Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣይግድን እንዳ ዜና

ኣይግድን እንዳ ዜና ማሕሙድ ሳልሕ ሓበንን ሓዘንን ተፋሪቑኒ ከሎ እየ እጽሕፍ ዘለኹ።  መበል ሳላሳ ዓመት ምድምሳስ ውቃው እዝ ኣብ እነብዕለሉ ዘለና ወርሒ መጋቢት፡ ድሮ ኣርባዕተ መስረትትን መራሕትን ህዝባዊ ሰራዊት ኣፋኒና ኣለና። ወርሒ መጋቢት ብሓመድ ድቤ ውቃውን ናደውን

ኣይግድን እንዳ ዜና

ማሕሙድ ሳልሕ

ሓበንን ሓዘንን ተፋሪቑኒ ከሎ እየ እጽሕፍ ዘለኹ።  መበል ሳላሳ ዓመት ምድምሳስ ውቃው እዝ ኣብ እነብዕለሉ ዘለና ወርሒ መጋቢት፡ ድሮ ኣርባዕተ መስረትትን መራሕትን ህዝባዊ ሰራዊት ኣፋኒና ኣለና። ወርሒ መጋቢት ብሓመድ ድቤ ውቃውን ናደውን እዝታት ክንዝክሮ ምደለና። ምሉእ ሓጎስ ምመረጽና። ነቶም ኣብቲ ዓመት ኣብ ጽምዶ ገድሊ ዝነበርና- ገባርና ንኹን ተጋዳላይና- ጽቡቕ መኣዛን ሓይልን ነቶም ነኣሽቱ ድማ ታሪኽ ምኾነ። ግን  ወርሒ መጋቢት 2014 ምሉእ ደስታ ክትልግስ ዕጭ ሓንፊፋ። ጅግና ዉጩ ከይኣኽላ ሰለስተ ካብኡ ዘይንእሱ ጀጋኑ ወሲዳ፡ ራብዓዮም እውን ኣብ ሕክምና ከምዘሎ ይንገር ግን ኩነታቱ ብወግዒ ክንፈልጥ ኣይከኣልናን። ናይ ብሓቂ ናይ ሓመድ ድቤ ወርሒ።

ወላ ኣብቲ ጽንኩር ኩነታት እውን እንተኾነ፡ ከምዚ ዝበለ ቅዝፈት ዓበይቲ መራሕቲ ርኢና ኣይንፈልጥን። ስለምንታይ ኢና ብዛዕባ ሕልፈት እዞም ገዳይም ክንግደስ ዝግበኣና? ካልኦት ገዳይም ሓርበኛታት ኣብ ዓድን ስደትን ይሓልፉ የለዉን እንድዮም?

ብልክዕ ንኹሎም ሓርበኛታት ክንግደስ ኣለና። ትንኣስ ትዕቤ ኤርትራ ሃገር ክትከውን ግዲኦም ዘበርከቱ ይኹኑ፡ ንህላዌኣን ውሕስነት ልኡላውነታን እጃሞም ዘበርከቱ ዜጋታት ክነኽብርን ብሓበን ክነፋኑን ይግባእ። ናይዞም ብጾት ፍሉይነት ዝገብሮ፡ ኣቦታት ሃገርና ብምዃኖም እዩ። እዞም ብጾት’ዚኦም ኣባላት ፍሉይ ክለብ እዮም። መስረትቲ ኤርትራን ኤርትራውነትን እዮም። ናይቶም ኣብ ሰውራና ዝማዕበሉ ብሉጻት ጎድንታትና ማለት ሃገራውነት፡ ሓርበኝነት፡ ተበጃውነት፡ ጽንዓትን ዝሃነጹን ዝውክሉን ስለዝኾኑ ኢና ብፍሉይ መነጽር እንርእዮምን ፍሉይ ቦታ እንህቦምን። እዞም ሰባት’ዚኦም ምስ ኩሉ ድኽመታቶምን ሕጽረታቶምን ኣብቲ ነዊሕ ርብርብ ሓርነታዊ ቃልሲ ርኡያት ኮይኖም ተዋሲኦም። ፋሕተርተሮምን ኒሖምን ዘይስገር ዝመስል ዝነበረ ተካል ዘመን ከም ንሰግር ጌሮምና፡ነብሰወከፎም ዝሃብዎ ውሳኔታትን ኣመራርሓን ንሂወት ኣሽሓት ሰባት ጸልዩ እዩ። ዝተጨውየ መንነትና ክንመልስ ኣብ ዝገበርናዮ ቃልሲ ከም ፊተውራሪ ኮይኖም ተጋዲሎም። ኣብ ተጋዳላይ ኤርትራ ዝልለዩ ብሉጻት ጠባያት መንጮም እቶም ውሑዳት ገዳይም ተጋደልቲ እዮም።  ታሪኽ ኤርትራ ‘ዮም። ስለ’ዚ ኢና ንግደሰሎም።

