Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ (ኣራት ኪሎ) ብዘመዝገቦ ኣካዳምያዊ ውጽኢት ቀዳማይ ዝወጸ ኤርትራዊ ስደተኛ ብሰንኪ ዜግነቱ ናይ ወርቂ ሽልማት ከምዝተነፍጎ ተፈሊጡ።

ኣማኑኤል ተስፋስላሰ ዝተባህለ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ (ኣራት ኪሎ) ናይ ስነ ቁጽሪ (Applied Mathematics) ትምህርቱ ተኸታቲሉ ዝለዓለ ነጥቢ ዝረኸበ ብልሂ ኤርትራዊ ተማሃራይ ስደተኛ፣ ካብ ኩሎም ተማሃሮ ዝለዓለ ውጽኢት ረኺቡ ክንሱ፣ ኣብ እዋን መመረቕታ ንዕኡ ዝግባእ

ኣማኑኤል ተስፋስላሰ ዝተባህለ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ (ኣራት ኪሎ) ናይ ስነ ቁጽሪ (Applied Mathematics) ትምህርቱ ተኸታቲሉ ዝለዓለ ነጥቢ ዝረኸበ ብልሂ ኤርትራዊ ተማሃራይ ስደተኛ፣ ካብ ኩሎም ተማሃሮ ዝለዓለ ውጽኢት ረኺቡ ክንሱ፣ ኣብ እዋን መመረቕታ ንዕኡ ዝግባእ ናይ ወርቂ ሽልማት ካብ ናቱ ዝተሓተ ነጥቢ ዝነበራ ኢትዮጵያዊት ተማሃሪት፣ ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ከምዝተሸለመቶ ምንጭታት ሓቢሮም።

ናይ ተማሃራይ ኣማኑኤል ተስፋስላሰ GPA 3.94 ክኸውን ከሎ ናይታ ትሕቲኡ ዝነበረት ተማሃሪት GPA 3.91 እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፣ ኣማኑኤል ብሰንኪ ዜግነቱን ስደተኛ ብምዃኑን ሽልማት ከምዝተነፍጎ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

ተማሃራይ ኣማኑኤል፣ ቅድሚ እቲ ወግዓዊ መመረቕታ ብመሰረት ዘመዝገቦ ልዑል GPA ኣብ ኣራት ኪሎ ቀዳማይ ምዃኑ ተነጊሩዎ ኣፈናዊ ሽልማት ‘ውን ተዋሂቡዎ ክንሱ ኣብቲ ኣብ ሚልየነም ኣዳራሽ ዝተገብረ ሃገራዊ ስነስርዓት መመረቕታ ግን ድሕሪኡ ዝነበረት ኢትዮጵያዊት እቲ ወርቃዊ ሽልማት ተዋሂቡዋ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ እስራኤል ኣብ ቅድድም ጉያ ብተደጋጋሚ ግዜ ቀዳመይቲ እትወጽእ ዝነበረት ኤርትራዊት ትሕቲ ዕድመ ተማሃሪት ኣትለት ራሄል ገብረጻድቕ ‘ውን ስደተኛ ብምዃና ጥራይ ኣብ ክንድኣ ብድሕርኣ ዝኣተዉ እስራኤላውያን ቆልዑ ይሽለሙ ከምዝነበሩ ይዝከር። እዚ ኸኣ፣ ዕዳ ስደት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዘጕልሕ ተወሳኺ መርኣያ እዩ። ቀዳማይ ኣብ ሃገሩ ቀዳማይ ከምዝኸውን፣ ኣብ ስደት ክብረት ከምዘይርከብ ተገንዚብና ኸኣ ሃገርና ከነምልስ ክንሰርሕን ክንቃለስን ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
195 COMMENTS
  • petros July 30, 2014

    Anybody who knows the contact information of the student? I want to contact him.

  • Yemane H July 30, 2014

    This is not interesteing at all. you picked up the negative side only not the opportunity he get never happened in his own country. Coneratulation for amanuel and aau

  • Werki July 30, 2014

    I hope Billy gate is Ethiopian

  • Gezae July 30, 2014

    Congradualations Amanuel Tesfaslassie!!! No matter what the color of your eyes are, you are a distinct graduate student.

  • Tamrat Tamrat July 30, 2014

    Dear assena followers, from ethiopian universities point of view unless you preach about eplf nobody even cares where you are from or it doesnt matter where you are from. You can be from tigray or Eritrea (tigrinya) or from afar state or Eritrea eri-afar. The game is not to be a drop out and finally to be graduated. But we the cyber poeople are to judgmental and far away from practical thing.

  • TwoWayStreet July 30, 2014

    Let us not mix two things here. (If the story is true)
    The first one is policy. Ethiopian policy toward giving educational chance to Eritrean refugees. This whether with the help from UN or not should be commended and every Eritrean should be grateful to Ethiopia.

    The second one is academic. Once you are in class with other students, then everybody’s achievement should be treated equally. It is not fair for the teacher to say, “Hey Amanuel, you got an “A” in math 201 but I will give you just “B” because we gave you a chance to study, otherwise you would have been at the refugee camp, don’t complain just be grateful to Ethiopia.” That would be “not fair”.

    As for Amanuel, I just want to say good job, keep it up.

