Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሓይሊ ዝኣቱ ጽልኢ ብቐሊሉ ኣይወጽእን ‘ዩ!

ብሓይሊ ዝኣቱ ጽልኢ ብቐሊሉ ኣይወጽእን 'ዩ ስለዚ ንፍቕሪ ደኣ ብሓይሊ ነጽንዓያ! እዚ ጽሑፍ'ዚ እቲ ሓው ታደሰ ኪዳነ "ምምሕዳር ዞባታትን ምምቕራሕ ጸጋታትን ብመንጽር ጽገናዊ ለውጢ?" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣሰና ዘቕርቦ ዘሎ ጽሑፍ (ብወገነይ ከም መቐጸልታ ናይቲ

ብሓይሊ ዝኣቱ ጽልኢ ብቐሊሉ ኣይወጽእን ‘ዩ

ስለዚ

ንፍቕሪ ደኣ ብሓይሊ ነጽንዓያ!

እዚ ጽሑፍ’ዚ እቲ ሓው ታደሰ ኪዳነ “ምምሕዳር ዞባታትን ምምቕራሕ ጸጋታትን ብመንጽር ጽገናዊ ለውጢ?” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣሰና ዘቕርቦ ዘሎ ጽሑፍ (ብወገነይ ከም መቐጸልታ ናይቲ “ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣቐዲሙ ኣብ 17 ክፋላት ኣቕሪቡዎ ዝነበረ ተኸታታሊ ጽሑፍ ገይረ ዝርእዮ) ዘበጋገሶ ኳ እንተኾነ፣ ብቐንዱ ነቲ ብትሒምሒም ዝዝረበሉ ከይተፈለጦ ንሕብረተሰብና በብቑሩብ ዘረሓሕቖ ዘሎ ወገናዊ ስምዒታት (ብሕልፊ ኣውራጃዊ ስምዒታት) ብምጥቕላል፣ ምስቲ ናይ ኤርትራውያን እዋናዊ ኣጀንዳ ለውጢ ብምትእስሳር ንምርኣዩ ዝዓለመ እዩ።

ነዚ ስምዒታት ‘ዚ፣ ቅድሚ ናይ ሓው ታደሰ ቀዳማይ ተኻታታሊ ጽሑፍ ኣብቲ “ኤርትራ መንግስቲ ይኹን ተቓዋሚ ዘይብላ ሃገር” ዝብል ኣርእስቲ፣ “ ወገናዊ ፖለቲካ የዋጽእ ዶ?” ብዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ብሰፊሑ ዳህሲሰዮ፣ ብድሕሪኡ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ሰሚናራት ብዝያዳ ድማ ኣብ ቴልኣቪቭ (እስራኤል) ኣልዒለዮ ስለዝነበርኩ፣ ሕጂ ብሕጽር ዝበለ መንገዲ እየ ክትንክፎ።

ኤርትራውያን ብዝያዳ ብሃይማኖትን ቋንቋን ብሄራትን ዝልለ ብዙሕነት ኣለና። ንሓዋሩ ከም ሃገር ውሕስነት መጻኢና ሓሊና ብስኒት ክነብር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ገጢሙና ንዘሎ ውልቀምልካዊ ምሕደራ ኣዕኒና፣ ልዕልና ሕጊ ዘለዎ፣ ማዕርነትን ፍትሕን ኩሎም ዜጋታት ሃገር ከነረጋግጽ እንተኾይና፣ ኣብ ብዙሕትነትና ዝተመስረተ ሓድነት ከነማዕብል ኣለና። እዚ ምርጫ ጥራይ ዘይኮነ ግዴታ ‘ውን እዩ። ንኤርትራዊ ብዙሕነት ከም መፈላለዪ ዘይኮነ ከም ጸጋን ጽባቐን ርኢኻ ነዚ ዝዓበየ ሃገራዊ ባህጊ’ዚ ንምጕንጻፍ ኣብ እተቋምተሉ፣ እዞም ዝተጠቕሱ ንጹር መለለዪ ዘለዎም ፍልልያት ዘይብሉ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ (ህዝቢ ከበሳ) ነቲ ሰብ-ሰርሖ ምምሕዳራዊ ምክፍፋላቱ ባህርያዊ ፍልልይ ዘምስሉ፣ ብሓይሊ ጽልኢ ዝዕድሙ ኣገላልጻታት ክወሃቦ ኸሎ፣ ነቲ ኣብ ብዙሕነት ዝተመስረተ ሓድነት መላእ ህዝቢ ናይ ምምጻእ ጻዕሪ ዘዐንቅፍ ወይ ዘካብድ ተርእዮ ብምዃኑ ብኣግኡ ኣቓልቦ ክወሃቦ ዝግባእ ጉዳይ እዩ።

ቅድሚ ዝኣገረ ኣብ መንጎ ኣውራጃን ኣውራጃዊ ስምዒትን ዘሎ ርክብን ፍልልይን ምምልካቱ ጽቡቕ እዩ። ኣውራጃ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃገር ዝርከብ ምምሕዳራዊ ኣከፋፍላ ናይ ሓደ ጅኦግራፊካዊ ኣከባቢ እዩ። ኣውራጃዊ ስምዒት ከኣ፣ ኣብ ረብሓ ናይ ሓደ ኣውራጃ ዘተኩር ዝንባለ እዩ። እቲ ናይ ረብሓ ሃቐነ ብዋጋ ካልኦት ኣውራጃታት ንሓደ ዝተፈለየ ኣውራጃ ክብ ንምባል ዝድለ ክኸውን ከሎ ድማ ጸቢብ ረብሓ ንምርግጋጽ ብዝገብሮ ኣተኵሮ ኣሉታዊ ትርጉም ይህልዎ።

ኣውራጃዊ ምትእስሳር ካብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ሓሊፉ ፖለቲካዊ መስርሕ ናይ ሓደ ሃገር ንምጽላው ወይ ንምዕብላል ምስ ዝህቅን ተኣፋፊ ሳዕቤናት ኣለዎ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ሃይማኖት፣ ብሄር፣ ቋንቋ፣ በቲ ካልእ ናይ ምዕብላል ስምዒት ክሓድሮ ኸሎ ዝርአ ተኣፋፍነት፣ ኣውራጃዊ ስምዒት ዝተሓወሶ ፖለቲካዊ ዕብለላ ‘ውን ኣብ ኣባላት ካልኦት ኣውራጃታት ስግኣት ወይ ዘይውሑስነት (Insecurity) ፈጢሩ ምትፍናን ከምጽእ ብኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ግጭት ክምዕብል ስለዝኽእል፣ ብመንጽር ‘ቲ ኣብ ብዙሕነት ዝተሰረተ ሓድነት ንምምርግጋጽ ክካየድ ዘለዎ መስርሕ ሃገራዊ ህንጸት ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ።

እቲ ኣውራጃዊ ስግኣት ተሰሚዑዎ ሸቐልቀል ብምባል ስለ ኣውራጅኡ ክከላኸል ወይ ከጥቅዕ ኣብ ናይ ምትሕልላው ኩነት ዝጽመድ ኣካል ኣተሓሳስባኡ ኣብ ኣውራጃዊ ሳንዱቕ ተዓብዒቡ ናብ ሃገራዊ ደረጃ ክብ ከይበለ ወይ ከይሰፍሐ እዩ ዝተርፍ። እዚ ኣረኣእያ’ዚ ድማ ቅድሚ ኹሉ ንወናኒ ናይቲ ኣተሓሳስባ እዩ ዝጎድእ። ፍርሒ ወይ ዘይምትእምማን ሓዲሩካ ንኻልኦት ክትንጽል ተበግሶ ክትወስድ ከለኻ ንርእስኻ ትንጸል ኣለኻ ማለት እዩ። ረብሓኻ ድማ ብመጠን ጽበት ኣተሓሳስባኻ ንእሽቶ እዩ ዝኸውን።

