Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሓይሊ ዝኣቱ ጽልኢ ብቐሊሉ ኣይወጽእን ‘ዩ!

ብሓይሊ ዝኣቱ ጽልኢ ብቐሊሉ ኣይወጽእን 'ዩ ስለዚ ንፍቕሪ ደኣ ብሓይሊ ነጽንዓያ! እዚ ጽሑፍ'ዚ እቲ ሓው ታደሰ ኪዳነ "ምምሕዳር ዞባታትን ምምቕራሕ ጸጋታትን ብመንጽር ጽገናዊ ለውጢ?" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣሰና ዘቕርቦ ዘሎ ጽሑፍ (ብወገነይ ከም መቐጸልታ ናይቲ

ብሓይሊ ዝኣቱ ጽልኢ ብቐሊሉ ኣይወጽእን ‘ዩ

ስለዚ

ንፍቕሪ ደኣ ብሓይሊ ነጽንዓያ!

እዚ ጽሑፍ’ዚ እቲ ሓው ታደሰ ኪዳነ “ምምሕዳር ዞባታትን ምምቕራሕ ጸጋታትን ብመንጽር ጽገናዊ ለውጢ?” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣሰና ዘቕርቦ ዘሎ ጽሑፍ (ብወገነይ ከም መቐጸልታ ናይቲ “ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣቐዲሙ ኣብ 17 ክፋላት ኣቕሪቡዎ ዝነበረ ተኸታታሊ ጽሑፍ ገይረ ዝርእዮ) ዘበጋገሶ ኳ እንተኾነ፣ ብቐንዱ ነቲ ብትሒምሒም ዝዝረበሉ ከይተፈለጦ ንሕብረተሰብና በብቑሩብ ዘረሓሕቖ ዘሎ ወገናዊ ስምዒታት (ብሕልፊ ኣውራጃዊ ስምዒታት) ብምጥቕላል፣ ምስቲ ናይ ኤርትራውያን እዋናዊ ኣጀንዳ ለውጢ ብምትእስሳር ንምርኣዩ ዝዓለመ እዩ።

ነዚ ስምዒታት ‘ዚ፣ ቅድሚ ናይ ሓው ታደሰ ቀዳማይ ተኻታታሊ ጽሑፍ ኣብቲ “ኤርትራ መንግስቲ ይኹን ተቓዋሚ ዘይብላ ሃገር” ዝብል ኣርእስቲ፣ “ ወገናዊ ፖለቲካ የዋጽእ ዶ?” ብዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ብሰፊሑ ዳህሲሰዮ፣ ብድሕሪኡ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ሰሚናራት ብዝያዳ ድማ ኣብ ቴልኣቪቭ (እስራኤል) ኣልዒለዮ ስለዝነበርኩ፣ ሕጂ ብሕጽር ዝበለ መንገዲ እየ ክትንክፎ።

ኤርትራውያን ብዝያዳ ብሃይማኖትን ቋንቋን ብሄራትን ዝልለ ብዙሕነት ኣለና። ንሓዋሩ ከም ሃገር ውሕስነት መጻኢና ሓሊና ብስኒት ክነብር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ገጢሙና ንዘሎ ውልቀምልካዊ ምሕደራ ኣዕኒና፣ ልዕልና ሕጊ ዘለዎ፣ ማዕርነትን ፍትሕን ኩሎም ዜጋታት ሃገር ከነረጋግጽ እንተኾይና፣ ኣብ ብዙሕትነትና ዝተመስረተ ሓድነት ከነማዕብል ኣለና። እዚ ምርጫ ጥራይ ዘይኮነ ግዴታ ‘ውን እዩ። ንኤርትራዊ ብዙሕነት ከም መፈላለዪ ዘይኮነ ከም ጸጋን ጽባቐን ርኢኻ ነዚ ዝዓበየ ሃገራዊ ባህጊ’ዚ ንምጕንጻፍ ኣብ እተቋምተሉ፣ እዞም ዝተጠቕሱ ንጹር መለለዪ ዘለዎም ፍልልያት ዘይብሉ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ (ህዝቢ ከበሳ) ነቲ ሰብ-ሰርሖ ምምሕዳራዊ ምክፍፋላቱ ባህርያዊ ፍልልይ ዘምስሉ፣ ብሓይሊ ጽልኢ ዝዕድሙ ኣገላልጻታት ክወሃቦ ኸሎ፣ ነቲ ኣብ ብዙሕነት ዝተመስረተ ሓድነት መላእ ህዝቢ ናይ ምምጻእ ጻዕሪ ዘዐንቅፍ ወይ ዘካብድ ተርእዮ ብምዃኑ ብኣግኡ ኣቓልቦ ክወሃቦ ዝግባእ ጉዳይ እዩ።

ቅድሚ ዝኣገረ ኣብ መንጎ ኣውራጃን ኣውራጃዊ ስምዒትን ዘሎ ርክብን ፍልልይን ምምልካቱ ጽቡቕ እዩ። ኣውራጃ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃገር ዝርከብ ምምሕዳራዊ ኣከፋፍላ ናይ ሓደ ጅኦግራፊካዊ ኣከባቢ እዩ። ኣውራጃዊ ስምዒት ከኣ፣ ኣብ ረብሓ ናይ ሓደ ኣውራጃ ዘተኩር ዝንባለ እዩ። እቲ ናይ ረብሓ ሃቐነ ብዋጋ ካልኦት ኣውራጃታት ንሓደ ዝተፈለየ ኣውራጃ ክብ ንምባል ዝድለ ክኸውን ከሎ ድማ ጸቢብ ረብሓ ንምርግጋጽ ብዝገብሮ ኣተኵሮ ኣሉታዊ ትርጉም ይህልዎ።

ኣውራጃዊ ምትእስሳር ካብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ሓሊፉ ፖለቲካዊ መስርሕ ናይ ሓደ ሃገር ንምጽላው ወይ ንምዕብላል ምስ ዝህቅን ተኣፋፊ ሳዕቤናት ኣለዎ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ሃይማኖት፣ ብሄር፣ ቋንቋ፣ በቲ ካልእ ናይ ምዕብላል ስምዒት ክሓድሮ ኸሎ ዝርአ ተኣፋፍነት፣ ኣውራጃዊ ስምዒት ዝተሓወሶ ፖለቲካዊ ዕብለላ ‘ውን ኣብ ኣባላት ካልኦት ኣውራጃታት ስግኣት ወይ ዘይውሑስነት (Insecurity) ፈጢሩ ምትፍናን ከምጽእ ብኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ግጭት ክምዕብል ስለዝኽእል፣ ብመንጽር ‘ቲ ኣብ ብዙሕነት ዝተሰረተ ሓድነት ንምምርግጋጽ ክካየድ ዘለዎ መስርሕ ሃገራዊ ህንጸት ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ።

