Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዕርቂ ንጥቕሚ መን?

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዕርቂ ንጥቕሚ መን? ለማቕነ ብዛዕባ ናይ ሰላም ዝርርብ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን  ኣብ ወረ ማዕከናት ኤርትራ ገኒኑ ይርከብ። ብፍላይ ቅድሚ ሕጂ ተራኢዩ ዘይፈልጥ ኣብ ናይ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኢንተርነት መርበባት

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዕርቂ ንጥቕሚ መን?

ለማቕነ ብዛዕባ ናይ ሰላም ዝርርብ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን  ኣብ ወረ ማዕከናት ኤርትራ ገኒኑ ይርከብ። ብፍላይ ቅድሚ ሕጂ ተራኢዩ ዘይፈልጥ ኣብ ናይ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኢንተርነት መርበባት ይጐልሕ ኣሎ። ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ’ውን ዳርጋ ትንፋስ መሊሶም “ዮሃና” ዝበሉ ይመስሉ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ገለ ካብ ተቓወምቲ ደንበ ብዛዕባ’ዚ ዝበሃል ዘሎ ዕርቂ ስግኣት ዝሓደሮም ይመስል። እሞ እቲ ዝበሃል ዘሎ ሓቂ እንተ ኮይኑ፡ ኣብ ተግባር ድማ እንተ ዊዒሉ፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዘኸትሎ ሳዕቤን፡ ገለ ቁሩብ ዘሎኒ ውልቃዊ ሪኢቶይ ከቐምጥ ስለ ዝደለኹ ኢዩ።

እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድና ኣይሰላም-ኣይኵናት ዝምድና ኢዩ። እዚ ዝምድና’ዚ ንመን ብዝያዳ ይጐድእ(ይሃሲ) ኣሎ?

ኢትዮጵያ ኩላትና ከም እንሪኦን እንሰምዖን ዘሎና፡ ብዘይ ዕንቅፋት ዕዮ ገዛኣ እናካየደት ኢያ። ብፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ሸነኻት’ውን፡ ቤ/ጽ ኣፍሪቃ ሕብረት ኣብ ሃገራ መስሪታ፡ ምስኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብጀካ ኤርትራ ጽቡቚ ዝምድና ፈጢራ፡ ዝተረጋግኤ ስርዓት ከም ዘለዋ ብሩህ ኢዩ። ብሸነኽ ቁጠባ’ውን፡ መጋቢ መንገዲታት፤ ናይ ባቡር መስመራት መደብ ኣወጺኣ፡ ናይ ሓይሊ ኤለትሪክ ዘመንጩ ዓበይቲ ሓጽብታት እናሃነጸት ናብ ጽቡቚ ኩነታት ትጓዓዝ ከም ዘላ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ኢዩ። ብሸነኽ ትምህርትን ህዝባዊ ክንክን ጥዕናን እውን እንኾነ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ተራኢዩ ዘይትፈልጥ ምዕባሌ  ኢያ እተርኢ ዘላ። ብሓጺሩ ኢትዮጵያ ሎሚ ሓንቲ ካንተን ኣብ ዓለም ቑጠባዊ ዕብየት ዘርኢያ ዘለዋ ሃገራት ኢያ። እዚ ዓለም ዝመስከሮ ሓቂ ኢዩ። ክንክሕዶ ኣይንኽእልን።

ኤርትራ በንጻሩ፡ ኣብ ድኽነትን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ዘላ ሃገር ኢያ። ዜጋታታ ብፍላይ ከኣ መንእሰያታታ አብ ክንዲ ናብ ሃገሮም ናብ ስደት ገጾም ዘምሩሑላ ሃገር ኢያ። ብሸነኽ ፖለቲካ’ውን እንተኾነ፡ ቅዋም ዘይብላ ሃገር ኮይና፡ ብሓደ ውልቀ-መላኺ መራሒ እትዕብለል ሃገር ኢያ። ዳርጋ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት እትጻባእ ካብ ዓለም ተነጺላ ትነብር ኣላ። ኣይኮነን’ዶ ቁጠባዊ ምዕባሌ ከተመዝግብስ፡ ዜጋታታ ጽሩይ ማይን መብራህትን ከተቕርብ ዘይካኣለት ካብ ሰሜን ኮርያ ቀጺላ ብምሳሌ እትጥቀስ ሃገር ኢያ። ኮታ ብሓፈሽኡ ኤርትራ ብስደትን መከራን ኣብ ዓለም ዝተፈልጠት ሃገር ኢያ። ከምኡ ድማ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ክንዲ ህዝቡን ሃገሩን ዘማሓይሽ፡ ኣብ ዓለም ዝተፈልጡ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ክሕግዝ ስለ ዝተረኽበ ብሕቡራት ሃገራት ዝተወሰነ ማዕቀብ ወሪድዎ ይርከብ። ስለዚ ኣይሰላም ኣይኵናት ንስርዓት ህግደፍ ሃስዩዎ ጥራይ ዘይኮነስ ኣዳኺሙዎ ኢዩ።

