Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን: ውልቃዊ ትዕዝብቲ: ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም ( 9ይ ክፋል)

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም                      9ይ ክፋል         23/11/2013   ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     9ይ ክፋል         23/11/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

“ኣብ ዝቕጽል 9ይ ክፋል ጽሑፈይ፣ ቅድሚ ናብ ካልእ ምእታወይ፣ ብዛዕባ’ቶም ኣነ ካብ ዝስለፍ ክሳብ ብምኽንያት ስንክልና ካብቲ ኣሃዱ ዝወጽእ፣ ከይተቐየሩ ኣዛዚ ብርገድን መራሕ ሓይልን ዝነበሩ ክልተ ሰባት፣ ማለት ዓሊ ኢብራሂምን የማነ በርሀን ቁሩብ ክጽሕፍ ኢየ” ክብል ኢየ ተፋንየኩም። ንእግረ መንገደይ እዚ ዝትርኸሉ ዘለኹ እውን፣ ብርጌዳትና ኣብ ቀዋሚ ግምባር፣ ኣብ ጸቢብ ቦታ ዓሪደናሉ ዝነበራሉ እዋን ምዃኑ ክገልጽ እፈቱ።

መቐጸልታን 9ይ ክፋልን ድማ ይስዕብ…..

ገለ ካብ ኣብነታውያን ሓለፍቲ፦

ኣብተን ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዝጸናሕኩለን 5 ዓመታት፣ ዘይሃስስ ተዘክሮታት ካብ ዝገደፉለይ ብዙሓት ሓለፍቲ ከም ኣብነት፣ ብዛዕባ ዓሊ ኢብራሂምን የማነ በርሀን ቁሩብ ክዛረብ ጽቡቕ ይመስለኒ። ካብቲ ኣብ ብርገድ 51 ዝኣተኹሉ ግዜ (ክራማት 1978) ክሳብ’ታ ተወጊአ ካብታ ብርገድ ዝወጻእኩላ ዕለት (ሓምለ 1983) ከይተቐየረ ከም ሓላፊ ናይታ ብርጌድ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ዓሊ ኢብርሂም ኢዩ። የማነ በርሀ’ውን ከምኡ ክሳብ’ታ ናብ ጋንታ ሃንደሳ ዝተቐየርኩላ ዕለት፣ ንሱ ኢዩ ኮሚሳር ሓይሊ 32 ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ። በዚ ከኣ ኢየ ብዛዕባ ክልቲኦም ቁሩብ ክዛረብ ዝደለኹ።

ዓሊ ኢብራሂም

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ፣ ዓሊ መበቆሉ ካብ ብሀረ ሳሆ (ዓዲ-ቀይሕ) ኮይኑ፣ ካብ  ቤት-ትምህርቲ ቅዱስ ጊዮርጊስ (2ይ ደረጃ ዓዲ-ወግሪ) መንደፈራ ምንባሩ ኢዩ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝሓለፈ። ዓሊ ሓደ ካብቶም ሰውራ ኤርትራ ዘፍረዮም ውሑዳት ጀነራላት ኢዩ። ብዛዕባ ግምባር ናቅፋ ተዛሪብካ ንዓሊ ከይዘከርካ ክሕለፍ ዝከኣል ኣይኮነን። ንሱ ሓደ ካብቶም ብሉጻት መራሕቲ ውግእ ምንባሩ፣ ብዙሓት ፈለጥቱ ይሰማምዑሉ። ንኣብነት ሓደ ንዓሊ ብቐረባ ዝፈልጦ ሰብ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን እዚ ዝስዕብ ኣዘንቲዩለይ፦

“ብገለ ምኽንያት ናብ ሓለዋ ሰውራ ምስ ከድኩ፣ ሓደ ተኪኤ ዝበሃል፣ ኣብ ወታደራዊ ስርሒት ዝተማረኸ፣ ናይ ጀነራል ታሪኩ ኦፐረተር (ኣዛዚ ናደው እዝ) ዝነበረ ወታደር ረኺበ። ብዛዕባ ሓለፍቲ ህዝባዊ ግምባር ከዕልል ከሎ፣ ‘ልዕሊ ኩሎም ሓለፍትኹም ዝፍራሕ ጀነራል ዓሊ ኢዩ። ጀነራል ታሪኩ ኣዝዩ ኢዩ ዘድንቖ። ኩሉ ግዜ ‘ጀነራል ዓሊ’ እናበለ ኢዩ ዝጽውዖ። ‘መልእኽቲ ጀነራል ዓሊ እንተጠሊፍኩም ወይ ካብ ጀነራል ዓሊ ዝሓልፍ መልእኽቲ እንተረኺብኩም፣ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣተንሲእኩም ንገሩኒ’ ይብለና ነይሩ። ኣነ’ውን ዕድል እንተዝረክብ ንጀነራል ዓሊ ክርእዮ ምደለኹ…” ከም ዝበሎ ይዛረብ።

ዓሊ እምበኣር ብጸላእቱ ከይተረፈ ‘ጀነራል’ ዝተባህለ፣ ብወታደራዊ ብቕዓቱ ዘመስከረ ብቑዕ ወታደራዊ መራሒ ኢዩ ነይሩ።

ምስ ዓሊ ዝነበረኒ ሌላ ከም ኣዛዚ ብርጌድ ካብ ናይ ማዕዶ ፍልጠት ዝሓልፍ ኣይነበረንን። ኣብታ ንመወዳእታ እዋን ዝተራኣኣናላ መዓልቲ፣ ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1983፣ ብምኽንያት ስንክልና ካብቲ ብርጌድ ክወጽእ ስለ ዝነበረኒ፣ መሰነይታ ወረቐት ክወስድ ናብቲ ኣብ እማባልቆ ዝነበረ ቤት-ጽሕፈት (እዚ) ብርጌድ 51 ምስከድኩ ኢየ። ወዲ ሓወልቲ ዝበሃል ፐርሰነል ናይቲ ብርጌድ “ዓሊ ይደልየካ ኣሎ” ምስ በለኒ፣ ናብታ ዓሊ ዝነበራ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሰርሐት ክፍሊ ከይደ። እታ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተደኮነት ገዛ፣ ብላዕሊ ዝኾነ ናይ ገዛ ምልክት የብላን። እቲ ናሕሲ ‘ቅንጭቢ’ ዝበሃል ገረብ በቊሉዎን ተመሳሲሉን ኢዩ። እታ ንመእተዊ ዝተዃዕተት ካናለ’ውን ብየማነ ጸጋም ተመሳሲላ ኢያ። ንውሽጢ ምስ ኣተኻ ግን ብሕብርታት ዘገጼት ኢያ። ኩሉ ዓይነት ንብረት ማለት ኮፍ መበሊ፣ መጽሓፊ ጣውላ፣ መደቀሲ ወዘተ ኣለዋ። ብዛዕባይ ምሉእ ሓበሬታ ከም ዝነበሮ ገምጋም ኣለኒ፣ ብፍላይ ናይቲ ኣብ ጋንታ ሃንደሳ ዝነበርኩሉ እዋን። ኣነ ካብቲ ብርጌድ ጠቕሊለ ዝወጸሉ እዋን ስለ ዝነበረ፣ ርክብና ካብ ተራ ናይ ምፍናው ዕላልን ለበዋን ዝሓልፍ ኣይነበረን። ብብቕዓት ወታደራዊ ኣመራርሕኡ ግን ዕጉብ ኢየ።

እቲ ዓሊ ዝመርሖ ‘ብሓላው ማዕጾ፣ ቆፋሪ ብርጌድ’ ዝፍለጥ ኣሃዱ፣ ኩሉ ግዜ ኣብ ቀንዲ ጽርግያ ኢዩ ዝዓጹ። ንኣብነት ኣብ ኩሉ’ቲ ናይ ምዝላቕ እዋን፣ ኣብ ዕላበርዕድ (ኣብ ጸሊም ጽርግያ)፣ ኣብ ገንፎሎም፣ ግዝግዛ፣ ሕዳይ ወዘተ ብማእከል ጽርግያ እናኸድና፣ ኣብ ቀንዲ ጽርግያ እናዓረድና ኢና ግምባር ናቕፋ በጺሕና። ናቕፋ ምስ ኣተና’ውን፣ ነቲ ዳሕራይ ብርጌድ 58 ዝተረከቡና፣ ኣብቲ ቀንዲ ጽርግያ ዓሪድና ኢና ንጸላኢ ተጸቢናዮ። እቲ ቀንዲ ናይ ናቕፋ ውግእ ግን፣ ታንክታት ሰሪዕካ ብማእከል ጽርግያ ዘይኮነስ ኣብ ጎቦ ደንደን ኢዩ ጽዒቑ። ከይደንጎየ እቲ ዓሊ ዝመርሖ ብርጌድ፣ ጎቦ ደንደንን የማነ ጸጋሙ ዝነበረ ድፋዓትን ክዓጹ ተኣዚዙ። እቲ እዋን ጸላኢ ንጎቦ ደንደን ክቆጻጸር፣ ኣሃዱታትና ድማ ክከላኸላ ዝነበረ ናይ መጥቃዕትን ጸረ-መጥቃዕትን ውግእ ትንፋስ ዝህብ ኣይነበረን። እቲ ብኣግራብ ዝማዕረገ፣ ስሕት ኢሉ ብግመ ዝሽፈን ኳዕናን ጎቦ ደንደን፣ ናብ ናይ ሓጺን መምከኺ ፎንደርያ ዝተቐየረ ኢዩ ዝመስል። እቲ ካብን ናብን ዝወናጨፍ ሓባሪ ጠያይቲ (ብፍላይ ብለይቲ)፣ እቲ ካብ ወገን ጸላኢ ጥራይ ዝውንጨፍ ሚሳይላትን ሞርታራትን፣ እቲ ካብ ነፈርቲ ዝድርበ ፋሽሽቲ፣ ነቲ ጎቦ ናብ መግሃር ሓዊ ኢዩ ቀይርዎ። እምባ ደንደንን ከባቢኡን ናብ እሳተ-ጎመራ ተቐይሩ። ኣብ ማእከል’ቲ ዝነድድ ዝነበረ መሬት ከኣ ስጋ ዝለበሱ፣ ካላሽንን ቡምባ ኢድን ጥራይ ዝሓዙ ተጋደልቲ።

ቁሩብ ኣዋርሕ ድሕሪ ምጅማር ውግእ ደንደን፣ ሓደ “ነቲ ኣብ መንጎ ዓልን ኣብቲ ውግእ ዝነበረ ሓላፍን ዝግበር ዝነበረ ናይ ሬድዮ ርክብ ሰሚዐዮ” ዝበለኒ ተጋዳላይ ዘዕለለኒ ወስ ከብል። ነቲ ትንፋስ ዘይህብ ተደጋጋሚ ህጁማትን፣ ኣብቲ ዘይተሃደመ ካናለታት ዝዘንብ ዝነበረ ጻዕቂ ደብዳብን ጠቒሱ፣ “እዚ ኩነታት ጽንኩር ኢዩ ዘሎ” ምስ በለ፣ ዓሊ ድማ “ጽንኩር ብጽንኩር ኢዩ ዝፍታሕ! ነቲ ትብሎ ዘለኻ ጽንኩር ኩነታት፣ ብጽንኩር እንተ-ዘይሓሊፍካዮ፣ ካልእ ካብኡ ዝጸንከረ ክመጽእ ኢዩ” ኢሉ ከም ዝመለሰሉ ኣዕሊሉኒ። እዛ ‘ካብ ኣፍ ዓሊ ወጺኣ’ ተባሂላ ዝተነግረትኒ ‘ጽንኩር ብጽንኩር ኢዩ ዝፍታሕ’ ትብል ጥቅሲ እምበኣር፣ ኣብ ኣእምሮይ ሓያል ድርኺት ኣቐሚጣ ኢያ ሓሊፋ። ከም ኩሉ ተጋዳላይ ኣብ ኣዝዩ ከበድቲ ውግኣት ተኻፊለ ኢየ። ኣብ ህይወተይ’ውን ብዙሕ ፈታኒ ብድሆታት ኣጋጢሙኒ ኢዩ። ኩነታት ጸልሚቱ፣ ጉዳያት ከቢዱ፣ ፍታሕ ዘይርከቦ ኮይኑ እንተ-ተራእዩኒ፣ እታ “ጽንኩር ብጽንኩር’ዩ ዝፍታሕ” ትብል ናይ ዓሊ ዘረባ ብቐጥታ ኣብ ኣእምሮይ ‘ከተፍ’ ትብል። ነቲ ጽንኩር ብጽንኩር ንምፍታሕ ድማ ብውሽጢ ደፋኢ ድርኺት እውስኽ።

