Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ….? – ሓምሻይ ክፋል

ሓምሻይ ክፋል                       ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ….? ሓምሻይ ክፋል ተኸታታሊ ጽሑፍ ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ…? ኣብ ድሮ እቲ ጸሊም ናይ ታሪኽ መዝገብ፡ ድሮ 18 መስከረም የዳልዎን ይዝርግሖን ብምህላወይ፡ ነቲ ዕለት ዝያዳ ከድህበሉ ክግደድ እየ፡፡ ስለ ዝኾነ ነቶም

ሓምሻይ ክፋል

                      ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ….?

ሓምሻይ ክፋል ተኸታታሊ ጽሑፍ ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ…? ኣብ ድሮ እቲ ጸሊም ናይ ታሪኽ መዝገብ፡ ድሮ 18 መስከረም የዳልዎን ይዝርግሖን ብምህላወይ፡ ነቲ ዕለት ዝያዳ ከድህበሉ ክግደድ እየ፡፡ ስለ ዝኾነ ነቶም ሃዋርያ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ሓርበኛታት መራሕቲ ገድሊ ኤርትራን ልሳን እቲ ድምጹ ዝተዓፈነ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ፡ ውፉያትን ተባዓትን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ልባዊ ክብርን ዝኽር ብስም ኩሉ ደላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ይብጸሓዮም፡፡ ኣይረሳዕናዕኩምን ኣብ ከብሕታት ልብና ጽኑዕ መሰረት ኣምቢርኩምን ተኺልኩምን ኢኹም፡፡ እቲ ዝወላዕኩሞ ሽግ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ሎሚ  ኣብ ውሽጥን ወጻእን ከቢድ ባርዕ ፈጢሩ ነቲ ቀታልን መላኽን ናይ ውሑዳን ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ከንድዶን ክህሙኾን ተቓሪቡ ኣሎ፡፡  ደጊመ ክብርን ዝኽርን ንኹሎም እቶም ንስለ ፍትሕን ዲሞክራስን ደው ብምባል ክሳዶም ንሴፍ ዝሃቡ ውፉያት ተቓለስቲ!!

በዚ ኣጋጣሚ ቅድሚ ናብቲ ቀንዲ መዛረቢ ዛዕባና ምእታወይ፡ ንኹሎም እቶም ኣብቲ ኣልዒለዮ ዘለኹ እዋናውን ኣዝዩ ተኣፋፍን ጉዳይ፡ ምኽርን ርእይቶን ነቐፌታን ዝሃቡኒ ግዱሳት ኤርትራውያን ልባዊ ምስጋናይ ይብጸሓዮም፡፡ ብፍሉይ ስለ እቲ ሃናጺ ምኽራን ርእይቶኣን ንኣልማዝ ጓል ኣስመራ ኣመስጊነ ንኣመስጋኒ ሂበያ ኣለኹ፡፡ ንኹሉ እቲ ዝመጻኒ ምኽርን ርእይቶን ነቐፌታን ክምልሶም ዝሕተቶም ሕቶታትን ከምልሶም እንተ ዝኽእል ክንደይ ኮን ደስ ምበለኒ፡፡ የግዳስ ኣይከኣልን ኢዩ፡፡ ንኹሉ ከከምቲ ዝደልዮ ክትምልሰሉን ክትኮነሉን ዋላ እውን እንተደለኹ ኣይከኣልን ኢዩ፡፡ ብዓቢኡ ካብቲ ዘልዓልኩዎ ቀንድን እዋናውን ጉዳይና እውን ከውጽኣናን ኣብ ሓሸውየ ከእትወናን ኢዩ፡፡ ከም ውልቀ ጀማርን ብዙሕ ዝጎድለንን ጸሓፋይ፡ እቲ ክምልሶ ዝኽእል እቲ ዝፈልጦን እቲ ክኸውን ኣለዎ ኢለ ዝኣመንኩሉን ዝቃለሰሉ ዘለኹ መትከላዊ እምነተይን ጥራይ ኢዩ፡፡

