Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዉጩ፡ ብሰላም ኣዕርፍ (So long Wuchu)

 ዉጩ፡ ብሰላም ኣዕርፍ (So long Wuchu) ንስድራ (ኣባላት) ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትን ንመላእ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም። ሰብ ሕጽረታት ከይተፈልዮ ካብዛ ዓለም ኣይፍለን እዩ። ውሑዳት እዮም ንሕጽረታቶም በዲሆም ልዕሊ እቶም ኩሉ ዝተዓደሉ ብጾቶም ጎሊሖም ዝረኣዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፍትወትን ኣኽብሮትን

 ዉጩ፡ ብሰላም ኣዕርፍ (So long Wuchu)

ንስድራ (ኣባላት) ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትን ንመላእ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም።

ሰብ ሕጽረታት ከይተፈልዮ ካብዛ ዓለም ኣይፍለን እዩ። ውሑዳት እዮም ንሕጽረታቶም በዲሆም ልዕሊ እቶም ኩሉ ዝተዓደሉ ብጾቶም ጎሊሖም ዝረኣዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፍትወትን ኣኽብሮትን ብጾቶም ዘጥረዩ ውሑዳት ዕድለኛታት ዝልለዩሉ ጠባይ እንተሎ ንሕጽረታቶምን ውሱንነት ዓቕሞምን ፈሊጦም ንመሳርሕቶም ብምስታፍ  ንድኹም ጎንታቶም መሊኦም ምሉኣትን ልዕሊ ምሉኣትን ክኸኑ ምኽኣሎም እዩ።  ተጋዳላይ ዉጩ ንሕጽረታቱ ስዒሩ ልዕሊ ምሉኣት ክኸውን በቒዑ። ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ምስሉን ምስሊ ከምኡ ዝኣመሰሉ ምቕሉላትን ደፋራትን ኣዘዝቲ ተሃኒጹ’ዩ ዘይድፈር ዝመስል ዝነበረ ዝደፈረ። የቐንየልና ስለ’ቲ ኣገልግሎትካ ብጻይ ዉጩ ። ብሰላም ኣዕርፍ።

ምስኡ ዝወዓሉ፡ ለዋህ፡ ተጫራቓይ፡ ክፉእ ዘይኣልም፡ ገርሂ፡ ዝረኣዮ ኣብ ገጽካ ዝብለካ፡ ንሰራዊቱ ዝሓሊ፡ ናይ ስራሕ ናጽነት ዝህብ፡ ተባዕ፡ በሊሕ…ኢሎም ገሊጾሞ።

ኣብ ስድራ ህዝባዊ ሰራዊት ንዝነበረ ሰብ ጽልዋ ዉጩ ካብ ርሑቕ እዩ ዘራኽበሉ ነይሩ። ምስኡ ሰሪሕና ዘይንፈልጥ ከይተረፍና ብሕክያታት ዉጩ ተዘናጊዕናን ተተባቢዕናን ሓዪልናን ኢና። ሓደ ካብቶም ዝና ህዝባዊ ሰራዊት ሰማይ ዝሰቀሉ ምቕሉላት ኣዘዝቲ ምንባሩ ዝካሓድ ኣይኮነን። ውሩይ ወተሃደራዊ መራሒ ጥራይ ዘይኮነ ዘይንጸል ያታን ኣፈታሪኽን ህዝባዊ ሰራዊት- ማለት ባህላዊ መለለዪ ወይ cultural icon እውን ነይሩ እዩ። ዋዛታት ዉጩ ንግርህና፡ ለውሃት፡ ቆራጽነትን ጽንዓትን ተጋዳላይ ኤርትራ ዝገልጹ ነይሮም። መልእኽቲ ናይተን ውሑዳት ጥረ ቃላቱ ነቲ ሸፊንወን ዝፍኖ ዝነበረ ገጠራዊ  ጠባያት ማለት ኣገላልጽኡን ኣካላዊ ገጸባህርያቱን ገሊህካ ኢኻ ትርድኦ። ዘይጸዓድ ጽንዓት ኤርትራዊ ተጋዳላይ ምስ ኣንጸባረቐ እዩ። እዚ መዳይ እዚ ንዕኡ ከም ሰብ ንምትሓቱን ምንኣሱን ዘይኮነስ ንምሕያሉን ምጉባዙን ተጠቒሙሉ። ንኩሎም እቶም ከም ምክትላቱ ኮይኖም ዝምህርዎን ዝተሓጋገዝዎን ዝነበሩ ብጾት ዕድል ስራሕ ይህብ ስለዝነበረ፡ ናቱ ጥረ(raw) ወተሃደራዊ ክእለት ምስ ናይ ሓንጎሎም ዓቕሚ ተወሃሂዱ እቲ ንፈልጦ ዉጩ ፈጢሩ። እዚ ከኣ እዩ ምስጢር ዓወት ናይ ዉጩ- ሕጽረታቱ ፈሊጡ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ጸጋታት ሰብ ብግቡእ ምጥቃም። ዝምድና ወዲ ልብሱን ዉጩን ከምኡ እውን ዝምድና ካልኦት ምስ ዉጩ ዝሰርሑ ናይ ቀለም ዕድል ረኺቦም ዝተሰለፉ ብጾት ከም ወዲ ብላታ፡ ኣብረሃለይን ብጻይ ቢተወደድ ኣብራሃን ነዚ ይምስክር።

ገርህን ገጠራውን ጠባዩ ሓሓሊፉ ዘይድለ መልእኽትታት ዘመሓላልፍ ኣበሃህላታት ከም ዝስንዱ ገይሩዎ ይኸውን። እዚ ሓደ ካብ ሕጽረታቱ ክኸውን ይኽእል። “ እዚኣ እንተበልኩስ እንታይ ተሰምዕ ትኸውን” ዝብልን ዝራቀቕን ሰብ ኣይነበረን። እቲ ኣብ እዋን መዘናግዒታት ተባሂሉ ዝበሃል ዘረባታት ንዋዛታት ተጋዳላይ ዘይፈልጥ ሰብ ካልእ ትርጉም ከስምዕ ይኽእል። ሰብ እንድዩ፡ ሕጽረት ክነብሮ ግድን እዩ።  ሰብ ግን ብምሉእነቱ ምስ ዝረአ እዩ ፍትሓዊ ስእሊ ዝወሃብ። ብሂወቱ እንከሎ ኣስሚዕናዮ እንተንኸውን እውን ኣይመኽፈአን።

