Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣድጊ ኣይትረስዑዎ

ኣብ 60ታት ኣብ ኣስመራ ማይ ጋዝ: ኣራንቻታ: ፋንታ: ብኣድጊ ብዝስሓብ ሰረገላ ናብ ኣብያተ ሸቐጥ ይዘውር ነበረ:: እቲ ኣድጊ ዝናኸስ ግዲ ነይሩ ኣብ ርእሶም መዓመምያ ዝጠመጠሙ ኣቦይ ሓጂ እንብሎም ዝነበርና ነቲ ኣድጊ ኣፉ ብሰኪዐት ገመድ ኣሲሮም

ኣብ 60ታት ኣብ ኣስመራ ማይ ጋዝ: ኣራንቻታ: ፋንታ: ብኣድጊ ብዝስሓብ ሰረገላ ናብ ኣብያተ ሸቐጥ ይዘውር ነበረ:: እቲ ኣድጊ ዝናኸስ ግዲ ነይሩ ኣብ ርእሶም መዓመምያ ዝጠመጠሙ ኣቦይ ሓጂ እንብሎም ዝነበርና ነቲ ኣድጊ ኣፉ ብሰኪዐት ገመድ ኣሲሮም ኣብ ጥቓኡ ከይንቐርብ የጠንቅቑና ነበሩ:: ኣድጊ እንተተቖጢዑ ብእግሩ ዝራጋሕ እንስሳ ከም ዝኾነ እምበር ከም ዝናኸስ ስለ ዘይንፈልጥ ንኣድጊ ኣቦይ ሓጂ ንፈርሆ ነበርና:: ኣድጊ ደኣ ብምንታይ ተዘከረ::

ዶር በረኸት ሃብተስላሰ: ንተሞክሮኡን ጉዕዞ ሂወቱን ዝምልከት ምስ ረድዮ ኣሰና ኣብ ዝገበሮ ዕላል: ብትምህርትን ብስራሕን ዘኻዕበቶ ክእለት ብምቕሉልን ልዙብን መንገዲ ኣካፊሉና::እዚ ኤርትራ ካብ ዘፍረየቶም ውሑዳት ምሁራት: ንላዛን ባህሊን ሃገሩ ብእሩም ትግርኛ ገሊጽዎ::

ንሰናይ ዲሞክራስያዊን ምሕደራ ሂወት ኤርትራ ብምምናይ: ውልቃዊ ትምኒቱ ድማ 20 ኣጣል ኣፍርዩ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ብሰላም ምንባር ከምዝኾነ ኣተንቢሁ:: ዶክተር በረኸት ኣብ ለበዋ ናይቲ ዝምነዮ ናብራ ምስ ኣጣል: ”ኣድጊ ድማ ኣይትረስዕዎ” ምባሉ:ንሞያ እንስሳ ከይተረፈ ክብሪ ዝህብ ፍትሓዊን ብግብረገብነት ተኾስኩሱ ዝዓበየ ብናይ ቦታ ራሕቅን ዘብለጭልጭ ዘመናውነት ከይሰድዐ መሰረቱ ዘይርስዕ  ላህመት ኤርትራ  ከም ዝኾነ ተገንዚበ:: መኪና: በዓል ደርቢ ዓቢ ህንጻ ምስ ገፊሕ ካንቸሎ: መናፈሲ መሐምበሲ መካነ እንስሳ ከይተመነየ: ነቲ ቅድሚ 70 ዓመት ኣብ ዓዲንፋስ ኣብ ቤቱ ዘገልገሎ እንስሳ ብዝዘከረ ኣነ እውን ኣድጊን ሞያኡን ክዝርዝር ተደሪኸ::