እቲ ኣብ ዝተፈላሰየ እዋን ከም ወኪል ፖሊቲካዊ ቤት-ጽሕፈት፣ ግዝያዊ ሓላፊ ግምባር ናቕፋ፣ ኮይኑ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ዝንገረሉ ዓሊ፣ ኣብ መጋቢት 1988 ናደው እዝ ንምቁጽጻር ዝተገብረ ውግእ፣ እታ ንሱ ዝመርሓ ዝነበረ ክ/ሰራዊትን ካልኦት ተደረብቲ ኣሃዱታትን፣ ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ኣትየን፣ ንመስመር ኣፍዓበት ከረን በቲኸን፣ ነቲ ኣብቲ ግምባር ዝቕጥቀጥ ዝነበረ ጸላኢ፣ ካብ ከረን ሓገዝ ከይመጾ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንባዕሉ’ውን ንከረን ገጹ ንኸይሃድም፣ ብቕድሚትን ድሕሪትን እናተዋግኣ (ኣብ መንጎ ክልተ ጠያይት ተቐርቂረን) ጸላኢ መላስ ኣውያት ዘይብሉ ከም ዝጠፍእ ገይረንኦ ኢየን። ንባዕሉ’ውን ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ፣ ኣብቲ መንቀራቅሮ ኮይኑ እናተዋግአን እናኣዋግአን ኢዩ ተሰዊኡ።ዓሊን እቲ ንሱ ዝእዝዞ ሰራዊትን እምበኣር፣ ፊት ንፊት ገጢሙ ዝሰዓረ፣ ብጸቢብ ሰሊኹ ኣብ ሕምብርቲ ጸላእቱ ኣትዩ፣ ንዕኦም በቲኑ (ተደረብቲ ኣሃዱታት’ውን ዝነበሩዎ) ሩስያውያን ኣማኸርቱ ዝማረኸ፣ ትእምርቲ ኤርትራ ኢዩ። ብወገነይ እዚ ጠላም ስርዓት ተኣልዩ፣ ታሪኽ ናብ ዋናታቱ ምስ ተመልሰ፣ ዓሊን ካልኦት ዓሊታትን፣ ኣብቲ ከም ትእምርቲ ጽንዓት ተጋዳላይ ክሳብ ሕጂ ምስልታቱ ዘይጠፍአ ድፋዓት ናቕፋ፣ ኣብ ክብ ዝበለ ርኡይ ቦታ ሓወልትታቶም ክስራሕ ይግበኦ በሃላይ ኢየ።

የማነ በርሀ (ሻባይ)

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ፣ የማነ በርሀ ኮሚሳር ሓይሊ ኢዩ ነይሩ። ኣባላት ናይተን ኣብ ከባቢና ዝነበራ ኣሃዱታት፣ ‘ሓይሊ 32’ ካብ ምባል ‘ሓይሊ ወዲ በርሀ’ ምባል ይቐሎም። ኣብ እዋን ሰላም ወድ በርሀ ኩሉ ኢዩ። ኣብ ጭርቃን ተጫራቓይ፣ ኣብ ጸርፊ ተጻራፋይ፣ ኣብ ፖሊቲካ መዳራይ፣ ኣብ ጓይላ ሳዕሳዓይን ኣቦጓይላን ወዘተ። ኣብታ ሓይሊ ‘ብወዲ በርሀ ዘይተጸርፈን ዘይተጨርቀሉን ነይሩ’ ንምባል ዝከኣል ኣይመስለንን። ንኹሉ ምስ ጭርቃን ኣሰንዩን እናሰሓቐን ስለዝገብሮ ግን ቅርሕንቲ ወይ ቂም ዝሓዘ ሰብ እንተልዩ’ውን ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ።

ድሕሪ’ቲ ነዊሕ ናይ ምዝላቕ ጉዕዞ፣ ኣብ መፋርቅ ወርሒ መጋቢት 1979፣ እተን ኣብ ግምባር ናቕፋ ዝነበራ ብርጌዳት፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካብ ከባቢ ኣስመራ ኣትሒዙ ደድሕረና ዝሰዓበ ጸላኢ፣ ሰፊሕ ጸረ-መጥቃዕቲ ኣካይደን ነይረን። ነቲ ግምባር ምሉእ ብምሉእ ኣፍሪስና፣ ሕዳይ ቅልቅል ክንብል፣ ኣብ ‘ኢትሓልበብ’፣ ጸጋም ካብ ጽርግያ (ሸነኽ ምብራቕ) ዝነበረት ነዋሕ ጎቦ፣ ዓሪዱ ዝጸንሐ ኣሃዱታት ጸላኢ ‘ምንቕ‘ ክብል ኣይከኣለን። ናብታ ብዙርያኣ ብጸድፊ ዝተኸበት ነዋሕን በላሕን ጎቦ ዝተጸግዐ ተጋዳላይ፣ መደያይቦን መእተውን ስኢኑላ። ሓይልና ሽዑ ነታ ካብ ጽርግያ ንምዕራብ (የማን) ዘላ ‘እንዳ ሓሰር’ ዝበልናያ በላሕ ጎቦ ከተጥቅዕ ተኣዚዛ። እንዳ ሓሰር ንውሽጢ እትው ዝበለት ኮይና፣ ናብኣ ክትድይብ እንተፈቲንካ እቲ ብየማነ ጸጋማ ዘሎ ሓይልታት ጸላኢ፣ ብድሕሪት ብሕቖኻ ኢዩ ዝሃርመካ። ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ከባቢ ኢትሓልበብ ዝነበረ ናይ ጸላኢ ኣሃዱታት። ብጉያን እናተጠዋወናን፣ ኣብ እግሪ እታ ታባ ምስ በጻሕና፣ እቲ ኣብ ቅድሜና ዝነበረ ዘይኮነስ፣ ብኽልተ ጎድንና ዝነበረ፣ ብካላሽናት ከነርክበሉ ዘይንኽእል ረሽራሻት ጸላኢ ፍጹም ከሰጉመና ኣይከኣለን። እዚኣ -እቶም ኣዘዝቲ ናይቲ ግምባር ዝወሰድዋ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ይመስለኒ።

ነዚ ዝተዓዘበ የማነ በርሀ፣ ካብቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ተጋደልቲ ቦምባ ኢድ ኣኪቡ፣ ኣብ ነጸላ ጠሚሩ፣ ቀስ እናበለ ንበይኑ ነታ ታባ ደይቡዋ። ኩሉ’ቲ ዝሓዞ ቦምባታት ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ርእሲ’ታ ታባ ዝነበሩ ወታደራት ኣዝኒቡ፣ ኩሉ ዝወሰዶ ቦምባታት ምስ ወድአ፣ ከም ኢራብ እናነጠረ ኣብ ብጾቱ ተጸንቢሩ። እቲ ከም ማይ ዝዘንቦ ዝነበረ ጠያይት፣ ነቲ ከም ተመን ዝጠዋወ የማነ በርሀ ጨሚቱ ዝሃርም ኣይነበረን። እዛ ናይ እንዳ ሓሰር ፈተነ ከይተዓወተት ምስ ተረፈት፣ ሓለፍቲ ናይቲ ግምባር ነቲ ሰራዊት ናብቲ ዝነበሮ ቦታ ክምለስ ኢዮም ኣዚዞም። ነዚ ዘምጽኦ ዘለኹ ድማ ወዲ በርሀ ከም ኣብ እዋን ሰላም፣ ኣብ እዋን ኲናት’ውን ልዕሊ ሰቡ ተዋጋኣይ ምንባሩ ንምብራህ ኢየ።

እዚ ጥራይ ግን ኣይነበረን። ኣብ ዝሓደርናሉ ቦታ፣ ብውሑዱ ኣብ ከባቢኻ ካብ ዝዓልብ ቦምባታት በጥ ኢልካ ነብስኻ ተድሕነሉ፣ ብቕድሚት ካብ ዝትኮስ ጠያይት እናተኸላኸልካ ትትኩሰሉ ድፋዕ ተዃዒቱ ክሓድር ኣለዎ። ብዙሕ እዋን፣ ብፍላይ ኣብቲ መጀመርያ እዋን፣ ኣብቲ ድፋዓት እናተዘዋወረ፣ ኣየነይቲ ድፋዕ ነየናይ ከባቢ ክትቆጻደር ኣለዋ ዝሕንጽጽ ወዲ በርሀ ኢዩ።

ኣብቲ ኣብ ከባቢ 1983 ዝነበረ ናይ ሓለፍቲ ምቅይያር (ተኽሊጥ) ናብ ክፍለ-ሰራዊት 85 ኢዩ ተቐይሩ። ኣብኡ’ውን ብደረጃ ናይ ቦጦሎኒ ሓላፊ ይሰርሕ ምንባሩ እፈልጥ።ልዕሊ’ቲ ዝነበሮ ወታደራዊ ጥበብን ቆራጽነትን፣ እቲ ዘውጽኦ ሓደ ሓደ ቃላት ዝያዳ ሚዛን ስለ ዝተዋህቦ ወይ’ውን ብኻልእ ምኽንያት ካብቲ ዝነበሮ ሓላፍነት ናይ ቦጦሎኒ ንታሕቲ ናብ መራሕ ሓይሊ ከም ዝመለስዎ ሰሚዐ። እዚ ኩነታት’ዚ ግን ኣብ ተወፋይነቱ ይኹን ወታደራዊ ክእለቱ ኣይተንከፎን። ንኣብነት፣ ኣብኡ (ኣብ ክፍለ-ሰራዊት 85፣ ‘መራሕ ጋንታ ነይረ’ ዝበለኒ ሓደ ብጻይ፣ ነቲ ኩነታት’ቲ ኣመልኪቱ፣ ብዛዕባ የማነ በርሀ ከምዚ ክብል ኣዕሊሉኒ።

“ኣብ 1985፣ ኣብ ወራር ባሕረ ነጋሽ፣ ሓይልታት ህዝባዊ ግምባር ካብ ከተማ ባረንቱ ዘዝለቓሉ እዋን ኢዩ። ነታ ቅድም ንሱ ኣብ ብርገድ 51 ኮሚሳር ሓይሊ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበራ ድፋዕ (ድፋዓት ግሎፕን ፊደል ‘ተ’ን) ጸላኢ ተቖጻጺሩዋ ነይሩ። ወዲ በርሀ ዝሓዛ ኣሃዱ ናብቲ ኣብ ፊት ናይ ቀደም ድፋዕና ዓሪዱ ዝነበረ ጸላኢ ምስ መጸት፣ የማነ ፍጹም ኣይተዋሕጠሉን። ‘ጸላኢ ኣብ መቓብር ብጾትና ክሸይን!’ ክብል ይስማዕ ነይሩ። ሽዑ ነታ ንሱ ዝሓዛ ኣሃዱ ኣኪቡ፣ ኩለን ሬድዮታት ርክብ ከም ዝዕጾዋ ገይሩ። ነቲ ቦታ ከም ኣጻብዕቲ ኢዱ ኢዩ ዝፈልጦ። ብናይ ወርሒ ብርሃን ተሰንዩ፣ ኣሃድኡ መሪሑ፣ ብገለ ክፉት ቦታ ሰሊኹ ብድሕሪት ነቲ ተዛንዩ ዝነበረ ጸላኢ ሓደጋ ወዲቑዎ። ኣብ ሓጺር እዋን ድማ እታ ብኣዕጽምቲ ጀጋኑ ዝተነድቀት፣ ናይ ቀደም ድፋዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትያ። እቶም ብልሓት ናይቲ ጽዕጹዕ ተኹሲ ዘይተረድኦም ላዕለዋት ሓለፍቲ፣ ነቲ ኩነታት ክፈልጡ ደጋጊሞም ክገብርዎ ዝጸንሑ ፈተነ ሬድዮ ርክብ ኣይሰለጠን። ሬድዮታት ዕጹዋት ስለ ዝነበራ ካብ የማነ መልሲ ክረኽቡ ይኽእሉ ኣይነበሩን። ንሱ ዕላምኡ ምሉእ ብምሉእ ምስ ሃረመ (ነቲ ናይ ቀደም ድፋዓት ምስ ተቖጻጸሮ) ጥራይ ኢዩ፣ ሬድዮ ርክብ ከፊቱ እቲ ኩነታት ዝሓበሮም”… ይብል።

ካልኦት ተጋደልቲ’ውን “ንሱ ኣሃዱኡ ሒዙ ብረዳት ናብቲ ቦታ ምስመጸ፣ ብኸምቲ ኣቐዲሙ ኣብ እንዳሓሰር ዝገበሮ፣ ቡምባ ኢድ ብነጸላ ጠሚሩ፣ ኣብ ቀዳማይ ድፋዕ ጸላኢ ተጸጊዑ ኢዩ፣ ብብዝሒ ቦምባታት ብምድርባይ ጸላኢ ቦትኡ ክለቅቕ ዝገበረ” ዝብሉ’ውን ኣለዉ። በቲ ኮነ በቲ የማነ በቲ ዘጋጠሞ ግዝያዊ ጸገም (ካብ ሓላፊ ቦጦሎኒ ናብ መራሕ ሓይሊ ምምላሱ) ከይተዳህለ፣ ኣብ ድፋዓት ግሎፕ ዕዙዝ ተራ ከም ዝነበሮ ኢዩ ዝንገር።