ካሊእ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህዝቢ ኤርትራን መንግስትን ዘለዎ ዝምድና፡ ሓደ ዓይነት ኣይኮነን። ምስ ስርዓት ህግደፍ ዘለዎ ዝምደና ተጻባኢ (hostile) ኢዩ። ኩሉ እቲ ስርዓት ህግደፍ ዝገብሮ ፈተነታት ንኢትዮጵያ ምድኻም ኢዩ ነይሩ። ካብ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ዶባት ጀሚርካ ስጋብ ሶማልያ ዝገበሮን ዝገብሮ ዘሎን ብተዘዋዋሪ ወተሃደራዊ ስሪሒታትን ግብረሽበራታትን ንኢትዮጵያ ንምድኻም ኢዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ካብዚ ብምብጋስ ኢዩ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ማዕቀብ ከም ዝወርዶ ጺዒሩ። ተዓዊቱ ድማ። ንድሕሪ ሕጅ’ውን ኢትዮጵያ ምስ ስርዓት ህግደፍ ነባራዊ ዝምድና ፈጢሩ፡ እምነት ኣሕዲሩ ዝምድና ዝጅምር ኣይመስለንን። ስርዓት ህግደፍ ዝእመን ሰርዓት ስለ ዘይኮነ።

እዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ዝምድና፡ ካብቲ ምስቲ ስርዓት ዘሎዎ ፍልይ ዝበለ ኢዩ። ከምቲ ቅድሚ-ሕጂ ዝገለጽኩዎ፡ እዞም ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘለው ሰልፍታት ኢትዮጵያ ዳር መብዛሕትኦም ኣብቲ ዘሓለፈ ብረታዊ ቃልሶም፡ ማለት ኣብ በረኻ እንከለው ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝኣመኑ ኢዮም። ድሕሪ ናጽነት እውን ንኤርትራ ከም ሃገር ዝኣመኑላ ኢዮም። ይዝከረኒ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ተዘይተጋግየ) ኣብ 80ታት ምስ ክልቲኤን ውድባት ኤርትራ ማለት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ተባኢሶሙሉ ኣብ ዝነበሩ ግዜ አብ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮም መርገጺ ነቕ ኣይበሉን። እዚ ዘረድኣና ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ዝምድና መትከላዊ ምዃኑ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ ኣብቲ ዝሓለፈ ዳሕረዋይ ኵናት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ህዝብና ካብ ሃገሮም ክሰጉዎ እንከሎ፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ተቓዊምናን ነቲ ውሳኔ’ውን ኮኒናዮን ኢና። መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ድሒሩ ነቲ ውሳኔ ጌጋ ምዃኑ ብዕሊ ኣፍሊጡ ኢዩ። ብድሕሪኡ’ውን መሰረት ዘይብሉ ሓሶት ህግደፋውያን ዝብልዎ ሓዲግና፡ ንብረቶም ብውክልና ኣመዝጊቦም ዝኸዱ ኤርትራውያን፡ ብዘይ ሽግር ተመሊሶም ንብረቶም ይርከቡ ከም ዘለው ንዕዘብ ኣሎና። ርግጽ ኢዩ፡ ገለ ድማ ሽግራት የጋጥሞም ከም ዘሎ ንርኢ። እዚ ድማ እቲ መመርሒ ካብ ላዕሊ ንጹር ኢዩ። ኣብ ታሕቲ ምትግባሩ ግን ሽግራት ከም ዘሎ ይፍለጥ ኢዩ። እዚ ሽግር’ዚ ድማ ከም ዝመስለኒ ምስ ብልሽውና ዝተተሐሓዘ ኢዩ። መንግሰቲ ድማ ነዚ ዕንቅፋት’ዚ መደብ ኣውጺኡ ይቃለሶ ኣሎ። ዝኾነ ኮይኑ ግን ኣነ ክብሎ ዝደለኹ እቲ መንግሰቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ዝምድና መትከላዊ ከም ምዃኑ ንምግላጽ ኢዩ። “ጸላኢ ጸላኢየይ = ፈታውየይ” ካብ ዝብል ተመርኵሱ ኣይኮነን ንተቓወምቲ ዝሕግዝ ዘሎ። ልክዕ ኢዩ ኣብ ዓለም ሃገራዊ ጠቕሚ ኣሎ ኢዩ። ሃገራዊ ጠቕሚ ክበሃል ከሎ ግን ንእትኣምነሉ መትከላት ዓምጺጽካ ዓማጺጽካ እተተግብሮ ኣይኮነን። ሃገራዊ ጠቕሚ ንኻልኦት ኣህዛብ ብዘይሃሲ እትገብሮ’ውን ኣሎ። መትከላት ኢህኣደግ ምስዚ ዝሳማማዕ ይመስለኒ።