ወርሒ መጋቢት ንተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር ከምዝወሰደት እውን ሕጂ ኣብ ጽሕፈት ከለኹ እርእዮ ኣለኹ። ሎሚ መጋቢት 26፡2014 ኣብ ስቶክሆልም ከምዝተሰወኤ የንብብ ኣለኹ። ኣሕመድ ናስር ኣብ ገድሊ ኤርትራ ይኹን ድሕርኡ ዝግበር ዝነበረን ዘሎን ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳት ርኡይ ቦታ ከምዝነበሮ ፍሉጥ እዩ። ስለ’ዚ፡ ወርሒ መጋቢት 2014: ዛጊት ሰለስተ ጀነራላትን ክልተ ገዳይም ተጋደልትን ጠሊባ ኣላ። ንኩሎም’ዞም ኣብዛ ወርሒ’ዚኣ ዝሓለፉን ዝቀደምዎምን መስረትትን ኣቦታትን ሃገርና ዕረፍቲ ይሃብኩም እብል። ንስድረኦምን ንኩሎም ብቀረባ ይኹን ብርሑቕ ዝግደሱሎም ዜጋታትድማ ጽንዓት።

ንኣበዓዕላ መበል 30 ዓመት ምድምሳስ ናደው እዝ ዝምልከት ብዙሕ ሸነኻት ናይቲ መደብ ክትንክፍ ደልየ ነይረ። ግን ንኽብሪ እዞም ብጾት፡ ንሎሚ ትዕዝብታተይ ኣብ ክሊ መስዋእቲ ናይዞም ጀጋኑን ማዕከናት መንግስቲ ዘርኣዮ ዘይርሳዕ ድኽመትን ክሓጽሮ እየ። ንሓደጋ ክትማጎት ኣይከኣልን። ነቲ ዘጋጠመ ኩነታት ብከመይ ተመሓላልፎን ኣብ ውሽጢ መደባት ፈነወ እንታይ ኣገዳስነት ትህቦን ግን ንወቐሳ ክፉት እዩ። እቶም ዝዓረፉ ሰባት ንኩሉ ዜጋ ዝምልከት ቦታ ሒዞም ከለዉ ስለዝዓረፉ (public figures ስለዝኾኑ) ናይ ኩሉ ዜጋ እዮም። ሓዘንን ሻቕሎትን ዜጋታት ድማ ብመንጽሩ ተራእዩ ማዕከናት ዜና ኣክንዲ ወጊነንኦም ዋኒን ድግሰን ዝገብራ መስዋእቶም ኣብ ውሽጢ እቲ መደባትን ምስቲ መደባትን ብምውህሃድ ሕልፍሕልፍ ኢሉ ክጥቀስን ክዝከርን ይግባእ ነይሩ። ስለ’ዚ እዘን ኣብ ታሕቲ ዝዝርዘራ ድኽመታት ብድሕሪ ሕጂ ክሕሰበለንን መኣረምታ ክግበረለንን ካብ ዝብል እምንቶ እየ ዝጠቕሰን ዘለኹ።