ኣድጊ- ወዲ ሰብ ቅድሚ 4000ዓመት ንኣድጊ ኣብ ዘቤታዊ ኣገልግሎት ከም ዘውዓሎ ይንገር:: እዚ ምስ ዘርኢ ፈረስን ኣድጊ በረኻን ዝጽብጸብ እንስሳ: ብኣንጻር እቲ ሰባት ከም ደንቆሮ ዝሓስብዎ ትኩርን መስተብሃልን ኢዩ:: ናይ ምዝካር ዓቕሙን: ሓደጋ ዘስዕበሉ ነገራት ኣብ ምምዛንን ፍሉይ ክእለት ከምዘለዎ ኣብ መጻሕፍቲ ሰፊሩ ኣሎ:: ኣድጊ ብመንጽር ግዝፊ ኣካላቱ ብጉልበት ካብ ፈረስ ዝሓየለ ኢዩ:: እቲ ንፈረስ ናብ ሩባ ከተብጽሖ እምበር ኣገዲድካ ማይ ከተስትዮ ኣይከኣልን ዝበሃል ብተመሳሳሊ ንኣድጊ እውን ኣቀባጢርካ እምበር ብሓይሊ ከተስርሖ ኣይካኣልን:: ኣድጊ ሓንጊዱ ምስ ጽዕነቱ ረፈጥ እንተኢሉ ምትንሳኡ ዓቐብ ኢዩ::

ኣድጊ ካብ ሃገር ናብ ሃገር: ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ዝፈላለ ግዝፊ ኣለዎ:: ኣእዱግ ኤውሮጳ ካብ ናይ ኣፍሪቃ ብሕብሮምን ግዝፎምን ዝተፈልዩ ኢዮም:: ኣብ ሓደ ሃገር እውን ዝተፋላለየ ዘርኢ ኣእዱግ ይርከቡ::ኣብ ባርካ ንኣብነት ካብ ከሰላ ዝመጽኡ ሪፍ ዝተሰምዩ ቆማታት ኣእዱግ ቀለብን ሰብን ጸይሮም ከም በቕሊ ጎላጉል ዝበትኩ ኣለው: ኣብ ከበሳ ድማ ብቁመቶም ምጡናት ይርከቡ::

ገምጋም ክብደት ኣድጊ ካብ 200- 400 ኪሎ ይምዘን ሓደሲሶ ናይ ክብደቱ ክጸውር ከም ዝኽእል ድማ መጽናዕታት ይሕብሩ:: ኣብ ጥንታዊ ስልጣነ ምስሪ: መሶፐታምያ( ዒራቕ) ኣገዳሲ እጃም ከም ዝነበሮን ኣብ መካነ መቓብር ናይ ሓደ ካብ ፈርኦናት ምስሪ ኣዕጽምቲ ኣእዱግ ተቐቢሩ ምጽንሑ: ኣብ እቲ እዋን እቲ ኣድጊ ዝነበሮ ልዑል ክብሪ ከምዘመልክት ናይ ታሪኽ ጸሓፍቲ የረጋግጹ::

ኣብ ከተማታት አውሮጳ ብኣድጊ ዝሰሓብ ሰረገላ ንበጻሕቲ ሃገር ብምምልላስ ዝህቦ ኣገልግሎት ኣብ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም እጃም ኣለዎ::ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ 2005 ኣትሒዙ ኣድጊ ፓስፖርት ከምዝህልዎ ተገይሩ::

ጋሻ ሰበይትን ጋሻ ኣድግን የልቦን:- እዚ ብቐንዱ ደቀንስትዮ ቀልጢፍካ ምስ ከባቢኻ ብምውህሃድ ኣብ ስራሕ ናይ ምስታፍ ብልጫ ዘርእይ እመስለኒ:: ማዕረኡ ድማ ኣድጊ ገይሹ እውን እንተመጽአ ሕያዋይ ስለዝኾነ ካብ ምጽዓን ከምዘይንሓፍ ዘመልክት ኢዩ::ኣብ ገጠራት ኤርትራ: ኣድጊ :ዕንጸይቲ: ማይ: እኽሊ ብምምልላስ ኣብ ሂወት ሓረስቶት ዓቢ እጃም ኣለዎ:: ኣብ ገለ ከባቢታት ቆላ ደቀንስትዮ ሓርቢ ማይ ጽዒነን ኣእጋረን ኣማሳቒለን ብምውጣሕ የጋልባኡ: ንቦታ ብዕራይን ገመልን ተኪኡ ድማ ኣብ ማሕረስ ተጸሚዱ የገልግል::ምስ ኣጣልን ኣባጊዕን እንተወፊሩ በቲ ስሙርን ተሪርን ኣስናኑን ብርግሒትን ካብ ተጻባእቲ ክከላኸለን ከም ዝኽእልን በቲ ህዱእ ባህርያቱ ነቶም ዝብርግጉ ጥሪት ከም ዘህድእ ይንገር::

