Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዛዕባ “ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን”

ማሕሙድ ሳልሕ “ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን” ዝብል ተኸታታሊ ጽሑፍ ኣብ መንጎ ኣርኪበሉ። መበል 12 ክፋል በጺሑ ገና ‘ውን ዝቅጽል ‘ዩ ዝመስል። ንብጻይ ታደሰ እፈልጦ እየ። ገዲም ተጋዳላይ ምዃኑ ድሮ ፈሊጥክም ኣለኹ። ፍርቂ ኣካሉ ንሃገሩ ዘወፈየ ምዃኑ ምጥቃስ

ማሕሙድ ሳልሕ

“ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን” ዝብል ተኸታታሊ ጽሑፍ ኣብ መንጎ ኣርኪበሉ። መበል 12 ክፋል በጺሑ ገና ‘ውን ዝቅጽል ‘ዩ ዝመስል። ንብጻይ ታደሰ እፈልጦ እየ። ገዲም ተጋዳላይ ምዃኑ ድሮ ፈሊጥክም ኣለኹ። ፍርቂ ኣካሉ ንሃገሩ ዘወፈየ ምዃኑ ምጥቃስ እውን ሓጋዚ ይኸውን መስለኒ። ተ/ታደሰ ኣብ ህ.ግ. ኣውራጃዊ ፖለቲካ ከምዝነበረ ውልቃዊ ትዕዝብቱ እና ተወከሰ ከካፍለና ጸኒሑ። ኣብቲ ዝጽሕፎ ዘሎ ትዕዝብትታቱ ሕጽረታት ይረኣየኒ ስለዘሎ፡ ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ክጽሕፍ እግደድ ኣለኹ። ዕላማይ፡ ነንባባይን ጸሓፋይን ሓጋዚ ሓሳብ ይኸውን ካብ ዝብል ድሌት ዝነቐለ እዩ።

ብጻይ ታደሰ ክልተ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ይፍትን ኣሎ።

ሀ- ኣብ ህ.ግ. ኣውራጃዊ ፖለቲካ ነይሩ

ለ- እዚ ኣውራጃዊ ፖለቲካ እዚ በሰላታት ሓዲጉ ( በሰላታቱ ገና ከምዘሎ እዩ ዘስምዕ)

ሕጽረታት ናይዚ ሓሳብ

ብመጀመርታ ቅድሚ ሕጽረታት ብጻይ ታደሰ ምጥቃስ ሕጽረታተይ ክሕብር እፈቱ፤ ምኽንያቱ ነቲ ከለልዮ ዝኽእል ሕጽረታተይ ተረዲእካ/ኪ ምንባብ ሓጋዚ ‘ዩ እብል። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝዓበኹ ብምዃነይ ቅሩብ ናይ ይብጸሓኒ ስምዒት ክህልወኒ ይኽእል ( ኣብዚኣ ምስ ታደሰ ሓደ ኢና)። እታ ካልኣይቲ፡ ንኣንባቢ ክሕግዝ ዝኽእል ክረአ ወይ ክድህሰስ ዝኽእል ከም ኣሃዛት ዘመሰለ ሓበሬታ(data) የብለይን። ስለ’ዚ  መንጪ ጽሑፈይ ኣብ ኣቀራርባ ታደሰን ናተይ ትዕዝብትን ዝተመርኮሰ እዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ ከም መልሲ ናይቲ ታደሰ ከስምረሉ ዝደሊ ዘሎ ማእከላዊ ሓሳብ ከምዘይኮነ ክፍለጠለይ እደሊ።  ኣውራጃዊ ፖለቲካ ነይሩ ወይ ኣይነበረን ንምባል ዘኽእል ሓበሬታ የብለይን። ከም ኣንባባይ ጽሑፉ መጠን ግን፡ “እዚ እንተዝማላእስ ጽሑፉ ንዘንብቡ ሚዛናዊ መረዳእታ ምረኸቡ” ከም ማለት ክውሰደለይ እደሊ። በዚ ኣጋጣሚ ንታደሰ፡ ስለ እቲ ልስሉስን ወሓዝን ትረከኡ ከድንቖ እፈቱ።