እቲ ኣውራጃዊ ስግኣት ተሰሚዑዎ ሸቐልቀል ብምባል ስለ ኣውራጅኡ ክከላኸል ወይ ከጥቅዕ ኣብ ናይ ምትሕልላው ኩነት ዝጽመድ ኣካል ኣተሓሳስባኡ ኣብ ኣውራጃዊ ሳንዱቕ ተዓብዒቡ ናብ ሃገራዊ ደረጃ ክብ ከይበለ ወይ ከይሰፍሐ እዩ ዝተርፍ። እዚ ኣረኣእያ’ዚ ድማ ቅድሚ ኹሉ ንወናኒ ናይቲ ኣተሓሳስባ እዩ ዝጎድእ። ፍርሒ ወይ ዘይምትእምማን ሓዲሩካ ንኻልኦት ክትንጽል ተበግሶ ክትወስድ ከለኻ ንርእስኻ ትንጸል ኣለኻ ማለት እዩ። ረብሓኻ ድማ ብመጠን ጽበት ኣተሓሳስባኻ ንእሽቶ እዩ ዝኸውን።

በንጻሩ እቲ ብዓብላልነት ዝውቀስ ወገን፣ ዓብላሊ ስምዒት፣ ንገዛእ ርእሱ ካብቲ ብኣንጻሩ ዘሎ ስምዒት ግዳይነት (Victim Mentality) ዝኸፍአ ሞራላዊ ውድቀት ምዃኑ ብምዝንጋዕ፣ እቲ ኣብ ዓብላልነት ዘሎ ስብእነታዊ ቃና ባህታ ፈጢሩሉ፣ ኣጕል ትምክሕቲ ወሲኹ ኣብቲ ተዋስኦ መመሊሱ ዝጥሕል እንተደኣ ኮይኑ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ታኼላ ድሕረት ከምዘሎ እዩ ዘርኢ። ዓብላልነት ነባሪ ስለዘይኮነ ግዳይ ዕሽሽነቱ ‘ውን ክኸውን ከምዝኽእል ክንዝግዕ ኣይግባእን።

እዞም ክልተ ተተፋነንቲ ስምዒታት፣ ማለት፣ ኣውራጃዊ ስምዒት ኣለዓዒልካ “ካብ ዕብለላ ክወጽእ ይቃለስ ኣለኹ” እናበልካ (ፈሊጥካ ወይ ከይተፈለጠካ) ንርእስኻ ናብ ዕብለላ ምምራሕ ኮነ፣ በንጻሩ ካብ ስግኣት ተበጊስካ ብኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ዕብለላ ንምክልኻል ክትብል ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣውራጃዊ ቀጽሪ ከተደልድል ምሕላን፣ ነቲ ምትፍናን መሊሶም ነዳዲ ዝውስኹሉ መዕነውቲ ስጉምታት ብምዃኖም ከነወግዶም ይግባእ።

ስለዚ በንጻር’ዚ ምትፍናንን ሕነኣዊ መንፈስን ዘሐይል ዝንባለ፣ ኣብ ልዕልና ሕጊ፣ ፍትሕን ማዕርነትን ዝሕመረቶም ፖለቲካዊ መትከላት ዘተኮረ ሃገራዊ ራእይ ንምምዕባል ክጸዓር ኣለዎ። ኣብ ክንዲ ኣብ ሻራዊ ኣብ መትከላዊ መርገጺታት ክንኣምን ኣለና። ዕብለላ፣ ማዕርነት ብምርግጋጽ እምበር ብቕዳሕ ዕብለላ ኣይፍታሕን እዩ። ማዕርነት ንምርግጋጽ ከኣ ሕግን ፍትሕን ምንጋስ እዩ ዘድሊ።

ኣብዚ መዳይ’ዚ ዝተኻየደ ጭቡጥ መጽናዕቲ ‘ኳ እንተዘየለ፣ ክሳብ’ዚ ቀረባ ዓመታት ኣሉታዊ ቓና ዘለዎ ኣውራጃዊ ስምዒታት ኣብ ሕብረተሰብና ሱር ኣይሰደደን ክብሃል ይከኣል። ሎሚ ሎሚ ግን ብፍላይ ኣብ ስደት በጨቕታቱ ርኡይ እናኾነ፣ ዓውታ እናወሰኸ፣ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብ ያታዊ ሕብረተሰብ ኤርትራ፣ ዓድኻን ወዲ ዓድኻን ምፍታው ልሙድ ‘ኳ እንተኾነ ብኣሉታ ዝግለጽ፣ ወይ ነቲ ኻልእ ኣውራጃ ኣብ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ዘውድቕ ኣውራጃዊ ስምዒት ኣይነበረን። ብኣበዋት፣ ዓድን መበቆልን ሓዱሽ ገጽ ምሕታት ልሙድ እዩ ነይሩ። መልስኻ ኣሰር ኣፋትል ዝምድና እንተረኸቡሉ፣ መሊሶም ይስዕሙኻ፣ እንተዘየለ “መዋስብትና እንዲኹም” ኢሎም የቀራርቡዎ፣ ካብኡ እንተሓለፈ፣ “መሳድድትና እንዲኹም” ኢሎም የዛንዩኻ። እምበር፣ ካብ ካልእ ኣውራጃ ዝመጽአ ሰብ ተቐቲሉ ሓዲሩ ዝብል ዘረባ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን። ሕብረተሰብና፣ ኣሽንባይ ዶ ካብ ኣውራጃታት ኤርትራ ካብ ስግር ዶብ ንዝመጹ ኣጋይሽ ዘእንግድ፣ ገበላኡ ለጊሱ ልቡ ኣውዲቑ ዝሓድር ኣማንን ልዙብን ሕብረተሰብ እዩ ዝነበረ።

ብድሕሪ’ዚ ዝተዛነየ ኣውንታዊ ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብና፣ ብፍላይ ካብ ዘበነ ሓርነታዊ ቃልሲ ክሳብ’ዚ ዘለናዮ እዋን ግን ክልተ ጥሩፋት ዝንባለታት እናጎልሑ ክመጽኡ ይረኣዩ ኣለዉ። እቲ ንባዕላዊ ፍርሒ መራሕቲ ኣብቲ ሽዑ ፋሽን ዝነበረ ማሕበርነታዊ ፍልስፍና ዘዕቆበ ገድሊ መበቆል ዓዲ ምጥቃስ ከም ነውሪ ክሳብ ምርኣይ ደረጃ ክበጽሕ ከሎ፣ ኣብዚ እዋን ‘ዚ ኸኣ፣ “ብኣውራጃ ፖለቲካዊ ውደባ ምክያድ እንታይ ነውሪ ኣለዎ” ናብ ምባል ገጹ ዘምርሐ ኣተሓሳስባታት ከቀላቐል ይርአ ‘ሎ።