ማዕሪኡ ድማ ብስም ኤርትራ ንኤርትራውያን፡ ጉዳይና ባዕልና፡ ኣመሪካዶ ወያነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድኽምቲ ኤርትራ ወይ ዝተበታተነት ኤርትራ ክትህሉ ኢዩ ዝደሊ፡፡ ኣብ ጉዳይ ደምበ ተቓውሞ ኢዱ ዘይኮነ እግሩ እውን የተኣታቱው ኣሎ፡፡ ኢሳይየስ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍን ወያነ ኢሂወደግን ብማዕረ ኣብ ምድኻም ኤርትራ ተጸሚዶም ይሰርሑ ኣለዉ፡፡ ካልእ ካልእ…… ኣብቲ ዘልዓልኩዎ ኣርእስቲ ሓሸውየ ዘእትዉ ዘለዉ ወረታት፡ ካብቲ ቀንዲ ሓዲድ ቃልሲ ኣውጺኦም ሞትን ስቓይን ስደትን ኤርትራውያን ንኽቕጽል ካባ ተቓወምቲ ለቢሶም ጫሌዳ መንገዲ ንዝፈጥሩ ዘለዉ ኣካላት ጭብጥታት ብምስናይ ክድህሶም ክፍትን እየ፡፡ ብዓቢኡ እውን ስለምንታይ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ  ኣብ ረግረግ ዓዘቕቲ ተሸኺሉ  ኣይክሰርሕ ኣይ ከስርሕ፡ ኣይክመርሕ ኣይክምራሕ ንቓልሲ ንሓርነት ጅሆ ሒዝዎ ኣሎ ጭቡጥ ሓቂ ሒዘ ተኣማንን ሚዛናውን ብዝኾነ መልክዑ ክትንትኖ እየ፡፡ ልዕሊ ዝኾነ ድማ  ነቲ ሓላኽን በታንን ተለኻኺምና ንጥፋእ ዝሕላገቱ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ ኢሳይያሲዝምን ንዕኡ ጉልባብ ገይሮም ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ኣካላትን ህዝቢ ክፈልጦም፡ ብፍሉይ እውን እቲ ንቓልሲ ተበጊሱ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣይፋልኩምን ቅድም ቀዳድም ገዛና ነጽሪ፡፡ ኣብ ትሕቲ ዓራትና ዘሎ ጨካን ገበል ንቕተል ኢሉ ፊት ንፊት ንኽገጥሞም ብስም ኤርትራ ንኤርትራውያን ጉዳይና ባዕልና እባ ወዘተ ወዘተ…. ካብ ናይ ቃልሲ መኣዲ ንኸይቦክር ኣመት ንምሃብ ኢየ፡፡ ደጊመ ስለ እቲ ሃናጺ ርእይቶኹም ነቐፌታኹም የመስግን፡፡

ሎሚ 18 መስከረም 2014 ኢዩ፡፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ክልተ ፍጹም ዘይራኸቡ ዝኽርታትን ፍጻመታትን ዝሓዘት ወርሒ መስከረም፡፡ ሓደ መስከረም መስዋእቲ ክንከፍልን ናጽነትና ብሓሊ ብረት ከነራጋግጾን ጠበንጃ ዘልዓልናሉ እንሕበነሉን እንኾርዓሉን ወርሒ ኢዩ፡፡ ንሱ ጥራይ ግን ኣይኮነን 18 መስከረም ብተመሳሳሊ ከምቲ ንናጽነት መስዋእቲ ክንከፍል ዝተቐረብና፡ ንሓርነትናን ዲሞክራስያዊ ፍትሕን እውን መስዋእቲ ከም ንሕተት ጀጋኑና ስልጣን ናብ ህዝቢ ይረከብ ብምባል ኣብ ሓቂ ደው ኢሎም ክሳዶም ንበሊሕ ሴፍ ብትብዓት ዝሃብሉ ዕለት ኢዩ እውን፡፡ ስለ ዝኸነ ወርሒ መስከረም ንናጽነትን ሓርነትን ከቢድ  መስዋእቲ ክንከፍል ምዃና ብደም ጀጋኑ ኤርትራውያን መብጽዓ ዝኣተናሉ ዕለት ኢያ፡፡ ብኣንጻሩ 18 መስከረም 2001 ናይ ውሑዳን ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ታሪኹ ናይ ምቕታልን ምእሳርን ምዕፋንን ምሕቃቕን ታሪኽ ጸሊም መዝገብን ደምን ምዃኑ ብግህዶ ዝረኣናሉን ዝፈለጥናሉን ዕለት ኢዩ፡፡ 18 መስከረም ኣብ ኤርትራ ጠበንጃን ሓይልን ልዕሊ ሕጊ ምዃኑ፡ ድምጺ ህዝቢ ብኣፈሙዝ ጠበንጃ ከም ዝተሎግመ ዝረኣናሉን ዘረጋገጽናሉን ዕለት ኢዩ፡፡ ወርሒ መስከረም ክልተ ዝተፈራረቐ ዝኽሪ ሓበንን ኩርዓትን ዝኽሪ ጭካነን ሓዘንን ኢያ ንዓና ንኤርትራውያን፡፡