ኣብ ብረታዊ ቃልሲ- ውሽጣዊ ስሩዓት ካብ ከተማ ናብ ተጋደልቲ ስንቂ ብኣድጊ ጽዒኖም የብጽሑ ነበሩ:: ብዘይካ እዚ ምስጢራዊ ጽሑፋት ኣብ ጠይቂን እዝኒ ኣድጊን ብምሕባእን ስርሖም ይዓሙ ነበሩ::                                              ኣድጊ ቅድሚ ስትራተጅያዊ ምዝላቕ ካብ እተን ኣብ ድሕሪት ዝነበራ ዓድታት መግቢ: ተተኮስትን ጸይሩ ናብ ቅድመ ግንባር የመላልስ ካብኡ ድማ ውግኣት ኣብ ምውጻእ ኣገልጊሉ:: ብፍላይ ድሕሪ ምዝላቕ ኣብ እምባታት ናቕፋ ንጉልበት ተጋደልቲ ብምብራይ ማይን መግብን ብምብጽጻሕ ዝሰርሖ ሞያ ኣብ ታሪኽ ገድሊ ምስናዱ ኣገዳሲ ኢዩ:: ብርጌድ 58 እንዳ ነብሲ ብምባል ኢያ ትፍለጥ: ኣባላት እታ ብርጌድ ንዝረኸብዎ ነብሲ እንዳበሉ ስለ ዝጽውዑ:: ኣብ ደንደን ኣድጊ ኮብኩቦም እናኸዱ ቻ ነብሲ ብጾትና ይጽበዩኻ ኣለው ብምባል ዝዕለል ዝነበረ ንሞያ ኣድጊ መዘከሪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ::ኣድጊ ግርም ወዲኑ ዝጽዕኖ እንተረኺቡ ናብ ዝለመዶ ቦታ ምብጻሕ ኣይጽገምን ጥራይ ዘይኮነ: መንገዲ ንዝተጋገየ ኣብ ምርኣይ እውን ክእለት ኣለዎ:: ኣብ ጸላም ካብ ምግብና ናብ ድፋዕ ብዘይገለ ጸገም መሪሖም ዝኣትው ኣእዱግ ተጠርዮም ነይሮም:: በዚ ድማ ብሓይልታት ኣብ ድፋዓት ዝካየድ ዝነበረ ባህላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ከባቢ ቴስታ የማናይ ክንፊ ሩባ ምዖ ዓሪዳ ዝነበረት ሓይሊ ናይ ብርጌድ 77 ንኣድጊ ዘሞግስ ግሩም ደርፊ ብምድላው ብተምሳል ኣድጊ ዘቕረበቶ ምርኢት ንተዓዘብቲ ዝመሰጠ ምንባሩ እዝክር::ደርግ ናቕፋ ንምእታው ብየማን ብሸነኽ እምባህራ ብ1983 ስንቂን ዕጥቅን ብኣማኢት ኣእዱግ ጽዒኑ ሰላሕታ ወራር ኣካይዱ:: ተጋደልቲ ነቲ ብዙሓት ኣእዱግ ዝማረኹሉ ውግእ ሰውራ ኣእዱግ ስምዮሞ::

ኣብ 1985 መጥቃዕቲ ባረንቱን ምዝላቕ ካብታ ከተማን ኣእዱግ ምስ ኣግማል ተሰሪዐን: ስንቅን ተተኮስትን ከምኡ እውን ዝደኸሙን ዝቖሰሉን ተጋደልቲ ጸይረን ዝገበርኦ ጉዕዞ 154 ሰዓታት ካብ እቲ ዝፈልጦ ጉሉሕ ኣበርክቶ ኢዩ::            ኣርማ ሰልፊ ዲሞክራት ኣሜሪካ ኣድጊ ኢዩ:: ኣብ 1828 ኣንድሩ ጃክሰን      ” እቲ ህዝቢ የመሓድር” ኣብ ዝብል ጭርሖ ንኣድጊ ከም ኣርማ ብዝተጠቕመሉ ተቓወምቱ ኣባጭየሙሉ::እንተኾነ ቶማስ ናስት ዝተባህለ ሰኣሊ( cartoonist)ብዘካየዶ ጻዕሪ ካብ 1870 ኣድጊ: ኣርማ ሰልፊ ዲሞክራት ኮይኑ የገልግል ኣሎ::ምስዚ ኩሉ ሞያኡ ኣብ ኤርትራ ኸ ኣብ ምንታይ ተስፍርዎ..