ኣብቲ ዓምዲ ርኢቶ ተለጢፉ ዘሎ ጸርፍታት ዘሕዝን እዩ። ክንድዚ ኣጸያፍን ከፋፋልን ዘለፋታት ኣይመድለየን። ብመሰረቱ እውን ቃል ደለይቲ ፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ፡ ፍትሒ ፍትሒ እያ። ኣብ ዝደለኻያ ግዜ ተውጸኣን ኣብ ዘይደለኻያ ግዜ ትቐብራን ኣይኮነትን። ፍትሒ ንጸላኢኻ እውን ኣይትበቃን፡ ኣይኮነን ንስዉእ ዉጩ። ፍትሓውያን ምኻንና ብግብሪ ክነርኢ ኣለና። ፍትሒ ንርእስና ንጠልባ እንተኮይንና ንሬሳ ስዉእ ዉጩ ክንነፍጋ የብልናን። ብሰላም ክነፋንዎ ኣለና።

ዉጩ ወተሃደር እዩ ነይሩ። በታ ስራሕ’ቲኣ ከኣ ሂወቱ ብዘሕብን ዝኽርታት ዝመልአት እያ። ፖለቲካ ንፖለቲካኛታት እዩ። ንዉጩ በታ ስርሑ ደኣ ክንርእዮ ኣለና እምበር ሕጂ ምስ ዓረፈ ብረቂቕ ኣምራት ፖለቲካ ክንመዝኖ ፍትሒ ኣይኮነን። በቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝግበር ዝነበረ ግፋ እውን ታሪኹ ክንብልል የብልናን። ሰራዊት ንስራሕ ፖሊስ ኣይምልመልን እዩ። ሰራዊት ንውግእ እዩ ዝሰሓል። ሰራዊትና ስራሕ ፖሊስ ክሰርሕ ይእዘዝ ከምዝነበረን ኣብቲ መስርሕ ብዙሕ ጉድለታት ከምዝነበሮን ኣብኡ ዝነበሩ ይዝክርዎ። ብፍሉይነት ንዉጩ ዘንቅፍ እንተነይሩ ከኣ ብሂወቱ ከሎ እዩ ክኸውን ዝግበኦ ነይሩ።  ስለ’ዚ ኣሕዋት፡ መረረ ክህሉ ይኽእል ግን ብዝተኻእለ መጠን እዚ ሰብ’ዚ ብምሉእነቱ እንተራናዮን ብሰላምን ሓበንን እንተፋነናዮ ይሓይሽ። ውሱንነት ዓቕሙ ዘፍቀዶ ኩሉ ንሃገሩ ጌሩ እዩ። ንሓደ ኣውቶመካኒክ፡ ኣዕጽምቲ ሰብ ከገጣጥመልካ ኣይትጽበዮን። ዉጩ ነቲ ኣብ ወተሃደራዊ ሂወቱ የጓንፎ ዝነበረ ግድላት ብግቡእ ገጢሙ ዝሓለፈ ብጻይ ‘ዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንሰብ ሰብ ዘብል ጠባያት ዝተዓደለ ብጻይ ምንባሩ መጋድልቱ ይገልጽዎ ኣለዉ። ስለ’ዚ ብጻይ ዉጩ ግቡእካ ፈጺምካ ኢኻ ብሰላም ኣዕርፍ ምባሉ ግቡእ እዩ። So long wuchu, rest in peace.

ንእሽቶ ምኽሪ ነቶም ፖለቲካ እትጻወቱ ዘለኹም ኣሕዋት፡ ፈተውቱ ጥራይ ዘይኮኑስ ጸላእቱ እውን ናይ ኣኽብሮት ሱቕታ ወይ ዕርፍቲ ሂቦሞ ከምዘለዉ ፍሉጥ እዩ። ብመሰረቱ እውን ባህላውን ሞራላውን ክብርታት ህዝብና ንዝዓረፈ ሰብ ክንድዚ ጸርፍታትን ዘለፋን ክወርዶ ኣየፍቅድን። ንጽሕፎን ንብሎን ሓላፍነታዊ እንተኾነ ይሓይሽ። ወላ ብዓይኒ ስልቲ ክረአ ከሎ፡ ነዚ ድንገት እዚ ንፖለቲካዊ ዓላማ ምጥቃም ኣየረብሕን እዩ። ብቁጽሪ እውን ኣየዋጸኣኩምን’ዩ- ብፍላይ ኣብዚ እዋን ሓዘን፡ ፈተውቱን ኣኽበርቱን ካብ ጸላእቱን ንዓቕቱን ብዕጽፍታት ስለዝበዝሑ። ደሓር ከኣ ኣብ ዝዓረፈ ሰብ ከራሩኹም እንተዘየጕደምኩም ይሓይሽ።

ነባሪ ዝኽሪ ንስዉኣትና

ማሕሙድ ሳልሕ

***መንቀሊ ናይዛ ንእሽቶ ርኢቶይ እቲ ብገለገለ ሰባት ክልጠፍ ዝጸንሐ ኣዝዩ ዘሕዝን ርኢቶታት እዩ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
219 COMMENTS
  • ANTUM SEBAT March 11, 2014