ካሊእ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓንቲ እግሩ ጠጠው ኢሉ ንመሰሉ ይቃለስ ከም ዘሎ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ። እዚ ቃልሲ’ዚ ኣብ ሸቶኡ ክበጽሕ ከም ዘለዎ’ውን ይኣምን ኢዩ። እሞ ከመይ ጌሩ ድኣ ነዚ ብመትከል ዝኣምነሉ ህዝባዊ ቃልሲ ኣብ ምንገዲ ሓዲግዎ ምስ ጸላኢኡ(ስርዓት ህግደፍ) ይዕረቕ? ኣነ ፍጹም ኣይኣምንን።

ብገለ ተቓወምቲ ኣካላት ዝወርድ ክትዕ’ውን ኣሎ። ንሱ ድማ “ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ንምሕያል ዘይገበረቶ ጻዕሪ የለን። ተቓወምቲ ግን ወላሓንቲ ከበርክቱ ኣይከኣሉን። ስለዚ መንግሰቲ ኢትይጵያ ተሰፋ ቆሪጹ፡ እሞ ኤርትራ ድማ ከም ሶማል ከይትኸውን ስለ ዘስገኦ፡ ዝምድና ፈጢርካ ነቲ ስርዓት ምጽጋን ይሓይሽ” ዝብል ኣሎ። ልክዕ ኢዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘካይዶ ደሞክራስያዊ ቃልሱ ንምሕጋዝ ጻዕሪ ኣካይዱን የካይድ ኣሎን። ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ’ውን ተስፋ ዘቚሩጹ ኢዮም። ይኹን’ምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ጽገናዊ መንገድ’ዚ ኣይመርጽን። ቅድም-ቅድም ስርዓት ህግደፍ አብ ኤርትራ ስጋብ ዘሎ ሰላምን ምርግጋእን ኣይርከብን። ወላ’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ መትከላዊ ዝምድና ሓዲጉ፡ ኣብ ሃገራዊ ጥቕሚ ጠራይ ተመረኵሱ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዕርቂ ይግበር እንተ በልና፡ ዘላቒ ዕርቂ ኣይኸውንን። ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ዝድግፎ ኣይመስለንን።

ስለዚ ናይ ሰላም ዕርቂ ኣብ መንጎ ስርዓት ህግደፍን መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ንስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኢያ እትጠቅም። ንህዝቢ ኤርትራ ኣይትጠቅምን ንኢትዮጵያ’ውን ኣይትጠቅምን። እቲ ናይ ወደብ ዓሰብ ፖለቲካ እንተገደፍናዮ ይሓይሽ። ኢትዮጵያ’ውን ንጂቡቲ ዝወስድ መንገዲ ይኹን ዘባናዊ ባቡር ንምህናጽ ብዙሕ ወጻኢ ስለ ዘውጽአት፡ ኣብ ወደብ ዓሰብ ብዙሕ ድሌት ዘለዋ ኣይመሰለንን። ክራይ ኣብ ጅቡቲ’ውን ይኸፍሉ ኣለው ኣብ ዓሰብ’ውን ከኸፍሉ ኢዮም። ርሕቐቱ’ውን ካብ ኣዲስ ኣባበ ዳርጋ ክልቲኡ ሓደ ኢዩ።እቲ ካብ ዓሰብ ዝርከብ ዝነበረ ጥቕሚ ቀደም ስርዓት ህገደፍ ኣጥፊኡዎ። ምናልባሽ ኢትዮጵያ ካብዚ ዕርቂ’ዚ ክትጥቀም እንተኮይና እቶም ስርዓት ህግደፍ ዘዕጥቖምን ዝዕልሞምን ዘሎ ዝተፈላለዩ ናይ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ጠጠው ምባል ኢዩ። እዚ ከኣ ስጋዕ ክንድ’ዚ ኣይኮነን። ኢትዮጵያ በዚ ዘለዋ ዓቕሚ ካብ መጥቓዕቲ እዞም ጉጅለታት እዚኣቶም ክትከላኸል ትኽእል ኢያ። ድሓር ኣይንረስዕ ስርዓት ህግደፍ ክወድቕ እንከሎ ምሰኡ ሓቢሮም ዝመቱ ጉጅለታት ኢዮም። እንተ ኮነ ግን እዚ “እንተ” እናበልኩ ዝጽሕፎ ዘሎኹ ዕርቂ፡ ሓቂ ምስ ዝኸውን፡ ንግዜኡ ስርዓት ህግደፍ ትንፋስ ክመልስ ይኽእል ኢዩ። ነታ ሓንቲ መተንፈሲት መስኮት (ሱዳን) ዘላቶ ድማ “ኢትዮጵያ” ካልኣይቲ ክትኮኖ ትኽእል። እዚ ድማ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከናወሖ ይኽእል ይኸውን። ግን ጠጠው ኣየብሎን። ስለዚ ከይዱ-ከይዱ እግሩ ኣብ ጉድጓድ ኣእቲዩ ዘሎ ስርዓት ዕድሜኡ ምንዋሕ ኢዩ።