ታደሰ፡ ኣብ ህ.ግ. ኣውራጃዊ ፖለቲካ ነይሩ ንምባል ኣብ በራጊድ 51ን 58ን ክ/ትምህርትን ዝነበረ ኣወዛዝዓ ሓላፍነት ጠቒሱ ኣሎ። እቲ በሰላታት ናይቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ “ኣውራጃዊ ፖለቲካ” ድሕሪ ናጽነት እውን ከም ዝቐጸለ ንምርኣይ ኣብ ሚ/ትምህርትን ምክልኻልን ዝተገብረ ኣወሃህባ ሓላፍነታትን ወተሃደራዊ መዓርግን ከም ኣብነት ኣቐሚጡ ኣሎ። ኣብዚ፡ ብዘይካ ምእራም ብሄር ሮመዳን ኣውልያይ፡ ብወገነይ ኣብ ኣስማትን ቁጽርን ናይቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ ሰባት ዝብሎ የብለይን። ኣውልያይ ወዲ ብሄረ ትግረ እዩ መስለኒ። ብዝኾነ፡ ሕጽረት ትረካ ታደሰ፡ ናይቲ ዘቕርቦ ቁጽሪ ዘይኮነስ እቲ ቁጽሪ ንባዕሉ ብከመይ ከምዝመጸ ከርኢ ዘይምኽኣሉ እዩ። ታደሰ ነዘን ዝስዕባ ሰለስተ ነጥብታት ኣብ ግምት ብምእታው መደምደምታታቱ ቅሩብ ዲሲፕሊን እንተዝህልዎ ጽቡቕ ምኾነ።

1-      መደምደምታታትካ ካብቲ ኣብተን ሰለስተ ኣሃዱታት ዝረኣካዮ ኣመዳድባ ሓለፍቲ ዝብገስን ኣብኡ ዝምርኮስን ስለዝኾነ፡ እቲ መደምደምታታት ሓቂ ክኸውን እንተኮይኑ፡ እተን ሰለስተ ኣሃዱታት፡ ማለት ብ51ን 58ን ክ/ትምህርትን ብልክዕ ንኣቃውማ ናይ ኩለን ኣሃዱታት ናይቲ ውድብ ይውክላ ከምዝነበራ ንኣንባባይ ክተረጋግጽ ኣሎካ። እዚ ባውራጃን ሃይማኖትን ጥራይ ዘይኮነ ብግድምና እውን ማለት እዩ። ኣብቲ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዝነበርካሉ ግዜ  ኣስታት 10 ብራጊድን ዳርጋ መንግስታዊ ቅርጺ ዝሓዘ ብዙሕ ክፍልታትን ነይሩ። ስለ’ዚ፡ እቲ ኣብተን ዝጠቐስካየን ኣሃዱታት ዝነበረ ኣቃውማ ሓለፍቲ ንኩለን እተን ብርጌዳትን ክፍልታትን ዝውክል ከምዝነበረ እንተዘየነጸርካ ከመይ ጌርካ ኢኻ ዓማሚ ሓሳባት ክትስንዝር ትኽእል?

2-     እንተደኣ ንሳተን ንኩሉ ውድብ ዝውክል ኣቃውማ ነይሮመን ኮይነን፡ ካብቶም ዝተሸሙ ንላዕሊ ብቅዓት ዝነበሮም እሞ ብሰንኪ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ዝተረፉ ወይ ዝተሃሰዩ ሰባት ክተቕርብ ኣሎካ።