ሓምሻይ ክፋል ጽሑፍ ኤርትራ ንኤርትራውያን ንመን ድኣ….? ኣብ ድሮ እቲ ጸሊም ናይ ታሪኽ መዝገብ 18 መስከረም ክዝርግሖ እንከለኹ ብቐጥታ ምስቲ ዘልዓልኩዎ ኣርእስቲ ስለ ዝተኣሳሰር እውን ኢዩ፡፡ እቶም ኣብ 18 መስከረም ብእዉጅ ሕልፈቶም ማሕዩርን ምዕፋንን ዝኾኑ ሃዋርያ ዲሞክራስያዊ ለውጢ  ሓርበኛታት ኤርትራውያን ብጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ዝቐረበሎም ናይ ጠቐነ ክሲ እዚ ሕጂ ዜማ ጥራይ ተቐይርዎ ብተደጋጋሚ ክጋዋሕ ንሰምዖ ዘለና ግጥሚ ኢዩ፡፡ በቲ ኢልካ በቲ ኢሳይያሲዝም ኣዕናውን ኣባህራርን ኣጠራጣርን ስነ-ሓሳብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሕበሩ ድኣ ቀያይሩ እምበር ተፈጥሮ ባህርያቱ ካብ ምፍላም ህዝባዊ ሓይልታት መጀመርያ ሰብዓታት ጀሚርካ ክሳብ እዛ መጠረሽታ ዕለት ሓደ ኢዩ፡፡ ንሓቀኛታትን በላሕትን ምሁራትን ተኣመንትን ተቓለስቲ ብትሕቲ ሃገራውነት ምውንጃልን ምቕታልን፡፡ ጸለምቲ መዝገባት ገድሊ ኤርትራ ታሪኽ መንካዕ የሚን ጀሳውስ ሓምሻይ መስርዕ ሎሚ ንድሕሪት ተመሊስካ ምስ እትምርምሮ ሓደ ተሓላቒ ኤርትራን ኤርትራውነትን እቲ ካልእ ሸያጥን በታታንን ኤርትራን ኤርትራውነትን ኢዩ፡፡ ብሓቂ ግን ክብረቲ ህይወቱ ሞባእ ንስለ ናጽነት ክኸፍል ንግድልን መስገደልን ዝወፈረ ተጋዳላይ ንኤርትራ ካብ መንጋጋ ጨካናት ገዛእቲ ሓራ ክገብር እምበር ንኤርትራ ክሸይጥን ክልውጥን ዝፍትን ዘይኮነ ዝሓስብ እውን ኣይነበረን፡፡

ሎሚ እቲ ኣብ ሽንጭሮታት ሕሽክብን ዓምበርበብን ውፉያትን ንጹሃትን ተጋደልቲ ንምሕቃቕ ንምቕንጻል ኢሳይያስ ዘተኣታተዎ ኢሳይያሲዝም ንሕድሕድካ ናይ ምብላዕን ዘይምትእምማንን ግናይ ስነ -ሓሳብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዜማታቱ  ክቐያይር ኢና ንሰምዖ ዘለና፡፡ እቲ ግጥሚ ግን መለሳ ዘይብሉ ንሱ ኢዩ፡፡ ኣብ ውሽጡ እንተ ኣቲና ሓው ምስ ሓው ዘቓተለ ጸሊም መዝገብ ስለ ዝኾነ ንታሪኽ ክንገድፎ፡፡ ናብቲ ዓይንና እናረኣየ እዝንና እናሰመዐ ብጸሓይ ቀትሪ ዝተፈጸመ ዝኽሪ ጸሊም መዝገብ 18 መስከረም 2001 እንክንምለስ ግን ኣንቱም ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ እቶም ምሁራትን ንቑሓትን ክሳብ ክንደይ ዲኹም ብኢሳይያሲዝም ስነ-ሓሳብ ገርዚምኩምን ብፍርሂ ተወሪርኩምን ዘብልዩ፡፡ እዞም ንገድልን መስገደልን ተሳጊሮም፡ ንብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብውሕሉል ጥበብ መሪሖም ተዋጊኦም ዘዋግኡ፡ ብዜካ ኤርትራ ንኤርትራውያን ካልእ መዝሙር ዘይበሮም ሓርበኛታት፡ ናይ ተሳዓርነት መንፈስ ኣርእዮም፡፡ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዕጥቁ ንኽፈትሕ ደፋፊኦም፡፡ ካብ ወያነ ሚሊዮናት ኣቕራሽ ተቐቢሎም ሃገር ክሸጥዋ ሓሲቦም፡፡ ምስ ሲአይኤን መንግስቲ ኣመሪካን ተመሻጢሮም ገለ ካብቲ ቅድሚ ምዕፋን ብልሂ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ዝተነዝሓ ኢሳይያሲዝም ኣባህራሪ መርዝታት ኢዩ፡፡ እቲ ዘሕዝን ንምጥቃንን ምዕፋንን እዞም ሓርበኛታት ኢሳይያስ ገረብ ብሓኽላ ሜላ እውን ተጠቂሙ ኢዩ፡፡ ብቐረባ ብስጋ ዝራኸቡ ኣሕዋት ዝጸምበረ ዘይሓዊ በሰላ፡፡

