Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ መንጎ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን፣ ንነብሶም እሙናት ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ኢሎም ዝሓስቡዎ ጉጅለን ከቢድ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ምህላው ተፈሊጡ።

ኣብ መንጎ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን፣ ንነብሶም እሙናት ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ኢሎም ዝሓስቡዋ ኣቓልቦ ናይቲ ኤምባሲ ዝሰኣኑ ወልቀሰባትን ግዳም ሓደር ዘቖሙዎ ጉጅለን ከቢድ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ምህላው ተፈሊጡ። ጠንቂ ናይቲ ግጭት፣ ብብድሕሪ

ኣብ መንጎ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን፣ ንነብሶም እሙናት ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ኢሎም ዝሓስቡዋ ኣቓልቦ ናይቲ ኤምባሲ ዝሰኣኑ ወልቀሰባትን ግዳም ሓደር ዘቖሙዎ ጉጅለን ከቢድ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ምህላው ተፈሊጡ።

ጠንቂ ናይቲ ግጭት፣ ብብድሕሪ ቲ ብ26 ሰነ ኣብ ጀነቫ ዝቐረበ ጸብጻብ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ እቶም ብዘይኣፍልጦ ናይቲ ኤምባሲ ኣብ ቅድሚ ቤተመንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ (Downing Street) ዳስ ተኺሎም “ንውድብ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ እንግሊዝን ንቃወም ኣለና” ክብሉ ዝወርሑ ብዙሕ ሰዓቢ ዘይረኸቡ ጉጅለ፣ “እቲ ኤምባሲ ኣይሰዓበናን” ዝብል ምዕዝምዛም ምብጋሶም እዩ።

ኤምባሲ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ብግዲኡ፣ እቶም ብስም ሃገራዊ ጉዳይ ኣታሊሎም ካብ ኣዴታት ኣሽሓት ገንዘብ ዘዋህለሉ ጉጅለ ምስቶም ዳስ ንምሕላው ዘዋዋፈሩዎም ግዳም ሓደር ዊስኪታት እናሰተዩ ነቲ ኣሽሓት ገንዘብ ከምዘባኸኑዎ ይኸስስ ከምዘሎ ምንጭታት ይሕብሩ።

ብዘይካ ‘ዚ እቲ ኤምባሲ፣ እቲ ጉጅለ መሳርሒ ናይቲ ስርዓት ኣብ ዝኾነ ዕሱባት ዌብሳይታት ዘርጊሑዎ ንዝጸንሐ ሓበሬታታት ከምዝእለ ምግባሩ ‘ውን ተፈሊጡ ‘ሎ።

ኣብ መወዳእታ እቶም ተስፋ ቆሪጾም ዳሶም ኣፍሪሶም ቅድሚ ገለ ሰሙናት ክእለዩ ዝተገደዱ ጉጅለ፣ “ምእንቲ ባንዴራና ጠጠው ኢልና ክንስና፣ ኤምባሲ ስለምንታይ ምስዓብ ከምዝኣበየና ነጽንዖ ኣለና” ኢሎም እቲ ምስሕሓብ ወገናዊ መኣዝን ከምዘለዎ ወረ ክነዝሑ ጀሚሮም ኣለዉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • fetsum abraham September 10, 2015

    what do the rifrafs
    expect fromtheir embassy? they must have been embarrassed by z shameful thing they did but they should have known that they are no better zan toys to the dictator and his servants, z reason the embassy ignored zem when zey made a fool out of zemselves

  • A H September 10, 2015

    ጉዳዩ ክሳብ ዝጻረ ኣይንተሃወኽ፡ ነገሩ እናጎልሔ ይመጽእ ስለ ዘሎ፡ ነዋህልል፡፡ ናብ ደምበ መንኮን ይጽምበሩ ይኾኑ፡ ገመድና ካብ ምንዋሕ ኣይንሕመቕ፡ ሎሚ ግዝያቱ እናዓምበበ ይሽምበብ’ዩ ዘሎ።
    ኣናብስ ውሒጦም ደኣ ናበይ’ክሽመሙ?

    • HABTOM September 10, 2015

      Xibuk aloka zihawey,DELEYTI FITIHI SRAHNA KES ENABELE NI HGDEF YEBOKBUKOM EYU ZELO,NISEGUM TRAY!!!! LEBZEBEN HADI’A ALA!

  • ertra n ertrawyan September 10, 2015

    Most Eritreans are in need of justice whether they are working in Embassy or in different sectors of the regime inside Eritrea. One more thing remained is who will fire the first stick of match inside Eritrea.

