Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሸርሒታት ዝተጠርዩ ዝናን ኣምልኾትን ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ ክቕንጠጡ ጭካኔ ህግደፍ ዝፈጠሮ ራዕዲ ክውገድ ከይሰልከኻ ምጽዓር – ብ ገ. ወልደሚካኤል

ብሸርሒታት ዝተጠርዩ ዝናን ኣምልኾትን ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ ክቕንጠጡ ጭካኔ ህግደፍ ዝፈጠሮ ራዕዲ ክውገድ ከይሰልከኻ ምጽዓር   ብ ገ. ወልደሚካኤል   DICTATORS AND THEIR FOLLOWERS: A THEORY OF DICTATORSHIP By Dr. Gustav Bychowski – University of Warsaw   “There exists a particular interrelationship between

ብሸርሒታት ዝተጠርዩ ዝናን ኣምልኾትን ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ ክቕንጠጡ

ጭካኔ ህግደፍ ዝፈጠሮ ራዕዲ ክውገድ ከይሰልከኻ ምጽዓር

 

ብ ገ. ወልደሚካኤል

 

DICTATORS AND THEIR FOLLOWERS: A THEORY OF DICTATORSHIP

By Dr. Gustav Bychowski – University of Warsaw

 

“There exists a particular interrelationship between the dictator and his subjugated collectivity. The latter submits to the dictator not only because of fear but because it worhips him and sees in him an ideal. That image thus may replace former ideals and principles regulating people’s ideas, emotions and activity. They believe his promises and in their misery and anxiety rely on him uncritically.”

 

ዶር ጉስታቭ ባይኮውስኪ- ዋርሳው ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ‘ውልቀመለኽትን ስዓብቶምን ክልሰሓሳብ ምልካውነት ዘርእስቱ ጽሑፉ ብሓጺሩ፡ ኣብ መንጎ ወልቀ-መላኽን ስዓብቱን ፍሉይ ዝምድና ከምዘሎ እዩ ዝሕብር። ስዓብቲ ውልቀ-መላኺ ኣብ ትሕቲኡ ዝንብርከኹ ብፍርሃት ጥራይ ዘኮነ፡ ስለ ዘምልኹዎ’ውን እዩ ዝብል። ንሱ ንዖኦም ሓደ ዝኽተልዎ ‘ኣምር’ እዩ ዝኾኖም። እዚ ‘ኣምር’ እዚ ናይ ቅድም ዝኽተሉዎም ዝነበሩ ኣምራትን መትከላትን ክትክእ፣ ንሓሳባት ደቂ-ሰብ ፡ ስምዒታቶም፡ ንጥፈታቶም ከማሓድር/ክመርሕ ተኽእሎ ኣሎ። (ንሱ) ዝገብረሎም መብጽዓታት ይኣምኑ፡ ኣብ ግዜ ሽግሮምን ጭንቀቶምን ክኣ ካብ ጸበባ ከድሕኖም ወይ ከውጽኦም ብዘይ ውልውልን/ነቐፌታን ካብኡ ይጽበዩ።

 

ውልቀ-መለኽቲ ብሓፈሻ ናይ ባዕሎም ደራኺ ባህርያት ወይ ድፍኢት ናይ ስልጣን ምጭባጥ ሕልሚ ይሃልዎም እምበር፡ ብዘይ ናብኡ ዘምርሕ ምቹእ ኩነታትን፡ ጎስጓስ ደገፍቶምን፡ ኣብ ስልጣን ክድይቡ ተኽእሎ የብሎምን። ንኣብነት፡ ብዘይ ፍትሓዊ ምርጫ ኣብ ስልጣን ንዓመታት ተኾይጡ ዘሎ መራሒ ሃገርና፡ ኢሳይስ ኣፈወርቂ፡ እቲ ኣገባብ ብረታዊ ቃልሲ ሃገርና፡ ሓደ ምቹእ ኩነታት ፈጢሩሉ እዩ። ስለምንታይ ኩሎም ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ መሳርሕቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድባዊን ወታሃደራዊን ግንባራት ስርሒታት ተዋፊሮም ኲናት ክመርሑን ከወሃህዱን ላዕልን ታሕትን ክብሉ ከለዉ፣ ሸርሐኛ ኢሳያስ ኣብ ትሕቲ ብዓቲ ውይ ትሕቲ ጽላል ኦም ንበይኑ ኣራጢጡ ኮፍ ኢሉ ምምርሒ ከውጽእን ክውስንን ዕድል ረኺቡ። ካብዚ ሓሊፉ ድማ፡ ብሕታዊ ስልጣኑ ንምድልዳል ፈላላዪ ሜላታትን ስልትታን ክጥጅእን ክኣልምን ምቹእ ግዜን ዕድልን ፈጢርሉ እዩ። እቲ ካልእ ምቹእ ኩነታት ግን ባዕሉ ዝኣጎዶን ዘናፍሶን ዘንበድብዶን ዝነበረ ብዋጋ ካልኦት፡ ዝንኡ ሰማይ ዘዕርግ፡ ንመሳርሕቲ ብጾቱ ድማ ዘቃልልን ዝድውንን ወረ ብምዝርጋሕ ዝፈጠሮ ምቹእ ሃዋሁው እዩ።

 