የማነ በርሀ እምበኣር ብወታደራዊ ጥበቡን ክእለቱን ዝተኣማመን፣ ‘ክግበር ኣለዎ’ ኢሉ ንዝኣምነሉ ዕማም፣ ትእዛዝ ከይተጸበየ ብጽፈት ዝዓምም ተጋዳላይን መራሕን ኢዩ ነይሩ። እቲ ክኢላን ተባዕን የማነ በርሀ፣ ድሕሪ ምድምሳስ ናደው እዝ፣ ኣብቲ ናይ ጎላጉል ውግእ ብመስዋእቲ ሓሊፉ።

የማነ በርሀ ምስ ጠባያት ተስፋልደት ስዩም ዘመሳስል ነይሩዎ፦ ብዛዕባ ተስፋልደት ስዩም ብዙሕ ኣብ ኢንተርነት ስለ ዝተጻሕፈ፣ ኣብዚ ምድጋሙ ዘድሊ ኮይኑ ኣይተራእየንን። ኣብዚ ከይገለጽኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ነገር ግን ኣሎ። ኣብዚ ኣብ ስደት ከለኹ፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ ዶብ ኲናት ተስፋልደት ስዩም (ወዲ ስዩም) ‘ኢሉዎ ወይ ገይርዎ’ ኢሎም ገለ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ዝነበሩ መንእሰያት ከዕልሉ ሰምዐ ኣለኹ። ብዙሕ ካብቲ ዝሰማዕኩዎ ምስ ጠባያት የማነ በርሀ ዝመሳሰል ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ዝገረመኒ ግን፣ እቲ ኣዝዩ ተባዕ፣ ማዕረ ትብዓቱ ድማ ዘረብኡ ጥንቁቕ ዝነበረ ወዲ ስዩም “ከመይ ኢሉ ኢዩ ነቲ ስርዓት ኣመልኪቱ ብቕሉዕ ክዛረብ ጀሚሩ? እንታይ ስለ ዝተዓዘበ ኢዩ’ኸ ናብ ከምኡ ወዲቑ…? ወዘተ ክብል ወትሩ ንነብሰይ ምስ ሓተትኩዋ ኢየ።ኣብ 1978 ኣነ ካብ ታዕሊም ናብ ሓይሊ 32 ክምደብ ከለኹ፣ ወዲ ስዩም’ውን ኣብታ ሓይሊ፣ መራሕ መስርዕ ጸኒሑኒ። ኣነ ካብታ ሓይሊ ናብ ጋንታ ሃንደሳ ክስሓብ ከለኹ’ውን ኣብታ ሓይሊ መራሕ ጋንታ ከሎ ኢየ ገዲፈዮ። ድሕሪ ናጽነት’ውን ኣብ ኣስመራ (መዓስከር ቃኘው) ብዙሕ እዋን ተራኺብናን ኣዕሊልናን ኢና። ስምዒተይ’ውን ሓቢአሉ ኣይፈልጥን። ናብዚ ዳሕራይ ‘ተዛሪቡዎን ገይሩዎን’ ዝበሃል ነገራት ዘብጽሕ ባህርያት ግን ርእየሉ ኣይፈልጥን። ሓደ ‘ክኸውን ይኽእል’ዩ’ ዝብሎ ሓሳባት ግን ኣሎ። ክልቲኦም (ወዲ በርሀን ወዲ ስዩምን) ኣብ ነንበይኑ ግዜ፣ ኣብ ኣመራርሓን ኣተኣላልያን ናይቲ ውድብ ይኹን ዳሕራይ መንግስቲ፣ ሓደ ፍጊዕ ዝበሎም ነገር ምንባሩ ኢዩ። ከም ሓቂ‘ውን ኣይኮነንዶ ንሳቶም ቅድመይ ንሓያሎ ዓመታት ኣብቲ ገድሊ ዝጸንሑን፣ ነቲ ግናይ ኣሰራርሓ ልዕለይ ዝተዓዘቡን፣ ኣነ ድሒረ ዝመጻእኩ’ኳ ነዚ ዝገለጽኩዎን ብሕጂ ዝገልጾን ርእየን ተዓዚበን ነይረ። ልዕሊ ኩሉ ግን፣ ወዲ በርሀን ወዲ ስዩምን፣ ንሓንቲ ደቒቕ‘ውን ትኹን ህይወቶም በቒቖም ዘይፈይልጡ ኣዝዮም ደፋራትን ብሱላትን ተጋደልቲ ምንባሮም ክገልጽ ደስ ይብለኒ። የማነ በርሀ ኣብ ኲናት’ዩ ተሰዊኡ። ተስፋልደት ስዩም ግን፣ በቶም ቀደም ከም ብጾቱ ኣሚኑ ኣብ ጎድኖም ዝተቓለሰ፣ ብዝኾነ መልክዕ ግን ማዕሪኡ ውፉያት ዘይነበሩ፣ እኳ ድኣ ገሊኦምስ ተሓንጊሮም ዝመጹሞ ሎሚ ናብ ጎይቶት ዝተቐየሩ ሓለፍቲ ምስ ተኣስረ ደሃዩ ጠፊኡ ኣሎ።

የማነ በርሀን ተስፋልደት ስዩምን ከም ኣብነት ድኣ ቀሪቦም እምበር ካልኦት ከም በዓል ኢያሱ (ዓዲ-ቢደል) ወዲ ዘረፋ፣ ዑቕባይ (ዓድታቶም ኣይፈልጦን ኢየ) ብርሃነ ካሕሳይ (ዳሕራይ መራሕ ጋንታ)፣ ኪዳነ ገብረስላሴ (ቂጣው) ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣድናቖት ዝገደፉለይ መራሕቲ መሳርዕን ምክትላቶም ምጥቃስ’ውን ግቡእ ይመስለኒ። ኩሎም እዚኦም ግን፣ ገለ ኣብነታት ናይቶም ኣሽሓት ተጋደልቲ ጥራይ ኢዮም።

…. ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • stefanos Temolso November 25, 2013

    ታደሰ ብሉጽ ጸሓፋይን ኣዘንታውን ኢኻ። ልዕሊ ኵሉ ግን ጽሑፋትካ መሃርንቍምነገር ሓዘልን ስለ ዝኾነ ቀጽሎ። ከምዚ ናትካ ምስ ዝበዝሑ እቲ ህግደፍ (ኢሳያስ) ንዘልኣለም ክደፍኖ ዝደሊ ዘሎ ታሪኽና ህያው ይኸውን ኣሎ።

  • Seare November 25, 2013

    What Tadesse is telling us is that there was no equality in EPLF and EPLF was Hamassien Tewahdo dominated movement.

    I don’t agree with Tadesse on this. EPLF was the best organisation that Eritreans from all regions, religions and walks of life setup to fight the enemy. EPLF was very efficient and effective fighting force, consequently managed to liberate the country. Every Eritrean should be proud of EPLF. Every individual in EPLF ( including Tadesse) were giving their best for a common goal. The leaders, could not have done anything without the selfless dedication of all the brave Eritreans. So please stop staining the brave Eritrean history with your wicked, weak, narrow and hearsay based parroting of past.

    If present is not going well then you and I are to blame. We betrayed the people and the young men and women who fell fighting for the common good. You and I let DIA and others hajack our dreams and country.

    • Mahta November 26, 2013

      Seare, As the HGDF is no longer a popular movement, I think he is trying so hard to protect him and his(people) not part of the failure, that they were/are patriotic beyond horizon(unlike other) and that nothing to do with mess. Pointing fingers on others is easier especially if you are behind a screen, but he has make it sure that his fingers are clean first!!

  • asmrafiat November 25, 2013

    wde hizbe azyo agdase tarki agoka katlo tktatalika Birminghame

  • ERITRAWIT November 25, 2013

    Dear Tadese,
    I like the way you said it “TEHANGITOM ZMETU EMO GOYTOT ZKONW” Eritreawyan ztegadelkumo tewelje kof elemo zgerm eu. how can this happen I just can’t understand until this minute how?????? what happend all that jegnnet???? I guess Tegadelety you were concentrating only in one direction not knowing the nasty hebety meser let’s not be naive again. Thank you for sharing and telling us what was like Gedly time.
    kbern mogosn NSWATNA.

  • ሽብለሎም November 25, 2013

    ዓሊ ኢብሪሂም ማለት = ጐይታ ግንባር ናቕፋ።
    ምኽሪ ዓሊ ኢብሪሂም ዘይነበራ ኣብ ግንባር ናቕፋ እተኻየደት ውግእ ነይራ ትኸውን? ንፈውሲ ማሕላ ሓንትኳ እንድዒ

  • ተወልደምድኅን November 25, 2013

    ሕጂ’ከ እንታይ ትብሉ ህግደፋውያን።ታደስ ዝብሎ ዘሎ ከድንቅ ፍቅሪ ታደሰ ኣይኮነን እቲ ኣዘናትዋ’ዩ።ንሱ ዝጋገዮ ዘሎ ብመልክዕ መጽሃፍ ኣብ ክንዲ ምቅራብ።ኣብዚ ኣብ መንነቶም ሃቢኦም ኣናብስ ክመስሉ ዝጽዕሩ ዘለውዎ ቅሉዕ ቦታ ምጽሃፉ ይጋገ’ሎ።ኣነ ንፈለማይ ኣይኮነን ከምዚ ዝብል ዘለኩ።ከምቶም ታሪኽ ገድሊ ንፈልጥ ኢና ዝብሉ፡ናብ ከርተት ዚመርሑና ንነዊሕ ግዜ ጽን ኢልና ዝሰማዕናዮም ቃላትን ዛንታን ዘይኮነ ዝዛረብ ነቲ ብዙሃት ደቂ መሳኪን ማሕበርነት ተተኺሉ ድኽነት ክጠፍእ ይቃለሱ ምስዚነበሩ ዚነበረ ኖኣታቶም ዝውክል’ዩ ኣዘናትው ኡ።

  • ባዉላይ ክፍላይ November 25, 2013

    ወይ ሰብ ደቀይ! በል እስከ ወዲ በርሀ ካበየናይ ዓዲ፡ አዉራጃ እዩ ነይሩ? ንስለ ምሕታቱ እምበር፡ እቲ መልስስ፡ ‘ንሕምቶ ዶ ሕቶ’ዩ ዝኸዉን’። ካን በቃ፡ ኣብ ዘመነ ገድሊ፡ እዞም ኩሎም፡ ከም ኩሉ ኤርትራዊ፡ ጀጋኑ ሓማሴኖት ብፍላይ ድማ ካርኔሽሞት ወኻሩ ጌርካዮም። ካን?! ሕንኽ ዘይብላ፡ ኩሎም ናብ ምእዛዝ ዝደየቡ ካርነሽሞት ብግንዖ’ዮም ረኺቦሞ ብስሪኦም ኣይኮኑን? ኣንታ ገሊኦም’ሲ ተሰጢሖም እምበር ይኾኑ’ዮም ኣብ ክድሜኻ። ቅድሜኻ፡ ንጥይት ኣዝሒሎማ ይኾኑ እኮ’ዮም ገሊኦም ጀጋኑ ደቂ እዚ ሕጂ ተንቛሽሾ ዘለኻ ወረዳን ኣዉራጃን። ምስኻ በሊዖም ሰትዮም እምበር’ዮም ኣብቲ በረኻ። ገለ ዑማኾ ዘይግብኦም ስለ ዝፈለጥካስ ንኹላ በልማማ። በል’ስከ ገለ ዘይግብኦም ሓላፍነት ዝወሰዱ ደቂ ኣከለጉዛይ ከ ነበሩ ዶ? ዶስ ኩሎም፡ ተር ቢልካ፡ ብስርኦም’ዮም ኣምጺኦሞ ዘይከም ሓማሴኖት? ገሪሙና ንገራማይ ገዲፍናሉ። እህም….ጥራይ እዩ ዘብል። እሞ ኣብ መጨረሽትኡ እንታይ ነምባል እዩ? በቲ ሓደ ወገን ነቲ ገድሊ ትንእዶ፡ በቲ ኻልእ ወገን መጻወቲ ሓላፍነት ዘይግብኦም ሰባት እዩ ነይሩ ትብል። እቲ ጅግንነትን ዉሕልንትን ናይቶም ካብ ሓደ ኣዉራጃ ዝመጽኡ ተጋደልቲ ጥራይ እዩ ነይሩ ትብል፡ እቶም ካብቲ ካልእ ኣዉራጃ ዝመጽኡ በዒንትኻ ዘይዉሕሉላትን ዘይጀጋኑን እዮም ነይሮም። እቲ ዝገርም ነገር፡ በል እዚ ትፈልጥ እንተ ነይርካ ደኣ እንታይ ትገብር ነበርካ ኣብኡ እዚ ኹሉ እዋን? ሰዉራ ኤርትራ እንተዘይዕወትከ፡ ሕመቅ እዚኦም ዘይግብኦም ኣዘዝቲ እዩ ምበልካ ዶ? ጽልኢ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝበደሉኻ፡ መራሕትን ኣዘዝትን፡ ከም እኒ ኢሰያስን ድሩዕን፡ ኣድሓኖምን ፍሊጶስን ቻይናን፡ ሓደ ነገር’ዩ፡ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ተጋዳላይን፡ ኣዘዝቲ ታሕተዋይን ማእከላይን ጽፍሕታት ደቂ ካርነሽም ወይ ደቂ ሓማሴን ድማ ካልእ ነገር’ዩ። ታሪኽ ንኹሉ ብማዕረ ምንጋር ማለት’ዩ። እቲ ዘገርም ካብ እንዳ 51 ወላሓደ ጥር ዝብል ምቅሉል፡ ጅግና፡ ተጻዋታይ፡ ዓላ፡ ርህሩህ ካርነሽማይ ክትርኢ ዘይምኽኣልካ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ደቂ ካልኦት ኣዉራጃታትን ወረዳታትን ኤርትራ። ደቂ ኸተማን ገጠርን። ደቂ ቆላን ከበሳን ደቂ ባሕርን። ክበልዕዋ ዝደለዩ ኣባጉምባሕ…ኮይኑ ነገሩ። ንኹሉ ድማ ኣይጥዕምን’ዩ። ንዓኻ’ዉን። ብሓበራ ብሃገር ምሕሳብ እቲ ዝዓበየ ነገር’ዩ። ምኽንያቱ ኤርትራ ናይዞም ከተዋዳድር ጸሓይ ዓሪቡካ ዘሎ ክልተ ኣዉራጃታት ጥራይ ኣይኮነትን።

