Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ – ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም)

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም                      7ይ ክፋል         16/11/2013  ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     7ይ ክፋል         16/11/2013 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

 ኣብ 6ይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፣ ብዛዕባ’ቲ ብጸጋይ (ከኒሻ) ዝተዋህበና ልቢ ዝርስርስ ናይ ተራድኦን ህዝባዊ ባይቶታትን፣ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ከመይ ኢልና ናብ ማሕበርነታውን ማዕርነታውን ስርዓት ከም ንኽይድ ዝሕብር ፖለቲካዊ ትምህርቲ ገሊጸ ነይረ። እቲ ናይ ህዝባዊ ባይቶ መዓልቲ ድማ ናብ ህዝባዊ ሓዘን ከም ዝተቐየረ ኢየ ሓቢረ። በዛ ትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ድማ ኢየ ተፋንየኩም።

“እዋኑ ክራማት 1978 ኢዩ። ገና ሓዘንና ከይወዳእና ድማ ምዝላቕ ካብ ዞባ ደቡብ ኣርከበ። ብኸምዚ ድማ ሕቶ ህዝባዊ ባይቶ ተሪፉ፣ ኩልና መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን (ቀያሕቲ ዕምባባ) ተሰሪርዕና ጉዕዞ ንዓላን ዓሊ-ገደን ተተሓሒዝናዮ።”

ኣስዒበ ብመንጽር’ቲ ሒዘዮ ዝወጻእኩ ማዕርነታዊ ትጽቢት ኣብኡ ዝጸንሓኒ ቀዳምይ ገጽ ናይቲ ፖለቲካውን ወታደራውን ሃዋህው ክገልጽ ኢየ።

…. ይቕጽል

ማሕበርነታዊ ኣተሓሳስባ ሰኒቐ ኢየ ኣብ ህ. ግምባር ተሰሊፈ

ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ግንባር ከም ተጋዳልይ ክጽንበር ከለኹ እምበኣር፣ ኣውራጃዊ ይኹን ዝኾነ ካልእ ፍልልይ ዘይኮነስ፣ ማዕርነታውን ማሕበርነታውን ኣተሓሳስባ ተዓጢቐ፣ ነቲ ናብኡ ንኸይንበጽሕ ዓጊቱ ዝሓዘና መግዛእታዊ ሓይሊ ‘ክድምሰስ ኣለዎ’ ዝብል ኣተሓሳስባ ስነቐ ኢየ ተሰሊፈ። ኣብቲ ካብ 10 መዓልቲ ዘይሓልፍ ናይ ሰለሙና ወታደራዊ ታዕሊም ይኹን፣ ኣብቲ ካብ ድፋዓት ዓዲገብሩ ክሳብ ግንባር ናቕፋ ዝተገብረ ትንፋስ ዘይህብ ጽዕጹዕ ወታደራዊ ግጥማት፣ ቀደም ዝፈልጦም ዓበይቲ ደቂ ዓደይ ሓለፍቲ ኮይኖም ክጸንሑኒ፣ ኩሉ’ቲ ዝሓለፉዎ ጽቡቕን ሕማቕን ተመክሮኦም ኮፍ ኣቢሎም ከዕልሉንን፣ ካብቲ ሕማቕ ክመሃር፣ ነቲ ጽቡቕ ክስዕቦ ሕውነታዊ መኽሪ ክልግሱለይን ዘይበሃግኩ ኣይኮንኩን።