ኣብ መጀመሪያን መፋርቕን ሰማንያታት (80th) ኣባል ሓፋሽ ውድባት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ(ህግሓኤ) ከለኹ ዘጋጠሙኒ ክልተ ኣብነታት ክጠቅስ። 1) ሓደ ተጋዳልይ ህግሓኤ ነበር፡ ኣብቲ ሓፋሽ ወድብ ምሳና ኣባል ዝነበረ ክምዚ ክብል ኣዕሊሉና። ” ሓደ እዋን ኣብ ቤት ትምህርቲ ካድራት ከልና፡ ነቲ ዝምህረና ዝነበረ ሃይለ (ድሩዕ) ሓደ ከቢድ ሕቶ ሓቲትናዮ ክምልሶ ስለ ዘይክኣለ ተወጢሩ ከሎ ዝዕዘብ ዝነበረ፡ ብንሃደበት ዝተጽንበረና ድሕር ኢሉ ኣብ ሓደ ኩርናዕ ኮፍ ኢሉ ዝነብረ ወዲ ኣፈወርቂ (ኢሳያስ) ነቲ ሕቶ ትርትር፡ ትርትር ኣቢሉ መሊስዎ ሽዑ ንሕና ተገሪምና ኣታ ወዲ ፈወርቂ፡  ምልሲ ከለካ ድኣ ስልምታይ  ስቕ ኢልካ ክትርእየና ጸኒሕካ ኢልናዮ እዚ ዝና ኢሳያስ ሰማይ ምዕራግን፡ ንሃይለ ድሩዕ ምቅላልን ዝቐንዐ ንጹር መልእኽቲ እዩ።  ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ከዕልለና እዝክር። “ሓደ እዋን ሐደ ተጋዳላይ ብጻይ ንወዲ ኣፈወርቂ ትንባኾ’ንዶ ካብቲ ናትካ ሃበኒ ምስ ብሎ፣ ብጻይ ኢሳያስ ከምዚ ክብል መሊስሉ፡’ እቲ ሞቕንና ሓደ እኮ እዩ፡ ከማኻ እየ ትዓዲለ ፡ ኪድ ኣይህበካን እየ፡ ከተካውኖ ወይ ከተተኣኻኽሎ ነይሩካ” ብዘስምዕ መልሲ ዓጽዩዎ ኢሉና። እቲ ፍጻሜታት ሓቅነቱ ብዘየገድስ፡ እቲ ዘማሓላልፎ ኣገዳሲ ድርብ መልእኽቲ ግን፡ ኢሳያስ ተሪርር ርእሰዲሲፕሊን ከምዝነበሮን፡ ከም ተራ ተጋዳልይ፡ ብናይ ተራ ተጋዳላይ ሞቕንን ይነብር ከም ዝነበረን ንምሕባር እዩ። 2) ሓደ ካልእ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጸ ኣባል ሓፍሽ ውድብ ዝነበረ ብጻይ፡ ናብ ዓመታዊ ጉባኤ ውድብና ናብ ከተማ ስቱትጋርድ ጀርመን ብባቡር እንዳ ተጓዓዝና ከሎና ኣብ መንጎ ዕላና፡”ኣይግበሮ እምበር ፡እዚ ብጻይ ኢሳያስ እንተ ተሰዊኡ፡ ሰውርና ኣብ ሓደጋ ክወድቕ እዩ” ክብል ስክፍታኡን ሻቕሎቱን ገሊጹለይ። ብወገነይ ከምዚ ክብል እዝክሮ፡” ታሪኽ ብውልቀ-ሰብ ዘይኮነ ብህዝቢ ከም ዝስራሕ ኢና እኮ ተማሂርና። ስለዚ፡ ሓደ ኢሳያስ እንተ ተሰውአ፡ ማዕሪኡ ወይ ካብኡ ዝበልሑ፡ ካልኦት ኣሻሓት ሰውራ ከፍሪ ተኽእሎ ስለዘሎ ዘሻቕል የብልካን’፡ ኢለ ከጸናንዖ ፈቲነ ። ሕጂ ንድሓር ተመሊሰ ክሓስቦ ከለኹ፡ እዚ’ውን ካብቲ ቀዳማይ ዕላል ብዘይፍለ፡ ዝና ኢሳያስ ሰማይ ኣንዳዕረካ፡ ኣብቲ ውድብ ህግሓኤ ሓደ ካልእ ብቑዕ ክመርሕ ዝኽእል ከምዘይነበረ ዝእምት ፕሮፓጋንዳ ኮይኑ እርኣየኒ። እዚኣቶም ኩሎም ምስቲ ኢሳይስ ብበግዚኡ ዘካይዶ ዝነበረ ጽዑቕ ጎስጓሳት፡ ‘መሳርሕቲ ስኢነ፡ ብልሹዋት መራሕትኹም’፡ እንዳበለ ከምኡ ድማ ኣብ ወግዓዊ ጉባኤታት ኣብ ዓመታዊ ጸብጻባቱ ዘዋርዶምን ዝቐልጦም ዝነበረ ተፈላልዮም ክርአዩ ዘይብሉም ፍጻሜታት እዮም። ስለምንታይ ካብ ብጊሓቱ፡ ኩሉ መደባት ኢሳያስ ብዋጋ ካልኦት መሳርሕቱ ስሙን ዝንኡን ንምዕባይ እዩ ዝነበረ። እዚ ብሓሶት ዝረኸቦ ዝና እዩ ድማ ካብ እምነት ደገፍቱ ፈጺሙ ክንቀል ዘለዎ።

 

ደገፍቲ ፕረሲደንት ኢሳያስ ሓደ ኣጸቢቖም ክርድዎ ዘለዎም ጠባዩ ወይ ባህሪኡ ኣሎ፡ ኢሳያስ ብሕጊ፡ ብሰነ-ምግባር፡ ብሰውራዊ ወይ ሃገራዊ መትከል፡ ብብጻይነት፡ ብውዕለት/ሞያ ውልቀ-ሰብ ወይ ህዝቢ፡ ብእሙንነት፡ ብፈሪሃ-እግዚኣብሄር ዘይቅየድ፡ ምድራዊን መሎኮታዊ/መንፈሳዊ ሕጋጋት ረጊጹ ክነብር ዝመረጸ ውልቀ-መላኺ እዩ።

 

ከምቲ ኣርእስቲ’ዚ ጽሑፍ ዘመልክቶ፡ ብርግጽ ንኢሳይስ ዘምልኹን ንህግደፍ ዝፈርሑን ክፋል ሕብረ-ተሰብ ገና ኣለዉና። ብዙሓት ገርህታት ብቕንዕና፡ ስኣን ዓሚቚ ኣፍልጦ ክኸውን እንከሎ፣ ካልኦት ክኣ ብኣምልኾትን፡ ብጥቕምን፡ ፍርሕን ዝዓወሩ እዮም።

