Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንህዝቢ ኤርትራ ዝቐርቦ፡ ግብጺ ወይስ ኢትዮጵያ?

ንህዝቢ ኤርትራ ዝቐርቦ፡ ግብጺ ወይስ ኢትዮጵያ? ፈለግ ኣባይ (ናይል) ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ፈለግ ኢዩ። ንብዙሓት ሃገራት ድማ ይትንክፍ። ናይል ዝትንክፎም ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፤ ደቡብ ሱዳን፤ሱዳን፤ ግብጺ፤ ኡጋንዳ፤ ከንያ፤ ታንዛኒያ፤ ብሩንዲ፤ ሩዋንዳ ኮይነን፡ ዲሞክራቲክ ረፓብሊክ ኮንጎን ኤርትራን

ንህዝቢ ኤርትራ ዝቐርቦ፡ ግብጺ ወይስ ኢትዮጵያ?

ፈለግ ኣባይ (ናይል) ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ፈለግ ኢዩ። ንብዙሓት ሃገራት ድማ ይትንክፍ። ናይል ዝትንክፎም ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፤ ደቡብ ሱዳን፤ሱዳን፤ ግብጺ፤ ኡጋንዳ፤ ከንያ፤ ታንዛኒያ፤ ብሩንዲ፤ ሩዋንዳ ኮይነን፡ ዲሞክራቲክ ረፓብሊክ ኮንጎን ኤርትራን ድማ ከም ተዓዘብቲ ይኾና። 85% ናይ’ዚ ፈለግ’ዚ ማይ ካብ ኢትዮጵያ ኢዩ ዝምንጩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ግን  ስጋብ ለይቲ ሎሚ ተዓዛቢ’ምበር ካብዚ ማይዚ ተጠቃሚ ኮይኑ ኣይፈልጥን። እዚ ግን ዘይግብኦ ኰይኑ ዘይኮነስ ዓቕሙ ዘይፈቕደሉ ስለዝነበረ ኢዩ።

ሕጂ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓቕሙ ኣብ ዝፈቐደሉ ግዜ ካብ ሃገሩ ዝብገስ ማይ ክጥቀመሉ ይጽዕር ኣሎ። እቲ ዝወጠኖ ፕሮጀክት ድማ ሓጽቢ (ግድብ) ሃኒጽካ ሓይሊ ኤለትሪክ ንምፈጣር ኢዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ክገብር ከሎ  ግን፡ ነተን ብታሕቲ ተጠቀምቲ ሃገራት ብዘይጐድእ ኣገባብ ኢዩ። እዚ ከኣ ብኣዋጅ ኣፍሊጡ ኢዩ። ከም ናተይ ሪኢይቶ ብታሓታትነትን ግልጽነትን ዝመልኦ መንገዲ ኢዩ ዝሃንጾ ዘሎ። ካብ ግብጽን ሱዳንን ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ዝተመርጹ ሰብ-ሞያን ዝተደገፈ መጽናዕቲ ብምክያድ ብጥንቃቐ ኢዩ ዝሃንጾ ዘሎ።

