Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሓይሊ ዝኣቱ ጽልኢ ብቐሊሉ ኣይወጽእን ‘ዩ!

ብሓይሊ ዝኣቱ ጽልኢ ብቐሊሉ ኣይወጽእን 'ዩ ስለዚ ንፍቕሪ ደኣ ብሓይሊ ነጽንዓያ! እዚ ጽሑፍ'ዚ እቲ ሓው ታደሰ ኪዳነ "ምምሕዳር ዞባታትን ምምቕራሕ ጸጋታትን ብመንጽር ጽገናዊ ለውጢ?" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣሰና ዘቕርቦ ዘሎ ጽሑፍ (ብወገነይ ከም መቐጸልታ ናይቲ

ብሓይሊ ዝኣቱ ጽልኢ ብቐሊሉ ኣይወጽእን ‘ዩ

ስለዚ

ንፍቕሪ ደኣ ብሓይሊ ነጽንዓያ!

እዚ ጽሑፍ’ዚ እቲ ሓው ታደሰ ኪዳነ “ምምሕዳር ዞባታትን ምምቕራሕ ጸጋታትን ብመንጽር ጽገናዊ ለውጢ?” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣሰና ዘቕርቦ ዘሎ ጽሑፍ (ብወገነይ ከም መቐጸልታ ናይቲ “ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣቐዲሙ ኣብ 17 ክፋላት ኣቕሪቡዎ ዝነበረ ተኸታታሊ ጽሑፍ ገይረ ዝርእዮ) ዘበጋገሶ ኳ እንተኾነ፣ ብቐንዱ ነቲ ብትሒምሒም ዝዝረበሉ ከይተፈለጦ ንሕብረተሰብና በብቑሩብ ዘረሓሕቖ ዘሎ ወገናዊ ስምዒታት (ብሕልፊ ኣውራጃዊ ስምዒታት) ብምጥቕላል፣ ምስቲ ናይ ኤርትራውያን እዋናዊ ኣጀንዳ ለውጢ ብምትእስሳር ንምርኣዩ ዝዓለመ እዩ።

ነዚ ስምዒታት ‘ዚ፣ ቅድሚ ናይ ሓው ታደሰ ቀዳማይ ተኻታታሊ ጽሑፍ ኣብቲ “ኤርትራ መንግስቲ ይኹን ተቓዋሚ ዘይብላ ሃገር” ዝብል ኣርእስቲ፣ “ ወገናዊ ፖለቲካ የዋጽእ ዶ?” ብዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ብሰፊሑ ዳህሲሰዮ፣ ብድሕሪኡ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ሰሚናራት ብዝያዳ ድማ ኣብ ቴልኣቪቭ (እስራኤል) ኣልዒለዮ ስለዝነበርኩ፣ ሕጂ ብሕጽር ዝበለ መንገዲ እየ ክትንክፎ።

ኤርትራውያን ብዝያዳ ብሃይማኖትን ቋንቋን ብሄራትን ዝልለ ብዙሕነት ኣለና። ንሓዋሩ ከም ሃገር ውሕስነት መጻኢና ሓሊና ብስኒት ክነብር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ገጢሙና ንዘሎ ውልቀምልካዊ ምሕደራ ኣዕኒና፣ ልዕልና ሕጊ ዘለዎ፣ ማዕርነትን ፍትሕን ኩሎም ዜጋታት ሃገር ከነረጋግጽ እንተኾይና፣ ኣብ ብዙሕትነትና ዝተመስረተ ሓድነት ከነማዕብል ኣለና። እዚ ምርጫ ጥራይ ዘይኮነ ግዴታ ‘ውን እዩ። ንኤርትራዊ ብዙሕነት ከም መፈላለዪ ዘይኮነ ከም ጸጋን ጽባቐን ርኢኻ ነዚ ዝዓበየ ሃገራዊ ባህጊ’ዚ ንምጕንጻፍ ኣብ እተቋምተሉ፣ እዞም ዝተጠቕሱ ንጹር መለለዪ ዘለዎም ፍልልያት ዘይብሉ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ (ህዝቢ ከበሳ) ነቲ ሰብ-ሰርሖ ምምሕዳራዊ ምክፍፋላቱ ባህርያዊ ፍልልይ ዘምስሉ፣ ብሓይሊ ጽልኢ ዝዕድሙ ኣገላልጻታት ክወሃቦ ኸሎ፣ ነቲ ኣብ ብዙሕነት ዝተመስረተ ሓድነት መላእ ህዝቢ ናይ ምምጻእ ጻዕሪ ዘዐንቅፍ ወይ ዘካብድ ተርእዮ ብምዃኑ ብኣግኡ ኣቓልቦ ክወሃቦ ዝግባእ ጉዳይ እዩ።

ቅድሚ ዝኣገረ ኣብ መንጎ ኣውራጃን ኣውራጃዊ ስምዒትን ዘሎ ርክብን ፍልልይን ምምልካቱ ጽቡቕ እዩ። ