Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ? – ቀዳማይ ምዕራፍ ሻብዓይ ክፋል

          ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ? ብያሲን ዑመር --  ቀዳማይ ምዕራፍ ሻብዓይ ክፋል መእተዊ   ኣብ ዝሓለፉ ዓንቀጻት ናይዚ ተኸታታሊ ሓተታ፡ ፈለማ መንግስቲ ኤርትራ ሕጋውን ደሞክራሲያውን  መንግስቲ ከም ዘይኰነ ዳህሲስናዮ።  ኣስዒብና: ህ.ግ.ሓ.ኤ  ካብ ተ.ሓ.ኤ "ብስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ" ምኽንያት ዝተፈንጨለ

 

        ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ?

ብያሲን ዑመር —  ቀዳማይ ምዕራፍ ሻብዓይ ክፋል

መእተዊ  

ኣብ ዝሓለፉ ዓንቀጻት ናይዚ ተኸታታሊ ሓተታ፡ ፈለማ መንግስቲ ኤርትራ ሕጋውን ደሞክራሲያውን  መንግስቲ ከም ዘይኰነ ዳህሲስናዮ።  ኣስዒብና: ህ.ግ.ሓ.ኤ  ካብ ተ.ሓ.ኤ “ብስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ” ምኽንያት ዝተፈንጨለ ሓርነታዊ ግንባር ክነሱ፡ መሪሕነቱ ካብ ተ.ሓ.ኤ ብዘይፍለ ናይ ተጻዋርነት ፖለቲዊ ባህሊ ዘይነበሮ፡ ንዂሎም ዝተላዕሉ ውሽጣዊ ተቓውሞታት ይዕቡዩ ይንኣሱ፡ የስግኡ ኣየስግኡ፡ “ኣዕነውቲ ምንቅስቓሳት’ዮም” ብዝብል ጠቐነ፡ ከየናሕሰየ ብሓይሊ ከም ዝደቐሶም ተመልኪትናዮ። ቀጺልና፡ እቲ ድሕሪ ናጸነት መንግስታዊ ስልጣን ብዓመጽ ዝሓዘ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ንዕስራ ዓመታት መመላእታ (ክሳብ ምጕንጻፍ ናጽነት) ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ፡ ነቲ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብምስጢር ዝዋሳእ ዝነበረ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ከም መሳርሒ ተጠቒሙ ምዃኑ መርሚርናዮ። ብድሕሪ’ዚ፡ እቲ ነቲ ድሕሪ ናጽነት  ንምቛም ደሞራሲያዊ መንግስቲ ዝደገፈ ጕጅለ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ ወጊዱ ጸብለትነቱ ዘረጋገጸ ብውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ዝምራሕ ጕጅለ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ምእንቲ ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ንምጕንዳብ፡ ከምኡ’ውን ምእንቲ ነቶም ሃገራዊ ምርጫ ኣብቲ ዝተመደበሉ ዕለት ከይተወንዘፈ ክቃናዕ ዝጠለቡ ላዕለዎት መራሕቲ (ጕጀለ 15) ብሃገርዊ ጥልመት ከሲሱ ንምጽናት፡ ኰነ ኢሉ ምስ ኢትዮጵያ ብናይ ዶብ ግጭት ዝተመኽነየ ኣዕናዊ ኲናት ከም ዘባርዐ ተገንዚብናዮ። ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ምስ ተሓበርበርቱ  ሰበ-ስልጣን መንግስትን ሰራዊትን፡ ከምቲ ዝኣመቶ ነዘን ክልተ ሸቶታቱ ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ምስ ወቕዐ፡  ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ ንምቛም ዝዓግቶ ነገር ከም ዘየሎ ተገንዚቡ፡ “ደሞክራሲ ንከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ድሑራት ሃገራት ዝምልከት ኣይኰነን” ብምባል፡ ኣብዚ ኤርትራ ዘላቶ “ዘይብሱል ግዜን ኲነታትን” ደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ  ሃገርና ክቐውም ፈጸሙ ከም ዘየፍቅድ ብብድዐ  ኣፍለጠ። ነዚ ጒዳይ’ዚ ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ከመይ ጌሩ ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ ከቕውም ከም ዝበቕዐ፡ ጸኒሕና ኣብ ትሕቲ “ምቛም ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት” ዝብል ፍሉይ ኣርእስቲ ብዝርዝርን ብዕምቆትን ክንትንትኖ ኢና። ብድሕሪኡ፡ “ንውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኢሳይስ ንምውዳቕ፣ ንባርባርነት ሲናይ ንምግታእ፣ ንዝሳቐ ዘሎ ውጽዕ ህዝብና ካብ ዘሎዎ ኣደራዕ ጭቆናን ሓሳረ-መከራን ንምግልጋል፣ ከምኡ’ውን ንምምስራት ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ባይታ ንምጥጣሕ እንታይ ክንገብር ይግባእ?” ዝብሉ ርሱናትን እዋናውያንን ኣገዳስትን ሕቶታት ብምልዓል ብዝርዝር ክንመያየጠሎም ኢና።

ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ፡ ነቲ  ብዝያዳ ካብ 2001 ኣትሒዙ ኣረመንነቱ ክቕላዕ ዝጸንሐ ጭው ዝብለ  ውልቀ-ምልካዊ ወተሃደራዊ ስርዓቱ ንምዕቃብ፡ ኣንጻር መንግስታዊ ስልጣኑ ብመንእሰያት ዝተጐሳጐሰ ህዝባዊ ናዕቢ ከይለዓል ሰጊኡ፡ ነቲ  ክጅመር እንከሎ ንዓመትን መንፈቕን  ተመዲቡ ዝተኣወጀ “ሃገራዊ ኣገልግሎት”፡ ናብ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ቀዋሚ “መንግስታዊ ግልያነት” ለወጦ። በዚ ከይተሓጽረ፡ ነቶም ካብቲ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዘምለጡ መንእሰያት ዝወረዶም ዘስካሕክሕ ግፍዒ ተዓዚቦም ብምስካሕ፡ ዝተረፉ ዘይተሰዱ መንእሰያት ተማእዚዞም ክግዝእሉ ብደረጃ ላዕለዎት መራሕቱ (ከም ተኽላይ ማንጁስን መሰልቱ ጀነራላትን)  ምስ ራሻይዳን በደዊንን ብም ትሕብባርን ምትዕንጋልን፡ እናፈለጠ  ከምዛ ዘይፈልጥ መሲሉ ቅርጥም ኢሉ ብምጽቃጥ ግዳያት ባርባራዊ ግፍዓታቶም (ምሻጥ ኲሊትን ዘስካህክሕ ባርነትን፣ ራስያን ስቅያትን፣ ግህሰትን ምብስባስን)  ኰይኖም ከም ዝተርፉ ይገብር ኣሎ።  ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ንራሻይዳን በደዊንን ምስ መንግስቲ ምስርን (ግብጽን) ሱዳንን እናተረዳድአን እናተሓጋገዘን ካብቲ ዝፍጽምዎ ዘሎዉ ባርባራዊ ተግባራት ንምዕጋትን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኣቕሪቡ ንምፍራድን ስልጣንን ሓላፍነትን ኣሎዎ። እንተዀነ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰናይን ቅዱስን ተግባር ክውዕል ድልየት ኰነ ተገዳስነት የብሉን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ፡ ካብ  ኣደራዕ “ወተሃደራዊ ኣገልግሎት” ኣምሊጦም፡ ኣብ ኢድ ኣረመናውያን ራሻይዳን በድዊንን ወዲቖም ክሳቐዩ ክርኢ እንከሎ ባህ ሰለ ዘብሎ፡ ክንዲ ከድሕኖም ዝብገስን ምስኦም ዝደናገጽን  “ኣብ ወጻኢ ብተድላን ፍስሃን ይሸራሸሩን የንደልህቑን ‘ዮም ዘሎው” ብምባል ክሕጭጨሎምን ከባጭወሎምን’ዩ ተረኺቡ። እዚ ግን ንጨካን ኣረሜናዊ ባህርዩ ዘቃልዕ መርኣያ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ጽባሕ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ብወንጀልነት ዘኽስስ ክትሃድመሉ ዘይትኽእል መርትዖ ኢዩ።

ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ድሕነት ዜጋታቱ ንላዕሊ ስልጣኑ ስለ ዝዓዞን ዝዓብዮን፡  ነቶም  በቲ “ኣብ ዘበን ውራ-ውራ ነብስኻ ኣይተዕብራ” ካብ ዝብል ናይ ተበለጽቲ  መትከል ተበጊሶም፡ ንህዝቦም ዓሚጾምን ኣድኪዮምን ንነብሶም ከርብሑን ከበልጽጉን ብምምራጽ፡ ድንብርጽ ከይበሎም ንዘይሕጋዊ ስርዓቱ ዘገልግሉ ዘሎዉ ላዕለዎት ሓልፍቲ ሰራዊትን መንግስትን፡ ዕምሪ  ዘይሕጋዊ ስርዓቱ ንምንዋሕ ብዘይተሓታትነት ድላዮም ክግብሩ ማለት ክቐትሉ፡ ክዘምቱ፡ ክሰርቁ፡ ክጋሰሱ፡  ከምኡ’ውን ከሰራጥዩን ከበሳብሱን ምሉእ ስልጣን ሂቡ  ብልጓም ፍትሕን ፍርድን ከይተቐየዱ ፈጭ ኢሎም ክዕንድሩ ፈኒይዎም ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ንቊጠባ ሃገር ብሒቱን ገቢቱን፡ ኢዱ ኣብ ኩሉ ቊጠባዊ ንጥፈታት ብምእታው ኤርትራ ብቊጠባ ተደቚሳ “ዘኽታም ሃገር” ኰይና ከም ትተርፍ ንምግባር ንማዕድናዊ ሃብታን ንዝርካቡ እትዋታን ጕሒሉ ኣብ ብሕታዊ ማሕፉዳኡ እናኸዘነ ብተጒላባ  የልምሳ ኣሎ። ንመባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከይተርፈ ብምግሃስ ከኣ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዕስራን ክልተን ዓመታት ንህዝብና ኣደዳ ኣደራዕ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን መቕዘፍትን፣ ዘረፋን ዓመጽን፣ ግፍዕን ሓሳርን፣ ድኽነትን ድንቊርናን ፣  ከምኡ’ውን ሕማምን ጥምየትን ስለ ዝገበሮ፡ መንእሰያት ደቁ ሓርቢትዎም “ናጻ ዝወጸት” ሃገሮም ከም ዕንቊ ጸቢባቶም፡ ከም ገሃነም ሓሲማቶም፡ ብኣሽሓት ሃጽ ኢሎም ይስደዱ ኣሎዉ። ብሰሪ’ዚ ዘሕዝን ሮኽማሺ ፍጻሜታት’ዚ፡ ሃገርና ኣብዚ መበል ዕስራን ክልተን ልደት ናጽነታ ተብዕለሉ ዘላ እዋን፡ ድሕነት ህዝባን ቀጻልነት ልኡላውነታን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛን ዘሻቕልን ኩነታት ወዱቑ ይርከብ ኣሎ።

ይኹን’ምበር፡ ነዚ ዝተረቚሐ ኣሉታዊ ፖለቲካዊ ምዕባለታት’ዚ ዝገትእን ዝምክትን ኣድማዒ ሃገራዊ ተቓውሞ ክሳብ ሕጂ ክቕልቀል ኣይተራእየን። ምኽንያቱ፡ ነቲ ፍኑውን ዝተጐዛዘየን ሃገራዊ ተቓውሞ ብብቕዓት መሪሓን ጠርኒፋን ኣስሚራን እተቃልስ፡ ናይ ኲሉ ሃገራዊ ዜጋ ተቐባልነትን ተሰማዕነትን እምነትን  ደገፍን ዘጥረየት ሃገራዊት ደሞክራሲያዊት ሰልፊ  ትኹን ግንባር ክንሃንጽ ኣይበቓዕናን። ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞራሲያዊ ለውጢ ብዝብል ስያመ፡ ንተቓወምቲ  ሃገራውያን ሰልፍታትን ማሕበራትን ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ዝጥርንፍ  ውድብ ምቛምና፡ ሓደ ኣዎንታዊ ስጕምቲ ንቕድሚት ኢዩ።እንተዀነ፡ እዚ ውድብ’ዚ ብዘይረብሕ ሃበስ-ቀደስ ጕዳያት ካብ ምቊያቕን ሕልፍ-ሕልፍ ኢልካ መግለጺታት ካብ ምውጻእን ሰሚናራት ካብ ምክያድን ሓሊፉ ንስርዓት ህግደፍ ዘድምዕ ግብራዊ ስጕምታት ክወስድ ብቕዓትን ዓቕምን ዛጊት ኣይደለበን ዘሎ። ብሰሪ’ዚ ኸኣ ከምቲ ልዑል ተስፋ ዝተነብሮ ንልቢ መላእ ህዝብና ክመልሕ እምበር ክሰልብ ኣይተረኽበን። ዘድምዕ ግብራዊ ስጉምታት ክወስድ፡ ብቐዳምነት ኣብ መንጎ ኣባላት መሪሕነቱ ዘተኣማምን ስኒትን ስምረትን ከስፍን ኣሎዎ። ነዚ ከየማልአ፡ ኣብ ውሽጢ ውድቡ ኰነ ካብ ውድቡ ውጻኢ ውጽኢታዊ ስርሓት ክሰርሕ ማለት ዘይከውን ኢዩ።ርኡይ ውጽኢታዊ ስራሓት ከይሰርሐ ኸኣ ህዝብና ኣብ ልዕሊኡ እምነት ከንብር ኰነ ክድግፎ ዝሕለም ኣይኰነን። ህዝብና ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ንተቓውምቲ ውድባት ብመግለጺታቶም ከይተጠበረ ንዘይጭበጥ ተግባራቶም መዚኑ ስለ ዝቐበጾም፡ ካብቶም ለይትን ቀትርን እናሓቐዩን እናከላበቱን ልዋም ከሊኦም ሑሕ ዝብልዎ ዘሎዉ ናይ ውሻጠ ኣዛብእ (ውልቀ-መላኺ ኢሳያስን ተበለጽቲ ተሓባበርቱን ሓብሓብቱን) ዘድሕኖን ዘገላግሎን መድሕንን መርሃውን እተረኸበ፡ ኣእዳው ንሰማይ ዘርጊሑ ብመሎኮታዊ ሓይሊ ካብ ሰማያዊ ጐይታ ፍታሕ ክወርዶ ይምህለል ኣሎ።

ኣብ ታሪኽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ፡  ብቕዋም ዝመሓደር ደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ሓደ ካብቲ ዝለዓለን ዝዓዘዘን ሕብረተሰባዊ ዓወታት ወይ ጸጋታት’ዩ ዝቝጸር።  ምኽነያቱ፡ ምትካል ደሞራሲያዊ ስርዓት ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን፣ ሰብኣዊ መሰላት ንምርግጋጽ፣ ከምኡ’ውን ስኒትን ሓድነትን ንምፍጣር ኣብ ርእሲ ምኽኣሉ፡ ንስልጣነን ምዕባለን ራሕዋን ብልጽግናን ሃገር ገፍሕ በሪ’ዩ ዘርሑ።  ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ብሰላማውን ዕጥቃውን ቃልሲ ናጻ ደሞራሲያዊት ሪፓብሊክ ክምስርት ዝተቓለሰ፡ ንመሰላቱ ዝነፍጎን ንክብርታቱ ዝቕንጥጦን ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ ንምቛም ዘይኰነ፡ ብኣንጻሩ ንመስላቱ ዘረጋግጽን ንክብርታቱ ዘኽበርን  ናይ  ሸፈጥ ዘይኰነ ናይ ብሓቂ  ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ንምቛም ኢዩ። በዚ መሰረት’ዚ፡ እታ ብግንቦት 24 1993 ዘውዲ ናጽናት ደፊኣ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ፍትውትን ምጭውትን ሃገርና ኤርትራ፡ ነዚ ታሪኻዊ ዓወት’ዚ ምጕንጻፋ ናይ መወዳእታ ሸቶ ናይቲ ህዝብና ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ብሰላውማዊ ኣገባብን ብዕጥቂ ብረትን ዘሰላሰሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣይኰነን። እንታይ ድኣ፡ ናብቲ ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ዘሰጋገር ድልድል ኢዩ። ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ንረብሓኡ ዘገልግል፣  ንናጽነቱ ዝከላኸል፣ ንመሰላቱ ዘረጋግጽ፣ ንክብርታቱ ዘኽብር፣ ከምኡ’ውን ብሰላምን ቅሳነትን  ዝነብረሉ ብሕግን ስርዓት ተቐይዱ ዝሰርሕን ዘመሓድርን፡ ባዕሉ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ሃገራዊ ምርጫ ዝመረጾን ዝወከሎን ብቅዋም ዝመሓደር ሕጋውን ፍትሓውን ደሞራሲያዊ መንግስቲ ምምስራት ኢዩ።

ዝዀነ-ዀይኑ፡ ኣብዚ መበል ሻድሻይ ክፋል ናይቲ  ብተኸታታሊ  ኣብ ትሕቲ “ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ?” ዝብል ሓፈሻዊ ኣርእስቲ  ክቐርብ ዝጸንሐ ሓተታ፡ ንሓደ ካብቲ ቀንዲ ኣበራት ሓርነታዊ ቃልስና ማለት ንኣሉታዊ ሓድጊ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ፍሉይ ኣተኲሮ ብምሃብ ክንቋደሶ ኢና። ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ነቲ ኣብ ኣርብዓታት ናይ ዝሓለፈ ዘመን ኣብ ሃገርና ዝተኸሰተ ደሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ፈኸም ኣናበለ ንኸይድንፍዕ ኣብ ርእሲ ምዕንቃፉን ምጽብኡን፡ ድሕሪ ናጽነት ውልቀ-ምላካዊ መንግስቲ ንምቛም ጥጡሕ ባይታ’ዩ ጸሪጉን መድሚዱን። ከመይ ጌሩ?