ኮይኑ ግን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሓን ማዕከናት ከም ዘንበብናዮን ዝራኣናዮን፡ ካብ ገለ መራሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ግብጺ፡ በዚ ዝካየድ ዘሎ ህንጸት ሓጽቢ ሕጉሳት ከም ዘይኮኑ ተዓዚብና። ኣነ ብወገነይ ነቲ ኣብ ዕጽዊ ኣኼባ ዘለው መሲልዎም ኣብ ኣየር ዝተፈነወ ርኢይቶታት ብዓዋተ ዳት ኮም ተጻሒፉ(ምስጋና ንዓዋተ ቲም) ምስ ኣንበብኩ፡ ብዙሕ ተገሪመ። ልክዕ ከምቲ ግብጻውያን ንዘበናት፡ እንተስ ብዓቕሚ ምስኣን እንተስ ብምፍርራሕ ነቲ ናይ ሓባር ማያት ንመይኖም ክጥቀምሉ ዝጸንሑ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ሃገሩ ዝብገስ ማይ ክጥቀመሉ መሰል የብሉን ማለትድዩ? ወይ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸሙ ክሓድር ህዝቢ ግብጺ ንበይኑ ተደሪሩ ክሓድር ፍትሓዊ ድዩ? ኣነ ብዛዕባ ዓለም-ለኻዊ ናይ ማያት ሕጊ ኣፍልጦ የብለይን። ከም ዝመስለኒ ግን ልክዕ ከምቲ ኢትዮጵያ’ውን “ካባይ ዝፍጠር ማይ ኣነ ጥራይ ኢየ ዝጥቀመሉ” ክትብል ዘይግባኣ፡ ግብጻውያን እውን “ናባና ዝፈስስ ማይ ካልኦት ክጥቀምሉ የብሎምን” ክብሉ የብሎምን።ኣብ መንጎ እቲ ፈለግ ዝምልከተን ሃገራት ናይ ሓባር ኣጠቓቕማ ስምምዕ ኢዩ ክህሉ ዝግባእ። ካብዚ ሓሊፉ “ዝዓንተረ ይመንዝዕ፡ ዝደኸመ ድማ ጸሙ ይሕደር” ዝዓይነቱ ክኸውን የብሉን። ዘሎናዮ ግዜ ናይ ፍትሕን ምርድዳእን ዝዓብለሎ ስልጡን ግዜ ኢዩ። ናይ 30ታትን  60ታትን ውዑላት ኣተሓሳስባ ተመርኵስካ ዝፍታሕ ሽግር ኣይኮነን። እቲ ናይ ኣኼባ ሪኢቶኦም ኣብ ጽሑፍ ሰፊሩ ከተንብቦ ከሎኻ ኣዝዩ ዘሕፍር ኢዩ። ዘለዎም ትምክሕትን ንዕቀትን ካሊእ ኢዩ።”ኣይትረስዑ! ኢትዮጵያ’ኮ ሓንቲ ኣፈሪቃዊት ሃገር ኢያ” እናበልካ ምዝራብ ዘሕፍር ኢዩ። ሕራይ’ስኪ ንኢትዮጵያስ ንበል ብወተሃደራዊ ዓቕሚ የናእስዋ። እቲ ክውንንነት’ኳ ካሊእ ኢዩ። ኢትዮጵያ ናይ ሎሚ፡ ብዓቕማ ማለት ብዘይ ናይ ወጻኢ ሓገዝ 80 ቢልዮን ብር ዘውድእ ሓጽቢ እትሃንጽ ሃገር ብውታሃደራዊ ዓቕሚ’ውን ካብ ግብጺ ዝንእስ ዘይክኸውን ይኽእል። እዚ ግብጻውያን ዝተረድኦም ኣይመስለንን። እሞ ከም ኣተሓሳስባኦም ብዅናት ንኢትዮጵያ ወሪርካ ኣባይ ካብ ጐጃም ስጋብ ክልል ቢነ-ሻንጉል (ዶብ ደቡብ ሱዳን) ኢትዮጵያ ከይትጥቀመሉ ክሕልውዎ ድዮም? ወይ ድማ ሓጽቢ(ግድብ) ኣባይ ብሓንቲ ወይ ብዓሰርተ ቦምባታት ካብ ኣየር ደርቢኻ፡ ኢትዮጵያ ማይ ከይትጥቀመሉ ኪከላኸሉ ማለት ድዩ? እዚ “ብሓይሊ ንኢትዮጵያ ኣዳኺምካ ማያት ኣባይ ምጥቃም” ዝብል ኣተሓሳስባ ወይ ፖሊሲ ንግብጺ፡በጭራሽ ኣይጠቕማን። ኣየዋጽኣን ከኣ።ግብጻውያን እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ገዲፎም ህዝቢ ግብጺ ዘይጉዳኣሉ መንገዲ ከናዲዩ ኣለዎም። እዚ ከኣ ብሰላማውን ብምርድዳእን መንገዲ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ተዘይኮነ ብዓይኒ ኢትዮጵያ ሕቶ ማይ-ኣባይ ካብ ቁጠባዊ ሕቶ ሓሊፉ ፖለቲካዊ ሕቶ ኢዩ ክኽውን። ኢትዮጵያውያን “ማይና ክንጠቀመሉ መሰልና ኢዩ” ዝብል ሕልና ኢዩ ዝሓድሮም። ብዓለም ሕብርተስብ’ውን ተቐባልነት ኣለዎ።

