Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዛዕባ ጽሑፈይ: ሓውኻ ኣበይ ኣሎን ኣህጉራዊ እምነታዊ ቅልውላው ኣህጉራዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን – ነፍሰ ነቐፌታ

ብዛዕባ ጽሑፈይ ሓውኻ ኣበይ ኣሎን ኣህጉራዊ እምነታዊ ቅልውላው ኣህጉራዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ነፍሰ ነቐፌታ ብዕለት 24.07.2014 ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዶስ እምነታዊ ቅልውላው ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን’ ዘርእስቱ ዓንቀጽ ኣብ ኣሰና ኮም ኣውጺአ። ሽሕ’ኳ ዘይተጸረፍኩሉ ዓንቀጽ እንተዘየሎ፣ ሽሕ’ኳ ካብ’ዚ ዓንቀጽ’ዚ’ውን ክጽረፍ

ብዛዕባ ጽሑፈይ

ሓውኻ ኣበይ ኣሎን ኣህጉራዊ እምነታዊ ቅልውላው ኣህጉራዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን

ነፍሰ ነቐፌታ

ብዕለት 24.07.2014 ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዶስ እምነታዊ ቅልውላው ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን’ ዘርእስቱ ዓንቀጽ ኣብ ኣሰና ኮም ኣውጺአ። ሽሕ’ኳ ዘይተጸረፍኩሉ ዓንቀጽ እንተዘየሎ፣ ሽሕ’ኳ ካብ’ዚ ዓንቀጽ’ዚ’ውን ክጽረፍ ምዃነይ እንተተጸበኩ፣  እቲ ብዝሕን ተመሳሳልነትን ኣሉታዊ መልስታትን፡ ብፍላይ ከኣ ብሓደ ‘ትንቢት ኢሳያስ’ን ሓደ ሰመረን እስቲፋኖስ ተመልሶን ዝቐረቡ ትዕዝብትታት ኣብ ገለ’ስ ግድን ተጋግየ ኣሎኹ ኣቢሎሙኒ  ነቲ ኣርባዕተ ኣቡናት ዝጸሓፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ደጊመ ኣንቢበዮ። ልክዕ ድማ ጌጋይ ረኺበዮ። ጌጋይ ድማ ታህዋኽን ኣብ’ኡ ዝተመርኮሰ ጉድለተ መጽናዕትን ቅርጺ  ኣቀራርባን ምዃኖም ፈሊጠ። ክልተ ረርእሶም ኪኢሎም ኪቐርቡ ዝግብኦም ዝነበረ ዓንቀጻት ኣጣቢቐ ኣቕሪበ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ቤርናርዶስ -ሲታውያን- ኣስመራ እዬ ፈለማዊት  ፊደልን ፈለማዊ ትምህርተ ሃይማኖትን ቀሚሰ። ስለ’ዚ ድማ እታ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ተገድሰኒ እያ። እታ ዝዓበየት ክርስትያናዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ዕቱብ ኣባልነታዊ ቅልውላው ኣትያ ከም እትርከን ኣንቢበ ድማ ብዛዕብኡ ከጽንዕን ጭብጥታት ክእክብን ጀመርኩ። እዚ ነዊሕ ቅድሚ’ቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ እዩ።  እቲ ሓዋርያዊ ጽሑፍ ምስ ወጸ ከኣ ሕዚ ብዛዕባ’ቲ እምነታዊ ቅልውላውን ፍታሑን ክጽሕፍ ጊዜኡ በጺሑ ኢለ ተሃወኽኩ።  ኣብ ምፍታሕ ናይ’ቲ ቅልውላው ዓቕመይ ዘፍቅዶ ኣዎንታዊ ተራ ንምጽዋት ድኣምበር ኣብ ልዕሊ’ቲ ውድቀት ንምጥቓዕን  ንምሽክዕላልን ዕላማ ኣይነበረንን ሕዚ’ውን የብለይን። እቲ ፈለማ ጉድለተይ ነቲ መእተዊ ናይ’ቲ ጽሑፍ ብቕኑዕ ኣይተገንዘብኩዎን። ነቲ ‘ዓመተ እምነት’ ከም ኣህጉራዊ  ዓመተ ጎስጓስ እምነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ድኣ’ምበር ከም ፍሉይ ብኤርትራውያን ኣቡናት ዝተሓተን ዝተፈቕደን ጉስጓሴ እምነት ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ምንባሩ ኣይተገንዘብኩን። እቲ ቀንዲ ቴማኦም ‘ኣህጉራዊ ቅልውላው እምነተ ምእመናን ‘ ኴይኑ እቲ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ዝብለ ሸነኹ ከኣ ኣብኡ ተሓንጊጡ  ከም ዝቀረበ ጥብቆ  ገቢረ’ዬ ወሲደዮ። ቅድሚ ሕዚ ዝወጹ ተመሳሰልቲ መልእኽታት ኣይተጓነፉንን። እቲ ዘይተመጣጣኒ ምትሕንጋር ቴማታት ኢለ ዝወስድኩዎ  ከኣ ደስ ኣይበለንን። ስለ’ዚ ከኣ’ዬ ነቲ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዶስ እምነታዊ ቅልውላው ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን’ ኢለ ዝሰመኩዎ። እቲ ምሉእ ምድንጋር ናይ’ቲ ጽሑፍ ከኣ ኣብ’ዚ ግጉይ መበገሲ (premise) ዝተመርኮሰ እዩ። “እቲ ጽሑፍ ዝተደናገረ እዩ። ሕድሕዱን ምስ’ቲ መልእኽቲ ኣቡናትን ምትሕሓዙ ስኢን’ና። መልእኽቱ  ኣይተረድኣናን … “ ዝበሉ ስንዘራታት ድማ ቅኑዓት ይኾኑ።