ከም ገለ ምስቶም ብሓባር ዝዓበና (ናይ ሽዑ ተጋደልቲ) ኣብ እንራኸበሉ እዋን፣ “በዓል መን ረኺብካ? መን ኣበይ ኣሎ? በዓል መን ተሰዊኦም?” ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ቀልጢፎም ኢዮም ዝመጹ። ኣብታ ኣዝያ ሓጻር’ውን ትኹን፣ እታ ግዜ ተፍቅደልና ሓበሬታ ተለዋዊጥና ክንፈላለ ከለና፣ “በል ከይንሓምቕ፣ እዞም ኩሎም ዝተሰውኡላ ሃገር ኣባና በጺሓ ከይትኽሰፍ” ተባሃሂልና ንፈላለ።ካብቶም ቀደም ዝተሰለፉ ደቂ ዓደይ፣ መተዓብይተይ ወይ መማህርተይ ክብ ዝበለ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ብኣካል ዘይምርካበይ ድማ ኣብ ኩሎም ገዳይም ተጋደልቲ ዝበጽሐ ዕጫ ኮይኑ ይስመዓኒ ነይሩ። ስኽፍታ ግን ነይሩኒ።

እቲ ናይ ምዝላቕ ውግኣት ዕረፍቲ ኣይነበሮን፣ ሓደ ክስዋእ ካልእ የርክብ። ሓደ ውግእ ድሕሪ’ቲ ካልእ ይስዕብ። ህጁማት ጠጠው ክብል ከሎ ናይ ሞርታራት ቡምባ ከም ማይ ይዘንብ። መሬት ብነፈርቲ ይቃጸል። ኣብ ጎንኻ ዝነበረ ብጻይ ዝጀመሮ ዕላል ከይወድአ ብጥይት ይምንጠል፣ ወይ ኣካላቱ ብጁላታት ይጅላዕ። ኣጆኻ ክብለካ ዝጸንሐ ንባዕሉ ጻሕ ኢሉ ክወድቕ ትርእዮ። በዚ ኩነታት’ዚ ድማ ምሉእ ኣቓልቦኻ ናብቲ ኲናትን ሳዕቤናቱን ይጽመድ። ብዛዕባ ጽባሕ ምሕሳብ ዝከኣል ኣይኮነን። ብዛዕባ’ታ ሽዓ እዋንን፣ ብዛዕባ’ታ ዘለኻያ ግዜን እንተዘይኮይኑ፣ ብዛዕባ ካልእ ግዜን ካልእ ቦታን ምሕሳብ ካብ ሓንጎል ተጋደልቲ ካብ ዝርሕቕ ነዊሕ ኮይኑ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ከኣ 2ይ ወራር ኣብ 1978፣ 3ይ, 4ይ, 5ይ ወራር ድማ ኣብ 1979 በብሓደ እናተተኻኽአ  ሓሊፉን ብዙሕ ህይወት ተማሊኡን ከይዱ። ድሕሪ’ቲ ብዕለት 2 ታሕሳስ 1979 ዓ.ም. ህዝባዊ ግንባር ተበግሶ ወሲዱ ነቲ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዓሪዱ ዝነበረ ናይ ጸላኢ ሰራዊት ጸራሪጉ ኣፍዓበት ምስ ኣብጽሖ ጥራይ ኢዩ ንመጀመርያ ግዜ (ድሕሪ ምዝላቕ) ተጋዳላይ ራሓት ረኺቡ ኣብ ተዛማዲ ሰላም ዝኣተወ።

