Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን ነበርቲ ኖርወይ ናብ ሱዳን ይኹን ናብ ኤርትራ ከይገሹ ተኣጊዶም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ኖርወይ ናብ ሱዳን ይኹን ናብ ኤርትራ ከይገሹ ተኣጊዶም። ኣብ ኖርወይ ኢዶም ዝሃቡ መንእሰያት፡ መንግስቲ ኖርወይ ምስ ተቐበሎም፡ ናብ ቤትጽሕፈታት ናይቲ ዓኽ ኢሎም ጡፍ ዝበሉሉ ህግደፍ እናኸዱ ናይ ጣዕሳ ፎርም ብምምላእ ተሓቢኦም ናብ ኤርትራ ክገሹ

ኤርትራውያን ነበርቲ ኖርወይ ናብ ሱዳን

ይኹን ናብ ኤርትራ ከይገሹ ተኣጊዶም።

ኣብ ኖርወይ ኢዶም ዝሃቡ መንእሰያት፡ መንግስቲ ኖርወይ ምስ ተቐበሎም፡ ናብ ቤትጽሕፈታት ናይቲ ዓኽ ኢሎም ጡፍ ዝበሉሉ ህግደፍ እናኸዱ ናይ ጣዕሳ ፎርም ብምምላእ ተሓቢኦም ናብ ኤርትራ ክገሹ ጸኒሖም። ናብ ኤርትራ ዝገሹሉ ሓደ ኣገባብ ድማ ብመንገዲ ሱዳን ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተዉ ድማ መንግስቲ ኖርወይ ናበይ ገይሾም ከም ዝነበሩ መታን ከይፈልጥ ክፍሊ ኢሚግረሽን ጭፍራ ህግደፍ፡ ኣብ ክንዲ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ኣብ ፓስፖርቶም ክታም ዝገብረሎም ኣብ ጻዕዳ ወረቐት ጥራይ ይፍርመሎም። እዚ ነቶም ደገፍቱ ንምሕጋዝ ኢሉ ዝገብሮ ካብ ነዊሕ ዓመታት ክኽተሎ ዝጸንሐ ዘይሕጋዊ ተግባር ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ ጕዳይ እዚ ክፍሊ ኢሚግረሽን ኖርወይ ይኹን ተጣባቒ ስደተኛታት ኖርወይ (ኖኣስ) ስለ ዘረጋገጹዎ ኣብ ማዕከናት ዜና ክዝረበሉን መጠንቀቕታ ክወሃብን ጸኒሑ ነይሩ። ሕጂ ድማ ክፍሊ ኢሚግረሽን መንግስቲ ኖርወይ (ኡደኢ) ብዕለት 19.05.2014 ሓደ መምርሒ ኣውጺኡ ኣሎ። እቲ መምርሒ፡ ዝኾነ ኣብ ኖርወይ ዕቝባ ዝተዋህቦ ኤርትራዊ ናብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከይተረፈ ከይገይሽ ዝኽልክል እዩ። እዚ ሕጊ’ዚ ነቶም መንግስቲ ኖርወይ ሕጂ ዝተቐበሎም ጥራይ ዘይኮነ ወላ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ቀዋሚ መንበሪ ዘለዎም’ውን ከም ዝምልከት ይፍለጥ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኤርትራውያን ብመንገዲ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናብ ኤርትራ በጺሖ ይምለሱ ከም ዘለዉ ስለ ዝተፈልተ እዩ ይብል። እዚ ከምዚ ኮይኑ ገለ ተዓዘብቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ኣየር በረራ ይኹን ናይ ምድሪ ይኹን ወይ ናይ ባሕሪ ርክብ ዘየሎ ክነሱ ናብ ኢትዮጵያ ምጋሽ’ውን ዝተኸልከለሉ ምኽንያት፡ ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ድማ ተጋሩ ኤርትራውያን ኢና እናበሉ ኢዶም ድሕሪ ምሃብ፡ ዕቝባ ምስ ረኸቡ ከም ድላዮም ናብ ሃገሮም ኢትዮጵያ ከም ዝኸዱ ስለ ዝተፈልጠ ከም ዝኾነ ይብሉ።

