Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቱም ሰባት ኢሳያስ መባልዕትና ኣይኮነን (ብዶ/ር ምስግና ገብረመድህን)

ኣቱም ሰባት ኢሳያስ መባልዕትና ኣይኮነን (ብዶ/ር ምስግና ገብረመድህን)   ኤርትራ ሃገርና ናጽነት ኣብ ዝረኸበትሉ ዓመት ጀነራል ስብሓት ኤፍሬምን መሳርሕቱን ንቢትወደድ ኣስፍሃ ወልደ ሚካኤል ንኸረኽብዎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ቢተወደድ ኣስፍሃ ይኸዱ፡፡ቢትወደድ ድማ ጃንሆይ

ኣቱም ሰባት ኢሳያስ መባልዕትና ኣይኮነን (ብዶ/ር ምስግና ገብረመድህን)

  ኤርትራ ሃገርና ናጽነት ኣብ ዝረኸበትሉ ዓመት ጀነራል ስብሓት ኤፍሬምን መሳርሕቱን ንቢትወደድ ኣስፍሃ ወልደ ሚካኤል ንኸረኽብዎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ቢተወደድ ኣስፍሃ ይኸዱ፡፡ቢትወደድ ድማ ጃንሆይ ዘበርከትሎም ካባ ለቢሶም ምስ ክዳውንቲ ሓበሻ ዝለበሱ መሰሰይቶም ኮይኖም ተቐበልዎም፡፡በዓል ወዲ ኤፍሬም ከኣ ሰምቢዶም፣ቢትወደድ ንሕናኮ ተገዳልቲ ኢና ክብሪ ሰብ ኣይንደሊን ኢና ይብልዎም፤ቢትወደድ ከኣ ትቕብል ኣቢሎም “እዚ ክብሪ ንኣኻትኩም ኣይኮነን፤ነዛ ሓዳስ ሃገር ኤርትራን ንህዝባን ኢና ክብሪ ሂብና ” በልዎም፡፡

ኣቦይ ጋይም ወልደማርያም ሓዎም ነቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ኣሜሪካ ድሓር ድማ ኣብ ኤርትራ ጽቡቕ ርክብ ስለ ዝነበረኒ ከም ዓቢ መምህረይ እየ ዝርእዮም፡፡ሓደ እዋን ክልቲኦም ኣሕዋት ኣብ ሮማ ሻሂ እናሰተዩ ከዕልሉ እንከለዉ ቢተወደድ ኣፍስሃ ሕልፍ ኪብሉ ስለ ዝረኣይዎም፣ክሓብርዎም ምስ ዓደምዎም “ኣስፍሃ ሰድያኻ እምበር ተወሲዳ” ምስበልዎም “እንተ ኪኢሎማስ ገዲፍናሎም ኣሎና ” በልዎም፡፡ በዓል ኢሳያስ ግና 20 ዓመት ዕድል ተዋሂብዎም ካልእ ይትረፍ ዓሰብን ባጽዕን ከማሓድሩ ኣይክኣሉን፡፡ብርግጽ ኢሳያስ ንህዝቡ ክመርሕ ዘይከኣለ፣ ብህዝቡን፣ መሳርሕቱን ብጎረባብቲ ሃገራት ተመዚኑ ፎኺሱ ዝተረኽበ፣ንታሪኽ ኤርትራ ዝደንከለ ንህዝቡ ናብ ሕስራንን ድኽነትን ዝመለሰ ኢዩ፤ሃብታምን ክቡርን ባህልናን  መርኣያ ዝኾነ እምነት ህዝብና ዘዕነወ ዓሻ መራሒ እዩ፡፡ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ንህዝብን ዓለምን መግለጺ ክህብ እንከሎ  ከም ግቡእ ንገዛእ ርእሱ ወኪሉ አይኮነን ዝዛረብ፤እንታይ ድኣ ንመንግስትን ህዝብን ወኪሉ እዩ ክዛረብ ዝግብኦ፡፡ኢሳያስ ግና ንመሪሕነቱ ዜይበቕዕ ኣከዳድና፣ጠገለ ዘይብሉ ካብ ሓደ ዓንተር ገዛውቲ እኳ ዘይትጽበዮ ዘረባን፣ነቲ ክቡር ባህልና ዘይውክል ዓጀውጀውን፣ እዩ ዘቓልሕ፡፡ብዛዕባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደጋጊሙ ዝብላ “ከደምቲ መንግስቲ ኣሜሪካ” ትብል ኢያ፡፡ኣብዚ ዘለናዮ  መበል 21 ክፍለ ዘበን ነተን ኣብ ኣባይትና ዘገልግላ ኣሓትና ምውጽኡ ፍንፉንን መቕለሊኻን መገመቲ መንነትካን ዝኾነ ጽዩፍ ቃል ኢዩ፡፡ኢሳያስ ግና ብዘይ ገለ ስክፈታ ወርትግ የቃልሓ፡፡