ሀ. ኣስማት ሓለፍትና ፈሊጥና፦

ኣብቲ ዝተረኽበ ግዝያዊ ተዛማዲ ናይ ሰላም እዋን (1980ን 1981ን) ከኣ ኢና ኣስማት ናይቶም ካብ ብርጌድ ጀሚርካ ክሳብ መራሕ ሓይሊ ዝነበሩ ሓለፍቲ ክንፈልጥ ዕድል ዝረኸብና። ኣብቲ እዋንቲ ዝለዓለ ኣወዳድባ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ብርጌድ ኢዩ ነይሩ። እታ ኣነ ዝነበርኩዋ ድማ ‘ብርጌድ 51’ ትበሃል። ሓላፊኣ ዓሊ ኢብራሂም ኢዩ። ሰለስተ ቦጦሎኒታት ድማ ነይረንኣ። ቀዳመይቲ ቦጦሎኒ ብሚካኤል ጊለን ሓድሽ ኢፍረምን ትምራሕ። ካልኣይቲ ቦጦሎኒ ብመሓሪ ጸገዳይን ኣብርሃም ዓንዶምን (ዓፋን) ትምራሕ። ሳልሰይቲ ቦጦሎኒ ብጃበራ ሑመድን ገብርሂወት ዘሚካኤልን (ወዲ ሊቀ) ትምራሕ። እታ ኣነ ዝነበርኩዋ ሓይሊ (ሓይሊ 32) ከም በዓል ሓሰን፣ ወዲ ምርካብ፣ ወዲ ተስፋይ ዝበሃሉ ሓለፍቲ፣ ኣብቲ ኣነ ዝነበርኩሉ እዋን ጥራይ ተቐያይሮም’ኳ እንተኾኑ፣ የማነ በርሀ (ወዲ በርሀ) ግን ኣነ ካብ ዝመጽእ ኣይተቐየረን። ሰባት ካብ ‘3ይቲ ሓይሊ’ ምባል፣ ‘ሓይሊ ወዲ በርሀ’ ምባል ይቐሎም። ወዲ በርሀ ኮሚሳር ሓይሊ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣቦ ናይታ ሓይሊ እውን ኢዩ ነይሩ። ኣኼባ ዝመርሕ ንሱ፣ ህጁማት ዝመርሕ ንሱ፣ ዕላል ይኹን ጭርቃን ዝመርሕ ንሱ፣ ኣቦ ጓይላ ዝኸውን’ውን ንሱ ነይሩ።

ሕጂ’ውን ኣስማቶም ጥራይ እንተዘይኮይኑ፣ መን ካበየናይ ዓዲ ወይ’ውን ካበየናይ ከባቢ መን ክሓስቦ። ብዛዕባ ዓድን መቦቆልን ምዝራብ’ውን ኣብቲ ውድብ ‘ነውሪ’ ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑና። ይትረፍ ናይ ካልኦት ዓዲ ምሕታት፣ ዓድኻ ምንጋር’ውን ኣብ መንጎ ዕላላት ተኣሳሲሩ ዝመጽእ እንተዘይኮይኑ ኣድላይነት የብሉን። እቶም ብሓባር ንጓዓዝ፣ ሓደ ዝሂወትና፣ ብሓባር ንስራዕ፣ ብሓባር ንበልዕን ንድቅስን ደቂ ሓንቲ መስርዕ’ውን  እንተኾነ መን ኣበይ ዓዱ ዝፈልጥ የለን።

ተጋደልቲ ይኹኑ ሓለፍቲ ክንቀፉ፣ ካብን ናብን ሓላፍነት ክቀያየሩን ክድይቡን ምርኣይ ልሙድ ኢዩ። ብዛዕባ ዓዶምን መበቆሎምን ምሕሳብ ግን፣ ኣብ ሓንጎል ናይ ኩልና ተጋደልቲ ቦታ ኣይነበሮን። ኩሉ ዕላላትና፣ እንመሃሮ ፖለቲካዊ ትምህርቲ፣ ኣኼባታትን ነቐፈታታትን፣ ኣብ ፖለቲካዊ መርገጽን ወታደራዊ ጀግንነትን ዘድሃበ ኢዩ። ሰባት ኣብ ኣኼባታት ዝምቡላት ተባሂሎም ክንቀፉን ክህረሙን ብዙሕ እዋን ርእየ ኣለኹ። ብዙሕ ካብቲ ኣብ ነቐፌታ ዝወርድ ነጥብታት ኣነ’ውን ዝፈልጦን  ዝሰማዕኩዎን ኢዩ። ኣብ ገለ ግን ኣዝዩ ኢዩ ዝገርመኒ። እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ነገራት መን ከም ዘወሃሃዶን ብኸመይ ከም ዝተኣከበን ንምፍላጡ ትሽገር። ኣብቲ ኣሃዱ ብኣካል እናሃለኻ፣ ኩሉ’ቲ ተገይሩ ወይ ተዘሪቡ ተባሂሉ፣ ኣብቲ ኣኼባ ዝወርድ ነጥብታት ጋሻ ይኾነካ። በዚ ድማ ሰማዒ’ምበር ተዋሳኢ ኣይትኸውንን።