ዋላ ድሕሪ’ዚ ኹሉ ፈተነታት ‘ዚ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝሰፍሐ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ እቲ ኣሉታዊ ኣውራጃዊ ስምዒት ኣሎ ክብሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ዝበዝሐ ህዝቢ፣ እዚ ሻራዊ ጎደና’ዚ ናብ ጥፍኣት ዝመርሕ መንገዲ ምዃኑ ይርዳእ እዩ። እንተኾነ፣ ኣብ ኩሎም ወገናት ዘለዉ ሒደት ጥሩፍ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ውልቀሰባት ዘናፍሱዎም ክዉናትን ዘይክዉናትን ወረታት በብቑሩብ ኣብ ህዝቢ ከም ክልሸታት (stereotypes) እናሰረጹ ኽኸዱን፣ ምንጪ ምትፍናን ክኾኑ ስለዝኽእሉን ብኣግኡ ክመሓዉ፣ ዓዲ፣ ኣውራጃ፣ ሃገር ከምቲ ኣብ ያታዊ ሕብረተሰብና ዝነበረ እቲ ንቡር ኣውንታዊ ሚዛኑ ክሕሉ ኣለዎ።

ኣሉታዊ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ፣ ኣብ መትከላት ዝተመስረተ ርትዓዊ መጎተ ዕሽሽ ኢሉ ብባዕላዊ ስምዒት ዝተዋሕጠ ስለዝኸውን ጸገሙ ከዊሉ ነብሱ እናጸባበቐ፣ በንጻሩ ንኻልኦት ናይ ምክፋእ ኣመል ዘማዕብል ዝንባለ ስለዘለዎ  ክእረም ኣለዎ። ኣብቲ ናይ ምእራም ጻዕሪ እቲ ዝቐለለን ዝቐንዐን ኣገባብ፣ ካብ ነብስኻን ካብ ኣውራጃኻን ምጅማር እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተበግሶ ምጥርጣርን ምትፍናንን ኣፍኵሱ፣ እቲ ኻልእ ወገን ‘ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ዘተባብዕ ኣውንታዊ ወስታ ብምዃኑ ክድፍኣሉ የድሊ። ሰብ ገገዝኡ እንተጽርዩ፣ ዝጸረየ ኣከባቢ እዩ ዘፍሪ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ዝጠዓየት ሃገር ትርከብ። በንጻሩ ሚዛን ኣጥፊእካ ናብ ካልኦት ኢድካ ዊጥ ምባል እንተተዘውቲሩ፣ ምጕትካ ሓቅነት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ ዊጥታ እዩ ዝምለሰካ፣ ከከም ኩነታቱ ዊጥ ዊጥ ናብ ምውጥዋጥ ምምዕባሉ ኸኣ ኣይተርፍን።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብወረ ፍሑዅ ክብል ጸኒሑ ታተ ክብል ዝጋደል ዘሎ ዘይጽኑዕን ዘይሃናጽን ኣበሃህላ ንኣብነት፣ ንፖለቲካዊ መርገጺ ብኣውራጃዊ ካርታ ምርኣዩ እዩ። ኣሐፍሽ ኣቢልካ ሓማሴን ደጋፊ መንግስቲ፣ ኣከለጉዛይ ተቓዋሚ፣ ሰራየ ድማ ላንጋ ላንጋ ክብሃል ይስማዕ። ካብኡ ሓሊፉ ከከም በሃሊኡ፣ በቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ ንነብስኻ ወይ ኣውራጃኻ ኣጸባቢቕካ ንኻልእ ናይ ምክፋእ ቃናታት ‘ውን ይውሰኾ። ኣብ ባይታ ክርአ ኸሎ ግን እዚ ኣበሃህላ’ዚ መሰረት ዘለዎ ኣይኮነን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኩሉ ሰብ ዝተዓዘቦም ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝተወደቡ ንመጠን ደገፍ ናይቲ ስርዓት ኣብ ወጻኢ ሃገር ብሓፈሻዊ መንገዲ ክልክዑ ዝኽእሉ ክልተ ኣጋጣሚታት፣ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ መስከረም 2011 ኢሳይያስ ኣብ ኒውዮርክ ዘካየዶ ኣኼባ ደገፍቱ፣ ከምኡ ውን ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ኤውሮጳ ከተማ ቦለኛ ዝተኻየደ መበል 40 ዓመት ፈስቲቫል ቦለኛ ህግደፍ ከም ኣብነት እንተተመልከትና፣ ኣብቲ ናይ ኣመሪካ ኣኼባ፣ ‘ሎሚ ዘይከተተ’ እናተባህሉ ተጎስጕሶም ዝተሳተፉ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ናብ ኒውዮርክ ዝገሹ ደገፍቲ ካብ 3-5 ሽሕ ዝበጽሑ እዮም። እቶም ኣኼበኛታት ረሾኦም ብዘየገድስ ካብዘን ሰለስቲን ኣውራጃታት ከምዝነበሩ ርግጸኛ እየ። ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ብውሑዱ 150 ሽሕ ኤርትራዊ እንተደኣ ሃልዩ፣ 50 ሽሕ ደቂ ኣውራጃ ሓማሴን እንተደኣ ኮይኖም፣ ዋላ እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ 3 ሽሕ ካብ ሓማሴን ነይሮም ኢልና እንተገሚትና፣ እቶም 3 ሽሕ ከም ወከልቲ ናይቲ 50 ሽሕ ህዝቢ ተቖጺሮም ‘ኣብ ኣመሪካ ዝነበር ህዝቢ ሓማሴን ደጋፊ ስርዓት ህግደፍ እዩ’ ከብሉዎ ኣይክእሉን እዮም። ናይቲ ኣብ ኤውሮጳ፣ ቦለኛ ዝተኻየደ ኣብ ሳልስቲ 2 ሽሕ ደገፍቲ ዝተሳተፉዎ ፈስቲቫል ‘ውን ከምኡ። ዝዓበየ መልእኽቲ ናይዚ ተርእዮ ‘ዚ ብዝሒ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት እናኣንቆልቆለ ይኸይድ ምህላዉ ካብ ምዃን ሓሊፉ መለክዒ ኣውራጃዊ ፖለቲካዊ መርገጺ ክኸውን ኣይክእልን።

