Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ጀኔቫ ዝወዓሉ ልኡኻት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፣ ንኣባላት መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከምዘፈራርሑዎም ተፈሊጡ።

ኣብ ጀኔቫ ዝወዓሉ ልኡኻት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፣ ንኣባላት መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብዝተወደበ መልክዕ ከምዘፈራርሑዎም፣ ሎሚ 23 ሰነ ኣብ ጀነቫ ክካየድ ንዝወዓለ መበል 29 ስሩዕ ዋዕላ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ብዝወግዒ ዝኸፈተ

ኣብ ጀኔቫ ዝወዓሉ ልኡኻት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፣ ንኣባላት መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብዝተወደበ መልክዕ ከምዘፈራርሑዎም፣ ሎሚ 23 ሰነ ኣብ ጀነቫ ክካየድ ንዝወዓለ መበል 29 ስሩዕ ዋዕላ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ብዝወግዒ ዝኸፈተ ፕረዚደንት ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ናይቲ ዋዕላ ኣስዒቡ፣ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ምርማሪ ኮምሽን ኣብ ጀነቫ ካብ ዝኣትዉ ዝወረዶም ምጕብዕባዕን ምፍርራሕን፣ ተመዲቡሎም ዝነበረ ሓለዋ ብዕጽፊ ብምውሳኽ ንድሕነቶም ዝያዳ ጥንቃቐታት ከምዝገበረ ‘ውን ገንዚቡ።

ኣብቲ ኣኼባ መግለጺ ዘቕረበ ልኡኽ ጋና ነቲ ልኡኻት ናይቲ መላኺ ስርዓት ብዝተወጠነ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት መርማሪ ኮምሽን ዝፈጸሙዎ ምፍርራሕ ብምዅናን፣ ነቲ ብመርማሪ ኮምሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ። ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብወገኑ፣ ኣብ ልዕሊ ኣባላት መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝበጽሐ ምፍርራሕ ምሉእ ብምሉእ ክምርመር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።

ነዚ ዝተጠቕሰ ኩነታት ኣብቲ ቦታ ዝርክቡ ምንጭታትና ኣቐዲሞም ኣብ ዝለኣኹዎ ሓበሬታ፣ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝተወጠነ ዕዋላዊ ተግባር ዝተሳተፈ ሲራክ ባህልቢ ዝብሃል መሓዮ ናይቲ ስርዓት፣ ብኣባላት ጸጥታ ንሓጺር ግዜ ተታሒዙ ከምዝተዋልአ ጠቒሶም።

እቲ ፍጻሜ፣ ብመርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝቐረበ ጸብጻብ ክቃወሙ ጀኔቫ ንዝወዓሉ  ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ከይተረፈ፣ “ኣብ ኤርትራ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰል የልቦን ኢልና እናተቓወምና፣ ኣብ ጀኔቫ ንኣባላት መርማሪት ኮምሽን ከነፈራርሕ ዝረኣየትና ዓለም፣ ኣብ ጀነቫ ንወጻእተኛታት ዘይገደፉ ኣብ ውሽጢ ንህዝቢ ኤርትራ ደኣ እንታይ ክገድፉሉ ኢላ ክትክዕበና ዘጸግማ ኣይኮነን፣ ጸብጻብ ናይቲ ኮምሽን ምስማዕ ‘ኳ ዝየድልያን’” ብምባል፣ ሕንከትን ውርደትን ከምዝተሰመዖም ምግላጾም ብኣካል ዘዘራረቡዎም ምንጭታትና ኣገንዚቦም።

ነዚ ሕሱር ዓቕሊጽበታዊ ተግባር ኣብ ምጽራይን ምምርማርን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ምሉእ ምትሕብባር ክገብሩ፣ ብዓቢኡ ድማ ኣብቲ ን 26 ሰነ ኣብ ጀነቫ ዝካየድ ናይ ደገፍ ሰላማዊ ሰልፊ ተረኺቦም ነቲ ብጨፍላቒ ስርዓት ኢሳይያስ ዝሳቐ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ማዕሪኡ ድማ ነቶም ኣብዚ ናይ ውርደቱ ዘበን ኣጆኻ ዝበሉዎ ገበርቲ ጽቡቑ ደገፉ ክገልጸሎም ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • yihdego zelalem June 23, 2015