ምስ’ዚ ኣተሓሒዘ ክገልጾ ዝደሊ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ሕቶ ሓጽቢ-ኣባይን ፈኸራ ግብጻውያንን፡ ኣብ ኣዲሰ-ኣበባ ማዓልታዊ ዕላል ኢዩ ኮይኑ ዘሎ።ከምቲ ኣብ ጽሑፍ ዘንበብኩዎ፡ ግብጻውያን ንሓንቲ ኣፈሪቃዊት ሃገር(ኢትዮጵያ) ዝንዕቁዋ፡ ኢትዮጵያውያን ንኣዕራብ ከም ዝንዕቁ ኣይርድኦምን። ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሓደ ቦታ ምስ ገለ ሰባት ናይ ኣባይ ፖለቲካ ምስ ተላዕለ፡ ሓደ ዕብይ ዝበሉ ሰብኣይ ከምዚ በሉ፤” እኛኮ ግብጻውያንን ከዚህ በፊት በጦርነት ኣሸንፈናቿል።” በሉ።”ኣበይን መኣስን” ኢልና ምስ ሓተትናዮም፡ ዓመተ-ምህረት ጠቒሶም፡ “ኣብ ጉንደትን ጉራዕን” በሉና።ልክዕ ኢዩ፡ ኣብ ታሪኽ ከም ዝተምሃርናዮ ብግዜ ሃጸይ የውሃንስ፡ ኣብዚ ቦታታት’ዚ ግብጽውያን ብኢትዮጵያውያን ኤርትራውያን ተሳዒሮም ኢዮም።በዚ ኮይኑ በቲ ግን ኵናት ፋይዳ የብሉን። ንኽልቲኡ ወገናት ዝሓይሽ ብስምምዕን ሰላማዊ መንገድን ኢዩ።እቲ ቀንዲ መሰረታዊ ነገር ግን፡ ህዝቢ ግብጺ እቶም ካልኦት ኣባይ ዝምልከቶም ሃገራት ናይ ምጥቃም መሰል ከም ዘለዎም ክኣምኑ ኣለዎም።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ናብቲ ቀንዲ ሕቶይ ክኣቱ! ንህዝቢ ኤርትራ ዝቐርቦ(ዝጠቕሞ) መን’ዩ? ኢትዮጵያ ወስ ግብጺ? ነዚ ሕቶ’ዚ ከልዕል ዘገደደኒ፡ ስርዓት ህግደፍን ደገፍቱን ኣብ ሕቶ ማያት-ናይል(ኣባይ) ዘለዎም ዝምቡዕ ኣርኣእያ ስለ ዝተዓዘብኩ ኢዩ።ዝሓለፈ ወርሒ ወጻኢ ጉዳይ ስርዓት ህግደፍ ዖስማን ሳሊሕን ኣማኻሪ ዲክታተር ኢሳያስ የማነ ህበይን ናብ ካይሮ ከይዶም፡”ናይ ግብጺ ታሪኻዊ ምብሓት ኣባይ” ፈሊጦምላ ተመሊሶም።ወዮድኣ ስርዓት ህግደፍ ፍትሓዊ ኣረኣእያ ሕርሞም ኮይኑ’ምበር፡ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምጥቃም መሰልከ ኣይጠቕሱን’ዶ? ከምኡ’ውን ገለ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ንኢትዮጵያ ከም ጸላኢቶም ብምርኣይ ብናይ ኣባይ ሕቶ ዝምልከት ናብ ግብጺ ከዘምበሉ ስለ ዝረኣኹዎም ኢዩ። እሞ ምን’ዩ ንህዝቢ ኤርትራ ዝቐርቦ? ኢትዮጵያ ወይስ ግብጺ? ኣጸቢቕና ክንርድኦ ዘሎና፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ህዝቢ መጠን ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኰይኑ ኣይፈልጥን።ብርግጽ ስርዓታት ሃይለስላሴን ደርግን ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮኑስ ብሓፈሻኡ ጸላእቲን ጨቆንትን ህዝቢ ኢትዮጵያውን ኢዮም ነይሮም። እዚ ሕጂ ዘሎ መንግሰቲ ኢዮጵያ ግን ከም መንግሰቲ መጠን ፈታዊ እምበር ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን።ቅድም-ቅድም እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግሰቲ ገና ኣብ ቃልሲ እንከሎ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝኣመነ ስርዓት ኢዩ። ድሒሩ ድማ ናይ መጀመርያ ንኤርትራ ከም ሃገር ዝፈለጠላ መንግሰቲ ኢዩ።እቲ ስርዓት ህግደፍ ዝጻሕተሮ ኵናትን ዘኸተሎ ሳዕቤናትን ሓዲግና፡ ሕጂ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያትና ተቐቢሉ ዘዕቁብን ብዝከኣሎ ዓቕሚ ዘምህርን ዘሎ መንግስቲ ኢዩ። ሓቂ ሓቂ ኢዩ። ንሓቂ ዓምጺጽካ ዓማጺጽካ ዝሕለፍ ኣይ ኮነን።