ዕማም ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ፡ ነዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ ብዕግበትን ብምልኣትን ምምላስ ስለ ዝዀነ፡ እስከ ቀጺልና ብትኵርና ንመልከቶ።

ብዘይጥርጥር፡ ሓደ ካብቲ ቅድሚ ናጽነት ኰነ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ተቐላጢፉ ንኸይጐሃሃር ጠንቂ ዝዀነ፡  እቲ ካብ 1970 ኣቲሒዙ ቅንዕነቱ ከይተበደሀ ከም ዝወጾ ዘይብሉ ሓቂ ተወሲዱ ኣብ  ሃገርና ዝተዘርገሐ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ህ.ግ.ሓ.ኤ (ካብ 1975 ንደሓር ከኣ ተ.ሓ.ኤ) ኢዩ። ምዝርጋሕ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ብምስጢራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፍታት (ኣብ ተ.ሓ.ኤ — ሰልፊ ዕዮ ኤርትራ፡፣ ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኸኣ — ኤርትራዊ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ) ክልቲአን ሓርነታዊ ግንባራት፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ እዋን ፈደረሽን ዝተኣታተወ ደሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ከም ዝዝሕትልን ዝቕህምን’ዩ ጌርዎ። ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ፡ ዕላምኡ ብማሕበርነታዊ ሰልፊ ዝምራሕ “ምልኪ ሸቃሎ” ምቛምን “ማሕበርነታዊ ስርዓት” ምህናጽን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሃገርና ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ቅኑዕ ደሞክራሲያዊ ኣረኣእያ ንኸይሰርጽን ኣድማዒ ደሞክራሲያዊ ቃልሲ ንኸይሰላሰልን ሃናጺ ደሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣመራርሓ ንኸይተኣታቶን ደሞክራሲያዊ ህዝባዊ ትካላት ንኸይምስረታን  ዕንቅፋት ብምዃን ዘይከሓድ ኣዝዩ ጎዳኢ ተራ ተጻዊቱ  ኢዩ። መዘዙ መዚዝና ንምእላይ፡ ኣብዚ ዓንቀጽ’ዚ ኣብ  ኣውራ እምንቶታቱን ዝገደፎ በሰላታትን ብምትኳር ክንትንትኖ ህረድግ ክንብል ኢና።

ማርክስነት ጸረ-ደሞራስያዊ ኣረኣእያ ብምዂስኳስ፡ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ንምቛም ዘተባብዕን ዘውሕስን ሃዋህው ፈጢሩ፡ ነቲ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና ኣብ ሃገርና ክሰርጽን ክጥጥዕን ዝግበኦ ዝነበረ ደሞክራሲዊ ንቕሓት ኣብ ርእሲ ምምህማኑን ምብካሉን ምዝንብዑን፡ ነቶም ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ገስገስቲ መሰ`ል ተበልጽቲ መራሕቲ ግንባራት (ህ.ግ.ሓ.ኤን ተ.ሓ.ኤን)፡ ፖለቲካዊ  ስልጣን  ከይተመርጹ ንምሓዝን ንሃገራውያን ደሞክራሲያውን ተቓወምቶም ንምጽናትን ከም መመኽነይታን መፍረድን ንኽጥቀምሉ ኣገልጊልዎም ኢዩ። በዚ ምኽነያት’ዚ፡ ህዝብና ኣብ ደሞክራሲ ዘሎዎ ፍልጠትን ንቕሓትን እምንቶን፡ ኣዝዩ ጥምዙዝን ዝሩግን ድኹምን ኢዩ፡፡ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ንውልቀ-ምልካዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ኢሳያስ ወጊድካ ብቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካእ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝሰላሰል ዘሎ ዳግማይ ሓርነታዊ ቃልሲ ክዕወት ዝኽእል፡ ህዝብና ኣብ ደሞክራሲ  ዘሎዎ ርድኢትን እምነትን መትከልን  ክብ ምስ ዝብልን ዝዓምቑን ዝጸንዕን ጥራይ ምዃኑ ክሰሓት የብሉን። ነዚ ቅዱስ ተግባር’ዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ነቲ ብማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ማሃነቱ (ሓቀኛ እንታይንነቱ) ኣጥፊኡ፡ ተበሪዙን ተመሪዙን ከምኡ’ውን ተደዊኑን ተዓሊሱን ዝጸንሐ ናይ ደሞክራሲ ኣምር፡ ተቐባልነቱን ተሰማዕነቱን ከምኡ’ውን ህቡብነቱን ኣድማዕነቱን ከም ዘጕላዕልዕን ዝዅላዕን ንምግባር ከይተሓለልና በብወገንና ክንጽዕር ይግባእ። እቲ  ካብዚ ቀጺላና እንዝትየሉ ንማርክስነትን ደሞክራሲን ዝምልከት ኣገደስቲ ነጥብታት፡ ጭልፋ ካብቲ ብሕጂ ከነካይዶ ዝጽቦየና ዘሎ ጻዕርታት ኢዩ።

ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ህ.ግ.ሓ.ኤ

ብ1970፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ንስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ምርኩስ ብምግባር ካብ ተ.ሓ.ኤ ተፈንጪሉ ምስ ቆመ፡ እቲ ክኽተሎ ዝመረጾ ፖለተካዊ ስነ-ሓሳብ ማርክስነት ኢዩ። ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ፡ ንማርክሳዊ ስነ-ሓሳቡ ከም ዝወጾ ዘይብሉ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ብምውሳድ፡ “ነቶም ውጹዓት ደርብታት ሕብረተሰብና ዝውክል ገስጋሲ ስነ-ሓሳብ’ዩ” እናበለ፡ ይምክሓሉን ይጀሃረሉን ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ይፈርደሉን ይመጻደቐሉን ኔሩ። ክሳብ  ኣብ ድሮ ናጽነት (1989) ድቦላ ጥንጥን ዘብሎ ኸኣ፡ “ኣብ ዝዀነ እዋንን ኩነታትን ፈልከት ዘይንብለሉ ውድባዊ መትከልና’ዩ” ብዝብል ኒሕ፡ ልዕሊ ዝዀነ ኣካል ተማጒትሉን መኪትሉን። ኣብቲ ገድላዊ ወቕቲ ግን ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳቡ ማርክስነት ክኸውን ዝመረጸሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ?  በቲ ማርክስነት፥ “ኣብ ዝዀነት ሃገር ኣብ ግብሪ ዝውዕል፡ ንመግዛእታዊ ጭቆናን ደርባዊ ምዝመዛን ከምኡ’ውን ንሕብረተሰባዊ ድሕረትን ማሕበራዊ ድኽነትን: ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝውግድ “ኣድማሳዊ ሓቅነት” ዝሓዘለ ስነ-ፍልጠታዊ ስነ-ሓሳብ’ዩ” ዝብል ነገራዊ ፍልስፍናኡ ስለ ዝረደየ ድዩ? ኣብ ሕበርተሰብና ንዝርከብ ማሕበራዊ ሽግራት ንምፍታሕ፡ ንናይ ህዝብና ሓፈሻዊ  ርእይቶን ናይ ሃገርና ደረጃ ምዕባለን ኣብ ግምት ብምእታው ብዘካየዶ ደቂቕ መጽናዕቲ መሰረት፡ እቲ “ሓደን መተካእታ ዘይብሉን ስነ-ፍልጠታዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ”  ማርክስነት ኰይኑ ስለ ዝረኽቦ ድዩ? ወይስ ካልእ  ዘይተኣመተ ጣጣን እንታን ስለ ዝነበሮ ኢዩ? እስከ ምኽንያቱ ንምፍላጥ፡ ንትሕዝቶ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳቡ: ምስ ጭብጥ ተመኲሮ ሓርነታዊ ገድልና ብምዝማድ፡ ንምንታይ ክኽተሎ ከም ዝመረጸ ጥልቕ ኢልና ንተንትኖ።

ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝምራሓሉ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ማርክስነት ክኸውን ዝመረጸ፡ ንናይ ህዝብና ሓፈሻዊ ርእይቶን ናይ ሃገርና ደረጃ ምዕባለን ኣብ ግምት ብምእታው ብዘካየዶ ደቂቕ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ መሰረት፡ ኣብ ሕበረተሰብና ዘሎ ማሕበራዊ ሽግራት ንምፍታሕ ግድነት ኣድላዪ ኰይኑ ስለ ዝረኸቦ ኣይኰነን። እንታይ ድኣ፡  እተን ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ዓለምና “ገስገስቲ” ዝቚጸራ ዝነበራ ማሕበርነታውያን ሰልፍታት: ዝኽተልኦ ዝነበራ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ማርክስነት ስለ ዝነበረ፡ ንዓኣተን ንምምሳል ካብኣተን ተዓሚቱ ብምቕዳሕ ኢዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ንግብራውነትን ተቐባልነትን ማርክስነት ኣብ ሕብረተሰብና ንምፍላጥ፡ ይትረፍ ደቂቕ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ከካይድ፡ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ንባዕሉ እንታይ ዓይነት ስነ-ሓሳብ ምዃኑ ንምፍላጥ ዝዀነ ዓይነት ዕምቆት ዘሎዎ ምርምር ኣየከየደን። መራሕቱ ገስገስቲ ንምምሳል፡ ማርክሳውያን ኰይኖም ይወራዘዩ ድኣ’ምበር፡ ዕሙቕ ዝበለ ፍልጠት ማርክስነት ኣይነበሮምን። እቲ ብዛዕባ ማርክስነት ዝነበሮም ፍልጠት፡  ምግን`ዛብ (reasoning) ዘይተሓወሶ፡ ኣብ ዕሙት ወይ ዕዉር እምነት ዝተመርኰሰ ጥማዓዊ ፍልጠት’ዩ ኔሩ።

ብዝዀነ፡ ማርክስነት ኣሉታዊ ሳዕቤናት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ፡ ኣብቲ ዓለምና ኣብ ክልተ ተቐናቐንቲ ደንበታት (ርእሰማላዊ ደንበን ማሕበርነታዊ ደንበን) ተኸፊልሉ ዝነበረ ናይ ዝሑል ኲናት ወቕቲ፡ እተን “ገስገስቲ” ኢና ዝብላ ጸጋማውያን ሓይልታት ዝኽተልኦ ዝነበራ ህቡብ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ብምንባሩ፡ ከም ናይ ግስግስና መለለዪ ብሮት‘ዩ ዝውሰድ ኔሩ። ካብዚ ዝተላዕለ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብቲ እዋን’ቲ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳቡ ማርክስነት ክኸውን ዝመረጸ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ጸጋማውያን ሓይልታት ዓለም ገስጋሲ መሲሉ ንኽርአ ኢዩ። ብርግጽ፡ ነዚ እምንቶ’ዚ ዘፍርስ፥  “ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብቲ ፍሉይ ወቕቲ’ቲ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳቡ ማርክስነት ክኸውን ዝመረጸ ገስጋሲ መሲሉ ንምቕራብ ዘይኰነ፡ ብልቢ ከም ‘ቅኑዕ ስነ-ፍልጠታዊ ስነ-ሓሳብ’ ይኣምነሉ ስለ ዝነበረ’ዩ” ዝብል ተጻረሪ ርእይቶ ዘቕርቡ ባእታታትን ጉጅለታትን ኣሎዉ። ይኹን’ምበር፡ ባዕሉ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝህቦ ይኹን ተሓለቕቱ ዝህብዎ ምኽያት ብዘየገድስ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ንማርክስነት ብቕንዕና ከም “ዝወጾ ዘይብሉ ስነ-ሓሳብ” ኣሚኑ ይኽተሎ ኣይነበረን። ብቕንዕና ከም “ዝወጾ ዘይብሉ ስነ-ሓሳብ” ኣሚኑ ይኽተሎ እንተ ዝነብር፡ ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ንዓለማዊ ፍሽለቱን ንጽገቱን ተገንዚቡ፡ ብዘይ ስክፍታ “ኣብ እዋኑ ኣገልግሎቱ ብግቡእ ፈጺሙ’ዩ” ብምባል ምስ ገደፎ፡ ደቂቕ ገምጋምን ዕቱብ ነቐፌታን ብምክያድ፡ ግጉይ ስነ-ሓሳብ ይኽተል ከም ዝነበረ  ዘየእምንን፡ ንርእሱ ተጋጊዩ ምስኡ ንብዙሓት ንጹሃት ከም ዘጋገየ ብበደላቱ ሓላፍነት ዘየውስድን ኣብነት ኣይንበሮን።