  • Haqi July 30, 2014

    ኣማኒኤል: ብሉጽ ምዃንካ ኣርኢኻዮም። መሲልዎም’በር ምንፋግ ወርቂ ሽልማት ንብሉጽነትካ ኣየህስሶን’ዩ: ዘይፍትሓውያን ምዃኖም’ውን ንሕልኖኦም ከምዘየቕስኖ ርግጽ’ዩ። ዘገርም ግን ብዓቢኡ ዕድል ትምህርቲ ሂብካ ነቲ ዝታሓተ ነገር ምንፋግ ንየዋህነቶምን ዘይፍትሓውያን ምዃኖም ዓቢ ምስክር’ዩ።
    ኣማኒኤል ጻዕቂ ህርኩትነትካ መምሊስካ ኣበርትዕ ከምትዕወት’ውን ዘጣራጥር ኣይኮነን!!!!

  • Hagos Tekle July 30, 2014

    Great one ama

  • ተወልደመድህን July 30, 2014

    እንታ’ዩ እቲ ሽግር።ርግጽ’ዩ እትሽለመሉን እትኾርዓሉ ሃገር ካብ ሰኣንካ እዚ ከጋጥም’ዩ።እቲ ዚበለጸ ኦድል ግን፡ንሱ ተማሂሩ፡ጽዕነት ስድራቤቱን ኅብረተሰቡን ዘይኮነሉ ክእለት ይድልብ ኣሎ።ስለዚ እቲ ሽልማት ድዩ ዞኣበየ እቲ ትምህርቲ።ኣብ ኤርትራ’ኮ ብሰንኪ’ቲ ዘይቅኑዕ ኣገባብ ናይ ኣወሃህባ ነጥቢ ማትሪክ ብዙሃት ንፉዓት ተመሃሮ ይተርፉ’ዮም።እዚኣቶም ደጊሞም ኮይኖም ወይ ኣብ ካልእ ኦኣይነት ተሳቲፎም ናብ ዚለኦኣሉ ክበጽሑ ዝኽእሉ ወይ ብሰንኪ’ቲ ዘይቅኑኦ ኣገባባት ሳዋ ተስፋ ቆሪጾም ትምህርቶም ሽላ ርእዮም ናብ ስደትን ውርደትን ዘምርሁ ኣናብስ መናኣሰያት ኣለው።ስለዚ ትምህርቱ ባገባብ ምቅጻል ኣቲ ዚበለጸ’ዩ።ሽልማት ግን እንታይ’ዩ።ሰብ ክሽለም ኢሉ ኣይኮነን ናብ ቤትምህርቲ ዚከይድ፡ትምህርቱ ክቀስም’ዩ።ኣብ ስደት ብፍላይ ኣብ ገለ ከተማታት ኤውሮፓ’ውን ኮ ብሰንኪ ዜግነቶም ክረኽቡዎ ዚግበኦም ኣይረኽቡን’ዮም።ካብዚ ኣብ ኦኣዲ ጢልያን ብሰንኪ ዜግነት ናይ ጢልያን ዘይምህላዎም እቲ ካብ መንፈኦኣቶም ካብ ዘምጻዎ ነጥቢ ይኹን ኣብ ክፍሊ ዘለዎም መንምፈኦኣት ክረኽቡዎ ዝኻሉ ቦርሳ ዲ ስቱዲኦ (borsa di studio ) ኣይረኽቡን’ዮም።ስለዚ ነዚ ወረ’ዚ ምጥቃዑ ክበሃል ዘለዎ ስለዝተሳኣነ’ዩ ይመስለኒ።ዝተረፈ ከኣ እቲ ኣብዘይናትና ኬድና ወጠምተም ምባል ከም ኣመል ግዲ ወሲድናዮ ኢና ይመስለኒ።

    • TwoWayStreet July 30, 2014

      Teweldemedhin,
      You are right, the award is not a big deal. And on the other hand it is OK to talk about it for the sake of correcting a system, not for the sake of creating enmity. It is not going to bring war between people. Just like you said about the Italian “Borsa di studio”. You did the same thing with the “borsa di studio” except you did not name names.

  • kemal July 30, 2014

    Actually ethiopia discriminated against eritreans not only in this kubd of case but also in visa. If u r an American citizen with eritrean origin, the same rule doesn’t apply like other usa citizens but different origin. If u r a somali origin american no problem, why do they discriminate for Americans with eritrean origin only. I feel ethiopians seems nice but deep un their heart still have the hate and ” hibri aynikum ” thing

    • Tamrat Tamrat July 30, 2014

      Remember, the stronger pfdj is in usa and scandenevia. Dont expect the America pfdj gets Equal treatment both in addis and Asmara.

    • ተወልደመድህን July 30, 2014

      ኩሉ ግዜ ንሓደ ክንጸርፍ ከሎና፡ንሕና ካብቲ ንጸርፎ ዘሎና ዝኄሽና ምኳና ነቲ ጉዳይ’ቲ ዘይንፍጽሞ ምኳና ክነለሊ የድሊ።ንሕና ኤርትራውያን ኣብቲ ሃገራዊ ጉዳይ ኩሉ ብሓደ ኦኣይኒ’ዶ ይጥመት ኔሩ…..ክላእን ካላን ስለዘሎ፡ከምቲ ፈላስፋ ዚበሎ ቅድም’ሞ ባህርና ኣረኣእያና ንጹህ ንግበሮ ደሃር ነቲ ካልእ ንውቀስ።

Post a Reply to Tesfu Kbrom Cancel Reply