Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ወናኒ መሽረፈት ኔት ብድሆ እብለካ!!

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ወናኒ መሽረፈት ኔት ብድሆ እብለካ!! ብመጀመርያ ንኹልኹም ደለይቲ ፍትሕን ደገፍተይን ይቕረታ ይሓትት፡ ፤ ኣቦታትና ክምስሉ "እትደልዮ ተዛሪብካ ዘይትደልዮ ከይትሰምዕ ተጥንቀቕ " ይብሉ፡ ፤ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ብተለኣኣኽነት ህግደፍን ኣሳሰይቶምን ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ወናኒ መሽረፈት ኔት ብድሆ እብለካ!!

ብመጀመርያ ንኹልኹም ደለይቲ ፍትሕን ደገፍተይን ይቕረታ ይሓትት፡ ፤ ኣቦታትና ክምስሉ “እትደልዮ ተዛሪብካ ዘይትደልዮ ከይትሰምዕ ተጥንቀቕ ” ይብሉ፡ ፤ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ብተለኣኣኽነት ህግደፍን ኣሳሰይቶምን ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ናይ ሓሶትን ጸለመን ከካይድ ጸኒሕ’ዩን ኣሎን፡ ፤ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ከም ዕድመኡ ዘይኮነ ናይ ሕጻን ቆልዓ ጠባይ’ኳ ክውንን ዘይክእል ናይ ሕልና ልሙስ ዝኾነ ኤርትራዊ’ዩ፡ ፤ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ኣሳሳዪ ህግደፋውያን ኮይኑ ውልቀሰባት ከጸልም ዝውዕል ሕሱር ስለ ዝኾነ እንሆ ብተደጋጋሚ ናይ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት እሽማት ናተይ ወሲኹ ኣብታ ጽይፍቲ ገጻት ወብሳይቱ ክልጥፍ ንርእዮ ኣለና፡ ፤

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ቅድሚ መንነተይ ምሕታትካ ንስኻ መን ኢኻ? ኣነ ዕላማይ ኣብ ኣደባባይ ወጽየ ምእንቲ ፍትሒ ዝቃለስ ብመንነተይ ኮሪዐ ኣፍልበይ ነፊሐ ዝኸይድ ኤርትራዊ’የ፡ ፤ከም ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሃገረይ ብልዕልና ሕጊ ተገዚኣ እዚ ዘሎ ገድላዊ ምሕደራ ተኣልዩ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ንፋስ ሓርነት ኣተንፊሱ ተቛዳሲ ጸጋታት ሃገሩ ክኸውን ትምኒተይ ኢዩ፡ ፤ መትከለይ ንጹር’ዩ፡ ፤ ኣብ ኤርትራ ገድላዊ ምሕደራ ክህሉ የብሉን ዝብል ሞጎተ ሒዘ ዝጎዓዝ ኤርትራዊ’የ፡ ፤እምነተይ እዚ ኮይኑ ንስኻ ግን መን ኢኻ? እንታይ ኢዩ ዕላማኻ? ውልቀሰውባት ምጽላም ድዩ ዕላማኻ ወይ ንመሰልን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ኢኻ ትቃለስ? መን ስልጣን ሂቡካ ውልቀሰባት ክተቆናጽብን ክትጸርፍን?

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ብድሆ እብለካ ኣለኹ፡ ፤ ንስኻ ናይ ባዕልኻ ሓሳብ ኣልዒልካ ክትጽሕፍ ዘይትኽእል ናይ ኣእምሮ ልሙስ ምዃንካ እፈልጥ’የ፡ ፤ካብ መንገዲ ኣራሪኻ ኣብዛ ሰብ ፈንፊንዋ ዘሎ ወብሳይትካ ክትልጥፍ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዓቕሚ ከምዘይብልካ እፈልጥ፡ ፤ በል ስማዕ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም፡ ፤ብርዐይ በላሕ’ያ፡ ፤ኣሽንኳይ’ዶ ንኣኻ ንጉጅለ ህግደፍ ክትቆራርጽ ዝተላዕለት ብርዐይ ጠጠው ክተብላ ከም ዘይትኽእል ክሕብረካ እደሊ፡ ፤ ብርዐይ ጠበንጃይ ኢያ፡ ፤ ጨሚታ ከም ዘይትስሕት ክኣ ክትፈልጥ ኣለካ፡ ፤ ሃየ ብድሆ እብለካ ኣለኹ፡ ፤ ኣብ ዝደለኻዮ መድረኽ ፊት ንፊት ክግጥመካ፡ ፡