መጽሓፍ ቅዱስ፣ “ካብ ንሃገር ዝገዝእ ንገዛእ ርእሱ ዝገዝእ ይሕይል” ከምዝብሎ ፕረዚደንት ኢሳያስ ገዛእ ርእሱ ክመልኽ ዘይከአለ፣መንፈሳዊ ጸገም ዘለዎ፣ዕቡይ ሰብ እምበር ናይ ኣእምሮ ጸገም ኣለዎ ኢለ ኣይኣምንን፡፡ኢሳያስ እቲ ዓቢ ጸገሙ ምክሪ ሰብ ዘይምስማዕ፣ጌግኡ ዘይእመን፣ቂመኛን በደል ዘይሓድግ ሕንጊድ ምኳኑን እዩ፡፡ በዲሎምኒ ኢዮም ንዝብሎም ብዘይ ገለ ንሕስያ ዝኣስርን ዘጽንትን መንደላይ ተመን እዩ፡፡ ብ1986 እተሓትመት “Eritrea the Agony of My People” እትብል መጽሓፈይ ደጋጊሙ ዘንበባ ወረጃ ኤርትራዊ ምሁር ዶ/ር ሓድሽ(ናይ ሓቂ ሽሙ ኣይኮነን) ሓደ እዋን ምስግና፤ “ኤርትራ ድሕሪ ነጻነታ ምድራን ህዝባን ካብቲ መግዛእቲ ደርጊ ዝነበረ  ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ስለ እትወድቕ ካልአይቲ ስቓይ ኤርትራውያን እትገልጽ መጽሓፍ ንክትጽሕፍ ተዳሎ ” በለኒ፡፡ ኣብቲ እዋን  ካብ ክቱር ሕርቓን ከም ሓደ ጸላኢ ጌረ ርእዬዮ ኔረ፡፡ ዶ/ር ሓድሽ ግና ዘረቡ ቀጺሉ ከምዚ በለኒ፤ “ ኢሳያስ ወዲ ገዛውተይን መማህርተይን ኢዩ ኔሩ፡፡ ኣብ ልኡል መኮነን ታሽዓይ ክፍሊ ተመሃሮ እንከሎና ኢሳያስ ዘለዋ ጉጅለ ሓበራዊ መጽናዕቲ ኣባላ ስለ ዘይነበርኩ  መቓድውተይ ካልኦት ስለ ዝነበሩ ኣብ ቅድሚ የዒንቱ ከም ጸላኢኡ ይርእየኒ ኔሩ፡፡ክልተ እዋን ድማ ደይ መደይ ኢሉ ሓንኵሉ ኣውደቐኒ፤ሳልሳይ እዋን ከም ኣመሉ ምስ ኣድበየለይ ተዳልየ ጸኒሐ ብበላሕ እምኒ ተንኳዕኩዎ፡፡ ደሙ ከይጸረገ ውዒሉ ምስ ተፈደስና ኣብ ከባቢ መደበር ኣድብዩ ጸኒሑ ይፈግኣኒ ኣብ ሰሙኑ ድማ የዕሩኽትና ከተዓርቊና ይፍትኑ እንተ ኢሳያስሞ ሞት ይሓይሽ ዕጭ ሓንፍፈኩ ይብል፡፡ኣነ ድማ ካብ ገጽ ኢሳያስ ምርኣይን ካልእ ሓደጋ ኣብ ነብሰይ ዘምጽእ ኢለ ንቀዳማዊ ኃይለ ሥላሴ(ቀ.ኃ.ሥ) ይቕየር፡፡ ኣነን ኢሳያስን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ሓሊፍና ምስ መጻናውን ከተዓርቊና ይፍትኑ ሕጂውን ኢሳያስ ዕጭ ሓንፈፍኩ ይብል፡፡ ብድሕሪኡ ኢሳያስ ናብ ሜዳ የምርሕ ኣነ ድማ ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺበ ናብ ሃገረ አሜሪካ ኣምራሕኩ፡፡ ብበዓል ኢሳያስ እትምራሕ ኤርትራ ኣይ ሃገረይን፣ ሃገር ደቀይን ደቂ ደቀይን ኢለ ከኣ ይውስን፤ ንድሕሪት ተመሊሰ ክርእዮ እንከለኹ ከኣ ፈጺመ ኣይጠዓስን፡፡” እዚ ዘይልወጥ መንነት ኢሳያስ ከምዝኾነ ብዙሕ መርትዖታት ከተቕርብ ምተኻእለ፡፡ ጴጥሮስ ሰሎሞንን በዓልቲ ቤቱ ኣስቴርን ኣቡኡን ኣዲኡን ኣይቐተልሉን፡፡ ኢሳያስ ግና ወዲ ሰሎሞን ምስ ኣሕረቖ ንሰበይቱን ደቑን ኪቐጽዕ ኢዩ ወሲኑ፡፡ ሎሚ ኣስቴር ኣብቲ መሰክሕ መሓዩር ህግደፍ ተዳጕና፣ደቓ ፍቕሪ ወለዶም ከይረኣዩ ዘኽቲሞምን እቲ ጀግና ኣቦኦም እተጋደለሉ ብጅግንነቱ ከኣ ዝፍለጠሉ መሬት ኤርትራ ብሰንኪ ምፍርራሕ ዑሱባት ካድረታት ህግደፍ ራሕሪሖሞ በኣጻምእ፣ብቁርን ኣስሓይታን ካብ ዘይንሕፉ ኣራዊት መሮር ኣምሊጦም ኣብ ስደት ይነብሩ ኣለዉ፡፡