በንጻሩ እቲ ብዓብላልነት ዝውቀስ ወገን፣ ዓብላሊ ስምዒት፣ ንገዛእ ርእሱ ካብቲ ብኣንጻሩ ዘሎ ስምዒት ግዳይነት (Victim Mentality) ዝኸፍአ ሞራላዊ ውድቀት ምዃኑ ብምዝንጋዕ፣ እቲ ኣብ ዓብላልነት ዘሎ ስብእነታዊ ቃና ባህታ ፈጢሩሉ፣ ኣጕል ትምክሕቲ ወሲኹ ኣብቲ ተዋስኦ መመሊሱ ዝጥሕል እንተደኣ ኮይኑ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ታኼላ ድሕረት ከምዘሎ እዩ ዘርኢ። ዓብላልነት ነባሪ ስለዘይኮነ ግዳይ ዕሽሽነቱ ‘ውን ክኸውን ከምዝኽእል ክንዝግዕ ኣይግባእን።

እዞም ክልተ ተተፋነንቲ ስምዒታት፣ ማለት፣ ኣውራጃዊ ስምዒት ኣለዓዒልካ “ካብ ዕብለላ ክወጽእ ይቃለስ ኣለኹ” እናበልካ (ፈሊጥካ ወይ ከይተፈለጠካ) ንርእስኻ ናብ ዕብለላ ምምራሕ ኮነ፣ በንጻሩ ካብ ስግኣት ተበጊስካ ብኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ዕብለላ ንምክልኻል ክትብል ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣውራጃዊ ቀጽሪ ከተደልድል ምሕላን፣ ነቲ ምትፍናን መሊሶም ነዳዲ ዝውስኹሉ መዕነውቲ ስጉምታት ብምዃኖም ከነወግዶም ይግባእ።

ስለዚ በንጻር’ዚ ምትፍናንን ሕነኣዊ መንፈስን ዘሐይል ዝንባለ፣ ኣብ ልዕልና ሕጊ፣ ፍትሕን ማዕርነትን ዝሕመረቶም ፖለቲካዊ መትከላት ዘተኮረ ሃገራዊ ራእይ ንምምዕባል ክጸዓር ኣለዎ። ኣብ ክንዲ ኣብ ሻራዊ ኣብ መትከላዊ መርገጺታት ክንኣምን ኣለና። ዕብለላ፣ ማዕርነት ብምርግጋጽ እምበር ብቕዳሕ ዕብለላ ኣይፍታሕን እዩ። ማዕርነት ንምርግጋጽ ከኣ ሕግን ፍትሕን ምንጋስ እዩ ዘድሊ።

ኣብዚ መዳይ’ዚ ዝተኻየደ ጭቡጥ መጽናዕቲ ‘ኳ እንተዘየለ፣ ክሳብ’ዚ ቀረባ ዓመታት ኣሉታዊ ቓና ዘለዎ ኣውራጃዊ ስምዒታት ኣብ ሕብረተሰብና ሱር ኣይሰደደን ክብሃል ይከኣል። ሎሚ ሎሚ ግን ብፍላይ ኣብ ስደት በጨቕታቱ ርኡይ እናኾነ፣ ዓውታ እናወሰኸ፣ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብ ያታዊ ሕብረተሰብ ኤርትራ፣ ዓድኻን ወዲ ዓድኻን ምፍታው ልሙድ ‘ኳ እንተኾነ ብኣሉታ ዝግለጽ፣ ወይ ነቲ ኻልእ ኣውራጃ ኣብ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ዘውድቕ ኣውራጃዊ ስምዒት ኣይነበረን። ብኣበዋት፣ ዓድን መበቆልን ሓዱሽ ገጽ ምሕታት ልሙድ እዩ ነይሩ። መልስኻ ኣሰር ኣፋትል ዝምድና እንተረኸቡሉ፣ መሊሶም ይስዕሙኻ፣ እንተዘየለ “መዋስብትና እንዲኹም” ኢሎም የቀራርቡዎ፣ ካብኡ እንተሓለፈ፣ “መሳድድትና እንዲኹም” ኢሎም የዛንዩኻ። እምበር፣ ካብ ካልእ ኣውራጃ ዝመጽአ ሰብ ተቐቲሉ ሓዲሩ ዝብል ዘረባ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን። ሕብረተሰብና፣ ኣሽንባይ ዶ ካብ ኣውራጃታት ኤርትራ ካብ ስግር ዶብ ንዝመጹ ኣጋይሽ ዘእንግድ፣ ገበላኡ ለጊሱ ልቡ ኣውዲቑ ዝሓድር ኣማንን ልዙብን ሕብረተሰብ እዩ ዝነበረ።

ብድሕሪ’ዚ ዝተዛነየ ኣውንታዊ ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብና፣ ብፍላይ ካብ ዘበነ ሓርነታዊ ቃልሲ ክሳብ’ዚ ዘለናዮ እዋን ግን ክልተ ጥሩፋት ዝንባለታት እናጎልሑ ክመጽኡ ይረኣዩ ኣለዉ። እቲ ንባዕላዊ ፍርሒ መራሕቲ ኣብቲ ሽዑ ፋሽን ዝነበረ ማሕበርነታዊ ፍልስፍና ዘዕቆበ ገድሊ መበቆል ዓዲ ምጥቃስ ከም ነውሪ ክሳብ ምርኣይ ደረጃ ክበጽሕ ከሎ፣ ኣብዚ እዋን ‘ዚ ኸኣ፣ “ብኣውራጃ ፖለቲካዊ ውደባ ምክያድ እንታይ ነውሪ ኣለዎ” ናብ ምባል ገጹ ዘምርሐ ኣተሓሳስባታት ከቀላቐል ይርአ ‘ሎ።

ዋላ ድሕሪ’ዚ ኹሉ ፈተነታት ‘ዚ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝሰፍሐ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ እቲ ኣሉታዊ ኣውራጃዊ ስምዒት ኣሎ ክብሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ዝበዝሐ ህዝቢ፣ እዚ ሻራዊ ጎደና’ዚ ናብ ጥፍኣት ዝመርሕ መንገዲ ምዃኑ ይርዳእ እዩ። እንተኾነ፣ ኣብ ኩሎም ወገናት ዘለዉ ሒደት ጥሩፍ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ውልቀሰባት ዘናፍሱዎም ክዉናትን ዘይክዉናትን ወረታት በብቑሩብ ኣብ ህዝቢ ከም ክልሸታት (stereotypes) እናሰረጹ ኽኸዱን፣ ምንጪ ምትፍናን ክኾኑ ስለዝኽእሉን ብኣግኡ ክመሓዉ፣ ዓዲ፣ ኣውራጃ፣ ሃገር ከምቲ ኣብ ያታዊ ሕብረተሰብና ዝነበረ እቲ ንቡር ኣውንታዊ ሚዛኑ ክሕሉ ኣለዎ።

ኣሉታዊ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ፣ ኣብ መትከላት ዝተመስረተ ርትዓዊ መጎተ ዕሽሽ ኢሉ ብባዕላዊ ስምዒት ዝተዋሕጠ ስለዝኸውን ጸገሙ ከዊሉ ነብሱ እናጸባበቐ፣ በንጻሩ ንኻልኦት ናይ ምክፋእ ኣመል ዘማዕብል ዝንባለ ስለዘለዎ  ክእረም ኣለዎ። ኣብቲ ናይ ምእራም ጻዕሪ እቲ ዝቐለለን ዝቐንዐን ኣገባብ፣ ካብ ነብስኻን ካብ ኣውራጃኻን ምጅማር እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተበግሶ ምጥርጣርን ምትፍናንን ኣፍኵሱ፣ እቲ ኻልእ ወገን ‘ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ዘተባብዕ ኣውንታዊ ወስታ ብምዃኑ ክድፍኣሉ የድሊ። ሰብ ገገዝኡ እንተጽርዩ፣ ዝጸረየ ኣከባቢ እዩ ዘፍሪ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ዝጠዓየት ሃገር ትርከብ። በንጻሩ ሚዛን ኣጥፊእካ ናብ ካልኦት ኢድካ ዊጥ ምባል እንተተዘውቲሩ፣ ምጕትካ ሓቅነት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ ዊጥታ እዩ ዝምለሰካ፣ ከከም ኩነታቱ ዊጥ ዊጥ ናብ ምውጥዋጥ ምምዕባሉ ኸኣ ኣይተርፍን።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብወረ ፍሑዅ ክብል ጸኒሑ ታተ ክብል ዝጋደል ዘሎ ዘይጽኑዕን ዘይሃናጽን ኣበሃህላ ንኣብነት፣ ንፖለቲካዊ መርገጺ ብኣውራጃዊ ካርታ ምርኣዩ እዩ። ኣሐፍሽ ኣቢልካ ሓማሴን ደጋፊ መንግስቲ፣ ኣከለጉዛይ ተቓዋሚ፣ ሰራየ ድማ ላንጋ ላንጋ ክብሃል ይስማዕ። ካብኡ ሓሊፉ ከከም በሃሊኡ፣ በቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ ንነብስኻ ወይ ኣውራጃኻ ኣጸባቢቕካ ንኻልእ ናይ ምክፋእ ቃናታት ‘ውን ይውሰኾ። ኣብ ባይታ ክርአ ኸሎ ግን እዚ ኣበሃህላ’ዚ መሰረት ዘለዎ ኣይኮነን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኩሉ ሰብ ዝተዓዘቦም ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝተወደቡ ንመጠን ደገፍ ናይቲ ስርዓት ኣብ ወጻኢ ሃገር ብሓፈሻዊ መንገዲ ክልክዑ ዝኽእሉ ክልተ ኣጋጣሚታት፣ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ መስከረም 2011 ኢሳይያስ ኣብ ኒውዮርክ ዘካየዶ ኣኼባ ደገፍቱ፣ ከምኡ ውን ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ኤውሮጳ ከተማ ቦለኛ ዝተኻየደ መበል 40 ዓመት ፈስቲቫል ቦለኛ ህግደፍ ከም ኣብነት እንተተመልከትና፣ ኣብቲ ናይ ኣመሪካ ኣኼባ፣ ‘ሎሚ ዘይከተተ’ እናተባህሉ ተጎስጕሶም ዝተሳተፉ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ናብ ኒውዮርክ ዝገሹ ደገፍቲ ካብ 3-5 ሽሕ ዝበጽሑ እዮም። እቶም ኣኼበኛታት ረሾኦም ብዘየገድስ ካብዘን ሰለስቲን ኣውራጃታት ከምዝነበሩ ርግጸኛ እየ። ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ብውሑዱ 150 ሽሕ ኤርትራዊ እንተደኣ ሃልዩ፣ 50 ሽሕ ደቂ ኣውራጃ ሓማሴን እንተደኣ ኮይኖም፣ ዋላ እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ 3 ሽሕ ካብ ሓማሴን ነይሮም ኢልና እንተገሚትና፣ እቶም 3 ሽሕ ከም ወከልቲ ናይቲ 50 ሽሕ ህዝቢ ተቖጺሮም ‘ኣብ ኣመሪካ ዝነበር ህዝቢ ሓማሴን ደጋፊ ስርዓት ህግደፍ እዩ’ ከብሉዎ ኣይክእሉን እዮም። ናይቲ ኣብ ኤውሮጳ፣ ቦለኛ ዝተኻየደ ኣብ ሳልስቲ 2 ሽሕ ደገፍቲ ዝተሳተፉዎ ፈስቲቫል ‘ውን ከምኡ። ዝዓበየ መልእኽቲ ናይዚ ተርእዮ ‘ዚ ብዝሒ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት እናኣንቆልቆለ ይኸይድ ምህላዉ ካብ ምዃን ሓሊፉ መለክዒ ኣውራጃዊ ፖለቲካዊ መርገጺ ክኸውን ኣይክእልን።

በንጻሩ፣ ኣብ ኣመሪካ፣ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ብ 2013 ዝተኻየደ ዋሃ ተባሂሉ ዝተዋህለለ ካብ 1000 ክሳብ 1500 ዝበጽሕ፣ ሎሚ ዘበን ‘ውን ኣብ ቦለኛ ኣብ ዝተኻየደ ካብቲ ናይ ኣመሪካ ኣዝዩ ዝተሓተ ቁጽሪ ዝነበሮ ተመሳሳሊ ጸረ ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፍታት ተቓወምቲ፣ ዝበዝሑ ተሳተፍቱ ኣከለጉዛይ ነይሮም ዝብሃል እንተኾይኑ ‘ውን ካብ 50 ሽሕ ደቂ ኣከለጉዛይ 600 ዘይበጽሑ ውልቀሰባት ስለዝተሳተፉዎ፣ ኣከለጉዛይ ተቓወምቲ ስርዓት ኢሳይያስ እዮም ዘብሎም ኣይኮነን።

እዚ ክልቲኡ ክዉንነታት፣ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ደላዪ ለውጢ ክንሱ፣ ነቲ ስርዓት ብንጥፈት ዝድግፉዎ ኮነ ብንጥፈት ዝቃወሙዎ ውሑዳን ምዃኖም እዩ ዘመልክት፣ እምበር ንሓደ ወገን ዘነይት ወይ ንሓደ ወገን ዘወንጅል ጭብጢ ኣየቕርበልናን እዩ።

