Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ከንቱ ምስሕሓብ ባህሊ (A culture of futile antagonism) ኣማኑኤል ሳህለ

ናይ ከንቱ ምስሕሓብ ባህሊ (A culture of futile antagonism) ኣማኑኤል ሳህለ ድሕሪ ናጽነት፡ ንሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ገዝኡ በጺሐዮ ነይረ ( ኣታ እየ ዝብሎ፡ ቤተሰብ ስለ ዝኾነ)፡ ኣብ መንጎ ዕላልና፡ ብዛዕባ ስምረት ኣልዒልና ተዛቲና። ''ኣነ ካብ ኩሉ ቃል

ናይ ከንቱ ምስሕሓብ ባህሊ

(A culture of futile antagonism)

ኣማኑኤል ሳህለ

ድሕሪ ናጽነት፡ ንሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ገዝኡ በጺሐዮ ነይረ ( ኣታ እየ ዝብሎ፡ ቤተሰብ ስለ ዝኾነ)፡ ኣብ መንጎ ዕላልና፡ ብዛዕባ ስምረት ኣልዒልና ተዛቲና። ”ኣነ ካብ ኩሉ ቃል ደስ እትብለኒ ኣላ፡ ንሳ ድማ ስምረት እትብል ቃል እያ” ኪብለኒ ይዝከረኒ። ከምዚ መበሊኡ ምናልባት ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ካብ ቀደም ጀሚሩ ዚርእዮ ዝነበረ ምስሕሓብን ዘይምርድዳእን ብምዝካር ዶኾን ይኸውን? ኤርትራውያን ከይሰማምዑ ተስማሚዖም እዮም ዝበለ ሓቀይ ንሱ ዲዩ?

እዚ ናይ ምስሕሓብ ባህሊ ግን ካበይ ዘጥረናዮ እዩ? ንምንታይ እዩኸ ካብ ባህርና ከልግስ ዘይከኣለ? ካብ ኣቦታትና ሰጊሩስ ናብ መንእሰያትና ሓሊፉ። ዳርጋ ንኹሉ ኣኼባታት ብኩራን ብባእስን ምዝዛም ሃገራዊ ጠባይና ኮይኑ። ካብቲ ዚብሃል ዘሎ ቆንጢርካ ወሲድካ፡ ኣብ መደምደምታ ምብጻሕ፡ ነቲ በቲ ሰብ ዚቐርብ ሓሳባት ዘይኮነስ ብዛዕባ’ቲ ሰብን ብዛዕባ ድሕረባይታኡን ዝያዳ ምግድሳስ፡ እዚ ኩሉስ ኪእረም ይኽእልዶ ይኸውን?

ኣብ እግረመገደይ ክብሎ ዚደሊ ነገር ግን ኣሎ፡ ንሱ ድማ ገለ ኣንበብቲ ነዚ ሕጂ ዝጽሕፎ ዘሎኹ ዓንቀጻት ብምምልካት፡ ነቲ ዝሓለፈ ርእይቶታተይን መርገጺታተይን ንኽእርም ወይ ንኸመኻኒ ዘቕርቦ ዘሎኹ ናይ ጣዕሳ ወይ ኑዛዜ መልእኽቲ ገይሮም ዚወስዱዎ እንተ ኣለዉ፡ የዋህነት ከም ዝኾነ ክሕብር እፈቱ። ንሓቂ እምበር ንኽትፍቶ ወይ ንኸይትጽላእ ኢልካ ምጽሓፍ ካብቶም ንወድሰብ ዘሕስሩዎ ባህርያት ሓደ እዩ። ኩሉ ቅድሚ ሕጂ ዝበልኩዎን ዝጸሓፍኩዎን ብድሕሪ ሕጂ’ውን ዝብሎን ዝጽሕፎን ነቲ ዝኣምነሉን ሕልናይ ዚድርኾን ነገራት ንምግላጽ እንተ ዘይኮይኑ ምንም ካልእ ዕላማ ከም ዘይብሉ ኩሉ ኣንባቢ ወይ ሰማዒ ኪፈልጦ እደሊ። ኣለዎ ዚብሉ እንተ ኣለዉ ግን፡ ንኸይሓስቡ ክዓግቶም ስለ ዘይክእል፡ ናጻ እዮም።

 