ሀ- እቲ ዜና ክንገር ከሎ ስለምንታይ ብድሕሪ ዜና ኣታኽልትን ካልእ ኣዝዩ ንኡስ ዜናታትን ተሰሪዑ? ኣብተን ሽዑ መዓልቲ ዝተፈነዋ ዜናታት ልዕሊ መስዋእቲ’ዞም ብጾት ዝዓቢ ነገር ኣይነበረን። እቲ ዜና ንገዛእ ርእሱ ድኹምን ሓበሬታ ዝጎደሎን እዩ ነይሩ። ብሓደጋ መኪና ማለት እንታይ ማለት እዩ? ሕራይ ብዙሕ ምጽራይ ፖሊስ ትራፊክ ዘድልዮ ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። ግን እታ መኪና ተገምጢላ ድያ? ምስ ካልእ መኪና ተጋጭያ ድያ? መሬት ሃሚምዋ ድዩ…ወዘተ ኣብታ ዜና ክምልኡ ዝግበኦም ሕቅታት ጎዲሎም ነይሮም።

ለ- ኣብቲ በዓል፡ ብኣማሕዳሪት ዞባ ስሜናዊ ቀይሕ-ባሕሪ ይኹን ብፕረሲደንት ሃገረ-ኤርትራ ነቲ በዓል ዝምልከት ኣብ ዝተዋህበ መግለጺ ክጥቀሱን ነጋድያን’ቲ በዓል ኣብ ሕልንኦም ክዝክርዎምን መዘኻከሪ ምቐረበ ነይሩ- ብፍላይ ብፕረሲደንት ከይተጠቕሱ ምሕላፎም ጌጋ ነይሩ። ንኣብነት፡  “ ነቶም ናብዚ በዓል ክሳተፉ ሓደጋ ዘጋጠሞም… ናብ በዓሎምን ሰፈሮምን ዝጓዓዙ ዝነበሩ… ነዚ ንዛረበሉ ዘለና ታሪኽ ዝሰርሑን ዝመርሑን… ሎሚ ብሓደጋ ኣብዚ ክርከቡ ዘይከኣሉ….ወዘተ” ተባሂሉ ኣብቲ ድሮ ተዳልዩ ዝነበረ ወግዓዊ መደረ ክልቀብን ክጥቀስን ነበሮ። ካብ ስቱድዮ እውን ኣብ መንጎ-መንጎ ምስቲ በዓል ብዝተኣሳሰር መገዲ ኣሳእሎም ይኹን ነናእሽቱ ክሊፕስ ክሕወስን ክደባለቕን ምኻእለ ነይሩ። ህዝቢ ነቲ መቕዘፍቲ ኣወንዚፉ ከመይ ኢሉ እዩ ኣቓልቦኡ ናብ ውቃው እዝ ክገብር ትጽቢት ተገይሩሉ? ገርሂ ኣይኮንኩን፡ ንምንታይ ኣብተን መዓልታት እቲአን ኣቓልቦ ህዝቢ ብካልእ ዜና ክመቓቀል ዘይተደልየ ይርደኣኒ እዩ። ግን ኣንጻር ትጽቢት መራሕቲ ህግድፍ፡ህዝቢ ዝያዳ ብመስዋእቲ ናይቶም ሽዑ ዝተቐዝፉ ጀጋንኡ ይሓዝን ከምዝነበረ ኣየጠራጥርን ‘ዩ። እዚ ንእንዳ ዜናን ሓለፍቲ ህግድፍን ብግሁድ ዘምዝንን ዘተሓትትን እዩ።

ሐ- ካብታ ዕለት መስዋእቶም ጀሚሩ ወላ ኣብ ክሉ ዝከእል እንተዘይኮነ፡ ንገለገለ ካብቶም ኣብቲ መደብ ቃለ-መጠየቓት ኣትዮም ዝነበሩ መዛንኦም ኣዘዝቲ፡ እንደገና ኬድካ ነቲ ዝትርኽዎ ዝነበሩ ምስ ፍሉይ ኣተኩሮ ናይዞም ዝሓለፉ ብጾት ብምዝማድ ምምሕያሻትን ቅልጡፍ ኤዲቲንግ ምተገብረ ነይሩ።

መ- ሓሊባይ ተሃስዩ ኣብ ሕክምና ኣሎ ይበሃል፡ ሓቂ እንተኮይኑ ስለምንታይ ብዛዕባ ኩነታቱ ቅሩብ ክመሓላለፍ ዘይከኣለ?