 

ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ሓደ ኮንፈረንስ ምስ ሓደ ጀርመናዊ ብዓል ስልጣን ንራኸብ እሞ ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጀርመን ነበር በራኺ ገብረሥላሰ ጽቡቕ ሌላ ከምዝነበሮ የዕልለኒ፡፡እዚ በዓል ስልጣን ጀርመናዊ ድማ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ተራኺቡ ብዛዕባ እዚ ምዕሩግ ኣምባሰደር ነበር ኣቶ በራኺ ምእሳር ከረዳኣኒ ሓተትክዎ ይብል፡፡ ኢሳያስ ከኣ ገለ ከይሓነኸ፣ “ኣነ በራኺ ኣብ ኣውሮጳ ከምዘሎ ኢየ ዝፈልጥ ኔረ ንመጀመርታ እዋን ምእሳሩ ካባኻ ሰሚዔ” ምስ በለኒ ኢሳያስ እቲ ዘደንግጽን ዘሕዝንን ሰብ ኮይኑ ረኺበዮ ኢሉ ኣዘንተወለይ፡፡ኢሳያስ ምስ ዝኾነት ጎረቤት ሃገርን ተቋዋምን ተዓረቕ እንተድኣ ኢልካዮ ትርጕም ዕርቂ ስለ ዘይፈልጦ ነቶም ኣታዓረቕቲ ክልተ ዕድል ኢዩ ዝህቦም፡ወይ ምእሳር ወይ ድማ ምቕታል፡፡ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም ንኢሳያስ ብዛዕባ ዕርቅን ሕድገትን ንክምህርዎ ነዊሕ  እዋን ወሲድሎም፡፡ ኢሳያስ ግብሪ ይቕረታ ከይፈጸማ ከኣ ኣቦይ ወልደኣብ ናብ ዓዲ ኩሉ ሰብ ኸዱ፡፡ መለስ ዜናዊ ግና ብስራሕ ናብ ኣስመራ መጺሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሰለስተ ሳዕ ኣብ ብብርኩ ተደፊኡ መርቑኒ ኢልዎም መሪቖም ከኣ ኣፋነውዎ፡፡ኢሳያስ ምርቓን ምኽባር ዓበይትን ዘይፈልጥ ብምህሮ ማርክስ፣ሌኒንን ማኦን እተጠመቐ ንሃብታም ባህሊ ህዝቡ ዝሓምተለ ሰብ ኢዩ፡፡ እቲ ዘሕዝን እተን ኮሚኒሰት ሃገራት ነዚ ዘድከየንን ዘቖንቖነን መምሪሒአን ጠንጢነን ብምዕባለ ኣብ ምግስጋስ ምህላወን ኤርትራን ኮሚኒስት ኮርያን ግና ኣብ መዓሙቕ ድኽነት ይጥሕላ ምህላወን ኢዩ፡፡

ንሕና ኤርትራውያን ልዕሊ ሺሕ ዓመት ዘለዎ ሃብታም ሕግን ስርዓትን ዘሎና ህዝቢ ኢና፡፡ ነቲ ኣቦታትና ዝሓገግዎ ኣጽኒዕና እቲ ኣድላይን ኣገዳስን ወሲድና ንሃገርና ክንሃንጽ ይግብኣና፡፡ሓንቲ ቻይናውያን ዝፈትውዋ ምስላ ኣላ፤ኣብታ “እታ ጸባብ ድልድል” እትብሃል ንምሕዳረን ክኸዳ ክልተ ወኻሩ ተራኻባሞ ንድሕሪት ክምለሳ ኣይከኣላን የማነ ጸጋም እንተራኣያ ከኣ ጸድፊ ኮነን፡፡ ብድሕሪኡ ባእሲ ይገጥማ፤ምስስዓር ምስ ሰኣና ቁሩብ እንተ ጸኒሔን ድማ ብዓል ነብሪ መጺኦም ከም ዚጎባብጥዎን እተረድአት  እታ ሓንቲ ለባም ወኻርያ ብርክኽ ትብል እሞ እታ ሓንቲ ዘሊላታ ትሰግር ብሰላም ድማ ናብ ምሕዳረን ክኣ ይኸዳ፡፡ሎም ድማ ከም ህዝብን ሃገርን እንተ ኣብ ውሽጢ ሃገር እንተ ኣብ ስደት ለባማት የድልዩና፡፡ግራዝማች ካሕሳይ ኣለማዬሁ ክምስሉ  እንከለዉ “ንህብን ሃመማን ሓደ ይመስሉ፤ንህቢ መራሒ ስለ ዘለዎ ግና መዓር ይምገብ፤ሃመማ ከኣ መራሒ ስለ ዘይብሉ ኣብ ጎሓፍ ይምገብ ”ብሉ፡፡ህዝብና ካብ ጎሓፍ ናብራ ከነውጽኦ እንተድኣ ኮይኑ መገብቲ መዓር ክንከውን እግዚኣብሄር ይሓግዘና፡፡

ዶ/ር ምስግና ገብረመድህን፡፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
57 COMMENTS
  • Tesfu Kbrom February 24, 2014

    WHAT YOU HAVE SAID IS TOTALLY CORRECT. WE MUST GET RID OF THIS PERSON THE SOONER THE BETTER BECAUSE HE IS NOT A MAN THAT DESERVES TO BE A STREET BOY LET ALONE A PRESIDENT. HE IS A HOOLIGAN AND A MAFIA GANG MEMBER.

