Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

BREAKING NEWS: ብምቝሕ ሰንሰለትት ምልካዊ ርዓት ኢሳይያስ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝተሳቐየ፣ ካብ ቤትማእሰርቲ ካርሸሊ ኣብ ወርሒ መጋቢት ፈንጢሱ ሓራ ዝወጽአ ኤርትራዊ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ምስ ድምጺ ኣሰና ንፈለማ እዋን ሰፊሕ ቃለመጠየቕ ኣካይዱ።

ብምቝሕ ሰንሰለት ምልካዊ ርዓት ኢሳይያስ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝተሳቐየ፣ ካብ ቤትማእሰርቲ ካርሸሊ ኣብ ወርሒ መጋቢት ፈንጢሱ ባዕሉ ነብሱ ሓራ ዘውጽአ ጅግና ኤርትራዊ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል፣ ብምኽንያት መብል 23 ዓመት ናጽነት ምስ ድምጺ ኣሰና ፍሉይ

ብምቝሕ ሰንሰለት ምልካዊ ርዓት ኢሳይያስ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝተሳቐየ፣ ካብ ቤትማእሰርቲ ካርሸሊ ኣብ ወርሒ መጋቢት ፈንጢሱ ባዕሉ ነብሱ ሓራ ዘውጽአ ጅግና ኤርትራዊ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል፣ ብምኽንያት መብል 23 ዓመት ናጽነት ምስ ድምጺ ኣሰና ፍሉይ ቃለመጠየቕ ኣካይዱ።

ንሱ ኣብቲ ምስ ድምጺ ኣሰና ንፈለማ ግዜ ድሕሪ ምፍንጣስ ካብ ማእሰርቲ ዘካየዶ ተኸታታሊ ቃለመጠየቕ፣ ንድሕረባይትኡ፣ ኣመዓባብላ ሞያኡ ከም ፓይሎት፣ ጸገማት ሓይሊ ኣየር ኤርትራን፣ ተሳታፍነቱን ኣብ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣተኣሳስራኡ ብምልካዊ ርዓት ኢሳይያስ፣ ኩነታት ማእሰርቱን ኣወጻጽኣኡን ዘጠቓልል  ሰፊሕ መርብርሂ ሂቡ ‘ሎ። 

እቲ ወዲ ክልተ ዓመት ከሎ ተሓዚሉ ምስ ስድርኡ ናብ ሳሕል ዝወፈረ ኣብ ጉዕዞ ሳሕልን ቤትትምህርቲ ሰውራን ብነፈርቲ ስርዓት ደርግ ዘጋጥም ዝነበረ ደብዳብ ነፈርቲ ዝዓበየ ብድሆኡ ከም ዝነበረ ዝዝክር ወዲ ስድራቤት ተጋደልቲ፣ ድሕሪ ናጽነት ካብተን ዝደብድባኦ ዝነበራ ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ ዝተራቐቓ ሚግ 29 ኣብ ሰማያት ኤርትራ ከብርር ዝበቕዐ ቀዳማይ ኤርትራዊ ፓይሎት ክንሱ፣ ቀዳማይ እሱር ኤርትራዊ ፓይሎት ኮይኑ 15 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ምብላዩ፣ ነቲ “ ሰውራ በላዒት ደቃ ‘ያ” ተባሂሉ ዝምሰል ኣበሃህላ፣ በቲ ጨካንንን ክፉእን መልክዑ ዘረጋግጽ ኣንደበት ምዃኑ ካብ ዛንትኡ ንርዳእ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ብዜና ኣሰና ከምዝተኻታተልኩሞ ፣ እቲ ፍትሒ ምስ ሰኣነ ነቲ ኣብ ሕምብርቲ ኣስመራ ዝርከብ ጽኑዕ ቤትማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ካርሸሊ፣ ፈንጢሱ ባዕሉ ሓርነቱ ዘረጋገጸ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ዝወሰዶ ተባዕ ስጉምቲ፣ ነቲ ሎሚ – ሎሚ ኣዝዩ ሳሕቲ ኮይኑ ኣበይ ከምዝኣተወ ንኹላትና ኣጨኒቑና ዘሎ ኤርትራዊ ጅግንነት ዘዘኻኽር፣ ዋላ ኣብቲ ዝኸፍአ ኩነታት ተስፋን ሓቦን ምግባር ዝፈድየካ ናይ ዓወት ጕንዖ ከምዘለዎ ብግብሪ ዘመስክር፣ ልዕሊ ኹሉ ኸኣ እቲ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብፍርሕን ራዕድን ናብ ዝኸፍአ ባርነት መሊሱዎ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሞሽሚሹ ከምዘሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብሓደ ክፍራሕ ዘይግብኦ ጓንጓ ስርዓት ተመሊኹ ይኸይድ ብምህላዉ ዘኪሩ ተባዕ ናይ ለውጢ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግብኦ ዘረጋግጽ ስጉምቲ እዩ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፣ ንዛንታ እቲ ጅግና ኤርትራዊ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ባዕልኻትኩም ካብቲ ኣፍ ፈረስ ኣብ ድምጺ ኣሰና ርኸቡዎ፣ ካብ ሎሚ ምሸት 17 ግንቦት ኣትሒዝና ብተኸታታሊ ክንፍንዎ ምዃና ነዘኻኽረኩም።  

