Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ሓሳድ ኣዕናዊ ተግባራት ህ.ግ.ደ.ፍ።

ኩልና ከም ንፈልጦ እዞም ኣብ ሃገርና  ዝገዝኡ ዘለዉ  ጃንዳ ካብቲ ሓሳድ ባህርያቶም፣ ዜጋታት ነብሶም  ኪኢሎም ካብ ተጸባይነት ወጺኦም ናብርኦም ክመርሑ ምስ ዝፍትኑ ከመይ ገይሮም ብተላኣኣኽቶም ኣቢሎም ሸርሕታት እናመሃዙ ዓዲ ከም ዘውዕልዎምን ከም ሳዕቤኑ ክኣ ተስፋ

ኩልና ከም ንፈልጦ እዞም ኣብ ሃገርና  ዝገዝኡ ዘለዉ  ጃንዳ ካብቲ ሓሳድ ባህርያቶም፣ ዜጋታት ነብሶም  ኪኢሎም ካብ ተጸባይነት ወጺኦም ናብርኦም ክመርሑ ምስ ዝፍትኑ ከመይ ገይሮም ብተላኣኣኽቶም ኣቢሎም ሸርሕታት እናመሃዙ ዓዲ ከም ዘውዕልዎምን ከም ሳዕቤኑ ክኣ ተስፋ ቆሪጾም ሃገሮም ገዲፎም ሃጽ ከም ዘብሎዎምን ኣብዚ ዓሰርተታት ዓመታት ዘመነ ምምሕድዳሮም ዝተዓዘብናዮ ነገር’ዩ። ምኽኒያት ናይ’ዚ ርኹስን ጽዩፍን ተግባር ክኣ “ወይ ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ክኣ ዓዶም ዘይኮነ ዓድኻ ግደፈሎም” ብዝዓይነቱ ምእዙዝ ኮይንካ ንኽትግዛኣሎም ዘገድድ ተግባር ኢዩ። እዚ ስለ ዝኾነ’ምበኣር’ዩ እቲ ሕሉፍ ንዕቀቶም ሰማይ ስለ ዝዓረገ ድማ ከምዚ ኩልና እንዕዘቦ ዘለና ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ዓድታትን ዜጋታት ካብ ዘይብሎም ጨቖቕ ኢሎም ዝሃነጽዎ ኣባይቲ፣ ንኸስርሕዎ ፍቓድ ከም ዘይሃብዎም ተገምጢሎም ካብ ፕላን ወጻኢ ዝተሰርሕ’ዩ እናተባህለ ኣብ ጨው ቀትሪ ብዶዞራት ሃደሽደሽ ዘብልሎም ዘለዉ። እዚ ሓደ ድሕሪ ሓደ ወሰን ኢሉ ዝቕጽል ዘሎ ምፍራስ ኣባይቲ እምብኣር ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ’ውን  እብረ ከተማ መንደፈራ በጺሑስ  ዝተፈላለዩ ህንጻታት ኣብ ምፍራስ ድሕሪ ምውፋሮም ናይቲ  ኣብ ስፖርት ዓለም ብፍላይ ክኣ ኣብ ቅድድም ጉያ እግሪ ናይ ዓሰርተ ሽሕ ሜተር ተሸላሚ ወርቂ መዳሊያ ብምዃን ስሙን ስም ሃገሩን ክብ ኣቢሉ ዘጸወዐ ቦኽሪ ሓበና ኣትሌት ዘርእሰናይ ታደሰ ብምምሕዳር ዞባ ደቡብ ያእዪ ከም መተባብዒ ተባሂሉ ዝተዋህቦ’ሞ ዘይተኣደነ ገንዘብ ኣውጺኡ ዝሃነጾ ዘመናዊ ህንጻ እንሆ ከም ሰቡ ብዶዞራት ህ.ግ.ደ.ፍ ሓዶሽዶሽ ኢሉ ምስ ዓነወ ዘርኢ ስእሊ፣ ስለዚ እዚ ስርዓት እዚ ሕጂ’ውን እቲ ሓሳድ ናይ ምዕናው ተግባራቱ ገና ይቕጽሎ’ዩ ዘሎ። ኣማስያኡ ክኣ በዚ ዝኸዶ ዘሎ ኩሉ ኣተናኡ ሓንቲ ዝዓነወትን ዝተደነሰትን  ሃገር ገዲፉ እንተጠፈአ ፋዓራ የብሉን’ሞ ካብዚ ንምድሓን ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኢየ ዝብል ፍልልያቱ ኣጽቢቡ ካብ ኩሉ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ሃገር ንምድሓን ክሰምር በዚ ኣጋጣሚ እጽውዕ።

ምልኪ ከልግስ ኩልና ንገስግስ!