ዝኾነ ኾይኑ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ንምምላስ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ህዝብና ዚረአ ባህርያት፡ ምህዋኽን ቀልጢፍካ ምርሳንን እዩ። ንሓደ ነገር ባዕልኻ ኣብ ክንዲ እተጻርዮ፡ ኣብ በለካን ለኽዓካን ምምርኳስ። ኣብ ክንዲ ኣብ ምንባብ ምትኳር፡ ናብ ወረን እተባህለን እዝንኻ ምጥዋይ። ህድእ ኢልካ ንነገራት ዘይምትንታን። ኣብ ክንዲ ነቲ ዘራኽበካ ነገራት፡ ነቲ ዝፈላልየካ ነገራት ሃሰው ምባል ወዘተ.። ከምዚ ባህርያት ምህላው ወይ ሒዝካዮ ምቕጻል፡ ብኻልእ ሰብ ክትውረርን ክትግዛእን ክትጭቆንን መገዲ ይኸፍት እዩ፡ ንርእሰ-ምሕደራ እውን ዕንቅፋት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ብናተይ ኣረኣእያ (ጌጋ እንተለዎ ክእረም ድሉው እየ) ከምዚ ዓይነት ባህርይ ዘጥረናሉ ምኽንያት ወይ መሰረት ኪኾኑ ዚኽእሉ፡ ካብ ብዙሕ ገለ ክጠቅስ እደሊ፥

ሀ. ናይ ብሄራትና ጉዳይ /ህዝባዊ ኣቃውማ

ኣብ ፊዚክስ፡ ሰንትሪፔታልን (ንውሽጢ ዚስሕብ)፡ ሰንትሪፉጋልን (ንደገ ወይ ንግዳም ዚስሕብ) ሓይልታት ከም ዘለዉ ተሓቢሩ ኣሎ። ኤርትራ ትሽዓተ ብሄራት ኪህልዉዋ ከለዉ መብዛሕትኦም ብሄራትና ምስቶም ኣብ ስግረዶብ ዘለዉ ብሄራት እውን ይዛመዱ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ዚነብሩ ትግርኛ ተዛረብቲ፡ ኣፋር፡ ኢሮፕ፡ ኩናማ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ ምስ ሱዳን (ከም ህዳረብ) ወይውን ምስ ስዑዲ ዓረብ (ከም ራሻይዳ)። እዚ ናትና ህዝባዊ ኣቃውማ’ዚ ኣብቲ ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ፍሉይ ተርእዮ እዩ። ካብ ካልኦት ሃገራት ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ብዝያዳ ኣብ ኤርትራ ጎሊሑ ድማ ይረአ። ከምዚ ብምዃኑ፡ ኣብተን ብሄራት ንውሽጢ ዚስሕብ፡ ወይ ሰንትሪፔታል (ኤርትራውነት ዘድልድል) ከምኡውን ንደገ ዚስሕብ ወይ ሰንትሪፉጋል (ኤርትራውነት ዘዳኽም) ድራኸታት ኪፍጠር ባህርያዊ እዩ። ብሓጺሩ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ እተፈላለዩ ብሄራት ምስቶም ኣብ ስግረዶብ ዘለዉ ኣሕዋቶም ዝምድናን ምትእስሳርን ኪስምዖም ከሎ፡ ኣብ ክንዲ ንውሽጢ ዚርእዩ፡ ንደገ ኪርእዩ ይድረኹ እዮም። ሓድሓደ ግዜ ድማ ንውሽጢ ኪርእዩ ይግደዱ (ብፍላይ ኣብቲ ሃገራውነት ዚስፍነሉ እዋናት)። እዚ ስምዒታት’ዚ ኣብቲ ሕብረተሰብ ብንጹር ዚረአ እኳ እንተ ዘይኮነ፡ ጠንቁ ግን ብእተፈላለየን ብረቂቕን መገዲ ጽልዋ ኪህሉዎ ይኽእል እዩ፡ ኣብቲ ናይ ምስሕሓብ መንፈስና ወይ ድራኸና ድማ ነዊሕ እተጓዕዘ ሳዕቤን ከይገደፈ ዝተረፈ ኣይመስለንን።

 

ኣብ ልዕል’ዚ ናይ ርእሰ-ምሕደራ ጸገማት’ውን ኣሎ። ኤርትራ ከም ሃገር ኮይና ዝቐጸለት ጣልያን ምስ ኣተወ እዩ። ቅድመኡ፡ ብባሕሪ ነጋሻት ትመሓደር ነይራ፡ ግን ምስቲ ማእከለይ መንግስቲ ሓበሻ ዝነበራ ርክብ ኣቋሪጻቶ ኣይትፈልጥን። እዚ ናይ ባሕሪ ነጋሽነት ምሕደራ፡ ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ብንጉስ ፋሲለደስ ኪፈርስ ክኢሉ፡ ብድሕሪኡ ግን ክሳዕ ጣልያን ዚመጽእ፡ ታሪኽ ኤርትራ ናይ መሳፍንትን ናይ ወረራን ታሪኽ ኮይኑ እዩ ሓሊፉ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ብናይ ምሕደራ መዳይ፡ ናጻ ኮይኑ ነብሱ ከመሓድር ዝጀመረ ኣብ ግዜ ፈደረሽንን ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልስን ድሕሪ ናጽነትን ጥራይ እዩ።

 