  • ተወልደምድኅን November 25, 2013

    ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ይብሉ ኣቦታትና።ባውላይ ከኣ ኣብቲ ዝኹኑኖ ናይ ኣውራጃውነት ኮለል ኮይኑ ተሪፉ።ብዛዕባ ህሉፍ ምዝራብ’ኮ ሕማቑን ጽቡቑን ፈሪድካ ንቕድሚት’ምበር ናብ ባእሲ ኣይኮነን።ኤርትራ ዕድለኛ ስለዝኮነት ንክፍኣት መዓል ኢሳያስ ዘይፈልጡ መሪሖሞ ቀደም ምተመቓቐለት ግን ክሳብ ሎሚ ኣይኮነን ድሕሪ ሕጂ ከኣ ኣይከውንን’ዩ። እሞ ኣብ መጨረሽትኡ እንታይ ነምባል እዩ? ነዚ ሕቶዚ፡እቲ ኣርእስቲ ይምልሶ’ዩ። ንሱ ከኣ……..ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን……ይብል።እዚ ማለት ዜጋታት ኣብ ቀላይ መዲተራንያን ኣናጠሃሉ፡ኣብ ሲናይ ከም እንስሳ ናውቲ ኣካላቶም ተመዝሒቑ ናብ መሸጣ ኣናወዓለ፡ብሃፋሻ ዘይተራእየ ቆሎኣካን ስድራኻን ጠርኒፍካ ስደት ተጀሚሩ፡ኦብ ግዜ መግዛኣቲ ባህለንን ወለዶን ኦኣቂበን ዝጸንሃ ገጠራት ኦኣድና ብፍጹም ሰብ ዘይብሉ ገዛውቲ ተኦኣጽዩ፡ሰብ እናማረረ….ንሕና ንሱ፡ንሱ ንሕና ኮይኑ።…..እዚ ኩሉ ካበይ ተፈጢሩ እንድሕሪ ኢልካ፡ገለ ሰባት ወዲ ኦኣዶም ሃላፊ፡ቤተሰቦም ሃላፊ፡ጀነራል፡ሚንስተር …..ካልእን ብምርኣይ’ዩ።ርግጽ’ዩ ስልጣን ተፈታዊ’ዩ፡ወላ ዝህቡኻን ኣብ ገዛካ ዘምጸኣልካ እንተዘየሎ እቲ ንሕማቕ መዓልቲ ይኾነና ብማለት ምጥቓዕ ዝፈቱ ብዙሕ’ዩ።ብፍላይ ንስካ ባውላይ ኣብ ክንዲ ንዝወቐሶም ኣጽሪፎምና ከም ኡ ይገብሩ እንተነይሮም ትብል፡ኣብታ ድፋዕ ኮለል ትብል ኣሎካ።እዚ ከኣ ምክልኻል እቲ ዝከፍ አ ናብ ሕማቕ ዝመርሕ’ዩ።እቲ ታደሰ ዝረኣዮ ኩነታት ከኣ በሰል ኡ ኣባካ ኣብ ባውላይ’ዩ ዝረኣ ዘሎ።………ታደሰ እንተብትዕግስቲ ይኹን እንተብምጽማም ነቲ ጽንኩ ኩነታት ሃሊፉዎ’ዩ፡እቲ በሰላ ኣባካን ኣብ ከምዚ ከማኻን ዚ ኣመሰሉ፡ከም ቆፍ ኡ ትንክፍ ዘበልካዮ ንህቢ፡ካርነሽም ትንክፍ ምሰበለ ትብሎን ትሕዞን ጠፊኡካ ብዙሕ ምዝራብካን ነቲ ዝሕብሮ ዘሎ ዚነበረ ጌጋ ተኦኣሚትካ ክትከላከል ምር ኣይ በሰላ’ቲ ኣብ ዝሃለፉ ኦኣመታት ብውሽጢ ውሽጢ ክሰርህ ዝጸንሀ’ዩ።ስለዚ እዚ በሰላ ሕሉፍ’ዩ።እቲ ዝገደደ፡ገና እቲ ታደሰ ዝብሎ ዘሎ ጌጋ ብቀሊል ዘይወጽእ በሰላ ንድሕሪ ህጂ’ውን ከጸግመና ብቀሊል ዘይጸሀ ስሚ’ዩ።ኣብዘን ዝሃለፋ ኦኣመታት ስለምንታይ ኤርትራዊ እሂን ሚሂን ኢሉ ዘይዘተየ፡ስለምንታይ ምስ ካለትን ብቖኣት ዘለዎም ከሎና ገገዛና ኦኣጺና ጥርህ እህህ ክንብል ጸኒሕና፡ኣቲ ታደሰ ዝብሎ ዘሎ በሰላ ገገዛና ስለዝ ኣተወና’ዩ።እቲ ዘገርም ታደሰ ዝብሎን ካላ’ውን ክብሉዎ ዝኻሉ ፍሉይ ታሪኻት ኣብዚ ኣብጺሑና ከሎ፡ሕጂ ካብ ሕሉፍ ኣከያይዳ ተማሂርካ ኣብ እቲባ እቲ ትብል፡ካብ ታሪኽ ዘይትመሃር ምኳንካ ኢካ ትሕብር።ኩሉ ታሪኽ ዝትረኽ፡ማንቲ ሕነ ክፍደየሉ ኣይኮነን፡ታሪኽ ስለዝኾነ ካብቲ ታሪኽ ከኣ ቅኑዕ ፍርዲ ክተማዕብል’ዩ።ንስካ ግን ተወንጀልና ተጸረፍና…..እከከ’ዩ ዘብል ስራሕካ።ትማሊ ደቂ ዓዲ ብሃደ ሻሂ ክሰትዩ፡ወይ ኣብ ጥምቀት ክተኦኣዳደሙ።ብካላ ዝተፈለ መዳይ ክጎናንዑ፡ነዛ ወገነንትን ኣውራጃውነትን ኣስኪርኩም ኣስካኢርኩም ኣግዚፍካም ን’ኣከለ ጉዛይ ካብ ኡ ንገሊኦም ክፋላት ኣልግብ ኣቢልኩምሎም፡ሕጂ ኣብ ሃንቲ ክፍከሰራዊት ይኹን ግንባር ዝተገብረ ምስሰማዕካ ጸላዕላዕ ክብለካ ኣይግድን።……ኣብዝሃለፈ ወርሂ ኣብ ሮማ ዝተገብረ ሰላምዊ ሰልፊ ሃደ ካህን ናይ ኦርተዲክሳዊት ቤተክርስትያን…” ትማሊ ሰባት ክጽረፉ፡ካሰሩ፡ክቅንጸሉ ካብ ኦኣዶም ክስደዱን ክግፍዑን ከለው ኖኣና ዘይትንክፈና ኢልኩም ስቕ ኢልኩም ሕጂ እቲ ጸገም ገዚፉ ናብ ርእስኹም ምስበጽሓ ጸላዕላዕ ኢልኩም ይብሉ።ኣብ ኣትላንታ ከኣ መኣስ ኢኹም አኣዳውኩም ናብ ሰብ ምውጥዋት ትገድፉዎ።ኩሉ ዝግበር ጌጋ ካልእ’ምበር ንሳትኩም ዘይትፍጽምዎ ኮይኑ ይስመኦኣኩም።ግን ቅድሚ ካልእ ምኽሳስኩም ርእስኹም ረኣዩ፡ንርእስኹም ክሰሱ፡ንኩሉ ነቲ ትብሉዎ ጉዳይ ገይርኩም ንርእስኹም ፍረዱ ይብሉ።ኣብ መወዳኣታ ናብ እግዚኣብሔር ተመለሱ፡ካብ ቤት ኣግዚኣብሔር ዝወጸ ክጻረፍ፡ከጣቑስ፡ክህሱ፡ከባኣስ ጥራሕ’ዩ ዝነበር ማለቶም’ዮም።ቤት እግዚኣብሔር ከኣ፡ፍትሒ፡ሰላም፡ሃቂ ማለትዩ።ስለዚ በጃካ ባውላይ ተበራበር፡በቲ መኦኣል ኢሳያስ ኣብ ርእስካ ዚመል ኡዎ ኣይትር ኣዮ ኩነታት፡ብካልእ ኩርናዕ ኮንካ ተመልከት’ሞ ገለ ጮራ ብርሃን ክረኣየካ’ዩ።ኣይረኣየንን ኣንተበልካ፡ኅልና ክተስርሕ ኣንተዘይከኣልካ፡እንታይ ክብለካ….ብዘበን ውበ ዝጸመመስ ውበ ኣናበለ ሞተ ይብሉዎ’ሞ፡ኣውራጃነት ክሳብ ትመውት ክተገማዳሃካ’ያ።