በንጻሩ፣ ኣብ ኣመሪካ፣ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ብ 2013 ዝተኻየደ ዋሃ ተባሂሉ ዝተዋህለለ ካብ 1000 ክሳብ 1500 ዝበጽሕ፣ ሎሚ ዘበን ‘ውን ኣብ ቦለኛ ኣብ ዝተኻየደ ካብቲ ናይ ኣመሪካ ኣዝዩ ዝተሓተ ቁጽሪ ዝነበሮ ተመሳሳሊ ጸረ ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፍታት ተቓወምቲ፣ ዝበዝሑ ተሳተፍቱ ኣከለጉዛይ ነይሮም ዝብሃል እንተኾይኑ ‘ውን ካብ 50 ሽሕ ደቂ ኣከለጉዛይ 600 ዘይበጽሑ ውልቀሰባት ስለዝተሳተፉዎ፣ ኣከለጉዛይ ተቓወምቲ ስርዓት ኢሳይያስ እዮም ዘብሎም ኣይኮነን።

እዚ ክልቲኡ ክዉንነታት፣ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ደላዪ ለውጢ ክንሱ፣ ነቲ ስርዓት ብንጥፈት ዝድግፉዎ ኮነ ብንጥፈት ዝቃወሙዎ ውሑዳን ምዃኖም እዩ ዘመልክት፣ እምበር ንሓደ ወገን ዘነይት ወይ ንሓደ ወገን ዘወንጅል ጭብጢ ኣየቕርበልናን እዩ።

ኣብዚ ክስሓት ዘይብሉ፣ ብፖለቲካዊ መትከላት ዘይኮነ ምስ ህግደፍ ብዘለዎም ውልቃዊ ረብሓዊ ዝምድናታት ዝተኣሳሰሩ ውሑዳት ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት፣ ነቲ ዘሻቕሎም መመሊሱ እናተቆርመመ ዝውዳእ ዘሎ ዋሕዲ ደገፍቲ መዳምቕቲ ዝኾኖም ቁጽሪ ንኽድርቡሉ፣ እቲ ስርዓት ናይ ወገኖም ምዃኑ ‘ሞ ነቲ ወገኖም ይከላኸሉሉ ምህላዎም ከምስሉ ብዓውታ ናይ ካርታ ጸወታ ወሲኾም ዝዋስኡ፣ ሳዕቤን ዕሽነቶም ዘይስቆሮም ደናቍር ምህላዎም እዩ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ‘ውን፣ ብፍላይ ኣብዚ መንእሰያት ናብ ተቓውሞ ዝተቓላቐሉሉ እዋናት፣ ነዞም በጻብዕቲ ዝቝጸሩ ባእታታት ከም ወከልቲ ናይ ሓደ ኣውራጃ ወሲድካ ህልኻዊ ግብረ-መልሲ ብምዝውታር ንስኻ ዝያዳ እሙን ተቓዋሚ ካልኦት ግን ኣይግድን ኣምሲልካ ነቲ ምንቅስቓስ ክትብሕቶ ወይ ከተጽብቦ ናይ ምፍታን ዘይብሱል ወገናዊ ምንቅስቓስ ክርአ ጸኒሑ እዩ። እዞም ክልተ ውሑዳን ጥሩፋት እምብኣር ወከልቲ ናይቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ክይኖም ነቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ቫይረስ ምፍልላይ ክዘርኡሉ ክፍቀደሎም የብሉን። ካብዚ ኣልዒልናዮ ዘለና ሰለስተ ኣውራጃታት፣ ደገፍቲ ኣለዉ፣ ተቓወምቲ ኣለው፣ ስቕታ ዝመረጹ ብዙሓት ከኣ ኣለዉ። ስለዚ ኣሐፍሽ ኣቢልካ (Generalize ጌርካ) ብኣውራጃ ምክሳስ ኣሉታዊ ሳዕቤን ስለዘለዎ ክንጥንቀቐሉ ይግባእ።

እቲ ጸገም እምብኣር ነዞም ሓቅነቶም ብመጽናዕቲ ዘይተረጋገጸ ኣውራጃዊ ክልሸታት (stereotypes) ከም ቅቡላት ወሲድካ ኣብ ልዕሊኦም ክልሰሓሳብ ምምስራት እዩ።

እዚ ሓው ታደሰ ኣብቲ ቀዳማይ ኮነ ኣብዚ ካልኣይ ጽሑፋቱ ምስ ኣውራጃዊ ኩነታት ኣተኣሳሲሩ ኣልዒሉዎ ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምጕታት እምብኣር ኣብዚ ብጽፈትን ጥንቃቐን ዘይተጸንዐ ኣበሃህላታት ዝተመርኮሰ ከይከውን ትዕዝብቲ ዝጠልብ እዩ።

ንኣብነት ነዚ ኣብዚ ዳሕረዋይ ተኸታተሊ ጽሑፉ “ምምሕዳር ዞባታትን ምምቕራሕ ጸጋታት ሃገርናን ብመንጽር ጽገናዊ ለውጢ?” ኣብቲ ቀዳማይ ተኸታታሊ ጽሑፉ፣ “ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን”…”ህዝባዊ ግምባር ብደቂ ከበሳ ዝተዓብለለ፣ ካብኡ ናብኡ ድማ ንተወለድቲ ዝተወሰነ ከባቢ ናብ ሓላፍነት ዝሓሪ ውድብ እዩ ነይሩ” ኢሉ ንዝጸሓፎ ብምዝካር…ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ሕጂ ዘቕርቦ ተኸታታሊ ዓንቀጽ፣ “እቶም ኣብ ህዝባዊ ግምባር ንንጹሃት ሃገራውያን እናቐንጸሉ ነቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሒቶም ዝኣተዉ ውልቀሰባት (ተወለድቲ ናይቲ ሰሜን ካብ ኣስመራ ዝርከብ ከባቢታት ሓማሴንን፣ ሕርጊጎ ዝማእከሉ ከባቢታት ባጽዕን) ብጉልባብ ምምሕዳራዊ ቅርጺ፣ ነቲ ካልእ ማዕሪኦም ደቁ ዝኸፈለ ህዝቢ ኣጓንዮም ንቀንዲ ቁጠባ ኤርትራ ከመቓርሑዎ ኢና ተዓዚብና”… ይብል።