ልክዕ’ዩ ኣብ ገሊኡ ክፋላት ኤርትራ፡ ዓዳውን ወረዳውን ምምሕዳርን ደሞክራስያዊ ኣገባባትን ነይሩ እዩ። ብሃገር ደረጃ ግን ኣይነበረን። በዝን ክንድዝን ኣብቲ ሃገር ድልዱል ፖለቲካውን ቁጠባውን ሰረት ዝነበሮ ማእከላዊ ምምሕዳርን ጥምረትን ዝነበረ ኣይመስለንን። ከምዚ ብምዃኑ ድማ፡ ኣብቲ ህዝቢ ናይ ጥምረትን ምትእስሳርን ሃጓፋት ኪፍጠር ባህርያዊ እዩ።

 

እዚ ሕጂ ዘሎ መራሒ፡ ንኤርትራውያን ኪንዕቕ ካብ ዘኽኣሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ ካልእ ዘይኮነስ፡ ነቲ ዘይምስምማዕና ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዘስተውዓለሉ እዩ። ተቓወምቲ ኣለዉዶ ኢሉ ምስ ተሓተተ፡ ዓይኑ ከይሓሰየ፡ የለዉን ብምባል እዩ ዝመለሸ። ሓቁ ከእዩ፡ ኪጻረፉን ኪቋየቑን ግዜኦምን ጉልበቶምን ዘሕልፉ ተቓወምቲ ውድባት፡ ካብ ምህላዎም ንላዕሊ ዘይምህላዎም ዝያዳ ውጽኢት ይርከቦ።

 

ኣበይ`ዩ ዓዱ? ሃገራዊ ድዩ (ህግደፍ ድዩ ማለቶም እዩ)? ክርስትያን ድዩ (ገለ ”ንጎይታ እተቐበሉ” ዘቕርቡዎ ዘስደምም ሕቶ እዩ፡ ከምኦም እንተ ዘይኮይኑ ክርስትያን ኣይኮነን)? ዓጋመ ድዩ (ጸማም ሓደ ደርፉዶ ክንብሎም፡ ግን ከኣ ንሳ እያ ዓቕሞም፡ ንሳ እያ ነቲ ኤርትራውነቶም እትምስክረሎም)? ከምዚ እናበልካ፡ ሓድነትን ስምረትን ክትሃንጽ ኣይከኣልን። ከምዚ ዓይነት ባህርይ ምኽታል ነታ ሓደ እዋን እንኮ ዕድልና ዝነበረት ማለት ፈደረሽን፡ ንኽትፈርስ ምኽንያት ከም ዝነበረ ረሲዕናዮ ዲና? ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስኒት ዘይምህላው ዘስዓቦ ታሪኻዊ በሰላታት ቍጽሪ የብሉን። ኣብ ሜዳ ከይተረፈ ንኤርትራ ናጻ ከውጽኣ እተመስረታ ክልተ ሓርነታውያን ውድባት እቲ ሜዳ ጸቢቡወንስ ሓንቲ ነታ ሓንቲ ሰጒጓታ።

 

ለ. ናይ ጣልያን ወይ ናይ ዓረብ ውርሻ

ኣነ ኣብ ኤርትራ ክቕመጥ ከሎኹ (ኣብ ኣስመራ ተወሊደ ኣብኡ ዓብየ)፡ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ጣልያን መጻሕፍቲ ከንብቡ ወይ ፖለቲካዊ ዘተ ከካይዱ ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን። ኪቋየቑን ከንጸርጽሩን ግን እርእይ ነይረ። ህድእ ኢልካ ምሕሳብን ምፍራድን ኣይፈልጡን። ህዉኻት እዮም። ካብቲ መደምደምታ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀሚርካ ክሳሕ ሕጂ፡ መንግስቲ ከም ካምቻ ኪቕይሩን ኣብ ባይቶ ኪበኣሱን እዮም ኣሕሊፎምዎ። ክሳዕ ሕጂውን ናይ ምስምማዕ መንፈሶም ድኹም እዩ። እዚኣቶም እዮም ን60 ዓመታት ዝገዝኡና። ገለ ካብቲ ባህርያቶም ከይወረስናዶ ተሪፍና ንኸውን?

 

ሽሕኳ ብዛዕባ ጎረባብትናን በጻሕትናን ዝኾኑ ኣዕራብ ኣፈይ መሊአ ክዛረብ ዝኸብድኒ እንተ ኾነ፡ ብገለ ተመክሮን ብሓፈሻ ከኣ ብኣካልን ብመጻሕፍትን ከም ዝፈልጦምን፡ ናይ ዓቕልን ልዝብነትን ባህርያት ይጎድሎም እዩ። ሕብረቶም ድኹም እዩ። ነታ ቀንዲ ጸላኢቶም ዝኾነት እስራኤል እኳ ሰሚሮም ከሕምቑዋ ኣይከኣሉን።

 

