Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተኽለዝጊ ዑቕባልደት (ወዲ ዑቕባልደት) መን እዩ?

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ውሽጢ ካብ ህዝብን ሰራዊትን ክመጽኦ ንዝኽእል ተቓውሞ ብኣጋ ብምቕጻይ፣ ኣብ ወጻኢ ‘ውን ህዝቢ ሰሚሩ ንኸይቃወሞ ብምክፍፋል ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ቀንዲ መሓውር ስለያ እዩ። ኣብ ወጻኢ ነዚ ዕላማ’ዚ ከገልግሉዎ ባዕሉ ዘዋፈሮም ብስም

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ውሽጢ ካብ ህዝብን ሰራዊትን ክመጽኦ ንዝኽእል ተቓውሞ ብኣጋ ብምቕጻይ፣ ኣብ ወጻኢ ‘ውን ህዝቢ ሰሚሩ ንኸይቃወሞ ብምክፍፋል ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ቀንዲ መሓውር ስለያ እዩ።

ኣብ ወጻኢ ነዚ ዕላማ’ዚ ከገልግሉዎ ባዕሉ ዘዋፈሮም ብስም ስደተኛታት ዑቕባ ሓቲቶም ብስቱር ንማሕበረሰብ ኤርትራውያን ዝስልሉ ሃሱሳት ከምዘለዉ ድማ ናይ ደባባይ ምስጢር እዩ። ይኹን ‘ምበር ብደለይቲ ለውጢ ንምቅልዖም ከምቲ ዝድለ ዕቱብ ምንቅስቓስ ስለዘይተገብረ፣ እቶም ሃሱሳት ኣብ ነቓዓት ደምበ ተቓውሞ ተቐርቂሮም መሳርሒ ናይቲ ስርዓት ኮይኖም እኩይ ውዲታዊ ስርሖም የሳልጡ ኣለዉ።

ሓደ ካብዚኣቶም፣ ካብ ኤርትራ ብምኽንያት ሕክምና በቲ ስርዓት ናብ ዓዲ ጥልያን ድሕሪ ምምጻእ ኣብ ከተማ ሚላኖ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝተቐመጠ ኣብዚ ክልተ ዓመት ናብ ስዊዘርላንድ ግዒዙ ዑቕባ ብምሕታት ከም ሰላዪ ናይቲ ስርዓት ሃሱሳዊ ንጥፈታት ዘካይድ ዘሎ፣ ተጋዳላይ ነበር ስንኩል ተኽለዝጊ ዑቕባልደት (ወዲ ዑቕባልደት) እዩ።

እቲ ኣብ ዓዲ ጥልያን ድሕሪ ምምጽኡ፣ ስለያዊ ንጥፍታት ንምክያድ መታን ክጥዕሞ ብሓገዝ ናይቲ ስርዓት ናይ ቴለፎን ማእከል (Phone Centre) ዝኸፈተሉ ተኽለዝጊ ዑቕባልደት፣ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ሰሊኹ ስለያዊ ስርሓት ንኸካይድ ክእመን ምእንቲ ወከልቲ ህግደፍ ንይምሰል ኣብ ዓዲ ጥልያን ካብ ኣኼባኦም ከምዝስጎግ ገይሮሞ ነይሮም።

ስድርኡ ካብ ኤርትራ ናብ ስዊዘርላንድ ብምሕላፍ ድማ፣ ነቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝካየድ ምንቅስቓሳት መንእሰያት ንኽስልን ንኽዘርግን ብቑዕ ዓቕሚ ከምዘለዎስለዝተኣምነሉ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ካብ ሚላኖ ናብ ስዊዘርላንድ ሰጊሩ፣ ኣብ ከባቢ ከተማ ሉዛን ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ፣ ኣብ ዘድልዮ ግዜ ከም ሓዋላይ ኮይኑ እናሰርሐ ይቕመጥ ኣሎ።

ተኽልዝጊ ዑቕባልደት ዋላ ምስ ሰይጣን ከተዓራረኽ ዝኽእል ባህርያት ስለዘለዎ እዮም ሓለፍቲ ስለያ ህግደፍ መሪጾሞ። በዚ ድማ፣ ፈለማ ኣብ ዓዲ ጥልያን ደሓር ድማ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ምስ ብዙሓት ሓለፍቲ ደምበ ተቓውሞ ዝምድና መስሪቱ ስለያዊ ስርሓቱ ከካይድ ጸኒሑ።