 

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • sammy bokre December 20, 2015

    What are you talking about a icon endo adgi hgdf seb kemam resom ok

  • Berhe Tenesea December 20, 2015

    Thank you for the very interesting story.

  • Honey December 20, 2015

    I thought we had already selected tortoise as our emblem. Probably that is why we are stuck in the 60s. Could it be A sign of our confusion that we used the sketch of a camel as a state document official logo. We will consider ms. Adgi after she I a era.

  • hara December 20, 2015

    Mesati tarik ketslo
    YESUS wn adghi tewetihu iyu nyerusalem
    Atiyu ayneAkan eti ngus nay negestat
    Slezi DEGAFIT thutat mbelkwa
    Thank you

  • Dala Ksha December 20, 2015

    Thanks Degol for Remembering Adgi ,the Donkeys of Eritrea have contributed a lot in our struggle for independent,as any Tegadalay they get injured sacrificed their life,they have stepped in land mines.

  • በረኸት ተኽለ December 20, 2015

    ኣደይ ማርያምን ከምኡ ድማ እየስስ ክርስቶስ ባዕሉ ን መጓዓዚ ዝተጠቅምሉ እንስሳ ኣድጊ እዩ።

    • Simon G. December 20, 2015

      ጽብቕቲ ነጥቢ። እሞ: ኣድጊ ኢልካ ጸርፍስ ምርቓ ‘ዩ ኔሩ!

  • በላዕ ድንሽ December 20, 2015

    “ጋሻ ሰበይትን ጋሻ ኣድግን የልቦን:- እዚ ብቐንዱ ደቀንስትዮ ቀልጢፍካ ምስ ከባቢኻ ብምውህሃድ ኣብ ስራሕ ናይ ምስታፍ ብልጫ ዘርእይ እመስለኒ::”

