Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ…? ራብዓይ ክፋል

                                       ራብዓይ ክፋል                  ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ…? ሰለስቲኡ ክፋል ናይዚ ዘልዓልኩዎ እዋናዊ ዛዕባና ላዕሊ ላዕሉ እምበር፡ ነቲ ምትኳስ ዘድልዮ ጡጥ ኢሉ ዝሓበጠ ቁስልና ኣይተናኸፍክዎን፡፡ እዚ ጽሑፍ ኣብ ማእከል መሬት ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ኮይነ እየ ዝጽሕፎ ዘለኹ፡፡

                                       ራብዓይ ክፋል

                 ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ…?

ሰለስቲኡ ክፋል ናይዚ ዘልዓልኩዎ እዋናዊ ዛዕባና ላዕሊ ላዕሉ እምበር፡ ነቲ ምትኳስ ዘድልዮ ጡጥ ኢሉ ዝሓበጠ ቁስልና ኣይተናኸፍክዎን፡፡ እዚ ጽሑፍ ኣብ ማእከል መሬት ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ኮይነ እየ ዝጽሕፎ ዘለኹ፡፡ ገለ ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ኣብ ኢትዮጵያ ስለ ዘለኻ ኢኻ እምበር ወያነ ጽቡቕ ናይ ኤርትራ ከም ዘይደሊ ጠፊኡካ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ገለ ገለ ውድባት ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘየእተወ ውዳበን ስነ-ሓሳብ ቃልሲ ዘለወን ኢየን፡፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዋላ እውን እቲ ደጋፊ ዝበሃል ኢሳይያስ ይቐትልን ይኣስርን ሃገር የዕንዋን ከም ዘሎ ጠፊእዎ ኣይኮነን፡፡ ኩልና ለውጢ ንደሊ ኣለና፡፡ ምስ ወያነን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኮይንካ ዝግበር ለውጢ ግን ኣይንቕበሎን ኣይንደልዮን ኢና፡፡ ዝብል ብኣፍልጦ ዘይኮነ ብስምዒትን ህልኽን ዝተወጠረ ሓሳቦም ወስ የብሉለይ ኢዮም፡፡ ስለምንታይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራን ንፍትሕን ድሞክራስን ዝቃለስ ዘሎ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን ማዕረ ዘበነ ቃልሲ ንናጽነት ሎሚ እውን ንሓርነቱ እንተደገፎ ከም ነውርን ሓጥያትን ዝቑጸር….? ነቲ ቀንዲ ሕቶኦምን ስክፍቶኦምን ድሒረ ብሰፊሑ ክድህስሶ ክፍትን እየ፡፡

ብወገነይ ሓደ ከረጋግጾ ዝደሊ ንዘይኣመንኩሉን ቁኑዕ ኢዩ ንዘይበልክዎን ሓሳብ ዋላ እውን መድፍዕ ይተኮስ ንጣብ ብርዐይ ኣየፍስሰሉን ኢየ፡፡ ብርግጽ ኣብ ኢትዮጵያ እየ ዘለኹ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕጊ ነጻ ፕረስ ድማ ኣጸቢቐ ይፈልጦ፡፡ መዓልታዊ ኣብተን ዝሕተማ ብዙሓት ነጻ ናይ ግሊ ጋዜጣታት እንታይ ይጸሓፍ ድማ የንብብን ይርእን፡፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወያነ ኢሂወደግ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ግጉይ ኣተሓሕዛ እንተ ተኸቲሉ ክጽሕፎን ክዛረበሉን ዝኾነ ዘሰክፍ የብለይን፡፡ ማዕረ ማዕርኡ እውን ግግይ  ኣካይዳታት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ኮሓሒለ ዘይምስሉ ከትሕዞን ከጸብቖምን ሰሪሓን ሓሲበን ኣይፈልጥን ኢየ፡፡ ንዘይተቐበልኩሞም ጉዳያት ግጉይ መገድን ኣተሓሕዛንዩ ንዝበልኩዎም ሓሳባት ብሽፍንፍን ዘይኮነ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኮይነ ደረተይ ነፊሐ ብግሉጽ ኣይፋሉን ኢለ ከም ዝምጉት ከዘኻኽር እፈቱ፡፡ ኣሽንኳይ ምዝራብ ምጽሓፍ ንዘይ ኣመንካሉ ወይ እውን ዘይተሰማማዕካሉ ግጉይ ውሳነ ምስ ዘሕልፍ ኣኼባ ኮንፈረንሳት ጉባኤታት ረጊጽካ ምውጻእ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ኢና ርኢናዮን ፈሊጥናዮን፡፡ ሓደ ከዘኻኽሮ ዝድሊ ዓብይ ጉዳይ ኣሎ፡፡ ኣብ ፖለቲካ ነባሪ ረብሓን ሓባራዊ ጥቕምን እምበር ነባሪ ጽልኢ ዝበሃል የለን፡፡ ስለዝኾነ ጉዳይና ብዓይኒ ጽልእን ቅርሕንትን ኣይንርኣዮ፡፡  ናብ ዘልዓልኩዎ ዛዕባ ክምለስ፡፡

ስለምንታይ ብቓልስናን መስዋእትናን ድምጽናን ዘረጋገጽናዮ ክብሪ ሎሚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ ተደልዩ፡፡ ስለምንታይ ኤርትራውነትና ብመንጽር ምውድዳር ምስ ህዝቢ ትግራይ ብፉሉይ እውን ብመንጽር ምውድዳር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ክኸውን ዝፍተን ዘሎ? ኤርትራውነትና ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝሃበና መለለይ ታርጋና ኣይኮነን፡፡ ኤርትራውነትና እኮ ደምና ኢዩ፡፡ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጠረ እኮ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ፡፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ መሪሕ ውድብ ናይቲ ናጽነትና ብቕልጽምናን ድምጽናን ንምርግጋጽ ዝገበርናዮ ቃልሲ እምበር ወሃብን ከላእን ኤርትራዊ መንነት ኣይኮነን፡፡ እታ ናይ ትምክሕት ጃህራን ኣነ ይፈልጥን ዝሕመረታ ሕማም ካንሰር ዝኾነት ትዕቢትና ካብዚኣ ኢያ ትነቅል፡፡ ሕማምና ሃገርን ውድብን ፈላሊና ክንሪ ዘይምኽኣልና ኢዩ፡፡ ሕማምና ኢሳይያስን ኤርትራውነትን ነጻጺልና ክንርእዮም ዘይምፍታና ኢዩ፡፡ ንሱ ስለዝኾነ ከኣ ብኢሳይያሲዝም ዝበሃል ቀታልን ኣዕናውን ተዋጋእን ስነ ሓሳብ ማሲና ሃለዋትና ምስሓግ ኣብ ጻዕረ ሞት ኮይኑ ኣሎ፡፡ ሕማምና ፈሊጥና መድሃኒት እንተዘይ ወሲድናሉ ድማ ትዕቢት ትወልዳ ንውድቀት ብዝብል ብሂል ተደሊስና መጻኢና ጽልግልግ ዝበለ ጥራይ ዘይኮነ ከቢድ ጸላም ዝጎልበቦ ጥፍኣት ምዃኑ ምስትብሃል የድሊ፡፡