    ኣንቱም ሰባት ካንዶ ነቲ ሓቂ እንዳደብደብና ክንከይድ ዲና ከም ሓደ ውሁብ ባህሊ ወሲድናዮ ንበራበር’ባ ዉጩ ደኣሞ ነቲ ተግባሩ ነቲ ፉኽሰቱ ነቲ ክሑን ድሑር ዓሻ ተግባሩን ዲኹም ክትሽፍንዎ ደሊኹም ዝወገአ እንተረሰዐ ዝተወግአ ነይርስዕ ከምዝበሃል ተገቲሩ ኣከለጉዛይ ከነጥፍአን ኢና ሰራቅየ ተሪፈናና ኣለዋ እንዳበለ ኣብ ፈቀዶ ባራትን ጎደናን እንዳ ኣወጀ ዝኸይድ ዝነበረ ሰብ ኩሑን ኣውራጃዊ ጽልኢ ዝነበሮ ሰብ ዲኹም ትዛረብሉ ዘለኹም?
    -ኣቲ ቀንዲ መሳርሒ ተሓታትን ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ምኻኑ ተረሲዑ!!
    -ክንደይ መንሰይ ቆልዑን ኮብሊልካ ተባሂሉ ሂወት ዕሸላት ኣየጥፈአን ዲዩ??
    -ብብልሽውና ኣይተቆማጥዐን ዲዩ በዓልስ ኢቭል ጀነራል ህዝቢ ኣስመራ ክበሳበስን በዓል ፍቅረ ሞትን ናይ
    ጀነራላት ውድድር ቀንዲ ውጩ ከምዝነበረ ተረሲዑ ዲዩ??
    -ኣንታ ብዙሕ ኣሎ ግደፉ ኣይተዛርቡና “እቶ ኣብ ቅድመኻ ወላ ሓደ የሎን” እንዳበለ ክንደይ ጀጋኑ ዘጥፍአ ሰብ ክንደይ ዕሸላት ኣብ ፈቀዶ ጎዳጉድን ኮንተይነራትን ዘህለቀ ሰብ ሎሚ ካልእ መልክዕ ክንህቦ እንድዒ ይኣክል ደኣ ንበል ።
    ኣብ መደምደምታ ሰባት ኣብ መጀመርያ ጽቡቅ ታሪኽ ይነብሮም እሞ ደሓር ዕሉላት ፋሺስት ናዚስት ወዘተ ወዘተ ይኾኑ፣
    ሽሞም ከኣ በቲ ዳሕረዋይ ግብሮም ይፍለጥ ።
    ኢሰያስ ሓሚሙ እንተ ሞይቱ’ኸ? እንድዒ ከም ዉጩ ከይድገም ይፈርሕ!!!!!!
    ካብ ደላይ ፍትሒ!!!!!!!!!!1

  • ANTUM SEBAT March 11, 2014

    ኣንቱም ሰባት ካንዶ ነቲ ሓቂ እንዳደብደብና ክንከይድ ዲና ከም ሓደ ውሁብ ባህሊ ወሲድናዮ ንበራበር’ባ ዉጩ ደኣሞ ነቲ ተግባሩ ነቲ ፉኽሰቱ ነቲ ክሑን ድሑር ዓሻ ተግባሩን ዲኹም ክትሽፍንዎ ደሊኹም ዝወገአ እንተረሰዐ ዝተወግአ ነይርስዕ ከምዝበሃል ተገቲሩ ኣከለጉዛይ ከነጥፍአን ኢና ሰራቅየ ተሪፈናና ኣለዋ እንዳበለ ኣብ ፈቀዶ ባራትን ጎደናን እንዳ ኣወጀ ዝኸይድ ዝነበረ ሰብ ኩሑን ኣውራጃዊ ጽልኢ ዝነበሮ ሰብ ዲኹም ትዛረብሉ ዘለኹም?
    -ኣቲ ቀንዲ መሳርሒ ተሓታትን ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ምኻኑ ተረሲዑ!!
    -ክንደይ መንሰይ ቆልዑን ኮብሊልካ ተባሂሉ ሂወት ዕሸላት ኣየጥፈአን ዲዩ??
    -ብብልሽውና ኣይተቆማጥዐን ዲዩ በዓልስ ኢቭል ጀነራል ህዝቢ ኣስመራ ክበሳበስን በዓል ፍቅረ ሞትን ናይ
    ጀነራላት ውድድር ቀንዲ ውጩ ከምዝነበረ ተረሲዑ ዲዩ??
    -ኣንታ ብዙሕ ኣሎ ግደፉ ኣይተዛርቡና “እቶ ኣብ ቅድመኻ ወላ ሓደ የሎን” እንዳበለ ክንደይ ጀጋኑ ዘጥፍአ ሰብ ክንደይ ዕሸላት ኣብ ፈቀዶ ጎዳጉድን ኮንተይነራትን ዘህለቀ ሰብ ሎሚ ካልእ መልክዕ ክንህቦ እንድዒ ይኣክል ደኣ ንበል ።
    ኣብ መደምደምታ ሰባት ኣብ መጀመርያ ጽቡቅ ታሪኽ ይነብሮም እሞ ደሓር ዕሉላት ፋሺስት ናዚስት ወዘተ ወዘተ ይኾኑ፣
    ሽሞም ከኣ በቲ ዳሕረዋይ ግብሮም ይፍለጥ ።
    ኢሰያስ ሓሚሙ እንተ ሞይቱ’ኸ? እንድዒ ከም ዉጩ ከይድገም ይፈርሕ!!!!!!
    ካብ ደላይ ፍትሒ!!!!!!!!!!

