Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብቤተ-ክርስቲያንተዋሕዶእንታይ’ዩዝግበርዘሎ !!!

ብመሠረቱ ክርአ ከሎ ቤተ-ክርስቲያን ቤት ጽድቅን ቅድስናን እያ። ስለ ዝኾነት ድማ ካብ ቅድስና ወጻኢ፥ ናይ ዝኾነ ዓለማዊ-ተግባር መጋበሪያ ኮይና ክትርከብ ፥ ምስቲ ብቕድስና ዝፍለጥ ዕላማኣ ዝሳነ ኣይኮነን። ኣብቲ ነዊሕ ዝኸይድ ታሪኻ እንተረኣና ግን፥ ብዙሕ ሓጎጽጎጽ

ብመሠረቱ ክርአ ከሎ ቤተ-ክርስቲያን ቤት ጽድቅን ቅድስናን እያ። ስለ ዝኾነት ድማ ካብ ቅድስና ወጻኢ፥ ናይ ዝኾነ ዓለማዊ-ተግባር መጋበሪያ ኮይና ክትርከብ ፥ ምስቲ ብቕድስና ዝፍለጥ ዕላማኣ ዝሳነ ኣይኮነን። ኣብቲ ነዊሕ ዝኸይድ ታሪኻ እንተረኣና ግን፥ ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ብዝነበሮ ከቢድ ፈተና ሓሊፋ ከምዝመጸት ኢና ክንርዳእ ንኽእል። ዘይተቐበለቶ ፈተና’ውን ኣሎ ኣይበሃልን። እቶም ኩሎም ዝሓለፉ ቅዱሳን ኣቦታትና ብዝኸፈሉዎ ናይ ሠማዕትነት ዋጋ ድማ፥ እንሆ ህልውናኣ ዓቂባ ንኽትነብር ኣብ ከቢድ ቃልሲ ትርከብ ኣላ።

ከምቲ ዝተባህለ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣብቲ ነዊሕ ታሪኻ ብዙሕ ፈተናታት በጺሑዋ ‘ዩ። እቲ ዝዓበየ ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ፈተና ግን፥ እቲ ብኃይልታት ፖለቲካ ክግበረላ ዝነበረ ጸቕጢ ‘ዩ ክበሃል ይከኣል። ስለ ዝኾነ ‘ውን ካብ ተጽዕኖ ፖለቲካ ነፃ ኮይና ክትንቀሳቐስ ዕድል ስለ ዘይረኽበት፥ ከምቲ ተልእኮኣ ወንጌል ክትሰብኽን ቤታ ከተመሓድርን ኪኢላ ‘ያ  ምባል ከምዘይከኣል፥ ታሪኽና ዘረጋግጾ ሓቂ ‘ዩ። ስለዝኾነ ድማ እንሆ ሕጂ’ውን እቲ ናይ ፖለቲካ ሕማም ፈውሲ ተሳኢኑዎ፥ ንቤተ-ክርስቲያንና ከማስና ይርከብ ኣሎ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ነዊሕ ናይ ነገሥታት-ዘመን፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ፖለቲካ’ያ ነይራ’ኳ እንተተባህለ፥ ብተዛማዲ ክረአ ከሎ ክብራ እናተሓለወ ‘ዩ ነይሩ ክብሃል ይከኣል። ማለት ካብቲ ፖለቲካ ዝሓንጸጸላ ክሊ ወጻኢ ደኣ ክትከይድ ኣይፍቀዳን እምበር፥ ብሕጊ ዝተሓለወ መሰልን ክብርን ኣይነበራን ክበሃል ግን ኣይከኣልን። ከመይሲ እቶም ነገሥታት ኣብ ኣጸድ-ቤታ ዝሰግዱን መስቀላ ዝሳለሙን እዮም ነይሮም። ንርእሶም እቶም ጽኑዕ ኦርቶዶክሳዊ ከም ዝነበሩ ዝንገረሎም ኃጸይ-ቴድሮስ’ውን፥ እቲ ነይሩዎም ዝበሃል ጽልኢ ምስ ዉሉደ-ክህነት እምበር ምስ ቤተ-ክርስቲያን ኣይነበረን።

ብዝኾነ ብኣጣቓላሊ ክርአ ከሎ እቲ ናይ ትማሊ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያንና ነዚ ‘ዩ ዝመስል ክበሃል ይከኣል። ሎሚ ኣብ መበል 21- ክፍለ-ዘመን ንርከብ ከም ምህላውና መጠን ግን፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ በቲ ዝሓለፈ ሕማማ መሊሳ ክትድገስ ማንም ዝተጸበዮ ኣይነበረን። እዛ በዓልቲ ፊደልን ቋንቋን ታሪኽን ዝኾነት ዓባይ ቤተ-ክርስቲያን፥ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ እዋን መጋበርያ ፖለቲካ ኮይና ክትርከብ ማንም ኣይተጸበዮን። እሞኸኣ ኣብ ዘመነ-ነፃነት ? ዝበሃል ዘመን፥ ክብራ-ክግሰስን ,ሕግታታ-ክፈርስን , ቀኖኖኣ-ክጠሓስን , ቅድስናኣ-ክራኸስን መን እዩ ‘ሞ ተጸብዩዎ ?!