ናይ ሳላሳ ዓመታት መስተንክራዊ ገድልናን መዘና ኣልቦ መስዋእትናን ክንከፍል ከለና፡ ንሕና ኤርትራውያን ኢና ብምባል ቃልሲ ከነልዕል እንከለና፡ ምስዚ ሕጂ ብስርዓት ህግደፍ ናይ ሓዋሩ ጸላኢ ኢዩ ዝበሃል ዘሎ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡን ብሓደ ኢና ተቓሊስና፡፡ ብሓደ ተሰዊእና፡፡ ብሓደ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ተቐቢርና፡፡ ቃልስና ምስቲ መንነትና ሓግሒጉ ብኣፈሙዝ ጠበንጃ ኤርትራውነትና ዝመንዝዓና ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰን ደርግን ኢዩ ዝነበረ፡፡ ቃልስናን መስዋእትናን ምስቶም ኤርትራ ምድረ-ባሕራ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን ዝበሉ ገዛእቲ ኢዩ ዝነበረ፡፡ ቃልሲ ኤርትራውያን ብሄራዊ ጭቆና ዘይኮነ ናይ ናጽነት ሕቶ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ብድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ክውሰን ኣለዎ ብምባል ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዝተቓለሰን ክሳብ ምእታው ኣዲስ ኣበባን ስዕረት ስርዓት ደርግን ድሕሪኡን መስዋእቲ ዝኸፈለ ድማ እዚ ሕጂ ጸላኢኻዩ ዝበሃል ዘሎ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኢዩ፡፡ እቲ ዝገርም ብጌጋ እውን ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ጉዳይ ናጽነት ኤርትራ ተማቲኡ ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡

ስለምንታይ ድኣ ወያነ ኣይእመንን ኢዩ ዝበሃል..? ነቲ ብመትከል ኣሚኑሉ ንምዕዋቱ መስዋእቲ ዝኾፈለሉ ናጽነት ኤርትራ ተጣዒስሉስ ክወረና ይደሊ ኣሎ ዝበሃል፡፡ እዚ ክትበልዓ ዝደለኻ ኣባጉምባሕሲ ዛግራ በላ ብሽርሕን ጉርሕን ዝተባዕጠ ውዲታት ኢሳይያስን ናይ ጥፍኣት ጉጅልኡን ኢዩ፡፡ እስከ ቁሩብ ንድሕሪት ንመለስ፡፡ ብምስምስ ባድመ ኢሳይይስ ናይ ጽሉላት ውግእ ክእውጅ እንከሎ ቅድሚ ጥፍኣትን ደም ምፍሳስን ናይ ዕርቂ ተበግሶ ዝወሰዱ ስምምዕ ርዋንዳን ኣመሪካን እንታይ ኣበሳ ነይርዎ፡፡ እታ ዘቕረብዋ ሓሳብ ነናብ ዝነበርኩሞ ተመለሱ፡፡ ጉዳይኩም ኣብ ጠረጵዛ ኮፍ ኢልኩም ብምርድዳእ ፍትሕዎ ዶ ኣይኮነን ዝብል ዝነበረ፡፡ ቅድሚ ደም ምፍሳስ ነቲ ናይ ሰላም ሓሳብ ሓንጎፋይ ኢሉ ዝተቐበለ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ወያነ ኢሂወደግ ኢዩ፡፡ ብኣንጻሩ ኢሳይያስ ዝመርሖ ዋንነት ውልቀ ሓደ ንእሽቶ ጉጅለ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ኮፍ ኢልካ ብሰለማዊ መንገዲ ምርድዳእን ምፍትሑን ተሓሲሙ ንፈታተን ሓይልና ይዕረቐና ኢዩ ዝበለ፡፡ ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ስለምንታይ ኢሳይያስ ተንበርኪኹ ትፋኡ ክልሕስ ዝተገደደ፡፡ እቲ ዘሕዝን ዓሰርተታት ኣሽሓት ህይወት መናእሰያት ኤርትራ ምስ ጠፈአ፡ ማዕሪኡ ስንክልና ምስ ኣጋጠመ፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ምስ ተመዛበለ ዕስራን ሓሙሽተን ኪ.ሜ (25 ኪ.ሜ) መሬት ኤርትራ ንኢትዮጵያ ኣረኪቡ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ክፍርም ሕንኽ ኣይበለን፡፡ ካብዚ ዝዓቢ ውርደት ኣሎ ድዩ……?

እቲ ዝገርም ግን ኢቲ ንኤርትራ ክወርር ይደሊ ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ወያነ ኢሂወደግ ነቲ ብውግእን ኢሳይያስ ባዕሉ ዘረከቦን መሬት ኤርትራ ገዲፉ ንድሕሪት ኢዩ ተመሊሱ፡፡ ስለምንታይ ነዚ ባዕሉ ኣፍ ኣውጺኡ ዝዛረብ ዘሎ ጥረ ሓቂ ዋላ ዕረ እናጠዓመና ዘይንቕበሎ፡፡ ንፍተዎ ንጽላኣዮ ኣብ ኣእሙሮና ኢሳይያሲዝም መርዛም ስነ-ሓሳብ ቦታ ሒዙ ኣሎ፡፡ እንታዩ ኢሰይያሲዝም ስነ-ሓሳብ ኣብ ቀጻሊ ክፋላት ጽሑፈይ ብሰፊሑ ክድህስሶን ክትንትኖን ክፍትን ኢየ፡፡

ከም መጠቓለሊ እዚ ራብዓይ ክፋል ጽሑፈይ ሓደ ሓቂ ኣስሚረሉ ክሓልፍ እየ፡፡ እዚ ሓቂ እዚ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ቅድሚ ዕስራን ሸሞንተን ዓመታት ብ1985 ብፈረንጂ ብካርዝማቲክ መራሒኡ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዝነበሩ ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝተጻሕፈ ኢዩ፡፡ ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን!! ኣብ ዝብል 151 ገጻት ዝሓዘ ዓሚቕ ትሕዝቶ ዘለዎ መልሲ ንኤርትራዊ ንፐሮፌሰር ተስፋጽዮን መድሃኔ ዝተጻሕፈ ኢዩ፡፡ ቃል ብቓሉ እቲ ጽሑፍ…

ምሕዝነት ገስገስቲ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክረጋገጽ እንተ ድኣ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝመስሎ ነገር ክውስን ዘኽእሎ፡ ነጻ ዕድል ኣቐዲሙ ክወሃቦ ኣለዎ፡፡ መሰል ርእሰ ውሳኔኡ ብትኽክልን ምሉእነትን ከረጋግጽ ኣለዎ፡፡ (ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን ገጽ 105 ቀዳማይ ሕጡበ)

ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ኤርትራ ዕድሉ ባዕሉ ንኽውስን መሰል እንተድኣ ረኺቡ፡ ምሉእ ሃገራዊ ናጽነት ከም ዝመርጽ ፍጹም ዘየጠራጥር ኢዩ፡፡ ነዚ ሐቂ እዚ ካልእሲ ይትረፍ ስርዓት ደርጊ እውን ዝጠራጠረሉ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ስደት፡ ኣብ ዓዲ፡ ኣብ ቃልሲ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዓዘቦ ዝኾነ ጋሻ ክርእዮን ክዕዘቦን ዝኽእል ግሁድ ጉዳይ ኢዩ፡፡ ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ምርግጋጽ ካብ ደርባዊ ምዝመዛን ጭቆናን ንህዝቢ ኤርትራ ከናግፎ ከም ዘይክእል ግን ርዱእ ኢዩ፡፡ እዚ ማለት ግን ናጽነት ኤርትራ ዘምጽኣሉ መሰረታዊ ረብሓታት የለን ማለት ኣይኮነን፡፡ (ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን ገጽ 105 ካልኣይ ሕጥበ)