    • ባዉላይ ክፍላይ November 26, 2013

      ኣየ ሓዉ ተወልደመድሕን። ጸዓዱ ‘ዓሻ’ስ እቲ ዝብሎ እምበሪ፤ እቲ ‘ዝብሎ’ ኣይፈልጥን’ ይብሉ። እቲ እተዉጽኦ ቃላት እምበር፤ እቲ ከይተረድኣካ እተሕልፎ ዘለኻ መልእኽተስ ኣይስቆለካን ዘሎ። እቶም ካህን እንታይ ኢሎም ኢለካዮም? ንሙዃኑ ከ ካህን ድዮም? እቲ ‘ትማል ሰባት ክጽረፉ፡ ክእሰሩ፡ ክቅንጸሉ…ኢሎም’ ኢለካዮም። ካን እቶም ትማል እተኣስሩን፡ እተጸርፉን፡ ዝደስከሉን፡ ዝተቀንጸሉን፡ በቃ ካብ ሓደ ቦታ ጥራ’ዮም ኢሎሞ። ኣበየናይ ሃገር ድዮም ዝነብሩ ነይሮም። እዚ ሕማም’ዩ። እምበር፡ ቆልዓ ሕጻን ኣብ ከብዲ ኣዲኡ እንከሎ ከማን ዝፈልጦ’ስ፡ ደቂ ደንከል፡ ደቂ ሰምሃር፡ ደቂ ሰንሒት፡ ደቂ ሰራየ፡ ደቂ ባርካን ጋሽን ሰቲትን፡ ኣከለን ሓማን፡ ካልእን…ብማዕረ ተኣሲሮምን፡ ተጸሪፎምን፡ ደስኪሎምን ተቀንጺሎምን። ነዚ ግን ንስኻ ክትርእዮ ኣይትደልን ኢኻ ምኽንያቱ የዒንትኻ ብጽልኢ ስለ ዝዓወረ። እቲ ኩሉ ዘርዚርካዮ ዘለኻ ኣበሳ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ በጺሑ ሙዃኑ ክሳብ ዘይተረዳኣካ ድማ ካብዚ ናይ የእሙሮ እስሪቤት ኣይክትወጽእን ኢኻ።
      ደሓር ከኣ ሸተት ኢላ’ኮ ሞሊቃትካ። ኣብ ጽሑፍካ፡ ‘ብፍላይ ንስካ ባውላይ ኣብ ክንዲ ንዝወቐሶም ኣጽሪፎምና ከም ኡ ይገብሩ እንተነይሮም ትብል፡ኣብታ ድፋዕ ኮለል ትብል ኣሎካ።’ እንድሕሪ ርግእ ኢልካ ነዛ ሓረግ እዚኣ ኣኮማሲዕካያስ፡ እቲ ኣበሳ ተሰከምዎ ኢኻ ትብለና ዘለኻ። ‘ኣጽሪፎምና በሉ ኢልካ’..ክክክ። በል ከምኡስ ኣይባሃልን። ጽቡቅ ዝገበርዎ፡ ንነብሶም፤ ሕማቅ ዝገበርዎ ንነብሶም። እዚ ገበናት ጌሮሞ ኢልካ ዘርዚርካዮ ዘሎኻ፡ ጭብጢ እንተለዎ፡ ተሓተትቱ ባዕሎም ደኣ። ተጸረፍቱ’ስ ባዕሎም ደኣ። ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ፡ እዞም ኩሎም ጀነራላት ሎምን ሓለፍቲ ቀደምን፡ ኩሉ ዝገብርዎ ገመናት ባዕሎም ድኣ እምበሪ፡ ምሽ ደቂ ወረድኦም ኣዉራጅኦም፡ ደቆም ምቃሎም ከማን ኣይሕተትሉን እዮም። ክርድኣካ። ኩሎም ጀነራላት፡ ካብ ኩሉ ኣዉራጃ እየ ዝበለካ ዘለኹ። ሓጎስ ክሻን፡ ጀነራል ተስፋልደትን፡ ጀነራል ስምኦን ገ/ድንግልን፡ ኣሕፊሮምና ክትብል ኣይጽበየካን ኣይደልየካን ድማኒ። ኣነ ድማ ጀነራል ወዲ ኣዉራጃይ ኣጽሪፉኒ ኣይብልን ኣይዉዕሎን። ንሱ ንነብሱ እዩ ዝዉክል። ንማንም ወረዳ ኣዉራጃ ዓዲ ኣይዉክልን እዩ። ይርድኣካ ዶ ሎ’ዩ። ኢሰያስ ንወዲ መምህር፡ ንዉጩ፡ ንወዲ ሃብተስላሰ፡( ን…..ኩሎም እቶም ኣብ እንዳ 51 ነይሮም ዝበሎም፡) ሓላፍነት እንተሃቦም፡ ንሶም እዮም ሓለፋ ረኺቦም ኢለካ ጸሓፍ ኢና ንብሎ ዘሎና። ምኽንያቱ ቻይና ወይ ብርሃነ ገ/እግዛቢሄር፡ ወይ እስቲፋኖስ፡ ወይ ጋይም፡ ወይ መቀለ፡ ወይ ካሪካረ፡ ካካይ…ኮታስ ዝኾነ ሰብ ሓለፍነት ተዋሂቡ ማለት ኣዉራጅኡ ወይ ወረድኡ ተዋሂቡ ማለት ኣይኮነን። ጸሓፋይ ብኸምኡ ክጽሕፎ የብሉን እዩ እቲ ነጥቢ። ወላ ኢሰያስ ኣፉ መሊኡ ኣብ ቅድሚ ዓለም ወጺኡ ብኸምዚ ምኽንያት እየ ሂበዮም እንተበለ። ኢሰያስ፡ ሕጂ ዉን ክደገመልካ፡ ብዘይካ ስልጣኑን ገንዘብን፡ ዲኾነ ይኹን ወረዳ ወይ አዉራጃ ኣይግድሶን’ዩ። የሕዋቱ ደቀ ኣብኡ ከማን ኣይገደስዎን። ንስልጣኑ ክዕቅብ ወላ ንሰበይቱ ከማን ምቀተለ። ንደቁ ከማን። ንዑዑ ኩሉ ታክቲካዊ ሜላ እዩ። ጸሓፋይ ድማ ናብኡ ጥራይ ከቅንዕ ነይርዎ እዩ እቲ ነጥቢ። ደሓር ክትጽሕፍ ከለኻ፡ ንዓይ እምበር፡ ኢሉኩም፡ ገርኩም፡ ኢልኩም ኣይትበል። ኣነ እየ ዝዛረበካ ዘለኹ። ወረዳይ ወይ ኣዉራጃይ ኣይኮነን። ወዲ ሓንካ። ኣይትሕረቅ ድማ። ጸርፊ’ዉን ኣይናይ ዉርዙያትን።

      • ተወልደመድኅን November 26, 2013

        ዝኸበርካ ባውላይ……ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም ይብሉ ኣቦታትና።ሕጂ ከኣ ኣነን ንስካን ኣብ ኢሳያስ ዘሎ ተቃውሞና ሃደ ይመስል ግን፡ኣብ ብዙሕ መዳይ በበይኑ’ዩ ኣረኣኣያና።ክትፈልጦ ዘሎካ ኢሳያስ ጥራሕ ኣይኮነን ጸገምና ኣብ ገሊኡ ባዕላትና ናይ ባዕላትና ጸላኣቲ ኢና።እቲ ከፋቕረና ጸገምና ክፈትሓልና ዝኽእል ነዊሕ ምኳድ ብዙህ ምዝራብ ሽም ሰባት ምጥቃስ ኣየድልን።ነገራት ብልቢ ተረዲእካ ምኽ ኣል ጥራሕ’ዩ።ከምቲ እግዚኣብሔር ደሊካ ነዊሕ ጉኦዞ ኣይትኺድ፡ምኽንያቱ እምነት ቅንዕናን ጥራሕ ይሃሉካ’ምበር እግዜኣብሔር ኣብ ውሽቲ ገዛካ ኣሎ ዝብሉዎ።ሕጂ ከኣ መፍትሕ ኣብ ኢድና’ዩ ዘሎ።ግን ከምቲ ኣምላኽ ክጸልእሲ በትሪ ሂቡ ኣየቃትልን፡ሃስብ’ዩ ዝከልእ ዝብልዎ፡ሃሳብና ምቅብባል ወይ ምርዳእ ጸጊሙና ኮለል ንብል ኣሎና።ክትርደኦ ዘለካ።ኣነ ነቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ነብሱን ገብሱን ዝወፈየ ህዝቢ ሎሚ ብጅምላ ክስደድ ክዋረድ ዝጣበቐሉ ብቑኦ ስርዓት ብዘይምህላው፡ሕሉፍ ሃሊፉ ኣብ ስደቱ ምትፍናን ምውቕቓስ ምብኣስ ቀሲኑ ከምዘይሓድር ኣገባብ ምስረኣኹ ደኣሉ ደፊኡኒ ኣብ ህግደፍን ኢሳያስ ዚመርሖ ጉጅለ ዘሎኒ ጽልኣት’ምበር ኣብ ወዲ ኦኣደይን ዘይወዲ ኦኣደይን ኣይኮነን።………ሓጎስ ክሻን፡ ጀነራል ተስፋልደትን፡ ጀነራል ስምኦን ገ/ድንግል ደጋጊምካ ተቕርቦም ኣሎኻ።እንታዎት ምኳኖም ኣይፈልጦምን’የ።መሃውርን ኣሳሰይቲ ኢሳያስ ምኳኖም ኣብ መራከቢ ብዙሃን ስለዘንበብኩዎም ይፈልጥ።ዓዶም ክፈልጥ ዝተገደስኩሉ ዕለት የለን።ንሳቶም ናይዚ ሕሰምዚ ኣለምቲ እንተኾይኖም ከኣ ካብ ንወላዲኦም ሃሊፉ ንዓይ ዚምልከት ኣይኮነን።ብቅንዕና ቀረባይ ፈሊጥካ ኣብ ህዝቢ ዝገበሩዎ በደል፡እክለ ዝተባህለ፡ዓዱ እከለ ንእከለ ዘመዱ ኣንተበልካ፡ነቲ ፈጻሚ’የ ዝራገም።ግን ብሰንኩ ኣነ ኣይሃርርን ዝኾነን ዘይኮነን ኣካኺበ ክጥዋዊ ላሕ ኣይብልን።ኣነ ታደሰ ዘቕረቦ ታሪኽ፡ካብቲ ሃደ ተሃቢኡና ዘሎ ንሎሚ ምትእምማን ዝከል አ ሕቡእ ታሪኽ ቃልሲ ምግላጹ ጥራሕ’የ ዝተከላከልኩ።ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ምጽሃፍን፡ ናይ ምእካብን ምውዳብን ነጻነት ደሊና እናተቃለስና፡እዚ ኣገባብዚ ማዕቢሉ ጸገምና እሂን ምሂን ተባሂልና ክንፈትሕ እናደለና፡ኣዚ ከምዚ’ዩ እቲ ከምቲ’ዩ ኢልና ንጸሃፍቲ ክንኮልፍ ጽቡቅ ኣይኮነን።ይሕመቕ ይጸብቕ ከኣ ንመሃረሉ ዝብል ሃሳብ ስለዘሎኒ’የ ንጽሑፍን ኣዘናትዋ ታደሰ ዝተከላኸልኩ።……ልክዕ ከኣ ነቲ ታደሰ ዚበሎ ቃላት ጠማዚዞም ሽሞም ሃቢኦም ዝወራዘዩን እተን ኦኣድታት ብምጥቃሰን ሓፍሃፍ ንዝበሉ ከኣ ገለ ኣብነት ኣቕሪበ።…..ንስካ ባውላይ ጽቡቕ ቃላት ጠምዚዝካ ዘይ ኣንፈቱ ናይ ምትሓዝ ክእለት ኣሎካ።ብዛዕባ ካህን ዘምጻእኩዎ ኣብነት ንስካ ብካልእ መዳይ ኢኻ ገሊጽካዮ።ርግጽ’ዩ ኣብ ኩሉ ዝተራእየ’ዩ፡ኣብነት ናይ ጥምቀትን ካልእን ኣምጺኤልካ ካልእ ምጉንናዕ ባውራጃውነት ክጥቀስ ሎሚ ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላኡን ዚብል ጽሑፍ ወጺኡ ዓድታት ምስተጠቕሱ ዝተደርበየ መሸንጎጋ ረኣዮ።ኣነ ሎሚ ፍሉይ ከባቢ ጥራህ ይብደል፡ይእሰር፡ይቅንጸል ኣሎ ኣይበልኩን።ነዚ ዝከውን ጽፉፍ መጽናዕቲ ስለዘይብለይ።ኣነ ብሓፈሻ ኣብ ህዝቢ ኣኤርትራ ዝግበር ዘሎ ዘይፍትሓዊ ኣገባብ’ዩ ዘህዝነኒ።ኣግሂደ ክነግረካ፡ብሽም ሃበሻ ኣብ ስዑዲ” ያ ከልብ ማት ” ዝብል ቪድዮን።” ኢንታ ሃበሽ ” ኢሎም ከጋፍዑዎም ምስረኣኹ ንምሉእ ለይቲኡ ድቃስ ኣብዩኒ።( ጽቡቕ ቃላት ናይ ምጥምዛዝ ክእለት ስለዘሎካ ወያነ በለኒ )ስለዚ ነገራት ፊሒርካ፡ጠዊካ ናይ ምቑሳሽ ክእለት ዝተመሃርካዮ ጥራሕ ዘይኮነ ምሳካ ዝተወልደ’ዩ ዝመስል።ኣዚ ኣገባዚ’ዩ ከኣ ኣሲሩካ ዘሎ።ንስካ ኢኻ ናይ ሕሉፍ ኣሱር ኮንካ ዘሎኻ።ኣነ በቲ ክከላከሎ ዘሎኒ ዓዳዊ ሃልዮት ስኽፍ ከይበለኒ ይገብሮ’የ።ግን ስልጣን ዝሓዙ ኣብ ጽቡቕ ግዜ ጠሚቶምኒ ዘይፈልጡ ደቂ ኦኣደይ ተጸሪፎም ኢለ ኣይቅንዞን፡ቅድሚ ካልእ ዝጸርፉዎም ባዕለይ ይጸርፎም።ቃልሰይ ንሕማቕ ኣተሃስስባ ዘለዎም’ምበር ንዓዳውነት ኣይኮነን።ኣብ ሕሉፍ ግዜን ቃልሲ ኣውራጃውነት ወገንነት ከም ሕሱም ተፈሪሁ ኤርትራያን ናብ ኣራዊት ካብ ሰብ ከምዘይተወልዱ ኢዮም መሲሎም።ኣብቲ ከም ኡ ዚነበረሉ፡እቲ ምእካብ ክር ኢ ከለኩ፡ነቶም ሰባት መራሕቲ ዚነበሩ ዘይኮንኩ ዝወቐስኩ ነቲ ኣሰራርሃ’የ ወቒሰ።ንሳቶም እቶም ኣብ ሃደ ክፍለሰራዊት ዘለው ከምዚ ኦኣይነት ምትእኽካብ የኽፍእ ከምዘሎ ክቃለሱዎ ይኽእሉ’ዶ ኔሮም።ኣይክእሉን ምኽንያቱ ኣብ ህግ ዝተበሃልካዮ ፈጽም’ዩ።እቲ ወሃብን ከላኣን እቲ ኣገባብ ስሮኣት’ዩ።ኣነ ነቲ ለኦኣትን ሰራሕን ዘለዎ ውድብ ህግ ዚምረሃሉ ኣገባብ’የ ዚወቐስኩ።ነቶም ሃለፍቲ ኔሮም ዝበሎም ታደሰ ዝኾነ ይኹን ወቐሳ ኣየቕረብኩን።ንሳቶም ከም ህዝቦም ናይቲ ስሮኣት ግዳያት ኢዮም።ኣነ ዝወቐስኩ ነቶም፡ህግ ማለት ምድረ ገነት ናይ መላእኽትን ጻድቃንን ውድብ ዚወጾ ዘይብሉ ገይሮም ዘዳኽሩ፡ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ዚብሉ’ዩ ዝወቐስኩ።ሕጂ’ውን ደጊመ ክብለካ፡ነቲ ኣብቲ ውድብ ዚነበረ ኣሰራርሃ፡ብግልጺ ስውራ ብውሽጢ ኦረ ብግዳም መዓር ዚተሸፈን’ዩ ዝብልዎ ባዕላቶም’የ ዝወቐስኩ፡ነቶም ኣብ ውጻኢ ኮይኖም ዘዳኽሩ ዕርክነት ዘይኮነ ኪዳን ክሳብ ዚበትኩ ንወገንነትን ኣውራጃውነትን ዚቑንኑ’የ ዘወቐስኩ።ስለዚ ንስካ ባውላይ ሽምካ ሐቢእካ ካብ ጸሃፍካ ኣብ ሕቁፎ ህግደፍ ዚኦኣበካ ህጂ’ውን ኣብ ኡ ዘሎካ ተቃዋሚ መሲልካ ሰብ ክተደንቁር ትፍትን ዘሎካ ኣሱር ኅሊና ኢካ።