ነቲ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዝበለ ትሕዝቶ ከም ዝድግፎ ኣብ’ቲ ነዚ ዝምልከት ጽሑፈይ ብሩህ እዩ።  ካብ’ቲ ጽሑፍ  ክጠቅስ “ … ሓወይ ኣበይ ኣሎ? እዋናዊ ሕቶ። ናብ ርእስን ልብን መንፈስን ዝበስዕ ሕቶ። ከይትሰምዖ፡ ከይተኾምስዕ፡ ከይተስተማቕሮ ዘይከኣል ሕቶ። እወ፡ መሪር ሕቶ። ነፍሲ ወከፍና ንነፍሱ ሓቲቱ ክምልሶ ዝግባእ ተረጊጹ ዘይሓልፍ ሕቶ። ኣብ ውሽጡ ሓያሎ ሕቶታት ዝጠቕለለ ሕቶ። ሕቶ ጥራሕ’ውን ኣይኮነን ንርእሱ እቲ መልሲ ዝኾነ ሕቶ። እቲ ሕቶ እንተላይ ወቐሳ እዩ። ፍርዲ እዩ’ውን … “  … “እቲ ንሳቶም ከይበሉ ዝበሉዎ’ስ ‘ሓውኻ ኣብ ትሕቲ እንታይ ዝኣመሰለ ዲያብሎሳዊ ኵነታት ይነብር ከምዘሎ’ስ ያኢ ትፈልጥ ኢኻ። እቲ ሓውኻ ክቕተል፡ ክእሰር፡ ክግረፍ፡ ክስደድ፣ ኮታ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ክጸንት ስለምንታይ ኣኽኢልካ? ኣንጻሩ እንታይ ገቢርካ? እንታይ’ከ ክትገብር ኢኻ?’ እዩ።

‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?’ ነቲ ናይ ሓባር ጭርሖ ስኢኑ ክታኸስ ዝጸንሐ ተቓዉሞ ናይ ሓባር ጭርሖ ኣበርኪቱ ዓቢዪ ድፍኢትን ሓዲስ ትንፋሰ ንያስትን  ሂቡዎ እዩ። ካብ’ዚ ብዝበለጸ ከኣ ደገፌታይ ነቲ ጭርሖ ክገልጽ ኣይክእልን። ነቐፍቲ ስለምንታይ ነዚ ኣብ ቅድሚ ኣዕንቶም ዝተደቀነ ኪርእይዎ ኣይመረጹን ኣይርድኣንን። እቲ ኣዎንታዊ ዝርኢ ኣዕንትና ካን ኣኺሉዎ ዓዊሩ ድዩ!?  እቲ መልእኽቲ ደንጕዩኒ፡ እቲ መዛዘሚ ከኣ ለቢጡኒ ዝበሉ ዕቃቤታት ኣስፊረ እዬ እንትምንታይ ካብ’ቲ ቤተ ክርስትያን ልዕል’ቲ ዘቕረብዎ  ስለዝተጸበኹ። እሞ ንዓዲ ኣቲኻ ከም’ቲ ንሳቶም ዝበሉዎ ድኣ ዘይትብል ቈልዓዊ ርእይቶታት ዘቕረቡ ሓያሎ እዮም። ኣነ ድኣ’ሞ መዓስ ምሉእ ቫቲካን ኣብ ድሕረይ ኣቐሚጠ!

ነቲ ኣቡናትና ንክልቲኡ ቴማታት ኣጣቢቆም ኣቕሪቦሞ ኢለ ዝወሰድኩዎ’ሞ ኣነ’ውን ንክልቲኡ ኣጣቢቐ ርእይቶይ ክህብ ዝፈተንኩሉ ጽሑፍ ከም ረርእሱ ዝኸኣለ ክልተ ጽሑፋት ገቢረ እንተዘቕርቦ ነቢረ፣ ካብ ክልቲኡ ጽሑፋት ዝምቐየርኩዎ ቃል’ኳ ኣንበይነበረን።

እገብር፡ እጋገ፡ ካብ ጌጋታተይ ተማሂረ ከኣ እልብም- እዚ መሰረታዊ እምነተይ እዩ። ንኽልብም ኢለ ግን ኮነ ኢለ  ኣይጋገን’ዬ። መድሃኒት ተዋሂቡኒ ከኣ መድሃኒተይ ውሒጠ ኣሎኹ። ከምቲ ሓደ ኣንባቢ ዝተመነየለይ ከኣ ንጥዕና ይግበረለይ። እንተኾነ፡ እቲ ኵሉ ዝተቐረበለይ መድሃኒት ኣይመድሃኒትን እኳ ድኣ እቲ ዝበዝሐ’ስ መርዚ ድኣ።

እቶም ነቲ ጽሑፍ ከም ጉሓፍ ዝገለጽዎ ሓደን ሓደን ደሚሮም ክልተ ክሰርሑ ዘይክእሉ፣ ብገዛእ ተበግሶኦም ሓንቲ’ኳ ክገብሩን ክብሉን ዓቕሚ ዘይብሎም ብድሑር ስምዒታት ዝምርሑ ናይ ባዕሎም ጉሓፋት እዮም። ካብ ጉሓፋት ንዝስንዘረኒ ጉሓፍ ድማ ናብ ጉሓፍ እዬ ዝድርብዮ። ሓደ፡ ብዙሕ ካብ ሓይሉን ጊዜኡን መዊሉ ንዝጸሓፎ ሓሳብ ብሓንቲ ዓማጺት ቃል ከፍርሱ ዝፍትኑ ከም ኵሉ ዓማጺ ዓመጽቲ እዮም። ዕላምኦም ከኣ ንጸሓፊ ናብ ውልቃዊ ኣገልጋሊኦም ንምግዳድ እዩ።