ሃገራዊ ናጽነቱ ኣረጋጊጹ  ጽምኡ እንተረውይሉ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ጭቆናን ምዝመዛን እንትርፎ ናብ ኤርትራውያን ገዛእቲ ደርብታት ናብ ካልእ ከውድቖ ኣይክእልን፡፡ ገዛእቲ ደርብታት ኤርትራ እውን ካብ ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ብዘይ ተፈለየ መንገዲ ጨቆንቱን መዝመዝቱን ምዃኖም ብጭቡጥ ብተግባር ክርዳእ ኢዩ፡፡ ስለዚ ድማ ንደርባዊ ሓርነቱ ዝሕንኩሉ ስምዒት ዝሸፈኖ ኣረኣእያ ዘይብሉ ነጻ ኮይኑ፡ ክቃለስን ብዘይ ጥርጥር ደርባዊ ሓርነቱ ክጓናጸፍን ይኽእል፡፡ (ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን ገጽ 106 ካልኣይ ሕጡበ)

እዚ ቅድሚ 28 ዓመታት ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ብመርሕነት ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ኢዩ፡፡ ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን!! ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ባርዕ ፈጢሩ ህዝቢ ክዓስሎን ናጽነቱ ክጓናጸፍን ኢዩ፡፡ ግን ድሕሪ ናጽነቱ ምርግጋጽ ህዝቢ ኤርትራ ንሓርነቱ እውን መስዋእቲ ክሕተት ኢዩ፡፡ ኣንቱም ብኢሰይያሲዝም መርዛም ስነ-ሓሳብ ዝተጠቓዕኩም ኣሕዋት ኤርትራውያን፡ እዚ ጽሑፍ ትንቢትዶ ክንብሎ ወይስ ነቲውዱዕ ኣካይዳ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምርኩስ ገይሩ ዝተዋህበ ትንታነ….? ይቕጽል……….

ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

Tele +251-921924501

aseye.asena@gmail.com

Review overview
32 COMMENTS
  • Honest September 11, 2014

    Can you read the book written by Gebru Asrat who was one of the Top TPLF and was the main actor of Badme war. you will get there all the question u ahve about Weyane

    • Asghedom Woldeghiorghis September 13, 2014

      Mr.Honest I don’t want to read any book regarding me and ethiopians, I would like to tell you I have no brothers more than the ethiopians. The only brothers I have in this world are Ethiopian , sudanes, and somalies . I don’t need books of some one I now my brothers .

  • mahta September 11, 2014

    Btaemi hanatsi zkone tshuf eu gn bwegen nay meles kdmi natsnet eritra ab meda nbadme kemahadra kab ed eseyas kem zweseda yzreb ezi haki ente koinu ab ety nezi hji koinayo zelena hzbi eritra ed nay meles ms issayas yeblun do tbl?

    • john September 11, 2014

      Badme kemhadera???? Bi hailesilasie gizie yikun bi Dergi 1- badme mismen neyre?
      2- hizba mis Tigray do ms Eritrea yiqutser (hizbi qotsera) neyru?
      3- Nay mengisti serahtegn bajet kabey yimdeb neyru?
      4- Serahtagn mengsti kabey mimihdar yileak neyru?
      5- Nay badme hzbi gibri nabey yikefl neyru? Kimles zelewo hitotat

      • ahmed saleh September 12, 2014

        To answer the question you need to look
        for the people who reside in that land before
        1983 ( the time Issayas rewarded them after
        they help him get rid ELF ) .
        Remember it used under ELF administration
        until 1980 . And also the 1978 Badme war with
        Weyane to kick them out can not be forgotten.

        • ahmed saleh September 12, 2014

          Again at that time when Weyane forced those civilian representatives ( SHIMAGLE ADI )
          of the people in Badme ( Eritreans ) can be forgotten .
          SemiEna kemseysemaEna shelel inabelna zihalefnayo guday indo aykonen godiuna zelo .

          • ahmed saleh September 12, 2014

            pls read as : forced to flee to Sudan those civilian representatives …………

          • john September 12, 2014

            Thank you Ahmed, gn kiriee zelewo TPLF do ELF/EPLF zeykones, ab tihti Italy/British do Ethiopia/Tigray, ab confideration gizie, Eritrea ab tihti Ethiopia ab sisatat, ab dergi. Ezen qedime zelialkwen hitotat mimilas yikaeldoo? Nay ELF wey Nay TPLF mimihdar gn nay gziawi wetaderawi aqmi ember hgawinet eygelitsin.

        • Asghedom Woldeghiorghis September 13, 2014

          Read a book written by eritrean guy Wodi Hadera. Only eritrean Nomads was going toBadme.
          Mr . Ahmed ther is no land called eritrea before the itslians , this bilong to this or to that we can do it only now , the history of yeaterday is finished.
          it is the will of badme people if they want to join eritrea or Tigray.
          ( ETHIOPIA)
          For your information the only people who have never done referendum or the indipendence of eritrea are Badme people. Why eritreans have never questioned during the referedum time.
          Don’t be sentimentalist, and the best thing is to risolve the problem peacefully not with war. Ethiopians are our brother not only even one of the bigest etitrean neighbour .
          Belive me, eritreans should understand more than what are understanding now, otherwise they will have more problem.
          If we make a referendum you will see the risult, bla, bla, have no sens.

