . remember that>? this cruel word itself should have woken you up if you had had some iota of sensibility!

    • Genet-orginal March 12, 2014

      “neghu neguho Begie kenehared aykonan” live alone Begie, the Eritrean people can’t even get clean water and enough bread for their kids.

  • SAVING YOUNG ERITREANS March 10, 2014

    “UNILEVERን KFCን ናብ ወያነ ስለ ዝተቐየራ ብቓልስና ክውቅዓ ኣለወን,,,,,,
    ካብ KFC ወጻእና ማለት ብድሕሪ ሕጂ ኣብ ደርሁ ኣይጥበሳን እየን ማለት እዩ !!!”

    QUOTING BLOOMGERG (PARTIALLY)…

    Unilever Plans Manufacturing in Ethiopia to Emulate Vietnam

    Unilever (UNA), the world’s second-biggest consumer-products maker, plans to open a manufacturing plant in Ethiopia during the next year in a bid to emulate its expansion into Vietnam, a company official said.
    ……..“The plans are ambitious for Ethiopia because we see it as a growing market,” Brew said from London. “We’ve taken a long-term investment decision in Ethiopia because of the demography, broad-based growth and opportunity to create a genuinely inclusive and sustainable business model from scratch.”……
    Yum! Brands Inc. (YUM), the owner of the KFC fast-food chain, said on March 6 it’s considering entering Ethiopia as it expands across the continent. END OF PARTIAL QUOTE.

    እዚ ብዝተፈላለዩ ሃገራትን ኣወንዘፍቲ ሰደድን ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ምዕባለ ንኤርትራ ምቍንጻብ ጌርና ስለ ንርእዮ፣ነዘን ንኢትዮጵያ መሶብ ምዕባለ ምዃና ርእዮም ፣ናብቲ ትምህርትን ቴክኖሎጅን ኢትዮጵያ ዘበርክቱ ዘለዉ ካምፓኒታት ከም ጸላእትና ንርእዮም።

    ጽልኢ ወያነን ኢትዮጵያውያንን መሰረት ቃልስናን ሃገራዊ መምርሒናን እዩ።
    ጉድጓድ ዕርዲ ክንዲ ምዅዓት ፣ሰላሳን ሰለስተን ዩኒቨርሲታት ዝኸፍቱ ወያነ ብቓልስናን መኻልፍናን ሜላዊ ምዝላቕናን ዓነውቲ እዮም !!!

1 6 7 8 9 10 13

Post a Reply to Zufana Cancel Reply