    እተን ከድሕንኦ ዝኽእላ ኣሜሪካን እስራኤልን ጥራይ እየን።ኣነ ዝግልበጥ እንተመሲለ ኢራን ሙሉእ ቤዝ ክትረክብ እያ፣ብሱዳን ጌሮም እስላማውያን ክመጹ እዮም እቲ ኤውሮጳውያን ዳርጋ ብጥርሑ ዝወስድዎ ዘለዉ ወርቅን ንሓስን ካልእ ሚነራላትን ክተርፍ እዩ እንድሕር ኢሉ ነገራት ክዝሕሉ እዮም። እምበር ትምኒተይሲ ኢሳያስን ህግደፍን ክግልበጡ እዩ፣ ግን ትማሊ ዩ ኤን ንእስራኤል ብገበን ጅምላ ቅትለት ህዝቢ ወጊዞማ ምንም ኣይትኸውንን እያ።ኣሜሪካ ከላ ኢሳያስን እስራኤልን ኣይትንከፋን እየን።

  • Sara June 23, 2015

    ንህግደፍ ዝወከለ ወዲ ገራህቱ ዝብሃል ከም ልሙድ አብ ቴቪ ኤረ ኩል ግዜ ዝብሃል ደጊሙ። እንተኸነ ምስቲ መድረኽ ደይከይ ቃላት ምስተጠቐመ፤ እቲ አቦ መንበር ምስ ኢዚ ገዛ ዝኸየድ ደረጃ ዝሓለወ ቃላት ክጥቀም መጠንቀቕታ ሂብዎ፤ እቲ ኮምሺን ካልእ ናይ ፖለቲካ አጀንዳ ከምዘየብሎም አረጋጊጽሉ።
    ብሓፈሻ እዚ ገበን አብነብስና ዝተፈጸመ ስለዝኸነ ንዓና ሓድሽ አይኮንን። ህግደፍ ሓበሬታ ካብ ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ዝሓተቱ ዝተ ኣከበ ኢዩ አሉ። እንተኸነ ደገፍቱውን ጽግዕተኛ ሓቲቶም ዝነብሩ እምበር፤ ነጻነት ተረኺቡ ኢሎም ጠቕሊሎም ንሃገሮም ከይኣትው ዘገበሮም ስርዓት ምኻኑ ንኽርድኡ ዝተሸገሩ ኢዮም፤፡ ደለይቲ ፍትሒ አብ ከክንድኦም ንዛረበሎም አለና።

  • Dawit kflezghi June 24, 2015

    በቲ፡ይኹን፡በቲ፡ውራይና፡ካብ፡ባዕልና
    ተጸበይቲ፡ኣይንኹን፡ኣእዳውና፡ኣጣሚርና
    ብሓባር፡ንበገስ፡ ብልዝብ፡ቅንዕና፡

    እንበር፡ሰሚዕናዮ፡ዉዕሎ፡በጋሚዶ፡ብዘይ፡ገለ፡እንዶ፡
    ኣደቡ፡ዘይፈልጥ፡ዝሓስቦ፡ዝኸዶ፡ ኣይሰመዔን፡ምዕዶ፡
    ናይ፡ጥፍአት፡ወፈራ፡ ተቆሪኖም፡ጹምዶ፡ ዘሕፍርዩ፡ሃዶ፡

    ኣብ፡ገዛአ፡ዝለመደቶ፡ኣብ፡ጎሬቤታ፡ክፋአ፡ዘይፍለጣ፡ክፍአት፡እናምስታ፡
    ሃየንታ፡ወላዲት፡ዝርንዛሕ፡ንብዓታ፡ ኣኺላ፡ሳዓታ፡

    ስርዓት፡እንጉይ፡ብላዕ፡ኣብ፡ ኤርትራ፡ዘሎ፡ዘገሾ፡ሕዛሎ፡ፍቲሒ፡ዝጎደሎ፡
    ለባም፡ከፊእዎ፡ዓሻ፡ዳሓን፡ኣሎ፡ ንኣዳም፡ገረሞ፡እጹብ፡መስተንክሮ

    ምልኪ፡ከብቅዩ፡ ደጊም፡ንሓዋሩ፡
    ዕንድፍቱ፡ ክወድቅ፡ ኩሉ፡ መሓዉሩ፡
    ፡ ክስነድዩ!ኹሉ፡ከከም፡መጋብሩ፡

    ዳዊት ክፍለዝጊ
    USA,

    • ERITRAWIT June 24, 2015

      Why are they living in diaspora?If they think Eritrea is perfect Elfey
      Eray Mray.