ኣብዚ ክስሓት ዘይብሉ፣ ብፖለቲካዊ መትከላት ዘይኮነ ምስ ህግደፍ ብዘለዎም ውልቃዊ ረብሓዊ ዝምድናታት ዝተኣሳሰሩ ውሑዳት ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት፣ ነቲ ዘሻቕሎም መመሊሱ እናተቆርመመ ዝውዳእ ዘሎ ዋሕዲ ደገፍቲ መዳምቕቲ ዝኾኖም ቁጽሪ ንኽድርቡሉ፣ እቲ ስርዓት ናይ ወገኖም ምዃኑ ‘ሞ ነቲ ወገኖም ይከላኸሉሉ ምህላዎም ከምስሉ ብዓውታ ናይ ካርታ ጸወታ ወሲኾም ዝዋስኡ፣ ሳዕቤን ዕሽነቶም ዘይስቆሮም ደናቍር ምህላዎም እዩ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ‘ውን፣ ብፍላይ ኣብዚ መንእሰያት ናብ ተቓውሞ ዝተቓላቐሉሉ እዋናት፣ ነዞም በጻብዕቲ ዝቝጸሩ ባእታታት ከም ወከልቲ ናይ ሓደ ኣውራጃ ወሲድካ ህልኻዊ ግብረ-መልሲ ብምዝውታር ንስኻ ዝያዳ እሙን ተቓዋሚ ካልኦት ግን ኣይግድን ኣምሲልካ ነቲ ምንቅስቓስ ክትብሕቶ ወይ ከተጽብቦ ናይ ምፍታን ዘይብሱል ወገናዊ ምንቅስቓስ ክርአ ጸኒሑ እዩ። እዞም ክልተ ውሑዳን ጥሩፋት እምብኣር ወከልቲ ናይቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ክይኖም ነቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ቫይረስ ምፍልላይ ክዘርኡሉ ክፍቀደሎም የብሉን። ካብዚ ኣልዒልናዮ ዘለና ሰለስተ ኣውራጃታት፣ ደገፍቲ ኣለዉ፣ ተቓወምቲ ኣለው፣ ስቕታ ዝመረጹ ብዙሓት ከኣ ኣለዉ። ስለዚ ኣሐፍሽ ኣቢልካ (Generalize ጌርካ) ብኣውራጃ ምክሳስ ኣሉታዊ ሳዕቤን ስለዘለዎ ክንጥንቀቐሉ ይግባእ።

እቲ ጸገም እምብኣር ነዞም ሓቅነቶም ብመጽናዕቲ ዘይተረጋገጸ ኣውራጃዊ ክልሸታት (stereotypes) ከም ቅቡላት ወሲድካ ኣብ ልዕሊኦም ክልሰሓሳብ ምምስራት እዩ።

እዚ ሓው ታደሰ ኣብቲ ቀዳማይ ኮነ ኣብዚ ካልኣይ ጽሑፋቱ ምስ ኣውራጃዊ ኩነታት ኣተኣሳሲሩ ኣልዒሉዎ ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምጕታት እምብኣር ኣብዚ ብጽፈትን ጥንቃቐን ዘይተጸንዐ ኣበሃህላታት ዝተመርኮሰ ከይከውን ትዕዝብቲ ዝጠልብ እዩ።

ንኣብነት ነዚ ኣብዚ ዳሕረዋይ ተኸታተሊ ጽሑፉ “ምምሕዳር ዞባታትን ምምቕራሕ ጸጋታት ሃገርናን ብመንጽር ጽገናዊ ለውጢ?” ኣብቲ ቀዳማይ ተኸታታሊ ጽሑፉ፣ “ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን”…”ህዝባዊ ግምባር ብደቂ ከበሳ ዝተዓብለለ፣ ካብኡ ናብኡ ድማ ንተወለድቲ ዝተወሰነ ከባቢ ናብ ሓላፍነት ዝሓሪ ውድብ እዩ ነይሩ” ኢሉ ንዝጸሓፎ ብምዝካር…ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ሕጂ ዘቕርቦ ተኸታታሊ ዓንቀጽ፣ “እቶም ኣብ ህዝባዊ ግምባር ንንጹሃት ሃገራውያን እናቐንጸሉ ነቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሒቶም ዝኣተዉ ውልቀሰባት (ተወለድቲ ናይቲ ሰሜን ካብ ኣስመራ ዝርከብ ከባቢታት ሓማሴንን፣ ሕርጊጎ ዝማእከሉ ከባቢታት ባጽዕን) ብጉልባብ ምምሕዳራዊ ቅርጺ፣ ነቲ ካልእ ማዕሪኦም ደቁ ዝኸፈለ ህዝቢ ኣጓንዮም ንቀንዲ ቁጠባ ኤርትራ ከመቓርሑዎ ኢና ተዓዚብና”… ይብል።

እዚ ርእይቶ እዚ ጭቡጥን ዝተጸንዐን መሰረት ዘይብሉ ባዕላዊ መደምደምታ እዩ ዝብል መረዳእታ ኣለኒ። ናብዚ ገምጋም ‘ዚ ንዘብጽሓኒ መርትዖ ቅድሚ ምትንታነይ ግን፣ ነቲ ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት ዘተኣታተዎ ኣወዳድባ ዞባታት ብዝምልከት ከከም ኩርናዕ ኣበጋግሳ ናይቲ ምጕት ዝተፈላለዩ ባዕላዊ ክልሰሓሳባዊ ትንታኔታት ከምዘለዉ ክጠቅስ እደሊ።

1ይ – እቲ እዚ ስርዓት ‘ዚ ንልዕልና ናይ ሓደ ኣከባቢ ወይ ኣውራጃ ዘቐድም እዩ ዝብል መረዳእታ ዘለዎ ካብ ኣውራጃዊ ኩርናዕ ዝብገስ ክልሰሓሳብ፣ ነቲ ናይ ህግደፍ ዞባዊ ምክፍፋል፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዕብለላ ናይ ሓደ ኣከባቢ ወይ ኣውራጃ ንምርግጋጽ (ካልኦት ንምዕምጻጽ) ዝተኣታተወ ሜላ ገይሩ ይገልጽ። እዚ ብሓው ታደሰ ዝቐረበ ዝርዝራት ከም ሓደ ኣብነት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገላልጻ ክውሰድ ይከኣል።

2ይ – እቲ እዚ ስርዓት’ዚ ብሓደ ብሄር/ሃይማኖት (ትግርኛ/ክርስትያን) ዝዕብለል እዩ ዝብል መረዳእታ ዘለዎ ካብ ብሄራውን ሃይማኖታውን ኩርናዕ ዝብገስ ክልሰሓሳብ፣ ነቲ “እሙን ናይቲ ስርዓት ዝኾነ ብሄረ ትግርኛ፣ ኣብ ኩለን ዞባታት ከምዝህሉ ብምግባር፣ ንኻልኦት ብሄራት ንምቍጽጻር ዝዓለመ ፖለቲካዊ ስልቲ ከምዝኾነ ዝገልጽ ኣበሃህላ ‘ውን ኣሎ።

3ይ – እቲ ሳልሳይ ክልሰሓሳብ ናይቲ ስርዓት ኮይኑ፣ እቲ ተክኒካዊ ክፋሉ (ማለት እቲ 6 ዞባታት ንምቛም ዝተወስደ ክራይተርያ) እንታይ ምዃኑ እምበር፣ ስለምንታይ ኣውራጃታት ፈሪሱ ብዞባታት ክትካእ ከምዝተመርጸ ሓፋሽ ዝሰምዖ ወግዓዊ ትንታነ ኣይተገብረሉን። ኣብቲ ብ1996 ምክፍፋል ዞባታት ዝተኣታተወሉ እዋን፣ ማይ ክዖ (Catchment Area) ቀንዲ ረቛሒ መከፋፈሊ ዞባታት ምንባሩ ተደጋጊሙ ክግልጽ ከሎ፣ እቲ ህዝቢ ከም ታሪኻዊ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል ለሚዱዎ ዝጸንሐ ኣውራጃታት ፈሪሱ ብዞባታት ክትካእ ዝተድለየሉ ምኽንያት ኣውራጃዊ ወይ ወገናዊ ስምዒታት ንምህሳስ ተባሂሉ ከምዝተገብረ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ጥራይ እዩ ተሰሚዑ።