እንተዀነ፡ ኣይወዓሎን።

ዘይምውዓሉ፡ ብቕንዕና ብልቢ ይኣምነሉ ከም ዘይነበረ፡ ብቓል ጥራይ  ዘይኰነ ብግብሪ ዘመስክር ኢዩ።

ዝዀነ-ዀይኑ፡ በቲ በብግዜኡ ኣብ ዓለምና ዝኽሰት ሓዲሽ ይኹን ብሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ክትጽሎ ባህርያዊ’ኳ እንተዀነ፡ ከም ካብ ሰማይ  ዝወረደ ቅዱስ ቃል ብምውሳድ ከተምልኾ ኰነ  ከም ፍጹም ሓቂ ወሲድካ ክትግዛኣሉ ግን ዓቢ ጌጋ ኢዩ። ማርክስነት ከም ዝዀነ ካልእ ማሕበራዊ ስነ-ሓሳብ ተዛማዲ ሓቅነት እምበር ፍጹም ሓቅነት የብሉን። ስለዚ፡ ግዙእ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ምዃን፡ ንናይ ምሕሳብን ምምርማርን ናጽነትካ ብምስዋእ ዕንዛይ ሃሜንነት ክትከውን ብወለንታኻ ምምራጽ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ንነገራዊ ፍልስፍናኡ ከም ኣማራጺ ዘይብሉ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ኣምሲሉ የቕርቦ ድኣ’ምበር፡ ጸኒሕና ከም እንግንዘቦ  እቲ “ፍጹም ኣድማሳዊ ሓቂ” እናተባህለ ከም ዘየማትእ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት እምብዛ ዝተወጠየሉ ዘብለጭልጭ ነገራዊ ፍልስፍናኡ፡ ኣብ ግብሪ ተፈቲኑ ዝፈሸለን ብዓለሙ ዝተጸየነን ሃሜናዊ ስነ-ሓሳብ (domatic idialogy) ኢዩ። ሃሜናዊ ስነ-ሓሳብ ይኹን ድኣ’ምበር፡ ሰዓብቱ ከም ዝወጾ ዘይብሉ ፍጹም ሓቂ ብምእማን፡ ብድርቅና ክትግብርዎ ስለ ዝሃቀኑን ከም መምዘኒ ሰውራወነት ተጠቐሞም ንተቓወምቶም ንምጽናት ይዳይንሉ ስለ ዝነበሩን፡ ብኸንቱ ብሚልዮናት ዝቚጸር ህይወት ንጹሃት ዜጋታትን ብብልዮናት ዝተመን ክቡር ንብረት ሃገርን  ኣጥፊኦምን ኣባኺኖምን ኢዮም። እቶም ብኸንቱ ዝጠፍኡ ንጹሃት ዜጋታት ከምኡ’ውን እቲ ዝባኸነ ክቡር ንብረት፡ ንዘይብጽሑና ሰባትን ንዘይንፈልጦ ሃገርን ጥራይ ዝምልከት ኣይኰነን። ትማሊ ብጋህዲ፡ ሎሚ ኸኣ ብስዉር፡ ኣብ ልዕሊ ሰብናን ሃገርናን ዝወርድ ዝነበረን ገና’ውን ዝወርድ ዘሎን ዘይተናገፍናሉ ኣበሳ ኢዩ። ንኣብነት፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ካብ ተ.ሓ.ኤ ዝተፈልየን ንናይ መንካዕን የሚንን ምንቅስቓሳት ብምቕንጻል ዝደቐሶን ንተ.ሓ.ኤ ምስ ህ.ወ.ሓት (ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይ) ብምሽራውን ብምውዳይን  ኲናት ሓድሕድ ኣዊጁ ብምጥቃዕ ካብ ሜዳ ኤርትራ ከም እተውጽእን ብሳዕቢኑ ኸኣ ከም እትፈርስን ዝገበረ ብሰራውነንት ማርክሳዊ ስነ-ሓሳቡ ኣመኻንዩ ኢዩ። እቲ ንጕጅለ-15 ንምጽናት ዝወሰዶ ዘይሕጋዊ ናይ ምእሳር ስጉምቲ እውን ብተንበርካኽነት  ዝብል መሰረት ዘብሉ ክሲ ይጐልብቦ ድኣ’ምበር፡ ጠንቁን መንቀሊኡን ምስ ምትካል ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ብቐጥታ ዝተኣሳሰረ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብዊ ፍልልይ እምበር ካልእ ሕቡእ ምስጢር የብሉን።

ብውልቀ-መልኺ ኢሳያስ ዝምራሕ መራሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ፡  ነቲ ካብ ተ.ሓ.ኤ ንኽፍለን ናብ ኲናት ሓድሓድ ንኽኣቱን ንተቓወቱ ንምጽናትን “መሰረታዊ ናይ ግብርን ስነ-ሓስብን ፍልልይ ኣሎኒ” እንበለ ዘመኽነየሉን ዝተመጻደቐሉን፡ ከምኡ’ውን “ኣብ ዝዀነ ግዜን ኩነታትን ፍልከት ዘይብለሉን  በጃ ዝሓልፈሉን ውድባዊ መትከለይ’ዩ” እናበለ ዝፈከረሉን ዝተጃህረሉን ማርክሳዊ ስነ-ሓሳቡን ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ከም መሳርሒ ዝጥቀመሉ ዝንበረ ምስጢራዊ ማሕበርነታዊ ስልፉን፡ ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ናይ ዝሓለፈ ዘመን ማለት ኣብ ድሮ ናጽነት ብዘይደቂቕ ገምጋምን ርእሰ-ነቐፌታን ድሓን ኩኑ ምስ በሎም፡ ብድሕሪኡ ፈጺሙ ሰምይዎም ኣይፈልጥን። ዘይመስመይኡ ብጌጋኡ ስለ ዝተኣመነን ስለ ዝተማህረን ዘይኰነ፡ ኣብቲ ዝኣመቶ ሸቶ — ምቛም ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት —  ብምብጽሑ፡  ድሕሪ ደጊም ኣገልግሎት ዘይብሎም ኰይኑ ስለ ዝረኸቦም፡ ወይ ብኻልእ ኣበሃህላ ክሳብ እግሪ ዝተክል ብኣኦም ተታትዩ እግሪ ስለ ዝተኸለ ኢዩ። እዚ ኸኣ ንዘስተውዕል፡ ኲሉ’ቲ ንጉርሃንትን ዮዋሃትን ብስብከት “ደርባዊ ቃልሲ”‘ እናረሳሰነን እናሕነነን ዝወራዘየሎም ዝንበረ ማርክሳዊ ስነ-ሓስብን ምስጢራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፍን፡ ብሓቂ ማለት ከምቲ ብቓሉ ዝብሎ ብመትከል ይኣምነሎም ከም ዘይነበረ ቊልጭ ኣቢሉ’ዩ ዘርድእ። ነቲ ማርክሳዊ ስነ-ሓስብ ኰነ ነቲ ማርሕበርነታዊ ሰልፊ፡  ማይ ዘይቊር ምስምሳቱ ብዘየገድስ፡  ድሕሪ ናጽነት ጸኒሑ ኲልዕ ኢሉ ከም ዝበርሀ፡ ክሳብ መንግስታዊ ስልጣን ዝዓትር ናብ ኰረሻ መንግስታዊ  ስልጣን ንምውጣሕ  ከም መሳልል’ዩ ዝጥቀመሎም ኔሩ።

ህ.ግ.ሓ.ኤ ንማርክስነት ከም  መምርሒ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ክጥቀመሉ ዝመረጸ፡  ኣቐዲሙ ብዘካየዶ ደቂቕ መጽናዕቲ እቲ “ሓደን መተካእታ ዘይብሉን ስነ-ፍልጠታዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ”  ንሱ ጥራይ ኰይኑ ስለ ዝረኸቦ ኣይኰነን። ንተተግባርነቱን ቅንዕነቱን ንምምዛንን ንምግምጋምን ዝዀነ ዓይነት መጽናቲ ኣየካየደን። ናይ ህዝቢ ርእይቶ ክፈልጥ ንክትዕ ኣብ መድረኽ እውን ኣየቕረቦን።  ከምኡ’ውን ካብ ውሽጢ ህዝብን ካብ ፈተውቲ ሃገራትን ብርቱዕ ተቓውሞን ተነጽሎን ከይገጥሞ ስለ ዝሰግአ፡ ዝምራሓሉ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ማርክንስነት ምዃኑ ብዕሊ ኣይኣወጀን። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ውሽጢ ግንባር ንኣባላት ሰራዊትን ንሓፋሽ ውድባትን ዝኽተሎ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ማርስነት ምዃኑ ከይሓብአ እናተሓበነ፡ “እዚ ስነ-ሓሳብ’ዚ ፈጽምና ፈልከት ዘይንብለሉን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእቲና ዘይንዋገየሉን ውድባዊ መትከልና’ዩ” ብምባል፡ ኲሉ ንህ.ግ.ሓ.ኤ ዝኣምንን ዝድግፍን ሓርበኛ ዓይኑ ከይሓሰየ ክቕበሎ ይሰብከሉን ይጐሳጕሰሉን ኔሩ። ካብቲ “ብዘይ ሰውራዊ ክልሰ-ሓሳብ ሰውራዊ ምንቅስቓስ የለን! ” ዝብል ለኒናዊ ጭርሖኡ ነቐሉ ኸኣ “ሰውራ ኤርትራ ካብ 1961 ኣትሒዙ ክሳብ 1971፡ ብዘይ ቅኑዕ መስመርን ብቑዕ መሪሕነትን’ዩ ክካየድ ጸኒሑ፤ በዚ ምኽንያት’ዚ፡  ‘ሓድሽ ሃገራዊ ደሞራሲያዊ ሰውራ’ ክሰላሰል ዝጀመረ፡ ብ1971 ህ.ግ.ሓ.ኤ. ስቱር ማሕበርነታዊ ሰልፊ መስሪቱ ብማርክስነት ክምራሕ ምስ ኣንቀደ ኢዩ” ብምባል ይንየት ኔሩ። ኣብዚ ንያት’ዚ ተሞርኲሱ ድማ፡ ነቲ ብመሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ካብ 1961 ኣትሒዙ ዝካየድ ዝነበረ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ “ናጽነት ጥራይ ንምጕንጻፍ ዝዓለመ ሃገራዊ ቃልሲ እምበር፡ ሓርነት ንምጕንጻፍ ዝዓለመ ማሕበራዊ ሰውራ ኣይኰነን” ዝብል ፍርዲ በይኑ የቆናጽቦን ይዂንኖን ኔሩ። ኢሳያስ ካብ ሽዑ ጀሚሩ  ንሜዳ ኤርትራ ብሒቱ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ንምቛም ዝነበሮ ሕልሚ ንምትግባር፡ ብጋህድን ብዓውታን “ሰውራ ኤርትራ ማለት ህ.ግ.ሓ.ኤ ማለት’ዩ፣ ህ.ግ.ሓ.ኤ ማለት ከኣ  ሰውራ ኤርትራ ማለት’ዩ” ኣናበለ ደጊሙ ደጋጊሙ ይምድር ኔሩ። ይኹን’ምበር፡ ዝበዝሕ ሃገራዊ ዜጋ ንቅነን ሰምን ናይዚ ንስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ዘይጻወር ሓደገኛን ትምክሕታውን ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ኢሳያስ ግዲ ሂቡ ስለ ዘየስተውዓሎ፡ ምልክት ሕቶ ኣየንበረሉን። ድሕሪ ናጽነት ኢሳያስ ነቲ ኣቐዲሙ ዘተንበሆ ትንቢት ንምድራዕ፡ ኣዳዕዲዑ ብጀካ ህ.ግ.ሓ.ኤ ካልእ ኣብ ምምሓዳር መንግስቲ እትሳተፍ ግንባር ትኹን ሰልፊ የላን ንምባል፡ “መንግስቲ ኤርትራ ማለት ህ.ግ.ሓ.ኤ.’ዩ ፣ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ማለት ከኣ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ” በለ። ንኢሳያስ ግን ቅድሚ ናጽናት ይኹን ድሕሪ ናጽነት  ብድብድቡ “ህ.ግ.ሓ.ኤ” ክብል እንከሎ፡ “ኣነ’የ ዝመልከኩም ፈርዖን ኤርትራ”ይብል ከም ዘሎ ቆብ ኣቢሎም ዝተረድእዎ ሃገራውያን ዜጋታት ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም።

ማሕበርነታዊ ምስጢራዊ  ሰልፊ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣቐዲሙ ክጥቀስ ከም ዝጸንሐ፡ ንማርክሰነት ብዘካይዶ ጽጹይ መጽናቲ መሰረት  ካብ ዘይመረጾ፡ ንምንታይ ብሃውርን ብተሃብርን ካልኦት ገስገስቲ ዝበሃላ ማሕበርነታውያን ሰልፍታት ገበርኦ ኢሉ ኣሰረን ክስዕብ ብሂጉ? ማርክስነት  ዘስወንውን ተበሃጊ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ስለ ዝዀነ ዲዩ? ወይስ ካልእ ናብ ስልጣን ከይተመረጽካን ከይተወከልካን  ንምውጣሕ ዘኽእል ፖለቲካዊ  መጣልዒ ካርታ ስለ ዘሎዎ’ዩ? ነዘን ክልተ ዝተኣሳሰራ ኣገድስቲ ሕቶታት ብዕግበት ንምምላስ፡ ማርክስነት ኣብ ፖለቲካውን ቊጠባውን ማሕበራውን  መንፈሳውን መዳያት እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ከም ዘሎዎ ቅርብ ኢልካ ሓድብሓደ ምግንዛብ የድሊ። ብዘይጥርጥር፡ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ኣዝዩ ሰፊሕ ኣርእስቲ ኢዩ። ንስፍሓቱ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ኣብዚ ክፋል’ዚ ኣብ ነገራዊ ፍልስፍናኡ ብምምርኳስ እንዝትየሉ ነጥብታትን እነቕርቦ ትንተናን፡ ብዝከኣል መጠን ብፍላይ ኣብቲ ምስ ደሞክራሲ ዝተኣሳሰረ መትከላዊ እምነታቱ  ከም ዘተኲር ተጌሩ ኣሎ።

ናይ ደሞክራሲ ኣምር ብማርክሳዊ ኣረኣእያ ክግለጽ እንከሎ፡ ብደርባዊ ጠመተ ብምጥማት “ብባህርዩ ደርባዊ ጠባይ ኣሎዎ” ተባሂሉ’ዩ ዝግለጽ። እዚ ኣገላልጻ’ዚ፡ ካብ  ነገራዊ ርእየተ-ዓለም (materialist world outlook) ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ  ዝመንጨወ ኢዩ። ብመሰረት ነገራዊ ርእየተ-ዓለም ማርክስነት፡  ዓይነት ናይቲ ኣብ ደርባዊ ሕብረተሰብ ዘሎ ደሞክራሲ ዝውሰን በቲ ስነ-ሓሳብ ናይቲ መንግስታዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓይሊ ወይ ደርቢ ኢዩ። እቲ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ ወይ ደርቢ ነቲ ናቱ ስነ-ሓሳብ ከም ዝዕብልል  ምእንቲ ክገብር፡ ነቲ ቊጠባ ናይቲ ሕበረተሰብ ብሒቱን ንማሕበራዊ ትካላት ዓብሊሉን ብምቊጽጻር፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ሕብረተሰብ ካብ ስነ-ሓሳቡ ዝመንጨወ ንረብሓኡ ዘገልግል ሓሳባት ጥራይ’ዩ ከስፋሕፋሕን ከሰርጽን ከጠጥዕን ዝጽዕርን ዝድግፍን ዘፍቅድን። በዚ ኣገላልጻ’ዚ መሰረት፡ ደሞክራሲ ግብራውነት ዘይብሉ ረቀቕ ኣምር ዘይኰነ፡ ብጭቡጥ ንመሰልን ፍትሕን ናጽነትን ክብርን ሃገራውያን ዜጋታት ዝምልከት ህያው ሕቶ ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ ከም ህያው ሕቶ መጠን ደሞክራሲ ብቐጥታ ይዂን ብተዘዋዋሪ  ንፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ናይቲ መንግስታዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓይሊ — ብህዝቢ ብሕጋዊ ኣገባብ ይመረጽ ኣይመረጽ ብዘየገድስ — ዘንጸባርቕ ኢዩ። ማርክሳውያን ንደሞክራሲ በዚ መንጽር’ዚ ብምርዳእ፡ ኣብ ዝዀነ ሕብረተሰብ ክልተ ዓይነት ደሞራሲ ጥራይ’ዩ ዘሎ ይብሉ —  ንሳቶም ድማ ፥ ናይ ውሑዳት ደሞክራሲ ወይ ከኣ ናይ ብዙሓት ደሞክራሲ ኢዮም። እቲ ናይ ውሑዳት ደሞክራሲ ኣብተን ብመሳፍንቲ ወይ ብርጅዋታት ዝቖማ መንግስታት’ዩ ዝርከብ፤ እቲ ናይ ብዙሓት ደሞራሲ ኸኣ ኣብተን በቲ ሓፋሽ ማለት ብሸቃሎን ሓረስቶትን ዝቖማ መንግስታት’ዩ ዝርከብ። እተን ብሸቃሎን ሓረስቶትን ዝቖማ መንግስታት ብግብሪ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ምርጫ በቶም ሸቃሎን ሓረስቶትን ዝተመርጻን ዝተወከላን ዘይኰና፡ በተን ንረባሓ ናይቲ ሓፋሽ (ሸቃሎን ሓረስቶትን) እንጣበቕን እንሕሉን “ገስገስቲ” ኢና ዝብላ ማሕበርነታውያን ሰልፍታት ዝቖማ ኢየን። በዚ ምኽንያቲ’ዚ፡ እዘን ሰልፍታት እዚኣተን በቲ “ሓፋሽ” ዝሰመየኦ ከይተወከላን ከይተመርጻን ነቲ ጎነጽ ተጠቐመን ዘቖምኦ መንግስቲ “ህዝባዊ መንግስቲ” ኢለን የጠምቐኦ ድኣ’ምበር፡ ብስም እምበር ብኣካል ኰነ ብግብሪ ህዝባዊ መንግስቲ ኣይኰነን።