መድረኻውያን ቆጺሮምኻ እንተ ኮይኖም ንዕኦም መልእኽቲ ኣለኒ፡ ፤ ብርዐይ ጌና ኣይጸገበትን በሎም፡ ፤ ብርዐይ ብርዒ ህዝቢ ኢያ፡ ፤ ብርዐይ መንእሰይ ወለዶ መሰረታ ጌራ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ከይተሓለለት ክትቃለስ ምዃና በዚ ኣጋጣሚ ክሕብረካ እደሊ፡ ፤ ንብርዐይ ዘይጻወር ንጉጅለ ህግደፍ ክገጥም ኣይክእልን፡ ፤ ንስኻ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ናይ ኤርትራዊ ባህልን ልምድን ዘይብልካ ነውራም ምዃንካ እፈልጥ፡ ፤ንዘይ ትፈልጦ ሰብ ኣይጽረፍን’ዩ፡ ፤ ንዘይትፈልጦ ሰብ ክተጸልምን ክተቆናጽብን ኤርትራዊ ባህልን ልምድን ኣይኮነን፡ ፤ ንስኻ እንታይ ጌርካ፡ ፤ ኣምሓራ ክምስሉ”ኣሳዳጊ የበደለው” ይብሉ፡ ፤ ንስኻ ኣተዓባብያ ዝጎደለካ ናይ ሕልና ልሙስ ስለ ዝኾንካ እትጽሕፎምን እትዛረቦን ይምስክረልካ፡ ፤ ወዲ 70 ዓመት ኮንካ ከም ቆልዓ ካብ መንገዲ ኣራሪኻ ሰባት ክተጸልም ክሕፍረካ ምተገብኦ፡ ፤

ሕጂ’ውን ብድሆ እብለካ ኣለኹ፡ ፤ መንነተይ ሓቲትካ ኣለኻ፡ ፤ መልሲ እንተ ደሊኻ ብኣካል ንራኸብ፡ ፤መን ምኳንካ ክትነግረኒ ኣነ’ውን ክነግረካ፡ ፤ሽዑ መን ሓሳዊ መን ሓቀኛ፡ መን መደናገሪ መን በዓል ቁምነገር ይርአ፡ ፤አተዓባብያኻ ወጺዑካ’ሎ፡ ፤ኣብ ከርሲ ገዛእቲ ሓይልታት ተሓብሒብካ ዝዓበኻ ስለ ዝኾንካ እቲ ክቡር ልምድን ባህልን ኤርትራዊ ከይተመሃርካ ከም ዝዓበኻ እንሆ ተግባርካ ይምስክረልካ፡ ፤ ንምዃኑ ኣውራጃዊ ኢልካ ክትጥቅነኒ መን ስልጣን ሂቡካ? መን’ዩ ኣውራጃዊ? ንስኻ ወይ ኣነ? ስኑድ መርትዖ ኣሎ’ኮ፡ ፤ ኣነ ዝዛረቦ ጽባሕ ክደግሞ ዝኽእል’የ፡ ፤

በል ጽን ኢልካ ስማዕ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም፡ ፤ እቲ ደም ንጹሃት ኤርትራውያን ሰትዩ ዝኣተወ ዘመድካ ናይዝጊ ክፍሉ ምስ ሞተ ትዛረቦ ዝነበርካ ረሲዕካዮ ዲኻ? ን6 ወርሒ ብዘይ ምቁራጽ ብዛዕባ ሬስኡ ኣሕሚሙካ ክትጣበቐሉ ከለኻ ረሲዕካዮ ዲኻ?ንጹሃት ኤርትራውያን ኣጥፊኡ ዝኣተወ ዘመድካ ኣብ ክንድኡ ተወኪልካ ክትልፍልፍ ከለኻ መን’ዩ ኣውራጃዊ? ወዲ ቀሺ ዲመጥሮስ ምዃንካ ደኣ መኣስ ጠፊኡኒ፡ ፤ታሪኽ ተሰኒዱ’ሎ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም፡ ፤ብዙሕ ኣይተዛርበና፡ ፤ ንስኻ ሕተተለይ፡ ፤ወደባት ኤርትራዊ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጥ ኣለካ፡ ፤ ክንደይ ተወልጄ ከለዉ መን’ዩ ወልዱ ተኽለ ክትብል መሕፈረካ፡ ፤ በል ስማዕ፡ ፤ኣነ ወዲቶም ጀጋኑ ደግያት ሓጎስ፡ ራእሲ ተሰማ፡ ወዲ ፈንቅል፡ ወዲ ሃይለ፡ ኣብራህም ተወልደ፡ ሙሴ ተስፋሚካኤልን ካልኦት ጀጋኑን’የ፡ ፡ እዚ ኣውራጃዊ የቑጽረኒ’ድዩ? እወ እንተ ኢልካ ክቅበሎ ኢየ፡ ፤የኹርዓኒ ከኣ፡ ፤ ኣቦኻ ንገዛእቲ ከገልግል ከሎ ንሕና ግን ንመንነትና እንቃለስ በሃራት ኤርትራውያን ኢና፡ ፤ ኣቦኻ ንገድሊ ክሃድን ከሎ ንሕና ግን ንመሰልን ናጽነትን ንቃለስ ኔርና፡ ፤ኣቦኻ ምስ ዓመጽቲ ወጊኑ ከሎ ንሕና ግን ኣብ ጎቦታት ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ንወድቕ ኔርና፡ ፤