ሎሚ ገለ ካብቶም ቀንዲ ኣብ ምዕፋን ሓርበኛታት መራሕቲ ገድሊ ኤርትራን ተባዓትን ውፉያትን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን ስጉምቲ ክውሰድ እንከሎ፡ ኢሳይያስ ቁኑዕ ኣሎ ብምባል ነቶም ሓርበኛታት ክሳብ ኣብ ቁሉዕ ሚድያ ወጺኦም  ብሃገራዊ ክሕደትን ክድዓትን ስሞም ዘጸለሙ ንባዕሎም ኣብ ሸላታት ካርሸሊ ኢሳይያስ ሓይርዎም ኣሎ፡፡ ኢሳይያሲዝም ግናይ ስነ ሓሳብ ግዝያውያን ተሓባበርትን ደቂ ዕቁብን እምበር ናይ መትከል ተቓለስቲ ኣብ ዙርይኡ ክህልዉ ባህርያቱ ኣየፍቅደሉን ኢዩ፡፡ ነቶም ንጉጅለ ዓሰርተ ሓሙሽተ ከሓድትን ተሰዓርትን ኢሎም ኣፎም መሊኦም ዝተዛረቡ ተመሊሶም እንታይ ተባሂሎም ከም ዝተኸሰሱ ናይ ቀረባ ግዜ ዜናታት ኢዩ፡፡ ካብ ምፍላይ ህዝባዊ ሓይልታት ጀሚርካ ክሳብ እዚ መጠረሽታ ዕለታት ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምትታት ሓደ ካብቲ ካልእ እንታዩ ፍልልዮም…?

ፍልልዮም ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ብሓደስቲ ዜማታት ሪሚክስ ስለ ዝግበሩ ጥራይ ኢዩ፡፡ ትሕዝቶ ግጥሞም ግን ሓደ ኢዮም፡፡ እቲ ዝቐትል ዝኣስር ዘይጋገ ብጹእ ወኪል ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራውነትን፡ እቲ ዝቃወም ዓገብ ዝብል ድማ ከዳዕ፡ ከሓዲ፡ ጃሱስ፡ ሓምሻይ መስርዕ፡ ልኡኽ ወያነ፡ መጋበርያ ኣመሪካ፡ ኣውራጃዊ፡ ሃይማኖታዊ………? ሕጂ እውን እቲ ግጥሚ ዜማ ተቐይርዎ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ምጥርጣር ምእንቲ ክኣቱ፡ ነቶም ህግደፍ ብትሕዞን ብዳርባን ከረኻኽበሎም ዘይተኻእሉ ተቓለስቲ ካብ ህዝቢ ንምንጻል ኤርትራ ንኤርትራውያን! ጉዳይና ባዕልና…… ወዘተ ወዘተ ትሕዝትኡ ኣሪጉ ተመንዩ ዝተጓሕፈ ግጥሚ ብሓዲሽ ዘሜ ክድረፍ ንሰምዖ ኣለና፡፡ ኩሎም እቶም ብስውርን ብርእዮን ኢሳይያስ ዘሕቀቖም ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ በዛ ዜማታት ትቐያይር ዘላ ሰራም ግጥሚ ኢዮም ጠፊኦም፡፡ ሎሚ እዛ ሰራም ግጥሚ ሸውዓተ መዐሙቕ ክንደብያን አሰራታ ከነጥፍኦን ኣለና፡፡ ብኸመይ ፊት ንፊት ድሎ ብድሎ ብምግጣም፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ኮይና ኢያ፡፡ ዝኾነ ፍልልያት ይሃልወና ኤርትራዊ ንኤርትራ ክሸጣ ሓሲቡ ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ እንትርፎ ኢሳይያስ!!!