 

  1. ብዙሓት ገርህታት፡ ህግሓኤ ዘምጽኦ ናጽነት ከም ውዕለት ኢሳያስን ህግደፍን ጌሮም ብጌጋ ስለዝርድኡ እዩ። ዘስደምም ግን፡ ቀንዲ ሰረታት ህግሓኤ ድኣ’ሞ እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለው (ጉጅለ 15) እንድዮም። ግርህነቶም እዩ እምበር፡ ኢሳያስ ድኣ ውዕለት ህዝቢ ወይ ውልቀ-ሰብ ዝግድሶ ዘይኮነ። እቶም ሕጂ ዘለዉ መንደልሃቕቲ ተረፍ-መረፍ ህግደፍ፡ ብዓል የማነ ገብርኣብ፡ ሓጎስ ክሻ፡ የማነ ገብረመስቀል ክኣ ኲናት መሪሖም ዓዲ ናጻ ዘውጽኡ ኣይኮኑን።
  2. ዝኾነ ኮይኑ፡ እቲ ብሓሶትን ሸርሕታትን ዝጠፍጠፎ ዝና ድማ፡ ኣብዚ ምስ ኢትዮጵያ ዘገብሮ ዝነበረ ወደኽደኽ “ኣይከሰርናን፡ ሓደ ህዝቢ ኢና፡ ዶብ ኣየድልየናን እዩ፡ ንስኻ ዶር ኣቢይ ምርሓና፡ ከም ዶር ኣቢይ መራሒ ብምህላዉ ደጊም ቀሲነ እየ፡” ብዝብሉ ሃልውለዋት ኢሳያስ ፈጺሙ ሓሺሽዎ እዩ። እወ፡ መራሒ ሃገርና ንህዝቢ ኤርትራ ዕድሚኡ ምሉእ ዘየርኣዮ ክብርን ፍቕርን ናይ ሕጎስ ፈገግታን ስሓቕን ንህዝቢ ኢትዮጵያ(ኣዲኣ ገዲፋ ሓትንኣ ትንፍቕ) ከርእዮ ከሎ መን ዝይተዓዘበ። ብመትከል ይኹን ብውዕለቱ ንኢሳያስ ክኣምንዎን ክስዕብዎን ዝጸንሑ፡ ኣብ ክድዓት ልዕላውነት ሃገር ይመጣጠር ስለ ዘሎ፡ መትከል ወይ ውዕለት ዝብሃል ዝቕይድ ነገር ስለዘየለ ደጊም ፎእ ክብልዎ ይግባእ።
  3. ብውልቃዊ ጥቕሚን በለጽን ዝዓወሩ ፡ ልዕሊ ልዕላውነት ሃገርን ሓልዮት ህዝቦም፡ ንብረቶም ዝሰርዕዎ ዜጋታት፡ ብዘይ ሃገር ክብረት ይኹን ንብረት ስለዘይህሉ፡ ቀዳምነታቶም(priorities) ዳግመ-ምትዕርራይ ክገብርሉ ይግባእ። ኣምላኽ ተዓሪቕዎም ናብ ልቦም ክምለሱ ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቦም ክስለፉ እትስፎ።
  4. እቶም ውሕዳት እሙናት ኣገልገልትን ተለኣኣኽትን ወለቀ-ምላኺ ግን፡ ዕድሎም ምስ ኢሳያስ ስለ ዘተኣሳሰርዎ፡ ንሃገሮምን ህዝቦምን ከዲዖም፡ ንዑኡ ዝረኸበ ይርከበና ኢሎም ስለዝነቐጹ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዶር ጉስታቭ ዝበሎ ‘ዝኽተልዎ ኣምር’ ስለዝኾነ ዝግበር ካልእ የልቦን።
  5. ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ዝምልከትድማ፡ በዘይካ ውሑዳት ሰብ ጽሩራታት ሐለውቲ ስልጣን ኢሳያስን ንጥቕሞም ዝሰርሑን ሓዲካ፡ እቶም ዝበዝሑ ግዳያት ስርዓት ህግደፍ ስለዝኾኑ ኣዚዮም ዘተበደሉን ዝተጠልሙን እዮም። ኮይኑ ግን፡ ሞይኦም ወይ ሓልፍነቶም ብቐዳምነት ምውሓስ ልዕላውነት ሃገርን ድሕንነት ህዝቦምን ስለዝኾነ፡ ኣብዚ ዝኸይድ ዘሎ ቅጥዒ ዘይብሉን ዘይግሉጽን ውዕላት ምስ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ፡ ከይተዳህለሉ ንቒሖም ክከታተልዎ ምዝኽኻር ኣድላዪ እመስለኒ።
  6. ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና’ውን እንተኾነ፡ ኣብ ልዕላውነት ሃገር ምውሓስን፡ ዶብካ ምሕላውን፡ ለውጢ ኣብ ምምጻእን ምስ ሃገራዊ ሰራዊት ምክልኻል ኢድን ጓንትን ኮይኖም ክሰርሑ ይግባእ። ስለምንታይ ከምቲ ኣዚዩ ዝተጠልመን ዝተረግጸን ዝተዳህከን ሰራዊት ምክልኻል፣ መላእ ህዝቢ’ውን ዝተጠልመ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ስልዝኾነ፡ ህዝቢ ንመሰሉ ክቃለስ ብህሪያዊን ማሕበራዊን ግብኡ እዩ።
  7. ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ዜጋ’ውን፡ እቲ ካብ ቃልሲ ርሒቑ ዝዕዘብ ዘሎ ኣካል ብሕልፊ፡ ኣነ እንታይ ገዲሱኒ መጸግዒ ሃገር ረኺበ ኣለኹ፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ እንተደልዩ፡ ባዕሉ ንመሰሉ ይቃለስ ዝብል ውሑድ ኣይኮነን። ክንዝንግዖ ዘይግባእ ግን፡ ብዘይ መሬት ዓደቦን፡ ሓረግ ወለዶ ህዝብታትን፡ ሃገራዊ መንነትን፡ ክብረትን ኩርዓትን ኣይርከቡን እዮም። ምስ ህዝብኻ ሓደ ኮይንካ፡ ሓቢርካ ንሃገርካ ምቅላስ መንፈሳዊ ዕግበት ዝህብ፡ ሞራላውን ሕልናውን ግዴታ ኮይኑ ይስምዓኒ። ንመጻኢ ወለዶታት፡ ልዑላዊት ሃገር ከነውሕሰሎምን ከነውርሶምን ድማ ሸለል ዝይብሃል ግዴታና ስለዝኾነ።