ገለ ካብቲ ኣብቲ ኣኼባታት ዝወርድ ነቐፌታታት ካብቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዝረአ ተራ ጌጋታት’ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ገለ ግን በቶም ካድረታት ተዋዲዱ ስለዝመጽእ፣ ነቶም ዝንቀፉ ሰባት ብውሽጥኻ ትድንግጸሎም። ብኣካል ግን ትርሕቆም። ከምኣቶም ዝምቡል ከይትበሃል። እዚ ኩነታት’ዚ ኣብ ገዳይምን ምሁራትን ተጋደልቲ ዝገደደ ኢዩ። ንሳቶም ዘረባ ከይሞልቆም ይፈርሑ፣ ንስኻ ድማ ከምኣቶም ዝምቡል ከይትኸውን ትርሕቕ። ክልተኻ ትፈራራሕ፣ ኣይትዘራረብን። ነጻ ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ ስለ ዘይህሉ ድማ፣ እቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝተዘርበ ነጥብታት፣ ጭብጢ ይሃልዎ ኣይሃልዎ፣ ሓቂ ኮይኑ ኢዩ ዝውሰድ። ከም ሳዕቤኑ ንጹሃት ተጋደልቲ ብመንፈስን ብሕልናን ይህሰዩ። ነቐፌታ ካብ ተራ ማኣረምታ ሓሊፉ፣ ዘዋርድ (humiliate ዝገብር)፣ ብዙሕ እዋን ምስ ዝደጋገም ድማ ዝነበረካ ጠባያት (personality) ዘለውጥ ሓያል መሳርሒ ኢዩ። እዚ ሓደ ካብቲ ኣሉታዊ ጎድኒን ሳዕቤንን ነቐፌታ ኢዩ።

ህይወት ተዛማዲ ሰላም ኣይቀጸለን። እቲ ብኽልቲኡ ወገን ብዙሕ ምድላዋት ዝተገብረሉ 6ይ ወራር ብ15 ለካቲት 1982 ምስ ጀመረ ኢዩ ኩሉ ተጋዳላይ፣ ካብ ተዛማዲ ሰላም ናብ ትንፋስ ዘይህብ ናይ ምትሕንናቕ ውግእ ዝኣተወ። እቲ ኲናት ካብቲ ንዕኡ ተባሂሉ ዝተዃዕተ ድፋዓት ወጻኢ፣ ኣብ ቃልዕ፣ ድፋዓት ዘይተገብረሉ ቦታታት ስለዝተኻየደ፣ ነዊሕ ግዜን ብዙሕ ሰብን በሊዑ ኢዩ ሓሊፉ። ኣነ’ውን ኣብቲ ብስም ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ (የቀይ ከኮብ ዘመቻ) ዝተጀመረ መጠነ ሰፊሕ ኲናት (6ይ ወራር) ዘፍ ምስ በለ ኢየ፣ ካብቲ ኣብቲ ውግእ ዘጋጠመኒ መውጋእቲ ሓውየ ዝተመለስኩ።