ንኣብነት ካብዚ ዝሓለፈ ዓሠርተው ክልተ ዓመት ኣትሒዝና፥ ሓደ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ዝበሃል ስም ተደጋጊሙ ክጽዋዕ ንሰምዕ ኣሎና። እዚ ሰብ’ዚ ግን ዝኾነ ምስ ቤተ-ክርስቲያንና ዘራኽብ ዘይብሉ ባዕዲ ዝኾነ ሰብ’ዩ። ይኹን እምበር ኣብቲ ሕጂ ዘሎ ህልው ኩነታት መጺእካ ክዝረብ ከሎ ግን፥ ናይ ፖለቲካ ውክልና ሒዙ ንቤተ-ክርስቲያና ብቐጻሊ ከፍርሳን ከዕንዋን ዝርከብ ዘሎ ሰብ‘ዩ። ማለት ንሱ ብዝመርሖ ኣድማ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ መንበሮም ወሪዶም። ንሱ ብዝሕተተሉ ሓላፍነት ‘ውን ኣብ መቝሕ ኣትዮም ይርከቡ ኣለዉ።

ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ከምቲ “ እዋኑ ዝሃቦ ሓምሓምሲ እምኒ ይሰብር “ ዝበሃል፥ እቲ ፖለቲካ ኣብ ዘጣጥሓሉ መንበር ተቐሚጡ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ነበረት’ያ ነበረት ንምግባር ዘይፍንቅሎ እምንን ዘይኵዕቶ ጉድጓድን የልቦን። በቲ ዉሉደ-ክህነትና ተሰካም ጠበንጃ ብምግባር ዝወስዶ ዘሎ ስጕምቲ’ውን፥ ስፍሪ ቁጽሪ ዘይብለን ኣብያተ-ክርስቲያናትና ማዕጾአን ኣብ ምግፋታን በጺሐን ኣሎዋ። ከመይሲ ንሱ ዮፍታሔ ሓደ እዋን “ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ በዓቲ ሸፋቱ ክትከውን ኣይንሓድጋን ኢና “ ኢሉ ነይሩ’ዩ። ብኣበሃህላኡ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝርከብ ዉሉደ-ክህነትና ብሙሉኡ ሽፍታ ምዃኑ እዩ።

ሕጂ ድማ ነቶም ብወጻኢ-ዓለም ኣፍልጦ ሲኢኖም፥ ኣብ ኣሥመራ ተዓሺጎም ዝርከቡ ዘለዉ ኣባ ዲዮስቆሮስ ኣኸቲሉ ብምምጻእ፥ ኣብ ሃገረ-ጀርመን ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስቲያናት ሓዊ ክመልስ ይርከብ ኣሎ። ምንብርካኽ ንዝኣበዩዎ  ካህናት’ውን ተወጊዝኩም ኢኹም ክብል ይስማዕ ኣሎ። ንምዃኑ “ ውግዘት”  እንታይ ማለት ምዃኑ ዮፍታሔን እቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉን ኩሎም እምበርዶ ይርድኦም ‘ዩ ? ዝተኣስረ ሰብ ክኣስር ከምዘይክእል፥ ዝተወገዘ ‘ውን ከምኡ ከውግዝ ዘይክእል ምዃኑ ገናዶ ክስወጦም ኣይክእልን እዩ ? እቲ ዝገብሩዎ ዘለዉ ኵሉ መስሓቕ ሸራፋት ይገብሮም ምህላዉኸ ይርድኦም ደኾን ይኸውን ?

