Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ኤርትራ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ይርከቡ።

ስርዓት ህግደፍ ንፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣደናጊሩ ይቕሬታ ሓቲቶም ኢሉ ናብ መንበሮም ክመልሶም ዝሰርሖ ሽርሒ ድሕሪ  ምፍሻሉ፥ ኣቕሎም ብዘጽብብ ከቢድ ማእሰርትን ተነጽሎን ገይሩ የሳቕዮም ኣሎ። ድሕሪ ፍሽለት እቲ ኣብ ነሓሰ 2016 ዝገበሮ ተንኮለኛ ሽርሒ፥ ኣብ መጀመርታ ወርሒ

ስርዓት ህግደፍ ንፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣደናጊሩ ይቕሬታ ሓቲቶም ኢሉ ናብ መንበሮም ክመልሶም ዝሰርሖ ሽርሒ ድሕሪ  ምፍሻሉ፥ ኣቕሎም ብዘጽብብ ከቢድ ማእሰርትን ተነጽሎን ገይሩ የሳቕዮም ኣሎ።

ድሕሪ ፍሽለት እቲ ኣብ ነሓሰ 2016 ዝገበሮ ተንኮለኛ ሽርሒ፥ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት 2017 ዳግማይ ስዉር ተንኮል ተፈቲኑ እዩ። እቲ ስርዓ ነቶም ዝነበሩ ዓረቕቲ ሽማግለ ኣውሪዱ፥ ካልኦት ሽማግለ መሪጹ፥ ንኣቡነ እንጦንዮስ ናብ ስልጣንኩም ክንመልሰኩም ኢና፥ ጥራይ ሕራይ በሉና፥ ክብሉ ብሽሕጣን ክቐርብዎም ፈቲኖም። እንተ ኾነ እቶም ኣቦ ኣነ ጽልኢን ቅርሕንትን የብለይን እንተ ኾነ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ብዘይፍርዲ ብዘይክሲ ተኣሲረ፥ ጉዳየይ ኣጽርየ ክወጽእ ፍቓደኛ እየ ዝብል ዘሎኹ። ገበነኛ ዘይኮንኩ ገበነኛ ተባሂለ ክወጽእ ግን፥ ንህዝበይን ኣምላኸይን ኣየጉህን እየ፥ እዛ ሓዳስ ሃገርን ቤተ ክርስቲያንን ገበነኛ ፓትርያርክ ነይርዋ ክበሃል ኣይደልን እየ ከም ዘሎኽዎ ብእሱረይ ከይረሃወኒ ክመውት እመርጽ። ንቤተ ክርስቲያን ኮነ ንህዝቢ ብስልጣን ፓትርያርክነተይ ብሃይማኖተይ ዝበደልክዎ ክሕደትን ጥልመትን ዝሙትን የብለይን። ኣሎ ዝበሃል እንተ ኮይኑ ድማ ኣብ ሕጊ ቀሪበ ገበን እንተሎኒ ሞት’ውን እንተ ኾነ ክቕበሎ ፍቓደኛ እየ። ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ብዝፈቕዶ ማእከላይ ዳኛ ይፍረደኒ፥ ኢሎም ኣብ ቃሎም ብምጽንዖም ንስርዓት ህግደፍን ልኡኻትን ኣዝዩ ኣጉህይዎምን ኣባህሪርዎምን ኣሎ። ዓንጸዓንጾ፥ ድማ ኣዝዩ ብዝኸበደ ማእሰርቲ ንበይኖም ዓጽዮም የሳቕይዎም ኣለዉ። ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ማእሰርቶም፥ ንፖሊስ ኣፍቂድካ ገጾም ይርኣዩ ነይሮም እዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ምስ ዝኾነ ሰብ ከይራኸቡ፥ ገጽ ሰብ ከይርእዩ ኣብ ከቢድ ጸልማት ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ይሳቐዩ ኣለዉ። ኣቡነ እንጦንዮስ ወዲ 92 ዓመት ብሕማም ሽኮርን ብዝሒ ደምን ይሳቐዩ ኣብ ርእሲ ምህላዎም፥ ድምጺ ዝኾነ ሰብ ከይሰምዑ፥ ኣብ ጽምዋ ተዋሒጦም ብሓይሊ ጸሎትን ምህልላን ንበይኖም ብረድኤት ኣምላኽ ክሳብ ሕጂ ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ኣቦ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን እዮም። እዚ ግን ኣብ ህዝቢ ከቢድ ሃየንታ ዘለዎ ግፍዒ እዩ። ህዝቢ ተዋህዶ ሱቕታ ስለ ዝመረጸ ዝወርድ ዘሎ ዓመጽ እዩ።