ከምዚ ዝበለ ባህርያት፡ ናብ ህዝብና ብገለ ሸነኻቱ ዝሓለፈ ኮይኑ ይስመዓኒ። ንሕና ኤርትራውያን ፈቲና ጸሊእና ናይዞም ክልተ ህዝብታት እዚኣቶም ከቢድ ጽልዋ ኣሎና። ጎረቤትካን ገዛኢኻን ኪጸልወካ ንቡር ስለ ዝኾነ።

 

ሰ. ናይ ጸላኢ ሸርሒ

ዝኾነ ይኹን ጸላኢ፡ ናብ ሃገር ሰሊኹ ቅድሚ ምእታዉ፡ ሰለይቲ እዩ ዚልእኽ። ብድሕሪኡ ድማ ኣደናገርቲ ይሰድድ። ናይዞም ኣደናገርቲ ስራሕ፡ ነቲ ህዝቢ ብዓሌትን ብሃይማኖትን ብዓድን ወረዳን ወዘተ. ምክፍፋል እዩ። ነቓዕ መንደቅ ንምፍራስ ግዜ ኣይወስድን። ነቓዕ ሕብረተሰብ ንምውራር ድማ ከምኡ።

 

ሃይለ ስላሴ ነዚ ሜላ’ዚ ግርም ገይሩ እዩ ተዋሲኡሉ። ፈደረሽን ንምፍራስ ድማ ተጠቒሙሉ። ደርጊ መታሕትን ከበሳን ብምፍላይ ንኤርትራ ኪጎዛዝያ ፈቲኑ። ሳላ ውፉይ ሓርነታዊ ቃልሲ ግን መደባቱን ውጥናቱን ፈሺሉ ተሪፉ። እቲ ሸርሒ ግን ኣየቋርጸን።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ መሪሕነት ኤርትራ ዚኽተሎ ዘሎ ሜላ፡ ከፋፋሊ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ረቂቕን መርዛምን እዩ። ኣብ ኩሉ እዩ ዚዋሳእ። ኣብ ዩትዩብ፡ ኣብ ፈይስቡክ፡ ኣብ ናይ ተቓወምቲ ኣኼባታት፡ ኣብ ናይ ወብሳይት ርእይቶ ዚወሃበሉ ዓውድታት፡ ኣብ ፓል ቶክ ወዘተ.። ካድረታቱን ወይጦታቱን ዓቀይታቱን ኣስማቶም ቀያዪሮም ናይ ጽሑፍን ርእይቶን ኲናት ከም ዘካይዱ ብምግባር፡ ኣብ ዝኾነ ዚወጽእ ዓንቀጻት ሃናጺ ዘተ ንኸይካየድ ንኺዓግቱ ህጁም ብምእታው ነቲ ናይ ርእይቶ ገጻት ናብ ዓውደውግእ ንኺቕይሩዎ ስልጠና ወይ ኮርስ ዝወሰዱ እዮም ዚመስሉ። ዘሕዝን እዩ።

 

እነሆ እምበኣር ክንቋየቝን ክንታረኽን ዓመታት ሓሊፉ። እቲ መሪሕነት ግን ከምታ ብኣኽላባት ዘይትደሃል ገመል ስቕ ኢሉ ስርሑ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ሓደ ከምዚ ኢና ኪብል፡ እቲ ሓደ ከምዚባ ኢና ኪብል፣ ገለ ኣግኣዝያን ገለ ዓረባውያን፡ ገለ ደምብያውያን ኢና ኪብሉ፡ ገለ ዓጋመ እናበሉ ኪጻረፉ፡ ገለ ድማ ዓረባውያን ስዑዳውያን ኪብሉ ምድሪ መስዩ። ኣብ ምጽራፍን ምክሳስን ኣሒልፍካ ምሃብን ግዜን ጉልበትን ባኺኑ።

 

ነቲ ቀንዲ ጸላኢና ኣለሊና ክንዲ ንወቅዕ፡ ነንሕድሕድና ክንተዃዀብ ግዜና ነሕልፎ ኣሎና። ነቶም ዚጋገዩ እናኣረምና፡ ነቶም ዚቃለሱ እናኣተባባዕና፡ ነቶም ስቕ ዝበሉ እናቐስቀስና ኣብ ክድኒ ንግስግስ፡ ነንሕድሕድና ክንናኸስ ጸሓይ ዓሪባትና። ንድኽመትና ዝረኣየን፡ በቲ ተናኻሲ ባህርያትና ዝሻደነን መሪሕነት ድማ፡ ካብ ምሒር ንዕቀት እተላዕለ፡ ብመራሒ ጸላኢትና-ነበር ሃገር ገይሩ ካብ እስራኤል ከስጉገና ይመጣጠር ኣሎ። ካብዚ ዚኸፍእ ውርደት ኪህሉ ይኽእልዶ?