ተቓዋማይ መሲሉ ንኽርአ ዝጥቀመሉ ሜላታት፣ ገንዘባዊ ወፍያ ምግባር፣ ሓበሬታ ምቕባል ክኸውን ከሎ፣ ኣብቲ ኣብ ጀኔቫ ዓሚ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ‘ውን ተሳቲፉ። እዚ ንነብሱ ማዕረ ኣማኻሪ ሰሪዑ ኣብ ብዙሓት ውድባት ዝነጥፍ ሰብ፣ ኣብ ኩሉ ምንቅስቓሳቱ ቅድሚ ኹሉ ዘቕርቦ ቅድመ ኩነት ስሙ ክሕብኣሉ ምድላዩ እዩ። ስለምንታይ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ደምበ ተቓውሞ ብጋህዲ ከምዘይሳተፍ ክሕተት ከሎ ድማ፣ ወረቐት ስለዘይብለይ ህግደፍ ከይሕሱዉለይ ኢለ እየ ዝብል ዕባራ መልሲ እዩ ዘቕርብ።

ንሱ ብኣተኵሮ ዝምእርሮ ጉዳያት እዋናዊ ሓበሬታ ደምበ ተቓውሞ ፣ መደባት ተቓወምቲ ውድባትን ባእታታትን ካብ ቀንዲ ምንጪ ምርካብ፣ ርክባትን ኩነታትን ደምበ ተቓወምቲ ብምጽናዕ ዝበታትተኑሉ መንቅታት ምፍታሽን እዩ።

ንተኽለዝጊ ዑቕባ ልደት ሰላዪ ስርዓት ኢሳይያስ ምዃኑ ንዝነበረ ጥርጣር ኣራጕዱ መጽናዕቲ ክካየደሉ ዘበገሰ ቀንዲ ምኽንያት ግን፣ ምስታ ናጽነት ተኽለ ዝተባህለት፣ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ተጋዳሊት ህዝባዊ ግንባር ከላ ኣባል ምስጢራዊ ሰልፊ ዝነበረት፣ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣስመራ ኣብ ቤትፍርዲ ተመዲባ ዝሰርሐት ሕጂ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ከባቢ በርን እትነበር ሓንቲ ካብ ቀንዲ ዕሉላት ሰለይቲ ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሮ ጥቡቕ ርከብ እዩ።

እታ ከምኡ ኣካለ ጎዶሎ ዝኾነት ሰላዪት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ናጽነት፣ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ከም ሰላዪ ክውደብ ዝተፈተነ ነጋሲ ሰረቐ (ደምበ ፖሊስ) ብዛዕባ ኣወዳድባኡ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ምቅላዕ ቀንዲ ማእከል ሓበሬታ ስለያዊ ንጥፈታት ናይቲ ስርዓት ኣብ ኤውሮጳ ምዃና ኣጋሊጹዋ ዝነበረት ሃሱስ እያ።

እቲ ካብ ዓዲ ጥልያን ኣትሒዙ ደጋፊ ራድዮ ኣሰና ተመሲሉ ገንዘባዊ ሓገዛት ብምግባር ምስ ኣሰና ርከብ ዝመስረተ ተኽለዝጊ ዑቕባልደት፣ ንኣባላት ኣሰና ዝሃበና ዜናዊ ሓበሬታታት ከነረጋግጾ ኣብ ዝፈተናሉ እዋን ተደጋጋሚ ግዜ ሓሶት ኮይኑ ምስ ተረኽበ ‘ሞ ምንጩ ምስ ሓተሓተትናዮ ብመንገዲ ናጽነት ከምዝረኸቦ፣ ንሳ ድማ ተቓዋሚት ከምዝኾነት ይገልጽ ነይሩ። ሓቀኛ ኩነታት ናጽነት ንህዝቢ ምስ ተቐልዐ ብቐጥታ ንዕኡ ኣብ ምጽናዕ ኣቲና ምስኡ ዝነበረና ርክብ ምስ በተኽና ግን ክሻቐል ጀሚሩ።

ኣቐዲሙ፣ ንሱ በቲ ዝንቡዕ ሓበሬታታት ከምዝጠርጠርናዮ ኣብ ዝሰግኣሉ እዋን፣ ኣንጻር እቲ ስርዓት ምዃኑ ዳግም ምትእምማን ንኸሕድር ስሙ ሓቢኡ ነቲ ስርዓት ዝወቅስ ግጥምታትን ካልእ ጽሑፋትን ብሚድያ ክዝርግሓሉ ጻዕርታት ክገብር ጀሚሩ።