  • Almaz Gual Asmera September 11, 2014

    ዝኸበርካ ተጋዳላይ ሚክኤለ ስለቲ እዝዩ እዋናውን ኣገዳስን መልእኽትኻ የመስግነካ። ትብዓት ተቀኒትካን ብጽሩይ ትግርኛ ነቲ ሓቂ ተንትዖ ስለዘሎኻ ገለ ዝሰምዕ እዝኒ ኣይስኣንን እዩ እሞ ካብዚ ዕንክሊል ዝብል ዘሎ ደምበ ተቓውሞ ወጺእና ዓዲ ዘእቱ መገዲ ክንሕዝ ሓጋዚ እዩ። ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሲ ከም ዝብልዎ ኣበው እዩ። ከም ርኢቶይ ኤርትራውያን ቀዳማይ ሽግርና ብዛዕባ ነብስና ግጉይ ርድኢት እዩ ዘሎና። ዓቕምና፡ ብርቱዕ ጎድንናን ድኹም ጎድንናን፡ ከም ኩሎም ሕዝብታት፡ ክንመዝን ዘይምኽኣልና ኣብ ስምዒት እምበር ጭብጢ ሒዝካ መጎተ ገና ኢና። ዓወት ኪመጽእ ከሎ ከም ናይ ኩላትና ውድቀት ኪመጽእ ከሎ ድማ ናይ ብብዓል ክስቶ ተለኪምና ምባል ግቡእ ኣይኮነን። እቶም ምስ እህዋትና ኣብ ሓደ ጉድጕድ ዝወደቑ ወያነ ናይ ትማሊ ወያነ ናይ ሎሚ ሓደ እዮም። እዚ “ሽግር ኤርትራውያን ብኤርትራውያን ዝፍታሕ” ዝብል ኣምር ከኣ ደው በለለይ ኪብለጸልካ እዩ። ነቶም በብዓቕሞምን በብዝመስሎምን ኣብ ምድሪ ኢትዮጵያ ዝቃለሱ ደቂ ሃገር ያኢ ትሕቲ-ኤርትራውያን ሰሪዕካ ንነብስኻ ሕሉፍ-ኤርትራዊ ጌርካ ምቕራብ ናይ በለጽ በለጽ ጥራይ እዩ። ንመንግስቲ ኢትዮጵያ እንተኾይኑ እቲ ክሲ ድማ ብኣካል ኬድካ ጭብጥኻ ሒዝካ ምጭብባጥ እምበር ሓንኳሊ መርገጺ ሒዝካ ዘመን እዚ ጨካን ገበል ምንዋሕ ናይ ተቓለስቲ ባህርይ ኣይኮነን። እዚ ትዕዝብተይ ኮይኑ፡ ኣብ ዝቕጽል ኪትምልሶ እንተኺእልካ ንዓይ ዘሰክፋኒ ክልተ ነገራት ኣሎዋ። 1. ማዕረ እቶም “ልቢ ትግራይ ጥውይዋይ ዶ ወያነ” እንዳበሉ ኪድህሉና ዝፍትኑ፡ ርእሰ ውሳኔ ክሳብ ምግንጻል እንዳበሉ ናይ ለቓሕ (ካብ ኢትዮጵያ) ቛንቛ ተጠቒሞም ዝቃለሱ ውድባት፡ ነቲ ምውሳን ስኢኑ ኣብ ዕንይንይ ዘሎ ዝበዝሐ ኣካል ሕብረተሰብና ዝድህሉ፡ ናይ ጥዕና እዩ ኣይብሎን እየ። ከምኡ ዘብለኒ ድማ፡ ኢዱ ኣይስኣን ድኣ ነቲ ወርቃዊ ታሪኽና ናብ ፈሓም ቆይርዎ ሕጊ-ግደፍ እምበር፡ እቲ ኣብ ፈቐዶ ዓድታትናን ኣውራጃታትናን ኣብ ሞንጎ ሞትን ህይወትን ዝስሓግ ዘሎ ሕዝብና ብቐዳምነት ዝሓቶ ፍትሕን ሰላምን እምበር ምግንጻል እዩ ዝብል እምነት የብለይን። ምግንጻል እዩ ዝደሊ ዝብል ሞጓታይ እንተሎ ድማ…ናብቲ ድምጺ ሕዝቢ ዝስምዓሉ መድረኽ እሞ የብጽሓና ሽዑ ንርእዩ። ሓቀኛታት ተቓለስቲ ናይ ጽባሕ ኣጀንዳ ናብ ሎሚ ኣምጺኦም ሸንኮለል ኣይብሉን እዩ። እቲ ኻልኣይ ድማ እዞም ሃይማኖት ወኪሎም ዝቃለሱውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ኣብ ስደት ጎቢዝና ኣብ ስደት ክንመውት፡ ሕዝቦም ኣብ ፈቐድኡ ኪብተን፡ እቲ ደም ሰብ ከም ማይ ምስታይ ዝለመደ ድማ ኣስላማዩ ክርስትያኑ ከይፈለየ ነቲ ዝርካቡ ብዓል ሕልና የጥፍኣዮ ዝብሉ ናይ ቅቡጻት ቃልሲ ገዲፎም ከም ሕዝቢ ከም ቀደምና ብሰላምን ብምክእኣልን ክንነብር ዘኽእለና መገዲ ኪእምቱ ይግባእ። ድሌት ሕዝቢ ገዲፍካ ብውልቃዊ ስምዒትካን ቅርሕንትን ተገሪሕካ ምኻድ ግን ከንቱ ውእቱ እዩ። ርእይቶኻን መልስኻን ኣብዘን ክልተ ኪሰምዕ ምደለኹ። በርትዕ ትማሊ ተጋዳልይ ሎሚ ተጋዳላይ፡ እምበር ተጋዳልይ። በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ተመሳሳሊ ዓውዲ ዝቃለሱ ዘሎዉ ደቂ ሕዝቢ መሲናስ፡ ኣማኑኤል ኢያሱ…ካልኦትንውን ስለቲ ዘይሕለል ጻዕርኹም የሞጉሰኩም።

  • ahmed saleh September 12, 2014

    ” Gn dihri naxenetu hizbi Eritrea
    Niharenetu meswaeti khatet iyu ” .
    We missed that point to take exact
    consideration to lost everything in
    the table .