  • ተወልደመድህን March 11, 2014

    ዝኸበርካ ጸሓፊ ( ማሕሙድ ሳልሕ )…ካብ ርእይቶኻ ተበጊሰ ሓንቲ ሕቶ ክሓተካ።……ዉጩ ኲናት ወሊዑ ተባሂሉ፡ እዋእ ዉጩ ‘ኮ ወተሃደር እዩ ኢልና ኢና። ወተሃደር ድማ ትእዛዝ ምፍጻም እዩ ስርሑ። ወተሃደራት ኣመሪካ ጽባሕ መክሲኮ ክትወሩ ኢኹም እንተተባሂሎም፡……ቅድሚ ኩሉ ሓደ ወተሃደር ናይ ኤርትራ ምስቲ ናይ ኤሜሪካ ኣይተወዳድሮ።ምኽንያቱ ወተሃደር ኤሜሪካ ካብ ሓደ ናቱ ቅዋምን ምዕቡል ኣሰራርሓ ዘለዎ መንግስቲ ዝወጸ ፖለቲካ’ዩ ዝወሃቦ።እቲ ዝወሃብ ትእዛዝ ከኣ ኩሎም ናይ መንግስቲ ኣካላት ዘትዮም፡ናብ መከላከሊ ሚንስተር ድሕሪኡ ናብ ክፋላት ( ናይ ኣየር፡ናይ ባሕሪ፡ናይ ምድሪ…..) ይመሃላለፍ።ስለዚ ብከምዚ ኣገባብ ዝተመሃላለፈ ወተሀደር ከኣ እምቢ ክብል ኣይክእልን።መከላከሊ ሚንስተር ወይ ሃደ ናይ ኣየር ይኹን ናይ ምድሪ ሃይሊ ሓላፊ ግን ከቕርቦ ዝኽእል ምልክት ተቃውሞ’ውን ኣሎ።…..ውጩ ግን ኣብቲ ፖለቲካዊ ኩነታት ቅርጺ ዘይሃበሉ ማለት ቅዋም ዘይጸደቐለ ኩነታት’ዩ ፈጺሙዎ።ንዑ ክገብር ዘፍቀደ ባይቶን ሚንስተራትን መከላከሊ ሚንስተር የለን።ንሱ ከምታ ( ኣብ ቃለ መጠይቕ ሚስጢር ዝበላ ) ነታ ኩናት ከኣ ብሚስጢር’ዩ ጀሚሩዋ።ልክዕ’ዩ ቅዋም እንታይ ምኳኑ ዘይፈልጥ፡ቅዋም ዘይምህላው ክመጽእ ዝኽእል ዓቕሚ ኣይነበሮን።ጉዳይ ሃገር ወይ ወዲ ሰብ ናብ ኩናት ምጥባስ፡እሞ ከኣ ንሃደ ሰብ ክተፍቱ መጻወቲ ኣይኮነን።ብሕጊ ዘሕትት’ዩ።ንሱ ግን እዚ ኩሉ ኣይረኣዮን’ዩ።ንሱ እቲ ቅድሚ ተቃሊሰ ኢሉ ተሸኪሙዎ ዘሎ ሽም እንተዘይኮይኑ እቲ ተሸኪሙዎ ዘሎ ሃላፍነት ብግቡእ ምስዘይሰርሓሉ ክመጽእ ዝኽእል ፍጹም ኣየስተውዓለን።ንሱ ብዘይካ ኡን ብዘይካ ኢሳያስን ንኤርትራ ዝሓልየላ ከምዘየሎ ጥራህ’ዩ ዝግምት፡ኣሽሃት እንተተቀዝፉ ከኣ ንዑኡ ስለሃገር ዝብል ሽፋን ስለዝህበሉ፡ከምዚ በጊዕ ኣብ ኣውደ ኣመት ምሕራድ’ዩ።ስለዚ ውጩ ሃደ ተራ ወተሃደር፡ብሃላፊኡ መስርዑ ኣዚ ኣ ግበር ተባሂሉ ዝፍጽሞ ጉድለት ኣይኮነን ገይሩ።እዚ ዝገበረ’ዩ ወተሃደር ዝብሀል።ውጩ ግን ኣዛዚ’ዩ።ኣብታ ቅዋም ዘይብላ ሃገር፡ኣብቲ ግዜ’ቲ ክገብሮ ዝኽእል ኔሩ።ካልእስ ይትረፍ እቲ ትእዛዝ ካብ ርእሺኡ ዘሎ ሓላፊ ( መከላከሊ ሚንስተር ) ክቅበሎ ኔሩዎ።እቲ ትእዛዝ ባይቶ ወሲኑዎ ድዩ ዝብል ክበጽሖ ዘይከኣል’ዩ።ስለዚ ከም ሓደ ወተሃደር ጉድለት ዝፈጸመ ጌርካ ክተቅርቦ ምፍታናካ ኣብ ህዝቢ ዘሎካ ንዕቀት፡ኣብቲ ብሰንኪዚ ሸለልትነት ኣብ ሃገር ወሪዱ ዘሎ ዕንወት ዘይተሰመኦኣካ ትመስል።…….ናብ ሕቶይ ክምለስ…..ውጩ ነቲ ኩናት ክጅምሮ፡ኣብ ወረቐት ዝተጻሕፈ ትእዛዝ’ዶ ተቀቢሉ ጀሚሩዎ ይመስለካ።……ብናተይ ግምት ፍጹም ብጽሑፍ ትእዛዝ ከምዘይተቀበለ’የ ዚ ኣምን።……..ኣብ ሕቶይ ክመጻእ……….ኣብ ግንባር ዓሰብ ንዝነበረ ብኃይለ ሳሙኤል (ቻይና ) ዝምራሕ ሰራዊት ኣዝልቑ፡ኦኣሰብ ግደፉሎም ዝብል ትእዛዝ ተዋሂቡስ፡ከቢድ ብረትን ካልእ ታንክታትን ንዓሰብ ገጸን ኣምሪሐን ይብሉ ኣብኡ ዚነበሩ።ድሕሪኡ ግን ብኮነሬል ሳልሕ መሪሕነት፡ደምና ረጊጾም ደኣ ክሃልፉ ኣለዎም’ምበር ኣይከውንን ተባሂሉ።ድሕሪኡ ሃይለ ሳሙኤል፡ንጴጥርሶ ሰለሙን ድሕሪ ምሕባር፡ኣዝልቑ ኦኣሰብ ግደፉሎም ዝብል ብጽሑፍ ሃበኒ በሎ ዝብል ምኽሪ ሂቡዎ።ሃይለ ሳሙኤል ከኣ ከም ኡ ገይሩ ድሕሪኡ ዝተወሃበ ምላሽ የለን።ስለዚ ሃይለ ሳሙኤል ንዓስብ ጥንጥን ኣቢሉ ከይዱ እንተዝነበር ወተሃደር’ዩ ዶ ምበልካ።ርግጽ ወተሃደር’ዩ፡ኮነሬል ሳልሕ’ውን ወተሃደር’ዩ ስለምንታይ ትእዛዝ ኢሳያሳ ዘየኽበሩ ?።ሽዑ ኦኣሰብ ብከምዚ ተገዲፋ እንተትኸውንከ መኦኣል ሃይለ ሳሙኤል ክሳብ ሎሚ ምጽነሑ’ዶ ይመስለካ።ገዲፎማ ኔሮም እንተዝከውን ከኣ ካብዚ ሕጂ ተመዝጊቡ ዘሎ ጥፍ ኣት ዕጽፊ ምኾነ እቲ መስዋእቲ።ስለዚ ሃውና ኮአልል ኣይትበል።ውጩ ኣብቲ ናይ ቃልሲ ሕይወቱ ከይ ኣቶኻ፡ኣብዚ ኩናት ናይ ባድመ ዝገበሮ ከም ወተሃደር’ዩ ተኣዚዙ ኢልካ ዘይሕለፍ’ዩ።ንሱ ርእሺኡ ዚነበሩ ሰጊሩ’ዩ ሰሪሑዎ።