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም….ልቢ ግበር፡ ፤ከም ዕድመኻ ኣስተውዒልካ ተዛረብ፡ ፤ ምስ መን ትዛረብ ከም ዘለኻ ከኣ ክትፈልጥ ኣለካ፡ ፤ኣብ መትከለይ ጠጠው ኢለ ዝሙጒት ሰብኣይ ኢየ፡ ፤ ብሓቀኛ ሽመይን መንነተይን ዝቃለስ ኤርትራዊ እምበር ተሓቢኣ ኣይጸሓፍኩን፡ ፤ ምሕባእ ኣብ ደመይ የላን፡ ፤ ካብቶም ኣብ መትከሎም ዝሞቱ ኢየ ተፈጢረ፡ ፤ ጥልመትን ክሕደትን ሓሶትን ጸለመን ኣብ ደመይ የለን፡ ፤በዚ ከኣ ይኾርዕ፡ ፤ ወደሓንካ!!!

ወልዱ ተኽለ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
138 COMMENTS
  • Suleiman Salim February 6, 2014

    “ኣነ ወዲቶም ጀጋኑ ደግያት ሓጎስ፡ ራእሲ ተሰማ፡ ወዲ ፈንቅል፡ ወዲ ሃይለ፡ ኣብራህም ተወልደ፡ ሙሴ ተስፋሚካኤልን ካልኦት ጀጋኑን’የ፡ ፡ (ኣጆኻ ባህታ ሰገነይቲ — ባህታ ዒሉ ዘበንካ ተላዒሉ፡ ኣያ ጥልያን ክደልየካ ውዒሉ — ወስኸሉ ”

    ኣንታ ወልዱ ዓሻ ልቢ ዳጉሻ ካን ነዞም ኩሎም ውሩያት ኤርትራውያን እርይን ቁጽርን ኣቢልካ ኣዝማድካ ጌርካዮም ? ምስ ሃገራውያን ኣከለን ሓማሴንን ሰራየን ምብኣስ ኣይዋጽኣካን እዩ። ጽባሕ ንግሆ እንተ ሞይትካ ሬሳኻ ኣበይ ዲኻ ክቕበር ትደልዮ ዘሎኻ?

    ኣለም ጎይትኦም ዝበሃል ሰብኣይ ከም ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ዓቢን ወዲ ዓበይትን እዩ። ኣብ ሃገሩ ክቡር፡ ኣብ ሜዳ ክቡር ፡ ኣብ ወጻኢ ዓዲ ድማ ክቡር ኮይኑ ይነብር ኣሎ። እንታይ ግበረኒ ኢኻ ትብሎ ዘሎኻ? መዘናኻን ዓቕምኻን ፍለጥ። ምስ ዘይመዳፍርትኻ ኣይትዳፈር።

    ኣሕ እዛ ኣከለጉዛይ ብከም በዓል ወልዱ ዝኣመሰሉ ከብትታት ክትዋረድ ክትርእያ እንከለኻ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ንኣከለጉዛይ ምስ ኩሉ ኣባኢሱ በእማን ተኻቢቡ ክነብር ዝደሊ ፍጥረት እዩ ዝመስል።