ይ        ቕ        ጽ         ል

ኣይረሳዕናኩምን ወትሩ ኣብ ዝኽርታትና ኣለኹም!!

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

Tele +251 921924501

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • እስጢፋኖስ ገ/ሚካኤል ተሞልሶ September 18, 2014

    ብወገነይ እዚ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ጭርሖ ዲና ክንብሎ መትከል ርዱእ ዘይኮነ ጅምር ከብል ኣትሒዙ’ዩ ኣሰኪፉኒ። ኤርትራ ደኣ ንመንሞ? መንከ ኣሎ ኤርትራ ንካልኦት ዝበለ ቃልሲ ወይ ምንቅስቓስ። ርግጽዩ ዝተፈላለዩ ውድባት፡ ማሕበራት፡ ምንስቓሳት ካብ ዝተፈላለዩ መንግስታት ንበሎም ወገናት ደገፍ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። መትከላቶም ቀዪሮም ማለት ግን ኣይኮነን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ወላ እዚ ብነብስኻ ምኽኣል ዝምካሕ ዝነበረ ህግሓኤ ከይተረፈ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ደገ ሓገዝ ይረክብ ነይሩ እዩ። ወዮ ደኣ ኢደ ሰባራ ኮይኑ’ምበር ከም በዓል ኩወይት፡ ሶማል፡ ሱዳን ዝኣመሰለኣ ሃገራት እዚ ዘይብሃል ወተሃደራዊ ሓገዛት ለጊሰናሉ እየን። ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር መን ይቕልቦ ነይሩ እንተበልና ድማ ኢደሰባራ ገይሩዎም እምበር ኣብ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ኤውሮጳን ኣውስትራልያን ዝርከቡ ዘይመንግስታዊ ማሕበራት ምዃኖም ክፍለጥ ኣለዎ። ህግሓኤ፡ ካብ 1982 ኣትሒዙ ጥር ትብል መሸላ ኣይዓደገን። ስለዚ፡ ሕጂ ኵሉቲ ኣንጻር ተቓወምቲ ዝግበር ኣገባባት ቃልሲ ምስ ፈሸሎ፡ ህግደፍ ብስዉር በቶም ምስኡ ዝጸጋግዑ ውልቀሰባትን ጕጅለታትን ኤርትራ ንኤርትራውያን ብኤርትራውያን እናበልካ ዝግበር ጨለ መደረታት ጣቋ ከም ዘይብሉ ክርድኣና ክኽእል ኣለዎ። ኤርትራውያን ፈቲና ጸሊእና እታ እንኮ ተሪፋትና ዘላ ፍልልያትካ ንጐድኒ ገዲፍካ ኣንጻር ህግደፍ ሓቢርካ ምቅላስ እያ። ነዚኣ ክንገብር እንተ ዘይክኢልና ይትረፍዶ ንኢሰያስ ኣሊና ሃገር ክነምጽእ፡ ህላዌና ኣተራጣሪ ዝኾነሉ ግዜ ክመጽእ እዩ። ስለዚ፡ እጅገና ሰብሲብና ንበገስ። ንዓለም ማንካ ዘየልዓሉላ መንእሰያት ህይወቶም ክብጅዉ ኣብ ቅድመ ግንባር ቍሩ እናተሓለቡ ንሕና ኣብ ማሙቕ ቤትና ከለና ኣንጻር ውልቀመላኺ ዘይንሓብረሉ ምኽንያት ክህሉ ኣይግብኦን። ስለዚ፡ ይኣክል ምፍንጫል፡ ይኣክል ጓል መንገዲ ምሓዝ ነቲ ነዊሕ ጕዕዞ ብሓባር ንጀምሮን ነሕጽሮን። ሎሚ ካብ ኣስመራ ዝስማዕ ዘሎ ዜና ኢሰያስ ከም ዘብቅዐን ህዝቢ ንለውጢ ድሉው ከም ዘሎን እዩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ኣብ ክንዲ ደድሕሪ እቲ ኵነታት ንጐዓዝ ነቲ ኵነታት ክንኣልዮን ክንመርሖን ዝግብኣና ይመስለኒ።