መቸም ዮፍታሔ ደኣ ተሓቢኡ ዘሎ ይመስሎ ይኸውን እምበር፥ ምሥጢር እዚ መገሻ እዝስ ኩሉ ፈሊጡዎ ዘሎ እዩ። ማለት በቲ ኣብ መንጉኡን ኣብ መንጎ ሲኖዶስን ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ወጥሪ፥ ዓቕሉ ስለዝጸበቦ ከም ሓውሲ ህድማ ሃጽ ኢሉ ከምዝመጸ ርጉጽ ሓበሬታ ኣሎና። እቲ ሲኖዶስ ኣባ-ማርቆስ ጳጳስ ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ከም ምዃኖም መጠን፥ ጉዳይ ኤውሮጳ ንዕኦም’ዩ ዝምልክት ብምባል ነዚ መገሻ ‘ዚ ነጺጉዎ እዩ። ዮፍታሔ ግን “ ዝጸበቦስ መቓብር ኣቡኡ ፋሕተረ “ ከምዝበሃል ስለዝኾኖ፥ ንውሳኔ ሲኖዶስ ጥሒሱ እንሆ ብገንዘብ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ሆቴላት ኤውሮጳ ጠንቀላዕላዕ ክብል ይርከብ ኣሎ።

ወዮ ደኣ እቲ ጉዳይ ንዕኡ እንታይ ‘ዩ ስለዘይኮነ ኣየሕምሞን እዩ ‘ምበር፥ እቲ ካብ ኣፍ ኣባ-ዲዮስቆሮስ ክወጽእ ዝስማዕ ዘሎ ቃላትሲ፥ ንልቢ ደቂ ቤተ-ክርስቲያን እናሕመመ ‘ዩ ዝርከብ ዘሎ። ንሶም እንኳንዶ  ሎሚ ኣብዚ ሕጂ ዘለዉዎ ዕድመ ኮይኖም፥ ትማሊ ‘ውን ብዛዕባ ዘረባ ዝፈልጡዎ ነገር ኣይነበሮምን። እታ ቤተ-ክርስቲያን ዕራቓ ወጺኣ ክትዋረድ ስለዝተደልየ ግና፥ ብ ኣፍ ጳጳስ ክብሃል ዘይግብኦ ቃላት፥ ክብሉ ይደፋፍኦም ኣሎ። ንሱ ተልእኮኡ ኢዩ ዝፍጽም ዘሎ፥ እንተ ንሶም ‘ሞ  ኣየናይ ኢሎሞ። ንዅሉ ነገር እታ ትጽቢት ዝግበረላ ዘሎ መዓልቲ ቀሪባ እያ ‘ሞ፥  ካብ ሕጂ ጀሚሩ ነቲ ዘይተርፈሉ ዕዳ መልሲ ቀሪቡ ክጸንሕ ከምዝግብኦ ይዝንግዖ  ኢዩ ኣይንብልን።

ብዝተረፈ እቲ ብዕለት 02/06/2013 ኣብ ላንገን በቶም ካብ ኣሥመራ ዝመጻእኩም ዝተጸውዐ ጉባኤ፥ ንሕዝቢ ተዋሕዶ ንምብትታን ተባሂሉ ብካድረታት-ፖለቲካ ዝተወደበ ስለዝኾነ፥ ኣይንበርከኹልናን ‘ዮም  ንዝበልኩሞም ብኃይሊ-ፖሊስ ከምዝወጹ ወይ ከምዝኽልከሉ ምግባርኩም፥ ናይቲ ብጉልባብ ሃይማኖት ዝጸዋዕኩሞ ጉባኤ፥ ሕቡእ ኣጀንዳኡ እንታይ ከምዝነበረ ነቲ ክርዳእ ዝደልስ ተረዲዎ እዩ። እቲ ዝኣከብኩሞ ሕዝቢ ኣባል ህግደፍን ሃማደኤን እምበር፥ ብዛዕባ ሃይማኖት ኣፍልጦ ዝነበሮ ከምዘይኮነ በቲ ካብ ኣፍ ‘ቲ ሕዝቢ ክስማዕ ዝወዓለ ሥነ-ምግባር ዘይብሉ ቃላት ክፍለጥ ይከኣል ‘ዩ። እቲ ብጉልባብ ሃይማኖት ክግበር ዝድለ ናይ ፖለቲካ ጸወታ ግን ኣብቂዑ እዩ። ድሕሪ ደጊም ብናታትኩም ምፍርራህን ምጕብዕባዕን ተዳሂሉ ንድሕሪት ዝምለስ ሕዝቢ የለን።