    • mahmud saleh March 11, 2014

      ክቡር ተወልደመድህን፡ (ኣብ ገሊኡ እውን ምስ ማይቲእምባሶይራ ሓዊሰ መሊሰልካ ኣለኹ)ሰንሰለት ትእዛዛት ንኲናት ባድመን ግንባር ዓሰብን ዝፈልጦ የብለይን። ኣይኽላእለይ እምበር ንስኻ እውን ትፈልጦ ኣይመስለንን ( ኣብ እንዳ ሻሂ ዝሰምዓናዮ ዘይኮነስ ጭብጢ እየ ዝብለካ)። ስለ’ዚ ኣብዘይንፈልጦ ግዜ እንተጥፋእና ጽቡቕ ኣይኮነን። ንህ.ግ. ዝፈልጥ ሰብ ግን ዉጩ ኣልዒሉ ኲናት ኣበጊሱ እዩ ዝብል ኣይመስለንን። ስለ’ዚ ንምንታይ ኣብ ዘንፈልጦ ንኣቱ። ናይ እንዳ ሻሂ ወረታት ጭብጢ ኣይኮነን ተወልደመድህን። ኣነ ሓፈሻዊ ዝምድና ወተሃደርን ፈጻሚ ኣካላትን እየ ኣንቢረ(ፕረሲደንት..ም/ሚኒስተር…ወዘተ)ምስ ኣዝን ቁጽጽርን ዝተኣሳሰር ዛዕ እየ ተንኪፈዩ። “ስለዚ ከም ሓደ ወተሃደር ጉድለት ዝፈጸመ ጌርካ ክተቅርቦ ምፍታናካ ኣብ ህዝቢ ዘሎካ ንዕቀት፡ኣብቲ ብሰንኪዚ ሸለልትነት ኣብ ሃገር ወሪዱ ዘሎ ዕንወት ዘይተሰመኦኣካ ትመስል።……” ናትካ ጥቕሲ እያ። ሓደ፡ ነነብስና ወኪልና እንተተዘረብናን እንተተከባበርናን ይሓይሽ። ክብረት ሂበ እየ ብኣገባብ ዝምልሰልካ ዘለኹ። ኣብክንዲ ክንዲ ህዝቢ ትኸውን ነብስኻ ጥራይ ወክል። ብመሰረቱ እቲ ኲናት ካብ 1998 ከምዝቃወሞ ዝፈልጡኒ ይፈልጡኒ እዮም። ኣብ ዝተፈላለየ ጽሑፋተይ እውን ጠቒሰዮ ኣለኹ። ሳዕቤኑ ልክዕ ከማኻ ይርደኣኒ እዩ። ወደሓንካ።

      • ተወልደመድህን March 11, 2014

        ዝኸበርካ mahmud….ቅድሚ ኩሉ ኣብ ቁምነገር ኢና ንዛረብ ዘሎና።ጉዳይ ሃገርን ጉዳይ ህዝቢ ተንኪፉና ንዛረቦ ( ወይ ዝዛረቦ ) ኣብ እንዳሻሂ ዝሰማዕኩዎ ኣይኮነን።
        …..ኣብዚ ኣነ ኣበይ ኮይነ ይጽሕፍ ኣለኹ፡ኣበይ ይውዕል ኣለኹ፡እቲ ዘድልየኒ ጉዳይ ኣበይ ኮይነ ይሰምዖ ኣለኹ ዝኾነ ይኹን መረጋገጺ የብልካን።ግን ነዲኡ ዚነግር ከሙ ይገብር ከምዝበሃል፡ንስኻ ኣብ እንዳሻሂ ትውዕል ይመስለኒ፡ስለዚ ከኣ ኩሉ ከማኻ ክትግምቶ ንቡር’ዩ።ስለዚ ክብሪ ሰብ ትሕሉ ወረጃ እናመሰልካ ሰባት ኣይትዘንጥል።
        ብዛዕባ ዓሰብን ሽዑ ዚተገብረ ዘይትፈልጥ እንተኾንካ ደኣ መኣስ’ዩ ኩነታት ኤርትራ ክርደኣካ ጀሚሩ።ብዛዕባ ኩናት ከመይ ተወሊዑ ንምፍላጥ ከኣ፡ኩሎም ዝመስከሩዎ ሓቂ ኣብ ጽሑፎም ዘስፈሩዎ ‘ዩ።ን ኣብነት ፡ሚካኣኤል ( ኣራንቺ ) ዚተባህለ ሰብ ንነዊሕ ምስክርነቱ ሂቡ’ዩ።እቲ ኩናት ከኣ በቲ ውጩ ዘመሃድረሉ ዚነበረ ኢዩ ተጀሚሩ።እቲ ምጅማር ብ ኢሳያስ ዝተደለየ ምኳኑ’ሞ ብሚስጢር ክተሃዘሉ ነቲ ሚስጢር ዝህዘሉ’ዩ ሊኢኹ ( ከምቲ ውጩ ዝበሎ ሚስጢር፡ሚስጢር ይሕዘለይ ንዝበልካዮ ኢኻ ትነግሮ ) ።ስለዚ እዚ ዘይትፈልጥ እንተኾንካ ካብ መኣስ’ዩ ጉዳይ ኤርትራ ክርደኣካ ዚጀመረ።
        …….ናትካ ጠቕሲ’ያ …..ዝብልካዮ ቃል።ኣጸቢቕካ ሕሰበላ።ኣነ ኣብዝኾነ ይኹን ግዜ ርእይቶይ’የ ዝሃብኩ፡ናተይ ርእይቶ ከኣ ትማሊ ዝሰራሕኩዎ ዘይኮነ ንነዊሕ ግዜ ኣገናዚበ ዝሓዝኩዎ’ዩ። ናይዝኾነ ይኹን ርእይቶ ተረዲኡኒ እንተዘይኮይኑ ተወዲበ ይኹን ፈተየ ኢለ ኣይደግምን።ንርእሰይ ወኪለ፡ም ሱ ከኣ ነቲ ድምጺ ከስመዓሉ ኦድል ዘይረኸበ ድምጹ ዘስምዓሉ ኩነታት ክፍጠር ርእይቶይ ይህብ ኣለኹ።ክነግረካ ግን ናይዝኾነ ይኹን ሰብን ሰልፍን ወይ ፍሉይ ፍልስፍና ዝሓዙ ሰባት ል ኡኻ ኣይኮንኩን።ንስካ ርእይቶኻ ውርደት ዘምጸኣልካ ኮይኑ ተሰሚዑካ ኩሉ ግዜ ስልጣን ናይ ዝሓዙ፡( ከም ናይ ኢሳያስ፡ገለ ካድራት….) ክትደግም ኢካ ትደሊ።ኅልናኻ ዝግምግሞ፡ዚመዝኖ ምስናይ ካልእ ኣመዛዚንካ ገምጋምካ ምሃብ ማለት ሕኹኽ’ዩ።እዚ ከኣ እቲ ኣብ ኤርትራውያን ካብ ነዊሕ ዚተኣታተወ ኣገባብ ኣተሃሳስባ’ዩ።ኣብዚ ዝፈላልየና ኣነ ናተይ ርእይቶን ኣተሃሳስባን’የ ዝገልጽ ዘለኹ፡ኣዚ ንዓካ ቅቡል ኣይኮነን፡ንስኻ ግን ሰባት ክደግሙዎ ዝሰማዕካዮ ወይ ኣብቲ ክትገድፎ ትደልን ዘይትደልን ፍርቀፍርቂ ዘለካዮ ህግደፍ ዚደግሙዎ ኢካ ትደግም ዘሎካ።
        ኣብክንዲ ክንዲ ህዝቢ ትኸውን ነብስኻ ጥራይ ወክል ( ክልተ ግዜ ደጊምካያ )
        ኣብዘይንፈልጦ ግዜ እንተጥፋእና ጽቡቕ ኣይኮነን
        ኣዘን ርእይቶታት ኣጸቢቅካ ህሰበለን።ኣነ ብዝኾነ ይኩን ኣባኻ ጽል ኢ ኣሕዲረ ኣይኮንኩን ዝምልሽ ዘለኹ ነቲ ኣባና ዝተርፍ ዘሎ ሕማቅ ጽልዋን፡ጸገምና ከይንፈትሕ ዘሰናክለና ዘሎ ኣተሃሳስባ ኣደዲሱኒ’የ።ብሕይወት ክሳብ ዘለኹ ከኣ፡እቲ ጽቡቕ ዝብሎ ክከላከለሉ፡ነቲ ሕማቕ ዝብሎ ክንጽል ክጽዕር’የ።ስለዚ ገሊኡ ቃላት ተስፍሮ ነጻነትካ ብግቡእ ክትጥቀመሉ ዝገብር ዘይኮነ፡ንነጻነት ሃኒቑ ባርነት ፍርሂ ጥራህ ክትህዝ ዝገብር ኢዮም ብክብረትካ ነጻ ክገብረና ካብ ፍርሂ ኣውጺኡ ትብዓት ክህበና ዝኽእል ርእይቶን ጽሑፍን ኣስፍር።ወደሃንካ