  • Truly Truly i say to you September 12, 2014

    ኣዬ ወዲ እምባዬ (ኣራንቺ፩) ብሃቂ ነዚ ክትግእታ´ዶ ትርሕጻ ዘብል ጹሑፍ እዩ ሒዝካ ቀሪብካ። ኣንስ ቅንያት እናቀነኻ ምስተመለስካ ገለ´ዶ ሀዲሽ ሓሳብ ሂዙ መጺኡ ይኸውን ኢለ ተስፋ ገረ ነረ። ኮይኑ ግን እዚ እዩ ዝበሃል ፍሉይ ቁምነገር ስለዘይረኣኹሉ፣ ዎጮ እንተገምጠልካዮ ዎጮ ካይኑኒ ነገራትካ።
    ኣንታ ሓውና ንነጻነት ኤርትራ ሕዝቢ ትግራይ ደሙ ኣይፍሰሰን፣ ነጻ ምስወጸእትም ብቅዳምነት ወያኔ ኣፍልጦ ኣይሃበን ዝበለካ ሰብ የለን። እቲ ሕቶ ወያኔ መንበሩ መሰጣጥኸ ኪሂዱና መርገጹ ቀይሩ ወጊኡና፣ መሬትና ብኃይሊ ጎቢጡ ኣይ ውግእ ኣይ ሰላም ብዝኾነ ፖሊሲ ሕዝብና ቀሲኑ ንከይነብርን ሕብረቱ ኣደልዲሉ ንከይነብር ብዝተፈላለዬ ሜላ እናተጠቀመ ኣጊቱ እንክሊል የብለና ኣሎ ኢና ንብል ዘለና።። ጭብጥታቱ´ድማ፣ ዝተበየነ ናይ ዶብ ውሳኔ ምሕሳም ጥራይ ደይኮነ፣ ኤርትራ ንከይትጥቀም ክብል ኣብክንዲ ብወደብ ኤርትራ ብርትኣዊ ገንዝብ እናከፈለ ዝጥቀመሉ፣ ንሕናውን ካብ ኢትዮጵያ ዘድልየና ብርትኣዊ ገንዘብ እናከፈልና የሕዋት ሕዝቢ ብሓባር ንከይንብልጽግ ይእንቅፉ ኣለዉ፣ ባእዳን ክብሃል ዝድፍር ካልኦት ጎሮባብት ሃገራትን ካብ ሕንዲ ጀሚርካ ክሳብ ኣውሮፓውያን ናይክልቲኡ ሃገራት ሓብቲ ብተዘዋዋሪ ንክዘርፍ መንገዲ ይከፍቱ ኣለዉ። ንኣብነት ኢትዮጵያ መሬቶም ብምሻጥ። ናትና ድማ ማዕድናትና ብውግእ ኣሳቢቦም ነቶም ሰበ ስልጣናት፣ እቀባ ከምዝተገበረሎም ብምድሃል ብደይሃላፊነታዊ ብጥበብ ይምዝምዝዎ ኣለዉ ኢና ንብል ዘሎና።
    ምናልባሽ ኣብዚ ኢትዮጵያ ንመንግሥቲ ኢሳያስ ስለዝትጸልእ ንእኡ ንሙግዳእ እንበር፣ ኣብ ኤርትራ ጡዕይ ሥርዓት ምስተተክለ፡ ኢትዮጵያ ኩሉ ኣይነት ቁጠባዊ ርክባት ምገበረት ኢሎም ዝሓስቡ ገለ ለዋሓት ኣይሰኣኑን። እቲ ሃቂ ግን ብወያኔ ኮነ ብሙለእ ኢትዮጵያ ናይ ኤርትራ ምግንጻል ስለዘይተወሃጠሎም ምናልባሽ ብቁጠባ ተዳከምናዮም ተመሊሶም ምሳና ክውግኑ የድምጹ እዮም ካብዝብል ከንቱ ተስፋን ወይከኣ ቀጠብኦም ካባና ተማእቢሉ ክንእቁና እዮም ካብዝብል ቅንኢ እንበር፣ ምስ ዝርዓት ኢሳያስ ጽልኢ ስለዘለዎም ከምደይኮነ ንኹሉ ክበርሃሉ ኣለዎ።። ናይበሃቂ እንተዝኸውን ነሩ ብሓባር ነዚ መንቀኛ ናይ ሓባር ጸላኢ ብቀሊሉ ብሓባር ንምውቃእ ወያኔ ኣቀዲምካ ነቶም ናይ ኤርትራ ተቃወምቲ ኃይልታት ከምዝሰምሩን ከምዝሃብሩን ምግባር ከምዝድልይ ሲሕቶምዎ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ ግን ኣብ ኩሉ ተቃወምቲ ኃይልታት ኣብ ኣኬባታት ኮነ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ኢዶም እናኣተዉ ክብትንዎም እንበር ከስምርዎም ኣይረእናን።
    ነዚን ክንዲዝን ክሂድካ ኢኻ እንበኣር ወዲ እንባዬ ንወያኔ መላእክቲ ኣምሲልካ ከተቅርብ ትፍትን ዘለኻ።
    እንበኣርከስ ሓቂ እንተደሊኻ፣ ቅድም ቀዳድም ኤርትራ ነጻ ዝወጽእት ብቅልጽማ ናይ ብዙህ ሺሕ የህዋትናን ኣሃትናን ደም ተከፊሉ እንበር ብወያኔ ትካቦ ከምደይኮነ ንኩሉ ፈታዊ ኮነ ጸላኢ ክበርሃሉ ኣለዎ።፤ ዋላ´ዃ ወያኔ ሕጋዊነት ንክለብስ ብድሕሪኡ ንዝሓቦ ኣፍልጦ ምሙጋስ ኣድላዊነት ከምዘለዎ ተደይከሃድና። እቲ ሕቶ ግን ሕጂም ወያኔ በቲ ግዜ እንታይ ካልእ ኣማራጺ ነርዎም ነቲ ነጻነት ንከይቅበሉ?
    ናይ ሕውነት ነገር ክሳብ ዝልኣልና ኣይ ወያኔ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተዉ እንድዩ፣ ብኩሉ ኢትዮጵያዊ ምስተነጸጉ ኣብኡ ዝነብሩ የሕዋትናን ኣሃትናን ኮታ ሙሉእ ኤርትራዊ የሕዋትና ተጋሩት ኣትዮሙልና ኢሉ ብሃንጎፋይ ዝተቀበሎም? በቲ ሹኡ ግዜ ተጋሩት ንክምረጹን ብኩሉ ጸጥታዊ ነገር ኤርትራውያን ንዝገብሩሎም ፍቅርን ምትሕብባርን ከመይ ገሩ እዩ ዝርሳእ? ሎሚ ሚካኤል(ኣራንቺ)ተሰልቢጥካ ሕዝቢ ኤርትራ ንትግራይ ከምዝጸልኦን ኮነ ኢሉ ከምዝጻብኦን ኣምሲልካ ምጽሓፍካ ዘገርም እዩ።
    ንምዃኑ ኣብቲ ሳልሳይ ጽሁፍካ ብዝቅረብኩዎ ሪኢቶይ መበገሲ ውግእ ባድሜ ናይ ዶብ ጉዳይ ደይኮነ፣ ኣብ ናይባጤራ ምቅይያር ብዘስኣቦ ምስሕሃብ ከምድኮነ ብመጠኑ ኣተንብሄ ነረ፣ ንስኻ ግን ኤርታዊ እዬ እናበልካ ን ኢሳያስ ትወቅስ እናመሰልካ እቲ ሃላፊነት ንሕዝቢ ኤርትራ ከተሰክሞ ከልኻ ቁሩብ ስክፍ ኣይበልካን። በዚ ምክንያት እቲ ኤርትራ ንኤርትራያን ብኤርታውያን ንዝብል ጨርሆ ክትጸላኦ የብልካን ኢለ ነረ ሕጂውን ከምዚ ተኮይኑ መርገጺኻ እቲ ጭርሆ ቅኑእ እዩ ክብለካ እደፍር። ምኽንያቱ ዝኾነ ዜጋ ዋላ ጌጋ እናኮነ እናፈለጠ ኣብ ግዜ ውግእን ደይሰላምን ሓውሓው ንሃገሩ ዝውንጅል ሰብ ብወገነይ ስለዘይረኣኹ።
    ሓቅነት ተለካ፣ ኢሳያስ ከም መራሒነት ብደይሓላፋዊነት ሕዝብን ሃገርን ኣጥፊኡ ትብል እንተድሃሊኻ ልክእ ኣለኻ፣ ኢስያስ ብውልቃዊ ገበኑ ኣብ ቤት ዓለም ፍርዲ ኣብ ዴን ሀግ ቀሪቡ ክፍረድ ኣለዎ እንተትብለና ምተቀበልናካ፣ ኤርትራዊ እዬ እናበልካ ግን ንሃገርካ ከም ገበነኛ ምስተቅርብ ክንቅበለካ ኣይግድን እዩ።
    ሓቅነት እንተሎካ፣ ኣብክንዲ ንወያኔ ትሟገት፣ ካብቲ ናይ ራሽያን ዩክሬንን ምስሕሓብ ናይ ሃያላን ሃገራት መርገጺ ተኣዚብካ፣ ስለምንታይ እዩ ናይ ዩክሬን ግዝኣት ናይካሎ ካልኦትውን ወሲካ እናተጣበቁሎም፣ ብዓለም ቤት ፍርዲ ንዝተወሰነ ውሳኔ ኢትዮጵያ ረጊጻ፣ ግዝኣት መሬትና ብኃይሊ ጎቢጣ እናተ ኣዘቡ ብኣንጻሩ ምስ ኢትዮጵያ ዝውግኑ ኢልካ መስተንተንካ። ዳህራይ´ከኣ እቲ ሚስጥራት ምበረሃልካ ነሩ። ንምዃኑ ነዚ ጉዳይ ንስኻ ደይኮነ እቶም ነቲ ሀገር ንመርሕ ኣለና ዝብሉ ሰባት ኤርታውያን ኢና ክሳብ በሉ ተመሳሳሊ ፍትሂ ንክግበረልና ክሟጎቱሉ ምተገበእ ነሩ። ከም ኡውን እቶም ተቃወምቲ ብፍላይ ሙሑራት ኢና ዝብሉ ውልቀሰባት ንኣብነት ኃይሌ መንቆርዮስ፣ ዶክተር ኣንደብርሃን፣ ዶ/ር በረከት፣ ዝኣምሰሉ ሰባት ክሟገተሉ ምተገበኤ ነሩ። ይኩን እንበር ሕዝቢ ኤርትራ በቲ ወገን ይኹን በቲ፣ ክሳብ ሕጂ ሃላዪ (መድሕን) ኣይረከበን።
    ካልእ ነጥቢ ብሃጺሩ ክገልጸልካ ዝደልይ፣ ዋላ´ዃ ብዛእባ ናይ ሳልሳይ ዙር ውግእ ባድሜ ዘቅረብካዮ ሃፍረትን ውርደትን ዝስማማኣሉ አንተኮንኩ፣ ብፍላይ ኢስያስ ድህሪ ኩሉ እቲ ውርደት ከይሃነኸ ነቲ ውርደት ምስተጸፍኤ፣ ንሓገርን ሕዝብን ሓልዩ ደይኮነ፣ ንነፍሱን ስልጣኑን ፈሪሁ ከይፈተወ ምቅባሉ እንተኣመንኩሉ፣ እቲ ውግእ ግን ምስ ወያኔ ስለዝኾነ እዩ ኢልካ ክትገልጾ ፍጹም ጌጋ ምዃኑ ክሕብረካ እፈቱ። ኣይነበረን´ውን። ብሃጸሩ ምስ ኣሜሪካ ነሩ። በዚ ምክንያት ወያኔ ብቅንእንኦም ነቲ ዝሓዝዎ ኣድታት ከምዝገደፍዎ ኣምሲልካ ምግላጽ ፍጹም ቅቡል ኣይኮነን። ሕጂውን እቲ ውሳኔን ትእዛዝን ናይ ኣሜሪካ ስለዝነበረ እንበር ወያኔ ሓልዮምልካ ከምደይኮነ ክስቆረካ ይግባእ።
    ኣብ መወዳእታ ግን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛእባ ዘሎ ዶሞክራሲያዊ መሰላት ከምዝስማማኣሉን ብኣይነይ ዝተኣዘብኩዎ ሃቂ ምዃኑን እናገለጽኩ ንኣታቶም የማስለና ኢለ ነቲ ኣመራርሃ ዘሎኢ ኣድናቆት ክገልጽ እፈቱ። ንስኻውን ናይቲ ሥርዓት ስልጡን ባሕሪያት ኣጸቢቅካ ዝተኣዘብካዮ ስልዝመስለኒ ከሚዚ ከማይ ተኮንካ ዋላ ኣብ ሃገሮም ኣየናይ መንገዶም ቅኑእ ከምድኾነ፣ ኣብ ኤርትራ ዘለዎም መርገጺ ግን መብዛሕቲኡ ጉጉይ ከምድኾነ ኣዳእዲኻ ክትነግሮም ይግባእ። ወይከኣ ተፈሪህካ ኣዶም ገዲፍካሎም ክትወጽእ ኣሎካ እንበር፣ ንሃቂ ክትቀብራ የብልካን። ሓቂ ጥራይ እዩ ንወዲሰብ ሃራ ዘውጽኦ እንበር፣ ወይ ብፍርሂ፣ ወይ ብጉርሂ፣ ወይ ብጥቅሚ ንሃቂ ክትቀብራ ክትሽቅጣ ክትፍትን ከሎኻ ኣይኮነን። ወድሃንካ!
    By the way it is new year in Ethiopia, right? I say to all happy new year!