ጭፍራ ህግደፍ ካብ ሃገር ንዝተሰዱ መንእሰያት ንናይ 2% ውጽኢትን ካልእ ገንዘባዊ ውጽኢትን ይኹን ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ክጥቀመሎም ስለ ዝደሊ፡ ዕቝባ ድሕሪ ምርካቦም ኣብ ሓደ ገበን ከም ዝፈጸሙ ዘእምን ናይ ጣዕሳ ፎርም እናበለ ዝጽውዖ ቅጺ ከም ዘፈርሞም ይፍለጥ። ሓደ ሰብ ኣብ ሃገረይ ሓሲሙኒ፡ መሰለይ ተጋሂሱ፡ ተሳቕየ፡ ናብ ሃገረይ እንተ ተመሊሰ በቲ ጨካንን ኣራዊታዊ ባህሪ ዘለዎን ጭፍራ ህግደፍ ክቕተል’የ፡ ክግረፍን ክሳቐን’የ ኢሉ ቃሉ ድሕሪ ምሃብ፡ መሰል ዕቍባ ምስ ተዋህቦ ናይ ጣዕሳ ፎርም ክመልእ ምፍታን፡ ተምላስካ ምስ ምብላዕ ዝዳረግ ምዃኑ ክፍለጥ ይግብኦ። ከምዚ ክገብር ዝፍትን ሰብ ድማ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቈላ ዝብል ሕልና ዘይብሉ ሰብ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን። ደለይቲ ፍትሒ ነቶም ኣንጻር ሕጊ ስደተኛታት ኖርወይ ብምጥሓስ ተዃሊሎም ናብ ኤርትራ ክኸዱ ንዝፍትኑ ጸረ ፍትሒ ዝኾኑ ሰባት ከቃልዑዎም ከም ዘለዎም ለበዋ ዘድልዮ ጕዳይ ኣይኮነን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
32 COMMENTS
  • Sorobeti May 27, 2014

    This blatant and opportunistic act by some Eritreans is not only going on in Norway, it is going on all around the world.

  • Sara May 27, 2014

    All Eritrea who stand for justice need to expose this hgdf’s supporters who travel to Eritrea. You need to set up especial committee to work with the authorities. You need to have a system and then the system will work itself. You need to expose whoever crossed the law. They must learn and stop this selfish game with hgdf. They are victims who are tirelessly paying 2% and hgdf expand prison in Eritrea to kill their own brother or sister even their fathers.

    We need to contact other European countries to follow this step, all Eritrean human right activists must voice and organise the voiceless eritreans to stand together. this is a big news for us.

  • johns May 27, 2014

    It should be happen all around Europe and USA important decision

  • Tesfu Kbrom May 27, 2014

    We must all work to stop this illegal behaviour of some PFDJ elements because it is tarnishing Our image.

  • adam tsegay May 27, 2014

    Yes this is correct&
    Nesesery @this time
    Tifaka milhas eyu nay zimesleny

  • ahmed saleh May 27, 2014

    Those people from Tigray who took advantage on Eritrean refugees expense should also must exposed
    for their illegal activity . No need to compromise to any wrong deeds .

  • Mike G May 28, 2014

    Yes, there No double standard !!
    If you believe and granted Asylum due to the governance of existing dictatorial regime in Eritrea, You shouldn’t be worried about it, that is the truth.
    But, if you are an asylee and HIGDEF supporter there is no both ways.
    So, either you stay away as an Asylee or go and serve the dictatorial regime.
    I wish if it is implemented through out the continent.

    Viva Norway !!

  • Daniel May 28, 2014

    This is a good news for us change agents and nightmare for the opportunities.
    We have to work harder to hand over these kind of people even if they happen to be our relatives.

  • kuku May 28, 2014

    zkeberka shafi nab sudan tray zeykone wela nab debrezeyt wn tekelkilu u nab ethiopia etom thousands ethiopiawyan bsm ertrawyan wereket zrekebu adom kkedu aykelunyom n ertrawyan tray aykonen

  • Medber May 28, 2014

    Absolutely big news all Eritreans who stand for true Democracy and justice need to work hard on this issue and work also to implement through the continent especially for those selfish, cheap, & ignorance in Sweden & Canada .
    Good job Norway.

1 2 3

Post a Reply to Susun Cancel Reply