    • Romay February 6, 2014

      ኣቶ ወልዱ ተኽለ
      ኩሉ ገዲፍካ ፖለቲካ ተዛይትዛረብ. ዘየድሊ ዘረባ። ሰባት ምዝንጣል፡ ኣውራጃ፡ ወረዳ
      እንዳልዓልካ ሃለውለው ምባል እንታይ ፍረ ኣለዎ። ከም ሰብ ክትቁጸር እንተደሊኻ ሰብ ምሰል።
      እወ ሰብ ብሰቡ ኤርትራዊ ሰብ። ኤርትራዊ ዓጀው ጀው፡ ፈኸራ ኣየብዝሕን’ዩ። እንተድ ድኣ
      ናይ ብሓቂ ኤርትራዊ ኮንካ፡ መጀመሪያ ጀጋኑ ስውኣትና ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ኣይተልዕሎም።
      ኣጸሓሕፋኻ ኣዝዩ ናህሪ ዘለዎ ናይ ሓራቕ ሰብ ኣጸሓሕፋ’ዩ ዝመስል። ንጥዕናኻ’ውን ሓደገኛ
      ስለ ዝኸውን ዝሕል በል። እንተድኣ ስድራ ኣለውኻ ድማ ነዚ ሃለውለው ክትጽሕፍ ግዜኻ
      ካብ ተባኽን ቁሩብ ግዜ ንደቅኻ ሃቦም። ዘይትፈልጦም ውርዙያት ቤተሰባት እንዳልዓልካ ካብ
      ምዝንጣል ምስ ደቅኻ ተጻወት ዓቕሚ እንተሎካ ድማ ኣብ ትምህርቶም ሓግዞም።
      እዚ ኩሉ ናህርን ቅርሕንትን እንታይ ኣምጽኦ። እታ በላሕ ብርዐይ’ዶ ገለዶ ዝበልካያ ድማ
      በላሕ ዘይኮነትስ ናይ ፈራሓት ወይ ድማ ናይ ቦጅባጃት ብርዒ ኢያ ሓይልኻ ኣብ መልሓስካ’ዩ ከም
      ተመን። ንስኻ ስልጣን እንተትረክብ ካብ ኢሳያስ ምገደድካ ኔርካ። ሰባት ቀቀቲልካ ኣብ ጎደናታት
      ምደርበኻዮም ኔርካ። ድሕሪ ህግደፍ ከማኻ ዝኣመሰሉ ውልቀሰባት ኣብ ስልጣን ከይመጹ ድማ
      ተስፋ ንገብር። “ካብ ሕጂ ዝነቀወ ዝብእስ ኣየሕደረንን” ድዮም ዝብሉ ኣቦታት!

      ሮማይ ኣብራሃም

      • GOOD JOob! February 6, 2014

        Alem Goitom is seraye fantametalist. He attacked hammasien and akele and tigree.

  • rezene kidane February 6, 2014

    I do not know who Weldu Tekle is but I knwo Alem Goitom is a stooge of the Brutal PFDJ and will remain so. he owns an abominable website and Writes so many shit in it.

    • Suleiman Salim February 6, 2014

      ንዓኻ ዝኾነ ሃገር ቅድሚ ኩሉ ዝብል ሰብ ህግደፍ እዩ። ዕሽነትካ ሞቐጸርን መስፈርን የብሉን። ሓንጎልካ ክሰፍሕ መታን መጻሕፍቲ ኣንብብ።

  • change February 6, 2014

    Suleiman you are the worst person than Alem Ghoituom and I call you ,you are Eseyas slave , Sorry for that.

    • Suleiman Salim February 6, 2014

      ቼንጅ

      ኣጆኻ ኣይትፍራሕ ዝደለኻዮ ተዛረብ። ኣነ ኣይቅየመልካን እየ። ግን ንዓኻን ንዓይን ተራኽበና ኤርትራ ስለ ዝኮነት ከምዚ ኣነ ዝፈትዋ ንስኻ እውን ክትፈትዋ ሓደራኻ ይብለካ።

      • Metkel February 7, 2014

        S. Salim,
        I don’t think you are Eritrean. What village or town? You are wedi 40, at the best.

  • Suleiman Salim February 6, 2014

    “ኣሽንኳይ’ዶ ንኣኻ ንጉጅለ ህግደፍ ክትቆራርጽ ዝተላዕለት ብርዐይ ጠጠው ክተብላ ከም ዘይትኽእል ክሕብረካ እደሊ፡ ፤ ብርዐይ ጠበንጃይ ኢያ፡ ፤ ጨሚታ ከም ዘይትስሕት ክኣ ክትፈልጥ ኣለካ፡:” —

    እዚ ዘረባ እዚ ካብ ሓደ ዓቕሙን ደረጃኡን ዘይፈልጥ ደንቆሮን ትዕቢተኛን ሰብ ዝወጽእ ቃል እዩ። መከረኛ ኤርትራ መዓት ረኺባ።

    • Adi Nfas February 6, 2014

      Suleiman Salim,

      How is your uncle Naizgi Kiflu – Tegetimki. you are from seraye too. To be specific Mendefera.