ኢሳያስ ኣስፍሃ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • Alamein October 24, 2015

    God will not listen to such trashy prayer. Fight for your right or surrender and kneel down to iseyas and his gangs.

  • Eritra October 24, 2015

    God will listen to your prayers, but he want you also to stand for your rights.

  • AHMED SALEH October 24, 2015

    May God help us to recognize our faults and open blind eyes
    to see the true picture of our reflections which produced
    this mess .

  • ሙለር October 25, 2015

    ከመይ ገርካ ክስመር እልፊ ዘሪጋን ጋህታፍት ህዚቢ ክፈላልዩ እንዳ ዋዓሉ ንናይ ውልቆም ህቡብነትን ጃህራን ክብሉ ክሕንፍሹ ዝውዕሉ ስነ ምግባር ዘይ ብሎም ደረፍቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ መዋቃዕትን በዚሖም ሕማምና ናይ ውልቀ ሰባት ዕንደራ ካብ ህግደፍ ክሳብ እዞም ደከይቲ ፍትሒ ዝብሉ ብሕጊ ዘይቅየዶ ተጻረፍቲ ደው ከነብል ይግባእ።

  • Honey October 25, 2015

    So long one believes in people as owners of the power and only one way of coming to power, through election, working for ones own fame should not be considered a big problem of disunity. We the ordinary people need to have the highest political understanding that every eritrean has the right to elect, be elected, support and oppose, let alone to express ones views freely. If we believe in these ideals and principles, no one will shake us, no one will intimidate us, no one will abuse us.

  • ኣርዓዶም October 25, 2015

    ህግደፍ ፋሪካታት ውልቐ ሰባት ኣፍሪሱን ወሪሱን፡ መንበሪ ቤት ህዝቢ ድማ የዕኑ ምህላዉ ኩልና ኣቐዲምና ፈሊጥና ኢና። እዚ ግን ኣብ ክንዲ ኣብ ሓደ ዝጥርንፈና፡ `ናተይ ውድብ ካብ ናይ ክስቶ ብምንታይ ትሓምቕ፡` ብዝብል ሰነፍ ስራሕን ሓሳባትን፡ ነቲ ብተግባር ኣብ ባይታ ክገጥም ዝወፍር መንእሰይ ክንስዕቦ ይትረፍ፡ ኣጆኻ ምባል ሞራል ኢዩ፡ ነዛ ኣጆኻ ከማን ነፊግናዮም።

    ብስም ስመርን ሓድነትን ዝሽቕጡ ግን ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ንደቒ ህዝቢ ከም ጆሆ ብምሓዝ፡ ኣይቓለሱ ኣየቓልሱ ኮይኖም ንርእዮም ኣለና። እዚ ድማ፡ ከም`ዚ ሕጂ፡ ክቡር ኢሳያስ ኣስፍህ ዝጽሓፎ፡ ውጽኢቱ እንሆ ሃገር ትዓኑ ኣላ፡ ነቶም ንሃገር ኣብ ዓለም ኣፋሊጥና ዝብሉ ስፖርተኛታት ከማን ኣይተረፈን። እዚ ኣረሜናዊ ስራሕ እዚ፡ ብሓቒ ብሓቒ ልቢ ሰብ ዝሰበረን ዘሰንበረን ኣብ ርእሲ ምዅኑ ፡ ሓሸውየ ስምረትን ሓድነትን ዝብሉ ጉልባባት እውን ኣቓሊዕዎ ይርከብ።

    ስለዚ እቲ እንኮ ምርጫ፡ ኣብ ተግባር ንእመን፡ ንዝብገሱ ምስዓቦምን ፡ ምስዓብ እንተዘይተካ ኢሉ ድማ ኣጆኾም፡ እኹል ኢዩ`ሞ ሃየ ነቶም ክንወፍር ተበጊስና ዝብሉ ኣተባቢዕና፡ ቑልዒ ሓርነት ናብ ዓቢ ብርሃን ንለውጥ።

    • SULEIMAN SALIM October 25, 2015

      ናይ ብልበይ ዶ ክነግረኩም ኣሕዋት ደቂ-ሃገር?