ፍተዉ ጽልኡ ሕዝቢ ተዋሕዶ ኢድኩም ኣክቡልና ‘ዩ ዝብለኩም ዘሎ። ጉዳይ ተዋሕዶ ንሕዝቢ ተዋሕዶ እምበር ንዮፍታሔ ኮነ ጎይቶት ዮፍታሔ ዝምልከት ኣይኮነን። ኣባላት ህግደፍ ኣኪብካ ብዝግበር ጫውጫው ከኣ ክደናገር ዝኽእል ሕዝቢ የልቦን። ሕዝቢ ተዋሕዶ ሥልጣን ዮፍታሔ ኣይፈልጥ ፓትርያርክነት ኣባ-ዲዮስቆሮስ ኣይቅበል ‘ዩ ዝብል ዘሎ። ነቲ ሥራሕ ካድረ ክሠርሕ ዝመጸ ቀሺ ገረታትዮስ ክሰጕግ ዝኸኣለ ‘ውን ካብዚ ነጥቢ ‘ዚ ተበጊሱ እዩ። ብውግዘት ኣቢልካ ክግበር ዝድለ ዝነበረ ምፍርራህ ‘ውን፥ እቲ ዉሉደ-ክህነት ስለዝተብዐን ዝነቕሐን ከም ዘይሠርሕ ተረጋጊጹ እዩ። መላእኽትን ኣጋንንትን ዘራኽብ ጉዳይ ከምዘይብሎም፥ ንሕናን ንስኻትኩምን እውን እንራኸበሉ ጉዳይ የልቦን። ፖለቲካኹም ንዓኹም ሃይማኖትና ድማ ንዓና።

                                 ብሃይማኖቶም ቀናኣት ደቂ-ተዋህዶ                           

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
33 COMMENTS
  • T.G.Yohannes June 9, 2013

    ነቲ አብ ዓለም መወዳድርቲ ብዘይብሉ ምስትንክር ዝሰርሐ ህዝቢ ኤርትራ ሓይሉ ንምድኻም መራሕቲ ህ.ግ.ድ.ፍ ምስ ሰይጣን ተማኺሮም ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክበታትኹ ከምዝጸንሑ ንህጻአናት ዘየደናግር ምስጢር ኮይኑ አሎ። ተጋዳላይ፡ አገልግሎት፡ ሓፋሽ-ውዱባት፡ ምልሻ፡ ገባራይ፡ ሓሙሻይ መስርዕ፡ ጥዩስ ተጋዳላይ፡ ናይ ጀብሃ ትርፍራፍ፡ ሳግም ነበር፡ ትሕተ ሃገራውያን፡ ካቶሊክ፡ ተዋህዶ፡ ጴንጠ፡ ወዘት እንዳበሉ ንድኽመትና መዝሚዞም ከፋፋሊ አጀን-ደኦም ከተግብሩ ዝጸንሑ ኮይኖም ሕጂ ከአ እዞም ዝቃወሙ ዘለዉ ትግራዎት እዮም እናዳበሉ መቃነዪ ስልጣኖም ይግብሩ አለዉ። እንተኾነ ኩሉ እርትራዊ ብሽግር ዝተሳሕለ ስለዝኾነ ናይዚ ሕሱር ፕሮፖጋንዳ መጋበሪ ዝኽወን እንተሊዩ አይተረደኦ ማለት እዩ። እንትዘይኮነ ብዘይጥቅም ግዚያዊ ጠቕሚ ተታሊሉ ወይ ድማ ብጸቢብነት ትጠቒዑ አሎ ማለት ስለዝኾነ ኩሉና ደቂ ኤረ አብ ምንቅሑ ከቢድ ጻዕሪ ክነካይድ እላቦ። ሓድነትና ሓይልና እዩ።

    • belay nega June 9, 2013

      Be fair,Eritrean gov has always trying to maintain Eritreans as one people,the best example is the introduction of ZOBA.
      To the reverse the so called oppositions are getting organized in religion and awraja.

  • mohammed negash June 9, 2013

    orthodox followers

    as a muslim demanding islam religion rights ,i understand your position although christian religion has and still is the poster child religion ,to a very small scale christian government on christian religion violence & interferrence should be faced,
    I know compared to what happened and still happenning to Islam ,this is a headache while crimes against Islam is cancer.we muslims stand up with you orthodox while our problem is much bigger ,i hope you back as up.

  • mohammed negash June 9, 2013

    to the christians that think religion issue is outdated or mentioning about islam makes them like they will be obliged to pray/sala in mosques is the usual double standard by christian kebessans .they never get it ,the opposition is worse.muslims orthodox are standing up for their ¨right¨..how about you ,still scared not to be called mujihadeen ,or fanatic ?
    stand up for your religious right .enough is enough..kallas yaani

  • T.G.Yohannes June 10, 2013

    Belay Nega: I accept the government of Eritrea Has introduced the Zobatat to maintain Unity. However, we have also to look from administration ease to the people. For example people travel from Karura to Massawa for the need of public services. lets see from transport and time cost. And the Like in other Zobas.