 

 

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ጉባኤ ዝጸደቑ ደሞክራስያዊ ውሳኔታት ዝኻደ፡ ባይቶ ዘጽደቖ ሃገራዊ ቅዋም ዝጓሓፈ፡ ብሰነዳት ውድብን ወከልቲ ህዝብን ዘይቅየድ ንነገዛእ ርእሱ ልዕሊ ሕጊ ዝገበረ ወልቀ-መላኺ እዩ። ንብጸቱ ተጋደልቲ ደጋጊሙ ዝጠለመ፡ ንስልጣኑን ዕላምኡን ዝተቓወሙን፡ ናብራና ይምሓየሽ ዝበሉን፡ ከም ምንቅስቓስ መንካዕ፡ የሚን፡ ኣከለ-ስንኩላን ብዘይ ምሕረት ዝረሸነ እዩ። ኣይንጽዓድን ዝበሉ ሃገራውያን ከም ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ መንፈሳዊ ምራሒ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ስለ ዝጠለቡ ጉጅለ 15፡ ብቕሉዕ ንስልጣኑ ዝተቓወሙ ተጋድልቲ ቢተወደድ ኣብርሃን፡ ብርሃነ ኣብርሀን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዳጎነ መራሒ እዩ። መራሕቲ ኣድማ ሰላማዊ ሰልፊ ተጋደልቲ፡ ተኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ቤት ትምህርቲ ኣልድያ- ኣኽርያን፡ ብጅምላ ክእሰሩ ዝኣዘዘ መራሒ እዩ። ከምኡ’ውን ብእምነቶም ምኽንያት ንስዓብቲ እምነት ጰንጠቖስጠን ናይ ይሆዋ መሰኻኽርን ዘእሰረ መራሒ እዩ። ኣብዚ ዘይተጠቕሱ ዝተረሸኑን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣሽሓት፡ ምስኪኖት ኣዴታቶም ይቑጸርኦም። ስለዚ መራሒ ሕግደፍ ንስልጣኑ እንተዘይኮይኑ ንህዝብን ሃገርን ተገዲሱ ኣፍልጥን እዩ። ደገፍቲን ስዓብትን ህግደፍ ነዚ ዓይነት መራሒን ስርዓትን ኢኹም ሰልጣኑ ተናውሑ ዘለኹም

 

ንህዝብን ሃገርን ፈጺሙ ከምዘይግደስ ተወሳኺ መርኣያ ዝኸውን፡ ኣብ ኤርትራ ዝተገብረን ዘይተገብረን ልውጢታት፣ ብመንጽር እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብግብሪ ተነጺፉ ዘሎ ትሕተ- ቅርጻ፡ ዘበናዊ መጓዓዓዚ ባቡራት፡ ተደኲነን ዘለዋ ዘበናውያን ከተማታት፡ ተሃኒጹ ዘሎ መንበሪ ኣባይቲን ርሻናትን፡ ዓመት ዓመት ክዓቢ ዝጸንሐ ቁጠባ ሃገርን፡ ተኻዕቢቱ ዘሎ ሃገራዊ ሃብቲን ተዓዚብካ፥ ኣብ ኤርትራ ንድሓር እምበር ንቕድሚት ዝሰጎመ ልውጢ ዘይምህላዉ ምግንዛብ፡ ከም ኤርትራዊ ዘሕፍርን ምዓንጣኻ ዘሕርር ጉዳይ እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣታቲዩ ዘሎ ናይ ነጻ ሓሳብካ ምግላጽ፡ መስርሕ ፖለቲካዊ ምርጫታት፡ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ምውሳን ዕድሉን፡ ክፉትን ነጻን ናይ ዜና መድያታትን፡ ተኸፊቶም ዘለዉ ቤት ትምህርታትን ኮለጃትን ምዕዛብ፣ ኣብ ምዕባይ ቁጠባ ሃገር ጥራይ ዘኮነ፡ ኣብ ምምዕባልን ምንቃሕን ሃብቲ ሰብ’ውን ኣቶኲሮም ይሰርሕሉ ከምዘልዉ እዩ ዘመልክት። ኣብ ኤርትራ ግን በንጻሩ፡ ኩሉ ትሕተ-ቅርጻታትን ከተማታትን ክዓኑ፡ ቁጠባ ሃገር ከንቆልቊል፡ ኣብ ክንዲ ኮለጃት ቤት ማእሰርትታ ከም ቃንጢሻ ክራብሑ፡ መንእሰያት ሃገሮም ገዲፉ በሽሓት ናብ ስደት ሃጽ ክብሉ ይርኣዩ ኣለዉ። መሰል ምዝራብ፡ መሰል ሰላማዊ ሰልፊ፡ መሰል መድያ፡ መሰል ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ምርጫ መራሕቲ ሃገሩ ተንፊግዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ከይሳተፍ ተሓሪሙዎ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ሃገሩ ብህግደፍ ኣብ ዋጋን ዕዳጋን እንዳወደቐት ከላ፣ ኢትዮጵያ ብደማዊ ቃልሲ ብማዕጾ ወጺኣ ከተብቅዕ፡ ሕጂ ብሸርሒን ክድዓትን መራሕትና ብሑጓ ሰሊዃ ክትምለስ ትገማገም ኣላ።  እቲ ኣዚዩ ዘስድምም ድማ፡ ነቲ ብመገዲ ረፈረንዱም ብልዑል ድምጺእምቢ ምስ ኢትዮጵያ፡ እወ ንናጽነትኢሉ ዘጽደቖን ዝጸንበሎን ልዕላውነት ሃገሩ፡ ብዘይ ኣፍልጦን ውሳኔን ህዝቢ፡ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ምህላዉ እዩ። ስዓብቲ ህግደፍ ነዚ ህዝቢ ዘደንቆረን ዝጭቆንን ዝኣስርን ዝርሸንን ንሃገር ዘጠፈሸን፡ ልዑላውነት ኣብ ዋጋን ዕዳጋን ዘውረደን፡ ስርዓት ኢኹም ትንፋስ ትልቅብሉ ዘለኹም።