  • 1234 gebar February 24, 2014

    ክቡር ዶ/ር ሓደ ካብቶም ጽሑፍካ ዝነበብኩ’የ። ጉሩም ጽሑፍ፡ የግዳስ ኣብ ሱሳታት ንስኻ ንኣመሪካ ንሱ ድማ ንሜዳ ከምዘምራሕኩም ገሊጽካ፡ መናእሰይ ኾሎኹም ተባኢስኩም ከምዝፈጋእካዮ ንሱ’ውን ከምዝፈጋኣካ ግን ከኣ ብድሕራኡ’ውን ቒምታ ምሓዙ ከምዘይገፎ ገሊጽካ። ብድሕሪኡ ንስካን ደቕካን ደቒ ደቕካን ንኤርትራ ኹቦ ከምዝደርበኻላ ገሊጽካ፡ ብዘቕርበካልና ምስክርነት ናትካ ጥራይ ሰሚዕና ናይ ካልኣይ ኣካል ከይሰማዕና ኢሳያስ ቒመኛ’ዩ ኢልና አስከ ንደምድም። እቲ ካልእ ላቔባ ጽሑፍ ግን ንስኻ ኣብ ዘይነበርካሉ፡ ዝርዝርን ግሉጽነት’ውን ዘይብሉ ስለዝኾነ ነቢብካዮ ጥራሕ ዝሕለፍ እዩ። ንኣብነት ጵጥሮስ ሰሎሞን ንኢሳያስ ስለዘሕረቖ ኽቐጽዖ ንሰበይቱን ደቑን ኣሲርዎም፡ ኢልካ። ካብ ኤርትራ ካብ ትወጽእ ፍርቂ ዘበን ጌርካስ ቅድሚ 10 ዓመት ዝተፈጸመ ኣብኡ ከምዝነበርካ ጌርካ ስለ ዘሕረቆ ክትብልስ፡ ዓገብ፡ እንታይ ኢሉ’ዩኸ እሕሪቕዎ? እቶም ካልኦት ጀጋኑ ደሃዮም ዘየሎ’ውን ኩሎም ስለዘሕረቕዎ አዮም ተኣሲሮም በለና እምበር። ዝኸበርካ ዶክተር ብፍላይ ካብ ከማኻ ዝኣመሰለ ምሁር ወሃ-ዘበለ ርትዓውን ዓሚቝን መሃርን ጽሑፍ ኢና ንጽበ። ብዛዕባ ጀርመናዊ በዓል ስልጣን ዝበልካዮ’ውን ወይ ዝርዝር ኣቕርብ ክንፈልጦን ክንቕበሎን አምበር ሎሚ ነባቢ ንዝተባህለን ዝተጻሕፈን ከም ዘለዎ ዝቕበለሉ እዋን ኣይኾነን፡ ንርእሰ-ሓጎስ ወይ’ውን መራጉዲ ተባሂሉ ዝጸሓፍ እንተኾይኑ ግን ይቕረታ።

    • Tes February 24, 2014

      1234 gebar,

      You better check yourself let alone to correct this fine Dr. If you are paid agent of Eseyas fair enough but if you are a citizen who care about fairness to hear two side of a story, then you didn’t have a clue about a state of Eritrea. By now who didn’t know the character of that evil dictator must be one of those zombie or a stranger happen to be on this forum. Shame on you!