እዚ ርእይቶ እዚ ጭቡጥን ዝተጸንዐን መሰረት ዘይብሉ ባዕላዊ መደምደምታ እዩ ዝብል መረዳእታ ኣለኒ። ናብዚ ገምጋም ‘ዚ ንዘብጽሓኒ መርትዖ ቅድሚ ምትንታነይ ግን፣ ነቲ ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት ዘተኣታተዎ ኣወዳድባ ዞባታት ብዝምልከት ከከም ኩርናዕ ኣበጋግሳ ናይቲ ምጕት ዝተፈላለዩ ባዕላዊ ክልሰሓሳባዊ ትንታኔታት ከምዘለዉ ክጠቅስ እደሊ።

1ይ – እቲ እዚ ስርዓት ‘ዚ ንልዕልና ናይ ሓደ ኣከባቢ ወይ ኣውራጃ ዘቐድም እዩ ዝብል መረዳእታ ዘለዎ ካብ ኣውራጃዊ ኩርናዕ ዝብገስ ክልሰሓሳብ፣ ነቲ ናይ ህግደፍ ዞባዊ ምክፍፋል፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዕብለላ ናይ ሓደ ኣከባቢ ወይ ኣውራጃ ንምርግጋጽ (ካልኦት ንምዕምጻጽ) ዝተኣታተወ ሜላ ገይሩ ይገልጽ። እዚ ብሓው ታደሰ ዝቐረበ ዝርዝራት ከም ሓደ ኣብነት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገላልጻ ክውሰድ ይከኣል።

2ይ – እቲ እዚ ስርዓት’ዚ ብሓደ ብሄር/ሃይማኖት (ትግርኛ/ክርስትያን) ዝዕብለል እዩ ዝብል መረዳእታ ዘለዎ ካብ ብሄራውን ሃይማኖታውን ኩርናዕ ዝብገስ ክልሰሓሳብ፣ ነቲ “እሙን ናይቲ ስርዓት ዝኾነ ብሄረ ትግርኛ፣ ኣብ ኩለን ዞባታት ከምዝህሉ ብምግባር፣ ንኻልኦት ብሄራት ንምቍጽጻር ዝዓለመ ፖለቲካዊ ስልቲ ከምዝኾነ ዝገልጽ ኣበሃህላ ‘ውን ኣሎ።

3ይ – እቲ ሳልሳይ ክልሰሓሳብ ናይቲ ስርዓት ኮይኑ፣ እቲ ተክኒካዊ ክፋሉ (ማለት እቲ 6 ዞባታት ንምቛም ዝተወስደ ክራይተርያ) እንታይ ምዃኑ እምበር፣ ስለምንታይ ኣውራጃታት ፈሪሱ ብዞባታት ክትካእ ከምዝተመርጸ ሓፋሽ ዝሰምዖ ወግዓዊ ትንታነ ኣይተገብረሉን። ኣብቲ ብ1996 ምክፍፋል ዞባታት ዝተኣታተወሉ እዋን፣ ማይ ክዖ (Catchment Area) ቀንዲ ረቛሒ መከፋፈሊ ዞባታት ምንባሩ ተደጋጊሙ ክግልጽ ከሎ፣ እቲ ህዝቢ ከም ታሪኻዊ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል ለሚዱዎ ዝጸንሐ ኣውራጃታት ፈሪሱ ብዞባታት ክትካእ ዝተድለየሉ ምኽንያት ኣውራጃዊ ወይ ወገናዊ ስምዒታት ንምህሳስ ተባሂሉ ከምዝተገብረ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ጥራይ እዩ ተሰሚዑ።

(ክቡራት ኣንበብቲ፣ ዋላ’ኳ ሓሳባተይ ኣብ ሓደ ዓንቀጽ ክጥርንፎ ተሊመ እንተነበርኩ፣ ብሓደ ክፋል ከምዘይገላገል ድሮ ይፍለጠኒ ኣሎ ‘ሞ ንባብ ከይነውሓኩም ጽሑፈይ ንግዚኡ ኣብዚ ደው ከብል። ኣብቲ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል፣ እዚ ናይ ሓው ታደሰ ይኹን እቶም ካልኦት ክልሰሓሳባዊ  መደምደምታታት ጽኑዕን ጭቡጥን መሰረት የብሎምን ዘበለኒ ምኽንያት፣ ብቐንዱ፣ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ሃገራዊ ዕላማታት ንምውቃዕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኮነ ስኒት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዕቃብ ክህልዎ ንዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋ፣ ብምዝርዛር ክድምድም ክፍትን እየ። ሰላም የራኽበና)

ኣማኑኤል ኢያሱ

1 ሕዳር 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
87 COMMENTS
  • tegerime November 2, 2014

    አማኒኤል ንስካስ ማጮሎት ኢካ አንታ እዛ ሃገር 10 ከማካ ክትስእን አየ ውሕልና አነ ሐዊ ሎቱ ከምዚ ምስ ተረክበ እንድዩ ሽሕ እሙቱ ክንዲ ሽሕ አይሙት ዝተባህለ ሱሙዑ የሕዋት አማኒኤል እያሱ ከም ብሌን ዓይንና ክንሕልዎ አለና ንዞም ናይ ዘመና ሸፋቱ ብቋንቆኦ ዝምክት ንህዝቢ ብዝርድኦ ፖሎቲካዊ ትንታኔ ዘቅርብ ከም አማኒኤል አይተፈጥረን አብ ደለይቲ ፍትሒ
    አጆካ አመን አብ ጎንካ አለና።

  • ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? November 2, 2014

    In any country, when freedom and justice are absent each and every etnic, religious and regional group feels it is persecuted and marginalized by the other groups and tyrant regimes play their dirty game of divide and rule to prolong their stay in power.

  • tegerime November 2, 2014

    ንሕና ኤርትራዊያን ከም ሃገር ጹቡቅ ዕድል ከጋጥመና እንተኮይኑ ድሕሪ ህግደፍ መንደፍ ነበረየ ነበረ ምኳኑ ወሳኒ ታራ ዝጻወት ወዲ ከበሳ እዩ ንዚ ርእሰ ምድላዋት ካብ ሕጂ ክንገብር እግባእ እዚ ናይ አውራጃ ኦኮሎጉዛይ ሐማሴን ሰራየ ዝባሃል ህዝቢ የለን ምምሕዳር እዩ ሳዕሪ ኮይኑሰ ያኢ ካብ መሬት ዝበቁል ሰብ የለን ግን በቢከባቢና ንጽሎ ኢና ደቅሰባት እዚ ማለት ግን እቲ ሐደ ንቲ ሐደ ከጥፍእ ከደቀሰ ዝሐድር የለን አብ ታሪክ ኤርትራ ብሐጺሩ ናይ ሃላያት ዘረባ እዩ አውራጂነት ከብትና ብዝወፈሮኦ ዓዲ ጌርናስ ካብ ሐደ ማህጸን ዝወጻና ሕጂ እምባአር አውራጃ ኢልናዮ ኤርትራዊያን ናይ ታሪክ መጽሐፍቲ ምንባብ የድልየና አሎ።