 

እቲ ሓቂ እዚ ይኹን እምበር፡ ኣብ መደምደምታ ከየብራህኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፡ እቲ ኩሉ ዝሓለፈን ዘሎን ገበናት ናብ ኢሳያስን ህግደፍን ጥራይ እዩ ዝግደፍ ከስምዕ የብሉን። ብርግጽ መበገሲ እቲ ጠንቂ፡ ኣብ እዋን ሰውራ ስለ ስኾነ፡ እቶም መራሕቲ ሰውራ ዝነበሩ ብሓብርን/ብእኩብን፡ በብውልቆምን ጉድለት ስለዝፈጸሙ ንኢሳያስ ጥራይ ዝምልከት ኣይነበረን። ብተመሳሳሊ ክኣ፡ እዚ ናይ ሕጂ ውድቀትን ድኽነትን ኤርትራ’ውን፡ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕትት እዩ። ብፍላይ ግን ነቶም ከም መሓውር ውልቀ-መላኺ ኮይኖም ንኤርትራ ክድህካ ከሎ፡ መሳለጥትን መጣቓዕትን መሳውርትን፡ ኮይኖም ዝትሓባበሩ ዘልዉ እዩ ዝምልከት። ምኽንያቱ ድማ፡ ከም ኣፍን ዓይንን እዝንን እግርን ኮይኖም ዝልኣኽዎን ዘገልግልዎን ዘለዉ ንሳቶም እዮም። ስለዚ ኣብ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ህግደፍ ወሰንቲ(crucial) ተራ ኮይኖምይጻወቱ ስለ ዘለዉ፡ ኩሎም ከዳዕቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ብቐዳምነት ዘሕትቶም ተግባራት እዮም ዝፍጽሙ ዘለዉ።

 

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣት

ልዑላዊት ኤርትራ ንዘልኣለም

ውድቀት ንክድዓት ሃገር

 

 

ብ ገ. ወልደሚካኤል

 

ካብ ሕ.መ.ኣ.

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • Biruk July 29, 2019

    Long live Wedi Afom jigna anbessa and many more sucessful yeard for HGDEF party. Down with so-called non-existent opposition. No more theory or conspracy of dictatorship. Eritrea is in a very safe and stable hands/goverment.

    • tewelde gebremariam July 31, 2019

      Genuine Eritreans,

      First and foremost, to address the impostor isaias afewerk as ” wlqe melaki,, president etc” . and then at the end, to say, Wdqet N’kedaat is a complete contradiction and is a reflection of confused state of mind, like a slave torn between servitude and freedom. Guys, please cut off yourself from delusion of the past and come to grips with reality that the impostor has been indeed a mole all along. Don’t take my word for it, if you are not yet convinced of the Genocidal crimes he has been committing on our people, please watch the videos where he openly confessed his Ethiopianwnet in Ethiopia and affirmed, before cheering cheering of Amhara , his resolution to die for Ethiopia.

      How about the following incontrovertible evidences that had convinced me of his being a mole long before he unmasked himself:

      1. He illegally handed over Badme to woyane in 1985. I asked a former EPLF why? He replied, to entice woyane to engage in battle the Ethiopian Army which was advancing into two prongs to Eritrea. Incidentally, he was regurgitating what the impostor isaias afewerk back then falsely rationalized when asked about it. What about you, Mr. reader, what do you think was the real reason? For me, the illegal transfer of woyane was purposely designed by the two villains, the impostor and woyane, to be a pretext or a precursor for the illegal war of 1998. The subsequent series of border instigation woyane undertook soon after the 1993 National referendum was a signal for the impostor to ignite the war.

      2. Do you think Mr. reader that there were direct relations between the impostors’ complete control of War Command of the Eritrean Armed Forces just before Woyane Third Military Offensive, the deep Penetration of the Woyane forces deep into Eritrea and the Fall of the Eritrean Gash-Barka Front? I asked the former EPLF why the incident occurred. He did not know but told me the area through which woyane soldiers penetrated deep into Eritrea was under the control of General Flipos, which obviously raised another question. Could it be why he was promoted to be the Chief of Staff of Eritrean Armed forces? Any way, for me there is no question that there was a direct relationship between the impostors’ complete control of Eritrean Armed Forces and the Fall of Gash-Barka.

      3. Mr. reader, do you think the impostor isaias afewerk had conspired for the fall of port of Asseb? For me, there is no question about it…….. i spoke to an Eritrean civilian eye witness. He said, after the Fall of Gash-barka Front, woyane forces invaded Gundet and the Adi quala Front was about to fall. The Eritrean Forces brought from Asseb Front allegedly pounds woyane army from Meraguz . But why not directly from Adi Keteyo or Daarokonat, it is puzzling. But then mysteriously, the impostor arrives at the scene and orders the fleeing army to go back to their position. They complied. All of a sudden woyane forces withdrew back. and headed to Aksum from where they were flown to Asseb Front, upon which the impostor ordered the Eritrean Defense Forces to abandon their bunker and withdrew. The Commander rejects the order and saves the Asseb. Isn’t it now crystal clear that woyane and the impostor were coordinating their attack on Eritrea?