3-     እዚ ንምግባር ድማ ቅጥዒ ኣወዛዝዓን ኣሽያይማን ናይቲ ግዜ እንታይ ከምዝነበረ ክተርኢ ኣሎካ። ኣብ ህ.ግ. እታ ሓንቲ ዝዝክራ “ከም ኣድላይነት” ትብል እያ ነይራ። ስለ’ዚ፡ በጋጣሚ ዝበዝሑ ሓካይም ካብ ሓደ ከባቢ ዝመጽኡ እንተነይሮም ንምንታይ ኣብ ክ/ሕ ጽዒቖም ክንብል ንኽእል ‘ዶ? ወይ ብገለ ተክኒካዊ ብቕዓታት ሓንቲ ኣውራጃ ኣብ ሓደ ክፍሊ ጽዕቕ ዝበለ ውክልና ሓለፍቲ እንተነይሮማ፡ ኣውራጃዊ ምኽንያት ነይርዎ ክንብል ንኽእል ዲና? ስለ’ዚ ነዚ ማእከላይ ሓሳብ ጌርካ ተሰላስሎ ዘለኻ ኣብ ግምት ክኣቱ እንተኾይኑ፡ብውሑዱ ኣብተን ዝነበርካየን ኣሃዱታት ነቶም ትብሎም ዘለኻ ሓለፍቲ ዝወዳደሩ ዝነበሩ እሞ ብሰንኪ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ዝተረፉ ሰባት ከምዝነበሩ ክትሕብር ኣሎካ።

ጸገም ታደሰ፡ ብትዕዝብቲ ጀሚሩ ኣብ ትዝብቲ ዘይምሕጻሩ እዩ። ነቲ ውሱን ትዕዝብቱ ናብ ሓፈሻዊ ትርጉምን ፍርድን ይመጦ ኣሎ። ንኣብነት፡ ካብ ዓስርተ ኣጣል እተን ሽዱሽ ጸዓዱ እየን ምባልትዕዝብቲ እዩ። እተን ሽዱሽተ ኣጣል ጸዓዱ ስለዝኾና እየን ህጣራታት ኮይነን እንተኢልካ ግን ናብ መደምደምታን ፍርድን ኢኻ ትኸይድ ዘለኻ። ናብዚ መደምደምታ ክትበጽሕ ካልእ ኩሉ ከህጥረን ዝኽእል ተኽእሎታት ፈሊኻ ክትውግን ኣሎካ። ብተመሳሳሊ ክንድዚኦም ሓለፍቲ ካብዚ ከባቢ ነይሮም ምባልን እቶም ሰባት ደቂ  እቲ ውሱን ከባቢ ብምዃኖም ሓለፋ ብሻርነት ረኺቦም ምባልን በበይኑ እዩ። እቶም ሰባት ሽመቶም ብወገነይ-ወገንካ ከምዝረኸብዎ ክተረጋግጽ እንተኾይኑ፡ እንተወሓደ እተን ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዘለዋ ነጥብታት ክምለሳ ኣለወን።