    • ሽብለሎም November 2, 2014

      ብሓቂ ተገርም፤
      ህላወ ኣወራጃ ዘይኣመንካስ ህላወ ኤርትራ ኣሚኒካ።

  • ተወልደመድኅን November 2, 2014

    ኣውራጃ ኣብ ኣኤርትራን በቶም ሎሚ ኣውራጃውያን ተባሂሎም ዝጽረፉ ዘለው ኣይተጀመረን።ሽሙ ይቀያይር ደኣ’ምበር ኣብ ኩሉ ዓለም ዘሎ መጸውዒ’ዩ።ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ከኣ ዞኣበየሉን፡ኣቦታቱ ኣቦሃጎታቱ ሰሪቶም ዝሃለፉሉ ኣውራጃ ኣለዎ።በዚ ዘይኮርዕ እንተኾይኑ፡ባውራጃኡ ዝሃፍር እንተኾይኑ፡ኣውራጃኡ እናተጸርፈን ደቂ ኣውራጃኡ ዲሞክራሲያዊ ተቃውሞ ዘየስምዕ፡ኣውራጃዊ ተባሂሉ ከይጽረፍ ዘጽቕትን ዘይፍተዎ ክገብር ዝውዕል እንተኮይኑ በሃም’ዩ።……..ከምቲ ኣነ ኣውራጃይ ዝብሎ ዘሎኒ ዝኾነ ኣኤርትራዊ ኣውራጃኡ ኣለዎ።ኣነ ኣውራጃኡ የኽብረሉ፡ንሱ ከኣ ነቲ ኣነ ብዝኮነ ቅኑዕ ኮይኑ ዝስመኦኣኒ ኣገባብ ምስ ደቂ ኣውራጃይ ደቂ ሩባይ ዝግበሮ ናተይ መሰል ስለዝኮነ ኣቲ ወዲ ካልእ ኣውራጃ ከኽበረለይ ግድነቱ’ዩ።ዝኾነ ይኹን ወዲ ካልእ ኣውርጃ፡ብዝመሰሎ ድሌቱ ክገብር ከኣ መሰሉ’ዩ ግን ኣነ ይኹን ንሱ ክንከባበር፡ኣብቲ ጉዳይ ሃገር ብሃደ ኦኣይኒ ክንርእዮ ዜግነትና፡ነቲ ብህታዊ ይኹን ኣውራጃዊ።ወረዳዊ፡ኦኣሌታዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ንገብሮ ምትእኽካብ ይኹን ካልእ ግን ክንተናከፍ የብልናን።ን ኣውራጃይ ዝትንክፍ ክሳብ ዘይገበረ ከኣ ሰባት ብጥምቀት ይኹን ብመርዓ ወይ ካልእ ጉዳይ ተኣካኺቦም ዝስመዓኒ የለን።ስለዚ ሎሚ ኣይኮነን ኣብ ኣኤርትራ ኣውራጃነት ተጀሚሩ።ኣብ ግዜ ቃልሲ’ዩ።ኣብ ግዜ ቃልሲ ንፈለማ ግዜ ኣውራጃነት ኃጢኣት ምኳኑ ሚሂሮምና ህግ ብሰንኩ ከኣ ነቲ ባህላውን ክላብ ጥንቲ ዚነበረ ፍንጥሕጥሕ ኣቢሎም ብቁጽሪ ብማእከል ብወሰን ብደቡብ ሰሜን ከፋፊሎሞና።ስለዚ ነዚ ሕማቕ ስራህ ደኣ ምተቃለስና’ምበር ሎሚ ከም ፈጠርቲ ምክሳስ ዋጋ የብሉን።ናይ ታደሰ ጽሑፍ ኩሉ በብሓደ ይከታተሎ’የ።ነውራጃ ካልእ ኣጸሊሙ ነውራጃኡ ዝተከላኸለሉ የለን።እቲ ንሱ ዝብሎ ዘሎ እቲ ዝረኣዮን ኣብ ስራሕ ጸገም ዘምጸአ’ዩ።ኣዚ ከኣ ተጸኒዑ ክልገስ ዘለዎ ሰራሕ’ዩ።እወ ታደሰ ኣንድሕሪ ኣውራጃዊ ኮይኑ፡ኢሳያስ ቅኑዕ’ዩ ማለትርዩ።ታደሰ ነቲ ብ ኢሳያስ ተሃንዲሱ ዝስራህ ዘሎ ኣጋሊጹ።ስለዚ ሃዲኦም ግጉያት ኢዮም።ስለዚ ኣንበብቲ ታደሰ ርእይቶኦ ዝጽሕፍ ዘሎ ድዩ ኣውራጃዊ፡ኢሳያስ ነዚ ኩሉ ኣብ ኣኤርትራ ዘሎ ጸገም ዝሃንደሰ ።

    • ዶንቆሮ እንተበልኩኻ ትኣኽለካ እያ ፤ ምኽንያቱ ንኸማኻ ዓይነት ሕማም ዘለዎም ሰባት ንምርዳእ ወይ ንምፍዋስ ካብ ምፍታን ተተሰኪምካ ናብ ቀላይ ምስንዳዎም ይቐልል።