    • Yerhiwo February 24, 2014

      1234 gebar,

      Since you can’t even read Tigrina properly! He did not fight with Isaias. Please read what he wrote, see below

      ዶ/ር ሓድሽ ግና ዘረቡ ቀጺሉ ከምዚ በለኒ፤ “ ኢሳያስ ወዲ ገዛውተይን መማህርተይን ኢዩ ኔሩ፡፡ ኣብ ልኡል መኮነን ታሽዓይ ክፍሊ ተመሃሮ እንከሎና ኢሳያስ ዘለዋ ጉጅለ ሓበራዊ መጽናዕቲ ኣባላ ስለ ዘይነበርኩ መቓድውተይ ካልኦት ስለ ዝነበሩ ኣብ ቅድሚ የዒንቱ ከም ጸላኢኡ ይርእየኒ ኔሩ፡፡ክልተ እዋን ድማ ደይ መደይ ኢሉ ሓንኵሉ ኣውደቐኒ፤ሳልሳይ እዋን ከም ኣመሉ ምስ ኣድበየለይ ተዳልየ ጸኒሐ ብበላሕ እምኒ ተንኳዕኩዎ፡፡ ደሙ ከይጸረገ ውዒሉ ምስ ተፈደስና ኣብ ከባቢ መደበር ኣድብዩ ጸኒሑ ይፈግኣኒ ኣብ ሰሙኑ ድማ የዕሩኽትና ከተዓርቊና ይፍትኑ እንተ ኢሳያስሞ ሞት ይሓይሽ ዕጭ ሓንፍፈኩ ይብል፡፡ኣነ ድማ ካብ ገጽ ኢሳያስ ምርኣይን ካልእ ሓደጋ ኣብ ነብሰይ ዘምጽእ ኢለ ንቀዳማዊ ኃይለ ሥላሴ(ቀ.ኃ.ሥ) ይቕየር፡፡ ኣነን ኢሳያስን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ሓሊፍና ምስ መጻናውን ከተዓርቊና ይፍትኑ ሕጂውን ኢሳያስ ዕጭ ሓንፈፍኩ ይብል፡፡ ብድሕሪኡ ኢሳያስ ናብ ሜዳ የምርሕ ኣነ ድማ ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺበ ናብ ሃገረ አሜሪካ ኣምራሕኩ፡፡ ብበዓል ኢሳያስ እትምራሕ ኤርትራ ኣይ ሃገረይን፣ ሃገር ደቀይን ደቂ ደቀይን ኢለ ከኣ ይውስን፤ ንድሕሪት ተመሊሰ ክርእዮ እንከለኹ ከኣ ፈጺመ ኣይጠዓስን፡፡”

      You are saying:

      መናእሰይ ኾሎኹም ተባኢስኩም ከምዝፈጋእካዮ ንሱ’ውን ከምዝፈጋኣካ ግን ከኣ ብድሕራኡ’ውን ቒምታ ምሓዙ ከምዘይገፎ ገሊጽካ። ብድሕሪኡ ንስካን ደቕካን ደቒ ደቕካን ንኤርትራ ኹቦ ከምዝደርበኻላ ገሊጽካ፡

    • Yerhiwo February 24, 2014

      1234 gebar,

      Since you can’t even read Tigrina properly, you can’t criticize or comment on the article! Dr. Misgina did not fight with Isaias, but Dr. “Hadish”. Please read what he wrote, see below