ተኽለዝጊ ዑቕባልደት ብሓቂ በቲ ስርዓት ንስለያዊ ስራሕ ዝተዋፈረ መጋበርያ ምዃኑ ዘረጋገጹልና ምንጭታት፣ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ ዝኸፍኡ ቫይረስ ናይቲ ስርዓት እዩ ክብሉ ገሊጾሞ። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፣ ምስ ሰባት ናይ ምቕራብ ዲፕሎምስያዊ ክእለት ዘለዎ ከምቲ ቅድም ዝተጠቕሰ ምስ ሸይጣን ከይተረፈ ክተዓራረኽ ዝኽእል ሰብ ምዃኑ እዩ።

በዚ ምኽንያት፣ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝርከቡ ከም ደላዪ ለውጢ ዝኣመኑዎ ደለይቲ ፍትሒ መንግስተ ሰማይ የዋርሳ ብዓልቲ ቤቱ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ዝዓረፈትሉ ግዜ፣ መኪና መሊኦም ካብ ዓዲ ጥልያን ናብ ስዊዘርላድ በጺሖም ደቢሶሞ።

ንኸምስል ቀደም ኣብ ዓዲ ጥልያን ህግደፍ ተቓዋማይ ኢሎም ሓዘን ካብ ምብጻሕ ከልኪሎምኒ ይብል ኳ እንተነበረ፣ ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ዝዓረፈትሉ እዋን ቀንዲ በጻሕቱን ኣጆኻ ብሃልቱን ናይ ህግደፍ ሓለፍትን ደገፍትን እዮም ነይሮም።

ብዘይካ ‘ዚ ተኽልዝጊ፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ዝርከብ፣ ሓዉ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነበር፣ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎ ቀንዲ ሰላዪ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ሃሱስ ቀጻሊ ርከብ ከምዘለዎ ‘ውን ተረጋጊጹ ኣሎ።

ቀንዲ ነዚ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ክንዝርግሖ ዘገደሰና ምኽንያት፣ ብቐንዱ እቶም ኣሚኖሞ ካብኡ ሓበሬታ ዝቕበሉን ንሱ ካብኣቶም ሓበሬታ ዝወስደሎምን ሓለፍትን ኣገደስቲ ሰባትን ደምበ ተቓውሞ ነቲ ኩነታት ፈሊጦም ክጥንቀቑ፣ ከምኡ ‘ውን ከምኡ ዝኣመሰሉ ሃሱሳት ኣብ ፈቐዳ ሃገራት በቲ ስርዓት ተዋፊሮም ከምዘለዉ ብኣብነት ንምርኣይን እዩ።

demo.archive.assenna.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
55 COMMENTS
  • Ghe April 12, 2016

    Lay ditective machine is needed in all group party

  • asgede April 12, 2016

    it is a crime to destroy ones name without any facts at hand.i hope he will find a good lawer and make you pay back for you foolishness and stupidity.we all suspect someone to be this and that but going public is the last thing what a sane person would do.picking on individuals is nonsense.we all agree that the regime is brute but we have to refrain ourselves from destroying innocent person even if it is proved that that person works for the regime.and by the way isn’t it the freedom of any person to support political parties or governments of his/her choice…90% of germans were behind hitler on the annihilation of jews and slavs…it did not dawned on them that they were committing a big crime of all time.

    • Asmerom April 13, 2016

      “we all agree that the regime is brute but we have to refrain ourselves from destroying innocent person even if it is proved that that person works for the regime”

      You really argued that it is OK for someone to work for a criminal and it is NOT OK to expose a criminal.Well, from you logic we should just let PFDJ have their way and kill us all and do away with nation as well. Asgede you really need to ask yourself where you stand in this: Are you with the criminal or with the victims?

  • Mizan April 12, 2016

    ሀገርን ሕዝቢን ፀሪህና ኣይንውቀስ! ‘ድንቁርና ያብቅዕ!’