(ክቡራት ኣንበብቲ፣ ዋላ’ኳ ሓሳባተይ ኣብ ሓደ ዓንቀጽ ክጥርንፎ ተሊመ እንተነበርኩ፣ ብሓደ ክፋል ከምዘይገላገል ድሮ ይፍለጠኒ ኣሎ ‘ሞ ንባብ ከይነውሓኩም ጽሑፈይ ንግዚኡ ኣብዚ ደው ከብል። ኣብቲ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል፣ እዚ ናይ ሓው ታደሰ ይኹን እቶም ካልኦት ክልሰሓሳባዊ  መደምደምታታት ጽኑዕን ጭቡጥን መሰረት የብሎምን ዘበለኒ ምኽንያት፣ ብቐንዱ፣ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ሃገራዊ ዕላማታት ንምውቃዕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኮነ ስኒት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዕቃብ ክህልዎ ንዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋ፣ ብምዝርዛር ክድምድም ክፍትን እየ። ሰላም የራኽበና)

ኣማኑኤል ኢያሱ

1 ሕዳር 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
87 COMMENTS
  • Habtom November 2, 2014

    Haw Tadesse zimeselo kizareb meselu eyu!!!!!Kem gedim tegadalay hizbawi ginbar keaani kab temokruun tiezbitatun ember bi simieet meseret zeyblu aykonen tsiifu !!!!!!!!!!!!

    Bi emut , bizey chibiti wey meredaieta gega neyru mibal, ab gega miwuaal eyu!!!!!!!!!!!!!!!!

    Ember zitsehafo, zizergiho tsihufat hadinet eritrawyuan zemtsie, wudit HGDEF zekalih eyu!!!!!!!!!!!!

  • samuel November 2, 2014

    Dear amanuel,

    I have read tadese’s analysis and the facts he presented in his article. I find it down to earth right. He told the truth as it is. Sometimes you should be able to call a spade a spade. If you want to garner support from the other side I don’t think this is the way. One can only reconcie with himself and others if the truth are told with out any reservations. So I advise you to get your perspective right. Twisting the truth in the name of unity won’t take us anywhere.

    Sam, Nottingham

  • Awet Nihafash November 2, 2014

    ዝኸበርካ ሃገር

    ምሉእ ብምሉእ ይሰማማዕ እየ ምስ ሓሳብካ፣ እንተኾነ ግን ናይ ሓደ ወገን ሓሳብ ከይሰማዕካ፣ ህዝቢ ኣንቢቡ ከይተማሃረሉን ከይተኻትዓሉን ነቲ ሓሳብ ምዕባጥ ካብቲ ናይ ኣስመራ ስርዓት ዘፍልየና ኣይኮነን።
    ንሓደ ሕብረተሰብ ካብ ጸጋም ናብ የማን፣ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ከተምጽኦ ትኸእል ሓንቲ መንገዲ ብዙሕነት ናይ ሓሳባት እናኣአንገድካ፣ ኣብ ናጻ መድረኽ ብኽፉት ኣእምሮ ክመያየጥ ምስ እትገድፎ አዩ። ደሓር ክኣ ሓደ ሓሳብ ብኻልእ ብሉጽ ሓሳብ ጥራሕ እዩ ክትካእ ወይ ውን ክሰዓር ዝኽእልን ዝግባእን።

    ዓወት ንሓፋሸ ብግብሪ

  • kidane November 2, 2014

    Aman where were u all these years? why don’t review any article before post them in ur website? why u choose to talk abt this topic at this time? shame

  • abbysinia November 2, 2014

    ኣቶ ኣማኑኤል ስክፍታኻ ርዱእ ነገር እዩ። ግና ታደሰ ዝተገብረን ዝግበር ዘሎን እዩ ገሊጹ። ምናልባት ዝተጋነነ እንተሃልዩ ምእረም ጽቡቕ እዩ፨ ኣብ ገድሊ ዓዲ ኣውራጃ ምሕታት ነውሪ ነይሩ ኢልካ። መሰረት ዘይብሉ ደጋዊ ስማውን ፍርሒ ዝተሓውሶ እዛዝ እዩ ነይሩ። ሎሚ ደኣ ቅርዓት ወጺዩ እምበር ደቂ ውሻጠስ ቀንዲ መምርሒኦምን መስርሖምን እዩ ነይሩ። ህግድፍ ንዞባታት ብማይከዖ እዩ ዶ ኢልካ? ማሕሙድ ሸሪፎ እንታይ መልሲ ከምዝሃበ ኣይሰማዕካን ዲኻ በቲ ግዜ’ቲ ኣብ ኤርትራ ኣይነበርካን ዲኻ ኮንካ። ሶይራ ሽመጃና ዓዲ ቀይሕ ማይከዖ ኮይኑ ድዩ ንመንደፈራ ተሳሒቡ? እስከ በጃኻትኩም ሓቂ ንፍቶ። ሓደ ንዘመናት ተደጋጋሚ ትወጺዓይ ተበዲለይ ኣብ ሃገረይን ከባብየይን እንተበለ ነውሪ ኣይኮነን። ከም ሓደ ሰብ ቁስሉ ሓቢኡ ፈውሲ ሃሰስ ዚብል ኮይኑ ኢዩ ዝረኣየካ እዚ ነገር። ምናልባት ቀደም ኣብ መዳ ዝግበር ዝነበረ ክሳብ ቀረባ ግዜ ብዙሕ ሰብ ኣይፈልጦን ነይሩ ኣብ እግሪ ጎቦን ስንጭሮን ይፍጽም ስለዝነበረ ነቲ ፍጻመ ሓቢኦም ክሳብ ሕጂ ዝጎዓዙ ሰባት ኣለዉ መታን ከይፍለጥ። እንተኮነ ግዜ መምህር ስለዝኮነ እቲ ጉድ ብሃገሮምን ህዝቦምን ዝስመዓም ተገሊጹ እዩ። ተሓቢኡ ዝነብር ነገር ስለዘየለ። ጸገናት ዝፍተሑ ከምዝነበሩን ዘለዉን ኣሚንካ ብቕኑዓ ልቢ ንምፍታሖ ንሓባር ምዝታይ ምስራሕን እዩ እቲ ፈውሲ። እምበር ደሞክራሲን መሰልን እናጸጨራሕካ ንሰባት ከምቲ ፈርዖናዊ ስርዓት ክትዕፍኖ ምህቃን ጸገም ምርባሕ እዩ ዝከውን። እቲ ስርዓት ብ2001 ናይ ህዝቢ ስምዒት ንምስላብ እንታይ ይጉስጉስ ከምዝነበረ ኣይትፈልጥን ዲኻ። ስለዚ ጽሑፍ ታደሰ ኣብ ሓቅነት ዝተመርኮሰ እዩ። ወደሓንካ!

    • Gezae November 2, 2014

      One man’s bread is another man’s poison. If Sheriffo and his failing opinions are your favarites, I do not think that we can share ideas. Because I believe emotional outbursts are what Taddesse and you make you to criticize others as a ruling group of people and other satellite.