ግብጺ’ኸ? ቅድም-ቅድም፡ ህዝቢ ኤርትራ ብጀዎግራፊ ይኹን ብባህሊ ምስ ግብጺ ኣይራኸብን። ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ንመሰሉ ክቃለስ እንከሎ፡ ካብ ሃገራት ኣዕራብ፡ አብ ጐድኑ ጠጠው ዝበላ፤ ብቕዳመነት ህዝቢ ሱዳን ኢዩ። ቀጺለን ሱርያን ዒራቕን ኢየን። “ዝገበረልካስ ውይ ግበረሉ ውይ ድማ ንገረሉ” ከም ዝበሃል ነዞም ህዝባታን መንግስታትን’ዚ ኦም ምስጋና ይብጻሓዮም።እንተ ካብ ግብጺ ዝኾነ ሓገዝ ሰሚዕናን ሪኢናን ኣይን ፈልጥን።በንጻሩ ኳድኣ፡ ሰውራ ኤርትራ ሓደ ዲክታተራዊ ስርዓት ሒዙ ኣስመራ ምስ ኣተወ፡ መንግስቲ ግብጺ ምስ’ዚ ስርዓት’ዚ ብምትሕባር፡ ስደተኛ ህዝብና ካብ ካይሮ እናመለሰ ናብ ስርዓት ህግደፍ ከረክቦም ጀመረ።ኢትዮጵያ “እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ናብ ቤት ማእርትን ግፍዕን ካብ ምምላስ ናብ ሃገረይ ይመለሱ” ብምባል ስጋብ ሕጂ ካብ ግብጺ ዝመለሱ ኤርትራውያን ትቕበሎም ኣላ።ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ክትምሰገን ኢዩ ዝግበኣ።ከምኡ’ውን ውጹዕ ህዝብና ንእስራኤል ክሳገር ኣብ ዶብ ግብጽን እስራኤልን ብወታሃደራት ግብጺ ብጥይት ዝወደቑ ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይኰኑን።ካብዚ ዝገደደ መንእሰያትና ኣብ ሲናይ ምድረበዳ ብበደዊን ግብጻውያን ብሂወቶም ከም ጠለበጊዕ እና ተሓረዱ ናይ ውሽጢ ኣካለቶም ዝተሸጠ ውሑዳት ኣይኰኑን። እዚ ኹሉ ክፍጸም መንግስቲ ግብጺ ስጋብ ሕጂ ዝወሰዶ ስጉምቲ የለን። ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ በሉስ’ከ ሰማ ዝሃገርኩም! ብዓይኒ ኤርትራዊ እዚ መንግሰቲ’ዚ ይድገፍ?

እሞ ሕጂ’ውን ብዓይኒ ኤርትራዊ ኣብ ናይ ኣባይ ሕቶ ዘሎና ኣረኣእያ(መርገጺ) ከመይ ክኸውን ኣለዎ? ኣነ ከም ዝመስለኒ፡ ቅድም-ቅድም ብሕልና ፍትሓዊ ኣረኣእያ ክህልወና ኣለዎ። ስርዓት ህግደፍ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለ ዝተጻልኤ ዕሙት(ድፉን) ኣረኣእያ ክህልወና የብሉን። ካልኣይ ብዓይኒ ጥቕሚ ኣብ ምግዳብ(ምህናጽ) ኣባይ ህዝቢ ኤርትራ ጥቕሚ ክህልዎ ኢዩ። ክህልዎ ኢዩ ዘበለኒ፡ ስርዓት ህግደፍ ምስ ወደቐ ልክዕ ከም ሱዳን፤ ጂቡቲ፤ ከነንያ ወ.ዘ.ተ. ንኤርትራ ካብ ሓጽቢ-ኣባይ ሓይሊ ኤለትሪክ ምጥቃም ዝቐለለ ኢዩ ዝኸውን። ዕድመ ንስርዓት ህግደፍ ከምዚ ሐጂ ህዝብና ኣብ ጸልማት ዝነብር ዘሎ ኣይኪኸውን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሓንቲ እግሩ ጠጠው ኢሉ ኢዩ ንመሰሉ ዝቃለስ ዘሎ። እቲ ጸበባ ከሉ ክወግሕ ኢዩ።ካሊእ ብቐጥታ ካብ ኣባይ ሓጽቢ ዝፈሪ ኤለክትሪክ መርካብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብ ምዕብልትን ርብሕትን ጐረበትና ኢትዮጵ ከም ጐረበት መጠን ጥቕሚ ክህልወና ኢዩ። ብንግድ፡ተክኖለጂ፡ ሰነፍልጠት ወ.ዘ.ተ በምልውዋጥ ሓቢረና ክንስጉም ንኽእል። ዝተረጋገኤትን ዝማዕበለትን ጐረበት ምህላው ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ።