እሞ እዚ ብመንጎኝነት መንግስቲ ሱዳን ዝፍተን ዘሎ ናይ ዕርቂ ዝርርብ ውጽኢቱ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ኢልኩም ምስ እትሓቱኒ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ኩሉ ግዜ ንዕርቂ ሕራይ ምስ በለ ኢዩ። እቲ ዕርቂ ግን ናይ ሓቂ ዕርቂ ድዩ ወይስ ንዲፕሎማሲ ዘገልግል? ኣይንረስዕ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ድማ ንሓንጎል ኢሳያስ ኣጸቢቖም ኢዮም ዝፈልጥዋ። ስለዚ እዚ ዝበሃል ዘሎ ዕርቂ ኣብ ተግባር ዝውዕል ኣይመስለንን።

ኣብ መደምደምታ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፡ ህዝብ ኤርትራ መሰሉ ዝረጋገጽ ብቓልሱ ኢዩ። ብፍላይ ምንእሰያትና ክጥርነፉን ክውደቡን ኣለዎም። ብሓፈሽኡ ናይዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ድኹም ቃልሲ ሓላፍነትን መሪሕነትን ክወስድ ኣለዎ።እቲ ኣረጊት ትውልዲ እንተ ኺኢሉ ምኽርን ሓሳባትን ጥራይ ኢዩ ከበርክት ዝኽእል። ስርዓት ህግደፍ እንተ ኾነ ብዕርቂ ስልጣን ዝለቅቕ ኣይኮነን። ኢሳያስ ናብ ዕርቂ ዝቐርብ ስልጣኑ ነቕነቕ ምስ እትብል ጥራይ ኢዩ። ልክዕ  ከምታ ናይ ኣልጀርስ ውዕል። ትዘይ ኮነ ሓደ ዲክታተር ብባህረያቱ ስልጣን ብሓይሊ ኢዩ ዘረክብ።

 

ቃልሲ ህዝብና ክዕወት መንእሰያትና ይጠርነፉ (ይወደቡ)

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ

 

ኣድሓኖም ፍትዊ

14-12-2013

Comment: A.Fitiwi1993@kpnmail.nl

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • Samuel December 14, 2013

    Mr Adhanom,

    I hate PFDJ, but if Ethiopia and Eritrea have peace, I will be super happy. Guess what, PFDJ will not have any excuse to continue the indefinite national service and Eritreans inside Eritrea will benefit from it.

    I respect you struggle for freedom. You tried, but what have you achieved? not only you, but all the opposition groups.

    I believe change is from within and I believe anything that better off Eritreans inside Eritrea right now should be welcomed by every Eritrean.

    It looks you are crying for yourself but not for Eritreans inside Eritrea.

    • StillClueless December 15, 2013

      Samuel, you hating PFDJ doesn’t, unfortunately, affirms your understanding of PFDJ. PFDJ is not a leopard capable of changing it’s stripes. The argument that PFDJ will not have an excuse to continue it’s national service is weak. Why? Because PFDJ has evolved into an entity that does NOT need to justify it’s policies to anyone. When was the last time they gave a statement to explain a decision? They don’t feel like they are obligated to; even if that means taking a hit from their supporters. PFDJ is not interested in peace, they are interested in prolonging their power and if that means resorting to tucking in their tails and bowing down to Ethiopia, they will do it. Anything to prolong their grip of power. But, to assume that whatever changes they make go beyond the surface is to be extremely naive. The people have nothing deeply meaningful to gain from this….

  • belay nega December 14, 2013

    Mr Adhanom,

    I guess that Eritro/Ethiopian issue is beyond your perception.However, for a long lasting peace, no matter how expensive is, Ethiopians question needs to be addressed,and answered properly.

  • Semhar December 14, 2013

    ህዝብ ኤርትራ መሰሉ ዝረጋገጽ ብቓልሱ ኢዩ። ብፍላይ ምንእሰያትና ክጥርነፉን ክውደቡን ኣለዎም። ብሓፈሽኡ ናይዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ድኹም ቃልሲ ሓላፍነትን መሪሕነትን ክወስድ ኣለዎ።እቲ ኣረጊት ትውልዲ እንተ ኺኢሉ ምኽርን ሓሳባትን ጥራይ ኢዩ ከበርክት ዝኽእል። ስርዓት ህግደፍ እንተ ኾነ ብዕርቂ ስልጣን ዝለቅቕ ኣይኮነን። ኢሳያስ ናብ ዕርቂ ዝቐርብ ስልጣኑ ነቕነቕ ምስ እትብል ጥራይ ኢዩ። ልክዕ ከምታ ናይ ኣልጀርስ ውዕል። ትዘይ ኮነ ሓደ ዲክታተር ብባህረያቱ ስልጣን ብሓይሊ ኢዩ ዘረክብ።

    ቃልሲ ህዝብና ክዕወት መንእሰያትና ይጠርነፉ (ይወደቡ)

    ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ

  • Saving Young Eritreans December 14, 2013

    ደቀይን ንኣሽቱ ኣሕዋተይን ትኾኑ ኤርትራውያን ,

    እቲ ክብሎ ዝደሊ ናይ መፋነዊ መልእኽተይ ብ 30 October /2013 ኢለዮ ስለ ዝኾንኩ ኣብ ትንተናን,ዳግመ ርትዖን ኣይኣቱይን ።ግን እቲ ኤርትራዊ ዕርቂ ኢለ ብተግባር ቅደም ተኸተል ጌረ ዝተንተንክዎ ናይ ለባመ-ለባማት ምኽሪ ብተግባር ኣብ You Tube ስለ ዝዳህሰስክ ዎ እዩ። ሓደራ ኣብ You Tube ከድኩም ¨Forgivness; a Traditional culture of the proud Erob people¨ ዝብል ኣስፍሩ እሞ ጠውቑ . ገሌኹም ሕማም ኣቦታትኩም ኣየጥቅዕኩም ፣መምሃሪ ክሳዕ ዝኾነ ህዝቢ ከባቢ ኢሮብ ይኹን ፣ህዝቢ ከባቢ ካይሮ__ቁም ነገሩ ውሰድዎ .ገሊኦም ብዕድመ ዓበይቲ እንታይ ዓቢ ነገር ኮይኑ እዩ፣ኣብ ኤርትራናስ ጓልን ጋርን ከፊልካ ዘሎ ባህሊ እንድዩ ክብሉ ፣ጽልኣት መንነቶም ዝኾነ ርእይቶ ክድርብዩ ምዃኖም ይስምዓኒ።ሓቆም ክኣ እዮም።ግን ነዚ ሓድሽ ትውልዲ (ብሕልፊ ወጻኢ ዝቕመጥ)ብዘረባ ክሰምዖን፣ ኣብ ዩ ትዩብ ተወቂጡን ብተንቃሳቓሲ ፊልሚ ክርእዮን ዓቢ ፍልልይ እዩ።
    ስለዚ ,ኣሽቱ ኣሕዋተይን ደቀይን ትኾኑ,ጽልኢ ብዙሓት ምሂሮሙኹም እዮም ።ኣነ ዕርቅን ምርድዳእን ክሰፍነኩም ይደሊ።ክእለት ስለ ዝሓጽረንን፣ኢሞሽን ስለ ዘጥቅዓንን ምሉእ ስእሊ ከይሃብኩኹም ከም ዝቑጸ ተረዲኤ__ሓደራ ነዛ ዝብለኩም ጽን ኢልኩም ተኻታተልዋ፣እቶም ዓበይቲ ዓዲ ዝዛረብዎ መትዓረቒ ዘረባታት መሬት ጥብ ዝብል ኣይኮነን።ይቕረ ዘይብል ፈራህን ጨካንን ጥራይ እዩ ።ብዝተረፈ ጽቡቕ ምክትታል ይግበረልኩም ።

    Your´s
    Uncle Saving Young Eritreans aka Mehretu Habte

    • ERITRAWIT December 16, 2013

      SYE,
      Thank you so much what a fantastic people God bless them. I just wonder what is our difference everything is the same they remaind me when I go to visit my grand dad and my grand mum. I hope we will hear more from you Uncle.