ኲለን ማሕበርነታውያን ሰልፍታት መንግስታዊ ስልጣን ዝጭበጥ፡ “ካብ ኣፍ ሻምብቆ ብረት ብዝወጽእ ጥይት’ዩ” ብዝብል እምነት ስለ ዝምራሓ፡  መንግስታዊ ስልጣን ንምሓዝን መንግስታዊ ስልጣን ንምዕቃብን ብዘይንሕስያ ጎነጽ እየን ዝጥቀማ።  ብኣረኣእየአን፡ ኣባላተን “ደርቦም ዝኸሓዱን ነቲ ሓፋሽ ዘገልግሉን” ጥራይ ዘይኰኑ፡ እቶም  “ዝበለጹን ዝነቕሑን ዝበቕዑን” ኣባላት ናይ ሕብረተሰብ ስለ ዝዀኑ፡ መላእ ሕብረተሰብ ንዘልኣለም ንዕኦም ተማእዚዙ  ብአኦም ክግዛእ ኣሎዎ። ካብኦም ንላዕሊ ንሕብረተሰብ ብውሕልነትን ጽፈትን ከማሓደር ዝኽእል ሃገራዊ ዜጋ ፍጹም ስለ ዘየለ፡ ንዕኦም ንምትካእ በብግዜኡ ህዝባዊ ምርጫ ምክያድ ኣየድልን ኢዩ። ብኹለንትናኦም በቃ ዘበሉን ዘይጋገዩን ዘይሕለሉን እጹባት ፍጡራት ስለ ዝዀኑ፡ ንዕኦም ምቕያር ኰነ ምሕዳስ ዘድሊ ኣይኰነን።   ከም እጹባት ፍጡራት መጠን ከይበለዩ ማለት ታህ ከይበሉ ብሓደስቶም ንዘልኣለም’ዮም ዝነብሩ። ከም ኣባላት ማሕበርነታውያን ሰልፍታት፡ መራሕ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን (“ፕረሲደንት” ኢሳያስ ኣፍወርቂ) ኣባላት ሰልፉን ከይሓፈሩ ንሰልፎም ከም ህዝባዊ ሰልፊ፡ ንስልጣኖም ድማ ከም ህዝባዊ ስልጣን ስለ ዝቖጽሮዎ፡ ከም ንጉሳዊ ቤተሰብ “ንዘልኣለም ንኽንገዝእ ዝተሸምናን ዝተመረቕናን ናይ ኤርትራ ዝወጾም ዘይብሎም ‘ጨለታትን ጭዋታትን ሊቃውንትን ከዋኽብትን’ ንሕና ኢና” ዝብል ዘደንጹ  እምነቶ’ዩ ዘሎዎም። ካብዚ ኣጉል እምነቶ’ዚ ነቒሉ ከኣ ኢዩ፡ ውልቀ-መላኺ መራሒኦም ኢሳያስ ብዓመጽ መንግስታዊ ስልጣን ካብ ዝጐበጠሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ “መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሓደ ስልፊ ንላዕሊ ኣይጻወርን’ዩ ማለት ካብ  ህ.ግ.ደ.ፍ ሓሊፉ ካልእ ሰልፊ ክህሉ ኣየፍቅን’ዩ” ብምባል፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካልኦት ተወዳደርቲ ሰልፍታት ከይምስረታን ከይንቀሳቐሳን ዝኣገደ። ስለዚ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ “ኣብ ኤርትራ ንዘልኣለም በትረ-መንግስቲ ጨቢጡ ክገዝኣን ከመሓድራን ብቕዓትን ትዕድልትን ዘሎዎ እንኮ ሰልፊ፡ ኣነ ጥራይ’የ” ብዝብል ትምክሕታዊ እምነት ዝምራሕ ሰልፊ ብምዃኑ፡ ብሕጂ ሃገራዊ ምርጫ ኣካይዱ ብህዝቢ ንዝተመርጸ ዕዉት ሰልፊ ብወለንትኡ መንስግታዊ ስልጣን ከርክብ ምጽባይ ወይ ምትስፋው የዋህነት ጥራይ ዘይኰነ ዕሽነት ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ናይ ዝሓለፈ ዘመን፡ ማሕበርነታዊ ደምበ ምስ ምፍራስ ሕብረት ሶቬት ተገማሚዑ ረሞቕ ኢሉ ምስ ወደቐ፡ እቲ ዝመራሓሉ ዝነበረ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ኣብ መላእ ዓለም ህቡብነቱን ተሰማዕነቱን ኣጥፍኡ ከም ፋሽል ስነ-ሓሳብ ተቖጺሩ ተነጺጉን ተጸይኑን ኢዩ። ህ.ግ.ሓ.ኤ ነዚ ሓድሽ ፖለቲካዊ  ምዕባለ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ተቐላጢፉ ነቲ ምስጢራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ብሕብእብእ ንኣባላቱ ብወግዒ ከይፍለጠ የፍርሶ ድኣ’ምበር፡ ነቲ እቲ  ምስጢራዊ ማሕበርነታዊ  ሰልፉ ከምኡ’ውን  ነቲ እቲ ሓርነታዊ ግንባር ዝመራሓሉ ዝነበረ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ብግብሪ ኣይገደፎን። ንኸምስል ብኣፉ “ግብራዊ ኣገልግሎቱ ስለ ዘብቀዐ ከይደረቕና ምስ ግዜ ብምትዕጽጻፍ ገዲፍናዮ ኢና” ብምባል ይሽሓጥ ድኣ’ምበር፡ ተግባራቱ ከም ዝምስክሮ  ብኣረኣእይኡን እምነቱን ጌና ካብ ጽልዋን ዓንኬልን ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ኣይወጽኣን ዘሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣግሂዱ ብማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ’የ ዝምራሕ ክብል ሃገራውን ዓለማውን ኩነታት ስለ ዘየፍቅደሉ፡ ንውልቀ-ምልካዊ ስርዓቱ ንምምኽናይ ደፊሩ ክመጻደቐሉ ከም ዘይክእል ብምግንዛብ፡ ተጣቢቡ “ዝተመርሐ ደሞክራሲ” ዝበሃል ሓድሽ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ምሂዙ ይሰብከሉን ይጣበቐሉን ኣሎ። ነዚ ሓድሽ ፖለቲካዊ ፍስፍና ህ.ግ.ደ.ፍ “ኢሳያስነት” ኢልና ክንሰምዮ ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ዘቖሞ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት  ሕጋውነት ንምልባስን ንግብራውነት ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምጽራርን  ዝጥቅወሉ ዘሎ መመሳመሲ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ስለ ዝዀነ። ብኣረኣእያ ኢሳያስነት ደሞክራሲ ተሃንዲድካ ዘይኰነ ዘገም ኢልካ ኣብ ነዊሕ መስርሕ ዝትርጐም ዕቱብ ጥንቃቐ ዘድልዮ ረዚን ዕማም ኢዩ። ልዕሊ ዂሉ፡ ምትካል ደሞራሲያዊ ትካላት፣ ምዕንባብ ደሞርክራሲያዊ ባህሊ፣ ብዝያዳ ኸኣ ምድንፋዕ ደሞራሲያዊ ንቕሓት ይሓትት። እዚ ስራሓት’ዚ ብዓወት ንኽሳለጥን ክቃናዕን ዘመናት ዝወስድ ነዊሕ ግዜ የድልዮ። ክንድ ዝዀነ፡ ብመሰረት’ዚ ኢሳያሳዊ ፈሊጥ፡ ክሳብ’ቲ ዘመናት ዝወስድ ባዕላውን ውድዓውን ደሞራሲያዊ ኩነታት ዝበስል፡ እንትርፎ ንውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስን ስርዓቱ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ኣሜን ኢልካ ምቕባል ካልእ ኣማራጺ ኰነ መዋጽኦ የለን።

እቲ ንውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ዝወለደ ፍልስፍና ኢሳያስነት ካብ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ዝመንጨወ ስለ ዝዀነ፡ ንጸረ-ደሞራሲያዊ ሓድግታቱን በሰላታቱን ብግቡእ ንምግንዛብ  ቀጺልና ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ኣብ ሓሙሽተ ብቐረባ ዝተዛመዱ ኣገደስቲ ደሞክራሲ ጠቀስ ጕዳያት ኣረኣእያኡ ከመይ ከም ዝመስል ክንትንትኖ ኢና። ንሳቶም ድማ፥ (1) ማርክሳዊ ኣረኣእያ ደርብታት፣ (2) ማርክሳዊ ኣረኣእያ ቊጠባ ፣ (3) ማርክሳዊ ኣረኣእያ ሃይማኖት፣ (4) ማርክሳዊ ኣረኣእያ ደሞክራሲ ፣ ከምኡ’ውን (5)  ማርክሳዊ ኣረኣእያ መንግስቲ  ኢዮም። ነዞም ሓሙሽተ ዝተረቚሑ ኣገደስቲ ጕዳያት ሓደብሓደ ድሕሪ ምምልካትና፡  ኣብ መደምደምታ ግንዛበና ብዛዕባ ማርክስነት ዝተማልአ ምእንቲ ክኸውን፡ እተን “ንውጹዓት ደርብታት እንውክል ውፉያት ፖለቲካውያን ሓይልታት ኢና” ዝብላ ዝነበራ (ገሊአን’ውን ገና ዘሎዋን) ማሕበርነታውያን ሰልፍታት፡ ነቲ  ከደናግራን ደገፉ ክረኽባን “ሓፋሽ”  ኢለን ዝሰመያኦ ዝበዝሐ ክፋል ህዝቢ ንምንታይ ወከልቱን ኣድሓንቱን ኰይነን ብምቕራብ ግዝያዊ  ተሰማዕነት  ረኺበን ከም ዘደናገረኦ፡ ከምኡ’ው ንምንታይ ኣብ ኲሉ ብግብሪ  ዝተፈተናሉ ሸነኻት ዓለም  ዓቢ ሕበረተሰባዊ ዕንወት ብምውራድ ከም ዝፈሸላ፡ ንናይ ሃገርና ጭብጥ ተሞኲሮ ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ክንምልከቶ ኢና።

ደርባዊ ኣረኣእያ ማርክስነት

ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ብዓቢኡ ኣብቲ ታሪኻዊ ነገርነትን (historical materialism) ስነ-መጎታዊ ነገርነትን (dialectical materialism) ዝተሰምየ ነገራዊ ፍልስፍና ዝተመርኰሰ ኢዩ። ታሪኻዊ ነገርነት፡ “ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ካብ ሓደ ዝተሓተ ዓይነት ማሕበረ-ቊጠባዊ ኣቀዋውማ ናብ ካልእ ካብኡ ዝማዕበለ ዝልወጥ፡ በቲ ኣብ መንጎ  እቶም ተጻራሪ ደርባዊ ረሓታት ዘሎዎም ደርብታት ዝካይድ ደርባዊ ቃልሲ (ማለት ማሕበራዊ ሰውራ)’ዩ ዝብል ክልሰ-ሓሳባዊ እምነት ኣሎዎ። ስነ-መጎታዊ ነገርነት ከኣ እቲ ኣብ መንጎ ተጻረርቲ ደርብታት ዝርከብ ተጻራሪ ናይ ረብሓ ግርጭት፡ ኣብቲ ሓድነት ናይቶም ተጻረርቲ ደርብታት ዝተመርኰሰ ስለ ዝዀነ፡ ተባሊሑ ኣብ ክፍታሕ ዘይክእለሉ ደረጃ ምስ በጽሐ ነቲ ሓድነቶም ብምፍራስ ማሕበራዊ ሰውራ ኣተንሲኡ ነቲ ግዜኡ ኣሕሊፉ ንግስጋሰ ዕንፋት ዝዀነ ዝበለየ ማሕበራዊ ስርዓት ብኻብኡ ዝሓደሰ ንግስጋሰ ዘቐድም ማሕበራዊ ስርዓት ይትከኦ ዝብል ክልሰ-ሓሳባዊ እምነት ኣሎዎ።  ክልቲኡ ዓውድታት ማርክስነት — ታሪኻዊ ነገርነትን ስነ-መጎታዊ ነገርነትን — ኣብቲ “ካብ ሓሳብ ነገር ይቕድም” ዝብል ሕመረታዊ ፍልስፍናዊ ሕቶ ተሰሪቱ ዝተነድቀ ኢዩ። ብመሰረት’ዚ ሕመረታዊ ፍልስፍናዊ ሕቶ’ዚ፡ እቶም ምስ ነገርን ሓሳብን ዝተቓረኑ ወትሩ  ከይተነጻጸሉ ነንሓድሕዶም እናተጸላለዉ ተጻሚዶም ዝጓዓዙ ተምሳላት፡ ማለት ፍልጠትን ተመኲሮን፡ ስምዒትን ክውንነትን፡ ከምኡ’ውን መንፈስን ኣካልን ናይ ገዛእ-ርእሶም ናጻ ህላወ ዘልዎም ኣይኰኑን። እንታይ ድኣ፡ እቲ ቀዳማይ ካብቲ ዳሕረዋይ ዝመንጨወን ንዕኡ ዘንጸባርቕን ብእኡ ዝዕንገልን ኢዩ። ንኣብነት፡ ፍልጠት ካብ ተመኲሮ፣ ስምዒት ካብ ክውንነት፣ ከምኡ’ውን  መንፈስ ካብ ኣካል  ዝነቐለ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ክልቲኦም ተጸላለውቲ ተምሳላት እቲ ወሳኒ ተራ ዘሎዎ እቲ ከም ሰረት ወይ ምንጪ ከይኑ ዘገልግል ምስ ነገር ዝተዛመደ ተምሳል  ማለት — ተመክሮ፣ ክውንነት፣  ወይ ከኣ ኣካል ኢዩ። እቶም ምስ ሓሳብ ዝተዛመዱ ፍልጠትን ስምዒትን መንፈስን ክጭበጡ ዘይከኣሉ ረቀቕቲ ኣምራት’ኳ እንተዀኑ፡ ማርክስነት “ካብ ዘይነገራዊ  መንፈሳዊ ሓይሊ” ( ልዕለ-ተፈጥርኣዊ መለኰት) ዝተፈጥሩ ዘይኰኑ፡ ካብቲ ዘገም እናበለ ድሕሪ ነዊሕ እዋን እናተጠወረ (evolving) ዝማዕበለ ነገር ዝተፈጥሩ ኢዮም” ዝብል እምነት’ዩ ዘሎዎ። በዚ ነገራዊ ኣረኣእያ’ዚ መሰረት፡ ንኣብነቲ እቲ ዝሓስብ ኣእምሮ ዘሎዎ ወድሰብ፡ ካብ ዝተጠወረ  ነገር (evolved matter) ባዕሉ ዝተፈጥረ ድኣ’ምበር፡ ፈጣሪ ብልዕለ-ተፈሮኣዊ ሓይሉ (መለኰት) ዝፈጠሮ ኣይኰነን። ኣብዚ ሃበስ-ቀደስ’ዚ ተመርኲሱ’ዩ ማርክስነት ዝፈላሰፍ። ኣብዚ ብግብሪ ተፈቲኑ ዝፈሸሉ ማርክሳዊ ፍልስፍና ተምርኲሶም ኢዮም ድማ፡ እቶም ከም ህ.ግ.ሓ.ኤን መተካእታኡ ህ.ግ.ደ.ፍን ዝኣመሰሉ ማርክሳውያን ግንባራትን ሰልፍታትን ሕጋውነት ክለብሱ ዝመጣጠሩን ዝራቐቑን ዝነበሩን ገሊኦም እውን ጌና ዘሎውን።