      4. Mr. Reader, the No war No Peace was also contrived by the two villains to kill Eritrea in a protracted span of time. Remember the impostors’ bickering with the secretary general of the UN, the UNSC with regard to the Peace keepers, complaining the Peace Keepers were preventing him from developing the area they were stationed at ? But did he develop it after they were relocated to tigrai? Not at all. What then was his real intent and motive for his bickering? In a nut shell, he was removing eye witnesses to his Genocidal crimes This is the truth.

      Now, would say, this guy is wlqe melaki, president , or mole, impostor Genocidal?

      • Ghirmay August 1, 2019

        What a delusional loser.
        Resnick noted that some who fake hallucinations may have a serious mental health
        diagnosis such as schizophrenia, even if they are inventing the “voices” in question….
        “The more you know about the illness, the more you can ask questions that the
        malinger will not know.” Get a proper medication for your fake hallucinations, jerk.

  • Hagherawi July 30, 2019

    ዉልቀ-መላኺ ፍረ ዱሑር ባህልን ኣታሓሳስባ ሕብረተሰብና እዪ።
    ብሃይማኖትን ኣውራጃን ዝተመቅለ ሕብረተሰብ ፥ ጸላእቱ ሕማሙ ከሳዉሩ ከለዉ ፥ ደስ እዩ ዝብሎ።
    ነፍስወከፍ ሸነኽ ፥ ነቲ ንሱ ዝጸልኦ ወገን ኣይጥዓሞ እምበር ፣ ናተይ ዳሓን ባሃላይ እዩ።
    እቲ ኣብ ሞንጎኦም እቲዩ ፥ ሓደ ወገን እንዳ ኣጣቃዓሉ ነቲ ሓደ ብዘይ ንሕስያ ዝገርፍ ፥ ካብ ጽልእን ቅርሕንትን ወጺኦም ፥ ናብኡ ገጹ ብቀሊሉ ከምዘየድህቡ ርግጸኛ እዩ።
    ስለዚ እሰያስ ፥ በደለኛ ሙዃኑ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ጉዳይ እኳ እንተኾነ ፥ እቲ ኣብዚ ደረጃ ዘብጾሖ ግን ፥ ኣብ ሞንጎና ዘሎ ጽልኢ እዩ።
    ውልቀ-መላኺ ፍረ ኩፉእ ባህልና እዩ።
    ኣብ ሓደ ሃገር ከለና ፥ መሰለይ ይተሓለወልይ ካብ ዝብል ፥ ካሎኦት መሰሎም ከይረኽቡ ዝጽዕር ይበዝሕ ። ሓቢርና ንብላዕ ካብ ዝብል ፣ ክብሕት ዝቃለስ ይበዝሕ።
    ክሳብ ኣታሓሳስባና ንቅይር ፥ ኩሉ ግዜ ንጥፍኣትና ዝሰርሕ ከነጥሪ ክንነብር እና።
    ስለዚ ፥ ንእሰያስ ንኣልየሉ መንገዲ ንዑኡ ብኣካል ምእላይ ጥራይ ኣይኮነን ፥ እቲ ዝቀለለ ንሱ እዩ ። ብቀዳምነት ክግበር ዘለዎ ግን ፥ ናይ ሓድሕድ ድልየትን መሰልን ምኽባር እዩ። ከምኡ እንተ ዘይገበርና ፥ መንፈስ እሰያስ ኩሉ ግዜ ምሳና ኣሎ።

  • Ali Umer July 31, 2019

    ብሓቂ ህዝቢ ኤርትራ መጻኢ ውግእ ሓድሕድ ከነወጊዶ እንተኾንና እቶም ብጊዘ ሃይለስላሰ ጃንሆይ ሱዳን ዝተሰደዱ ክልተ ሚልዮን ዝኾኑ ኣስላም መታሕት ሃገሮም ክምለሱ ተፈቒዱሎም እቲ ብሃብታማት ትግርኛ ዝተወርሰ መሬቶም ምስ ካሕስኡ ክምለሰሎም ይግባእ
    ካልኤይቲ ድማ ዓረብ ቋንቋ ኤርትራ ከም ምኾኑ መጠን ምስ ትግርኛ ማዕረ ኦፊስያላዊ ቋንቋ ክኸዊን ምኽንያቱ ንስኻትኩም ተጋሩ ኸይኮንኩም ቋንቋ ትግርኛ ካብ ትጥቀሙ ኒሕናኸ ንምንታይ ቋንቋ ዓረብ ኣይንጥቀምን? ንሕና ኣዕራብ ኢና ኣይበልናን ዎዳሕራይ ንምንታይ ንስኻትኩም ትውስኑልና? እዚኣ ኢንተ ገበርና ብሰላም ንነብር ድሓር ሓንሳእ ምስ ተጋሩ ሓንሳእ ምስ ኣምሓሩን ኦሮሞን ምውዝዋዝ ግደፉ ከማና ሓቀኛታት ኤርትረውያን ኩኑ

    • Danilo July 31, 2019

      ኩቡር ዓሊ፡ዘልዓልካዮ ጉዳይ ስደተጝታትን ቋንቋ ዓረብን ሩዱእ እዩ።እንተቲ ዝበልካዮ ንብረት ግን፡እንትርፊ ንሃልኪ ካብ ሓቂ ዝርሓቀ እዩ።ስለዚ ኩቡር ሓው፡ኩሉ አሪትራዊ ( ንብረቱስ ይትረፍ ) ናይ ምንባር መሰል ዝተሓረሞ ፡ብእትዮጵውያን ኣምሓሩን ትግራዎትንሲ ! ኣብቲ ( ብባህልን ቁንቁጝናን ) ሃገራውነትን ውጋብነትን ንፈላለ ኢና ምባልና ጥራሕ ፡ ክኒዮው ምንባርን ምውናን ንብረትን ንጸንት ምህላውና ዝያዳ ክትግንዘበለይ ይዕድመካ ያ ወደል ሓላል።