ብካልእ ወገን ዴሞግራፍያዊ ኣቃውማ  ህዝቢ ናይቲ ህዝባዊ ሓይልታት ዝዓበየሉ ከባቢ ምንጻር ነንባቢ ሓጋዚ ምኾነ። ህ.ሓ. ኣብ ሰምሃርን ከባቢ ካርነሽምን እዩ ዓብዩ። ደሓር ኣብ ሳሕል ሰሪቱ። ዝበዝሐ ቁጽሪ ቀዳሞት ተጋደልቱ ከብዚ ከባቢ ክኽውን እትጽበዮ ነገር እንተኾይኑ፡ ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቱ ‘ውን ከብዚ ውሱን ቦታታት  ክነብሩ ከም ከምዝኽእሉ ዘካትዕ ኣይከውንን ‘ዩ። ትዕዝብቲ ታደሰ ንጂኦግራፍያዊ ውሱንነት ናይቲ ህዝባዊ ሓይልታት ዝዓበየሉ ከባቢ እዩ ዘንጸባርቕ ‘ምበር እቶም ሓለፍቲ ብኣውራጃዊ ፖለቲካ ስልጣን ከምዝተዋህቦም ዘርኢ ጭብጢ የብሉን። ህ.ሓ. ኣብ ቆላታት ሰራየ ተሓጺሩ ዓብዩ ነይሩ እንተዝኸውን ተመሳሳሊ ግድል መጓነፎ። ጻዕቒ ሓለፍቲ ደቂ ሰራየ ምሃለዎ። ካብቲ ታደሰ ኣተኲሩሉ ዘሎ ክርስታያናዊ ህዝቢ ከይወጻእና ንኣብነት፡ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ብብዝሒ ተወላዶ ሰራየን ዓንሰባን እንኮላይ ሰንሒት ነይሩ ይበሃል። ናይ ጀኦግራፍ ረቋሒ ኢለ እየ ዝሓልፎ። ተመክሮይ እንተደኣ ክኣምን ክኢለ፡ ህ.ግ. ብካልኩሌሽን ኣሃዱ ኣከለ ክንድዚ ድቂ ሰራየ ኣለዋ ‘ሞ ክንድዚ ደቂ ሰምሃር ንወስኸላ … ዝበሃል ዝነበሮ ኣይመስለንን። ግን ኣብ ቦታ ቁጽጽር ሰብኣዊ ዓቕሚ ከምዘይነበርኩ ክሕብር እፈቱ። እቲ ጸገም ምብዛሕ ሓለፍቲ ካብ ውሱን ከባቢ ኣይኮነን። እቲ ጸገም፡ እዞም ሓለፍቲ እዚኦም ንሓላፍነቶም ተጠቒሞም ነቲ ወገነይ ዝብልዎ ከባቢ ምስ ዘሻርዉ እዩ።

ኣብ ሰውራ ኤርትራ ርኡይ ደሞግራፍያዊ መቐይሮታት ዝነበርወን መድረኻት ነይረን እየን። ኣብ መጀመርያ ሱሳታት ተ.ሓ.ኤ. ብደቂ ባርካ ተዓብሊሉ ከምዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ኣበይ ድዩ እቲ ሰውራ ተጀሚሩ? ኣብ 1970፡ ደቂ ከበሳን ቀይሕ ባሕርን ማርያን ዝበዝሕዎም ተጋደልቲ ንመሪሕነት ተሓ.ኤ. በውራጅነት ከሲሶም ተፈንጪሎም። ገሊኦም ግን ተጸሚሞም ነቲ ውድብ ከዕርዩ መሪጾም። ኣብ 1972፡ ኣቦ ወንበር ተ.ሓ.ኤ. ክኸውን ዝተመርጸ ወዲከበሳ (ክርስትያን) እዩ ነይሩ። ኣብ ሰብዓታትን ኣብ መጀመርያ ሰማንያታት ተ.ሓ.ኤ. ደቂ ከበሳ በዚሖሞ ከምዝነበሩ እውን ይፍለጥ። እዚ ዘርእዮ እንተሎ፡ ህዝብና ፕሮፓጋንዳ ክልቲኡ ውድባት ዝምክት ኣእምሮ ከምዝነበሮ እዩ። ደቁ ብኣውራጃን ሃይማኖትን ዘይኮነስ ነናብ ዝቀረበቶም ውድብ ይስለፉ ምንባሮም ‘ዩ። ብኡ መጠን ኣብ ሓደ ውድብ ደቂ ሓደ ኣውራጃ በዚሖም ክረኣዩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ክስለፍ ከለኹ መጠን ብዝሒ ደቂ ከበሳን መታሕትን ተመጣጣናይ ነይሩ። ደቂ መታሕት ብብዝሒ ምስ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ክፍለዩ ከለዉ ደቂ ከበሳ ብብዝሒ ናብ ህ.ግ. ይስለፉ ነይሮም። ስለ’ዚ ኣብዚ ንስኻ ትትርኸሉ ዘለኻ ግዜ ህ.ግ. ብደቂ ከበሳ ተዓብሊሉ ነይሩ። ምኽንያት ናይዚ፡ መሪሕነት ህ.ግ. ወይ መስመር ህ.ግ. ኣበር ስለዝነበሮ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣብ ህ.ግ. ቁጽሪ ኣስላምን ክርስትያንን ሓለፍቲ ማዕረ ከምዘይነበረ እናፈለጥኩ ሓደ መዓልቲ ሕማቕ ከይተሰመዓኒ ተጋዲለ። ወደሓንካ ታደሰ።