  • netsebraq June 24, 2015

    It would be a historic undertaking if someone could be tasked to translate the entire findings of the CoI in to Tigrigna.

  • gerimuna June 24, 2015

    The brutal dictator had sown fear and hence obedience from the once gallant people into servitude early during struggle for independence. All those born in foreign country after independence are of parents deserted the movement and were most supporters of the Junta.
    Those opportunists would even abide to anybody and any time. They don’t care about Eritrea but the privilege in a silver plate by the regime to use them and throw them later. They had been brainwashed by their parents to be suited to that end. The children hence become servitude also.
    The dictator is debilitating the nation of his arrogant shallow socialist proclivity. It has dwindled the human resources and the young above all while the whole nation is virtually in jail.
    To make a case in point, recently a foreign reporter visiting Asmara demanded arbitrarily thirty seven people for an interview of situation of the country. None dared to broach but ran away. a society who could not even express their opinion of the endowed motherland carpet blanket is a curse and barbarism of the nation.
    To defend and cry wolf of the dictator to justify the paradigm of todays symbol of oppression in Eritrea by one man show is a black mark in history not only in Eritrea and North Korea but the globe.
    There is one of those or the other. Either the people of Eritrean is changed into Zombies or the dictator and a few of his cliques had turned into Lucifer and his arms.
    For those outside defenders, they would rather commit suicide rather than return to Eritrea under the sadistic lonely leader. It is like saying, “we enjoy watching those inside suffer and a glass of whisky from the money given by welfare and get tipsy.”

  • Mulalem Gerezgiher June 24, 2015

    ኣብዚ ኣብ ጀነቫ ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ኩሉ ኤርትራዊ ዓይኒ ዝተኸወለ ኣይኮነን።ብፍላይ እቲ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ድሞክራሲን ነጊሱ፡ሰላምን ቅሳነትን ዘለዋ ሃገር ንኽትከውን ዘይትምነ ዜጋ ዘሎ ኣይመስለንን። እንተኾነ እቶም ጸብጻባትን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝጽሕፉን ዝልእኩን፡ ነቲ ዘሎ ፍልልያት ኣብ ክንዲ ምቅርራብ፡ ዘራሓሕቕን ኣብ ዜጋታት ተወሳኺ ክርሕንቲ ዝፈጥርን እምበር ተገዲሱ ካብ ዘለፋን ምጽራፍን ሪሒቑ ዝጽሕፍ ሰብ ተሳኢኑ ኣሎ።

  • lemlem June 24, 2015

    Pjdf puppets would never change. They think if they change their mind as if they betrayed theiran soul.most of them are old elements that hard to think of change and reason out.I prefer to call them KenazirPJDF .

  • hagerawi June 24, 2015

    That pig face Sirak Bahlib,i wish he gets locked up for good;he is bastard; people in London know few years ago he smuggled two of his wife sisters to sudan from Eritrea then into the UK.so if things are rosy in Eritrea how come he paid money for them to be smuggled out????he is pathetic ignorant selfish pig.I hope he will also taken to ICC.

  • eritrean June 24, 2015

    Those who are pupets of pfdj are imitaters really. If they like the administration of hgdef why they do not live in ertrea .dispite the are smuggling their whole family to abroad, so we innocent eritreans no more will be kidded .your tricks are revealed.

    • ERITRAWIT June 24, 2015

      Sirak Bahlbey Wedi Esepa and his friend Yared are responsible for all the money from festival been missing.

      • Eritrawi June 24, 2015

        Yared who? Name and shame, please!!

        • ERITRAWIT June 25, 2015

          Yared Tesfay, promoted by HGDEF from Saxophone to journalist and other illegal business.

  • Amannue from London June 24, 2015

    Sirak Bahlib also smuggled his brother via Kenya to UK. His brother is residing in Liverpool.

Post a Reply to Anbesa Cancel Reply