      • SAVING YOUNG ERITREANS December 16, 2013

        RESPECTABLE ERITRAWIT ,

        We were spoon fed hatred by the Gedli generation,….we lost our soul, that is what happened ,if we are to change PFDJ ,firstly we need to change ourselves.

        More respect to you

        Uncle SYE

        • ERITRAWIT December 17, 2013

          SYE,
          I DO AGREE!!!!!!!!!!!!

  • Hidat December 15, 2013

    “”””ABZI EWAN EZI ABMENGO ERITRAN ETHIOPIAN ERKI NITEKMI MEN “”””???????ANTUM SEBAT NEKELETU HIZBETAT ENBER NEMEN DEA??????????????????????????????????????????????

    ETI ZETEREFEE XEHUF KEYENBBO FERIHEEEEEE.NETKIMI KALEOT EYU KEIBELENA XEHAFAI EHEWWWW.

    • StillClueless December 15, 2013

      Hizbi Ertra hatz elu zitef’e zelos bsenki kwinat dyu welas bsenki eti sir’At? Eske melsa ezia…

  • rahel December 15, 2013

    Eritrean solution by Eritrean,so go. Ethiopia also will goon their own way.if u dont need them why they need u.

    • StillClueless December 15, 2013

      Rahel, the stance of “Eritrean Solutions for Eritrean Problems” was born out of the fact that what Ethiopia was interested in is NOT mutually respectful engagement in resolving the issue that is PFDJ but in establishing a puppet government in Eritrea. The Eritrean opposition movement is not all full of myopic individuals; they know Eritrea will exist beyond Isayas and if that Eritrea is set to be doomed because of Ethiopia’s prioritization of it’s own scheme over genuine healthy, bilateral relationship, then YES! Eritrean Solutions for Eritrean Problems!

  • ERITRAWIT December 15, 2013

    Dear Adhanom,
    You said it all why HGDEF they are talking about peace now? no where to turn to? bkberet gedefkas bhsret who can trust them after all this damage and hlket??? I am sure they are after something it shows the end of the journey. We Eritrean there is no turn back we have to get rid of this Devil man and his Korakur. all East Africa country they are better off with out HGDEF MENDEF.

  • Genet December 15, 2013

    The dictator is willing to talk peace with Ethiopia. That doesn’t surprise me a tiny bit. It is all about him all along. It never been about the people of Eritrea or Woyane. For more than 12 years, he has been misleading his supporters. He has been telling them, all the problems in Eritrea is not his fault, rather the Woyane’s. The brain dead supporters went along with his lies. The other side of this supposedly peace talk shows, the Woyane gov. has no respect for the oppositions. I would say Woyane shouldn’t be trusted in the first place. The dictator’s willingness to talk with Woyane, changes noting for our people. He and his generals caused unbelievable misery to our people, So they have to go. Our people desperately need a better change.
    Genet

    • Meretse Asmelash December 15, 2013

      ዕርቒ ንጠቅሚ መን?
      እዚ ሕቶ’ዚ እዋናዊን ኣገድሲ ሕቶን ኮይኑ ከብቅዕ ብድፍረት ክልዓል ግን ካልእይ ግዜ’ኡ ጥራሕ እዩ። ቀዳማይ፡ ልክዕ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ “ቀይሕ ሕንጻጽ ክስገር ይረኤ ኣሎ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብሓው “ረድኢ መሓሪ” ተጻሒፉ ንዝነበረ ሓተታ ብዙሕ ሰብ ኣቅሊብሉ ኔሩ ኢልካ ክምስከር ዝክኣል ኣይኮነን። ዝኮነ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን፡ ብሓደ-ሓደ ሰባት ኣርሕቅ ኣቢሎም ዝጠመቱ/ዝጠመታ፡ ኣብ ሓደ መርበብ ደምበ ተቛውሞ ወሪዱ’ዃ እንተነበረ ተዘርዩ ተሪፉ። ምክንያቱ ኣንታ እንበሳ፣ ኣንታ ነብሪ፣ ኣንታ ሓየት፣ ጽሑፍ ማዕዶ እንቢብካዮዶ? ዝብል ኮለላ ዝያዳ ኣትዅሮ ተዋሂብዎ ዝነበረ ይመስል። ተዓዘብቲ ከኣ “ዓቢ ደንበን ይብሉ ዒንበን ዘይብሉ” ኢሎም ክሓልፉ ተርእዮም። እዚ መስተኣምርቲ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህሉው ዛዕባ እዩ። እቱይ ኮይኑ እዚ ግን፡ ኣቶ ኣድሓኖም ነዚ ሕቶ እዚ ምስ ትንታኔኡ ንኣንበብቲ ምቅራብካ፡ ምስጋና ይብጻሕካ።