ሓውኻን ብጻይካን

ማሕሙድ ሳልሕ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
85 COMMENTS
  • zerai teklay December 5, 2013

    Bravo Salih

  • abab December 5, 2013

    ASSENNA.
    Ezi bzuh ztshaf tarikat ab naeshtu welodo khalf tsbuk eyu. Hji zelena weledo bnay kedem azyu senaf akayda kem ztehasena nfelt ena. Gn abzi hji ewan meneseyat bzaeba hluf tarik kenenbb malet nay hji mengedna ngueni gedifna nay kedem knfelt gzie netfe alena. Hji kulu delayi lewti srhu enda serehe zelato gzie bzaeba hluw kunetat zienan metsaei medebatn entay kngebr kem zelena zhgz memrhitatn zyada nrekbo gzie kea mrkabn mrddaen medebat mhntsatsn yedlyena ember nztsehafu kenenbb nznekefu kea temelisna kenenbb nana nmeneseyat bzuh hagazi aymeslenn. Kemti zdelekayo gazeta tgezo zeydelekayo kea tgedfo metan kkewn bmelke metshaf hasabatom entezzrghu eti fenewe asena entezgedfulna tsbuk nieru.

  • habtu December 5, 2013

    Yes this is the historical prosse of eritrean people. Tades is duhur seb eyu entay eyu ke adlaynetu bizaeba awrajawi kuzema abzi ewan ezi ni degafin tekawamin zikone hizbi eritrea yerbeho diyu? Lomi biziaba awrajawinet hateftef mibal.

    Thanks salih

  • mart December 5, 2013

    I strongly agree with Mahmud Salah point on these two facts: First of all, Tadesse is so biased in his conclusions. In statistics, sampling bias is a bias in which a sample is collected in such a way that some members of the intended population are less likely to be included than others. I know you don’t have complete data so you can’t generalize by specifying only these few occasions like Brigade 51, 58. He committed fallacy since draws a conclusion based on an example that is biased or prejudiced.
    Besides, I think it is advisable to see mater on broad view or globally rather than seeing things barely. Tadesse is not considering any demographic factors, which is the creation and growth of EPLF.

  • Resom December 5, 2013

    I doubt very much if you are truly represent one you are saying. Unless you are softly trying to achieve your objective denying the truth as possibly messenger of higdef, history books are available and it is the exact reflection of the bereka that we are witnessing today.

    I can list to you a number of trade companies in Asmara that they are full of one dominant awraga and this is what the very hidgef chifra is using to divide and rule.

  • msgna December 5, 2013

    salh tsubuk eu eti zbelkayo bnutsuh libi serihomulu entezkonu nerom etom ab sltan zelewu deki hamasien bsenkom eya hager msla tedewinu hager bhageru hazen bhazen tkewn zela abzi werar weyane znebere ewn kulom betesebom yehwatomn kab dfat nab dhrit nab haylibahri eyom zhabuwom zneberu

  • tesfay tekle December 5, 2013

    Mahmood Saleh !! How much u r paid by HIGDEF to put your invalid argument ???? Why dont u try to degive a correct analysis instead of putting a contradictory judgement ?? DO u still deny the intentional death and destruction of the people of Akeleguzay under the disguise of ..wegenawyan ??? Shame on u !!! wedi SharmuTa !!

    • mahmud saleh December 5, 2013

      ሓው ተስፋይ,
      እመን ኣይትእመን ህግድፍ $0.00 እዩ ዝኸፍለኒ። ቛንቛ ከኣ ቅሩብ ኣጸብቕ። ብኣደኻ እንተትጽረፍ ደስ ምበለካ ‘ዶ? እንታይ ዝገበረት ኣደይ ቅድሚ 34 ዓመታት ዝዓረፈት!