  • ኣርዓዶም September 10, 2015

    መርገም ህዝቢ እንተዘይቐተለ የዕነኒ፡ ኢሎም ኣቦው መሲሎም ኢዮም።
    ሕጂ ድማ እዞም ማእረርቲ ንቕራርያ ፍንጃል ቡን ክብሉ፡ ነቲ ፍንፉን ተግባራቶም ዓለም ከምዘይፈለጠቶም ተጣበቕቲ ህዝቢ ኤርትራ መሲሎም፡ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ዓሪዶም ቐንዮም። እዞም ሓንጎሎም ብቕትለት ሰብ እምበር ሰላም ዘይብሎም ሓተላ ታሪኽ፡ ጽባሕ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኢድ መላኺ ጭፍራ ህግደፍ ናጻ ምስ ዝኸውን፡ ቐዳሞት ትሓተቲ እዞም ክልተ ጸጉሪ ዘለዎም ምስሉያት ዓዋሉ ህግደፍ ናይ ለንደን ኢዮም። ነዚ ስለዝፈለጡ ድማ ኢዮም፡ ጭንቒ ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛይድ፡ ብዙሕ ዝለፍዑ ዘለዉ።

    እንተኾነ ግን ዘይቕየር መንግስቲ ዘይሓልፍ ጭንቒ ከምዘሎ ረሲዖም፡ ነተን ኣግነታት ዝኾና ኣጋንንቲ ስዓብቶም ኣንስቲ፡ ካብ ቕናተን ገንዘብ ክሽምጥጡ ወሪሖም። እዚ ስለዝመቐሮም ኢዮም ክኣ ወርሒ ምሉእ ዳስ ተኺሎም፡ ናይ ክስቶ ገንዘብ ይበዝሕ፡ ናይ ክስቶ ይውሑዳት፡ ናይ ክስቶ ቡን ጥዕምቲ፡ ናይ ክስቶስ ኣይመቐረትን፡ እንዳበሉ ከማጻርዩ ዝቐነዩ ነቐዝ ህዝቢ፡ ኢዶም እንተተረኸበቶም ዝግብኦም ጥራይ ዘይኮነ፡ ግሒጥካ ናብቲ ንፈትዎ ኢና ዝብልዎ መራሒ ኦም ምስዳድ ኢዩ ነይሩ።

    እዞም ነቐዝ ህዝቢ፡ ብዘይካ እቶም ብግጉይ ሓበሬታን ብነብሰ ፍትወትን ዝስዕብዎም ብሃማት፡ ህዝቢ ኤርትራ ፎእ ኢሉ ከም ዝፈንፈኖም ክስቖሮም ይግባእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ርእሲኦም ከምዘሎ ክግንዘቡ ኣለዎም።

    ብዝተኻእለ ስእሎም ጠቒዕካ ህዝቢ ክፈልጦም እንተዝግበር፡ ኣዝዩ ሓጋዚ ምኾነ።

    ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ።

    ኣርዓዶም

    • Genet Measho September 11, 2015

      azyu znad Hasabat eyu haw Aradom selom ytekae, seb yfletom.Thank you

  • solomon September 10, 2015

    We will see my lovely eritrean justice coming soon Esayas falling budly with his branches I love ERITREA & ERITREAN PEOPLE’S GOD BLESS ERITREA.

  • sami September 10, 2015

    እዚኦም እኮ ብቐደሙ ጆብ ሰንተር ተኸኽ ዘበሉ ናይ ስራሕ መንፈስ ዘይብሎም ገርዛማት ደኣ ገንዘብ ዝምውል እንተረኺቦም ዊስኪ ክሕንፉፍዎ እዮም ከምዚ ናይ ማሕበር ስዋ መሲልዎም ሕንፍፍ ቀንዮሞ kkkkkkkk

    • ጀጋንው ይዘከርው። September 11, 2015

      sami,
      ፈሊትካዮም ኣለካ ኢተን ኣንስቲይ ን ሰብተን ዝፈተሃ ወይ ካ ቲህቲይ መንበር ዘህልፋ ህገድፋውያን ኣደታት ኢየን። ኢቶም ኣሰብት ካ ከምቲይ ዝበልካዮ።

  • AHMED SALEH !!!. September 10, 2015

    Rules of political correct goes both ways . Either to follow
    right way or contrary of it which is the wrong way .
    Now , these people allowed themselves to follow orders from
    well known arrogant and defiant Ambassador against nations
    which offered them safe place to reside .
    A person who bite the feeding hand is non appreciative worthless
    human being and he probably get what he deserves.

  • wedi selam September 10, 2015

    It is unbelievable. Are these people have nothing to do? Haven’t thy a family to share their time with? Thy were seating there, against reality and humanity. These guys are supporting the dictator because thy have nothing on their life to prou of. How do these guys know that seating down in front of downing street a government building made of Prime Minister, Parliament and house of Lords, hears and solves their grvacancies, while thy opposing to have a government made of a President or Prime Minister,he or she who elected by the people with a working and powerfull Parliament to see cases of the people and solve?

  • Simon G. September 10, 2015

    The Embassy (LoL) ignored them….Well, don’t they deserve it?

  • Dehai September 11, 2015

    ጌና ፈርከሽኸሽ ክብሉ እዮም ህግደፍ። ሓንሳብ እነተጀሚራ እዃ ኣኪሉዋ እዩ። እዚ እኻ ሓሚቅና እምበር እዚ ገስረጥ ስርዓት እዚ ነቲ ምዕቡል ህዝቢ ኤርትራ ኣይግባእን እዩ።

Post a Reply to Tlam Cancel Reply