      ዶ/ር ሓድሽ ግና ዘረቡ ቀጺሉ ከምዚ በለኒ፤ “ ኢሳያስ ወዲ ገዛውተይን መማህርተይን ኢዩ ኔሩ፡፡ ኣብ ልኡል መኮነን ታሽዓይ ክፍሊ ተመሃሮ እንከሎና ኢሳያስ ዘለዋ ጉጅለ ሓበራዊ መጽናዕቲ ኣባላ ስለ ዘይነበርኩ መቓድውተይ ካልኦት ስለ ዝነበሩ ኣብ ቅድሚ የዒንቱ ከም ጸላኢኡ ይርእየኒ ኔሩ፡፡ክልተ እዋን ድማ ደይ መደይ ኢሉ ሓንኵሉ ኣውደቐኒ፤ሳልሳይ እዋን ከም ኣመሉ ምስ ኣድበየለይ ተዳልየ ጸኒሐ ብበላሕ እምኒ ተንኳዕኩዎ፡፡ ደሙ ከይጸረገ ውዒሉ ምስ ተፈደስና ኣብ ከባቢ መደበር ኣድብዩ ጸኒሑ ይፈግኣኒ ኣብ ሰሙኑ ድማ የዕሩኽትና ከተዓርቊና ይፍትኑ እንተ ኢሳያስሞ ሞት ይሓይሽ ዕጭ ሓንፍፈኩ ይብል፡፡ኣነ ድማ ካብ ገጽ ኢሳያስ ምርኣይን ካልእ ሓደጋ ኣብ ነብሰይ ዘምጽእ ኢለ ንቀዳማዊ ኃይለ ሥላሴ(ቀ.ኃ.ሥ) ይቕየር፡፡ ኣነን ኢሳያስን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ሓሊፍና ምስ መጻናውን ከተዓርቊና ይፍትኑ ሕጂውን ኢሳያስ ዕጭ ሓንፈፍኩ ይብል፡፡ ብድሕሪኡ ኢሳያስ ናብ ሜዳ የምርሕ ኣነ ድማ ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺበ ናብ ሃገረ አሜሪካ ኣምራሕኩ፡፡ ብበዓል ኢሳያስ እትምራሕ ኤርትራ ኣይ ሃገረይን፣ ሃገር ደቀይን ደቂ ደቀይን ኢለ ከኣ ይውስን፤ ንድሕሪት ተመሊሰ ክርእዮ እንከለኹ ከኣ ፈጺመ ኣይጠዓስን፡፡”

      You are saying:

      መናእሰይ ኾሎኹም ተባኢስኩም ከምዝፈጋእካዮ ንሱ’ውን ከምዝፈጋኣካ ግን ከኣ ብድሕራኡ’ውን ቒምታ ምሓዙ ከምዘይገፎ ገሊጽካ። ብድሕሪኡ ንስካን ደቕካን ደቒ ደቕካን ንኤርትራ ኹቦ ከምዝደርበኻላ ገሊጽካ፡

      If Tigrina is not good for you Mr. Gebar…what language is easier for you?

    • Mihretu Berhe February 24, 2014

      ኣንታ ነዞም በዓል ገባር’ዶ በዚ ጸድፊ ሸለው ዘብለለይ ሰብ ሰኣንኩ። ብምንታይ ቋንቋ ከም ንጽሕፍ እኮ ተሸጊርና። እንድሕር ትግርኛ ዘይርደኣካ ኮይኑ ስለምንታይ ብትግርኛ ትጽሕፍ። ከም ጥዑይ ሰብ ከኣ ክቡር ዶክተር ኢሉ ጀሚሩ። ዎ ገባር! ዶክተር ምስግናሲ ሓደ ዶክተር ሓድሽ ዝበሃል ከምዚ ኢሉ ኣዕሊሉኒ ኢዩ ዝበለ። እቲ ዘዕለሎ ከኣ ሓቂ ኮይኑ ጸኒሑ ይብለካ ኣሎ። በል ንናይ ገባር ቋንቋ ጌረ ኣሕጽር ኣቢለ ክደግመል። ካዶክተር ሓድሽሲ መማህርቲ ኢሳያስ ኔሩ። ደሓር እንዳተመሃሩ…እንዳተመሃሩ ከለዉስ፣ ዶክተር ሓድሽ ንኢሳያስ እምኒ ጌሩ ፈጋዕ የብሎ። (ብኻ ባ ሽዑ ቀቲልዎ) ደሓር ኢሳያስ ኒሒስ ኣድብዩ ጸኒሑ ይፈግኦ። ከመይ ሰይጣን ደኣ ይፍጋእካ እምበር። ሽዑ ንዩኒቨርስቲ ብሓንሳብ ንሓድሽ ኣበባ ይኸዱ። ካብኡ ኢሳያስ ስልጣንይኡ ሒዙ ንባሕሪ ገጹ ይወርድ። ዶክተር ሓድሽ ድማ ንኣመሪካ ብነፋሪት ይመጽእ። ዶክተር ሓድሽ ኣብ ኣመሪካ ይነብር ይነብር ይነርበር ኔሩ። ሽዑ ብበዓል ኢሳያስ ትመሓደር ዓድስ ትትረፈኒ ኢሉ። ተረዲኡካ ገባረይ። ሕጂ ዕዮ ገዛ ክህበካ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጽሑፍ መን ኢዩ ኢልዎ? ቅልጥፍ ኢልካ መልስ፣ ድሕሪ ወርሒ ከኣ ክይትምልሰለይ።