      • MightyEmbasoyra December 5, 2013

        Ato Mahmud,
        I thank you for your respectful answers. I am sure Tesafy has felt it.

      • belay nega December 6, 2013

        MAHMUD

        “ብኣደኻ እንተትጽረፍ ደስ ምበለካ ‘ዶ? እንታይ ዝገበረት ኣደይ ቅድሚ 34 ዓመታት ዝዓረፈት!”

        አይትሓዘሉ ወዲ ሸርሙጣ እንዳተበሃለ ዝዓበየ ወዲ ሸርሙጣ ክብል ስለ ዝህወኸ እዩ::

    • MightyEmbasoyra December 5, 2013

      Tesay,
      I can understand for the emotions but you need to challenge the idea not the person, specially when it is respectful person like Ato Mahmud. Let’s avoid dirty words.
      My two cents.

    • mart December 5, 2013

      TESFAY TEKLE,

      rieka MAHUD SALEH kisab kindey wurzuy ertirawi mukanu bituem zereba tiray ketilka himak tsiyaf zereba intaway mukanka mezinuka RIHAB yedlyeka alo mis kulom KOZEMTI chifraka izi wedehanka inteterdika ayredeakan dea iyu imberey.

  • mart December 5, 2013

    Tesfay Tekle, nimitay binatika tiray tiriyo zeleka kab kalie awraja ke ayteketlun diyom hiji intekone wun kab kulu awraja aslamay kirstanay indyom tefom teasirom zelewu beal HAILE DURUE tiray akonun teasiraom zelewu you narrow minded silezikonika gin ayiredakan iyu . FELITU ZIDEKESESI NEKNIKAYO NEYTISIEN kemzibehal wegenka tiray iyu zireayeka tarik anbib Isayas kindey hizbi iyu ahliku nisika kemay natu victim ika ab sidet sirah sienka kenfezew tibil aleka himak zereba yezaribeka alo.

  • Sorobeti December 5, 2013

    Mahmud
    Please answer for me this question, in independent Eritrea, is a military officer of any rank from Karnishm or Hamaseien equal to his counterpart from any other region?