 

ኣድሓኖም ፍትዊ

22-06-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
114 COMMENTS
  • Kalighe June 23, 2013

    “We,tigress support Eritreans not only to show our friendship support but also it is our value to stand along with those who stand for their rights, be it Eritrean or northern Somalia ,be it south Sudan or other freedom seekers.”

    kahsay

    Sir, this sounds good, but then why are you not agreeing to demarcate the border between the two countries ?. This particular issue is not about Iseyas and his fascist regime in Asmara, it’s about the land that belongs to the people of Eritrea.
    So, what is you problem here, can you please say something of this issue ?

    • Tamrat Tamrat June 24, 2013

      When tplf was a Brother in blood for eplf in specially 1991-1993 you were supposed to demarket the border but you did not, Why? Why the border issue has been more important after the eplf and tplf had quarreled?

  • Kalighe June 23, 2013

    ” ….. northern Somalia ,be it south Sudan or other freedom seekers.”

    kahsay

    Sir, there are also those who accuse you of encouraging secessionist movements in your neighborhood. The Somalis in particular feel you are working with different groups to disintegrate the country into ‘cantons’ or ‘bantu-stans’ you can easily control.
    What do you say about that ?

    • Zola June 24, 2013

      Kalighe dear,
      I, as a Tigrian-Ethiopian, can try to address your issue. True, some Somalis may feel that they are not the main actors in the destiny of their country and indeed may resent Ethiopia’s intervention. But I do understand that many support it. Further more, it was upon a request by the weak, but still recognized, central government that Ethiopia sent its force. Besides, it is also in the interest of Ethiopia to see a peaceful neighbor as havoc across the border definitely will have a spill over effect. Result wise, it has been helping the people lead a comparable peaceful life by ousting the alshabab from certain areas. Indeed, the insurgent continues to be powerful and poses dangers. But that can not be attributed to Ethiopia’s involvement. I hope you understand the deep trouble Somalia has been in for the last two decades.

      • Kalighe June 24, 2013

        Although you did not replay to my question fully, I understood the message, thank you.

  • sidiabdu@gmail.com June 23, 2013

    TwoWayStreet

    Regarding my fear…… You connected the dots correctly, that is exactly what my fear is,and the more this saga continues the more chance this fear materialises, and thanks

  • NIHATELATAT June 23, 2013

    gbtsi tiqerbena kab etiopia.egypt antay geratna.ethiopia gin n30 ametat dahar b1998 zijemere kunat nihzbna kihredn kineqn kisdedn kemztefan eu koynu bethiopia.ketewedadren aytkalin ekha mis egypt fetsimka.ASSENNA NAY AGAME EU AMBER

  • Kombishtato June 23, 2013

    There are many groups, Eritrean websites and organizations that are silent to the genocide against Eritreans in the Arab world that is taking place in Sudan, Yemen, Libya and Egypt.
    My question is that why are these heinous and evil crimes taking place against innocent Eritreans mainly in the Arab world but not in Ethiopia, Kenya, Uganda, South Sudan or Israel?
    Why are these crimes taking place only in the Arab world in this large scale against Eritreans and other black Africans?

    ስለምንታይ እዩ እዚ ጭካነ ዝመልኦ ግፍዕታት ኣንጻር መሳኪን ኤርትራውያን ኣብ ሃገራት ዓረብ ማለት ኣብ ሱዳን የመን ሊብያ ግብጺ ብዜጋታት ዓርብ ናብ ኤርትራውያን ዝፍጸም ?
    ብተዛማዲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኡጋንዳ ኬንያ ኣንጎላ እስራኤል ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሰላም ይነብሩ፤ ኣብ ሃገራት ዓረብ ግና ባሮት ኮይኖም ከም ጠሌ በጊዕ ይሽየጡ፣ ናውቲ ኣካላቶም ተጎዛዝዩ ይሽየጥ። እወ ኣብ ሃገራት ዓረብጥራይ። ስለመንታይ ?