      መልሲ እዚ ሕቶ’ዚ እንተወሓደ ካብ ሓሙሽተ ዓመት ንላዕሊ ንዝተቀመጡ ኣእማን ፈንቂልካ ፈናቒልካ ዝርከብ ጥራሕ ይመስለኒ፡ ምክንያቱ እዚ እቲ ውጽኢት እዩ’ምበር ጠንቂ’ዚ ውጽኢት እዚ ካብ ክልቲኤን ሃገራት ንላዕሊ ኣእዳው ዝኣቶዎ ስለዝኮነ።
      ከመይ ንዝብል ሕቶታት፡
      ከፍሊ እተን ዝሕመያ ኣእዳው፡- ዝምድና ምዕራባውያን ሃገራት ምስ ኣሜሪካ፡ ብፍላይ ድሕሪ ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር
      መለስ ዜናዊ፡
      ካልኣይ፡ ቅድድም ቀጠርን ቱርክን ኣብቲ ከባቢ
      ሳልሳይ፡ ሰላም ምስ ምንቅስቃስ ኦሮሞ
      ራብዓይ ምምሕያሽ ጉዳይ ሶማል ምስ ውሽጣዊ ኩነታት ሓዊስካ ነዚ ሕጂ ዝተላዕለ ሕቶ ዝደፋፍኤ ይመስል።

      እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ምክንያታት ብዘይ መላግቦ እንተገዲፈዮ ትርጉም ስለ ዘይህብ ክምለሶ።
      ጠቅሚ ምዕራባውያንን ኣሜርካን ከመይ ይከውን እንተተባሂሉ፡ ንሶም ብባህርያቶም ምስ ዘሎ’ምበር ምስ ዘየሎ ዘትዮም ኣይፈልጡን። ስለዚ ኣብ ክንዲ መሰረታዊ ፍታሕ ፡ ዘገምታዊ ፍታሕ እዩ ኩሉ ግዜ ሕርዮኦም። ብተወሳኪ ብፍላይ ድሕሪ ሞት እቲ ይጸዓደልና ኣይነበረን ኢሎም ዝገልጽዎ ዝነበሩ ቀ.ሚ. መለስ ዜናዊ ኣይደቀሱን

      ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም መለስ’የ ኣብ ደገ ከኣ መለስ ኣይኮንኩን ዝብል ሕቡእ መግለጺ ዝፈነወዩ።
      ጽባሕ ሞት ቀ.ሚ. መለስ ዜናዊ እዩ። ርክብ ቀጠርን ኢትይጵያን ብሰንኪ” መሓመድ ኣዶው” ወሃብ ዜና ኣልጀዚራ ዝተፈነወ ዝንቡል ዜና ምስ ካልእ ማልእ ደሚርካ ክሳብ ክንደይ ተረሓሒቆም ከምዝነበሩ ፍሉጥ እዩ።

      ድሕሪ ሞት ቐ.ሚ.መለስ ግን ሃይለማርያም “ኣልጀዚራ ዓዲሙ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝኮነ ግዜ ከይዱ ክዛተ ከምዝክእል ሓቢሩ። እዚ ንኢሰያስን ሰዓብቱን ኣሰየ ኣቢሉ ኣባላት ህግደፍ “ኮቦሮ ሓምሓም ዝህረመሉ ግዜ እዩ ኔሩ” ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ከኣ፡ እዚ ሰብኣይ እዛ ዕርቒ ከይገብራ ኣምበር ደንጕዩና እናበሉ ከዕረምርሙ እዮም ጸኒሖም። ንምንታይ ንሶም እታ ሓንቲ መዋጽኦ ኢሰያስ ንሳ ምዃና ኣጸቢቖም እዮም ዝፈልጡ።
      ቀጠር እንኮ ሃገር ኣብ ጎድኑ ተሪፋ ዘላ ሃገር እያ፡ ንሳ በቲ ሓደ ንጠቕማ በቲ ካልእይ ሸነክ ከኣ ትንፋስ ወዳ ከም ቀዛፊ ክዋረድ ኣይትመርጽን።
      ቱርኪ? ናይ ቱርኪ ጠቅሚ(ረብሓ) እቲ ዝረሓቀ እዩ። ንሱ ኣብ “መን ከማይ” ውድድር ምስ ቀጠር ዝዓለመ’ዃ እንተኾነ ምስ ዝርጋሔ ምጠነ ሃብታ’ውን ዝተዛመደ እዩ።
      መስተኣምርቲ፡- ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሶማል መንግስቲ ክቅይር እንከሎ ዝዓበየ በዓል ስልጣን ልኢካ ዝነበረት ሃገር ቱርኪ እያ። ናይ ሃረር ህዝቢ ብትውልዲ ምስ ሃገረ ቱርኪ እዩ ዝዛመድ ዝብል ሓሳብ ብምሕዳር ኣብ ሶማል እንተዊዒለ እብ ሃረር ምሕዳር ኣይክስእንን እየ፡ ብኡ ጌርካ ከኣ ናብቲ ገና ዘይተዳህሰሰ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትይጵያ እጃም ምክፋል ዝዓለመ ይመስል።
      ጉዳይ ተቋውሞ ኣብቲ ሓተታ ስለ ዝተመልሰ ምድጋም ረብሓ ዘሎዎ ኮይኑ ኣይስምዓንን። እንተ ዝህልዋ ምከበራ’ምበር ኣይምሓሰራን። እንተዝህልዋ ከምቲ ናይ ካልእ ዓዲታታ ንሃገር ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ኢደን ምመለሳ። ኣብ ዝኮነ ዝካየድ ዘተ ከኣ ጠቅሚ ሃገር ኣምሪሐን ምዘተያ። እንተ ዝህልዋ እዚ ንህላወ ህዝብና ዘርብሕ ኣይኮነን ምበላ። እንተዝህልዋ እዚ መሰረታዊ ፍታሕ ክልተ ህዝብታት ኣይመጽእን’ዩ ምበላ። እንተ ዝህልዋ መድመጻ…..