 

ቀደም ኣምሓራ ክንብል ግዜና ኣሕሊፍናዮ፡ ሕጂ ድማ ዓጋመ፡ መውጽእ ኣፍና ኮይኑ። እቲ መሪሕነት ግን ከምቲ ዚብሎ፡ ናይ ምስሕሓብ ጠባይ ሃገራዊ ባህርይና ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝፈለጠን ዝተገንዘበን፡ ኩሉ እንገብሮ ከም ፊልም ወይ ከም ተዋስኦ ገይሩ ብምርኣይ ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ ብንዕቀትን ብኣሽካዕላልን ይዕዘበና ኣሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
95 COMMENTS
  • Hazo October 10, 2019

    ቀንዲ ጠንቂ ሕማቕ ድኹም ጸቢብ ኣተሓሳስባ ናይ ገለገለ ኤርትራውያን መሰረቱ ፤
    መግዛእቲ ፋሺሽቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራን : ድሑር ዓረባዊ-ጊልያነት ዘንቀሎ ርእሰ-ምትሓትን ርእሰ-ልሙስነትን እዩ።

    • Hagherawi October 10, 2019

      ኣምሓራን ኦሮሞን ታኣኪቦም ንትግራይ መሊሲምኹም።
      ክንዲ ምስ ኤሪትራውያን ብሰላም ተኽባብርና ንንበር ትብሉ። ዝካኣል መሲሉኩም ፥ ኣብ ሞንጎና ህዉከት ፈጢርኩም ፥ ከም ትጽልኡ ገርኩም ። ኤሪትራዊ ገጽ ከሊኡኩም።
      ንኣዲስ ኣበባ ምምላስ የለን።
      ክሳብ ነገር ምጽሕታር ትገድፉ ንኤሪትራ ምምጻእ የለን።
      ናይ ቶንኮል ፖለቲካ ንሱ እዩ ዉጺእቱ።

  • k.tewolde October 10, 2019

    Good to hear from you meretse,the cyber critters are on the move as usual,despite the loud obnoxious cacophony,their message hings on the same old feudo- imperial era of anti Arab and anti-Italian smear campaign in order to repeat history and scoop Eritrea like an ice cream and lick it at the same time.I got to admit,you kinda succeeded through the vector in chief who spread the malaria over once beautiful landscape and wiped out over half of the nation and made it look like Tales from Crypt,however this authentic Eritrean and Eritrean nationalism is sanguine and organic the more you beat on it the more it regenerates,you can’t artificially manipulate it,or duplicate it as some are trying to do,it is real,it glares back at you.Keep trying,its flames will leave you medium rare like it did many moons ago,all it need is fetch that very weapon that heralded the beginning of the end of those who are hounding us in this very medium today…

    • Hagherawi October 10, 2019

      Dear K. Tewelde

      “the same old feudo- imperial era of anti Arab and anti-Italian smear campaign in order to repeat history and scoop Eritrea like an ice cream and lick it at the same time.”
      ______

      Do you think they really hate Arabs and Italians ?
      Only when talk to Eritreans they raise these racial issues. Otherwise they beg Arabs and Italians, and
      the truth is as follows:
      Few years back the Weyane set up a committee, made of Tigreyan Muslims, to visit Arabs countries and promote tourism so that Arabs can visit the place where Ahmad Al Najashi is buried, a locality between Mekele and Adi Grat.
      Although Tigreyan Muslims are second class citizens in their own country, they used them and their holy places to collect money from rich Arab countries.
      There are Italian NGOs working in Tigray. Some are giving training to incarcerated women so that once out prison stay away from crimes.
      There are about 150.000 Ethiopian girls working in Gulf countries, out of which Tigrayans are at least 50%. The money sent home by these poor girls in a source good hard currency for Tigray. Now that they are economically almost cut from the rest of Ethiopia these remittances vital for survival of the troubled Killil.
      Now isn’t it strange that these people keep insulting Arabs only when they visit Eritrean forums ?
      ዝኣኽለን ጥሕነን ፥ ባዓለ ማርያም እዩ ይብላ።

  • Woldegabriel October 10, 2019

    Dear Amanuel Sahle,
    “Kedimki Habal Belya” was my first impression on reading your article. By the way, no one expects you to to make a u-turn because you are very much invested in the weyane vision ( knowingly or unknowingly you are part of the weyane think-tank). Is it not natural to disagree or debate in any political discourse? Is it unique to us to have various opinions, dissenting views and parties? Is it for us new to administer ourselves? Don’t you know we had “Baitos’ based self-rule way before the Turkish, Italian and Ethiopian colonizers? I wonder why so much self-analysis on the Eritrean character and traits and worst of all attributing it to the Italians and Arabs? Isn’t it a complete farce and intellectual dishonesty? Would you dare to write about the Ethiopian or Tigrean’ characters and traits? Of course not, they skin you alive.