ነቲ በዓል ዝምልከት ብወገን ዜና ዝቐረበ መደባት እዚ ሓደጋ’ዚ እንተዘይርከብ ዝምስገን ምኾነ። ጸገም ዜና ነቲ ሓደጋ ዝገጥም ምትዕጽጻፍ ዘይምግባርኩም እዩ። ምስ’ዚ ዝተኣሳሰር፡ ኣብ ዝመጽእ መደባትኩም፡ ነቲ ካልእ ጎድኒ ሰውራ ኤርትራ ማለት መስዋእትን ኣበርክቶን ጀጋኑ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ ብፍሉይነት ክትርእይዎን ክትብርብርዎን እምሕጸን። ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝተኸስተ መሪር ተመክሮ፡ ናይ ሓለፍቲ ውድባት እምበር ናይቶም ንጹሃት ተጋደልቲ ሰበብ ኣይነበረን። ይርደኣኒ እዩ፡ እዚ መደባት እዚ ንውቃው እዝ ስለዝምልከት ናብ ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝዛዘወ ክኸውን። ግን ከም ጋዜጠኛታት ሎሚ ተኣኻኽብዎን ተፍርይዎን ዘለኹም ስረሓት ጽባሕ ተመራመርቲ ዝውከስዎ ስለዝኾኑ፡ ብዝትኻእለ መጠን ንቃልስና ብምሉእነቱ ክተቕርብዎን ካብ ወደሳታትን ፕሮፖጋንዳዊ መልክዕ ዘትሕዞ ኣቀራርባን ክትርሕቑን እቲ ሓቅታት ባዕሉ ክዛረብ ክትገድፍዎን እምሕጸን።

ሕልፈት ናይዞም ኣገደስቲ ሰባት ናይ መጠንቀቕታ ደወል እዩ። ንኣብነት፡ ቫይናክ ክንቀብር ከለና ታሪኽ ንቀብር ኣለና ማለት እዩ። መጻሕፍቲ ታሪኽ ንቀብር ኣለና- ዘይተሓትመ መጻሕፍቲ። ስለ’ዚ እቶም ዓቕምን ቅርበትን መሳለጥያታትን ዘለኩም፡ ኣውራ ድማ ኣብ ስረሓት ዜናን ታሪኽን እትነጥፉ ዜጋታት፡ መስዋእቲ ናይዞም ብጾት ከቢድ ሓላፍነት የሰክመኩም ኣሎ። ንባህሊ ርእሰ-ስንሰራ ሰይርኩም ኣብ ሓቅታት ብምድሃብ ታሪኽና ብሰራሕቱ ከምዝጸሓፍ ክትገብሩን ንርእስኹም እውን ኣበርክቶኹም ልዕሊ ውድባዊ ተጽዕኖን ትጽቢታትን ዝዓለመ ክኸውንን ንዝመጽእ ወለዶ ጽቡቕ ሞያዊ ፍርያት ክትገድፉን ክትጽዕሩ እጽውዕ። ታሪኽ ንምምዝጋብን ንምዝንታውን ብሕጂ እውን ንወርቃዊ በዓል ውቃው እዝ ክንጽበ የብልናን። ግዜ እውን የለን።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
36 COMMENTS
  • halal March 27, 2014

    I liked ur comment brother.

    • Medber March 27, 2014

      This time every one from every corner is tooking the some story,any way no one can bury history.