ብርጌድና (ብርጌድ 51) ኣብቲ ሓድሽ ዝተኸፍተ ጸጋማይ ግንባር ናቕፋ፣ ጎዳጉዲ ክትኩዕት ኢየ ኣርኪበያ። ማእከላይ እዚ ናይቲ ብርጌድ ኣብ መንዳዓት ኮይኑ፣ ቦጦሎንና (ቦጦሎኒ 3) ንስሙር ግንባርን ቦሊቦልን ዝበሃል ቦታታት ትቀጻጸር። ሽዑ ‘ብርሃነ ጸሃየ’ ዝበሃል መራሕ ብርጌድ ምስ ዓሊ ኢብሪሂም ተመዲቡ ነይሩ። ሓይልና (ሓይሊ 32) ነቲ ‘ማይ ብኻላሽን’ ዝበሃል እንኮ ዝስተ ማይ ዘለዎ ቦታ ተቖጻጺራ፣ ኣብቲ ‘ስሙር ግምባር’ ዝበሃል፣ ናብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ኣጸቢቑ ዝኣተወ ቦታ ሒዛ ኢያ ጸኒሓትኒ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ “ነብሲ ወከፍ ብርጌድ ናይ ገዛእ ርእሳ ሃንደሳ ክህልዋ” ስለ ዝተደልየ፣ ካብ ነብሲ-ወከፍ ሓይሊ ሓሓደ ሰብ ተሳሒብና። ኣብ ጠናስ ዝበሃል ኣብ ከባቢ ናቕፋ (እምባልቆ) ዝርከብ፣ ጥዑም ዝስተ ማይ ዝርከቦ ስንጭሮ፣ ናይ መሃንድስነት ትምህርቲ ወሲድና። ድሕሪ ስልጠና፣ ሓደስቲ ሰባት’ውን ተሓዊሶሙና፣ ብደረጃ ጋንታ ተወዲብና፣ “ጋንታ ሃንደሳ” ተባሂልና ድማ ንኹሉ’ቲ ብማእከላይ ሃንደሳ ናይቲ ውድብ ተዘሪኡ ዝነበረ ነቶግቲ እናዞርና ተረከብናዮ። ብኡ ንብኡ ድማ፣ ጸልማትን ግመን ተጎልቢብና ቅድሚ ድፋዓት እናኣተና ተወሳኺ ነተግቲ ኣብ ምዝራእን ኣብ ምቅይያር ናይቲ ቅድም ዝተዘርአ ነተጉትን ተዋፊርና።

ለ. ቀዳማይ ትዕዝብቲ፦

ብእቲ እዋን 1982/83 ዓ.ም ኮይኑ፣ ህዝባዊ ግንባር ንመጀመርያ ግዜ ብሃገራዊ ጻውዒት መንእሰያት ከሰልፍ ዝጀመረሉ እዋን’ዩ። እዞም ብሃገራዊ ጻውዒት ዝተሰለፉ መንእሰያት ዝኾነ ጉርሒ ዘይብሎም፣ ዳርጋ ኩሉ ዕላሎም በቲ ክስለፉ ከለዉ ዘጋጠሞም ጸገማት ዝተዓብለለ ኢዩ። ኣብ ገለ እዋን መበገሲ ቦታና፣ ኣብ ድሕሪት ማለት ካብ ድፋዓት ፍንትት ዝበለ ስለ ዝኸውን ድማ (ብፍላይ ምሸት) ካብ ቀጻሊ ዋርድያን ምቁጽጻር ድምጽን፣ ብዘይ ስኽፍታ ከነዕልልን ክንስሕቕን ንኽእል ነይርና። ብእኡ መጠን ድማ ምስ ተጋደልትን ሓለፍትን ናይቲ ብርጌድ ክንፋለጥን ከነዕልልን ክኢልና።

ኣብዚ እዋን’ዚ እምበኣር ኢዩ፣ ዕላል ብገለ ምስ መጸ ናይቶም 6ይ ወራር ቅድሚ ምጅማሩ (ኣብ ከባቢ ሕዳይ ከለና) ኣብቲ ብርጌድ (ብርጌድ 51) ዝነበሩ ሓለፍቲ ቦጦሎኒ መበቖል ዓዲ ክንፈልጥ ዝኸኣልና። ዓድታቶም ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ።

1. ቦጦሎኒ ሓደ =  ኣዛዚ  ►ስዉእ ሚካኤል ጊለ (ወዲ ጊለ)  = እምባደርሆ

ኮሚሳር ►ሓድሽ ኢፍረም (ሕጂ ብር/ጀነራል) = ዓዲ ንፋስ

2. ቦጦሎኒ ክልተ = ኣዛዚ  ►ስዉእ መሓሪ ጸገዳይ (ወዲ ጸገዳይ)  = እምባደርሆ

ኮሚሳር ► ኣብርሃም ዓንዶም (ዓፋን) (ሕጂ ብ/ጀነራል = ዛገር

3. ቦጦሎኒ ሰለስተ = ኣዛዚ ►ጃበራ ሑመድ (ሎሚ ኮሎኔል) = ዓዲ-ሹማ (ከባቢ ጊንዳዕ)