aseye.asena@gmail.com

Review overview
84 COMMENTS
  • Eritreawit May 17, 2014

    demo.archive.assenna.com –BRAVO!
    Amanuel Eyasu, GOD bless you dear. ELELELELELELELELELELELEL. THANK GOD YOUR ALIVE AND FREE DEJEN.

  • fisahaye berhane May 17, 2014

    good news we feel good

  • Tesfu Kbrom May 17, 2014

    ኣንታ ጅግና! ኣንበሳ! ፈናጢሳ! እንታይሞ ክብለካ? ከማካ ዛጊት ኣይተፈጥረን ኦኣንደ ሕሸል ኦኣርከይ ብሓቂ ወሊዱ። ኣደኻ ንብዓትን ጓህን ኮይና ነይራሞ ሕጂ ግን ዕልል ትበል። ንህግደፍስ ከምዚኣ ደኣ! እዞም በላዕቲ ስጋ ሰብ! ገና ካልእ ክንርኢ ኢና። እንዳ ህግደፍ ሕርርር! በሉ ኩላትኩም ወይጦታት ኩኑ ወላ ለሃስቲ መዓኮር ኢሳያስ ዝኾንኩም በዓል ማንኪ፡ ጃርሊ፡ ክሻ! ኣልኣሚን፡ ግርማይ መሓሪ፡ ፍሊጶስ ኩላትኩም ወዳኢትኩም ትምጻእ! ጀጋኑ ብዘይ ፍርዲ እናተኣስሩ ትም መሪጽኩም ኣቱም ረግራጓት! ሃደምቲ። ወያኔ ደፊኦም ንኤርትራ ክኣትዉ ትም ኢልኩም ርኢኹም ንብጾትኩም ግን ከዳዓት ኢልኩም ትጻረፉ! ሓሰውቲ። እንሃልኩም በሉ ደጀን ጅግና ፈናጢሱኩም ኣብ ዝብጻሕ በጺሑ። ደጀን ደጊመ እንቋዕ ንፋስ ናጽነት ኣብ ምስትምቓር ኣብጽሓካ! እናበልኩ ዕድመን ጥዕናን እምነየልካ።

  • abraham May 17, 2014

    he is brave.

  • FITHI May 17, 2014

    Hello , this is Dejen talking from safe place well and alive .
    what a nice surprise to hear .

  • Mightyembasoyra May 17, 2014

    Incredibly good news. Congrats Dejen!

  • hmmm May 17, 2014

    What Dejen did and the fact that they couldn’t even arrest him after he broke out of prison is an indication that the government is at the weakest state. No one is willingly collaborating with the government. Our boarders are not attended to. The PFDJ rulers are too busy robbing the country. They use a false propaganda pretending as if they they have many spies around the country but it is not true. They don’t have the resource or the budget to handle such complicated security service. The people in Eritrea should be bold in taking actions just like Dejen did. Fear should be broken.

  • tumezgi May 17, 2014

    Ne15 amtate ab seol zenbrka hawna pailot dajan enke beslam waxka amlak meska yekun from tumezgi usa

    • awet May 17, 2014

      Ja,you came from the brave parents and you reflected it

  • araya May 17, 2014

    wow Enquee AMLAK MEWATSEO FETERELKA

  • selamawit2 May 17, 2014

    Congratulations to you Denden – congratulations to us!!!
    What wonderful, wonderful news!!!

1 2 3 6

Post a Reply to Tesfu Kbrom Cancel Reply