እቶም፡ “ኣማኑኤል፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጽሑፍ ናብ ህዝቢ ክቐርብ ከተፍቅድ ኣይነበረካን” ዝብሉ ዕንጭቝሊት ‘ኢሳያሳት’ ስለምንታይ ኣንጻር ኢሳያስ ከም ዝጭርሑ ኣይርድኣንን። መንፈሳዊ ኣቦኦም’ዶ ኣይኮነን!? ዕላምኦም ብሩህ እዩ ሰብ ብሰብ፡ ዲክታቶር ብዲክታቶር ንምትካእ ድኣ’ምበር ንኵሉ ዝጠቅም ለውጢ-ስርዓት ንምትካል ኣይኮነን። እዚ ከኣ ሕልሚ ደርሆ እዩ።

እቶም ወሸለ ንዝምነይዎን ንዝድግፍዎን ሓሳባት እንተጸሓፍኩ ‘ኣዮኻ ናይና’ ኢሎም ሰማይ ዝሰቕሉንን፣ ንሳቶም ዝጻረርዎ ሓሳባት እንተኣቕረብኩ ከኣ ናብ ዘንቢል ጉሓፍ እህወደግ ዝድርብዩንን፣ ብዘይካ ናይ ገዛእ ርእሰይ ሓሳባት ኣገልጋሊ ናይ ዝኾነ ስነ ሓሳብ፡ ውድብ፡ ኣውራጃ መሳርሒ ከምዘይምዃነይ ከረድኦም እፈቱ። ብሰንኪ ጉድለት መልክዓዊ ኣቀራርባ ጽሑፈይ ሕርሕራይ ተጀሊጠ። እታ ዝመረረት ሓለንጊ ድማ እታ ንዓይ ኣብ ጎኒ እህወደግ ምስርዖም እያ።  ዝኾነ ቃላዊ ሽበራ ድማ፡ ንመጻኢ፡ ከም’ቲ ወርትግ፡ ተዅተዅቲ ኣርእስታት ኣልዒለ ብተዅታዅን፡ ተዋዛዪን፡ ኣላጋጽን  መልክዓት ካብ ምቕራብ ኣይክዕገትን እዬ። እዚ ‘ኣነ’ እዩ። ብዘይካ’ዚ ከኣ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። ጀለጥቲ ከኣ ኩርማጅኩም እንዳኣወጣወጥኩም ተጸበዩ።

ንመዛዘሚ፣

  1. ብጹዓትን ክቡራትን  ኣርባዕተ ኣቡናት፣ ካብ ጉጉይ ተገንዝቦ መልእኽትኹም ተበጊሰ ምስ ብቐጥታ ዘየልዓልኩሞ ቴማ ኣሲረ ንጭርሖኹምን ሸቶኡን ዓንቂፈ እኸውን እኽእል እዬ እሞ ካብ ልበይ ዝነቐለ እቕረታ እሓትት። ኣብ’ቲ ኣበጊስኩሞ ዘለኹም ቃልሲ ከኣ ሃየ በርትዑ።
  2. ነቶም ንጽሑፈይ ኣንቢብኩም  ቅጥዕን መልእኽትን ዝሰኣንኩምሉ ከኣ ወርቃዊ ጊዜኹም ንከንቱ ስለዘባኸንኩ እቕረታ እሓትት።
  3. ነፍሰይ’ውን፡ ብምኽንያት ጉድለተይ ኣብ ኣዝየ ዘይፈትዎ ዘይምቹእ ኵነት ስለዘቐመጥኩኺ እቕረታ እሓተኪ። ንኣባላት እህወደግ ድማ እቲ ጽሑፍ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ንስርዓቶም ንምድጋፍ ከምዘይተጻሕፈ ከፍልጦም እፈቱ።

የቐንየለይ።

ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ

27.07.2014

ጀርመን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
35 COMMENTS
  • Sami July 29, 2014

    Dear Daniel,
    Now you did a good job. great reflection dear brother! i was so perplexed indeed by your aricle.how can someone donot see the act these couregeous eritrean bishops and meshed up the entity of the message with other things and come up with boring statistics that has nothing to do with the topic, that kills the momentum of the train.
    Anyway everybody makes a mistake. we are human beings after all.
    I finally thank you for the later article.