        • mahmud saleh March 11, 2014

          ተወልደመድህን፡ “ካብ እንዳ ሽሂ” ንክልቴና እያ ትምልከት፤ ንዓኻ ጥራይ ማለተይ ኣይኮነን። ብኣ ክትርደኣለይ እምሕጸን፤ ዘረፈ ግን ርኢቶታት እዩ። እንታይ ይገበር ሎሚ ኣይተሰማማዕናን፤ ጽባሕ ንሰማማዓሉ ጉዳይ ይህሉ ይኸውን።

      • Banna March 11, 2014

        The Devision (k/serawit) which started the war in Zalambesa 32 K/S 3 Bergade 1 batelion in 1998 was one of the Devisions under him. I can name you how many innocent young youth died there.

  • Biniam March 11, 2014

    Eritrea, unlike the rest of African or other countries in the world colonized by colonists, the cost of eritrean independence has claimed tens of thousands of lives. And indeed, it’s achieved due to our indomitability and harmony among Eritrean fighters and of course among the entire people both abroad and inside the country. However, very few but pompous, egoistic and husky individuals are campaigning with enemies and in some events they conspire more those enemies of Eritrea people. What I always wonder with these self appointed activists ways of campaign is that they completely forgete the deception and fake laugh of Ethiopia that has done on us. And I personally do not surprise for those who compromise and devalue our heroes. Wuch, is one of the indomitable fighter who commanded in several fronts with determinations and dedications to librate and secure Eritrea. Follow eritrean brothers and sisters, can’t we learn from ukrain and other countries. We are living in the rule of fish, where interests and profits come first. So, lets put country first and as anyone who seek democracy, lets secure Eritrea as a country first. Then once we secure our country, we can unite for change. But, to me, as Eritrean independence was achieved from inside Eritrea, change ie democracy, freedom whatever will be born inside Eritrea as well. It’s is impossible to change or seek your desires settling in abroad while you are drinking cappuccino or sucking jollattee.

  • Meretse Asmelash March 11, 2014

    ዝከበርካ ማሕሙድ ሳልሕ
    ውጩ ፡ ካብ ህሉው ተፈሊካ። በል ደሓን ኩን (so long Wuchu)……
    ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝጸሕካዮ መግለጺ ድሕሪ ምንባበይ፡ ከመይ? ከመይ? ዝብሉ ሕቶታታ ኣልዒልካ ፡ ክትምልስ ፈትን እንዳበለ ንዝደፋፋኣኒ ስሚዒት ፡ ምላእ ንምልእ’ዃ ዘርዊ እንተዘይኾነ ብከፊል ንሎሚ ኣይክሓምቅን እዩ ናብ ዝበልክዎ ሓበሬታ ክኣቱ ።