ኮሚሳር ► ገብርሂወት ዘሚካኤል (ወዲ ሊቀ) (ሎሚ ብ/ጀነራል)= እምባደርሆ

4. ስዉእ ዓሊ ኢብርሂም ►ኣዛዚ ብርገድ 51 = ካብ ሳሆ፣ ዓዲ-ቀይሕ (ኣከለጉዛይ)

5.  ብርሃነ ጸሃየ   ► እንዳ ደቆ (ኣከለጉዛይ) ኣዛዚ ብርገድ 51 (ድሕሪ 6ይ

ወራር ካብ ሕክምና ምስ ተመለስኩ ምስ ዓሊ ዝጸንሓኒ … ነይሮም።

ነዚ ዝርዝራት’ዚ ክንፈልጥ ዝኸኣልና፣ ገለ ካብቶም ዝመጹና ሓደስቲ መንእሰያት፣ ካብቲ ከባቢ ስለ ዝነበሩ “እዚ እገሌ ዝበሃል ሓላፊ’ኮ ወዲ ዓድና ኢዩ! እገሌ’ውን ኣብዚ ኢዩ ዓዱ…” እናበሉ ብነጻ ከዕልሉ ብምኽኣሎም ኢዩ። ብርግጽ ኣብ እዋን ወይ ድሕሪ 6ይ ወራር ገለ ምቅይያራት ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካብ ሕክምና ደንጒየ ስለዝመጻእኩን፣ ድሕሪኡ’ውን ቀልጢፈ ንናይ መሃንዲስ ስልጠና ስለ ዝኸድኩን፣ ብኡ ንብኡ ድማ ቀልጢፉ ሰላሕታ (7ይ) ወራር ስለዝጀመረን ግን ሕጂ ንኹሉ ዝርዝራት ክዝክሮ ኣይክእልን። ሓድሽ ኤፍረም፣ ወዲ ሊቀን ካልኦትን ግን፣ ገና ኣብ ኣብቲ ዝነበርዎ ቦጦሎኒታት ኢዮም ነይሮም።

ስለዚ ካብቶም ኣብ 1979/81 ኣብ ብርጌድ 51 ዝነበሩ 6 ሓለፍቲ ቦጦሎኒታት፣ ንጃበራ ገዲፍካ (ኣማኒ ምስልምና)፣ እቶም 5 ደቂ ሓደ ከባቢ (ካርነሽም) ነይሮም። እዚ ኣወዳድባ’ዚ ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ናይ ተጋደልቲ ተወፋይነት፣ ደረጃ-ትምህርቲ፣ ግድምናን ካልእን ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ‘ምኽኑይ ይገብሮ ኢዩ’ ዝብል እምነት ሓዲሩኒ ኣይፈልጥን።

ሽዑ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሂወተይ “ስለምንታይ ክንድዚኦም ዝኣኽሉ ተወለድቲ ናይ ሓደ ከባቢ ጥራይ ሓለፍቲ ቦጦሎኒ ክኾኑ ኪኢሎም?” ዝብል ሕቶ ክመላለሰኒ ጀሚሩ። ምስቲ ክስለፍ ከለኹ ሒዘዮ ዝወጻእኩ ሃገራዊ፣ ማዕርነታውን ሓባራውን ኣተሓሳስባ ዝጠዓዓም’ውን ኣይኮነን። እዚ ግን ንበይንኻ ብውሽጥኻ ትሓስቦ’ምበር፣ ምስ ካልኦት እተዕልለሉ ወይ ኣብ ኣኼባታት እትሓተሉ ኣይኮነን። ከምኡ ኢልካ ምሕታት ድማ ብህይወት’ውን ከሕትት ዝኽእል ካልእ ዓቢ ዝምባሌ ኢዩ።