    • Simon G. September 12, 2014

      እቲ ውግእ ግን ምስ ወያኔ ስለዝኾነ እዩ ኢልካ ክትገልጾ ፍጹም ጌጋ ምዃኑ ክሕብረካ እፈቱ። ኣይነበረን´ውን። ብሃጸሩ ምስ ኣሜሪካ ነሩ።
      How old are you? This was an old propaganda of isayas and you still echoing it? Give it up Truly. It is good to admit your defeat when it is real defeat. Why do you think woyane still in Eritrea’s land? Because they are more powerful than us, at this current time. Do you think we like them to dwell in our land after all this sacrifice? No, sir. We don’t have the power to kick them out and they well know that. The question is, how did the victorious Eritrea fell into this weak state? I think your statements are contradicting each other.
      Re-read to what Mike has written with open mind and you will get his point. Telling the truth doesn’t make him a woyane supporter at the expense of his beloved Eritrea. No, no, sir.

    • Asghedom Woldeghiorghis September 13, 2014

      Truly truly
      I read your comments with good wish, but some times you do a mistake like all eritreans eho judge the things very fast with out reading deep the things.
      I have read several times the article of mr. Micael Hadera, I think it is very interesting spescially people like wise eritreans.

    • Asghedom Woldeghiorghis September 15, 2014

      Even in Eritrea is new year according our History, Truly Truly you forget it.
      Eritrean people not Eritrea have History and Culture .
      I call them Eritreans to make you happy, what was the name of this country before italian colonislism?
      No name, poor people with out name and History.
      God Help eritrea and eritreans, because they don’t know nothing.

  • mahta September 12, 2014

    Ykreta eta hto? Bkemu aykonetn. Bkalie terediekayas bkalie aynet meliskaya .bzkone .bebizelenayo nbertie neza hatsar gizie. Ajoka tegadalay Mikiele bertie ab godnka alen tebieka tetbe sle zeleka.

  • mahta September 12, 2014

    That is my answer truly truly.Mkniatu kngnzebo zelena shtara nay issayasn melesn eu neyru koinu zsmeani . Bmeseret ezom hji zelewu sebe sltanat ab eritra guahgati kofona zkotsatserom zeyblom film klitiom tetsawitomlna . Bzkone. Nea krekb eye eta hto amtseya jigna.

  • Mesinas September 12, 2014

    ቅድም ቀዳድም ንሓው ኣራንሺ ስለ’ቲ ዚገብሮ ዘሎ ሓያል ኣበርክቶ ቃልሲ ከምስግኖ እፈቱ። ብምቕጻል፥ ብሓቂ’የ ዝብለኩም ክቡራት ኣሕዋት፡ ብርእይቶ ክብርቲ ሓብትና ኣልማዝ ጓል ኣስመራ፡ ኣመና ተመሲጠ! እዚ ግን ብናይ ሎሚ ትዕዝብተይ ጥራይ ኣይኮነን ካብ ነዊሕ ተኸታቲለያ እየ። ከምዚ ዝበለ ብስለት ሓንጎልን ጽፈት ትግርኛን ብልቢ ዘሐብንን ዘሐጉስን’ዩ! እዚ ምግናን ኣይኮነን! ካብ ልበይ እየ ክቡራት ኣሕዋት! ንኹሉ ርእይቶኣ’ሞ ብምስትውዓል ንበቡዎ። ኣብ ኣወዳድቓ ቃላቱውን ኣስተብህሉ! ብሓቂ ዘሐብን’ዩ! ብቋንቋና ብትግርኛ ብምጽሓፋን ኣብ ኣወዳድቓኡ ልዑል ጥንቃቐ ብምግባራን ልዑል ፍናንን ባህታን ተሰሚዑኒ! ዝኸብርኪ ፍቕርቲ ሓብቲ ኣልማዝ፡ ኣብ ዚቕጽል፡ ርእይቶ ዘይኮነስ ብስርዓት ዓንቀጻት ክትጽሕፍልና እላቦወኪ? ደጊመ ዘመስግነኪ ሕቡን ብኣኺ ሓውኪ መሲናስ’የ።

    Almaz Gual Asmera on September 11, 2014 at 6:12 pm said:

    “ዝኸበርካ ተጋዳላይ ሚክኤለ ስለቲ እዝዩ እዋናውን ኣገዳስን መልእኽትኻ የመስግነካ። ትብዓት ተቀኒትካን ብጽሩይ ትግርኛ ነቲ ሓቂ ተንትዖ ስለዘሎኻ ገለ ዝሰምዕ እዝኒ ኣይስኣንን እዩ እሞ ካብዚ ዕንክሊል ዝብል ዘሎ ደምበ ተቓውሞ ወጺእና ዓዲ ዘእቱ መገዲ ክንሕዝ ሓጋዚ እዩ። ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሲ ከም ዝብልዎ ኣበው እዩ። ከም ርኢቶይ ኤርትራውያን ቀዳማይ ሽግርና ብዛዕባ ነብስና ግጉይ ርድኢት እዩ ዘሎና። ዓቕምና፡ ብርቱዕ ጎድንናን ድኹም ጎድንናን፡ ከም ኩሎም ሕዝብታት፡ ክንመዝን ዘይምኽኣልና ኣብ ስምዒት እምበር ጭብጢ ሒዝካ መጎተ ገና ኢና። ዓወት ኪመጽእ ከሎ ከም ናይ ኩላትና ውድቀት ኪመጽእ ከሎ ድማ ናይ ብብዓል ክስቶ ተለኪምና ምባል ግቡእ ኣይኮነን። እቶም ምስ እህዋትና ኣብ ሓደ ጉድጕድ ዝወደቑ ወያነ ናይ ትማሊ ወያነ ናይ ሎሚ ሓደ እዮም። እዚ “ሽግር ኤርትራውያን ብኤርትራውያን ዝፍታሕ” ዝብል ኣምር ከኣ ደው በለለይ ኪብለጸልካ እዩ።