  • Truly Truly i say to you November 2, 2014

    ኽቡራት የሕዋት እዚ ሓደገኛ ዝኮነ ናይ ብሔር ፍልልያት ጠጠው ተ ዘይበለ፣ ከምቲ ኣብ ግዜ ብሉይ ኪዳን ይትረፍ ብስንኪ ፍትሓዊ ሥርዓት ኣልቦነት ሓደ ብሔር ኣብ ልእሊ ካልእ ብሔር ገበን ፈጺሙ፣ ሃደ ካብቲ ነገድ እሥራኤል ዝኮነ ለዊያዊ ንሃንቲ ካብ ነገድ ቤቴልሔም_ ይሁዳ ሰበይቲ ሒዙ ንሩሕቅ ኣዲ ይገይሽ ኣብዝነበረሉ ዕዋን ብእየሩሳሌም ሓሊፉ ናብቲ ክበጽሆ ዝደለዮ ኣዲ ቅድሚ ምብጽሁ ምድሪ ኣዝያ መሰየቶምሞ ንሃደ ኣረጊት ሰብዓይ ካብ ከረን ኤፍሬም መጺኡ ወሰንተኛ ኾይኑ ኣብ ጊብዓ ይቕመጥ ንዝነበረ ንከሕድሮም ሓቲቱ ። እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ድማ፡ ሰላም ይሀሉኻ፡ ሓንጽ ኣብዚ ኣደባበይ ደአ ኣይትሕደር እምበር፡ ዝጎደለካ ዘበለ ኻባይ ድለዮ በሎ። ናብ ቤቱ ኣእትዩ ኸአ፡ ነተን ኣእዱግ ዚብላዕ ሀበን፡ ኣእጋሮም ተሕጺቦም ከአ በልዑን ሰተዩን። ንሳቶም ልቦም ምስ ተሓጎሰ፡ እንሆ፡ ሰባት እታ ኸተማ፡ ደቂ ብልያል፡ ነታ ቤት ኣኽቢቦም፡ ነታ ማዕጾ ገርማዕማዕ ኣበልዎ፡ ነቲ ኣረጊት ሰብኣይ በዓል ቤት ድማ፡ ነዚ ኣብ ቤትካ ኣትይ ዘሎ ሰብኣይ ክንፈልጦስ፡ ኣውጽኣዮ ኢሎም ተዛረብዎ። እቲ ሰብኣይ በዓል ቤት ናባታቶም ወጺኡ፡ ኣሕዋተይ ኣይፋልኩም፡ በጃኹም ክፉእ ኣይትግበሩ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቤተይ ካብ ኣአተወስ፡ እዚ ነውሪ እዚ ኣይትግበሩ። እንሆ፡ ድንግል ጓለይን ሰበይቲ ወሰኑን፡ ንኣታተን ከውጽኣልኩም፡ ከም እተራእየኩም ጌርኩም ኣሕስርወን፡ ኣብዚ ሰብኣይ እዚ ግና ከምዚ ዝበለ ነውሪ ነገር ኣይትግበሩ፡ በሎም። እቶም ሰባት ግና ኪሰምዕዎ ኣይፈተውን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቲ ወሰኑ ሒዙ ናብኦም ኣብ ግዳም ኣውጽኣ። ንሳቶም ከአ ፈለጥዋ፡ ምልእቲ ለይቲ ኽሳዕ ዚወግሕ ድማ ዐመጽዋ። ቀይሔ፡ጸሊም ኪቐዽ ከሎ፡ ትኺድ ሓደግዋ። ኪወግሕ ምስ ጀመረ፡ ኣታ ሰበይቲ ናብ ደገ እታ ጎይትኣ ዘለዋ ቤት መጺኣ፡ ክሳዕ ዚበርህ ኣብኡ ወዲቓ ነበረት። እቶ ጎይትኣ ብጊሓት ተንሲኡ ማዕጾ እታ በኢት ከፈተ፡ መገዱ ኪኸይድ ድማ ወጸ። እንሃ፡ እታ ሰበይቲ፡ ስበይቲ ወሰኑ፡ ኣብ ደገ እታ ቤት ወዲቓ፡ ኣእዳዋ ኸአ ኣብ ልዳት ዘርጊሓ ነበረት። ንሱ ድማ፡ ተንስኡ ንኺድ በላ። ግናኸ ኣይመለሰትሉን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ኣብ ኣድጉ ጽዒንዋ ተላዑሉ ናብ ቦትኡ ኸደ። ኣብ ቤቱ ምስ ኣተወ፡ ካራ ወሲዱ ነታ ሰበይቲ ወሰኑ ሒዙ በብብልዕቲ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ቖራጽ ቆራረጻ እሞ ናብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ሰደዳ። ኮነ ድማ፡ እዚ ዝረአየ ኹሉ፡ ደቂ እስራኣኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዝወጹ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ኸምዚ ዘመሰለ ኾይኑን ተራእዮን ኣይፈልጥን። ሕሰብውን ተማኻኸሩሉን ተዛራረቡሉን በለ።
    ኽቡራት የሕዋት ነቲ ታሪኽ ከምዘሎ ኣብዚ ንምዝንታው ነዊሕ ስለዝኾነ ብሃጸሩ
    ብድሕሪኡ እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ናብ ብዘሎ ነገድ ብንያም፡ እዚ ኣባኻትኩም ዝኾነ ኽፉእ ነገር ኣንታይ እዩ፡ ሕጂ ኸአ ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ከነርሕቖስ፡ ነቶም ኣብ ጊብዓ ዘለው ደቂ ብልያል ክንቀትሎም ሀቡና ኢሎም ሰባት ለአኹ። እቶም ደቂ ንብያም ግና ቃል ኣሕዋቶም ደቂ እስራኤል ኪሰምዑ ኣይፈተውን። በዚ ምኽንያት ኣብ ልእሊ ደቂ ብንያማያን ንምጥፋእ እቶም ኩሉም ነገዳት (ብሔራት)ብሃባር ዂናት ስለዝ ኣወጁሎም በቲ ሕድ ሕድ ውግእ ብድሕሪኡውን ዝኾነ እስራኤላዊ ነገድ ምስ ብንያማያን ከይዋሰብ ፈርዶምዎም ስለዝነበሩ፣ ካብቲ ፩፪ ነገድ እሰራኤል ሃደ ዝኾነ ና ቢንያም ነገድ ዳርጋ ጸኒቱ ካብ ታሪክ ክሕከክ ቀሪቡ ከምዝነበረ ቃል እግዚኣብሔር ኣብ (መጽሓፍ መሳፍንቲ
    መበል 19ምዕራፍ መበል ፳ ምዕራፍ መበል 21 ምዕራፍ የዘንትወልና።