    ክቡር ሓው ማህሙድ
    መጀመርያ “ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም” ደኣ ከይኾነኒ’ምበር ኣነ ከምዝመስለኒ ናይ ጽሑፍካ ቀንዲ መልእክቲ ካብ ነፍስሄር ውጩ ወጻኢ ይመስል። ንውጩ መበገሲ ጌርካ ናብቶም ገና ብኣክል ዘወር ዝብሉ ዘሎዉ ብጾት ውጩ ዘምርሐ ይመስል። ከመይሲ ንሳቶም’ውን ስለ ዘይተኣወየሎም እምበር ካብኡ እንታይ ፈለይ ኣሎዎም ምስ ዝብል ሓሳብ ዝተኣሳሰረ ይመስል። ግን እዚ ብማዕዶ እዩ። ጸዶን ጌሶን ስሩ ሓደ እንድኣሉ። ስለዚ ናይ ሞት ገዲፍና ናይ ሕልፈት’ዶ ክንበኪ ዝብል ጸዋዒት ኣብ ገለ ሸነክ ሕሹክ ዝበለኒ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። እንትከኮነ እዝኒ ሎሚዘመን ስለዘይእመን ዘይስሙዕ እንተ ኣስሚዑኒ ይቅረታ ናብ ዘበገሰኒ

    ድሕሪ ባይታ ውጩን ጀግንነትን ክትገልጽ እንከሎካ ዝተዋቀዓካ ኮይኒ ተሰሚዑኒ፡
    ከመይ?
    ኣቶ ማሕሙድ፡ ውጩ እንታይ ጌሩ? ዝገበረ ኣይኡ
    ስለዚ ካብ ዝባን ውጩ ወሪድኩም ኣብ ዝባን ኢሰያስ ጎድጉዱ
    ውጩ ወተሃደር እዩ ኔሩ። ወተሃደር ማለት ከኣ ንሱ ካብታ ዝስከማ ብረት ፈለያ የብሉን። ስለዚ ኩሉ ወተሃደር ኮይኑ ንዝፍጽሞ ገበን ነጻ እዩ። ቅተል ኢሎሞ ዝቀተለ እቲ ኣዛዚ ደኣም’በር እቲ ዝፍጽም ንጹሕ ከም ፊላጦስ እዩ ዝብል መርትዖ (alibi) ዘየውጽእ ኮይኒ ኣይተሰመዓንን።
    ነፍሲ ይመሓር ኢልና ነፋንዮ ናብ እግዝእሄሩ ነፋንዮ ምባል ነብሲ ዝሓዘ ዝብሎ እዩ። እንተኮነ ግን ግደፍ ካብ ክልተ ንላዕሊ ዋላ ሓንቲ ንጽህቲ ሕይወት’ውን ትኹን ብዘይፍርዲ ንዘጥፈኤ ግን ጀግና እንዳበላኻ ከተፋንዎ ግን ኣይጥዕምን። ንቀታል ሰብ ጀጋና እንተ ኢልካዮ ነቲ ሓቀኛ ጀግና ኣኣብነት፡- (ከም ወዲ ዓሊ) ደኣ’ከ እንታይ ኢልካ ኢካ ክትጽውዖ?

    ወተሃደር ፈጽም ዝተበሃሎ ዝፍጽም?
    እዛ ኣበሃህላ እዚኣ ሓፈሻዊ መዳይ’ዃ ሓቂ እንተኮነ ኣብ ገለ ፍሉይ እዋን ግን ተበዳሂ እዩ – ብፍላይ’ዃ ምስ ነብሲ ምጥፍእ ኣብ ዝትኣሰሰረሉ ግዚ።
    ሓበሬታ
    እዚ ሕጂ ዘቅርቦ ሓበሬታ ናብ ዘይተኣደነ ወሓዚ ሕቶታት ከምዘጥልቀኒ እና ፈለጥኩ እየ ዝጽሕፎ ዘሎኩ። ከም ግቡእ ሎሚ ከውጽኦ መደብ ኣይነበረንን። ግዜ ኣብ ዝፈቀዶ ግዜ ግን ምውጽኡ ኣይተርፎን በሃላይ እየ። ስለ ዕግበት ነብሲ እምበር እቲ ዝተፈጸ ተፈጺሙ እዩ። ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ዝተፈጸመ ፍጻሜ ስለ ዝኮነ መዓልቱ ሓልዩ ብመጠኑ እንተ ወጽኤ’ውን ጸገም ዘሎዎ ኮይኑ ኣይሰመዓንን።
    ናብቲ ታሪክ።
    ቀዳማይ መጸውዒ ስሙ ጌታቸው እዩ። ጌታቸው ኣብ መፋርቕ 1975 እዩ ኣብ ቀይዲ “ጸጥታ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፍሊ ዝኣቱ። ንጉዳይ መርመራ ዝምልከት ዝተመዙ ኣካላት ኣሎዉ። ክፍሎም እዩ ንዖኦም ይምልከት። ድሕሪ ብዙሕ መርመራ ንጌታቸው ሰላይ ደርጊ ከምዝኮነ ዝሕብር ጭብጢ ረኪብና ይብሉ። ንሶም። ንጭብጢ ዝምልከት ግን እዝጊ ዋንኦም። ዝኮነ ኮይኑ ድሕሪ ኣስታት ናይ 2 ዓመት ማእሰርቲ ጌታቸው ንሞት ስለ ዝተፈረድ ካብ ሎሚ ንደሓር ቤት ማእሰርቲ- ናይ ሓደ ሰብ ክገፍሓላ እዩ ዝብል መልእክቲ ሒዞም መጹ።
    ካብ ዝዝከረኒ፡ ግርም ገበርኩም ዝብል መልሲ ኣይረከቡን። ብኣንጻሩ መን ኮንኩም ኢኩም ንስኩም ንሓደ ሰብ ክሳብ ናይ ህይወት ምሕላፍ ሓላፍነት ዝተሰከምኩም? “መሰል ሓደ ሰብ መሰል ኹሉ እዩ”። ንሕና ኣብ ቅድመና ንእንረግጾ ባይታ ነጻ ከነውጽእ እንተዘኪኢልና እቲ ካልእ ሕልሚ እዩ። ስለዚ ፍርዲ’ዚ ኣይንቅበሎን ብምባል ካብ 2 ሰዓት ንላዕሊ ውረድ ደይብ ከም ዝተባሃለ ናይ ዓይኒ ምስክር እየ።
    ንጌታቸው እትግህስ መሰል ንዓና’ውን ኣይክትገድፈንን እያ ስለዚ ፍርድኩም ፍርዲ ገምድል ዳኛ ኮይኑ ይስመዓና ኣሎ ብምባል ብዙሕ ዝተራሰነ ክትዕ ከምእተካየደ’ውን ይዝከረኒ።
    ልክዕ እቲ ክትዕ ንጌታቸው ካብ ሞት ኣየተፎን። ተመሳሳሊ ህይወት ብዘይኮውን ከይጠፍእ ግን እኩል መልእክቲ ኣሕሊፉ። ኣብዚ ክትርድኦ ዘሎካ ሓው ማሕሙድ እቲ ንመሰል ጌታቸው ዝመከተ ኣካል’ውን ትእዛዝን ኣዛዝን ኣብ ቅድሚኡ ዶው ኢሎም እንከሎዉ እዩ መኪትዎ።
    ስለዚ ተኣዚዙ እንዳ ኣሉ ዝብል ምክኒት ዕባራ’ዩ።
    ሰብ ሓንሳብ ይጋገ ፤ ሰብ ግን ኹሉ ግዚ ኣይጋገን። ውጩ ኣብ ሜዳ ብዝገበሮም ገበናት ኣይኮነን ዝክሰስ ዘሎ ፡ ድሕሪ ጸሓይ ብራቕ ብዝገበሮም እከይ ተግባራት እዩ ዝክሰስ ዘሎ።
    ደሓር ምዉት ኣይክሰስን ፣ ሰማይ ኣይሕረስን …
    ሰብ ድሕሪ ሞቱ ብሕማቕ ኣይለዓልን እዩ( ባህልና) ኣይኮነን እንዳበልካ ነብስካ ምዕሻው እንተ ኣክተመ ይሓይሽ። እዚ ክበልዕዋ ዝደለዩ ኣባ ጉንብሕስ ዛግራ ይብልዋ እዩ።
    ኣብ መደምደምታ ጀጋን ዝብል ስም ንሓደ ውሽጡ ቧምቧ ዝኮነ ኣካል ክወሃብን ኣይተሰምዔን። ጀግንነት ናይ ባዕሉ እኩል መግለጺ ኣሎዎ። ኩሉ ደገ ሓዲሩ ዓዲ ዝኣተወ ጀጋና እንድዩ ኔሩ እንዳበልካ ምፍጻይ ቁሩብ ገደብ ዘድልዮ ኮይኑ ይስመዓኒ።
    ዘይከሓድ ግን ውጩ ዓይኒ ኔርዎ..ስኒ ኔርዎ..ብርኪ ኔርዎ (ብሓፈሻ ኣካላት ኣዳም)
    ግብሪ ኣዳም ግን ኣዝዩ ሕጽረት ኔርዎ እዩ።