      ብዛዕባ ምፍራስ ክንዛረብ እንተ ኮይኑ ናተይ ገዛ እውን ኣፍሪሶሞ እኳ እዮም ( ኣነ ነቲ ዘሕዝን ወረ ምስ ሰማዕኩ ኣብኣ እንከለኹ ጥርቅም ኢለ። ዋላ እውን እቲ ማህሰይቲ ስጋዕ ክንደይ ምዃኑ ኣይሓተትኩን። ነቲ ዝመጽኣኒ ወረ ኣዝዩ ዘሕምም ስለ ዝኾነ መመሊስ ንከኮማዖ ዓቕሚ ስኢነሉ። )። ኮይኑ ግን ኣነ ገዛይ ኣፍሪሶሞ ኢለ ኣንጻር ሃገረይ ኣይላዓልን እየ ምኽንያቱ ሃገር ልዕሊ ኩሉ ስለ ዝኾነት።

      • Wedihager October 25, 2015

        No body ask you to stand against your country. You have to know the difference between the brutal ruler and the beloved country.

  • SULEIMAN SALIM October 25, 2015

    ናይ ብልበይ ዶ ክነግረኩም ኣሕዋት ደቂ-ሃገር?

    ብዛዕባ ምፍራስ ክንዛረብ እንተ ኮይኑ ናተይ ገዛ እውን ኣፍሪሶሞ እኳ እዮም ( ኣነ ነቲ ዘሕዝን ወረ ምስ ሰማዕኩ ኣብኣ እንከለኹ ጥርቅም ኢለ። ዋላ እውን እቲ ማህሰይቲ ስጋዕ ክንደይ ምዃኑ ኣይሓተትኩን። ነቲ ዝመጽኣኒ ወረ ኣዝዩ ዘሕምም ስለ ዝኾነ መመሊስ ንከኮማስዖ ዓቕሚ ስኢነሉ። )። ኮይኑ ግን ኣነ ገዛይ ኣፍሪሶሞ ኢለ ኣንጻር ሃገረይ ኣይላዓልን እየ ምኽንያቱ ሃገር ልዕሊ ኩሉ ስለ ዝኾነት።

    • Samiel October 25, 2015

      Kemey suleman anxar hgdef mukhan anxar hager iu

  • Habte October 25, 2015

    ኣቶ SULEIMAN SALIM፡ “ኮይኑ ግን ኣነ ገዛይ ኣፍሪሶሞ ኢለ ኣንጻር ሃገረይ ኣይላዓልን እየ ምኽንያቱ ሃገር ልዕሊ ኩሉ ስለ ዝኾነት።” እትብሎ ዘለኻ ግሪምቢጥ ደርፊ ህግደፍ እዩ!!
    ህዝቢ’ዩ ቅድሚ ሃገር ክኸብርን መሰሉ ክሕሎን ዘለዎ። ህዝቢ ምስ ዝህሉ’ዩ ሃገር ክህሉ ዝኽእል። እዚ ግምጥልሽ ኣተሓሳስባ’ዚ እዩ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ለኪሙና ጠፊኡ ዘሎ!

  • Nab Tekle October 25, 2015

    Etom wdbat ena wey merahti wdbat ena tblu wey anxar HGDF srhu bhabar tezay koynu anta absdet tnebr Eritrawi nezom sebat awgzom kab HGDF felika kemzay treyom ngerom aymerexkayomn aywklukan wen slezi kserhn ksrhin zkel kalsi baelka adalu mbeu nzelgs ka batka hgi tewgzo

  • Berhe Tenesea October 25, 2015

    First they give you blind eye and keep silent when people are building house after house. When the construction is finished and the tenants are occupying it that is after about a week, a bulldozer and masked agents, and few armed slaves come, and demolish the buildings.
    They do not say a word while the houses are under construction, as they are going to be more than happy to demolish it later.To date about 1498 houses have been demolished in Bet Mkhea, , Arbate Asmara, Tselot, Hashaz area, Barentu, Adi Keih, Taeda kistan, and many more places around Asmara.
    Asmara is in the dark and the only noise you hear at night in down town while walking around is the unbearable sound of generators of the shops that can afford it.
    Most Asmara area is being called ESRA SENE for a long time due to daily use of candles.
    As Asmara is on the dark the thousands of pick pockets and other robbers mainly members of the so called agelghlot go in to full action.
    The poor Asmara women who venture after 7 pm walk around using battery and solar powered lamps for safety.
    Asmara at night reminds us of the stone ages.
    The worst enemy of the people is going to destroy us as long as he lives.

Post a Reply to jonus Jabar Cancel Reply