ማርክስነት ኣብዚ ዝተገልጸ ነገራዊ ፍልስፍናኡ ተመርኲሱ፡ ንኹሉ ኣብ ውሽጢ ደርባዊ ሕብረተሰብ ሰፊኑ ዝርከብ ኣረኣእያታት፡ ነቲ ቊጠባዊ ዝምድናታት ናይቶም ተጻረርቲ  ደርብታት ዘንጸባርቕ ስለ ዝዀነ ብባህርዩ ደርባዊ ጠባይ ዝሓዘ’ዩ ብምባል’ዩ ዝገልጾ። ካብዚ እተላዕለ፡ ንዂሉ ኣብ ውሽጢ ሕበርተሰብ ዝርከብ ኣረኣእያታት (ወይ ኣተሓሳባታት) ብጠቕላላ ከም ላዕለዋይ ቅርጺ  ናይቲ ማሕበራዊ ስርዓት ቆጺሩ ልዕለ-ቅርጺ (superstructure) ብዝብል ሓፈሻዊ ስም’ዩ ዝገልጾ። ነቲ ቊጠባዊ ዝምድናታት ከኣ ከም ሰረት (ማለት ምንጪ ናይቲ ኩሉ ዓይነት ደርባዊ ኣረኣእያታት ብምውሳድ ትሕተ-ቅርጺ (infrastructure) ብዝብል ሓፈሻዊ ስም’ዩ ዝገልጾ። በዚ መሰረት’ዚ፡ ልዕለ-ቅርጺ ነቲ ከም ስነ-ሓሳብ፣ ስነ-ጽሑፍ፣ ስነ- ጥበብ፣ ስነ-እምነት (ሃይማኖት) ወዘተ. ዘጠቓልል መንፈሳዊ መዳይ ናይቲ ሕብረተሰብ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ትሕተ-ቅርጺ ከኣ ነቲ ከም ፋብሪካ፣ ሕርሻ፣ ናውቲ፣መሳለጥያ፣ ህንጻ፣ መጕዓዝያ፣መሺነሪ ወዘተ. ዘጠቓልል ነገራዊ (ንዋታዊ) መዳይ ናይቲ ሕብረተሰብ ዝምልከት ኢዩ። ነዚ ብንጹር ንምብራህ፡ ከም መረዳእታ ንስነ-ጽሑፍ እንተወሲድና፡ ኣብ መስፍናዊ ሕብረተሰብ ዝርከብ ስነ-ጽሑፍ ነቶም መሳፍንቲ (ንጉስን ራእስታቱን መኳንንቱን) ዝውድስን ዝምጕስን ዝንእድን ክኸውን እንከሎ፡ ነቶም ተወፋሮ (ሓረስቶትን ጓሶትን ድኻታትን ) ግን ዘቆናጽብን ዘስተናዕቕን ዘቃልልን ኢዩ።  በዚ ኣረኣእይያዚ መሰረት፡ ደርባዊ ቦታኻን ማሕበራዊ ቀጸላኻን ንደረጃ ናብራኻን እትረኽቦ ክብርን ስለ ዝውስኖ፡ እቶም መሳፍንቲ  ርኹባትን ሓይላትን ስለ ዝዀኑ፡ ይውደሱን ይምጐሱን፤ ብኣንጻሩ፡ እቶም ተወፋሮ ግን ስኡናትን ድኹማትን ስለ ዝዀኑ ይቆናጸቡን ይናዓቑን። እቲ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዘ ገዛኢ ሓይሊ፡ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ብዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ብህዝቢ ንውሱን ዓመታት ዝተመርጸ እንተዘይኰይኑ፡ ንመንግስታዊ ስልጣኑን ንደርባዊ ረብሓኡን ማሕበራዊ ክብሩን ንምክልኻልን ንምኽዕባትን ካብ ምጥቃም ድሕር ስለ ዘይብል፡ ብርግጽ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኲነት ደርባዊ ቦታኻን ማሕበራዊ ቀጸላኻን ንደረጃ ናብራኻን ንእትረኽቦ ክብርን ይውስኖ ኢዩ። ይኹን’ምበር፡  ሓቀኛ ደሞክራሲ ኣብ ዝሰፈነሉ ሃዋህው ካብ ደርባውን ማሕበራዊ ፍልልይ ዝመንጨወ በደላትን ወጽዓታትን ብጋህዲ ኣብ ሃገራዊ ቅዋም ተመርኲስካ ንምውጋዱ ዝኣክል ጻዕሪ ስለ ዝግብረሉ፡ ደርባዊ ቦታኻ ኰነ ማሕበራዊ ቀጸላኻ ቀዋሚ ኣብ ርእሲ ዘይምዃኑ፡ ካብ ሕጊ ውጻኢ ዝዀነ ሓለፋን ደረት ዘይብሉ ስልጣንን ኣየጐናጽፈካን ኢዩ። ስለዚ፡ ኣብ  ሓቀኛ ደርሞክራሲ ዝሰፈኖ ሃዋህው፡ ኣድሓርሓሪ ወይ ገስጋሲ፡ ኣዕናዊ ወይ ሃናጺ ሕብረተሰባዊ ተራ ክትጻወት ዘኽእለካ ደርባዊ መበቆልካን ማሕበራዊ ቀጸልኻን ዘይኰነ፡ ግብራዊ ስራሓትካን ህዝባዊ ተቐባልነትካን ኢዩ።

ብመሰረት ማርክሳዊ ኣረኣኣያ፡ ሰብኣዊ ሕበረተሰብ ኣብ ታሪኹ ብሓሙሽተ ማሕበረ-ቊጠባዊ ኣቀዋውማታት’ዩ ሓሊፉ። ንሳቶም ከኣ፥ ፍልመ-ዴስነት፣ ጊልያነት፣መስፍንነት፣ ርእሰማልነት፣ ከምኡ’ውን ማሕበርነት ኢዮም። ካብዚኣቶም እቶም ደርባዊ ናይ ሰብ ብሰብ ምዝመዛ ዝሰፈኖም ሕብረተሰባት፡ ግልያነትን መስፍንነትን ርእሰማልነትን ኢዮም። ሕብረተሰብና ሓውሲ መስፍናውን ሓውሲ ርእሰማላውን ሕብረተሰብ ስለ ዝዀነ፡ መስፍነ-ርእሰማላዊ ሕበረተሰብ ኢዩ።  ኣብ መስፍነ-ርእሰማላዊ  ሃገርና፡ እቲ መስፍናዊ መዳይ ናይ ሕበረተሰብና ብዝያዳ ጐሊሑ ዝርኣ ኣብ ገጠራት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ርእሰማላዊ መዳይ ናይ ሕብረተሰብና ኸኣ ብዝያዳ ጐሊሑ ዝርኣ ኣብ ከተማታት’ዩ ። ብደርባዊ ኣረኣእያ ማርክስነት መሰረት፡ እቶም ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ሕበረተሰብና ዝርከቡ ተጻረርቲ ደርብታት፡ መሳፍንትን ተወፋሮን ብርጅዋታትን ሸቃሎን ኢዮም። ህ.ግ.ሓ.ኤ ነዚ  ኣብ ማርክሳዊ ስነ-ሓስብ ዝተመርኰሰ  ደርባዊ ኣረኣእያኡን ኣተናትናኡን፡ ውልድ ምስ በለ ኣብቲ “ንሕናን ዕላማናን” ዝብል ብኢሳያስ ዝተጻሕፈ ማንፌስቶኡ ብጋህዲ ገልጽዎ ኢዩ። ማንፌስቶ “ንሕናን ዕላማናን”፡ ዕላማ ህ.ግ.ሓ.ኤ  “ንመዝመዝቲ ደርብታት” ብምጥፍእ ማሕበርነታዊ ሕብርተሰብ ምትካል ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብኡ ብዘይንጸል ንኽልቲኡ ሃይማኖታት ሃገርና — ክርስትናን እስልምናን — እውን ንምጥፍእ ዘንቀደ ምዃኑ፡ ንልቢ ዘሎዎን ዓይኒ ዘንቊሐን ብዘየማትእ ዝእምት’ዩ። ንሕብረተሰብና ቀሪብና ምስ እንምልከቶ ግን ብንጹር ሕብረተሰብና ኣብዞም ኣርባዕተ ደርብታት ዝተኸፍለ ኣይኰነን።ንኣብነት፡ ኣብ ገጠራት ንኹሉ ዝሕረስ መሬት ዝውንኑ መሳፍንቲ ኰነ ኣብ ትሕቲኦም ብተወፋርነት ተቖጸሮም ዝናበሩ ተወፋሮ የለዉን። ነቲ ኣብ ከበሳ ዘሎ ዋንነት መሬት ምስ እንግንዘቦ፡ ገሊኡ መሬት ዴሳ (ሓማሴንን ኣከለጉዛይን) ገሊኡ ኸኣ መሬት ጽልሚ (ሰራየ) ኢዩ። ኣብ መሬት ዴሳ እቲ መሬት ብመላእ ኣባላት ዓዲ ዝውነን ኰይኑ ንሓደስቲ ተጣያስቲ ንምጽንባርን ንስቡሕን ዘይስቡሕን ንቀረባን ርሑቕን ግራውቲ ብፍትሓዊ ዝዀነ ኣገባብ ንምምሳሕን፡ ኣኣብ ሸውዓተ ዓመት’ዩ ዝማሳሕ።ብተዛማዲ፡ መሬት ጽልሚ ብስድራቤታት ዝውነን መሬት ርስቲ ስለ ዝዀነ፡ በቲ ኣቐዲሙ ተሰሪቱ ዝጸንሐ ኣተዓዳድላ መሰረት’ዩ ካብ ወላዲ ናብ ውሉድ እናተመሓላለፈ ዝውረስ። እቲ ኣብ መታሕት ዝርከብ ህዝቢ እውን እንተዀነ ዳርጋ ኩሉ ብጕስነት ስለ ዝናበር፡ ጥሪቱን ንብረቱን ሒዙ ሳዕሪ ናብ ዝበቖለሉ ስፍራ እናሳበኸን እናሳገመን’ዩ ዝናበር። እቲ ዝውንኖ ጥሪት ኰነ ንብረት ዳርጋ ኩሉ፡ ብብሕቲ ማለት ብስድራቤታት’ዩ ዝውነን። በዚ ምኽይናይት’ዚ፡ ኣብ ገጠራትና እውን ብንጹር ኣብ ክልተ ዝተፍኸሉ ዘይዕረቕ ተጻራሪ ደርባዊ ረብሓ ዘሎዎም ናይ መሳፍንትን ተወፋሮን ደርብታት ስለ ዘየሎዉ፡  ንቍጠባዊን ማሕበራውን ምዕባለ ገጠራትና ዕንቅፋት ዝዀነ ብደርባዊ ቃልሲ ብምክያድ ክውገድ ዘሎዎ ኣሉታዊ ደርባዊ ዝምድና፡ ማለት  ንማሕበራዊ ግስጋሰ ዓንቃጺ ዝዀነ ደርባዊ ምዝመዛ ዳርጋ የለን። ብርግጽ፡ ኣብዝን ኣብትን ከም ምድልዳል መሬት ዝኣመሰለ ምምሕያሽን ምጽጋንን ምምዕርራይን ዘድልዮ ኣሉታዊ ደርባዊ ዝምድናታት ኔሩን ገና እውን ኣሎን። እዚ ኣሉታዊ ደርባዊ ዝምድናታት’ዚ ግን፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዝርከብ ድኽነትን ድንቍርናን ሕማምን የብእሶ ድኣ’ምበር፡ ጠንቁ  ብዙሓት ረቛሒታት ስለ ዝዀኑ፡  ከምቲ ማርክስነት ዝጣበቐሉ ጎነጻዊ ደርባዊ ቃልሲ ብምክያድ ብቛሕ-ሰም ዝፍታሕ ወይ ዝውገድ ቀሊል ዕማም ኣይኰነን።

ንኣሉታዊ ሳዕቤናት ሰንሰለታዊ ባዕዳዊ መንግዛእትን ነቲ ድሕሪ ናጽነት ዝቖመ ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝወሰዶ ጸረ-ደሞክራሲያዊ ስጉምታትን ወተሃደራዊ ዕንደራኡ ዘኸተሎ ሕብረተሰባዊ ጉድኣታትን  ከም ርዱእ ወሲድካ፡ ንጠንቂ ናይቲ ኣብ ሃገርና ዝርከብ ድኽነትን ድንቊርናን ሕማምን ምስ እንድህስሶ፡  ጠንቁ ካብ ሓደ ረቛሒ ጥራይ ማለት  ካብ ዓንቃጺ ደርባዊ ምዝመዛ  ጥራይ ዝመንጨወ ኣይኰነን። እንታይድኣ፡ ጠንቁ ካብቲ ብብዙሕ ማሕበራዊ መርኣያታት ዝግለጽ ሕብረተሰባዊ ድሕረት ዝመንጨወ ኢዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ንኣብነት ኣብ ገጠራት ብዓቐኑ ዝበዝሐን ብዓይነቱ ዝበለጸን ምህርቲ ንምሕፋስ ዝከኣል ምድልዳል መሬት ብምክያድ ጥራይ ኣይኰነን።  እንታይ ድኣ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ ድሑር ኣገባብ ማሕረስ ተወጊዱ ብዘመናዊ መካይንን ስነ-ፍልጠታዊ ኣገባብን ብዝተሰነየ ማሕረስ ምስ ዝትካእ ኢዩ። እዚ ኸኣ፡ ብንጹር ጠንቂ ናይቲ ኣብ ገጠራት ዘሎ ማሕበራዊ ሽግራት ኲሉ ካብ ኣሉታዊ ደርባዊ ዝምድናታት ማለት ደርባዊ ምዝመዛ ዝነቐለ ከም ዘይኰነ’ዩ ዘረድእ። ነቲ ኣብ ከተማታት ዝነበረ ደርባዊ ኣቀዋውማ እውን ምስ እንምልከቶ፡ እቲ መብዛሕትኡ ብወጻእተኛታት ዝውነን ዝነበረ ይኹን እቲ ብደቂ ሃገር ዝውነን ዝነበረ ዓበይቲ ፋብሪካታትን ሕርሻታትን ህንጻታትን ኣገልግሎታትን ብመንግስቲ ደርግ ተሃጊሩ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣትዩ ስለ ዝነበረ፡ ብንጹር ኣብ ክልተ ተጻራሪ ደርባዊ ረብሓታት ዝነበሮም ደርብታት ዝተኸፍለ ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ከምቲ ናይ ገጠራት ኣብ ከተማታት እውን ንቍጠባውን ማሕበራውን ምዕባለ ከተማታት ዕንቅፋት ዝዀነ ብጐነጻዊ ደርባዊ ቃልሲ ክውገድ ዘሎዎ ደርቢ ቡርጀዋ ኣይነበረን።