  • haquido knzareb July 29, 2014

    Dear daniel Semere, I have read your two articls today and some comments you got on your first text. I was not surprised why some readers were so harsh on you , that is typical eritrean character. We are very quick to judge but very slow to comprehend.by the way i have read your second book “Debdabetat shetan” hahaha !!! I found many ideas and words you used in your book repeated in your article.of course that is natural but your mistake as you have admitted is your mixing up of the internal crisis in the catholic
    church with the the message of our four papsts.
    BY THE WAY THE CATHOLIC CHURCH IN ERITREA WERE NOT LATE IN CRITICISING THE DICTATOR AS COMPARED TO THE OBSOLETE ORTHODOX CHURCH AND THE OPOTRTUNIST PROTESTANT CHURCH. IN THE EARLY 90TH. IT WAS THE CATOLIC CHURCH OF SITAWYAN/ IN VILLAGIO PARADISO^/ WHO WERE REGULARLY WRITING ABOUT THE UNDIMOCRATIC NATURE of THE GVNT. IN THEIR MEGAZIN “BERHAN” they were worning the people , or at least their followers about the worst days to come but no one got heed of them.As compared to their critics of that timethe message “Hawuka abey alo ” is not hard.

  • Selamawi' July 29, 2014

    ዝኸበርካ ኣቶ ዳንኤል፥
    ተጋግየ ገዲፍካስ ለበይ ኣጥፊእኩምለይ፧ ካብኡ ሓሊፍካ ከኣስ “ነዚ ከም ኮነ ኢሉ ዝተገብረ ጌጋ እዩ ኢልካ ትሓስብ እንተኴይንካ ምስ ኣእምሮኻ ተራገም።” ዝብል ምስ ኣንበብኩ፥ ጉዳም ኮይኑ ረኺበዮ።

    እቲ እትጽሕፎ ዘሎኻ ጽሑፍ ሰባት መስ ኣንበቡዎ፥ ኣብ ሓንጎሎም እዩ ዝተርፍ። ተመሊሶም ነቲ ንስኻ “እህወደግ ዝበልኩዎስ ብጌጋ ሕግድፍ ዝብል ኣፍዩ” ክትብል ከለኻ ነቲ መኣረምታኻ ዜንብቦ ሰብ ውሑድ ከምዝኾነ እኣምንየ።

    ንስኻ ዝፈጸምካዮ ጌጋ ክንዲ ዘዘከርኩኻስ፥ መሊስካ ድማ፥ ኮነ ኢልካ ዝገበርካዮ መደናገሪ ከይከውን ኢለ እንተ ጠርጢረስ፥ ምስ ኣእሙሮይ ክራገም ፈሪድካኒ። ብሓቂ ጉዳምን ደረቐኛን ኴንካ ተስሚዕካኒ። ምስ ኣቡናት ክትላኸፍ ቀኒኻ፥ ይቕሬታ እንዳ ሓተትካስ፥ ንዓይ ከኣ ምስ ኣእሙሮይ ክጋራጮን ክራገምን ኢልካኒ። ብሓቂ ሕማቕ ፈሪድካ።

    እቲ እትጽሕፎ ጽሑፍ፥ ሕግታት ሥነ ጽሑፍ ክኽተል ግቡእ ኢዩ። ንሕና ከኣ ነቲ ዝተጻሕፈ ኣንቢብና ርእይቶናን ፍርድናን ንህብ። ኣብ ጽሑፍካ ጌጋ እንተ ተረኺቡ፥ ኣእሙሮኻ ደኣሉ ክሕተተሉ ዘለዎ እምበር፥ ኣእሙሮይ ኣብ ዘይናቱ ሓላፍነት ክስከም ኣይግባእንዩ። ክትዕምጽ እንተ ዘይደሊኻ። እህወደግ ምስ ሕግደፍ ኣደናጊረዮ ክትብል ከለኻ፥ ኣዝዩ ዓቢ ጌጋ ኢዩ።

    ለቡ፥ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ሥርዓት፥ ህግደፍ ይበሃል እምበር እህግደፍ ኣይበሃልንዩ።