    • teigstei September 18, 2014

      excellent comment

    • micheal embaye@yahoo.com September 18, 2014

      I agree with u estifanos temelso.

      thanks a lot

      regards micheal aranchi

      • ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? September 18, 2014

        ሻዕብያ ሰሓቢ ጭርሖታት፣ ሰውራውን ዲሞክራስያውን መትከላት ኣብ ጽሑፍ ብምስፋር፣ ንገበናቶም ሞራላዊ ክዳን ብምኽዳን ንብዙሕ ህዝቢ ኣታሊሎም። እቶም ሸርሕታት ኤሰያስ ከዐውቱ ዝተቓለሱ ሕዺውን ተቓወምቲ መሲሎም ነቲ ጉጅለ ኤሰያስ ካብ ሰብዓታት ጀሚሮም ዝተጠቀምሉ ሜላ ኣብ ምውንዛፍ ይርከቡ።

        • Wadiya September 18, 2014

          Not only former Issaias supporters, there are many former Jebha supporters too with a lot of bloody hands, still leading many so called opposition gangs.

    • Almaz Gual Asmera September 18, 2014

      ብመጀመርያ ተጋዳላይ ሚክኤል ነቲ ሃናጽን እዋናውን ዛዕባ ብውሕልነት፥ ልቦናን ቅንዕናን ብምቕራብካ ብሓቂ ክትምስገን ይግብአካ። ስለቲ ምስጋናኻ ኸኣ የቐንየለይ። ብምቕጻል ለባማትን ምኩራትን ዥብዎ ዘሎዉ ርእይቶታት ንኢህን ሚህን መገዲ ዝኸፍት ስለዝኾነ ዝንኣድ እዩ። ከምቲ ዝተባህለ እቶም ዓልየት ኣውራጃን ሃይማኖትን ከይፈለዩ ምእንቲ ሕዝቢ ኣብ ሐደ ጉድጓድ ዝተደፍኑ ተጋደልቲ፥ በዚ ዕለት (መስከረም 18, 2001 )ምእንቲ ሕግን ፍትሕን ኣብ ዒራዒሮ ዝተዳጎኑ መራሕቲ ውድብ፥ ብዓል ወዲ ዓሊ ትማሊ ትማሊ ዘልዓልዎ ንኹላትና ኤርትራውያን ኣብ ሐደ ዘዕስል ዕላማ ገዲፍካ ዓዲ ዘየእቱ ጫሌዳ መገዲ ንማንም ዘርብሕ ኣይኮነን። ነቲ ጠላም ገበል ትንፋስ ሂብካ ስቃይ ሕዝብና ምንዋሕ ጥራይ እዩ ፋይዳኡ። ካብ ስምዒት ወጺእና ብሕግን ጭብጥን ነሓድሕድና ክንላዘብ፥ ክንካታዕ፥ ኣብ ዘሰማምዑና ሓቢርና ኣብዘይተረዳዳእናሉ ጉዳይ ድማ ተኻኣኢልና መገዲ ሓርነት ክንምርሽ ይግባእ። ብሓሳባት ዝሰማምዑኻ ቁንጣሮ ኣባላት ሒዝካ ንኹሉ ሕዝቢ ዘዐስል ናይ ቃልሲ ጎደና ኪተክል ይኽእል እየ ኢልካ ምሕሳብ ግን ሕልሚ ደርሆ እዩ። ስለምንታይ ኣንጻር ዓመጽ ዘይትቃለስ ይብሃል ንሰምዕ እምበር ስለምንታይ በቲ ዝመስለካ ኣገባብ ትቃለስ ምባል መስደመም እዩ። በቲ ካልእ ሽነኽ ከኣ ንህዝቢ ዝጠቅም ባዕልና ንፈልጦ ኢና ኣናበልካ ንልብን ሕልናን ሕዝብና ጓሻ ዝኾነ ዘሰንብድ ቋንቋ (ኃይማኖትን ዓሌትን ኣልዒልካ ክሳብ ምግንጻል) ኣንዳተጠቐምካ ምቅላስ በየናይ ተኣምር እዩ ንከበስኡ መታሕቱ፡ ኣስላማዪ ክርስትያኑ፡ ኩለን ብሄራት ሃገርና …ኣዋሃሂዱ ብሓባር ክንቃለስ ዘኽእለና፧ ኩላትና ሓቢርና እንተዘይተቓሊስና’ኸ (ሓምሳ… ሚእቲ…ሓደ ሽሕ…ኣባላት ሒዝካ) ኣብ ሓርነትዶ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና፧ ከምዝመስለኒ ብዘይካ ስዉር ተልእኾ ዘሎዎ ልኡኽ ሕጊ- ግደፍ ሓርነት ዘይደሊ ተቓላሳይ የሎን…ንመገዲ ሓርነት ዘናውሕ ተቓላሳይ ግን ሰነፍ ተቃላሳይ እዩ።

  • Hagos tecle September 18, 2014

    Mikael well said, tanks, go on you are teaching many peopel.