  • meretse October 10, 2019

    Brother K.Tewolde,
    Thank you for your warm welcome. You know how much I admire you and others I admire you. Anyways back to the drawing board —-

    ዓይነይ ምስ ብርሃኑ ከመይ ዘየለሊ
    ግደፍ ሓሳብ ሰብስ ሓጺን’ዃ ይበሊ
    ኣብ ሓንቲ እምኒ ኾፍ ኢለ ዘሕልፎ
    ንሱ እንተዘይ ከደስ ኣነ ዘይገድ
    ===========================
    መዓልቲ ሓሊዪ በሲሉ ዝወጸ
    ፍታሕ ምድሪቤት’ዩ እቲ ዝበለጸ
    ካብ ሎሚ ንደሓር ኣጸቢቅካ ኣለሊ
    ሊጥ ምቕራብ የሎን እንከሎ መብሰሊ
    እዘን ክልተ ዓበይቲ ሓሳባት ዝተፋጠጣ ይመስላ። ስለዚ ብፍልጠት ምምርማር ዘድሊ ኮይኑ ይስመዓኒ– ካብ ጸርፍን ዘለፋን። ንሓደ ሰብ ኣብታ ኣነ ዶው ዝበልክዋ ዶው በል፡ ከይትንቀሳቀስ ማለት እኮ ከኣ —-ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንሳካ “ንስካ” ኣይትኹን ማለት’ዩ። እዝስ ብከመይ’ዩ ዝከኣል? ኣሕዋት ዘበን (ዘመን) ነለሊ።

  • meretse October 10, 2019

    Correction:
    ንሱ እንተዘይ ከደስ ኣነ ዘይገድፎ
    pls ignore the the second I admire you.

    • PH October 10, 2019

      እምባሕ በል መርጸ።

      • k.tewolde October 10, 2019

        Brothers you said it all,they want to replace us ,they can’t ,they want to duplicate us ,abeden! they want to speak like us,we needed translation,they want to think and behave like us,disaster! just look at their commander in chief,I made that observation clear in my early teens.Folks they might have displaced us from our natural habitat temporarily,however the authentic Eritrean and his/her ideals lives on till it find its way back where it belongs.Fake jewelry and political impostors don’t shine forever,look at one in adi halo,he is fading away in front his adoring fans.Reality bites,you can’t cheat mother nature.We are who we are and they are who they are, be proud tigrawot like the rest of your citizens,like the Bible commands…’thou shall not yearn something that is not yours’. Be good Christians as you proudly claim to be.

  • tewldemedhin October 10, 2019

    ዝኸበርኩም መምህር ኣማኑኤል
    ኣነ ካብ ሃደ ተከታታሊ ጽሑፍኩም ኢየ።ግን ሓደ ሓደ ግዜስ ኣንዳ ሻዕቢያ ዝብሉዎ ትምህርቲ ዝምህሩ ይመስሉ።ቅድሚ ሕጂ መንግስቲ ጢልያን’ዶ ህዝቢ ጢልያን ዝበሃል የሎን ዝብል ጽሑፍ ኣቕሪቦም ኔሮም።ሎሚ ከኣ……………..ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ጣልያን መጻሕፍቲ ከንብቡ ወይ ፖለቲካዊ ዘተ ከካይዱ ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን። ኪቋየቑን ከንጸርጽሩን ግን እርእይ ነይረ። ህድእ ኢልካ ምሕሳብን ምፍራድን ኣይፈልጡን። ህዉኻት እዮም። ካብቲ መደምደምታ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀሚርካ ክሳሕ ሕጂ፡ መንግስቲ ከም ካምቻ ኪቕይሩን ኣብ ባይቶ ኪበኣሱን እዮም ኣሕሊፎምዎ…….ዝብል ጽሑፍ ኣስፊርኩም።
    እንዳ ህግደፍ ንሕና ዝበለጽና ኣቲኦም ዝሓመቑ ንሕና ከምዚ እቲኦም ካልእ ዝብል ኣብ ውድዳር ዘእቱ ሕማቕ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም እነሆ ንህዝብና ናይቲ ዝየተረደአኦ ባህሪ ግዙእ ኮይኑ።ንሶም ከኣ ብዓቢኦም መምህር ልክዕ ናይ ህልኽን ጽልእን ውድድርን ኣስፊሮም።ዘህዝን መልእኽቲ…..ይቕጽል።