  • Bereqe Tesfay December 5, 2013

    ክቡር ተጋዳላይ ማሕሙድ ሳልሕ በቲ ክብሪ ሰብ ዝሓለውን ጥንቁቕ ኣጸሓሕፋኻን ከመስግነካ ይፈቱ። ንታደሰ ኪዳነ ካብ መሰረት ብጻይነት ተበጊስካ ፡ ፍልጠትኩም ኣብ ግምት ብምእታው ብዘይ ሓይሊ ቓል ፣ ንሓንጎል ዘለዎ ሰብ ክርድኦ ብዝኽእል ቋንቋ ጌግኡን ኣውራጃዊ ሕማሙን ክተረድኦ ብምፍታንካ ከይነኣድኩኻ ክሓልፍ ኣይደልን። ታደሰ ኪዳነ እንታይ ከምጽእ ኢሉ እዚ ጽሑፍ ይጽሕፍ ከምዘሎ ህዝቢ ይከታተሎ ስለ ዘሎ ኣነ ኣብዚ ብዙሕ ክዛረብ ኣይደልን ፥ የግዳስ እቲ ናትካ ኣገላልጻ ኣሽንኳይ’ዶ ነቶም ኣብ ህ.ሓ ኮነ ኣብ ህ.ግ ዝተጋደሉ ይትረፍስ ንዓና ንበርገሳውያን’ውን ንጹር እዩ። እዚ ሕማም ናይ በዓል ታደሰ ኣብ መጻኢት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ቦታ ከምዘይብሉ ፈሊጦም ካብ ሕጂ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ጠርኒፉ ብዲሞክራሲ ከቃልስ ዝኽእል ባይታ ክፈጥሩ እንተዝቃለሱ ምምካሮም ዝሓሸ ይመስለኒ። ታደሰ ኪዳነ ነዚ መበል 12 ክፋል በጺሑ ዘሎ ጽሑፉ ቅድሚ ምጅማሩ ካብ ዝነበርዎ ፈተውቲ ምስ መብዛሕቶም ካብ ምበኣሱ ንላዕሊ ሕጂ ድሕሪ ምጽሓፍ ምጅማሩ ኣጥሪዎም ዘሎ ዘይፈልጦም ጸላእቲ ከምዝበዝሑ ክርደኦ እንተዝኽእል ክሳብ ክንደይ ሕማሙ ከቢድ ምዃኑ ምተረደኦ ይመስለኒ ፤ እቲ ምንታይ’ሲ ኣብዚ እዋን እዚ ሕማማት ናይ በዓል ታደሰ ከሳሊ ዝደሊ ማንም ኤርትራዊ የለን። ናህና ጸገም ህግደፍን ርእሰ መላኺ መራሒኡን ፡ ቅዋም ዘይብላ ሃገርን ፡ ፍትሒ ዝሰኣነን ህዝቢ ድኣ’እምበር ኣብ ህዝባዊ ግንባር ኣውራጃዊ ኣሰራርሓ ከምዘይነበረ ዕውር ዝፈልጦ ርኡይ ምስጥር እዩ። እኳ ድኣ ንህዝባዊ ግንባር (ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ) ብዝያዳ ብህዝቢ ተቐባልነት ክትረክብ ዝገበራ ኣብ ክልቲኤን ዓበይቲ ሃይማኖትን ኣብ ትሸዓቲኤን ብሄራት ፍልልይ ብዘይምንባሩ እዩ። እዚ ሮቛሕታት እዚ ድማ ክሳዕ መዓልቲ ነጻነት ተሰሪሕሉን ንህ.ግ ድማ የዕዊትዋ እዩ። እዚ እንኳይ ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራ ጸላኢ’ውን ደም እንዳጠዓሞ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ከም በዓል ማሕሙድ ሳልሕ ዝበሉ ሓርበኛታት ንዘልኣለም ታሪኾም ክቡር እዩ። ንበዓል ታደሰ ግን ምሕረት የውርደልኩም።

    • Tes December 5, 2013

      Bereqe,

      What are you talking. Tedesse create many enemy because of his writing …? No no In the contrary he has more recognition than you think. I am sure he is more smarter than you think. You are advising him to stop or to shut up. You guys are master of deceit and are in look out any thing reveals truth about the so called history. No one in his right mind will hate him for sharing his experience.
      Viva Tedy keep up the good work and eventually the truth will prevail at the end.

    • ኣይበልናን'ዶ December 6, 2013

      ሕጊ ኢሳያስን ኣሰራርሃኡን ፡የማነ ጸጋምካ ዘሎ ተዓዚብካ ክትዛረብ የብልካን።ዘደንቕ ዘገርም እንተረኺብካ ክትሓትት የብልካን፡እንተረኺብካ ከኣ ግቡእካ ( ትእዛዝ ) ምስፈጸመካ’ዩ ( ኣዚ ማለት ድሕሪ መስዋእቲኻ’ምበር ብ ኣካል ከሎኻ ክትሃትት መሰል የብልክና )።እንተሃቲትካ ድሑር፡ትሕተ ሃገራዊ፡ኣውራጃዊ፡ስልጣን ዝተጸበካ ምሁር ተበላጺ ኢኻ።ኣብ ህግ ክትዛረብ የብልክና፡እቲ ዝበለጸ ከኣ ክትሰምዕ የብልካን።……ስለዚ እዚ ጽሑፍዚ ዝሕብሮን፡እቶም ነዚ ጽሑፍዚ ተቀቢሎም ዘቆናጅው፡እቲ ሕማቕ ኣሰራርሃ ቃልሲ ኣብ ሃንጎሎም ዝሰፈረ፡ገና ኅልናኦም ኣብቲ ናይ ቃልሲ ዘመን ዘየለዩ፡ነቲ ጽቡቕ መዳይ ቃልሲ ክሕዙ ዘይክእሉ’ዮም።

Post a Reply to marsa Cancel Reply