    ነቶም በብዓቕሞምን በብዝመስሎምን ኣብ ምድሪ ኢትዮጵያ ዝቃለሱ ደቂ ሃገር ያኢ ትሕቲ-ኤርትራውያን ሰሪዕካ ንነብስኻ ሕሉፍ-ኤርትራዊ ጌርካ ምቕራብ ናይ በለጽ በለጽ ጥራይ እዩ። ንመንግስቲ ኢትዮጵያ እንተኾይኑ እቲ ክሲ ድማ ብኣካል ኬድካ ጭብጥኻ ሒዝካ ምጭብባጥ እምበር ሓንኳሊ መርገጺ ሒዝካ ዘመን እዚ ጨካን ገበል ምንዋሕ ናይ ተቓለስቲ ባህርይ ኣይኮነን። እዚ ትዕዝብተይ ኮይኑ፡ ኣብ ዝቕጽል ኪትምልሶ እንተኺእልካ ንዓይ ዘሰክፋኒ ክልተ ነገራት ኣሎዋ። 1. ማዕረ እቶም “ልቢ ትግራይ ጥውይዋይ ዶ ወያነ” እንዳበሉ ኪድህሉና ዝፍትኑ፡ ርእሰ ውሳኔ ክሳብ ምግንጻል እንዳበሉ ናይ ለቓሕ (ካብ ኢትዮጵያ) ቛንቛ ተጠቒሞም ዝቃለሱ ውድባት፡ ነቲ ምውሳን ስኢኑ ኣብ ዕንይንይ ዘሎ ዝበዝሐ ኣካል ሕብረተሰብና ዝድህሉ፡ ናይ ጥዕና እዩ ኣይብሎን እየ። ከምኡ ዘብለኒ ድማ፡ ኢዱ ኣይስኣን ድኣ ነቲ ወርቃዊ ታሪኽና ናብ ፈሓም ቆይርዎ ሕጊ-ግደፍ እምበር፡ እቲ ኣብ ፈቐዶ ዓድታትናን ኣውራጃታትናን ኣብ ሞንጎ ሞትን ህይወትን ዝስሓግ ዘሎ ሕዝብና ብቐዳምነት ዝሓቶ ፍትሕን ሰላምን እምበር ምግንጻል እዩ ዝብል እምነት የብለይን። ምግንጻል እዩ ዝደሊ ዝብል ሞጓታይ እንተሎ ድማ…ናብቲ ድምጺ ሕዝቢ ዝስምዓሉ መድረኽ እሞ የብጽሓና ሽዑ ንርእዩ።

    ሓቀኛታት ተቓለስቲ ናይ ጽባሕ ኣጀንዳ ናብ ሎሚ ኣምጺኦም ሸንኮለል ኣይብሉን እዩ። እቲ ኻልኣይ ድማ እዞም ሃይማኖት ወኪሎም ዝቃለሱውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ኣብ ስደት ጎቢዝና ኣብ ስደት ክንመውት፡ ሕዝቦም ኣብ ፈቐድኡ ኪብተን፡ እቲ ደም ሰብ ከም ማይ ምስታይ ዝለመደ ድማ ኣስላማዩ ክርስትያኑ ከይፈለየ ነቲ ዝርካቡ ብዓል ሕልና የጥፍኣዮ ዝብሉ ናይ ቅቡጻት ቃልሲ ገዲፎም ከም ሕዝቢ ከም ቀደምና ብሰላምን ብምክእኣልን ክንነብር ዘኽእለና መገዲ ኪእምቱ ይግባእ። ድሌት ሕዝቢ ገዲፍካ ብውልቃዊ ስምዒትካን ቅርሕንትን ተገሪሕካ ምኻድ ግን ከንቱ ውእቱ እዩ። ርእይቶኻን መልስኻን ኣብዘን ክልተ ኪሰምዕ ምደለኹ። በርትዕ ትማሊ ተጋዳልይ ሎሚ ተጋዳላይ፡ እምበር ተጋዳልይ። በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ተመሳሳሊ ዓውዲ ዝቃለሱ ዘሎዉ ደቂ ሕዝቢ መሲናስ፡ ኣማኑኤል ኢያሱ…ካልኦትንውን ስለቲ ዘይሕለል ጻዕርኹም የሞጉሰኩም።” ቃል ክብርቲ ሓብትና ኣላማዝ ጓል ኣስመራ።

    • Almaz Gual Asmera September 14, 2014

      ዝኸበርኩም ደቂ ሃገረይ ስለቲ ንእዶኹም የቐንየለይ። ሓው መሲናስ ድማ ቁሩብ ኣኽቢድካለይ ርኢቶኻን ለበዋኻን ግን ኣብ ቦትኡ እዩ። ኪፍትን ከኣ እየ። ኣጆና ኣጆኹም ኣብ ምውጋሑ እዩ። ብሰይፊ ተኣማሚኑ፡ ኣብ ክንዲ ብሕግን ፍትሕን፡ ዓሚጹ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ ኪነብር ዝደሊ ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎ ብሰይፊ እዩ ዝጠፍእ። ኣብ ክንዲ በብቲ ዝመስለና መገዲ ንፍትሕን ሕግን ዲሞክራስን፡ እዚ ዘይኢዱ ዝረኸበ ለዋህ ሕዝቢ ንቃለስ…ገና ከሎ ስልጣን ሃሪፍና ነንሕድሕድና ምቁንጻብ’ዩ ሾንኮለል ዘብለና ዘሎ። ስለምንታይ ኣንጻር ዓመጽ ዘይትቃለስ ይብሃል ንሰምዕ እምበር ስለምንታይ በቲ ዝመስለካ ኣገባብ ትቃለስ ምባል መስደመም እዩ። በቲ ካልእ ሽነኽ ከኣ ንህዝቢ ዝጠቅም ባዕልና ንፈልጦ ኢና ኣናበልካ ንልብን ሕልናን ሕዝብና ጓሻ ዝኾነ ዘሰንብድ ቋንቋ (ኃይማኖትን ዓሌትን ኣልዒልካ ክሳብ ምግንጻል) ኣንዳተጠቐምካ ምቅላስ በየናይ ተኣምር እዩ ንከበስኡ መታሕቱ፡ ኣስላማዪ ክርስትያኑ፡ ኩለን ብሄራት ሃገርና …ኣዋሃሂዱ ብሓባር ክንቃለስ ዘኽእለና? ኩላትና ሓቢርና እንተዘይተቓሊስና’ኸ (ሓምሳ..ሚእቲ…ሓደ ሽሕ..ኣባላት ሒዝካ) ኣብ ሓርነትዶ ክንበጽሕ ንኽእል ዲና? ሓርነት ዘይደሊ ተቓላሳይ የሎን…ንመገዲ ሓርነት ዘናውሕ ተቓላሳይ ግን ሰነፍ ተቃላሳይ እዩ።

  • ogbai September 12, 2014

    It is not about trusting Weyane or not.We have the right to check and balances the way the Ethiopian government acting and conducting their hand in our opposition groups. As far as I can remember since 2001 even earlier than that they were against of the unity of our opposition groups. It is true they were interested dividing us that by encouraging individuals,religious and sub regional groups. And also, we should condemn the greedy individuals saying yes to the Ethiopian masters with out thinking a bite to be seated in thorn and to make some fake scraching at each others.
    Those things were not based demands of that time even as now Eritreans are not interested in such demands. We Eritreans need to change the Dictatorial system of one man rule as united and unique with a strong central government based on a democratic under a written Rule of Law for that Nature of our country.The only thing we are hanging in Ethiopia is because we don not have any other choice. And the government of Ethiopia knows that well enough to keep us as hostage out there. With no war no peace policy with the dictator in our country keeping our people hostage as the excuse of Bademe blaming what ever comes to his lips. Of course Wayane including U.S.A. as well. My point is We are losing either ways as to be proud and rising Nation as supposed to be. We should stand firm to save our Nation as united people with a strong united fronts of our own. Lets stop defending Weyane and our Dictator for no good reasons please.
    What happen in the past was history. Now,with out divisions of this and that. Lets face the reality and lets make a New History of freedom and democracy for our own based on the Rule of Law. But to do that we have to break the division barriers among us where ever direction it may come.Oh brothers and sisters,sons and daughters and mothers and fathers our country Eritrea calls us to do our best to save it and bring into a bright future.