    • Metkel February 6, 2014

      I think S. Salim has benefited from the min wage increase (isayas’s wage that it is). Go to meskerem, you low life.

  • hagerawi February 6, 2014

    JGNA WEDI JEGANU WELDU TEKLE NAYBHAKI ABI TMHRTI HIBKAYO N MESHREFET.NET ANE EGERMENI U NAY GEZAE RESU HASAB ZEYBLU KAB GELE AKAKIBU N HZBI ERITREA KENAKUT ZWEL SEB FOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOOO MESHREFET.NET. WELDU TEKLE KSEN BKEMZIOM ZEAMESELU SEBAT AYTHSEB KTMLSELU KEMAN AYNEBEREKAN MEKNYATU FEKISSSSSSSSSSSSSS SEB U MEMAZNTKA AYKONEN. WEDHANKA

  • tekeste February 6, 2014

    watch …..the broken pen with the feeble minded person who can not see eritrea as a whole. those mentioned heroes do not rpresent u weldat.

  • ሳራ February 6, 2014

    ዘመድ ናይዝጊ ክፍሉ ድዩ፟
    እሞ ብ ኡ ድዩ ኣብታ ወብሳይቱ ደጋጊሙ ዝጽሕፍ ዝነበረ
    ወይ ጉድ ሰሰብካ ዝናደየሉ ጊዘ ኮይኑ ገበኑ ብዘየገድስ

  • Mahta February 6, 2014

    Woldu Tekele, Wedi Akele… I hope all akele people are not like you…tahdid is not eritrean style, may be in Addis Abeba that is the only thing you learn..tahadiden fekeran nay amhara!

    • shaka February 6, 2014

      Mahta shit stupit

    • Suleiman Salim February 6, 2014

      Mahta,

      anbessa, SbuQ gierka shemshimkalu!!

    • Metkel February 6, 2014

      Mahta,
      I am from Seraye and meskerem guy doesn’t represent us. He was asking who is Weldu Tekle, few times. If you don’t believe meskerem owner doesn’t work for HGDF, you must be blind. Don’t try to make this is about Akele or Seraye.

    • Asghedom Woldeghiorghis February 6, 2014

      Mahta Tgagika, TAHDID Nay eritrea aykonen gen ” NAY KEBESA ” Eritrawian eyo.

  • michael tedla February 6, 2014

    alem wdutom da hizbi fo zbelo lekmegna fesqual endu.zenbiba zeibla websiteu mewedesit wedi mehin berrad eya.nezi wduk medenageri ab aditilian zednagero keaklo passport endadanagere zsheit znbere eu gze entenewehe tariek zrsaa ikonen naihasot visa ab US go yellon.

  • Truly Truly i say to you February 6, 2014

    Actually I do not like to involve and waste my time in a way our people call it (Gual Mengedi) like argument to talk out of our burden issue. However, i do not think the blame Woldu Teklu´s against Meskerem net founder Ato Alem is absolutely right and acceptable, because any article which is written in his website, first it does not mean all written article is by owner of the website written, but most because by others contributers are. A person who blame Alem , If i tomorrow someone write a similar case article in Assenna, to blame Amanuel Iyasu for that as well also will not be right. Only a person who writes that is accountable for his opinion.
    Second, i do not think to defame or despise Meskerem net is right, because i believe Meskerem Net in its unique art more or less is serving and playing a constructive role for liberation struggle. For that Meskerem net giving and serving information from all side be it from regime, opponents, from oppositions from our regions and world to our public, normally Ato Alem should to be appreciable and deserved respect, rather than defaming and belittling him. Finally our motive should not to be expand hatter and conflict among websites or any of opponent groups, but we have to find a way if in case causes conflict amongst, we have to find a way how they could be reconcile and work together. For instance, i am happy after some hard conversation among Amanuel Iyasu and one of in Merskerem Net active article contributers Ato Keleta Kidane that was caused conflict when i see seems resolved. Because both are matured and relevant persons to me. That time in different pen name i tried both to reconcile them.
    The bible says, in sight of God those creating division among lovers or friends are cursed, but those who work for peace and reconciliation are blessed, for they will be called the children of God. (Matthew, 5; 10)

    • Metkel February 7, 2014

      Which side are you talking, Falsly? Say it you are HGDF. Be Anbesit like Sophia – she doesn’t hide who she is (unlike like you, Mahta, Dawit M., etc)

Post a Reply to ባሻይ Cancel Reply