    ቱሩሊ እዚ ኹሉ ምሕውታት እንታይ ንምባል እዩ፧ ትብሉኒ ተኮይንኩም ኣብ ቃል እግዚ ኣብሔር ዝተጸሓፈ ነገር ዊእሉ ሓዲሩ ተደይተጠንቂቅናን ከም ሕዝቢ ነነዌ ተናሲሕና ነቲ ኣምላኽ ከምጽዖ ዝበይኖ ጥፍ ኣት ክንድህን እንተዘይኪእልና እመኑኒ ኣብ ልእሊ ደቂ ሓማሴን ወይ ከኣ ኣብ ልእሊ ደቂ ኣኮሎግዛይ እቶም ካልዖት ነገድ ብሃባር ልኽእ ብንያማውያን ከምዝጽነቱን ካብቲ ሕብረተሰብ ዳርጋ ከምዝተነጸሉን ንሓዲዖም ነጽንቶም ኢሎም ውግእ ንከይእዉጁ ስልዝሰጋኹ እዩ።
    ኣነ ከምትእዝብተይ ዋላዃ እዚ ሽፍታ ኣረመኔዊ ሥርኣት ንሃደ ብሔር ኤር ትራ ፈልዩ ዝጠቀሞ ከምደየሎ እንተኣመንኩ፣ ኣብቲ ናይ ስልጣን ኮርሻ ግን ከምቲ ሓውና ታደሰ ኪዳኔ ብትብ ኣት ክገልጾ ዝፈተነ፣ ንገለ ብሔራት ሃለፍቲ ብፍላይ ነቶም ድኹማት ደቂ ኣዲ እናመረጸ ንሕዝብና ብናይ ብሔር ፍልልይ ከናቁትን ብካልእ ወገገን ድማ ፍትሓዊ ንምምሳል ከምዝጽእርን ክንክሕዶ የብልናን። ኣነ ከም እምነተይ እቶም ኢሳያስ ብስነ ልቦና ድኽመቶምን፣ ገለ ሃለፋ ጠቕምን ብምሃብ መሳሪሂ ገርዎም ዘለዉ ሰበስልጣናት ካብ ሓምሴን ይብዝ ሁ ካብ ኣከለጉዛይ ዋላ ካብ ሰራዬ ነቲ ሃደ ጠቅሚ ዘይረኸበ ናይ ኩሉ ብሔራት ሰፊህሕ ሕዝቢ ዝውክሉ ኣይኮኑን። ብጀካ ንነፍሶምን ኣዝማዶምን። ይኹን እንበር ነቲ ለዋሕ ህዝቢ ኣታሊሎም ኣይጥቀሙሉን ኣለዉ ክበሃል ኣይከኣልን።
    በዚ ምኽንያት ክቡር ኣማን ኤል እያሱ ሓውና ውላዃ ካብቲ ዘለካ ቅንእና ክትቅበሎ ተደይደለኻ፣ ብሃቂውን ከምደይሃንጸናን ከምደየዋጽ ኣናን እንተፈለጥና እቲ ሓማሴን ደጋፊ መንግስቲ፣ ኣከለጉዛይ ተቓዋሚ፣ ሰራየ ድማ ላንጋ ላንጋ ዝ ብል ኣመር ኣብ ቦቱኡ ዘሉ ሓቂ ከምድ ኾነ ክንክሕዶ ኣይግባእን። ዝኾነ ሕሊና ዘለዎ ኣብ ፈቀዶ ናይ ሕግደፍ ሴሜናራትን ፌስቲቫልትን ከይዱ ብምእዛብ ከረጋግጾ ዝኽእል ሓቂ ስለዝኾነ፣ በዚ ምክንያት ናይ ታደሰ ትእዝብቲ ዋላዃ ናይ መጽናእቲ ጉድለታት የብሉን እንተዘይተበሃለ ናይ ኣማን ኤልም ስክፍታ ጌጋ ስለዘይኮነ ንኽልቴኹም ከመስግን እደልይ።

  • Zeremariam H. Kifle November 2, 2014

    ዝኸበርካ ኣማኒኤል ኣነ ኣባኻ ዘለኒ ሚዛንን ኣኽብሮትን ኣዚዩ ገዚፍ ኢዩ፡ እቲ ከይተሓለልካ እትገብሮ ዘለኻ ቃልሲ
    ኣፍ ውጹዓት ኢኻ፡ ኣጆኻ በርትዕ ኣብጎድንኻ ኣለና ክብለካ እፈቱ። ኣብዛ ናይ ሕጂ ትንታነኻ ግን
    ኣብ መብዛሕትኡ ክሰማማዕ ከለኹ፡ ኣብ ሓንቲ ኣገዳሲት ግን ብፍጹም ዘይሰማማዓሉ ትንታነ ሂብካ።
    ንሱ ከኣ ነቶም ዓድታት እንዳባደመን ህዝቢ እንዳጸነተን ብዓይኖም እናረኣዩ ሕልነኦም ሸይጦም ምስቲ ስርዓት
    ደው ኢሎም ንዘለዉን፡ ነቶም ውሑዳት፡ ዓደቦ ይባድም ኣሎ ህዝብና ይጠፍእ ኣሎ’ሞ ዓገብ ፡ ነዚ በላዕ ሰብ ዝኾነ ስርርዓት ንምእላይ ንዑ ገለ ነገር ንግበር ንዝብሉ ንፍትሒ ዝቃለሱ ፡ መቓልስትኻ ፡ኣብ ሓደ ቁራዕ ኣእቲኻ ብጥርንፉነት ክትገልጾም ክትከሶምን ከለኻ ብናተይ ሪኢቶ ጊጋ ኢዩ እብል። እዞም ደለይቲ ፍትሒ ዝኾኑ መንእሰያት ብ ክልተ ወገን (ብስርዓት ህግደፍን ብተቛውምትን) ክህረሙ ከለዉ ከኣ ኣሕዚኑኒ
    ኣብ ጽሑፍካ ከምዚ ኢልካ፤
    “….። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ‘ውን፣ ብፍላይ ኣብዚ መንእሰያት ናብ ተቓውሞ ዝተቓላቐሉሉ እዋናት፣ ነዞም በጻብዕቲ ዝቝጸሩ ባእታታት ከም ወከልቲ ናይ ሓደ ኣውራጃ ወሲድካ ህልኻዊ ግብረ-መልሲ ብምዝውታር ንስኻ ዝያዳ እሙን ተቓዋሚ ካልኦት ግን ኣይግድን ኣምሲልካ ነቲ ምንቅስቓስ ክትብሕቶ ወይ ከተጽብቦ ናይ ምፍታን ዘይብሱል ወገናዊ ምንቅስቓስ ክርአ ጸኒሑ እዩ። እዞም ክልተ ውሑዳን ጥሩፋት እምብኣር ወከልቲ ናይቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ክይኖም ነቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ቫይረስ ምፍልላይ ክዘርኡሉ ክፍቀደሎም የብሉን” ትብል።
    ዝኸበርካ ሓው ኣማኔኤል ኣነ ንኣኻ ከረድኣካ ዘይኮነስ ፡ ነዓይ ዝረኣየኒ ንምግላጽ ኢዩ። እሞ እዞም መንእሰያት ምቅላስ ካብ ዝጀመሩሉ ግዜ ኣትሒዙ እዚ ዘይበሃል ተጻብኦን ጸለመን ኣይተጋነፎምን ድዩ? በዚሕኩም፡ ዓብሊልኩም ኣይተባህሉን ድዮም? ኣብቲ ግዜ’ቲ’ኸ ፡ ከምዚ እንተበሉኹም ኣይትገደስሉ ኣጆኹም ቃልሲ ከምኡ ኢዩ፡ በቢቍሩብ ኵሉ ናብ ሓደ ክመጽእ ኢዩ ዝብል መተባብዕን ሕውነታውን ምኽሪ ምልጋስ’ዶ ኣይመሓሸን። ሕጂ እዞም መንእሰያት እዚኦም በቲ እንተኸዱ በዚ፡ ባውራጃውነት ዝውቀሱ እንተኮይኖም፡
    ዝግብርዎ ጠፊእዎም መፋሕፍሒ ሲኢኖም ፡ ክላ እዚ ካብኮነ ብኣውራጃና ተጠሪፍና ንቃለስ እንተብሉ፡ በዚ ንስኻ ገሊጽካዮም ዘለኻ ክግለጹ ዓገብ ኢየ ዝብል።
    ንምኻኑ ካብ ምቅላስ ብዘይካ ገዛኻ ምድካይ፡ ግዜኻን ገንዘብካን ምጥፋእ፡ መስዋእቲ ምኽፋል፡ እንታይ ረብሓ ስለ ዘለዎ ኢዩ ፡ ክብሕትዎ ደልዮም ዝበሃል?? ወዲ’ዚ ኣውራጃ ኢኻም ኣብዚ ማሕበር ኣይትኣቱን ዝበለ ኣሎ ድዩ?? ኣብ ሓደ ናይ ቃልሲ ማሕበር ደቁ ሓደ ከባቢ እንተበዝሑ ክምስገኑ ድዩ ዝግበኦም? ክውቀሱ?
    ኣብ መጨረሻ ክብሎ ዝደሊ ምሳኻ ዝስማምዖ ፡ ን ምሉእ ኣውራጃ ብጅምላ ክትውንጅሎ ኣይግበኣን፡ ብኣውራጃ ስም ምቅላስ እውን ጽቡቕ ኢዩ ኣይብልን። እዞም መንእሰያት እንተኾኑ’ውን ብኣውራጃ ኢሎም ቃልሲ ጀሚሮም፡ ናብዚ ናይ ሕጂ ኩነታት ዝደፋፍኦም በደላት ክድህሰሱ ይግበኦም። ክእረም እንተኮይኑ ብምይይጥን ምኽርን ደኣ እምበር፡ ብልሖም ንምጕዳብ ዝግበር ዘመተ፡ ንደምበ ተቛውሞ ሃሳዪ፡ ዕድመ ስርዓት ህግደፍ ዘናውሕ ኢዩ።