  • Kalighe June 10, 2013

    ” I accept the government of Eritrea Has introduced the Zobatat to maintain Unity.”

    T.G.Yohannes

    The government introduced the new Zoba system to replace the old regions and traditional Eritrea with what they call: “New Eritrea”. The latter is a new entity that has no history and cultural identity with which people can associate with. It’s a cruel way of killing indigenous cultures and traditions that make an essential element of Eritrean identity. The new system is meant to put the indigenous people and those of migrant background, on the same level. It’s like saying: “Hamasien does not exit, we are all from Maakel or Ackeleguzai does not exit we are all from Debub”. What the government is trying to achieve is not unity, but re-shaping Eritrea in the image of it’s new leaders.

  • simerrr2012 June 10, 2013

    The solution is simple why always blame others when the solution is in our hand. We need to get the real Orthodox Christian priests and open our own Church and we can get other followers who are majority to come to the church where they can exercise the religion without the interference of the mafia higdef. Most of the people come to pray , to bring their children to their mother language church, to Baptize, marry and other religion ceremonies. There is no need they need any higdef cadre to tell them garbage, unfortunately the is no alternatives in many European cities to our people to go. If we do so we can make all Churches administrated by higdef empties.

  • T.G.Yohannes June 10, 2013

    Kalighe:
    I do share your clear explanation on Zobatat. what I wanted to address is whatever the analysis is given to what they did, the administrative issue is clear to every body with no explanation. I have shared the suffering and miserable experience of Many Eritreans travelling very Long distance to find public services while they could have got in their respective historical Zobas. In the first place it is done without public vote and consent. we all of us should restore the old ”Enda-Ba” whilst taking the consent of the Mass. We stand up to bring the rule of law and democracy. over and above for the existence of our country and people! Lets be one and one!!!!!!!

    • Kalighe June 10, 2013

      I agree. Thank you.

  • yonas kidane June 10, 2013

    ብሃይማኖቶም ቀነኣት ደቂ ተዋህዶ፡
    ጽቡቅ ኣርቲክል (ጽብቅቲ ስራሕ) እቲ ክጸሪ ዘለዎ ገማጢልካ ከም ሽንፍላ ቤቴክርስቲያናት’ዩ፡ነቲ ህዝቢ ብመገዲ እምነት ኣሳቢቦም ቡዙሕ መልእክትታት ስለ ዘሕልፉ ህግደፍ ። ኣብ ዝሐለፈ ጽሑፍ ሐደ ጸሐፊ እዛ ሐሳብ ጽሒፍዋ ኔሩ፡ ንስራሕ ህግደፍ ጽቡቅ ጌራ ትገልጾ’ያ፡ ንምጽናት ሐደ ሕዝቢ እቲ ዝቀለለን ዕውትን ብልሐት ታሪኹ ከምዘይፈልጥ ምግባር’ዩ “ ጆርጅ ኣርወል’’። ሐንሳብ ስም ኣውራጃታት እናደምሰስካ ሐንሳብ ብመገዲ ሃይማኖታት ተጠቂምካ ህዝቢ እናባኣስካ ትደሊዮ ኩፉእ ስራሕ ምስራሕ’ዩ ።

  • belay nega June 10, 2013

    “ንምጽናት ሐደ ሕዝቢ እቲ ዝቀለለን ዕውትን ብልሐት ታሪኹ ከምዘይፈልጥ ምግባር’ዩ”

    The above saying belongs to the senders of the [wata] Tesfay Temnewo.

  • tesfa June 10, 2013

    what is wedi keshi dimetros doing with our holly church? his father served the Ethiopian imperial interest and he (the son) is serving his Excellency. is that a kind of compensation to the Eritrean mass for what his father has done? his father made us loose lives and his son is making us loose identity. why is he assigned there with the shinning historical mistakes of his father in the mind of the public? and why didnt he take an initiative to improve the reputation of his father? and why a government known to its secular principles interferes in such very sensitive religious issues? so surprising. leave the church alone please.

    • MightyEmbasoyra June 10, 2013

      Tesfa,
      It is their time. What can we say. Take a look at the owner of meskerem. His father was the emperior’s servant and he is now his son isayas’s servant. like father like son.

      • belay nega June 11, 2013

        Dear Mighty

        Worst of all is Hurui Tedlabairu who is following the step of his father,the seller of Eritrea.

        • MightyEmbasoyra June 11, 2013

          Belay,
          It is funny 🙂

Post a Reply to T.G.Yohannes Cancel Reply