        • ባዉላይ ክፍላይ November 26, 2013

          ሓዉና ተወልደ፡ እዚኣ ዳሕረይቲ’ስ ኳ ኣዝያ ትሓይሽ። ዘይርካን ኮሊልካን ድማኒ ናብቲ ኣነ ዝበልክዎ መጻእካ። ኣነ ካብ መጀመርይኡ ዝበልኩስ፡ ሰባትን እቲ መሪሕነትን ዉቀሱ፤ ምስኡ ግን ኣዉራጃ ወረዳ ኣይተተሓዛዝሎ እየ ዝበልኩ። ንኢሰያስን ኣዳኸርቱን ደኣ ጽረፉ እምበር፡ ንህዝቢ ኣይተላግቡ እየ ዝበልኩ። ረሲዕካዮ ደኣ ከይትኸዉን እምበሪ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ጽሑፈካስ፡ «ወረዳኹም ምስ ተጠቅሰስ፡ ቆጭ ቆጭ ኢሉኩም፡» ዶ ኣይበልካን ኢኻ? ካን ደርሆ ከይነቆ? ብዝኾነ ሕጂ’ዉን ምዉቅቃስ ናብ ዘብጽሓና የብሉን። ናይ መጻኢ ንጠምት። ዝኣኽለና ተገዛዚዕና ተገማሚዕና ኢና። ኣብ ገገዛና ዝዝረብ እዝጊሀር ዋንኡ። ምፍልላይ ንኹላህና ግን ኣይጠቅመናን እዩ፤ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን። እንተ እቲ ተቃዋሚ ክትምስል እትፍትን ዘለኻ ደጋፊ እዩ ኢልካ ዝፈረድካኒ ኣይሕዘልካን። ኢልካኒ ስለ ዘይኸዉን። እቲ ርእስኻ ብኸምኡ ስለ ዝሰርሕ ደማ ይቅረ ይዅንካ። ብሕጽር ዝበለ ግን ከምዚ ገይረ ከረድኣካ ነቲ ክብሎ ዝደሊ ዘለኹ። ንኣብነት፡ ሰለስተ ሰባት ካብ ባጽዕ መጺኦም፡ ኣብ ኣስመራ ወይ ደቀምሓረ እንተሰረቁ ወይ እንተ ኣበሱስ፡ «ኣስማቶም ጠቂስካ ሰረቅቲ» ክትብሎምን፤ «ብጥቅልሉ ደቂ ባጽዕ ሰረቅቲ» ክትብልንስ ፍልልይ ኣለዎ። ምጥንቃቅ ሲ ጽቡቅ ደኣ። ሓንቲ ወይ ክልተ ዘይጠቅማ ቃላት ካልእ መልክዕ ስለ ዘትሕዝኦ። እዚ እቲ እንብሎ ክንጥንቀቀሉ ከም ዘለና ከርእየካ ዝብሎ ዘለኹ እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ ካልኣይ ሓረግ ከይተረድኣካ ይኹን ብኽፋእ፡ እቲ ኣበሳ ናይቶም ሰለስተስ ናብ ማእገር ኩሎም ደቂ እቲ ኸተማ ትጽዕኖ ስለ ዘለኻ። እቶም ጀነራላትን ካልኦትን ዝጠቀስኩልካ ኣብነት ክኾነካ ስለዝበልኩ እየ። ንልቢ ክኾነካ ግን፡ ሕጂ ብድበድቡ፡ኢሰያስ፡ ኣብ ጸጥታን ቁጠባን ሓለዉቱን ደቂ ኣከለ ዝበዝሕዎ፡ ኣብ ሰራዊት ድማ ደቂ ሓማሴን ዝበዝሕዎ ጀነራላትን ሓለፍትን እዩ ገይሩ። እዚ ድማ እቲ ክፋኡ ክሳብ ክንደይ ሙዃኑ ዘርእየካ’ዩ። ንዓይ እዚ ኣጋጣሚ ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ኣካይዳ ኢሰያስ ንዝኸታተል። ብቁል እንክብል፡ ኣስላም ክርስትያን ኣተፋኒኑ። ነቲ ዘድልዮ ምስ ገበረ ድማ፡ ደቂ ከበሳ ብኣዉራጃ ኣተፋኒኑ። ንመንካዕ ምስ ኣለየ ንየሚን ድማ ኣዳጊሙ። ነቶም ዝተረፉ ዘፍርህዎ ዝበሎም ድማ ብዝተፈላለየ ምስምሳት ኣጥፊእዎም። ድሕሪ ናጽነት ‘ዉን ከምኡ ገሩ ነቦይ ሮመዳንን መስፍንን ኣልይዎም። ንካልኦት ብዙሓት አዉን። ኣብ መጨረሻ ድማ ን ጂ-15ን ካለኦትን። ሕጂ ለንቅነ ድማ ናይ ፎርቶ። እተን ቀንዲ ንሱ ዝጥቀመለን ክልተ ካርድታት ኣዉራጃን ሃይማኖትን እየን። ኢሰያስ ባህሪኡ ቀይሩ ኣይፈልጥን፡ ብፍላይ ካብ 1970 ጀሚሩ። እቲ ዘጉህን ሕርር ኩምትርን ዘብል ግን፡ እቶም አብዚ ኢሰያስ ዘዋዶዶ ጓይላ ኣዉራጃዉነትን ሃይማኖትን ሰባት ኸኽዱዱ ክትርኢ ከለኻ እዩ። ኢሰያስ ድማ ልዕሊ እቲ ዝቀተሎን ዝገበሮን፡ ንቡዙሓት እዚ ነገር እዚ ስለ ዝማሃረን ዕዉት ይገብሮ። ሽርሕን ተንኮላትን ኢሰያስ በርዒኖም ዝተርፉ፡ ኣነን ንሰኻን ወረዳን ኣዉራጃን ሃይማኖትን ምጥቃስ ደዉ ምስ እነብል አዩ። ካብቲ ንሱ ዘዓመሮ ጓይላ ምስ እንርሕቅ’ዩ። ኣብ ክንዲ ብጉጅለን ብወረዳን ብዉልቂ ምስ እንዛረብ እዩ። ባዉላይ ከም ሰብ ተበዲሉ፡ ተወልደ ድማ ከምኡ። ኩስቶ..በዲሉ ምስ እንብል እዩ። ምሽ ኩስቶ ወዲ ዓዲ እከለ ምባል። ኢሰያስ ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባ እምባትካላ ዝበሎ ክደግመልካ፡ ዋላ ኣንቢብካዮ ዉን እንተኾንካ። «ሶማል ገይረኩም ክኸይድ እየ» ኢልዎም። ብኻልእ ኣዘራርባ ድማኒ፡ እቲ ዝዘራእኩዎ ኩሉ ፈሪዩ ማለቱ እዩ ነይሩ። ናተይን ናትካን ናይ ታደሰን ቃልሲ እምበኣር፡ ነዚ ኩፉእ ዘርኢ እዚ ምምሓዉ እዩ። መጀመርያ ናይዚ ድማ፡ ኣነን ንስኻን፡ ኣብ ክንዲ ደቂ ዚ ወረዳ እዚ ዶስ እቲ፡ ከም ኤርትራዉያን ከም ዉልቀሰባትን ምስ እንረአአ’ዩ። ብተመሳሳሊ ድማ ነቶም በደልቲ፡ ናይ ሎምን ናይ ትማልን፡ ከም ዉልቀ ሰባት እንተተዛረብናሎም እዩ። ነቶም ግዳያት ድማ ከምኡ። ካብዚ ንላዕሊ ዝብለካ የብለየን። መልስኻ ከንብብ ክጽበይ እየ። እዚኣ ግን ናይ መጨረሻ ጽሑፈይ ክትኸዉን እያ። በዚ ኮይኑ በቲ ግን፡ ምስ ኩሉ ፍልልያትና፡ ካብቲ ዝጻሓፍካዮ ብዙሕ ተማሂረ እየ እሞ አመስግነካ። ሰብ ኮይኑ ድማ ዘይጋገ የለን እሞ፡ እንተ ኣቆጧዕኩካ ድማ ከምሻሙ ሸለል በሎ። አነ ድማ ከምኡ ብወገነይ። ሰሰናዩ።

          • MightyEmbasoyra November 26, 2013

            Ato ባዉላይ ክፍላይ,
            Amen to that!
            When someone communicates in a civilized manner, disagreements can be solved and lessons can be learned. The way I see it that we were on the same idea but different type of responses.
            I give you credit for handling it this way. You have reminded me of Ato Belay, with different view than mine(most of the time), polite response, mature content. That, I always give respect! Keep it up!