  • bekhit September 13, 2014

    ሚካኤል ኣራንሺ
    ”ኣብ ኢትዮጵያ ኮይንካ ትጽሕፍ ስለ ዘለኻስ መሐለዊ ስምዒትን ድሌትን መራሕቲ ኢትዮጵያ ትሕውስ ዘለኻ ትመስል” ዝብሉኒ ሰባት ኣለዉ እተስምዕ ኣበሃህላ ኣብዛ ናይ ሎሚ ጽሕፍትኻ ኣንቢበ ‘መስለኒ። ኣተናን መልእኽትን ናይዚ ኣበሃህላ’ዚን በሃልቱን ብወገነይ ጥዕና ወይ ግርህና ዘለዎ ኣይመስለንን። ንሓደ ዓቢ ናይ ህግደፍ ሜላ ኣቀታትላ ሕቶ ፍትሒ ዝገልጽ ኣበሃህላ’ዩ። ከም ዝፍለጥ ኣብ ታሪኽ ምልስ ኢልና እንተዳኣ ርኢና መቃለሲ ባይታ ኤርትራውያን ንብዙሕ ምኽንያታት ሃገረ ሱዳን ዩ። ሱዳን ኣካል ናይቲ ተዛማዲ ምድንጋጽ ምስ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣርእዩ ዝበሃል ዓረባዊ ዓለም እያ። ኣብዚ ብዝበቁል መርበብ ናይ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ኣቢልካ ናብ ዝሰፍሐ ከባቢታት ናይዛ ዓለም ክብጻሕ ይከኣል እዩ። ኣብ ርእሲ ከምዝን ወዲ ከምዝን ታሪኻዊ ሓቅታት፣ ሱዳን ጅኦግራፍያዊ ቅርበትን ምቹእነትን ስለ ዘለዎ፣ ብዙሕ ኤርትራዊ ድማ ተሰዲዱ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ዓዱ ውን ዝነብረሉ ስለ ዝኾነ ንህግደፍ ኣሰካፊ እዩ።
    ምስ ህዝቢ ምዕራባዊ መታሕት ውን ሃይማኖታውን ባህላውን ምምስሳል ስለ ዘሎ ፣ ነቲ እዚ ምምስሳል’ዚ መንጸፍ ጌሩ ክርአ ዝኽእል ምድንጋጽ ኣብ ግምት ብምእታው ሱዳን ብዝኾነ ይኹን ዋጋ ካብ ተቓውሞ ኣንጻር ህግደፍ ነጻ ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ብግቡእ ዝተገንዘበ ኢሳያስ ንኹሉ ምስ ሱዳን ዝነበሮ ኩሉ ዓይነት ጸገማት ኣወንዚፉ ምስ ሱዳን ሰላም ምግባሩ ድማ ሰላም ክህብ ስለ ዝደለየ ዘይኮነስ ሰላም ክረክብ ስለ ዝደለየ ዩ።

    ስለዚ ጉዳይ ሱዳን ምስ በሺር ተሻሪኽካ ብኸምዚን ንኸምዚ ዝተገልጸ ምኽንያታትን ምስ ተዓጽወ ካልኣይ መቃለሲ ባይታ ንተመሳሳሊ ታሪኻውን ጅእግራፍያን ምኽንያታት ኢትዮጵያ እዩ። ምኽንያቱ ካብ ኬንያ ወይ ካብ ግብጺ ክድርበ ዝኽእል ቦምባ ወይ ድማ ካብ ግብጺ ብቐጥታ ወፊራ ኣብ ኤርትራ ኣንጻር ኢሳያስ መጥቃዕቲ ክትገብር ትኽእል ኣሃዱ ክትህሉ ኣይትኽእልን። መኣተዊ ባብ ሱዳንን ኢትዮጵያን እየን። ጉዳይ ሱዳን ምስ ዓማጺ መንግስቲ ኮይንካ ፣ ዕርክነት ዝብል ስም ኣጠሚቕካ ትዓጽዎ። ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ክቃልስ ንዝፍትን ድማ ከምዛ ኣራንሺ ኢሎሙኒ ዝብላ ዘሎ መመኽነይታታት እናምጽኡ ከባላሹዉዋ ኣለዎም። ”ምስ’ዚ ትማሊ ትማሊ ኪናት ዝእወጀልና ወያኒ ኮይንካ ዝመጽእ ለውጢ የለን፣ ኢትዮጵያ ንጥፍኣትና ትሰርሕ ኣላ፣ ኣብ ቀጻሊ ወያነ ንኤርትራ ብተቃወምቲ ኣቢሎም ክጎብጡ መደብ ኣለዎም,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,, እቲ ዝርዝር መወዳእታ የብሉን። ንኹሉ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ክቃለስ ዝደሊ ኤርትራዊ ”ወያነ” ወይ ድማ ”ወያነ ንዝብሉዎ ክገብር ዝተቐረበ ልኡኽ” እናበልካ ብዋላ ሓደ ሰነድ ወይ ጭብጢ ዘይስነ ጸለመታት እናፈነኻ ቃልሲ ምድኻም ጥራይ ዩ። ካብ ኢትዮጵያ ይበገስ ካብ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ቃልሲ ብከምዚ ኣገባባትን ሜላታትን ህግደፍ እንተሰንኪሉ ድማ ኣብ ኤርትራ ውልቀ መላኽነት ዕድመ ይረክብ ማለት እዩ።

    ስለዚ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝቃለሱ እሙናት ኣይኮኑን ዝብል ኣበሃህላ፠፠፠፠፠፠፠፠፠ ወይ ናይ ኣዝዮም ረቀቕቲ ካድራት ህግደፍ ኣበሃህላ’ዩ፣ ወይ ድማ ናይ ኣዝዮም ግሩሃት ደቂ ሓንቲ ልባ መሳኪን ኤርትራውያን ኣበሃህላ ዩ። ኣብ ዝመረካዮ ቦታ ኮይንካ ተቓለስ ኤርትራዊ! ልቢ ዳኣምበር እግረኻ ትረግጾ መቃለሲ ቦታ ጉዳይ ኣይኮነን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ኣንጻር ረብሓን ድሕነትን ሓዉ ዝኾነ ህዝቢ ደው ዝብለሉ ምኽንያት ዘሎ ኣይመስለንን። ምስ ግዜ ድማ ነዚ አሕዋት ህዝብታት ክፈልዮ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሓይሊ እኮ የለን።

    • Asghedom Woldeghiorghis September 14, 2014

      You are right Mr. Bekit I agree with you spescialy your last phrase