  • tewldemedhin October 10, 2019

    መምህረይ ንጢልያን ክሓልፍ ኣይኮንኩን።ኣነ ክብሎ ዝደሊ ንኅልናዊ ሞራላዊ ንስነስርዓት ጥራኣኣይ ዝምልከት ኢዩ።ንሶም ኣብ ህዝቢ ጢልያን ፍሉይ ጽል ኢ እንተለኩም ባዕልኹም ምተዋጻኣኩም።ግን ሰባት ሚሂርኩም ኣብ ጽልእን ህነን ከትተኣትው ምፍታን ጽቡቕ መምህር ከይበልኩ ክሓልፍ ኣይደልን።
    መጻሕፍቲ ክንብቡ ኣይረኣኹምን።ኣቲ ጸገም ኣብ ኦም ኣብ መምህር ኢዩ ዘሎ።ጢልያን ንዓ መጽሓፍ ነንብብ ኣሎና ኢሎም ክጽዎዎም ኣይትጸበዩ።ግን መጻሕፍቲ ዝሸየጠሉ ቦታ እንተኾሊሎም ምላሽ ምረከቡ።
    ብፖለቲካ ዘተ ከካይዱ ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን።እዞም መንግስታት ከም ካምቻ ክቀያየሩ ደኣ በየናይ ኦኣይነት ዘተ ኢዮም መንግስቲ ኣውዲቆም መንግስቲ ዝተኽሉ።መንግስቲ ንክወድቕ ዘተ ምክያድ የድሊ።ንሶም ኣይረኣዩን ኣይሰምዑን፡እንድሕሪ ብገበታ ኖቀት ተላዕጢጦም ኣብ ርእሲ ጢልያን ነቲ ትርእዩዎ ኣውን ክትርእዩዎ ነቲ ትሰምዕዎ ክትሰምዕዎ ኣይትኻሉን ጎይታይ።
    ክቃየቑን ከንጸርጽሩህድእ ኢልካ ምሕሳብ ምፍራድ ኣይፈልጡን ህዉኻት።ንህዝቢ ምሉእ ብከምዚ ክትገልጽ ስድነት ንሳቶም ኣኳ ኣየንብብዎ።
    ከም ካምቻ ክቕይሩ ግን ካብቲ ሃደ መስርህ ዲሞክራሲ ምኳኑ ይፈልጡ’ዶ።እወ ንሶም ንፉዕ ጸሃፋይ ኢዮም።ግን ርእሶም ልቦም ኦኣይኖም ናይ ሃይለስላሰ ናይ ደርጊ ናይ ህግደፍ ኣገባብ ኢዩ መሊኡ።ሓደ መንግስቲ ጌጋ እንድሕሪ ገይሩ ኣብ ካልእ ኦኣቢይ ጌጋ ከይበጽሀ ይቕይሩዎ።ክቅየር ከኣ ብበትርን ብታንክን ተወቒዑ ዘይኮነ ብድምጺ ብልጫ ኢዩ።ስለዚ ፓርላማንታዊ ስርዓት ስለዝኾነ ብድሌት ፓርላማ ክወድቕ ይኽእል።ንሶም ዝደለዩ ሓደ ግዜ ስልጣን ሒዙ ንውሉድ ውላዱ ዘሰጋግር ደልዮም ይመስሊኒ……ይቕጽል።

  • tewldemedhin October 10, 2019

    እቲ ጽሑፍ ንሕና ካብ ኦም ዝተመሃርና ወይ እዚኣቶም ይገዝ ኡና ምንባሮም ክጠቕሱ ዝደለዩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ።ኣይ መምህር።መምህር እኮ መበገሲ ኢዩ ዝህቦ ንተመሃራዩ።ተመሃራይ ኣጽኒዑ ገምጊሙ ይምህዝ የመሃይሽ ይሃንጽ።ንሕና ካብቲ ንናቶም ጌጋ ተበጊስና ክንመሃር ዘይምኽ ኣልና ናትና ጌጋ ኢዩ።ንሶም ከም እንዳ ህግደፍ ጉድለት ከጸግዑ ኮለል ኢሎም……ይቕጽል
    ድሕሪ ዚ ኩሉ ክብሎ ዝደሊ ሓደ ህዝቢ ናይ ቅድሚ ልደተ ክርስቶም ጽሑፍ ኦኣቒቡ ዝከይድ ካብቶም ናይ ስልጣነ መበገሲ ዝኮነ ታሪካት ዘለዎ ህዝቢ በዘን ቁሩባት ቃላት ምዝንጣልኩም ድሕረትኩም ድዩ ዝሕብር ወላ ጽል ትኩም ኣይተረደኣንን።ንሕና ኣንታይ ኣሎና፡ምስ ኣታቶም ብከመይ ንመኦኣራረ…….ካላን ኣብ ግምት ኣኣቲና ክንዛረብ መልክዕ ኣለዎ።ንሕና 100 ኦኣመት ዝነበረ ምዝጉብ ኩነታት ዘይብልና ምጽእ ኢልና ናይ 1200ታሪኽ ብግልጺ ታሪኾም ዓቒቦም ዘለው ምንቃፍና፡ንሕና ህዉኻት፡ኣንጸርጸርቲ ተሃላለኽቲ ከይንከውን ርእስና ምምርማር የድሊ።
    ኣዚ ክብል ከለኹ ንኅልናይ ኢለ እምበር ከምድላይኩም በሉ።ግዳ ኣብ ገሊኡ ግዜ ህጋዊ ክሲ ክምስረተኩም ይኽእል ኢዩ።እዚ ብቋንቋ ጢልያን ኦፈዛ ፖፖላረ ክብሉዎ ይኽእሉ።ሰለዚ ምምምምምመምህረይ ንኽእሎ ዘይንገብር ህዝብና ክንምህርን ክንሕብርን እንተኾና ኣብ ካልእ ዘየተመስረተ ጽል ኢ ዘይብሉ ዘይንገብሮ ።