      • Zufana February 24, 2014

        Mihretu Berhe

        You are really top top man, You reminded me of Suzinino (the top Eritrean comedian).
        Thank you, thank you for the great laugh. Please do it more often/keep it up brother.

        Gebar,

        You may genuinely have misunderstood Dr Misghina so no big deal brother.

        • ahmed saleh February 24, 2014

          Mehretu
          You sound the old friend of this forum ,

  • tesfom Haileab February 24, 2014

    YES, HE DOES NOT EVEN DESERVES TO BE A STREET BOY LET ALONE A PRESIDENT. HE IS A HOOLIGAN AND A MAFIA GANG MEMBER. SHAME ON US TO LET HIM STILL STAY AS A LEADER !!!! “TO SAY, WE ERITREAN …” DOESN’T HOLD ANY MORE WATER !

  • wedimeriet February 24, 2014

    Nothing to add. Up. Please we need your wisdom, Dr.Tewolde he need your help join him bring your other friends too,the nation of your ancenstors is calling you.

  • Wedi-may Arda February 24, 2014

    Dear Doctor,
    I read your piece. To frank with you it is a cheap shot. I had expected something diffrent. MEALESH!

  • Abraha Measho February 24, 2014

    ኣታ ገባር ናይ ብሓቂ ገባር። ቋንቋ ትግርኛ ኣይርደኣካን ድዩ? ኣነ ተፈጊአ ኣይበለካን። ዶክተር ሓድሽ ዘዕለለኒ ኢዩ ዝበለካ። እቲ ኹሉ ትደግሞ ዘለኻ ዘረባ ናይ ዶክተር ሓድሽ ኢዩ። ናይ ዶክተር ምስግና ኣይኮነን። ብጰጥሮስ ስለዝሓረቐ ንደቁን ሰበይቱን ኣሲርዎም ኢሉ። ሓቁ። እንታይ ጌሮም ደኣ ሰበይቱን ደቁን ኣሲርዎም። ቅጫ ሰሪቖም። ወይ ጽቡቕ ጌርካ እቲ ቋንቋ ተመሃሮ ወይ ድማ ኣፍካ ሓዝ። ገባር ዋሒድ።

  • መን ከም ሐቂ February 24, 2014

    ገባር ደንባር አስተውዕል

  • Kalighe February 24, 2014

    Thank you ዶ/ር ምስግና ገብረመድህን

    The article is full of wisdom that rootless “monkeys” ruling Eritrea will never understand.

  • Tes February 24, 2014

    Dear Dr Misgena,

    The is nothing to add. Excellent article with good advise. Especially I like the last phrase of your article ” the similarity of flies and bees, the bees have a great leader that is why they collect honey whereas the flies lack leadership and spread all over and feed on garbage and dirty”. That is exactly what happening in Eritrea. We are not luck with leadership and to make matter worse at the helm of the state is mad man.

    Kubur Dr would you please join wedi Vacaro, for the sake of Eritrea? He deeds individuals with high caliber like you.

  • hadnet February 24, 2014

    1234 anta shekem hager.

1 2 3 4

Post a Reply to Kalighe Cancel Reply