          • ተወልደመድኅን November 27, 2013

            ዝከበርካ ባውላይ፡…..ኣነውን ኢዝኣ ናይ መወዳኣታ ጽሑፈይ ኢያ።……ምኽንያቱ ንስካ ትኽ ኢልካ ክትከይድ ዘይትኽእል፡ነቲ ተንብቦ ዘሎካ ሃሊፍካ ከምዚ’ዩ ዝብል ዘሎ ኢልካ ብናትካ ኣርዳድ ኣ ተረዲእካ ኢካ ትምልሽ ዘሎካ።መወዳኣታ ዝበልኩዋን ኣቐዲመ ዝበልኩዎ ፍልልዩ ብዙሕ ኣይኮነን።……ንስካ ትጸርፍ፡ትወቅስ፡ናብታ ደቂ ኣከለ’ዮም ሎሚ ከምዚ ዝገብሩዎ ዘለዎ ኢልካ ወቐሳካ ትገልጽ፡ትመሳሰል፡ተኽብር።ትንዕቕ።ኣብ መወዳኣታ ከኣ ልኡም ዚኾነ ትዛረብ።እዚ ለማጽ ዚኾነ ኣበይ ከምዘሎ ዘይፍለጥ ላንጋ ላንጋ ባህሪ’ዩ።ኣብ ገሊኡ ናይ 70ታት ዘኪርካ ርግጽ ሽዑ ምሳኩም ኣሎና ምሳካ ኣናበሉ ላንጋላንግ ባህሪ ዝሃዙ’ዮም ን ኢሳያስ ናብ ቦትኡ መሊሶሞ። «ወረዳኹም ምስ ተጠቅሰስ፡ ቆጭ ቆጭ ኢሉኩም፡» ኢለ’የ ግን ደቂ ወረዳኹም ከምዚ ይገብሩ ኔሮም ዝብል ፍጹም ኣይጸሃፍኩን።ፍጹም ብወረዳ ይኩን ብዓሌት ወይ ባውራጃ መሰረት ሰባት ዘቆናጸብኩሉ ኣዋን ኣይዝከረንን።ኣይባህረይን’ዩ ምኽንያቱ ኣብቲ ኣውራጃ ጥዑያትን ወርዙትን ምህላዎም ኣጸቢቐ ይፈልጥ’የ።ብፍላይ ኣብዚ ታደሰ ዘምጸኦ ዛንታ።እቶም ቆጭቆጭ ኢሉኩም ዝበልኩዎም ብዙሓት ክዓብጡዎን ናብ ታደሰ ጸርፍን ወቐሳን ምሰብዝሑ ዚበልኩዎ’ዩ።ምኽንያቱ ከይንዛረብ ከይንጽሕፍ ከይንበልዕ ምስ ቤተሰብ ይኹን ወዲ ኦኣድና ቀሲና ንኸደሉ መሰል ተነፊጉና ኣብ ኦኣድና።ኣብ ኣኤውሮፓ ናቱ ዝከኣለ መሰላት ዘለዎ ግን ብምፍርራህ ኮነ ብወቐሳ ርእይቶ ሰብ ምኩላፍ ጽቡቅን ቅኑዕን ስለዘይኮነ’የ፡ሕጂ’ዶ ቖጭቆጭ ኢሉኩም ዝበልኩ።ምኽንያቱ ከምቲ ዝበሉኩካ ኣይኮነን ወዲ ኦኣዲ ሰብ ኪዳን ዚፈላሊ ፕሮፖጋንዳ ይኹን ናይ ማሕበረ ኮማት ዘረባን ናይ ቡን ዕላላት ብዛዕባ ኣውራጃውነት ይዝረብ ስለዝነበረ።እቶም ቆጭቆጭ ይብሎም ዝበልኩዎ፡ነቲ ታደሰ ዝበሎ ዳርጋ ኣይነበረን፡ህግ መሰረት ገይሮም ከም ኡ ዚነበሮ ውድብ ኣይኮነን….ትም በል፡ሚስጢር ኣይተውጽእ፡ወይ ከም ኡ ምኳኖም ኣቐዲሞም ስለዝተቃለሱ ህግ ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ግዜ ትዛወር ስለዝነበረት…እንታይ ኣበስ ኣደስ ስለዝበዝሀየ ዝበልኩዎ።እወ ገለ ሰባት ናብ ካልእ ክብሉዎ ዘየሰክፎም ናብ ርእሶም ምስመጸ ግን ኣበሰቀደስ ዘብዝሑ ኣለው።ሓደ ሰብኣይ፡ኣብ ሃንቲ ከተማ ዚግበር ዚነበረ ጸይቂ ከም ሃገሩ ይወቅስ ይጸርፍ፡የማርር ኔሩ።ድሕሪ ክንደይ።ወድኻ ምስቶም ጸየቕቲ ኣሎ ምስተባህለ፡ኣይፋሉን ወድይ ከም ኡ ኣይገብርን፡ብስነስሮኣት ዞኣበየ፡ኣከለ ከማን ወድካ ጥዑይ’ዩ ኢሉኒ፡ንእከለ ሕተቱ፡ገዛ ክ ኣቱን ከውጽእን ድምጹ ዘይስማዕ፡ኣርኑብ…….ኢሉ ኮለል ኣብዚሑ።ኣነ ከም ኡ ዚበልኩዎም ከኣ ነቶም ነዚ ኦኣይነት ጽሑፍ ዚጸሃፉ’ምበር ንህዝቢ ይኹን ንወረዳ ኣይጠቐስኩን።ግን ንስካ በቲ ቃላት ናይ ምብዛሕ ባህርካ ኣባዚሕካ ናብቲ ናትካ ኣረኣኣያ ጠዊካ ናብ ምጽራፍ ኣቲካ።ኣነ ተወልደመድኅን ሽመይ ሃቢ አ ኣይኮንኩን ዝጽሕፍ ዘለኹ ኣነ ተወለደመድኅን’የ።ጽሑፈይ ኩሉ ሰብ ስለዘንብቦ እንተኪኢለ ጥንቕቕ ዚበለ’የ ክጽሕፍ ዝደሊ፡ግድን ከኣ ንዓይ ጸገም ዘይብሉ ክከውን ይኽእል ከምዚ ከማካ ቃላት ናይ ምጥምዛዝ ክእለት ዘለዎም ከኣ ይፈርዱኒ፡ይንጹሉኒ፡ከምቲ ዚበልካዮ ምስ ኦኣያሹ ይጽብጽቡኒ።ንስካ ግን ሽምካ ሃቢእካ ኢካ ትጽህፍ ዘሎካ።ስለዚ ነቲ ዘይት ኣምኖ ስግንጢር ዚኾነ ባህርካ ከይፍለጥ።ሕጂ’ውን ደጊመ ዚብለካ ብዘይካ ቆጭቆጭ ኢልኩም ካልእ ንከባቢ ዝትንክፍ ይኹን ነቶም ታደሰ ዚጠቐሶም ሃለፍቲ ዝትንክፍ ፍጹም ኣይትረክብን ኢኻ። ነቶም ኣብ ሜዳ ኣንታይ ይግበር ከምዘሎ ዘይፈልጡ ኣናብስ ከተማታት ኣኤውሮጳን ኤሜሪካን ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ዚብሉን ነቶም ሽሞም ሃቢኦም ታሪኽ ኪዓብጡ ዚደልዩ።ደቂ ኦኣደይ ይኹን ደቂ ካልእ ቆጭቆጭ ኢሉኩም ኢለዮም።……….ንልቢ ክኾነካ ግን፡ ሕጂ ብድበድቡ፡ኢሰያስ፡ ኣብ ጸጥታን ቁጠባን ሓለዉቱን ደቂ ኣከለ ዝበዝሕዎ፡ ኣብ ሰራዊት ድማ ደቂ ሓማሴን ዝበዝሕዎ ጀነራላትን ሓለፍትን እዩ ገይሩ…..እዚ ኣገባብዚ ንዓይ ዘሕምም ኣይኮነን።ንዓካ ነዚ ወዲ ከምዚ ሃሰስ ትብል ዘሕምም’ዩ።ኣነ ዝፈልጦ ኣብ ኣኤርትራ ሕማቕ ኩነታት ፍጹም ክትገልጾን ሽም ክትህበሉ ዘይከኣል ጸገም ከምዘሎ ይፈልጥ።እቲ ንሱ ዝጥቀመሉ ሜላ ከኣ ኩሎም መራሕቲ ጸይቂ ዝኾኑ ኦሉላት መል።አኽቲ ዚትቀምሉ’ዩ።ኢሳያስ ብደም ዝህተት፡ካብዚ ኣብ ሜዳ ዝተቐንጸሉ፡ኩናት ናይ ባድመ ሰበብ ዚተሰው ኡ፡ብዘይጠቅም ምኽንያት ዝተረሸኑ….ካላን ዚኣመሰሉ ገበናት ኣብ ዘመነ ግዝ ኣቱ ዝተፈጸሙ ሰለዝኾኑ ብደም ዝሕተት’ዩ።እዚ ከኣ ኣጸቢቑ ይፈልጥ’ዩ።ስለዝኾነ ብዘይካ ብጥይት ስልጣኑ ገደፈ ማለት ዘበት።ክሳብ ዚኾነ ዚከውን ባውራጃን፡ብዓሌትን ሃይማኖት፡ብስልታን፡ከምቲ ዝገብሮ ንገለ ብካሮት ንገለ ብዱላ ገዛዚዑ መዓልቱ የናውህ።ነዞም ዝበልኩዎም ንምግባር ከኣ ቅሩባት ኢና ኤርትራውያን።…….ኣብ መወዳእታ ዝጸሃፍካዮ ብፍላይ ካብ መበል 12 መስመር ንደሃር ዘሎ ጽሑፍ ይሰማማዕ’የ ምሳኻ።………ናተይን ናትካን ናይ ታደሰን ቃልሲ እምበኣር፡ ነዚ ኩፉእ ዘርኢ እዚ ምምሓዉ እዩ…..ነዚ ኣረኣእያዚ ይሰማማዓሉ’የ።እቲ ኩሉ ጽሑፈይ ከኣ ነዚ ክፉእ ንምምሓው ከምዚ ዚኣመሰለ ታሪኽ ፈሊጥና ነቲ ሕሙም ቀሊዕና እምበኣር የጋግዩና ኔሮም’ዮም ተባሃሂልና፡ግሉጽነት፡ምትእምማን ፍቕሪ ምክብባር ምእንቲ ክጅምር’ዩ።ኣብ ብዙህ ጠቒሰዮ ኣለኹ።ከም ሃገርን ህዝብን ቀጻልነት ክህልወና፡ፈለማ ምትእምማን የድልየና፡ካብ ምትእምማን ምክብባርን ፍቕርን ይውለድ፡ካብዚ ከኣ ተኣማሚና ንቕድሚት ክንቅጽል ንኽእል ዝብል ኣስፊረ ኣለኹ።ገለ ካብ ሕሉፍ ጽሑፈይ፡ኣህፊሮምና፡ኣዋሪዶምና ክብሉ ኔሩዎም ዝብል ኣሎ።ኣዚ ከኣ እቶም ናይ ውድብ ፖለቲካ ተሸኪሞም ንዘየሎ ከም ህሉው፡ንዘይተሰርሐ ከምዘይተሰርሐ ንምግላጽ ቃላት ናይ ምጥውዋይ ክእለት ዘለዎም ተባሂሎም ተሓርዮም ናብ ህዝቢ ዚመጹ ካድረታትን እቲ ነዚኦም ዚለኣካ ኣገባብን’የ።ነቶም ታደሰ ዚጠቐሶም ሰባት ኣይኮኑን በዲሎም ኣጋግዮም ዝበልኩ።ርግጽ ገለ ሃላፍነት ዚነበሮም ከኣ ነቲ ዝግበር ጌጋ ቅጭጭ ከይበሎም ካብ ቤተሰቦም ጀሚሮም ዝወደቡ’ለው።ኣብ መወዳእታ ክብለካ ዝደሊ ስራሕ ቆሎዓ’ኳ እንተመሰለ፡ኣቲ ኣነ ዝጸሃፍኩዎ ብናትካ ኣረኣኣያ፡ብናትካ ሚዛን መዚንካ ናብ ካልእ ኣሽሪፍካዮ’ምበር ኣነ ዝበልኩ ንቕድሚት ምእንቲ ክንቅጽል ሕሉፍና ንፍለጥ፡ካብዚ ከኣ ምትእምማን ይፍጠር።ንዝውለዱ ዘለው ዚብድል ነገራት ሃቢእካ ዓባቢጥካ ምኻድ ንገለ ኣዋናት ጽቡቕ ዝገበርና ክመስለና’ዩ ደሃር ግን ነገር ክጽወኦኣልና ስለዝኾነ፡ነዚ ዝረአ ዘሎ ለውጢ መሰረታዊ ለውጢ ኮይኑ ካብ ሃበሽ ተባሂልና ከም በኦኣለገን ድርባይ ኦኣሌት ተቆጺርና ንዋረደሉ ዘሎና ኩነታት ወጺኢና፡ርእስና ክር ኣቢልና ኣነ’ኮ ሃበሻ’የ ንብለሉ ዘተኣማምን ኩነታት ንምብጻሕ’የ።ስለዚ ነዚ ኩሉ ጽሑፈይ ኣጸቢቕካ ኣንብቦ።ክተንብቦ ከሎካ ድሕሪ ድቃስካ ክከውን ኣለዎ።ካብ ስራሕ እትው ኢልካ እንተንቢብካዮ፡ኣቲ ንስካ ትብሎ ጥራሕ’ዩ ክስዕረካ፡ኣቲ ኣነ ዝብሎ ኣይርደኣካንዩ።ስለዚ በዚ ዕገብ፡ዘዮኣገብካ ካብዚ ዝጸሃፍኩዎ ቃላት ኣውጺኢካ ጠዋዊካ ከምዚ ኢኻ ትብል ዘሎካ እንተወሲካ፡ዝበለካ የብለይን”ብዘይካ ምሕረት የውርድ።ጽሑፈይ ንዝርደኦ ወይ ክርዳእ ንዝደለ ግሉጽ’ዩ።

    • MightyEmbasoyra November 26, 2013

      Ato ባዉላይ ክፍላይ,
      Unless I am mistaken, I think you misunderstood the articles main point. What he was talking is about specific people were assigning higher positions to the people they know (from their village or surroundings). He also mentioning that they (those specific individuals) were not even willing to include anyone from other parts of Hamassien.
      I agree with you, if the blaming game started, you can only blame those individuals – which in this case are the generals/colonels. Even if my brother did something bad, you can’t blame me at all. What did I do?
      I also agree with you that Isayas never cares about anyone but himself. He was just using those generals. I am sure he tells to the other individuals in the internal affairs “not to trust those Harestot generals/colonels”. He has been playing them all along. By the way, his wife is from Akele and this supports your reasoning of not being wegenawi. If anyone call Isayas wegenawi – may be it is to the people of Tembien (like Kisha), not to any Eritrean region. He doesn’t give a damn about Eritrea. Period.
      So, when someone is talking about individuals (just happen to be from karneshim), no one should blame the people of karneshim. HGDF is killing/torturing/selling organs/every criminal activities with equal force and magnitude to the whole Eritrean people.
      Just my two cents.

      • ባዉላይ ክፍላይ November 26, 2013

        dear MightyEmbassoyra,
        Thanks for the insight. I never knew Isaias’s wife was from Akele; i heard once that she hails from across mereb, like wedi kasa etc, and that was what i believed. But my point is exactly what you are saying. The blame game started or not, individuals are individuals. Let’s assume that 100 or 200 or 300..you go up..of the tegadelty whom Isaias gave merah haili, botoloni, birged etc were from one region, how on earth are these people supposed to represent the half million or 300,000 who live in that specific region? They don’t. Individuals are individuals. And it is important to remember that that also opens pandora’s box. That would take us to Jebha and we would dissect Jebha through that religious line and hold some regions accountable because they were relatively represented highly in the leadership. That would consequently take us to 50s and 60s and the same. It would just beget chaos after chaos. So we need to be careful otherwise consciously or sub-consciously we will be instigating hatred. Lets also not forget how our society works. Even when you go down to families, there are even now who forcibly drive two lovers or husband and wife to divorce simply because they happen to be from two different regions. That is the reality. The truth. I am not point fingering at no one. The tigre’s (lowlanders) have had that; the kebesa’s have had that. That is enough division. At this juncture, what we should be focusing on is healing the nation; acknowledge the damage done to close families from every corner Eritrea by this barbaric regime. I say families not regions. When isaias wrote nihinan ilamanan and campaigned for it, he was accusing jebha of killing kebesa. so he played the religion and region card. And what ensued after that is history. BLOOD. For me, irrespective of the number, be 2 or 200 or more, it was not the muslims killing christians; it was not either the lowlanders killing the highlanders. It was just Jebha leaders killing new revolutionaries from universities. This is exactly the same; replica if you will. Because Isaias instigated that hatred, we still are haunted by it. We should not repeat it. History my brother…history. Thanks for you brotherly comment.