    ፀገም ሕዝበ ሀበሻ ዞም ሸ..ሻ ‘ዮም( ሸዋን ሻዕብያን) ‘ሕዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን አይኮነን’
    ምንሊክ ሸዋ መፀ  ጣልያን መፀ ->ስሜን መረብ ንባርነት ተሸጠ፤ ኦሮሞን ደቡብን ሙልዕ ሰብኣዊ ክብሮም ተገፉ፤ ተጋሩ ኩለ መዳያዊ ጥቅኣት ወረዶም–ናይ ሕዝበ ሀበሻ 100-ዓመታት መከራ ዘመን’ዮም(ካብ ምንሊክ ክሳብ ደረጊ) ፡፡ ነዚ ኩሉ መን’ዩ ተሀታቲ ገዛእቲ ሸዋ፡፡ ምንሊክ ንርእሱ ሸያጢን ለዋጢን ኮይኑ ሰሜን መረብ ምስሸጠ’ዩ ዘመነ ግርንቢጥ ወሪዱ፡፡
    እዙ 100 ዓመታት ናይ ኩሉ ህዝብታት ሀበሻን፤ኦሮሞን፤ደቡብን ናይ መከራ ዘመን’ዩ:: ብሰንኪ ገዛእቲ ሸዋ፡፡ ገዛእቲ ሸዋ ብዝፈፀምዎ ገበን ድፍን ኢትዮጵያ ፀሪህካ ምውቃስ ጌጋ ጥራህ ዘይኮነስ ሀጥያት’ዩ፡፡ ንርዕሱ ኣብ መከራ ዝነበረ ሕዝቢ ብስም ኢትዮጵያ ክውቀስ የብሉን፡፡ ሻዕብያ ኣብ ጎረባብቲ ዛውረዶ ሞትን መከራን ብከመይ ሕዝቢ ኤርትራ ይህተተሉ፡፡ ንርዕሱ ኣብ አፍ ሀርገጽ(ሻዕብያ) ዛሎ ሕዝቢ ኤርትራ እንታይ ክገብር ይክእል? ሻዕብያ ኤርትራ በይኑ ይዕንድረላ’ሎ፡፡ ገዛእቲ ሸዋ’ውን በይኖም አንዲሮምላ፡፡ ሻዕብያ ንስገኦም ዝሀደሩ ተለኣአክቲ አለውዎ፣ መግዛእቲ ሸዋ’ውን ከምኡ ኔሮምዎ፡፡ ሀረስታይ ኤርትራ፣ ትግራይ፣አምሓራ፣ ጉራጌን፣ ኦሮሞን….ወዘተ እንተሪኢና ነወዲ ሰብ ኩሉ ዝላዐለ ክብሪ ዛለዎ፣ ንፈጣሪኡ ዝፈርህ፣ንጋሻ ዛክብርን ለጋስን’ዩ፡፡ ፊዊዳል ከተማታት ዛፍረየኦም መንግሥቱ ወይ ኢስያስ መእቀኒዑ አይክኮኑን፡፡ እዙይ ተረዲእና ስም ሕዝቢ ብህማቅ አይንፅራሕ፡፡ ካብ መሠረቱ ፖለቲካ ላግፂ’ዩ ናይ ፖለቲከኛ ደረቅ ክኣ ንሕዝቢ ትርፉ መከራን ዕንወትን’ዩ፡፡

  • halengay April 12, 2016

    Amaniel nay welkika baese enteleka kale guday eu tezey koynu netsuhat hageraweyan ketexelm mezanka zefekus eu leelikulu dema lomis betom hager keblu selemzeybelu ayatatna metsekana

  • Berhe Tensea April 12, 2016

    Thank you for this very important information. People like him must be exposed and they must be held accountable and pay for their crimes.
    The pfdj operatives and killers will be hunted like the Zazis who are getting hunted by Israel tio this day.
    I am sure that this stupid zombie like character is put in the list of most wanted individuals who are anti people.
    People must know that there will be a pay back time, and that is a given.
    Death to tatulas.

  • Musse April 12, 2016

    Ab America keman bzuhat tekawemti temesilom nay hgdef jasusat alewu.kabom eti kendi SAMUEL MAHRAY zbahal ab kebabi DC znebir jasus eyu.hjji teklilu nab hgdef atyu alo. Bzuhat halefti zneberu bhkmna amsilom nab america zsededwom seleyti hgdef ab wushti tekawmo atyom hzbi ykefaflu alewu.

  • ኣርዓዶም April 12, 2016

    ዕድመ ንኣሰናን ሰራሕተኛታታን ሓለፍታን፡ ብዛዕባ እዚ ጎዳይ ንዓይ ሓድሽ ኣይኮነን፡ ስንኩላን ይኹኑ ዋላ ገለ፡ እቶም ቐንዲ ኣቐበልትን ምስ ህግደፍ ዝደናገጹን ኮይኖም ኢዮም ንረኽቦም። የሕቢርካ ኮይኑ፡ ኣይትሓዙለይ ድኣ እምበር፡ እቶም ከፊኦምና ዘለዉ፡ ሰያባትን፡ ዘርጣጣትን፡ ካልእ ሰብ ምርኩስን ኢዮም። ንኸምስሉ ተቓወምቲ ይመስሉ፡ ብፍላይ ተጋደልቲ ነበር፡ እቶም ቐንዲ መሳርሒ ኢዮም ኮይኖም፡ ካብ ነዊሕ ዘስተብሃልኩሉ ኢዩ።