እቶም ኣቦኦም ኣሲሮም ኣብ ስልጣን ፓትርያርክ ንምድያብ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ ኣባ ሉቃስን ኣባ ባስልዮስን እተባህሉ ክልተ ጳጳሳት ብኣቡነ እንጦንዮስ ዝተቐብኡ እዮም። እዞም ሕሊና ዘይብሎም ኣኽሊል ዓመጽ ኣብ ርእሶም ክሰቕሉ ዝጽበዩ ዘለዉ ክልተ ጳጳሳት፥ ኣብ ዝመጽእ በዓል መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ትንሳኤ ናይ ፓትርያርክ መዓርግ ክለብሱ፥ መስቀል ኣቦኦም ክወርሱ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለዉ። ከምቲ ሰቐልቲ ክርስቶስ ንኽዳውንቱ ዕጫ ኣውዲቖም ዝተማቐልዎ እዞም ክልተ ሰባት ዝቐደመ መስቀሎምን ልብሶምን ነቶም ምስ ውግዘቶም ዝሞቱ ኣባ ዲዮስቆሮስ ኣውሪሶሞም ጸኒሖም ሕጂ ድማ ኣብ ዝባኖምን ርእሶምን ክሰቕልዎ ይጓየዩ ኣለዉ። ብሰንኪ እዚ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ሎሚ ማእከልነታ ዘጥፍአት፥ ህዝባ ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ክልተ መዳይ ተከፊሉ ይርከብ። ኣባ ሉቃስን ኣባ ባስልዮስን፥ ገለ ተማሃሮ ቤት ትምሀርቲ ሰንበት ኢና ዝብሉ ተኸተልቲ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ማሕበረ ቅዱሳን ዝኾኑን፥ ገለ ኣባ ሉቃስ ወይ ኣባ ባስልዮስ ኣብ ስልጣን እንተ መጽኡ ጵጵስና ዝጽበዩ ዘለዉ ፈለስቲ ከም በዓል ኣባ ገብረስላሴ ናይ ኣቡነ ሊባኖስ ሃምን፥ ኣባ መልከጸዴቅ ናይ ኣቡነ ዮናስ ቆሓይን ዝኣመሰሉ ዝርከብዎም፥ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ኣንጻር ኣቡነ እንጦንዮስን ህዝቢ ኤርትራን ዝኾኑ።

በቲ ካልእ ወገን ድማ ገዳማውያን ኣቦታት ብፍላይ ገዳም ደብረ ቢዘን ብሙልኦም ምስ ደቂ እቲ ገዳም ጳጳሳቶም ከይተረፈ፥ ካልኦት ገዳማትን ብጀካ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ስልጣን እንተ ረኸቡ ኢሎም ክሳዶም ዝቐይነነ ተጸበይቲ ሒደት ፈለስቲ፥ ብሙሉኦም ዳርጋ ክበሃል ዝከኣል መነንቲ ኣቦታት፥ ጉባኤ ሊቃውንቲ ብጀካ እቶም ኣባ ሉቃስን ኣባ ባስልዮስን ንመሳርሒ ዝጥቀሙሉም ሓደን ክልተን፥ ቴስዓ ሚእታዊት ሕዝቢ ኤርትራን ካህናትን ዲያቆናትን፥ ኣቦና ተመሊሶም ቡራኬን ፍትሓትን ክህቡ ዝጽበዩ ዘለዉ እዮም።

ኩሉ ህዝቢ ሎሚ መርገም ኣቡነ እንጦንዮስን መስጥኦምን በጺሑና ኢሉ ይጠዓስን የስቆርቁርን ኣሎ። ብጀካ እቲ ሒደት ተበላጺ። ህዝቢ ምምላስ ኣቡነ እንጦንዮስ  ሃንቀው ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፥ ኣቦና ምስ ዘለዎም ከቢድ ማእሰርትን ተነጽሎን ኣብ ኣስጋኢ ዕድመ ምህላዎምን እዚ ስርዓት ኣመኽንዩ ከምቲ ልሙድ ተግባሩ መሪዙ ከይቀትሎምን ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ።

ህዝቢ ተዋህዶ ካብ ትሕም ትሕም ሓሊፉ ኣፉ ኣውጺኡ ናብ ምዝራብ በጺሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን። እቶም መሳርሒ ህግደፍን ኣባ ሉቃስን ኮይኖም ኣብ ናጻ ሃገር ወጻኢ ኮይኖም ሰባት ዘደናግሩ ዘለዉ ኣቕሽሽትን ዲያቇትን፥ ኣብዚ እዋን እዚ ድምጾም ከስምዑ ብዘይምኽኣሎም ዘይርሳዕ ሕማቕ ታሪኽ ኣብ ርእሲኦም ይነብር ከም ዘሎ ጽባሕ ተሓተቲ ናይዚ ረሳሕ ታሪኽ ምዃኖም ክፈልጡ ይግባእ። እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኑ ዝጋገ ምኽንያት ኣለዎ፥ እቶም ኣብ ወጻኢ ኮንኩም ነዚ ሓቂ እዚ ዓው ኢልኩም ምዝራብ ተሪፍኩም፥ ኣቐበልቲ ህግደፍ ግና ክወግሕ ምዃኑ ክትፈልጡ ይግባእ።

ደቂ ቤተ ክርስቲያን ካብ ኣስመራ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Aron Fist March 16, 2017

    ህግደፍ ጎድፍ

  • Simon G. March 17, 2017

    I really think sometimes that we have have the wrong key. We have a bigger key that it doesn’t fit to the door’s hole.
    Just a thought.

Post a Reply to Aron Fist Cancel Reply