  • Ali Umer August 1, 2019

    ክቡር ዳኒሎ (Danilo),
    ስለ ምርዳእካ የመስግን ብዙሕ ትግርኛ ኣይርዳእንዩ ኣብታ ንብረትን ካሕሳ ካብ ምንታይ ተበጊሰ ምኾነይ ክገልጸልካ ትግርኛ ብኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተጋሩ ንብረቱ ተራስዩ እቲ ኣስላማይ መታሕት ድማ ኣብ ዓዱ ኸሎ ኮማንድስ ምስ ጦር ተሓዋዊሱ ወርቂ ኣዴታት ኣስላምን በሽሓት ዝቑጸራ ጥሪቱን ተራስዩ ንሱዳን ክስደድ ተደፊኡ ተገዲዱ እውን ትግርኛ ካብ ተጋሩ ካሕሳ ክሓትት መሰል ከም ዘለዎ እቲ ብምሕራድ ኣስላም መታሕት ዝሃብተመ ትግርኛ ድማ ነቲ ኣስላማይ መታሕት ዓዱ መሊሱ ካሕሳ ካብ ሱሳታት ተቖጺሩ ክህቦ ፊትሒዶ ኣይመስለካን? መንግስቲ ትግርኛ ዝኾነ ስርዓት ግን ንኹሉ ወጻዒ እኳ እንተኾነ ነቲ መታሕት ካብ ሱዳን ምእታው ከሊኡ ከም ብዓል ተሰነይ ኣቑርደት ዓደርደ ወዘተ ዝኣመሰሉ ከተማታት ድማ ነቲ ወደባት(ወዲ መሬት) ደፊኡ ብትግርኛ መሊኡዎ! ስለዝስ እቲ መታሕት ኣብ ትሕቲ ኮሎኒ ትግርኛ እዩ እንተበልና ሓቂዶ ኣይኮነን?
    ሓላል ይሃብካ

  • Hagherawi August 1, 2019

    ኩቡር ሓዉ Ali Umer

    ስርዓት እሰያስ ፥ ንሓዋሩ ንህዝቢ ዘባእስ ፈንጂታት ኣጻዉዱልና ከምዘሎ ፥ ኩሉ ብጉዳይ ሃገሩ ዝግደስ ሰብ ዝፈልጦ እዩ። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ ፥
    – ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን
    – ጉዳይ ሰፈራታት ኣብ መታሕት
    – ጉዳይ ዕላዊ ቋንቋታ
    – ጉዳይ ሃገራዊ ባንደራ
    – ጉዳይ መሬት
    – ጉዳይ ኣውራጃታት
    ስለዚ ኩላህና ፥ ብሓባር ፥ ብምርድዳእ፥ ክንፈትሖ እና። ጸላእቲ ዘጻወዱልና ነቶግቲ ከነፍሽል ፥ ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና።
    ኩሉ ዝተበደለ ፥ ንመሰሉ ክቃለስ ጉቡእ እኳ እንተኾነ ፥ ዝበደለና እቲ ስርዓት ሙዃኑ ዘይምዝንጋዕ ። ስለዚ ካብ ነንሓድሕድና ምክሳስ ተቆጢብና ፥ ብሓባር ፍታሕ ንድለ።
    ዎ ዳሓካ።

    • Danilo August 1, 2019

      ኩቡር Hagherawi,ንስለ ሓቂን ሓልዮትን ፡ ንስለ ፍትሕን ሕውነትን ፡ንስለ ሓቢርካ ምምባርን ውዘተ ዝወደቀት ስጋ ወይ ዝነጠበት ደም አሪትራዊ ጽባሕ ንጉሆ ከምትኽሓስ ግድን እዩ።በዚ ኣጋጣሚ ኩቡር ሓው Ali ዓጊብካ ክትከውን ተስፋይ እዩ’ሞ ሴፍን ዋልታን ጥራሕ ንኹን።

  • Ali Umer August 2, 2019

    ክቡራት ኣሕዋት Hagherawi & Danilo ,

    እቲ ጸገመይ እንታይ እዩ ይመስለኩም የሕዋት ,ምእንቲ ሕብረትን ውግእ ሓድሕድ ከይክሰትን ክንብል እቶም ትግርኛ ዘይኮንና ኣፍና ሒዝና ሱቕ ክንብል ጥራይ ዘይኮነስ,መሬትናን ንብረትናን ተዘሚቱ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመት ኣስተሓሚልና ሕጂ ድማ ኮሎኒ ናይ ግዝኣት ትግርኛ ኾንና ህዝብና ሱዳን ተዓኒዱ ይርከብ ብትግርኛ ንድነ ,ጀበርቲ ኣብ ሓቀኛ ታሪኽ ተመርኪሶም ብሄር ክኾኑ እንተሓተቱ ትግርኛ ውሃቢን ከላኢን ኮይኑ ከልኪልዎም እቲ ንልዕሊ 70 ዓመታት ኦፊስያላዊ ቋንቋ ምምሕዳር ኤርትራ ኾይኑ ዘገልገለ ዓረብ እውን ከይዝረብን ኦፊሳት ከይጥቀማሉን መሰል ኣስላማይ እናግሃሱ መንነቱን ቋንቁኡን መሬቱን ጥሪቱን ዘሪፎም ነታ መሪሕ ውድቡ ጀብሃ ምስ ተጋሩ ኣሕዋቶም ኮይኖም ካብ መሬት ኤርትራ ኮብኪቦም ኣውጺኦም ንገሆ ንግሆ ኤርትራውያን ለይተ ለይቲ ድማ ናይ ፍስሓጽዮን ኣግኣዝያን ዝቕየሩ ነቶም ብኤርትራውነትና ዘይንዋገ ኣስላም ኤርትራውያን ንጎኒ ኣጸጊዖምና ዝምስርትዋ ኤርትራ እንታይ ክትገብረልና እያ ? እቲ ምንቅስቓስ” ይኣክል” ኢሉ ዝተላዕለ አውን እንተኾነ ውድድሩ ኣብ መንጎ ሰሮቶትን ኣከለጉዛይን እንተዘይኮይኑ ንዓና ኣብ ቁጽሪ ዘእተወ ተቓውሞ እውን ኣይርኣናን,ኣይ ካብ መንግስቲ ኣይ ካብ ተቓወምቲ ረቢሕና ንምንታይ ቃልሲ ትግርኛ ንሕወሶ ? ወዲ ኻርነሽም ኣውሪዶም ወዲ ዓዲ ቐይሕ ወይ ወዲ መንደፈራ እንተንገሱ ንኣና እንታይ የርብሓና ?በዚ ኢና እቲ ተቓውሞ ትግርኛ ዘይንሕወሶ ምኽንያቱ ንኣና ነስላም ዘጽብበልና ትግርኛ እምበር ዘርህወልና ኣይረኸብናን ….