    ንድሕሪ ሕጂ ግን፥ ክትጽሕፍ ከለኻ፥ ኣይትተሃወኽ፥ ረጊእካ ጽሃፎ፥ ደጊምካ ኣንብብቦ፥ ዝእረም ኣሪምካ ናብ ማሕተም ስደዶ።

    እንተ ኽኢለ ክልቲኤን ጽሑፋትካ ኣንቢበ፥ በታ ንእሽቶ ዓቕመይ ርእይቶይ ክህበካ ክፍትንየ።

    ልዑል ፈጣሪ ካብ ሕማቕ ጎረቤትን ካብ እሾዅ ምድርቤትን ይኸውለና፥ ካብ ዳግማይ መሾምበባ የድሕነና። ኣሜና።

  • Selamawi' July 29, 2014

    Hello Ato Daniel again, here is one quote from your latest piece:
    እቶም ነቲ ጽሑፍ ከም ጉሓፍ ዝገለጽዎ ሓደን ሓደን ደሚሮም ክልተ ክሰርሑ ዘይክእሉ፣ ብገዛእ ተበግሶኦም ሓንቲ’ኳ ክገብሩን ክብሉን ዓቕሚ ዘይብሎም ብድሑር ስምዒታት ዝምርሑ ናይ ባዕሎም ጉሓፋት እዮም። ካብ ጉሓፋት ንዝስንዘረኒ ጉሓፍ ድማ ናብ ጉሓፍ እዬ ዝድርብዮ። ሓደ፡ ብዙሕ ካብ ሓይሉን ጊዜኡን መዊሉ ንዝጸሓፎ ሓሳብ ብሓንቲ ዓማጺት ቃል ከፍርሱ ዝፍትኑ ከም ኵሉ ዓማጺ ዓመጽቲ እዮም። ዕላምኦም ከኣ ንጸሓፊ ናብ ውልቃዊ ኣገልጋሊኦም ንምግዳድ እዩ።

    I think you have mistakenly strong feelings and you are lashing right center left. As I said I will read both in more detail, and give my sincere views on both of your pieces.

    At the moment I am asking myself if you have a level of arrogance and exaggerated perception of yourself.

    Peace to you

  • Tesfai July 29, 2014

    Dear readers we know that the Eritrean
    bishops are strong in criticizing the
    governments not only the HGDFs bou also
    the derg government.
    Bishop Abraha Fransioa to the derg confronts them.
    In 2001
    Bishops 1.Zekarias Yohanes
    2.Tesfamariam Bedho
    3.Lukas Mileze
    And now
    Bishops 1.Mengsteab
    2.Tomas
    3.Kidane
    4.Habtemariam
    God bless them

    Tesfai

  • Fisehaye July 30, 2014

    As you said that if the orthodoc church
    of Eritrea was better why fellowers become like boxing stage every sunday
    inside churches instade of praying does
    it gives sence?

  • john July 30, 2014

    Wey Gud Lebam Kefwo Asha Ke Timo Alo ! Zbahal Eyu Negeratkum. Eway Eritrawi Kan Ab Mongo Ketalin Amaxen Sraet N Ab Mongo Deleyti Fthi Bahalti Nay Internet Medertiiii Tenteltelka Trefka, Z germ Eyu
    ” Sewatna Nezzi Zelekayo Enka Ayrewo”

  • Eritrawi July 30, 2014

    Ato Daniel,
    You are not only responsible for your words. You are 100% responsible for your thoughts. For the future, you have to think deeply about your thoughts. We live and learn. You are not alone.
    Thanks, for your honesty.

  • sultun hizbi July 31, 2014

    Yikre zihatete gieguu teterediwo yikre mibal. Giegeom silezey’erimu endina dictator nitselie zelona? Hiji kea blibu dea yikun ember yikre nibel. Widket ni’amatsi!!

  • See Light July 31, 2014

    Semere Tesfay
    The only thing I have to say to you Big time you lost it. “It is a terible thing to west tour brain”.
    See Light