  • robelbereketab@gmail.com September 18, 2014

    well dan aranshi
    ኢሳይያሲዝም ግናይ ስነ ሓሳብ ግዝያውያን ተሓባበርትን ደቂ ዕቁብን እምበር ናይ መትከል ተቓለስቲ ኣብ ዙርይኡ ክህልዉ ባህርያቱ ኣየፍቅደሉን ኢዩ፡፡ ነቶም ንጉጅለ ዓሰርተ ሓሙሽተ ከሓድትን ተሰዓርትን ኢሎም ኣፎም መሊኦም ዝተዛረቡ ተመሊሶም እንታይ ተባሂሎም ከም ዝተኸሰሱ ናይ ቀረባ ግዜ ዜናታት ኢዩ፡፡ ካብ ምፍላይ ህዝባዊ ሓይልታት ጀሚርካ ክሳብ እዚ መጠረሽታ ዕለታት ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምትታት ሓደ ካብቲ ካልእ እንታዩ ፍልልዮም…?

  • robelbereketab@gmail.com September 18, 2014

    antum tererti lbi eritrawian ezi tshuf bli tegediskum anbbwo

    nemesgneka aranshi
    ነቶም ህግደፍ ብትሕዞን ብዳርባን ከረኻኽበሎም ዘይተኻእሉ ተቓለስቲ ካብ ህዝቢ ንምንጻል ኤርትራ ንኤርትራውያን! ጉዳይና ባዕልና…… ወዘተ ወዘተ ትሕዝትኡ ኣሪጉ ተመንዩ ዝተጓሕፈ ግጥሚ ብሓዲሽ ዘሜ ክድረፍ ንሰምዖ ኣለና፡፡ ኩሎም እቶም ብስውርን ብርእዮን ኢሳይያስ ዘሕቀቖም ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ በዛ ዜማታት ትቐያይር ዘላ ሰራም ግጥሚ ኢዮም ጠፊኦም፡፡ ሎሚ እዛ ሰራም ግጥሚ ሸውዓተ መዐሙቕ ክንደብያን አሰራታ ከነጥፍኦን ኣለና፡፡ ብኸመይ ፊት ንፊት ድሎ ብድሎ ብምግጣም፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ኮይና ኢያ፡፡ ዝኾነ ፍልልያት ይሃልወና ኤርትራዊ ንኤርትራ ክሸጣ ሓሲቡ ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ እንትርፎ ኢሳይያስ!!!

    ይ ቕ ጽ ል

    ኣይረሳዕናኩምን ወትሩ ኣብ ዝኽርታትና ኣለኹም!!

    ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

  • robelbereketab@gmail.com September 18, 2014

    eza nay metereshta mleti hasab keygeremetni ayterefetn.
    eritrawi zkone fllyat yhalwo neritrea ksheta hasibu ayfeltn.

    ENTRFO HADE ISSAYASS!!

    ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ኮይና ኢያ፡፡ ዝኾነ ፍልልያት ይሃልወና ኤርትራዊ ንኤርትራ ክሸጣ ሓሲቡ ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ እንትርፎ ኢሳይያስ!!!