      • ተወልደመድኅን November 3, 2014

        ወዲ ሃገር ኤርትራዊ፡…………….ኤርትራዊ ምኳንካ ብዙህ ትስክፍ ኢካ።ነጢርካ ብዛዕባ ሃገር ኣራስቲ ክለኦኣል ከሎ ንወዲ ሃገር ትዝንጥል ከኣ ክብሪ ሃገር ዘይትፈልጥ ዕላማን ትምርሃሉ ባህሊ ዘይብልካ ብራርያ ምኳንካ ትፍለጥ።ሃገር ኤርትራ ክትብል ንመሬት ኣይኮነን።ሃገር ብዘይህዝብን ብዘይ ሰብን ትርጉም የብሉን።ኣብ ስደት ኮይኖም ጽቡቕ ዚነብሩ ሰባት ኣለው።ኣዚ ማለት ይሰርሁ፡ይንቀሳቀሱ ኩሉ ድሌታቶም የማል ኡ።እቲ ዚነብርሉ ቦታ ግን ሃገሮም ኣይኮነን።ግን ከም መኦኣል ንስካ ስሱኦኣት ዝደቃ ካብ ዘለውዋ ኤርትራ ግን ስደት’ውን ክብረት ኮይኑ’ሎ።ስለዚ ሃገር ኢልካ ሃገራዊ ክትከውን ኣንተደሊካ።ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝንበር ወይ ኣኤርትራዊ’የ ዝብል ኣክብር።ክብረት ሃገር ዘለዎ፡ንኹሉ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ዜጋ ዝፍጸም ዘኽብር’ዩ።ኩሉ ከኣ ከከም ዚመሰሎ ይሰርሕ፡ይምጉት፡ይዛረብ፡ይጽሕፍ፡የዕልል፡ይስሕቕ፡ይጻወት፡ይከይድ ይምለስ፡ነዚ ከኣ እንተዘይተፈተወካ’ውን ክትጸሮን ወይ ዕሽሽ ኢልካ ክትገድፎን’ምበር ከምታ ንስካ ዝደለካያን ንስካ ት ኣምነላ ዘይምኳዱ ምዝላፍ ባህሪ ሓደ ሃገራዊ ኣይኮነን።ግን ለሃሲ ትፋእ ህግደፋውያን ትመስል።ንሳቶም ፍትሕን ዲሞክራስን ኣናታይ ምኳኑ ዘይፈልጡ፡ሃገር ኣይ ብቅዋም።ኣይ ብፍትሂ።ኣይ ብሰላም።ኣይ ብቅሳነት እናመርሑ፡ንፍትሕን ዲሞክራስን ዝብል ሽም ሂዞም ኮለል ይብሉ።ንስካ ካኣ ሱፐርፊሻል ዝኾንካ ሃውና ጓህማም ኅልና ዘይብሉ ኣብ ሃንቲ መስመር ክብሪ ሰብ እናዘንጠልካ፡ወዲ ሃገር ኤርትራ ኢላክ ጽሒፍካ’ሞ እንታይነትካ ኢካ ዝገለጽካ።እቲ ጽሑፈይ ግን ተመሊስካ ኣንብቦ።ከምቲ ዝበልኩዎ ኣይርደኣካን’ዩ፡ምኽንያቱ እቶም ቃላት ኣይተመሃርካዮምን።ንስካ ክትሰምዖ ትደሊ፡እቲ ሓደ ቅርጺ ሒዙ ንቅድሚት ዝከይድ መመልሲ ዘይብሉ ናይ ጥፍ ኣት ናይ ክሳራን ናይ ጃህራን ወይ ወላ ትንፈር’ምበር ጤል’ያ ዝብል ዚተመሃርካዮ ኢኻ ክትሰምዕ ትደሊ።እዚ ከኣ ዘይምጠጥን ዘይመዝንን ሃንጎል ትውንን፡ዝኑብ ምኻንካ ተረድእ።

        • ተወልደመድኅን November 3, 2014

          ወዲ ሃገር ኤርትራዊ፡…………….ኤርትራዊ ምኳንካ ብዙህ ትስክፍ ኢካ።ነጢርካ ብዛዕባ ሃገር ኣራስቲ ክለኦኣል ከሎ ንወዲ ሃገር ትዝንጥል ከኣ ክብሪ ሃገር ዘይትፈልጥ ዕላማን ትምርሃሉ ባህሊ ዘይብልካ ብራርያ ምኳንካ ትፍለጥ።ሃገር ኤርትራ ክትብል ንመሬት ኣይኮነን።ሃገር ብዘይህዝብን ብዘይ ሰብን ትርጉም የብሉን።ኣብ ስደት ኮይኖም ጽቡቕ ዚነብሩ ሰባት ኣለው።ኣዚ ማለት ይሰርሁ፡ይንቀሳቀሱ ኩሉ ድሌታቶም የማል ኡ።እቲ ዚነብርሉ ቦታ ግን ሃገሮም ኣይኮነን።ግን ከም መኦኣል ንስካ ስሱኦኣት ዝደቃ ካብ ዘለውዋ ኤርትራ ግን ስደት’ውን ክብረት ኮይኑ’ሎ።ስለዚ ሃገር ኢልካ ሃገራዊ ክትከውን ኣንተደሊካ።ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝንበር ወይ ኣኤርትራዊ’የ ዝብል ኣክብር።ክብረት ሃገር ዘለዎ፡ንኹሉ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ዜጋ ዝፍጸም ዘኽብር’ዩ።ኩሉ ከኣ ከከም ዚመሰሎ ይሰርሕ፡ይምጉት፡ይዛረብ፡ይጽሕፍ፡የዕልል፡ይስሕቕ፡ይጻወት፡ይከይድ ይምለስ፡ነዚ ከኣ እንተዘይተፈተወካ’ውን ክትጸሮን ወይ ዕሽሽ ኢልካ ክትገድፎን’ምበር ከምታ ንስካ ዝደለካያን ንስካ ት ኣምነላ ዘይምኳዱ ምዝላፍ ባህሪ ሓደ ሃገራዊ ኣይኮነን።ግን ለሃሲ ትፋእ ህግደፋውያን ትመስል።ንሳቶም ፍትሕን ዲሞክራስን ኣናታይ ምኳኑ ዘይፈልጡ፡ሃገር ኣይ ብቅዋም።ኣይ ብፍትሂ።ኣይ ብሰላም።ኣይ ብቅሳነት እናመርሑ፡ንፍትሕን ዲሞክራስን ዝብል ሽም ሂዞም ኮለል ይብሉ።ንስካ ካኣ ሱፐርፊሻል ዝኾንካ ሃውና ጓህማም ኅልና ዘይብሉ ኣብ ሃንቲ መስመር ክብሪ ሰብ እናዘንጠልካ፡ወዲ ሃገር ኤርትራ ኢላክ ጽሒፍካ’ሞ እንታይነትካ ኢካ ዝገለጽካ።እቲ ጽሑፈይ ግን ተመሊስካ ኣንብቦ።ከምቲ ዝበልኩዎ ኣይርደኣካን’ዩ፡ምኽንያቱ እቶም ቃላት ኣይተመሃርካዮምን።ንስካ ክትሰምዖ ትደሊ፡እቲ ሓደ ቅርጺ ሒዙ ንቅድሚት ዝከይድ መመልሲ ዘይብሉ ናይ ጥፍ ኣት ናይ ክሳራን ናይ ጃህራን ወይ ወላ ትንፈር’ምበር ጤል’ያ ዝብል ዚተመሃርካዮ ኢኻ ክትሰምዕ ትደሊ።እዚ ከኣ ዘይምጠጥን ዘይመዝንን ሃንጎል ትውንን፡ዝኑብ ምኻንካ ተረድእ። ………ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ደንቆሮ መበልካ ኣውራጃይ ብምፍታወይ ድዩ።ምንልባት ካብ ዝተረዳእኩዎ ኣውራጃይ ትብሎ የብልካን እመስለኒ።ርግጽ ኢሳያስን ጉጅሉኡን’ኮ ኣውራጃና ዝብሉዎ ዘይብሎም ስለዝኾኑ’ዮም ነውራጃታት ብዘይ ድሌት ህዝቢ ግምዕሞ ዘበሉዎ።ንስካ ከኣ ወይ ኣውራጃ የብልክና ወይ ኣውራጃኻ ገዲፍካ ሃገራዊ ክትመስል ኤርትራ ኣኽቢርካ ማለት’ዩ።ኣዚ ግን ቅለት፡ህሶት ሱፐርፊሻል ምኳንካ ዝሕብር’ዩ።