ኲሉ’ቲ ብህ.ግ.ሓ.ኤ ብዛዕባ ደርባዊ ምዝመዛን መዝመዝቲ ደርብታትን ዝቐርብ ዝነበረ ትንተናን ስብከትን፡ ኣብ ጭቡጥ ውድዓዊ ኩነታት ሕበርተሰብና ዘይተመርኰሰን ብሰነ-ፍልጠታዊ ኣገባብ ዘይተጸንዐን፡ ከም ዘሎዎ ካብ ተሞክሮ ካልኦት ማሕበርነታዊ ሰውራ ዘካየዳ ሃገራት፡ ንኣብነት ቺና ይበሃል ኢልካ ብዕሙት ዝተቐድሐ ኢዩ። ነዚ ብጭቡጥ ንምብራህ፡ ንሓደ ደርቡ ምስ ድርቢ ቡርጅዋ ዝተመደበ ኣብ ኣስመራ ዝቕመጥ ዋና ቤት-ዕዮ ዘይቲ፡ ነቲ ኣብ ሳሕል ዝርከብ ሰበኽ -ሳግም ይትረፍ ክምዝምዞ፡ እታ ሳሕል እትበሃል ኣውራጃ ረጊጽዋ ስለ ዘይፈልጥ፡ ኣበየናይ መኣዝን ከም እትርከብ እውን ብርግጽ ኣይፈልጥን ኢዩ። ርእሰማላዊ ጽልዋ ኣብ ሃገርና ኣብ ኣዝየን ውሱናት ከተማታት ዝተሓጽረ ድኣ’ምበር፡ ብዘይ ገለ ተረፍ ንመላእ ሃገርና ዝጸሉ ኣይኰነን። መብዛሕትኡ ኣብ ገጠራት ዝነብር ህዝብና፡ ዝዀነ ዓይነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከይረኸበ ገና ኣብ ኣዝዩ ከርፋሕን ድሑርን ናብራ’ዩ ዝነበር ዘሎ። ስለዚ፡ ኣብ ገጠራት ኰነ ከተማታት ንቍጠባውን ማሕበራውን ምዕባለ ዕንቅፋት ዝዀነ ብጐነጻዊ ደርባዊ ቃልሲ ክውገዱ ዘሎዎም መዝመዝቲ ደርብታት ኣብ ርእሲ ዘይምህላዎም፡ ብደርቅን ጥምየትን  ዝተናውሐ ደማዊ ኲናትን  ብቐሊሉ ዘይሓዊ ብርሰትን ዕንወትን፡ ኣብ ልዕሊ  ነፍስወከፍ  ኤርትራዊ ዜጋ ደርባዊ መበቆሉ  ብዘየገድስ፡ ብማዕረ ይወርድን  ብማዕረ ይጸልዎን ስለ ዝነበረን ገና’ውን ዘሎን፡  ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ቀዋሚ ደርባዊ ቀጻላ ኣይነበረን፤  ሕጂ’ውን እንተዀነ (ድሕሪ ናጽነት) የለን። ብቐጻሊ ደርቅን ኲናትን ዓመጽን ብልሽውናን  ስደትን ካብ ምዕናውን ምብራስን ኣዕሪፋን ቀሲናን ኣብ ዘይትፈልጥ ሃገር፡ ይትረፍ ዓብላሊ ደርቢ፡ ቀዋሚ ደርቢ ክርከብ እውን ጋዶ ‘ዩ። ንኣብነት፡  ቅድሚ ደርቂ ምምጽኡ ሓደ ሽሕ ጥሪት ብምውናኑ ደርቡ ከም መስፍን ዝተመደበ ሰበኽ ሳግም፡ ድሕሪ ደርቂ ምእታዉ መብዛሕትኣን ጥሪቱ ብምህላቐን ዓሰርተ ጥሪት ሒዙ ምስ ዝተርፍ፡ ኣብ ውሽጢ ዓመት  ደርቡ ካብ ደርቢ መሳፍንቲ ናብ ደርቢ ተወፋሪ’ዩ ዝልወጥ ኔሩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይርጉእ ደርባዊ ኣቀዋውማ ዘለዎሉ ኩነታት፡ እቲ ደርባዊ ምዝመዛ ንምጥፋእ “ደርባዊ ቃልሲ ብምክያድ መሰረታዊ ማሕበራዊ ለውጢ ነምጽእ ኣሎና” እናተባህለ ኣብ ገጠራት ዝሰላሰል ዝነበረ “ደርባዊ ቃልሲ”፡ ኣንጻርቶም ብምግናን ዝተፈጥሩ ዘይነበሩ ናይ ኣውሃም (ግብራዊ ህላወ ዘይብሎም) መዝመዝቲ ደርብታት ኢዩ ዝካየድ ኔሩ።  እቶም ኣብ ገጠራት ኰነ ከተማታት ኔሮም ዝበሃሉ ዝነበሩ መዝመዝቲ ደርብታት፡ ዓቕሞም ይኹን ስልጣኖም፡ ጽልዎኦም ይኹን ተጽዕኖኣም ኣዝዩ ድሩትን ቅዩድን ስለ ዝነበረ፡ ንሕብርተሰባዊ ግስጋሰ ሃገርና ዝዕንቅጹ ኣይነበሩን። ስለዚ ኩሉ’ቲ ኣንጻሮም ዝካየድ ዝነበረ ደርባዊ ቃልሲ ዝተጋነነ ድራማ ‘ዩ ኔሩ።

ኣብ ታሪኽ ሃገርና ንመጀምታ ግዜ  ንመላእ ሃገርና ዝቆጻጸርን ዝጥሕርን ዝድህክን መዝማዝን ኣዕናውን ዓማጽን ገዛኢ ደርቢ ዝተወልደ፡ ድሕሪ ናጽነት ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኢዩ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ “ንሓፋሽ ህዝቢ” ዝውክል መንግስቲ’የ እናበለ መንነቱን ባህርዩን ክሓብእ ይመድርን ይሸፍጥን ድኣ’ምበር፡ ድሕሪ ናጽነት ንመብጾዓታት ሰውራ ኣዕቢሩን ንሕድሪ ሰማእታት ጠሊሙን መንግስታዊ ስልጣን ብዓመጽ ጎቢጡ፡ ንቊጠባ ሃገር ብምግባት ንማዕድናዊ ሃብቲ ሃገር ዝጕሕጕሕን ንጕልበት መንእሰያትን ዝምዝምዝን ንእትዋት ሃገር ዝሰርቕን ንብረት ህዝብና ዝዘምትንን ዘሎ ጨቋኒ ገዛኢ ደርቢ ኢዩ። እዚ ጨቋኒ ገዛኢ ደርብ’ዚ፡ ንሃገርና ከም ብሕታዊ ርስቱ፡ ንህዝብና ከም ባርይኡ፡ ንመንስያትንና ድማ ከም ጥሪቱ ብምቚጻር፡ ብኣረመናዊ ጭካነ ዘበሳብስን ዘሳቕን ዘስድድን ዝሸይጥን ዘሎ ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ እንተዘይከፊኡን ሓሲሙን ዘይሓምቕን ዘይሰንፍን ንምዕባለን ግስጋሰን ድሕነትን ህላወን ሃገርና ህዝብናን መንሽሮ ዝዀነ ስርዓት ኢዩ። ካብ መንግስታዊ ስልጣን ካብ ስሩ ከይተማሕወ፡ ኣብ ሃገርና ዝዀነ ዓይነት ንህዝብናን ሃገርናን ዝጠቅም ማሕበራዊ ለውጢ ክመጽእ ኰነ ራህዋን ብልጽግናን ፍትሕን ማዕርነትን ሰላምን ቅሳነትን ክሰፍን ማለት ዘይሕሰብ ኢዩ። እቲ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ወግሐ-ጸብሐ ዓሚመዮ እናበለ ዝጀሃረሉ ዘሎ ቊጠባዊ ስራሓት፡ ብናጻ ጕልበት መንእሰያትናን ህዝብናን ይዕመም ኣብ ርእሲ ምህላዉ፡  ንመግስታዊ  ውጥናት ትካላቱ ንምሳጥ ዝፍጽሞ ዘሎ ድኣ’ምበር ንመነባብሮ ህዝቢ ንምምሕይሽን ንሃገር ንምህናጽ ተሓልዩ ዝዕመም ዘሎ ኣይኰነን። እቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ  ክብል “ዘጓንፈና ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ተጻብኦታት ብዘይገድስ፡ ኣብ ኲሉ ቊጠባዊ ጽላታት ርኡይ ምዕባለታት ነምጽእ ኣሎና” እናበለ ዝግዕሮ ዘሎ እውን እንተዀነ፡  መብዛሕትኡ ዝተጋነነን ሓቅነት ዘይብሉን ኢዩ። ኣብ ክውንነት፡  ስርዓት ህ.ግ.ደፍ  ንህዝብና ዋላ ኣብታ  ውቅብቲ ርእሲ ከተማና ኣስመራ ከይተረፈ መባእታዊ ናይ ካህረባን (ኤለትሪክን) ማይን መግብን ቀረባት ቀቕርብ ዘይከኣለ፡ ብጭቡጥ ምምሕዳራዊ ብቕዓትን ክእለትን ከም ዘይውንን ዘመስከረ፡ ዝፈሸለን ዝጠፈሸን ዝመሽመሸን ስርዓት ኢዩ። ሃለዋቱ ልክዕ ከም ውሽጡ ዝቦኽቦኸ ጓንጓ’ዩ ዘሎ።  ክንድ ዝዀነ፡ ክወድቕ ናዕ ዘብሎ  ግብራዊ ስጕምቲ ዝወስድ ተቓዋሚ ግንባር ወይ ሰልፊ እንተ ረኺቡ፡  ሃደሽ ክብል ኣብ ቀረባ ኢዩ።

ኣብ ዝስዕብ መቐጸልታ ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ፡ ነቲ ማርክስነት ኣብ ቍጠባን ሃይማኖትን ደሞክራሲን መንትግስትን ዘሎዎ ኣረኣእያ ሓደብሓደ ብምትንታን ውሽጥ ኢልና ዛንጠ-ማዓንጥኡ ብምትታዕ ክንድስሶ ኢና። ሰናይ ምክትታል።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
35 COMMENTS
  • hayle July 24, 2013

    xuhuf ybezih alo mionbabu aselchawi koynu entetihatsir xubuq neru gin tuhuztu fetyeyo

    • NEW HOPE ERITREA July 24, 2013

      ኣይትሓዙኒ ክጥሕል´የ ኣብቲ ዓቢ ቐላይ
      መንእሰይ ኤረይ ወዲ ታሕታይ፣ወዲ ላዕላይ
      ኣሕሪደዮም ኣነ ገልዳም ጸማም ሃላይ
      ታክሲ ዌልፌር እናዘወርኩ ለይቲ ዝሰኸሩ ምድላይ
      ብብዓል ክርስትያን፣ ኣስላም፣ ኣውራጃ ምፍልላይ
      ብዓል ስንኩላኖም ዝርሽኑ ዓማጻይ ቀታላይ
      ብዓል ዕባዕላቶም ወሪሮም ____ተወሪርና ብሃላይ
      ዕሽነቱ ምዕሮ ህዝቢ፣ብዕራይ ወሊዱ መግለጺ ተቐባላይ
      ደቂ ሰብ ኣሕሪደ ን¨ዓጋመ¨ካብ ስልጣኖም ንምእላይ
      ባርነተይ ፈሪሞም ክንዲ ዘፋነዉኒ ብሕራይ
      ኩርማጅ ናፊቑኒ ናይ ግራዝያኒ ሓለንጊ ምትምናይ
      ኣሻፈረን በልኩ ¨መኻልፈይ¨ ቅለት ምድላይ።

      ወዲ ኣቦይ ኣንገሶም ብሓይሊ ባድመ ዝተሰደ
      ኣብ ጉድጓዱ ከሎ ብመድፍዕ ዝተጎምደ
      ወዲ ስዒድ፣ሲራጅ ኣብ ኢድ ብኢድ ዝተሓርደ
      ጓል ምህረይ ድንግልንኣ ብኮረነል ሻዕብያ ዝተወስደ
      ምዳዳ ኣጕዳቶ ሓዊ ፣ኣነ ብዶላር መንበድበዲ
      ድራር ጥይት ገበርኵኦም በጅኡ ዓዲ ዘሎ ወላዲ።

      ብጋሽ ባርካ ድፋዑ ተረጊጹ ዝሃለቐ
      ሸነኽ ባድመ፣ብቆረጣ ወያነ ዝተጫማለቐ
      ብሸነኽ ቡሬ ብሓይሊ ኣየር ደሙ ዝተጸንቀቐ
      ብኦፐሬሽን ምብራቕ ጽሓይ ብህጁም ዝደቐቐ
      ርዒዱን ተዳሂሉን ብገዛእ ጥይቱ ዝወደቐ
      ብሕንከትን ፍሽለትን ርእሱ ´ድኒኑ ዝተማረኸ
      ኣነ ንዘይኮደ፣ብኤውሮን ዶላራትን ዕሸላት ኣዕጢቐ
      ጭካነይ ዶብ ኣልቦ ብጽልኢ ዓጋመ ኣቦታተይ ዝተጠመቐ
      እንተለመኑኒ ገደደኒ ብንዕቀት ሓሪቐ
      ባዶ ገረወይና በልኵዎም ብትዕቢት ደሪቐ
      መጨረሽትኡ ብቕለት ዋሺንግቶን ደዊለ ለቒቐ
      ተቐቢለዮ በልኩ ዓለም ብፍሽኵልናይ ስሓቐ
      ምሽክናይ መንእሰይ ብባጤራይ ዝሐቐቐ
      ደቂ ኤረይ ኣጥፊኤ ኢትዮጵያ´ሞ ጽሓያ በረቐ
      ኣነሞ እንታይ ከይከውን ካሊፎርንያይ ማሚቘ
      ሓሳዊት ሃገር ኩቦ ደርብየላ እንድየ ኣብቂዔ
      ግን ሰብ ኣሄንኵተ እምበር ኣነስ ምስ ደቀይ ተመሪቐ።

      ዝሰንከልኩምን ዝተጸለልኩምን መንእሰያት__ኢሳያስ ካብ ቀደሙ እናሓረደን እናሕረደን ዝመጸ ኣቢሲንያዊ ኤርትራ ዘጠቓለለ(ትግራይ ትግርኚ ኣይኮነን)ኤኮኖሚ ተቛጻጺሩ ኣብቲ ከባቢ ሃጸያዊ ዓይነት ሓይሊ ንምርካብ እዩ።ኣጀንዳ ኣለዎ ።እዞም ኣጀንዳና ናይ ጽልኢ፣(ነብሰ ጽልኢ)ዝኾነ ግና ሃገራውነት እንተዝህልወና ወድኹም ጓልኩም ኣብ ድፋዕን ሲናይን እናተዓመጽኩም ጸማም እዝኒ ኣይምሃብናን።ብኡ እየ___YOU ARE ON YOUR OWN ዝበልኩኹም።ሕሰቡን መርምሩን ቅድሚ ነታ ጨካን ብደቃ ትጅምር ሃገር ቅድሚ ምሕሳብኩም ናይ ነብስኹምን ወለድኹምን ካብ ኡ ሓሊፍኩም ድማ እንታይ ዓይነታ ሃገር ከተቑሙ (እንተ ጸኒሓ እምበር ፣ክንደየናይ እኳ)ብዘይ ህንዱድ ስምዒት ምስ ካል ኦት መንእሰያት ተመኻኸሩ ።ምዓር ካብ ንህቢ እምበር ካብ ናይ ሽቓቕ ሃመማ ኣይርከብን።እንታይ መፍትሒ ረኺብኩም ካብዞም ካብ ተዛማዲ ራህዋ ኢትዮጵያ ፈልዮም ዓመጽ ዘውረሱኹም።ኣነ ሃገር ይኹን መፍትሒ __PRESCRIBEኣይገብረልኩምን ፣ግን ሕሰቡሉ።ኢትዮጵያ እንተዘይዓቢዳ መሊስና ከነባላሽወላ ቃይትቕበለናን።ኤርትራ ዳርጋ ሃገር እያ __ብኸመይ ትቐውም ናባኹም ይገድፎ !!!

      Your practical & honest Uncle NEW HYPE ERITREA

      • Semhar July 25, 2013

        As long as the mad dog ድያብሎስ! Isayas and HIGDEF are in Eritrea misery and death will continue.
The only solution is to get rid of crazy mad dog Isayas wedi Medhin Berad, his son, and his blind followers HIGDEF just like the Libyans did to Gadafi, his sons and his followers.
Eritreans should unite and get rid the tyrant mad dog Isayas, his son and his blind followers the HIGDEF.

  • Selam July 24, 2013

    This article is too long to read it in a screen. Please put it as a book not screen article. Thanks

  • Dawit Meconen July 24, 2013

    Here we go again; wrong assumption, wrong conclusion. Obviously, the writer is either a victim of the consummate con artist, Isaias Afewerqi, or is an agent of Isaias Afewerqi paid to spread the gospel of his disinformation.

    As I said in my previous writing, the crux of Eritrean problem is misunderstanding the essence of Isaias Afewerqi, the result of which has divided Eritreans into two Warring Camps: one camp recites whatever woyane says is the Eritrean problem and its solution; the other Camp follows the blue print of Isaias Afewerqi.

    As the two Eritrean Camps bicker against each other, the two Tigrawot, Isaias Afewerqi and woyane salute each other for the superb job they have accomplished trampling Eritreans under their dirty feet.

    Isaias Afewerqi has never been a communist ideolgue. He has always been a pragmatist, using whatever works, ideology, nationalism, patriotism etc. to advance his secrete agenda.