    • mahmud saleh March 11, 2014

      Mertse Asmelash: የመስግነካ። ኣብቲ ናይ ሲቪል/ወተሃደር ኣመሓድራ ጸገም ነይሩን ኣሎንኒ። ሓደ ቅርጹን ገደብ ሓላፍነቱን ዝተወሰነ፡ ናይ ተሓታትነት ግዲ ዘለዎ፡ ሲቪላዊ ቁጽጽር ወይ oversight ዘለዎ ኣካላት መንግሲ እንተዝህሉ መን እንታይ ገበረ ቀደም ምፈለጥና። ዉጩ ገበን ፈጺሙ እንተዝነብር እውን ቀደም ተፈሪዱ ሎሚ ኣብዚ ኣይምተኻታዕናሉን። እቲ ጸገም ጽልግልግ ዝበለ ኢቅዋማዊ ኣካይዳ እዩ። ስለ’ዚ፡ ኣብ ጽንሰ-ሓሳብ ደረጃ ምሳኻ እሰማማዕ እየ። እቶም ዝኸሱ ኣሕዋት እውን እቲ ሜዳ ክፉት እዩ፤ ግን ብጭብጥን ቅጥዕን ክኸውን ምመረጽኹ። መንቀሊ ጽሑፈይ እውን ንሱ ነይሩ።

  • Mhamud Saleh March 11, 2014

    Hitler was probably the hero of the second world war and the 21st century. A man of ethical courage, a man of spiritual perception and good intent.He was a spiritual soul who cared – cared about all life forms, all cultures, about goodness and Light and ultimately about Truth.Hitler, encouraged healthy youth activities and social programmes to enhance cultural pride and individual self worth, such as sports and recreational activities. He encouraged men to be men and women to be feminine. He helped develop beauty, cleanliness and pride back into the Germany people.

    Source:
    http://diggerfortruth.wordpress.com/2013/01/16/10-reasons-why-hitler-was-one-of-the-good-guys/

    • mahmud saleh March 12, 2014

      Mhamud Saleh: ALERT TO ALL; NOT TO CONFUSE THIS PERSON WITH THE WRITER OF THE ARTICLE

  • yonas March 11, 2014

    wey halewlew, kindey menisey zehleke nay hasot General’s yae moytu tebahilus nibat hargets. Eritrea ketilom eyom zimotu zelewu. where is the Eritrean youth and Eritrean people. we all vanish because of their lawlessness. he served for lawless regime survival. bullshit general. how ever, there is hope that they are all in bad shape and soon will pass out…

  • yonas March 11, 2014

    whether we like it or not history will be back. Isayas and his group are in very bad shape. Ethiopia is flourishing and hope they occupy their lost territory. Lawless Eritrean regime will soon die, as the people are disintegrated and lost its identity. the death of wuchu is hope for the country that soon the rest will follow his step. they are all in really bad shape. they don’t have history of bravery in Eritrean youth, but history of domestic cat and dog that just follow their boss, not the truth. all bull shit. the hope and expectation of Eritrean people is in the hand of our brothers, the Ethiopian government, to simply walk and imprison the rest. its all bullshit, there is no general, they are all cat and dog.

  • yonas March 11, 2014

    he died of HIA. him and all army commanders are chasing Eritrean youngsters. they are all prostitute. they are lawless criminals. killers. hope we read more of their death. they vanish the hope of the nation. cat and rat, no general in them. we lost our identity when this bullshit came from sahil with their crime. we were warm when we were with Ethiopia. hope we will be back, but no more warm. because we will be back in shame. the death of wuchu, we were able to see the one left are in real bad shape. they all look like moving skeleton. hope soon they all vanish. its wish of Eritrean youth that hope they all vanish…

  • Efrem March 11, 2014

    What ever you guy’s said about wuchu he created ERITREA. And he is Eritrea (heger)he will be for ever.

Post a Reply to Selamawi Cancel Reply