          • Genet-orginal November 5, 2014

            Some people are missing the point. Very sad! how can they be this stupid.
            Saying we have problem with regionalism mindset doesn’t mean, people hate where they are from. No body cares if you socialize only with people from your village. You can even marry your own first cousin. No body cares. The point is can any Eritrean be able to represent all Eritreans? can you be trusted to keep a central system mindset? No Eritrean I know hates his/her region. Is regioalism a problem for our unity? If other Eritreans don’t turst you because of your region, they are not going to follow you or support you. You can love your region all you want, but without the rest of Eritrea, you will be lonely. It is everybodys responsiblity to fix this mess.
            Genet-O

  • Peter November 2, 2014

    Amanuel, I think I am starting to Praise you keep up the good work. We realy need to adress this things.
    God bless you

  • gerimuna November 2, 2014

    I am sure, Emanuel is the most dedicated alike a few individuals. we are tremendously proud of him. However, I would rather distance any issue irrelevant to the removal of the dictator. When and where does timing became irrelevant. Isn’t timing important tantamount to the subject in hand.
    Our urgency is survival, not secondary issues which are not contingent to our extinction by DIA.
    I am not well acquainted with the topic nor does it impress me. I have never related and look at it seriously. I also know of insignificant variances already dwindled the variances by marriage, affinity, language, culture and proximity etc.
    If these matters at all, I believe could be resolved by a few matured fathers of all sides or insured by legal means that is acceptable to all.

    I wish, despite genuine one man strive, I wish Emanuel avoid these kind of issues from the writers that triggers unnecessary narrow nationalistic hiccups from all sides. I am afraid, if we keep running around the bush in such secondary matters, our goal and target will be grossly missed. It is as if we are shooting in disarray with no target. Lucky Dictator!

    • Genet-orginal November 5, 2014

      gerimuna
      You said, “our urgency is survival, not secondary issues…” My quesion to you is #1 how can we survive, when we can’t even come to a table and agree on a common issue? #2 Don’t you think our unity is the key for our survival? You said, “I am not well acquainted with the topic nor does it impress me. I have never related and look at it seriously” #3, Well, if you don’t know much about the topic, then how come you are advocating to avoid it?

      Is there is a chance that you are in the middle of it and you don’t think it is wrong? May be you are in denial. Look at your circle of Eritreans friends and ask them about this topic and see what you get. (presume your friends are NOT homogeneous).

      When we have significant numbers of Eritreans supporting a dictator, in part because they are afraid of the alternative, we ought not to avoid any issue. We may not be able to change every regionalist minds in Eritrea, but we can educate ourselves to not accept regionalism as a way of life in Eritrea. No body can solve a problem, without having knowledge of any given situation. To me, at this point of our country and peoples’dire situation, no problem should be avoided. Our survival depends on our unity! Thank you Aman for tacking this issue.
      Let us not be afraid to confront the regionalist mindset. Let us do some reflection of our own attitude about this issue.

      Thank you
      Genet-O

  • mahta November 2, 2014

    Aye wedi hager eritrawi nska gtum eka kabtom isseyas brshat komtaetae zebeleka beal dem keytkewn teteratr eka nstuh seb kemu ayzarebl eu hlnaka wekusuka eu. Zkone seb bahriawi eu Neaka kedamay tfeltom aboka,adekan ahwatkan eyom bdhriu kereba betesebka kabu adka, kabu kebabi ,zoba wey awraja ,hager,kflealem , planet …… eu bmkrirab ab zkone alem nezi geografawin mahberawn kotebawn rkbat alewn ezi nature eu. Eritrawyan bhasot ztegobaena nay alem hasewty keynsme nefrie bsenki kem geliena kfatn hsdnat zmeleana nzbezih mskin hzbi lekimnayo ezi kea nehaki haki nehasot hasot bzey mbalna ebara mknit. Ane ente tegagie stenihe tegagie zey mbal nbaelu geben eu. Egele eko zeykona knbl zgbeana ane ke abey aleku nbel habae kuslus habae fowsu kem zbhal .Haye dea nfewayes stestegemna nkebaber ntehalalew mzntal nay seurat betri eu . Ezi kea zey hgawi seb mkanka ygelst. Wedahanka

  • mahta November 2, 2014

    Eseyasn esseyasawyan felalika gzae ety kendi meebalomn haylom eu kes ena bele keam nkulom ybetshom slezi …..

  • ሙለር November 2, 2014

    ኣማን ከም ውልቀ ሰብ ከም ጋዘጠኛ ዘይ ኮነ ከም መራሒ ኤርትራ እዩ ንነብሱ ዝፈልጣ ደስ ዚበሎ እዩ ዝጽሕፍ ኣነ ካብ ኩሉ ሓራ እየ ክብል እዩ ዝፍትን እዚ ድማ ንካልኦት ብምጥቃዕ ንሱ ዝያዳ ካልኦት ሃገሩ ይፈቱ ፈላጥን ገሩ ዝወስድ እሞ ኩሎም ተጋግዮም ክብለና ዘይ ሓፍር እዩ እስኪ ኣምን ተጋጊኩም ዘይበሎም ተቃወምቲ ጸውዑለይ ቡዙሕ ነገር ኣሎ ካብ ኢሰያስ ዝተማሃሮ ምስሉይነት ተዓዘብዎ ጥራይ?

  • Hager November 2, 2014

    ታደሰ እዚ ኩሉ ኣዋርሕ ዝወሰደ ከፋፋሊ ፈላላይ ጽሑፋት ክዝርግሕ ከሎ ኣሰናዳኢ ተባሂልካ ትም አልካዮ ምጽናሕካ ደንጒኻ።ህዝብና ካልእ ናይ ህግደፍ ኣደራዕ ከይኣኽሎ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽሑፋት ምዝርግሑ ዓገብ።

Post a Reply to haki Cancel Reply