    When he joined Qiada Al Ama, he instantaneously jumped into their folds; started learning Arabic; kept himself away from his former schoolmates, whom he spied for his masters. By so doing, he earned their trust and they reciprocated by sending him to Communist China, where he discovered other ways and means to advance his secrete agenda.

    Back then, the Communist Party of China believed that because China was underdeveloped country, the vanguard of their Revolution was not the Proletariate but the Peasant. I am sure the eyes of Isaias Afewerqi were wide open when he learned that fact.

    Soon after Isaias Afewerqi returned from China, he splintered from ELF with a small Group of Higlanders , who called themselves Selfi Natsnet. But as soon as Romodan Mohmmed Nur group appeared, as usual, he jumped into their fold and made use of “Peasant Vanguard” to his absolute advantage and to the demise of Eritrean elites in particular and Eritreans in general.

    Romodan Mohammed Nur group was catepulted to be the Revolutionary Guard of the EPLF and the Eritrean Elites,a Petty Bourgeois opportunists that must be watched, persecuted, incarcerated and liquidated by the Revolutionary Guard mercilessly.

    The so called MenkaA group are few among the innocent countless Elite Tegadelti whom Isaias Afewerqi liquidated with the express purpose of blindfolding Eritreans into the abyss of Abai Tigrai.

    The bottom line is that Isaias Afewerqi has always been chasing the interest of Tegaru; the communist Phrases he uses are masks for his vicious agenda. This is the Truth, the whole Truth. There is nothing else.

    • belay nega July 25, 2013

      Dawit

      If the founder and leader of the E.P.L.F, Esayas Aforki is considered to be Ethiopian,then immediately Eritrean ID is fake.

      • Dawit Meconen July 25, 2013

        belay nega,

        Your logic is absurd, a good reflection of your fallacious claim of 3000 years of independence.

        • ahmed saleh July 26, 2013

          Belay
          Do you mean Issayas’s Eritrean ID is fake ?
          Probably it might be , judging from the way he had done to the people .

    • Semhar July 25, 2013

      As long as the mad dog ድያብሎስ! Isayas and HIGDEF are in Eritrea misery and death will continue.
The only solution is to get rid of crazy mad dog Isayas wedi Medhin Berad, his son, and his blind followers HIGDEF just like the Libyans did to Gadafi, his sons and his followers.
Eritreans should unite and get rid the tyrant mad dog Isayas, his son and his blind followers the HIGDEF.

    • Semhar July 25, 2013

      Dawit,
      Our martyrs fought two enemies
      1) Ethiopia military in the front
      2) The mad dog Isayas and his blind followers in the back. (Ethiopian mercenaries)

      They killed and terrorized our people.
      They took down our liberation flag (1962 was replaced by Ethiopia flag; and 2003 was replaced by the mad dog Isayas wedi Medhin Berad’s flag).

      We should all focus on the Ethiopian mercenaries,the mad dog Isayas wedi medhin Berad and his blind followers HIGDEF and stop them by any means from destroying our land and our people.

      Down to the mad dog, the tyrant dictator and his followers!

      We will raise our Liberation Flag, the flag of our martyrs!

      Victory to our people!

      • Dawit Meconen July 26, 2013

        Semhara,
        Isaias Afewerqi and woyane are our cardinal enemies; HIGDEF(PFDJs) are trailers that must be freed from Isaias’ control and rehabilitated through enlightenment and building of trust . This is the only strategy, other than Unity, that will crown our struggle with success within the framework of intact Eritrean Sovereignty.

  • NEW HOPE ERITREA July 24, 2013

    ¨ኣሞራታት ሲናይ ….ብታሕጓስ ዓልሉ
    መንእሰያት ኤርትራ ብሰብ ድያስፖራ ዝተታለሉ
    ተወሪርና ኢሎም ሰብ ታክሲ ዶላራት ዘዋጽኡሉ
    ህዝቢ ኤርትራ ምጥፋእ ምዳዳ ዝተበገሰሉ
    ሺላታት ሓዊስኩም ብስጋ መንእሰያት ኣብዕሉ
    ዓድና ገዚፍ ሰብ እምበር ዓቢ ስለ ዘይብሉ ።¨

    ገዛይ ጓሕጕሑዎ፣ዌልፌር ቼከይ ይዘመት
    እሰሩኒ ብምራን ___ ሕነቑኒ ብገመድ
    ብሂወተይ እናሰማዕኩ ቅበሩኒ ኣብ ሓመድ
    ኣብ እቶን ወርውሩኒ ስጋይ ብሓዊ ይንደድ
    ክብረተይ ሕሱርዩ ፣ኣይትጸውዑ ቀባራይ ዘመድ
    ገሃነም ፈጢረሉ ዝተማባጻዕኩሉ ገነት
    ናይ ሓሶት ቃልሲ ሽም ቀሹ ሽፍትነት ።

    ባቡር ትጨፍልቐኒ ስሒባ ካብ መገዲ
    ማካይን ይርገጻኒ ፍያት፣ቮልስዋጌን፣ኣውዲ
    ኣሲርኩም ምስ ደቀይ ጠርዙኒ ዓዲ
    ርሱን ሞጎጎ ጠፍጢፍኩም ግበሩኒ ሞጕዲ
    መንእሰያት ዘሕረርኩ ኣብ ዕርዲ ጎዳጕዲ
    ዓጋመ ከጥፍኡለይ ዝሰደድኩ ብሰልዲ
    ብሳልስቲ ኣዲስ ኣበባ ከዕዝርዎም ብውርዲ
    ኢሳያስ እንታይ ጌሩ ኣይትቐልጥፉ ንፍርዲ
    ካብ ጊዜ ሽፍትነት ዕላምኡ ኣቢሲንያዊ ዘውዲ
    ኣነ እየ መቕተሊኦም ደቂ ኤረይ መንዩ ሕኒ ኦም ዝፈዲ፧ !!!!!!!!!!!

    መንያ ኣብቲ ሲናይ በረኻ ተእዊ ፧
    ኣጥባታ ብጋንቾ ,ጨረር ዝብል ብሓዊ
    ንዓሰርተ በደዊን ብብልዕታ ተርዊ
    ወዲ´ውን ይዕመጽ ኣሎ ስብእነቱ መጃጀዊ
    መርዓት ቀይርዎ ግብረ ሶዶም ዓረባዊ
    ኣጆኹም በልዎም ኣይበክን´ዩ ኤርትራዊ
    ንወያነ ንጸርፎም ኣለና መታን ቁስሎም ክሓዊ
    ተምቤናይ ስለ ዝኾነ እዩ ፣ኢሳያስ ሓሳዊ
    ኢልና ንፈግኣሎም ኣለና ዌብሳይት መርሃዊ
    ብኢንተርነት ከነውግዞም ኢና ፣መንግስታቶም ክሳዕ ዝደዊ !!!

    መሳኪን መናእሰይ ዓደይ ፣እቶም ናብዚ ዘብጽሑኹም ´ውን ሓላፍነት ኰወስዱ ኣይደልዩን እዮም ።ደቆም የዕብዩ ኣለዉ ።ግን ነጻነትና ወያነ ከየባላሽዎ ይሕልዉ ኣለዉ።ኣይደቀሱን እቲ እዚ ኩሉ በረኸት ዘምጽኣልኩም ነጻነት__ኢሳያስ ጨውይዎ እምበር መንፈሳዊ ቅዱስ ዝነበረ ውድብ´ዩ ይብልኹም ኣለዉ።

    • Eritreawit July 24, 2013

      NHE, AKA hopless/ sengapo/

      continue your bla,bla,bla.postings OK.—

      ERITREA AND HER PEOPLE WILL PREVAIL, and you know it.

  • መጻኢ ኤርትራ July 24, 2013

    HAWEBOY NHE

    sedo sedo sedo sedo

    Kemaka Yebzehu

    • NEW HOPE ERITREA July 24, 2013

      Metsai Ertra ,

      I do not like getting personal ,but ,are people like ¨Eritreawit¨for real ? From the whole specified unspeakable sufferings ,…she made up with Eritrea & it´s people will prevail .I very much wish too.

      Thank you Metsai Eritra

  • Kabbire July 24, 2013

    ደራሲ ይብል ” … ዝብል ሓፈሻዊ ኣርእስቲ ክቐርብ ዝጸንሐ ሓተታ፡ ንሓደ ካብቲ ቀንዲ ኣበራት ሓርነታዊ ቃልስና ማለት ንኣሉታዊ ሓድጊ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ፍሉይ ኣተኲሮ ብምሃብ ክንቋደሶ ኢና። ”

    በዚ ድማ ደራሲ እዚ ጽሑፍ ንማርክሳዊ ለኒናዊ ስነሓሳብ፣ ከም ቀንዲ ጠንቂ ህሉው ኩነታት ፖለቲካ ምዃኑ ክትንትን ይፍትን። ብወገነይ እቲ ቐንዲ ሕመረት ህሉው ኩነታትን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ኤርትራ “መንነታዊ ቅልውላው” ዝሕመረቱ ገድሊ ኤርትራ እዩ።
    ገድሊ ወይ ሰውራ ቀንዲ መርዛም ሕማም ናይ ኤርትራ እዩ። ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ወይ ህግ ወይ ህግደፍ ከም እንኮ ሽግር ፖለቲካ ዝርኢ ዝኾነ ይኹን ፍታሕ፣ ኣብ ኤርትራ ዘላቒ ፍታሕ ኣየምጽእን እዩ። ነዚ ብዕምቆት ንምንባብ ምቅንጃው ገድሊ ናይ ኣቶ ዮሴፍ ገብረሂወት ገለ መእተዊ ሓሳብ ንምርካብ ነዛ ፈትሊ ሰዓብ፤

    • Kalighe July 25, 2013

      “ብወገነይ እቲ ቐንዲ ሕመረት ህሉው ኩነታትን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ኤርትራ “መንነታዊ ቅልውላው” ዝሕመረቱ ገድሊ ኤርትራ እዩ።”

      Kabbire

      Are you Eritrean ?, or one of those ‘Ghedli’ haters who suffer from identity crisis ?

      • Kabbire July 25, 2013

        Do you mean that I can be called “Eritrean” only if I come from Yemen or Shire-Tigray and declare pro Arab and burn Eritrean languages?

    • Kabbire July 25, 2013

      ብቐንዱ እቲ ናይ መንነት ቅልውላው ድሕሪ ስዕረት ፋሽሽታዊት ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ይጅምር። ኣብዚ ድማ ንሕና መን ኢና ፧ ቋንቋታትና ታሪኽና ልምድና ስርዓትና እንታይ እዩ ዝብል ሕቶታት ተበጊሱ። ነዚ ንምምላስ ኣብ ዝተገብረ ግብግብን ጥምጥምን፣ ብምትእትታው ጎረባብትን ተበለጽትን ገድሊ ወይ ሰውራ ዝበሃል ሓድሽ ሓሳብ ተበጊሱ። ኣብዚ ውን እተን ውድባት ከም ኣኽላብን ኣዝብእን እንዳተማናጨታና ካብ ሓራካ ናብ ህግደፍ ስጋብ እዚ ዘመነ ምፍንጫል ፓልቶክ ተበጺሑ።

      ነዚ ብዕምቆት ንምንባብ ምቅንጃው ገድሊ ናይ ኣቶ ዮሴፍ ገብረሂወት ገለ መእተዊ ሓሳብ ንምርካብ ነዛ ፈትሊ ሰዓብ፤
      http://www.asmarino.delina.org/blog/wufyat/hdmo/7/item/1310?view=article

      • ahmed saleh July 26, 2013

        Yosief G/hiwet have his own ideas speaking about Eritrea . You can romanticize with his article because
        he looks he have his own issues with Sewra Eritrea . It doesn’t surprise me to read nonsense ideas because
        I start to read some comments which incline toward approval on Ethiopia’s interest . Keep day dreaming ,
        Eritrea is a sovereign country which cost us more than 100,000 lives and it is not for bargain .

  • NEW HOPE ERITREA July 25, 2013

    SOME YOUNG PEOPLE ASK ….
    ¨UNCLE NEW HOPE ERITREA ,..HAVE YOU ALWAYS BEEN WOYANE´S UNDERWEAR¨…???¨

    ሓደሓደ መንእሰያት ኤርትራ ይሓቱ____¨ሓወቦይ ሓድሽ ተስፋ ኤርትራ ,ካብ ቀደምካ ዲኻ ምታንታ ወያነ ኔርካ¨ ???