    • romay March 28, 2014

      ተጋዳላይ ማሕሙድ
      ከም ወትሩ ርጡብ ዘረባ፡፡
      እንታይ እሞ ይገበር፡ ከምቲ ዝበልካዮ ሰባት ጥራይ
      ዘይኮናስ ረዚን ታሪኽ እውን ቀቢርና።
      ከምቲ ዝገለጽካዮ ታሪኽ መታን ምሉእ ክኸውን፡ ካብ ገዳይም
      ተጋደልቲ ተሓኤ ክሕወሶ ኣለዎ። እወ ታሪኽ ምዑታት ፈዳይን
      ባዓል መሓመድ ኣስመራ፡ ኣብራሃም ተኽለ ከምኡ’ውን
      ካልኦት ብጾቶም ተደፊኑ ክነብር የብሉን፡፡ ታሪኽ ናይ’ዚኦም
      እውን ታሪኽ ኤርትራ ኢዩ፡፡
      ስለዚ ማሕሙድ ምጽሓፍ ቀጽል። ኩሉ ግዜ እቲ ሚዛናዊ
      ጽሑፋትካ ንጽበዮ ኢዩ፡፡ መስዋእቲ ናይዞም ጀጋኑ ምስ ሰማዕኩ
      ብዛዕበኦም ገለ ክትብል ተጸብየ ነይረ። ከም ዝተጸበኹዎ
      ድማ ርጡብ ዘረባኻ ሎሚ ነቢበዮ፡ ደው በል፡፡
      ንቤተሰብ ስውኣት ጽንዓት ይሃቦም፡፡
      ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣት
      ሮማይ ኣብራሃም

  • Araya March 27, 2014

    Mahmud Salh,
    You look like you are begging PFDJ to forgive you for your wrong doings.What the hell you doing here if you think that Ministry of Information is Autonomous and capable of managing its staff with out DIA’s interference?…I have no idea why Assenna editors are allowing crooks of your likes to post here….You are just a jerk!!

    • araya March 27, 2014

      You better change your name this nickname is already occupied

  • B e l e n March 27, 2014

    nothing to comment, very true.

  • belay nega March 27, 2014

    ሩጡብ ዘረባ!!!!!

  • Berhanne Woldu March 27, 2014

    Please Mahmoud. Don’t deceive yourself. The whole theater was orchestrated to achieve one mission. To kill them. Believe me history will tell us that these people were killed ambushed or made them ran on mine fields. Issaias is mad he can any mile to achieve a pity goal.

  • MightyEmbasoyra March 27, 2014

    Ato Mahmud,
    First, I am glad to see you back. As soon as I hear this news, I was thinking about you. Here you go, another article from the one and only Ato Mahmud is coming…
    Now, going back to the article, I have few reservation as usual.
    1) Were you trying to send this article to Eritrean MoI and cc Assenna or this is sent and published by mistake? Or, you are writing to Isayas, since he is everything in Eritrea, and you think he is close follower of Assenna?
    2) Since you have heard of Ahmed Nassir, you mention his name just for the sake of it (ናይ ቃል-ዓለም)? In my book, he probably contributed better than the 3 of these combined (may be that is a little exaggerated but …)
    3) You have mentioned “ወርሒ መጋቢት ብሓመድ ድቤ ውቃውን ናደውን እዝታት ክንዝክሮ ምደለና። ምሉእ ሓጎስ ምመረጽና።”. At this current situation, what ሓጎስ are you talking about? Am I missing something?
    4) You are concerned about ministry of information (MoI) for not giving the attention of these 3 gentlemen. Are you kidding? Don’t you know everything is under isayas? Who is going to pay the price afterward? Just think for a moment if you were in Asmelash’s shoes..
    5) You were concerned why they did mention about Halibay (if indeed he was there) but no mention of the poor driver? Is this innocent mistake or there is a culture in Shabia that we don’t care for the little guys (from the top guys point of view)?
    Did I misunderstood you or you really believe that what you have written on this article is possible in current Eritrea.