  • Zeremariam H. Kifle November 2, 2014

    ዝግብርዎ ጠፊእዎም መፋሕፍሒ ሲኢኖም ፡ ክላ እዚ ካብኮነ ብኣውራጃና ተጠሪፍና ንቃለስ እንተብሉ፡ በዚ ንስኻ ገሊጽካዮም ዘለኻ ክግለጹ ዓገብ ኢየ ዝብል።
    ንምኻኑ ካብ ምቅላስ ብዘይካ ገዛኻ ምድካይ፡ ግዜኻን ገንዘብካን ምጥፋእ፡ መስዋእቲ ምኽፋል፡ እንታይ ረብሓ ስለ ዘለዎ ኢዩ ፡ ክብሕትዎ ደልዮም ዝበሃል?? ወዲ’ዚ ኣውራጃ ኢኻም ኣብዚ ማሕበር ኣይትኣቱን ዝበለ ኣሎ ድዩ?? ኣብ ሓደ ናይ ቃልሲ ማሕበር ደቁ ሓደ ከባቢ እንተበዝሑ ክምስገኑ ድዩ ዝግበኦም? ክውቀሱ?
    ኣብ መጨረሻ ክብሎ ዝደሊ ምሳኻ ዝስማምዖ ፡ ን ምሉእ ኣውራጃ ብጅምላ ክትውንጅሎ ኣይግበኣን፡ ብኣውራጃ ስም ምቅላስ እውን ጽቡቕ ኢዩ ኣይብልን። እዞም መንእሰያት እንተኾኑ’ውን ብኣውራጃ ኢሎም ቃልሲ ኣይጀመሩን፡ ናብዚ ናይ ሕጂ ኩነታት ዝደፋፍኦም በደላት ክድህሰሱ ይግበኦም። ክእረም እንተኮይኑ ብምይይጥን ምኽርን ደኣ እምበር፡ ብልሖም ንምጕዳብ ዝግበር ዘመተ፡ ንደምበ ተቛውሞ ሃሳዪ፡ ዕድመ ስርዓት ህግደፍ ዘናውሕ ኢዩ።

  • ahmed saleh November 2, 2014

    Either Tadesse or Amanuel didn’t write to complicate
    matters . Infact we the readers are quick to jump in
    conclusion irrelevant to the subject in discussion .
    I have not the will to engage on religious or regional
    based dialogue since most of us lean toward backward
    sentiments . Privately we might discuss about that kind
    of issues with open minded people but with wrong people
    it can lead on negative consequences . And if we observe
    our societies weak sides I guess we should work hard to
    conquer and promote for tolerance among people from
    different zones . It is wise to be leaders for the good than
    follow others example which fell us behind not to progress.
    We have a long way to go to recognize our destructive faults
    and unless we free ourselves we can’t prove our readiness
    for democratic change .
    Libi neEby ahwat deki adey meinti meskinay hizbina

  • Dawit Meconen November 3, 2014

    Tadese, Yemane etc. are indeed aiming at disintegrating our unity as a prude to our demise as a nation, and these ideas are the core and roots of the evil intrigue of the villain woyane and the con artist isaias afeweerqi and his tegaru cabals. Of this, we must not have any inkling of a doubt.

    Genuine Eritreans,

    The corner stone of our struggle must be an immutable conviction that the current crisis that we as a people are passing through was engineered by the street smart and drug addict meles zenawai and the con artist and impostor isaias afeweerqi.

    No doubt that my assertion has been counter intuitive for many of you because you have not been able to reconcile it with the two’s current seemingly irreconcilable contradiction, and historical antecedents, in which the con artist isaias afeweerqi was a leader in the liberation struggle of our people, and TPLF ( tigrai liberation front), unlike EPRP ( Ethiopian Peoples’ Revolutionary Party), not only had readily recognized Eritrean colonial question but also fought along side EPLF against Ethiopian Union Army.

    The name ” woyane” was first used by tegaru 1947 during their uprising for cessation from Ethiopia. They were instantly crushed with the help of the British Air Forces.

    As they tended their surrender to the Ethiopian Army, putting their main agenda of cessation to the back burner, they said that they were merely protesting and calling for improvement of their livelihood. But that was a flat a lie because at the time the entire country was in deep social and economic crisis and the little king had just arrived on the bandwagon of the British Army.

    However, we must recall that while tegaru were staging their uprising for cessation, Woldeab Woldemariam was writing in Eritrean news papers for tigrai tigrigni unity. Mind you, he did not even say, Eritrean-tigrai unity.

    I cannot tell as to when and why he quit . It could be one of the following reason: after criticized by genuine Eritreans, or after the tegaru uprising was crushed to the ground.

    Another question is: When he quit, did he completely quit, or did he put it in the backburner as the tegaru did? It is very hard to say. But the fact that he had subsequently developed a good relationship with isaias afeweerqi can well speak in favor of the backburner.

    The wording of TPLF…. tigrai people’s liberation front and its adoption of the historical name “woyane” signifies that TPLF were set to realize what their fathers failed to accomplish, cessation. Add to this the following:

    1.its decimation of EPRPs in 1977 just because they were stationed at Asimba, tigrai.

    2. its readily recognition of Eritrean question unlike EPRP

    3. Its collaboration with EPLF against Ethiopian Union Army

    4. woyane talks of recognizing Eritrean Independence out of its recognition of the principle of the right to self determination up to cessation. If this were indeed honest conviction, it would have granted the same right to the Oromo, Ogaden etc.

    Genuine Eritreans,

    An enemy does not always attack you frontally; it may adopt circuitous strategy as a means of wearing out its opponent. This is what is transpiring on us.

    And do not ever think that this evil deeds is solely the work of woyane and isaias afeweerqi. It may as well include the Western countries, Israel and many others.

Post a Reply to Mahta Cancel Reply