  • negassi November 25, 2013

    Thank you Taddese tell the truth. We can only build Eritrea when every one understand the problem. There is an amhara saying ” Yewega biressa Yetewega airessam ” Forget those who doesn’t what to listen the truth that has creat disharmony among the people. It is not only Isaias who is doing the nasty things, there are many who pray for unity but doing everything against unity of the people. There is no Eritrean unity without unity of Eritrean people. We must understand that there is no permanent problem among the people they are the same by all counts but INEQUALITY AND INJUSTICE by the regime is the cause.

  • marsa November 25, 2013

    Tadese
    Please do not try to poison our people in the name freedom of speech. I am former Eplf tegadaly every thing you write it is wrong it is the opposite way may be you or few people like where this kind wegenawi problem you are writing your feelings. My question to you is if Eplf was regional organization how did he succeeded against all odds.

    • MightyEmbasoyra November 26, 2013

      Marsa,
      Simple. Because it was “No mention of your village/town rule”. So, no one know who is from where, till too late. If you call anyone wegenawi,it is EPLF. Now we know. You can’t call anyone who tells what’s was going on wegenawi. It is in your eyes. Take a look at the generals. Tell them wegenawian. Why is everyone try to blame others. Call a spade is a spade.

    • ተወልደመድኅን November 26, 2013

      ታደስ ከምዝበሎ ንርዳእ እንተኾይና፡….ድሒሮም ክጋደሉ ዚመጹ እዚ ወዲ ዓዲ እክለ ወደ’ቦይ እክለ፡እቲ ሃዊ እክለ፡እቲ ወዲ ጎደቦና ሓዋ ንሰይቲ እክለ እንድዩ ስለዝብሉ በዚ ፈሊጥናዮም መበቆል ዓዶም ኢሉ።ነሱ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ መጽናዕቲ መበቆል ዓዶም ኣየካየደን።ከም ኣዘናትዋኡ ነዚ ክገብረሉ ዝኽእል ምቹእ ኩነታት ከምዘይነበረ ይገልጽ’ዩ።ኣብ ህግ መበቆል ዓዲ ምንጋር ዘይኮነ፡ብዛዕባ ኣብ ዓድኻ ዝረኣኻዮ ምዝራብ ወገነንት ኣውራጅውነት’ዩ።በቲ ይኹን በቲ ግን ብሰንኪ መራሕቶም ዘይቅሱናት ወይ ኣብቲ ዝተሓተ ደረጃ ዚነበሩ ደቂ ዓዶም ስለዝነበሩ ብግብሮም ተቖጢዖም፡ከምዝፈልጡዎም’ሞ ዚነበረ ኣተኦኣባብያኦም ስለዝዛረቡ ይፍለጥ’ዩ።ኩሉ ኣብ ቁጽጽር ውዒሉ እንተተባህለ ብገለ መዳይ ይወጽእ’ዩ’።ስለዚ ታደሰ ኣብቲ ዚነበሮ’ምበር ኣብቲ ውድብ ከምዚ ኔሩ ኣይበለን።ምኽንያቱ ንሱ ኩነታት ውድብ ከጽነዓሉ ዘይክእል ኣብ ማዕቡጥ’ምበር ኣብ ቅሉዕ ቦታ ኣይጸንሐን።ጸኒሑ ኔሩ ኣንተዝኸውን ቀደም ናይቲ ውድብ እንታይነት ምተረኸልና።ኣብቲ ውድብ ከም ኡ ኣይነበርን ንዝብል ሕቶ ግን ንስካ ንባዕልካ ህግ ኔርካሉ’ምበር ኣይትፈልጦን ኢኻ ማለት’ትዩ።ውድብ ክበሃል ኣብ ምሉእ ኤርትራን ክሳብ ወጻኢ ተዘርጊሑ ዚነበረ ኣሰራርሓ’ዩ።ኣብቲ ግዜ’ቲ ሓደ መራሒ መስርዕ ይኹን መራሒ ጋንታ ወይ መራሒ ሃይሊ ዝገብሮ ሕማቕ ነገር ዘጋልፅ መራከቢ ብዙሃን ይኹን ሕጊ ኣይነበረን።ዝተበደለ ዚጠርዓሉ መጋባእያ ኣይነበረን።ውድብ ህግ ከምቲ ዓበይቲ ዓሳታት ንናእስቱ ኣብ ትሒቲ ቐላይ ሰማዒ ዘይብሉ ዝበልዕሉ’ዩ።ኣብ ህግ እቲ ሃያል ድላዩ ዊን ዝበሎ ይገብር እቲ ድኹም በኽዩ ተበዲሉ ጉህዩ ወይ ከኣ ንብዓቱ ሓንሲሱ ባዕሉ’ዩ ዝጸናናዕ።ንዝተበደሉ ዘጸናንዐ ወይ ናብ ኦም ዝቐረበ’ኳ ንስካውን ተደናጋጺ ናቱ ኣረኣእያ ዘሎካ ተባሂሉ ዝንጸለሉ ዝጽረፈሉ ፡ጽጋባታት ዝዕንድርሉ፡ኣኳ ሰባት ንብድል ኣሎና፡ዝቕየሙ ዘጉሃናዮም ክህልው ይኽእሉ ዘይበሃለሉ፡እቲ ኣብ ግንባር ዘሎ ውጹዕ ዝገበሮ ኦኣወት ኦኣወቶም ገይሮም፡ዝተኦኣወቱዎም’በር ዝገብሩዎ ጌጋ ዘይጥምቱ’ዮም።እስከ ሰማይ ሃገርካ ኣብ ህግ ብዘይካቲ ወተሃደራዊ ሕጊ ኣየናይ ህጊ ኔሩ።እቲ ዚነበረ ጽቡቕ ድሌት ዝሓዘለ ምቅሉል ባህሪ’ዩ።እቶም ወጻዕቲ ንብሎም ዘሎና ነዚ ተጠቂሞም ይጻወቱ ኔሮም።ስለዚ ኣውራጃውነት ኣይነበረን ክትብል ትኽእል ኣንተኾንካ፡ምትእምማን ኔሩ ማለት’ዩ።ምትእምማን ኔሩዶ።ኣይነበረን።ገለ ኣዳዕዲዖም ከምዝበሉዎ ኣብ ውድብ ህግ ንብጻይካ እምኖ ግን ልብካ ኣይተውድቐሉ።ልክዕ ናይ ኢሳያስ ኣሰራርሃ ከምዚ’ዩ፡ብጻይካ ሺሕ እንተኣምንካዮ ኩሉ ግዜ ሰልዮ።ስለዚ ኣበይ ኣሎ እቲ ትብሎ ዘሎካ ማርሳ።ካልእ ኣብቲ ውድብ ብካልእ ወገን ልክዕ ከምዚ ታደሰ ዝብሎ ዘሎ ይግብር እንተነበረ ሽዑ በየናይ ኣገባብ ክትሰምዖ ደሊኻ፡እንተነበረ’ውን ሃንጎልካን ኣተሃሳስባካን በቲ ናይ ተፈጥሮ ጸገም ወይ በቲ ፍልስፍና ተሓጺቡ ስለዝነበረ ትሰምዖ ዚነበርካ ትግደሰሉ ኣይነበርካን።ወይ ሰሚዒካዮ እንተነበርካ፡ኣብ ከባቢካ ዝግበር ዘሎ ዘይምግዳስ፡ነቲ ዝግበር ክተጣልል ኣብዘይምልከተካ ዘይምእታው፡ዚምልከቶም ስለዘለው ንስካ ግቡእካ ዝተወሃበካ ግበር ዝብል ከየተስተውዕል ከይትርዳእ ወይ ሕቶ ኣቕሪብካ ምላሽ ከይትጽበ ዝገብር ኣሰራርሃ ጽቡቕ ገይርካ ተማሂርካዮ ወይ ኣጽኒዒካዮ ስለዝጸናሕካ ነቲ ትሰምዖ ካብ ሰሚዒካ ምሕላፍ ትግደሰሉ ኣይነበርካን።ስለዚ ከምቲ ንስኻ ንታደሰ ትብሎ ዘሎካ ኣይነበረን ትብሎ ዘሎካ፡እቲ ንስካ ትንየተሉ ዘለኻ ኣገባብ’ውን ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣይነበረን፡እቲ ዚነበረ ሰባት ኪኢሎሞ ወይ ሸለል ኢሎሞ ጥራሕ’ዮም ዝከዱ ኔሮም።ክትፈልጦ ዘሎካ ዝረኣኻዮ ከይትዛረብ፡ዚሰመዓካ ከይትገልጽ ወይ ኣንተገሊጽካ ትዋረደሉን ትጽረፈሉን ኩነታት ስለዚነበረ እቲ ኩሉ ዝግበር ዚነበረ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክመሃላለፍ ኣይክእልን።ፍለጥ እቲ ክሳብ ምዝላቕ ዚነበረ ሰራዊት ህግ ንቑሕ ማለት ካብ ከተማ ሒዙዎ ዚመጸ ምዕቡል ዓቕምን ፍልጠትን ኔሩዎ።ድሕሪኡ ብፍላይ ካብ 80ታት ንደሃር ዚነበረ ሰራዊት ስሚዒቱ ቀቢሩ፡ናይ ሃለፍትን መራሕትን ቃላት ኪደግም ዚውዕል ዚነበረ’ዩ።ስለዚ ነቲ መደረኽ ብመድረኽ ዝቀያየር ዚነበረ ውድብ ከምቲ ኣብ 1976 ዚነበረ ምዕቡል ኣተሃሳስባ ዚነበሮ ኣይትገምቶ።ኣነ ከምዝርደኣኒ ኣብታ ዚነበርካያ ገሚትካ ነቲ ውድብ ትመዝኖ ኣሎኻ፡ታደሰ’ውን ነቲ ዚነበሮ ጥራህ ስ ኢሉ ነቲ ውድብ ኣይገለጾን።ንሱ ኣነ ከምዚ ርእየ እዚ ይፈልጥ ክብል ከሎ ካል ኦት እቲ ኣሰራርሃ ህግ ኣብ መዓንጣ ከብዶም ሰፊሩ ክሳብ ሎሚ ምውጻእ ኣብዩዎም እምበር ክንደይ ኣለው ካብቲ ታደሰ ዚበሎ ዝኸፍእ ዚፈልጡ።………………..በል በቲ ኣሰራርሓ’ቲ ዘይሕጉሳት ዚነበሩ ኣብ ነጻነት ጥራሕ ንብጻሕ እናበሉ ክሳለዩ ዝጸንሑ ኣብ ነጻነት በጺሖም፡ገሊኦም ብህግደፍ ተጸልጺሎም ገሊኦም ከኣ ሕጂ እቲ ውድብ ናበይ ገጹ ከምዝከይድ ክንርእዮ ኢና ብምባል ሰላሕ ኢሎም ወጺኦም፡ውጺኢት እቲ ምግዳፍ’ቲ ከኣ ህግደፍ ብዘይካ’ቶም ዕሉላት መራሕቱ ካልእ ተመኩሮ ዘይብሎም ጎየይቲ’ምበር ዘይፈጸምቲ ሒዙ ን ኤርትራ ናብ ዓዘቕቲ ነቒቶማ ይርከቡ።…..ዝላበወካ፡ኣዚ ዘሎናዮ ኩነታት እቲ ቅድሚ ዒይስራ ዓመት ዝተገብረን ሽዑ ዚተፈጸሙ ነገራት ዝፈጠሮ’ዩ።እቲ ቅድሚ ዒይስራ ዓመት ዝተገብረ ከኣ እቲ ቅድሚዑ ዚነበሩ ስረሃት ዝፈጠሮም’ዮም።ንሱ ውጺኢት ስረሓት ኢዩ፡ውጺኢት ስራሕ ከኣ ባህሪ ሰባትን ክእለት ሰባትን ዚፈጠሮ’ዩ።እዚ ሎሚ ኣብዚ ሕማቅ ኩነታት ንሱ ንሕና ንሕና ንሱ ዚብል ኣዘራርባ’ምበኣር ሎሚ ዚወጸ ቅዲ፡ኣብዘን ናይ ዒይስራ ኦኣመታት ዚማዕበለ ዘይኮነስ ናይቲ ሱር’ቲ ቀደም ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝተተኽለ’ዩ።

Post a Reply to Zaul Cancel Reply