    እዚ ምስላዚ ነቲ ሰበይትን ኣድግን ኣይትምሓር ዝብል ድሑር ምሳሌ ዘመዱ እዩ።ንደቀንስትዮ ከቋናጽብ ዝተመሰለ መርዛዊ ምሳሌ እዩ።

  • ባና ሓርነት December 20, 2015

    ዘገርም ጽሑፍ

  • ባና ሓርነት December 20, 2015

    ኩሉ ግዜ የንብብ እሞ ክጽሕፍ ይደሊ ሰጋእ ብምባል ድማ ይገድፎ፡ዝጸሓፍ ይቕጽል ምንባብ ከኣ ከምኡ፡ሃየ እስከ ጸሓፍቲ ኳ ከይተሰላቸው ዝጽሕፉ ዘለውስ ንሕና ደኣ ምንባብ ከይንሓምቕ።እቲ ዘገርም ግን ገለ ጽሑፋት ከጋጥም ይኽእል እዩ ኢልካ ሱቕ ትብል ገለ ገል ጽሑፋት ግን ከምዚ ናባኻ ኢሎም ዝጸሓፍዎ ኣዕሊለዮም ግዲ ኔረ እየ ኢልካ ትግረም።ዋላ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ እንዳበልኩ ነዚ ጽሑፍ የበላሽዎ ሎምስ ነዚ ኣድጊ ክጽሕፈሉ እየ።ምኽንያቱ ካብቶም ዝጋጠሙኒ ባህርያት እንስሳታት ዝሓሸ ጠባይን ተጻዋርነትን ዘለዎ ኮይኑ ስለ ዝተሰማዓኒ እየ።እሞ ናብቲ ኣጋጣሚታት ናተይ ክምለሰኩም፡ኣብ 97ዓ/ም ንእሽተይ ከለኹ ኣደይ”ዝወደይ ዕንጨይቲ ወዲእና ስለዘለና”ሎሚ ነዓ በረኻ ኬድካ ዕንጨይቲ ኣምጽኣልና ምስ በለትኒ ብኽንደይ ቕብጥሮት ሕራይ ኢለ ካብቶም ክልተ ኣእዱግና እቲ ዝሓሸ ጠባይ ዘለዎ ሒዘ ብምኻድ ዝነቐጸ ገረብ ቆራሪጸ እኹል ጽዕነት ኣድጊ ጌረ ምስሐይ በሊዐ ነቲ ኣድገይ ኣብ ኢዱ ብምእሳር፡እሞ ሓንሳብ ክድቅስ ብምባል፡ክሳብ ጸሓይ ትጠፍእ ኣብ ወዮ በረኻ ግብ! ኢለ ብምድቃስ ሃንደበት እቲ ቦታ ብርቱዕ ጽምዋ ከም ዝገበረን እቲ ኣድጊ ውን ምስ ኣድመጸን መዓስ ተንሲአ ኣይተረዳኣንን ኣድገይ ጽዒነ ኣንፈፈተይ ኣበይ ከም ዘለኹ፡ከይፈለጥኩ ነዚ ኣድጊ ብበትሪ እንዳተሳሃልኩ ኣነ በዚ እዩ መንገዲ ዓድና ኢለ ብገርሂ ይኹብክቦ ንሱ ክኣብየኒ ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕ በል ኪድ በዛ ትወስደኒ ዘለኻ መንገዲ እንተደኣ ዘይ ንሳ ኮይና ዳግማይ ክመልሰካ እየ ብምባል እንተ ሰደድክዎ፡ካብቲ ዕሙር ገራርብ ኣውጺኡ ናብታ ምውቕቲ ቤተይ ብሰላም መሪሑኒ ምስ ኣተወ ሕፍረት ተሰማዓኒ።ነዚ ኣድጊ እዚ ሎሚ ለይቲ ጽቡቕ ጌረ ክምግቦ ኣለኒ ብምባል፡ ነደይ “ኣደ ኣደ’ቲ ብምባል ሎሚ ንኣድግና ጥረ ዕፉን ሃብዮ”ኢለ ምኒን ምስ በልኩላ ሕራይ ዝወደይ ኢላ ቅሩብ ከምዝሃብውቶ ምስፈለጥኩ ድቃስ ኣበየኒ።ምኽንያቱ እቲ ንሳ ዝሃበቶን እቲ ንሱ ዝገበረለይን ሰማይን ምድርን ስለ ዝኾነ።ካብዚ ቀጺለ ንወዮ ኣድጊ 5 ኪሎ ግራም ዝኸውን ዕፉን ካብ ቆፎ ብምስራቕ ካብ ገዛና ኣርሒቐ መታን ቆርጦ ቆርጦም እንዳበለ ከሎ ኣደይ ከይትሰምዖ ሞ ኣንታ እዚ ኣድጊ መን ወሲኽዎ እዩ ዘድምጽ ዘሎ ከይትብለኒ ኢለ ኣብ’ቲ ንሱ እንዳብልዐ ከሎ ድምጺ ዘይስማዓሉ ቦታ ወሲደ ኣድረርክዎ ይብለኩም።ኣነ ንኣድግና በታ ሽዑ ዝነበረትኒ ዓቕሚ ኣድሪረዮ እየ። ይዋኣት ደኣ ህግደፍ ንህዝቦም ኣየድርሩ ንኣድጎምን ገመሎምን ዘይዝክሩ እምበር።ኣድጊ ዝበሎ ዘረባ ውን ኣሎ
    ከከቢዱ ሸከም
    ንወዲ ሰብ ጸገም ሒዘ
    ፍጹም ዘየጉረምርም
    ይጓዓዝ ብሰላም ኢሉ ይበሃል።
    እዚ ወ ደሓንኩም

    • fili December 21, 2015

      zegerm eu behaki bahe zebel tarike kemeti zeblekayo gen neseb ayedreru neadegi hmake gezi eu kfe alekume n sel tarikekume

  • Bimbina December 21, 2015

    እቲ ዘገርም፣ “ኣድጊ! ኣድጊ!” ኢልና ክንጻረፍን ክንዋረዘን ንኣሕዋትና ኣፍሪቃውያን ንጎዶቦታትናን፤
    ንሕና ግና ጠይቂ በድዊን ዓረብን ራሻይዳን ተለዊጥና። መስኪናይ ዝወረዶ ጸዋር ጻዕረኛ ኣድጊ።