    N.B: Since I don’t know about those gentlemen, I couldn’t comment about them.

    • belay nega March 27, 2014

      Dear Mighty,

      “2) Since you have heard of Ahmed Nassir, you mention his name just for the sake of it (ናይ ቃል-ዓለም)? In my book, he probably contributed better than the 3 of these combined (may be that is a little exaggerated but …)”

      Your comment would have sound better if you added on it, he[Nassir],contributed better in killing innocent TEGADELTY.

      • MightyEmbasoyra March 27, 2014

        Ato Belay,
        You keep surprise me, every time. You seem to know everyone. From what I hear though is Ahmed Nassir was very nice. Actually, they used to blame him for not being aggressive leader. May his soul RIP.
        When I refer that statement to Ato Mahmud, I was trying to suggest he cares about EPLF rather than for just Eritrean fighters in general (of course this was my assumption).

    • Mahmud Saleh March 28, 2014

      Ato Mighty:(expected, as usual:-)here is my apolitical rebuttal; but please b/c of the nature of the subject(mourning)let’s tone down our debate (if at all you could call it a debate)
      1- actually, I did not think about who was going to read it; but I assume independent minded people cross lines; you know who knows even the President might do sneaky surfs; but I care less as to who reads it; thank you for reading my articles. Mightyembasoira, a good read is something that makes you run to the keyboard to curse the writer, and I believe, I’ve never disappointed you on that.
      2-My friend Mighty, I wish you did not put #2 the way you put it; you disappointed me…let me leave it there.
      3-Yes, you are missing something: “Hagos” is relative, I’ve always said (since starting writing) I wish things were much better; the hagos I’m talking about is:a/ reflective happiness, something related to reminiscence and nostalgia, b, those residents of Emahmimet would have backed my answer; anyone who saw those areas 30 years ago would have agreed; of course, we don’t experience things the same….
      4- Well, here I agree, but still they could have improvised, but will agree with you because we don’t know what specific instructions they were given regarding specific tasks.
      5- I hear there wasn’t any additional person, that means one of them was driving; but if there was a driver I’m not aware of, then, I wish him/her a quick recovery if injured, and RIP if dead.

  • abrham March 27, 2014

    nmntai klom aylkmotsun

  • ahmed saleh March 27, 2014

    Brother Mahmood
    Do not forget our country affairs has been controlled by authoritarian system at the hand of man rule . Either high rank official nor a civilian
    can get recognition unless Issayas directed to do so . The honor Wuchu
    received differed from these generals and that shows the true identity
    of corrupted governance . I applaud those who try defend the reputation
    of our heroes who dedicated themselves for Eritrea cause . But expecting
    HGDF to change their tune is out of question because obsession of power
    for such long time is not easy to let it go .

  • andinet hizbay March 28, 2014

    I wish the same for the rest of the generals of isayas .they spend their entire life serving the devil .their time for disposal arrived just like condom. these so called heroes of isayas were loyal dogs of isayas .how we forget these dogs kept silent when the disable ( Mai-habar) were gunned down .

  • Ghizie-3 March 28, 2014

    Dear Mahmud Salih, yes, it is true that the killing of innocent fellows in an open and mysterious way continue, and what you stated that (the government?) should have done. But what concerns most is your confused status and mixed up statement. 1) Do you accept and/or believe that this mysterious killing as first drama or even as an accident? 2)Are you expecting the actor of this kind of drama would change their conscience and mind? 3) Why you & your likes are not able to describe the innocent victim Tegadelti differently from henchman and the monster Isaias’s servant like Wichu? What is your criteria that mix up criminal gangs with other innocent victim tegadeli? If so, I think this is a serious problem of thinking and judging wee Eritreans have, of course of changing, as you and your confused thinking tend to lead the public into more confusion; and confusing and deceiving the public is the first weapon of gang leader Isaias.
    Best wishes of healthy thinking.
    Ghizie-3

Post a Reply to belay nega Cancel Reply