… ይቕጽል

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
42 COMMENTS
  • Harir November 19, 2013

    ከምዝመስለኒ መራሒ ብርጌድ ልዕሊ መራሒ በጦሎኒ እዩ
    እቶም ክልተ መራሕቲ ብርጌድ ጠቒስካዮም ዘለኻ ደቂ ኣከለጉዛይ እዮም ኢልካና ኣብ ትሕቲ ኦም ዘለዉ መራሕቲ በጦሎኒ ደቂ ካርነሽም ኢልካና ስለዚ እቶም ደቂ ካርነሽም ትብሎም ዘለኻ ብቐጥታ ዝመርሕዎምን ዝኣልይዎምን ዝነበሩ ከም ጽሑፍካ መሰረት ደቂ ኣከለጉዛይ ካብ ኮኑ ከመይ ኢልካ ናይ ደቂ ዓዲ ክትብሎ ትኽእል ወይስ እቶም ደቂ ካርነሽም ባዕሎም ተወዳዲቦም መራሕቲ በጦሎኒ ንኹን ኩላትና ደቂ ዓዲ ኢሎም ማዕርግ ንነብሶም ኣጥሚቆሞ
    ብተወሳኺ እምባደርሆ እቲ ዝዓበየ ዓዲ ካብ ኤርትራ እዪ ጥራሕ ዘይኮነ ጎረቤት ኣስመራ ሰለዝኾነ ዝሓሸ ናይ ትምህርቲ ዕድልን ናብ ገድሊ ንምጽንባር ክኣ ጆኦግራፍያዊ ቅርበትን ኣለዎ ስለዚ ምስ ሓንቲ ንዕንጭቑሊት ዓዲ ኣብ ኣከለጉዛይ ዘላ ከተወዳድሮ ኣይትኽእልን እብል
    ናይ መጨረሻ ናይ ሓንቲ ብርጌድ ኣብነት ጥራሕ ወሲድካ ከም ውዱእ ጸብጻብ ከተቕርቦ ኣይትኽእልን ኢኻ ኣብቲ ሰውራ ክንደይ ብርጌዳት ክንደይ ኣባላት ካበየናይ ቦታ መዓስ ዝተጸንበሩ እንታይ ዓይነት ኣካዳሚያውን ፖለቲካውን ብስለት ዚነበሮም ኩሉ ተንቲንካ እሞ መጽናዕቲ ትገብር ድሕሪኡ ዝተበደለ እንተሊዩ ነቲ በደል ኩሉ ዜጋ ክጣበቐሉ እኽእል

  • Zaul November 20, 2013

    To be talking about who had this or that title and from which village or awraja they hailed from is the epitome of foolishnes (lebamat tesainom???).

    If it is a matter of recording history for the afterlife, there is plenty of time and more qualified historians to do the work properly. In this stage of our history, it’s a matter of survival for our people (especially the Kebessa).

    Call home to your village and Awraja, ask anyone between the age of 20 and 40 (if they have not migrated or died on their way out of the country), how many children they have, the answer is most probably none or at the most 2, can’t you people see that Akelle,Hama and Seraye are dying out? Our society is in total crisis.

  • johns November 20, 2013

    Dear Tadese kidane would please stope this topic and start another creative chapter if you can how to build our unity and dignity thats the matter of our main problems now many thankyou

  • Kefa November 20, 2013

    wellsaid…Tadese kidane KindishH…Ade-welida Timken kemaka dia emo ybzihulna…Qetsilo meharena Alebimena…Ab hzbna zitefetseme Bedel…Qedem nHade kebabi AtseliMom giday gerom hiji win Aserom Yisiebu alew…

  • tesfay tekle November 20, 2013

    Kidane.U rwriting the most brilliant truth

  • soyra November 21, 2013

    Abotatka haki tezareb emo ab mengedi babur dekis yiblu.silezi haki mizrabka nay abotatka eka hizka ajoka ketsilo.