    ዝኸበርኩም ሓደሓደ መንእሰያት ¨ሕማቕ መልሲ እምበር ሕማቕ ሕቶ ስለ ዘየለ¨_፡ነቲ ንስኻትኩም ምታንቲ ምዃ ትብልዎ ፣ኣነ ብጽቡቕ ምቕናእ ይብሎ።___ሃገረይ ገዲፈ ናብ ስደት ክ ወጽእ ከለኹ ወዲ ፪፫ ዓመት እየ ኔረ።ኣብቲ ግዜ እቲ እቶም ኣብ ኤርትራ ፈርዮም ዝር ኣዩኒ ዝነበሩ ተጋሩ ናይ ትግራይ ___ካድረታት ፣መዳመቕቲ ፣መሳርሒ ደርጊ__ግልብጥ ግልብጥ ዝብሉ መርገጺ ኦም ካብ ኑግሆ ንምሸት ዘይጸንዕ ፣ተበለጽቲ ክንሓድር ብሃልቲ ፣ነብሰ ጽል ኣት ዝነበሮም መተዓብዪ ኦም ኣሕሊፎም ዝ ህቡ ፣ሰይጣንንሓደ ትግራዋይ ናይ ትግራይን ወዲቑ እንተዝጸንሓኒ __ነቲ ሰይጣን ቀዲመ መልዓልኵዎ።በዚ ሕጂ ትዕዘብዎ ፣ብዛዕባ ህዝበ ትግርኛ እዩ ዝዛረብ ዘሎ ኢልኩም ክትሓስቡ ትኽእሉ።ኣይተጋገኹምን።መንነት ዘይነበሮ ህዝቢ ብጽል ኢን ሽርሕን ዝተመል ኤ፣ጭካነ ንምስራሕ ንድሕሪት ዘይብል ።ሰብ ኣሕሊፉ ዥብ ስለ ዝኾነ__ነቶም ብኸምዚ ዝገምገምኵኦም___ሓደ ሓደ ተጋሩ ናይ ትግራይ ኣትኵረ ካብዚ ኦምሲ ኣምሓሩ እኳ ይሕሹና ኢለ ጥንኩር ቅርሕንቲ ናብ ጽልኢ ዘድሃበ ኔሩኒ።እቲ ኣክሰንት ናይ መቐለ ዝጥዕም ብሕልፊ ክሰምዕ ከለኹ ደመይ ይፈልሓኒን __መቃጠርቲ ይብል ነበርኩ (ብትሕቲ መልሓሰይ)።ስደት ምስ ወጻእኩ ድማ ንምዳዳ እኳ ከም ሞት እንተጸላእኩዋ__ምኽንያቱ ካብ 1977- 78 ጀሚረ ንህዝቢ ከም ዘይትኸውን ጥራይ ዘይኮነስ ጸረ ህዝቢ ምዃና በቲ ሽፍታዊ ስርሓ (ብዙሕ ጊዜ ዝተንተንኵዎ)___ንወያነ ኣብቲ ውግእ ሓድሕድ (ዝመሰለኒ) ንጀብሃ ምስ ምዳዳ ተሓባቢሮም ምስ ኣውጽእዋ ግን እዞም ደቂዛ **** ኣብ ሞንጎ ኣሕዋት እንታይ ኣዲኦም ኣእተዎም ዝብል ተወሳኺ ቅርሕንቲ ነበረኒ ። ምዳዳን ወያነን ንሓድሕዶም ክዋድኡ ዝስዓረ ይስዓር ድማ ሰከንዳዊ ትምኒተይ ነበረ።__________(ድሕሪ ብዙሕ ጊዜ ግን ወያነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከማሓድር ዝደሊ ሓይሊ፣ምዳዳ ድማ ኢትዮጵያ ክገዝእ ዝደሊ ሓይሊ ምዃኑ ኣብዚ ሒደታት ዓመታት በብቑሩብ በርሃለይ።)
    ሸፈፍ ኣቢለ ናብ 1991 ክመልሰኩም ።ንወያነ ብዝፈለጥኩዎም ቍጽሪ ፣እቲ ምስ ትግራውነት ናይ ትግራይ ኢለ ዝገምገምኵዎ ባህርያት ተዋቕዓኒ።ግን እዘን ዓጋመስ ትሽዓተ ዝነበረ ልበን ናብ ሓሙሽተ ኣውሪደንኦ ይኾና እምበር _ዝብል ኩሉ ጊዜ ኣብ ድሕሪ ሓንጎለይ ጥርጣረ ነበረ።ጽሑፋቶም ከንብብ ጀመርኩ።ዝተፋላለዩ ወያነ ዝውሓጠሎምን ብፍርቂ ልቦም ዝተቐበልዎ ተጋሩን ለይትን ምዓልትን ልቦም ክሳዕ ዝጠፍእ ቪድዮታት ይኹን ጽሑፋት እናተለቃሕኩ ክካታተል ጀመርኩ።
    ኩሉ ጊዜ ሕቡእ ኣጀንድ ኦም ረኺበ ¨ቀደሙ ግዳ ልቢ ትግራይ ¨ኢለ ከቃልዖም ፈተሽኩ ግን ንብላሽ።ድሓር ኣብ ሜዳ ከለዉ ፣ካድረታት ከይተረፉ __ጓል ምብራቕ ትግራይ ዶ ፣ምዕራብ ትግራይ ዝብል ጸበብቲ ስምዒታትን ካብ ጭቆና ዝተወርሰ ባህ ዘይብል ጠባያትን ዝተዓዘቡ ሰብ ሓንጎል ፣ዳርጋ ንሓደ ዓመት ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ብውሑዱ እናካየዱ በዛ ንጭርቐሎም ስብሰባ ሰብ ብነጻ ሂር ክሳዕ ዝብሃል ብኽትዕ ኣናቝቶም፣በቲ ዘስርሕን ቅኑዕን ዝኾነ መገዲ ኣልዮም ንጥቕሙ ከም ዝቃለስ ፣እቲ ¨ዞም ኤርትራውያንማ ዓጋመ ላበሉናቲ ¨ዝነበረ ትሑት ርእሰ ትኣማንነት _____ ሳይንሳዊን ታሪኻውን ሓቀኛ ትንታኔ ተዋሂብዎ _፡፡ግምገማ ዝብሃል ____ስልቲ ፈጢሮም ፣ርእሰ ትኣማንነቱ ኣስተኻኺሎም ብንጹር መንነቶምን መምርሒኦምን ኣተዓራርዮም ክኸዱ ጀመሩ።እዚ ብተግባር ውን ዝርኣኽዎ ፱፫ ኤርትራ ክበጽሕ ኣዲስ ኣበባ ውን ኣሓትይ ክበጽሕ ስለ ዝቐነኹ ብተግባር ኢትዮጵያ ንጽቡቕ ክትቅየር ምዃና በርሃለይ ።ኣብቲ ናይ መጀመርያ ክኣትዉ ኸለዉ ከም ኣመሎም ምዳዳ እኳ ንሕና ኢና ኣእቲናየንን ካልእ ፍርቂ ሓቅታትን ሓሶታትን ይነዝሑ እንተነበሩ ፣ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ተቓራሪባ ሓቢርካ ምምዕባል ተራእየኒ።ግን ምዳዳ ንገንዘብ ዝነበሮም ደቂ ሃገር እተዉ ገንዘብኩም ኣወንዝፉ ኢላ __ረኪስካ ባራ ክትገብሮም ጭላንጭላት ስለ ዝር ኢ ዝነበርኩ ድማ ¨ወዲ ድሙ ከም ቀደሙ¨ዓይነት ስክፍታ ሓደረኒ።ኣብ ውግእ ¨ባድመ¨ክወስደኩም ።ወያነ ባድመ ወሪሮምና ምስ ተባህለ ፣ናይ ብሓቂ ሓሶት ምዃኑ በርሃለይ ፣ምኽንያቱ በቲ ጀብሃ ነበር ዘዘንትዎ ዝነበሩን ___ካብ ኤርትራዊ ድማ ኣነን ፕረሲደንት ኢሳያስን ጥራይ ሓንጎል ስለ ዘሕደረልና __ሕቶታት ምብዝሔይ ብሕልፊ እቶም ንሻዕብያ ኣንጻር ቶርዓን ፣ናይ ክርስትያንን ጌሮም ዝርኣይዋ ገደዱኒ ።ብፕሮግራም ክድህሉንን ናይ ቢኬሪ ሰውራ ከካይዱለይን __ብሓደ ምልሻ ኢትዮጵያ ነበር __ካብቶም ከባቢኦም ከሎ ግን ከም ካልኣይ ደረጃ ወዲ ኣውራጅኦም (ወደያይ ወዲ ሳንዳይ)ጌሮም ዝቖጽርዎ ሰብ መደቡለይ ።እዚ ኣብ ኤድመተን ካናዳ ዝተፈጸመ ደቀያይ ኣንጻር ሓሻካ (ኣነ) ሰውራ እዩ።
    ኣብቲ ቀንዲ ሓተታይ ክኣቱ ኢለ ኢለ ግን ኩሎም ቀረባ ኣዝማደይ ኣብ ድፋዕ ስለ ዝነበሩ ንኽልተ ወርሒ ዝኸውን ዓበድኩ።ዳርጋ ከም ደቂ ሃገረይ እምባሕ ምባልን ምስ ገለ ተጋሩ ናይ ትግራይን እንክያ ሰላምትያ ክብሃል ጀመርኩ።ሃገርነት ሽቓቕ ይእቶ ናይ ኣዝማደይ ህላወአ ፣ዳርጋ ቲፎዞ ውግእ ምዳዳ ገበረኒ።
    መስተውዓልን ወዲ ሃብታምን ምዃን ጥዑም እዩ ካብ ሓሳዊ ሕልመይ ተሳእኩ።እቲ ከፊላዊ ቲፎዝነተይ እውን ሂወት ስድራይን ኣዝማደይን ንምድሓን ነበረ።ብሓይሊ ኣምላኽን ገንዘበይን እታ ኣብ ግሃነም ባድመ ዝነበረት ሓንቲ ቀረባ ሰበይ ብሱዳን ጌረ ኤውሮጳ ምስ ኣእተዃ ፣ነገራት ብዘይ ሻራ ክርእዮ ሓገዘኒ።ቤተሰብና ኣየጕሃሮን እቲ ውግእ !!!
    ካብቶም ክልተ ኢትዮጵያውያን ሓይሊ ድማ እቲ ኢትዮጵያ ዘመሓዳድር ዝነበረ ሓይሊ ኢትዮጵያ ተስዓረ፣እቲ ኤርትራ ዝገዝእ ሓይሊ ኢትዮጵያ ግን ¨መኻልፍ¨ኣጋጠሞ። ነቶም ኣጀንዳ ዘለዎም ሙዳዳውያን ዝተጠቐምካሉ ኮንዶም ምድርባይ ኮነ ።ህዝብና ድማ ሓሻካ ፣ሓደ በዲኡ ትግራዋይ መራሕ ቦጦሎኒ፣ኔሩ እኳ እዩ ነታ ድፋዕ ኣስቢርዋ ኢዱ ናብ ውወያነ ሂቡ ዝብል ሪፖርት ባዶ ሰለስተ ተነዝሔ___ ህዝብና ክኣ ሓሻካ ¨መስተውዓሊ¨ ስለ ዝኾነ ምስታ ብዕራይ እንዳዓለቦና ወሊዱ ትብል ሓዊሱ ነታ ታሪኽ ኣመና።
    ዝተረፈ መንእሰያት ኤርትራ ንስኹም ትርእይዎ ነገር እዩ ፣እቶም ንዓጋመ ብሳልስቲ (ኣውቶቡስ ዘይትኣትዎ) ኣዲስ ኣበባ ከነእትወን ኢና ዝበሉ ፣ዝበልዑሉ ጻሕሊ ክሳዕ ሕጂ ዝሰብሩ ፣ደቂ ባንዳ ኣያታኩምን ኣብሻታትኩምን___ትግራዋይ ብዓል ታክሲ ክርእዩ ከለዉ ጭርኦም ዘዋዛውዙ ፣እንዳ ሻሂ ምስ ካልኦት ሳዕሪ ዘይበልዑ መቃጠርቲ ኤርትራውያንን ኮፍ ክብሉ ድማ ዝኽዝቡ____ቃንዛኹም ከይሰምዑ ነቲ ኣውያትኩም __MUTE___ጌሮም ደቆም የዕብዩ ኣለዉ ፣
    ግን ንሶም እዮም ብደምኩም ጌሮም ሓሳዊ መንነቶምን ኩርዓቶምን ከዕብዩ ኢሎም ኔሮም። ንስኹም ተቛራሪጽኩም ንም ግን ብሕልፊ ኦባማ ምስ መጸ __ WELFARE & FOODSTAMPS,ዓብዩ ይፍስሁ ኣለዉ። እዚኣ ከይትርስዑ !!!!!!!ናብ ኢሳያስ ከልግብዋ እንተደለዩ ,ኢሳያስ,ህዝቢ ካብ ሰብዓታት ጀሚሩ ዘጋፍዕ ዝጨዊ ዝሓርድ ምዃኑ ይፈልጥዎ እዮም።
    ከምቲ ናይ ተጋሩ ናይ ትግራይ ዝነበረኒ መረዳእታ ጥራይ ዘይኮነስ 20 ዕጽፊ እዞም ብጃምላ ዘሕረዱኹም ሰብ ታክሲ ይገዱ።ህዝቢ ትግራይ ዓለም ከዛርብ, እዞም ጽሓይ እናቃጸለት ካቦት ዝገብሩ ,መሕነኽ ኣያታትኩም ግን ንዓኹም ኣሕሪዶም ደቂሶም ይሓድሩ ኣለዉ።

    UNCLE NEW HOPE ERITREA

    • NEW HOPE ERITREA July 25, 2013

      Correction…please note the sentence ….ካብቶም ክልተ ኢትዮጵያውያን ሓይሊ ድማ እቲ ኢትዮጵያ ዘመሓዳድር ዝነበረ ሓይሊ ኢትዮጵያ ¨ተስዓረ¨ instead it should read ….ካብቶም ክልተ ኢትዮጵያውያን ሓይሊ ድማ እቲ ኢትዮጵያ ዘመሓዳድር ዝነበረ ሓይሊ ኢትዮጵያ ¨ስዓረ¨….

      thank – U

  • Kalighe July 25, 2013

    “ካብቶም ክልተ ኢትዮጵያውያን ሓይሊ ድማ እቲ ኢትዮጵያ ዘመሓዳድር ዝነበረ ሓይሊ ኢትዮጵያ ተስዓረ፣እቲ ኤርትራ ዝገዝእ ሓይሊ ኢትዮጵያ ግን ¨መኻልፍ¨ኣጋጠሞ። ነቶም ኣጀንዳ ዘለዎም ሙዳዳውያን ዝተጠቐምካሉ ኮንዶም ምድርባይ ኮነ ።ህዝብና ድማ ሓሻካ ፣ሓደ በዲኡ ትግራዋይ መራሕ ቦጦሎኒ፣ኔሩ እኳ እዩ ነታ ድፋዕ ኣስቢርዋ ኢዱ ናብ ውወያነ ሂቡ ዝብል ሪፖርት ባዶ ሰለስተ ተነዝሔ___ ህዝብና ክኣ ሓሻካ ¨መስተውዓሊ¨ ስለ ዝኾነ ምስታ ብዕራይ እንዳዓለቦና ወሊዱ ትብል ሓዊሱ ነታ ታሪኽ ኣመና።”

    UNCLE NEW HOPE ERITREA

    You are insulting Eritreans … “ህዝብና ክኣ ሓሻካ ¨መስተውዓሊ¨ ስለ ዝኾነ ምስታ ብዕራይ እንዳዓለቦና ወሊዱ ትብል ሓዊሱ ነታ ታሪኽ ኣመና”. You are saying Eritreans are stupid people !!

  • Kabbire July 25, 2013

    ደራሲ ይብል ” … ዝብል ሓፈሻዊ ኣርእስቲ ክቐርብ ዝጸንሐ ሓተታ፡ ንሓደ ካብቲ ቀንዲ ኣበራት ሓርነታዊ ቃልስና ማለት ንኣሉታዊ ሓድጊ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ፍሉይ ኣተኲሮ ብምሃብ ክንቋደሶ ኢና። ”

    በዚ ድማ ደራሲ እዚ ጽሑፍ ንማርክሳዊ ለኒናዊ ስነሓሳብ፣ ከም ቀንዲ ጠንቂ ህሉው ኩነታት ፖለቲካ ምዃኑ ክትንትን ይፍትን። ብወገነይ እቲ ቐንዲ ሕመረት ህሉው ኩነታትን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ኤርትራ “መንነታዊ ቅልውላው” ዝሕመረቱ ገድሊ ኤርትራ እዩ።
    ገድሊ ወይ ሰውራ ቀንዲ መርዛም ሕማም ናይ ኤርትራ እዩ። ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ወይ ህግ ወይ ህግደፍ ከም እንኮ ሽግር ፖለቲካ ዝርኢ ዝኾነ ይኹን ፍታሕ፣ ኣብ ኤርትራ ዘላቒ ፍታሕ ኣየምጽእን እዩ። ነዚ ብዕምቆት ንምንባብ ምቅንጃው ገድሊ ናይ ኣቶ ዮሴፍ ገብረሂወት ገለ መእተዊ ሓሳብ ንምርካብ ነዛ ፈትሊ ሰዓብ፤

    You can send this article to friends in Eritrea as an e-mail attachment:

    http://dissidentdiaries.files.wordpress.com/2013/06/romanticizing_ghedli.pdf

    • Kabbire July 25, 2013

      ብቐንዱ እቲ ናይ መንነት ቅልውላው ድሕሪ ስዕረት ፋሽሽታዊት ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ይጅምር። ኣብዚ ድማ ንሕና መን ኢና ፧ ቋንቋታትና ታሪኽና ልምድና ስርዓትና እንታይ እዩ ዝብል ሕቶታት ተበጊሱ። ነዚ ንምምላስ ኣብ ዝተገብረ ግብግብን ጥምጥምን፣ ብምትእትታው ጎረባብትን ተበለጽትን ገድሊ ወይ ሰውራ ዝበሃል ሓድሽ ሓሳብ ተበጊሱ። ኣብዚ ውን እተን ውድባት ከም ኣኽላብን ኣዝብእን እንዳተማናጨታና ካብ ሓራካ ናብ ህግደፍ ስጋብ እዚ ዘመነ ምፍንጫል ፓልቶክ ተበጺሑ።

      ነዚ ብዕምቆት ንምንባብ ምቅንጃው ገድሊ ናይ ኣቶ ዮሴፍ ገብረሂወት ገለ መእተዊ ሓሳብ ንምርካብ ነዛ ፈትሊ ሰዓብ፤
      http://www.asmarino.delina.org/blog/wufyat/hdmo/7/item/1310?view=article

  • Kabbire July 25, 2013

    Here is Yosief Ghebrehiwet, YG, with a new thought provoking explosive article:

    (I) The Self-Colonizing Mission: Names and Naming in Eritrea

    “I had the Mereb River and the Red Sea in mind when I wrote a version of the following stanza in Eritrea, Eritreans and Eritreanism:

    Tortured Identity

    When an idea
    unable to wade through a shallow river
    to meet a relative,
    attempts to swim across a sea,
    sharks claim it as their own.”

    http://www.asmarino.com/articles/1826–i-the-self-colonizing-mission-names-and-naming-in-eritrea

    • Kabbire July 25, 2013

      ከም ዝመስለኒ ትርጉም፤

      ስግር ጸቢብ ሩባ መረብ ሪሒቖም ያኢ፣
      ባሕሪ ሰጊርካ ኣዝማድ ክተናዲ፣
      ቀለብ ዓሳ ኴንካ ክትነዲ።

Post a Reply to Kabbire Cancel Reply