    ተጋደልቲ ነበር፡ እቶም ቐንዲ ተጠራጠርቲ፡ ተቓወምቲ ኢዮም፡ ናይ ቐደም ተጋደልቲ ኢዮም ኢልካ ምስ እትቐርቦም፡ ገሊኦም ዘረብኦም ተስፋ የቑርጸካ፡ ንተቓወምቲ ይጸርፉን የስተናዓቑን፡ ልክዕ ንኢሳያስ ዝተጋደሉ እምበር ንህዝቢ ዝተጋደሉ ኣይመስሉን ኢዮም፡ ስንክልንኦም ርኢኻ፡ ንድሕሪት ተመሊስካ ምስ እተስተንትን፡ እቲ ህራሞም ሓበን ዝህብ እኵ እንተመሰለ፡ ንቓልሲ ዝሓንቑ ዘለዉ፡ ግን መብዛሕትኦም ባዕሎም ተጋደልቲ ነበር ኢዮም።

    ገሊኦም ክኣ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራን ባህሉን ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይብሎም፡ ኣብ ባራት ዓዲ እንግሊዝ ትግርኛ ዘጽረዩ፡ ተመሊሶም ሓለይቲ መሲሎም፡ መንእሰያት ናብ ቓልሲ ንኸይኣትዉ በብሓደ እንዳረኸቡ፡ ብዘለዎም ናይ ቝንቝ እንግሊሽ ምልከት፡ ንመንእሰያት ብዛዕባ ህዝቦምን ሃገሮምን ንኸይሓስቡ ዝገብሩ ዘለዉ ሃንጎሊማታት እውን ኣስተብሂልናሎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ ኣብ ምውጣጥ ዝበጻሕኩሉ ግዜ ኣይውሓደን።

    እቲ ኸብድኻ ዝቐርጸካ፡ መብዛሕት ኡ ህዝቢ ይኹን ተቓወምቲ ኢና ንብል ብፍላይ፡ ዘይነስተብህለሎምን ብስም ዘመደይን ንወደይ ጕለይ ባሊግኦም እንዳበልካ ዝግበር፡ ደገፍ ንዓመጽትን መቕተልትን ተመሊሶም ባዕሎም ዝቐትሉናን ዝዘርጉልናን ምህላዎም ዘይምፍላጥን ንነገራቶም ብንቕሓት ዘይምፍላይን፡ ንቓልሲ ህዝቢ የድክሞ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ ንሂወት ተቓለስቲ ኢና ንብል እውን ኣብ ሓደጋ ዘሳጥሕ ኢዩ።

    ሓደራ ክብለኩም ዝደሊ፡ ንፍለጥ ንንቓሕ ንነገራቶም ድማ ባእስን እምባጋሮን ዘይኮነ ብንቕሓት ንግጠሞ። ምኽንያቱ ዋላ ዝኾነ ይኹን፡ እቲ ምእንቲ መሰልን ሕግን ሕጋውነትን ዝቓለስ ኣካል ገና ሓውና ምዅኑ ፈሊጥና፡ ካብቶም ካድርታት እንዳቢራ ህግደፍ፡ ብሓድነት ክንከላኸልን ክንተሓጋገዝን ይግባእ።

    ዓወት ንውጹዕ ደላይ ሓርነት፡
    ኣሰና ብሓባር ኮይና ነሰስና፡
    ኣደ ውጹዓት ኢያ፡ ኣደ ዘኽታም ህዝብና።

  • ዮናስ April 12, 2016

    አነ ዝገርመኒ ናይ ወዲ ዑቅባልደት አይኮነን እንታይ ደአ ንወዲ ዑቅባልደት ከም ተቃዋማይ ዝግምቶ ሰብ እንተኔሩ እዩ ዝገርመኒ፣፣

  • abbysinia April 12, 2016

    Weed out all the termites from the opposition camp. There are a lot of traitors to their fellow friends and people. Sweep our house first.

  • kebats April 13, 2016

    hiiiiiii selamtay nab klukum deleti selam Eritrea ezi zbehal zolo kwusik kiknis delye ay konkun gin lewuti ab meda Eber ab eternet ay konen ezom klom ab selfi ab eternet zelewu ay gidin abzi guday ete koynu klu seb zfelto degafi neru ete hji merirni elu etay niblo kabzi bahlina zrehake etay terekbu eyu hji teyerghu bahlina kbur eyu ezi seb ab hazen alo krub hadieka zirea guday eyu mesleni ahwat ay nitehawek tehawuken ydefio temelisen yehafsio key konena ete tegage kierem dluw eye awet neti tifas ziseane hzbi eritrea

Post a Reply to sheka Cancel Reply