      ስለዚ ክቡራት ኣንበብቲ፡ ኢትዮጵያ ኣደና ኣይኮነትን፡ ስለና ዝያዳና ክትሓስብ’ውን ኣኣይትግደድን። ዝኮነ እቲ እትወስዶ ስጉምቲ ምስ ረብሓ ሃገራ’ምበር ምስ ረብሓ ተቋዎምቲ፡ ኤረትራን ህዝባን ዝዓብለለ እዩ ዝብል ዘሎ ኣይመስለንን።

      እንተ ኣቶ ሃይለማይርያ (ቀ.ሚ. ኢ) ግን ፍሉይ ምኳንኳ ኣይሰሓትናን። እዚ ሕጂ ዝግብር ዝርርብ ከኣ ካብ ጠቅሚ መለለይካን ኣብ ዝመጽእ ናይ መራሕ መንግስቲ ሕርያ የርብሓኒ እዩ ካብ ዝብል ውሽጣዊ ሕልሚ ዝተበገሰ እንተዘይኮይኑስ እዚ ዕርቒ ብሓቂ ምስ ረብሓ ክልተ ሃገር ዝተኣሳሰረ እዩ ኣይትበል። ቖልቛል ምስ ዓንደል ክዋሰብ ኣይረእናን፡ ኣይሰማዕናን።
      ስለዚ ጠቅሚ ኣዚ ሕጂ ዝብሃል ዘሎ ርክብ ካብ ጠቅሚ ኢትይጵያን መርሒ ኢትይጵያን፡ ምዕራብ፡ ቐጠርን ጓል ቀጠርን፡ ኢሰያስን ሰዓብቱን፡ ሓሊፍካ ካልእ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብሉን
      ህዝቢ ኤረትራ ግን ንካልኣይን ዝመረረ ግዜን ነብሳካ ኣዳሉ። እታ እትፈርሓ ዝነበርካ ግዜ ትኣትወካላ።

    • HABTE December 16, 2013

      Dear Genet
      Yes he and his generals caused unbelievable misery to our people and yes they have to go I totally support you on this, but not this mafia regime but whoever is going to replace him if they want to talk peace with Ethiopia who do the have to talk to since you said the woyane’s shouldn’t be trusted ??

  • Fevu December 15, 2013

    Mr. Adhanom,
    In your prospective weyanes are alway angels. I wish they were. As much as I hate Isayas I hate you and your kind for being so weak and destructive. Eritrean Ethipian peace is for the good of both people. The current leaders are both dictators and both people need change. Period. don’t sugar code weyane (don’t be ethiopian more than ethiopian). Eritrean problem Eritrean Solution is the only way out. Peace EYSC Global…..

  • Fevu1 December 15, 2013

    Mr. Adhanom,
    In your prospective weyanes are alway angels. I wish they were. As much as I hate Isayas I hate you and your kind for being so weak and destructive. Eritrean Ethipian peace is for the good of both people. The current leaders are both dictators and both people need change. Period. don’t sugar code weyane (don’t be ethiopian more than ethiopian). Eritrean problem Eritrean Solution is the only way out. Peace