    ይ ቕ ጽ ል

  • Awet Nihafash September 18, 2014

    ARANCHI
    WOOW… NAY BIHAKI HAYAL SEB EKA….PLEASE DONT END THIS ARTICLE…. CONTINUE … KEEP WRITING

  • teigstei September 18, 2014

    ነቶም ህግደፍ ብትሕዞን ብዳርባን ከረኻኽበሎም ዘይተኻእሉ ተቓለስቲ ካብ ህዝቢ ንምንጻል ኤርትራ ንኤርትራውያን! ጉዳይና ባዕልና…… ወዘተ ወዘተ ትሕዝትኡ ኣሪጉ ተመንዩ ዝተጓሕፈ ግጥሚ ብሓዲሽ ዘሜ ክድረፍ ንሰምዖ ኣለና፡፡ ኩሎም እቶም ብስውርን ብርእዮን ኢሳይያስ ዘሕቀቖም ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ በዛ ዜማታት ትቐያይር ዘላ ሰራም ግጥሚ ኢዮም ጠፊኦም፡፡ ሎሚ እዛ ሰራም ግጥሚ ሸውዓተ መዐሙቕ ክንደብያን አሰራታ ከነጥፍኦን ኣለና፡፡ ብኸመይ ፊት ንፊት ድሎ ብድሎ ብምግጣም፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ኮይና ኢያ፡፡ ዝኾነ ፍልልያት ይሃልወና ኤርትራዊ ንኤርትራ ክሸጣ ሓሲቡ ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ እንትርፎ ኢሳይያስ!!!

  • Honesty September 18, 2014

    ሕመረት እዚ ጽሑፍ ስሒተዮ ኣለኩ መስለኒ ።ኤርትራ ን ኤርትራዊያን ዝብል ኣምር ኣነ ከምዚሪዲኣኒ ፥ ኤርትራዊ ሃገራውነት ዚመሰረቱ መፍትሒ ንጸገማትና ንምትግባር ናብቲ ቀዳማይ ጸላኢና ህግደፍ ቃልሲና ነነጻጽር ጋል መገዲ ሓሳባት ንዮ ንበሎ ማለት እዩ።ተዘይኮይኑ ሓለንጊ ህግደፍ ከምሕሱም ብዘይምፍልላይ ንኩሉ ወገን እንዳ ገረፈና ከሎ ብወገን ፥ኣውራጃ ፥ዓሌት፥ሃይማኖት ዚፈላሊዩ ሓሳባት ከነእንጊድ የብልናን ።ከምእውን ናይ ደገ ተበለጽቲ ኣጀንዳ ከም ብሔራዊ ፈደራሊዚም ፤ ብሔራት ናይ ምንጻል ፤ጉዳይ ዓሰብ ብጉልባብ ዓፋር ከም ሃገር ምፍጣር።ምካኤል ኣብ ጽሑፍካ ከም ዚጥከስካዮ ብቃልሲናን ድምጺናን ናጻ ሃገር ብሕጋዊ መስርሕ ከዘረጋገጽና ሓቢርካ፥ ኣብ ዓለም ከም ንሪኦ ዘለና ግን ሓይሊ እንበር ሕጊ ኪሰርሕ ኣይረኣናዮን።ጉዳይ ፍልስጥማውያን ከም ኣብነት ክንወስድ ንክእል ኣብ ገዛእ መሬቶም ተጋንዮም ናይ ከቀረባ ኣብነት ጉዳይ ክረሚያ ብሓይሊ ምንጻላ ዘተሓሳሲብ አዩ።ኣብ መጨረሻ ከምዚመስለኒ ህግደፍ ዘይኮነ ሓይሉ ክንኣልዮ ዘይከኣልና ንሕና ስለዝሰነፍና አዩ ።ኣብውሽጥና ምእምማን ክንሓንጽ ኣይከኣልናን።ህዝብና በቲ ብልቡ ኣሚኑ ዚከቀበሎ ህግደፍ ከማን ዝተጥልመሲ ሕጂ ንሓድሕዶም ከማን ሓቢሮም ኣብ ሓደ መኣዲ ኮፍ ክብሉ ዘይክእሉ ተቃወምቱ ብከመይ ክኣምኖም

  • mahta September 18, 2014

    Zkeberkum ahwat eta enko ftah mmkat tray eya nhgdef wala tnfer tel eya eu melsu. Mkniatu ab hzbna zwerede smbrat kfwes ente koynu hji nhgdef meelay tray eu ety enko amaratsi haye ajona bwshtn bdegen nguye hadera .

  • mahta September 18, 2014

    Etom whudat keyteredakum ms hgdef tetaku zneberkum hadera nezi tarikn wditat hgdefn teredikum ms hzbkum dew ktblu ylabo. Kemey ezi bzuh gerhi lban whud rebha ena temete edu msom zterashu nety kunetat bzey mstwal. Ezi abi tmhrty nhzbi eritra eu ane ezin ezin kblekum aidelin eye nay gujle eseyas zerzirka zey wdae gebenin blshwnan sle zkone ezi hji zgebro zlo film nay esseyas keytdahllu hadera ybl. Tsbah kem hzbkum sle tkonu slezi nmmhaw ezi kufue ajenaom nguaye nhaberawi hzbna

Post a Reply to fthi delye Cancel Reply