  • Zeberga June 24, 2013

    Kombishtato,

    Arabs are by nature very disrespectful to black Africans.Eritreans have lost courage these days, clear example is the rashayidas and bedewins case of human trafficking, just one or two of this guys will drag and torture 20 to 30 Eritreans without any challenge what so ever. Do you think they will dare to do this to the Somalis, no way. So that is the reason why this is happening to Eritreans, you remember when one daring Eritrean female in Sinai dared to confiscate her abductors gun and pleaded for help to free the rest of her brothers, no they didn’t come to rescue her instead one or two fled the scene, how about that. These are the Eritreans you are dealing with these days they are little different and that is the reason why the abuse has taken its toll by the Arabs.
    thx,

  • Truly, truly i say to you June 24, 2013

    To be honest not to side with any religion but i ask a simple question to all Eritreans or even you Ethiopians would be could also give an answer.
    As you all know both our nations are poorest in the world, because of that for helping family let´s say half of our sisters are working in Italy, or in any other Christian nations as maid; but half of them in Yemen, or in any other Arab nations? What do you think if your sister is working in any one of those nations, you fill comfort about her human dignity and human right protection? To those working in Arab nation or those working in Christian nations are safe? Where could be you more fear your sister sexually not to be abused? In general in all right and safety regardings, where you choose your sister to live? I leave the answer to every individual of you. If you can give me the honest reason you preferring why.

    • Zaul June 24, 2013

      Truly,

      We Eritrean men are worthless. Our sisters fought in the war, while some men abandoned their duties.

      Our sisters are forced to go through hell to provide for their parents and siblings. While the men at home treat them as if they were less than human, still they are sitting at home and recieve money without asking, how she earned that money. Sad Sad really!

      Truly, we have kept the worst parts of our traditions and thrown away the good. Our ancestors are rolling over in their graves.

  • Truly, truly i say to you June 24, 2013

    Zaul, your remark is undeniable, and i know about own wickedness, but the question and relativity was going on among others Muslim or Christian societies.

    • Zaul June 24, 2013

      ንሱ ድኣ እንታይ ሕቶ ኣድልይዎ…

  • fithawi June 24, 2013

    Dear Adhanom,
    You said it correctly. Good Job!

    It is true, Eritreans and Ethiopians are brothers, say it culturally, blood, marriage, history, etc. We have the same history until 1890. When the current boarder issue is closed(sooner or latter will definitely be), it is self evident, we will remain brothers, and will have big interest from the dam, as the Ethiopians will have equal interest in our ports.
    It is funny to hear the so called Egypt politicians intimidating to use military power to preserve their interests. More disgusting to hear the underestimation on the Black Africans.
    Regarding the use of power, they need to be reminded to refer history and the war which took place in 1875 and 1876 at Gundet and Gurae respectively. As Adhanom mentioned it above, the Egyptians were defeated twice and humiliated once and for all. “Entezeyketelka ab Gurae.. nedekka tikkonen sekktat Kuraee, entezeyketelka ab godagudi nedekka tikkonen TefTaff’ mogdi..”
    This is the history of current Ethiopia and current Eritrea, of the same people, by that time under the same leadership.

    One can read or listen to what the Egyptian politicians said in their meeting, they proposed to ignite war against “each other”, mentioning Eritrea, Djibouti and Somalia by name towards Ethiopia. The term “Each other”, is an acknowledgment that Ethiopia-Eritrea, Ethiopia-Djibouti, Ethiopia-Somalia are brotherly people. That is absolutely true, brotherly people, but still each country has its own sovereignty.
    Furthermore, by implication, the Egyptians are telling us that we won’t be allowed to build a dam at any place in Eritrea if the dam in question affects the Nile directly or indirectly.
    Mind you, brothers and sisters, “Fired ni nebsikka … bilaE nikersikka”.

  • tef June 24, 2013

    Let me ask u a question. If this fight was between Eritrea and Egypt. What would be the roll of woyane? I think all woyane’s tank and planes will be helping Egypt to destroy Eritrea.

    • S.Yassin June 24, 2013

      Excellent reply. I wish Adhanom Ftwi could learn from you.

Post a Reply to tef Cancel Reply