    • k.tewolde August 2, 2019

      It is a palpable and legit sentiment of a significant Eritrean social segment which can’t be ignored if the nation is going to assume its authentic working physical anatomy or be paraplegic as it is now moving no where. Ali Umer, even though I respectfully differ with some of your views,I am proud of you,Danilo,Hagherawi,and t.g. for the substance and prudent dialogue you bring to this medium.One day your voices will be dominant in that strange place I fought for which I don’t recognize today. For sure,you can’t displace people from their home forever, like a Tsunami they will come back rumbling sweeping the occupiers to where they came from.It is nature’s internal clock, no matter how long it takes.

      • Dawit August 2, 2019

        Ali Umer aka Cow Face.
        Disgraceful and pathetic old man,why are you giving the rootless Arab mercenaries and DEQALU savage Arab slave dogs a lift and a face saving device?????
        These three ELF mendef TEKHOREDTI,HADEMTI & LEKHIBATAT are garbage goHafat.

        • Hilna August 2, 2019

          Brother Dawit,
          So k.tewolde Wedi Amete Komarit – Wedi Hirkam scam bag is coming out of his scavenging ELF crippled beggar business and fox’s hiding place to be called/addressed “Kibur” as well!!!!!!!!!!! Indeed, fake evil Ali Umer aka Cow Face is truly a sick individual to wind up and excite deki Halima/Khadija hookers.

  • Hagherawi August 2, 2019

    ኩቡር ሓውና Ali Umer,

    እዚ ኣረመናዊ ስርዓት ፥ ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ፥ “ናትና እዩ” ዝብሉዎ ብጣዕሚ ዉሑዳት እዮም።
    እቶም ኣብ መጀመሪያ 90ታት ፥ ናቶም መሲሉዎም ፥ ጠጠው እሎም ዘጣቁዑሉ ዝነበሩ ፥ እሰያስ ፥ ብጃምላ እንዳሞቱ እንዳ ራኣየ ፥ ዋላ ሓደ ማዓልቲ ፥ ኤህ! ሕማቅ ረኺቦም ኣይበለን።
    እነሆ ሎሚ ኣብ ፎቆዶ ሃገራት ተሰዲዶም ይጠፍኡ ኣለዉ ። ስለዚ ፥ ሓድሕድ ምክሳስ ሓዲግና ፥ ጸላእና ኣለሊና ፥ ብሓባር ክንሰርሕ ከም ተበገስና ሰሚዕካ ክትኮውን ተስፋ እግብር ። እንተ እቲ “ትግሪኛ” ይገዝኡና ኣለዉ ፥ ዝብል ኣባሃህላ ፥ ፈጹሙ ጠቃሚ ኣይኮነን።
    ዝመቃቀሉና ዘለዉ ፥ ኮምኡ እልና ክንካሰስ ክንነብር፥ ኣብ ጓልነገር ተጸሚድና ነንሕድሕድና ክንፋለስ ፥ ስለ ዝደልዩና እዩ ። ንጥፍኣትና ዝተዓጥቁ ስለ ዘለዉ ጉዳዮም ንግበር።

  • Tragedy August 3, 2019

    one question for all ‘why do assenna allow insults based on assumptions’? what mr. Ali stated was his & his peoples sorrow.the question is ,is it fact ? is it based on generating compassion &solution? how can we practice our empathy? are we trying to tell mr. Ali how to feel&express his pain? is the only way we evaluate pain&sorrow is as Eritreans as a whole ? why can’t we comprehend that all ethnics are not affected equally ? if the bottom line is ‘would somebody’s tragedy unite us or disunite us,we are doomed. that is why we can not attract none tigrinya Eritreans. why do we do the same thing over &over expecting a different result. we,as mainstream Eritreans need to use compassion & empathy.

    • k.tewolde August 3, 2019

      “Compassion and empathy” … This 2 words for decades were siphoned and sucked out of the Eritrean psyche by the tyrant to the point it became absolete in the social emotional spectrum.

  • Danilo August 3, 2019

    The first one to react to the above title was Biruk ignoring the fact that the author of miss leading people’s psyche even though ruled by state of fear, crime, killing in masses and more than that worked out for 28 years as no mans land until ready for total sales hence, the writer is asking what do we do? It seems hard to swallow this question by worshipers of tyranny.because their mind reads psychological disorder bound reaper. Therfore, we have to do our part for saving our people and country first then of course we have a remedy for who seek therapy too.

  • Dani amiche August 6, 2019

    Viva baba Isaias the brave and great, please continue punishing the weirdos & the confused Eritreans/Singaporeans.

Post a Reply to AHMED SALEH Cancel Reply