  • Hagherawi October 11, 2019

    ጣልያን ኣይንቡቡን ፥ ቋይቂ እዩ ስርሖም ።
    ዓረብ ከምቲ እዮም ፣ ከምዚ እዮም. ..ወዘተ
    ዝብሉ ዘለዉ እቶም ዝዳሓሩ ኣብ ዓልም ፥ ብዘይካ ቶንኮልን ስርቅን ካልእ ዘይብሎም እዮም።
    ሓንቲ ካብተን ቀዳምት ቤት-መጻሕፍቲ ኣብ ዓለም ፥ ናይ ጣልያን እያ ። ኣብኣ በታ ቀዳመይቲ ማሕተም ናይ ጉተንበርግ ዝተሓትማ መጻሕፍቲ ይርከባ። ናይ ቫቲካን ቤተ-መጻሕፍቲ ብ 1451 ተመስሪታ ። ሓንቲ ካብተን ፉሉይ ታሪካዊ ሰነዳት ዝርከበላ እያ። ሎሚ 1.8 ሚሊዮን መጻሕፍቲ ኣሎዋ።
    ብዛዕባ ዓረብ እንተ መጻና’ውን ፥ እቲ ሓቅታት ዘሰንቢድ እዩ። ንሙዃኑ ፥ ነብሱኹም ምስ መን እኹም ተወዳደሩዋ ዘለኹም ? እንተዋሓደ 2 መኪና ንዘለዎ ዓረብ ፥ ከመይ ገይሩ ብእግሩ ኮሎል ዝብል ፣ ነታ ናይ ዕለቱ እንጀራ ዝሻቀል ፣ ደቁ ኣብ ትሕቲ ዓረብ ከዲመን ብዝሰዶኦ ገንዘብ እንዳ ነበረ ፥ ኤሪትራውያን ምስ ዝርኢ ኣብ ቅድሚኦም ፥ ገለ ክብሪ ኣዳም ዘለዎ ንኽመስል ፥ ንዓረብ ብምዝላፍ ይጃሃር ።
    ኣንታ ነውሪ ዝባሃል’ዶ የቡልኩምን ?

  • Berhane Haile October 11, 2019

    እታ መምህር ኣማኒኤል ሳህለ ዝብላ ድሮ ኣብዚ ትርአ ኣላ። ኣብ ክንዲ ነቲ ሃናጺ ጽሑፍ ኣንቢብካ ናብ ካልኦት ምሕላፍ ክተቈናጽብ ምፍታን ጌጋ እዩ። ርእይቶ እንተሎካ ብሃናጺ መንገዲ ርእይቶኻ ምስፋር እዩ ዝሓሸ። ብዝኾነ፡ እቲ ባህል ስሪቱን ስለ ዝኾነ ብሓንሳብ ክንድምስሶ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ዝኸፍአ ኸኣ ነቲ ሓድሽ ወለዶ ሕማቕ ንምህር ምህላውና እዩ።

    • Hagherawi October 11, 2019

      “መምህር” ኣማኔል ሳህለ፥ ኤሪትራውያን ዱሑራት እዮም እዩ ፥ ዝብል ዘሎ ። ብመሰረቱ እዚ ኣባሃህላ እዚ ፥ ካብ መቀለ ዝፍኖ ዘሎ ነውራም መልእኽቲ፥ ዕላሙኡ እንታይ ሙዃኑ ዳርጋ ኩሉ ብሃገሩ ዝግደስ ኤሪትራዊ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።
      ንእሽቶይ ጢቅሚ ኣብ ትግራይ ስለ ዘላቶ (መጽሓፍ ሓንቲ ዓለም ክሸይጥ) ፥ ኣብ መቀለ ይቅመጥ ኣሎ ።
      ወያነ ፥ ልክዕ ከም ሻዕቢያ ፥ ባኣ ሒዞም ፥ ሕብሩ ከምዝቀያየር ይገሩ ኣሎዉ። ንዑኡ ከፈኦ።

      • meretse October 11, 2019

        Hagerawi
        What if tomorrow I decided to live in Ambo would I be Oromo. You know I have every right to live wherever I choose. Let’s try to be reasonable.

        • Hagherawi October 11, 2019

          Did I say A. Sahle became Tigreyan ? No. It’s his choice and should be respected.
          What cannot be tolerated is insulting his own people, to make the Weyane happy.

Post a Reply to SGH Cancel Reply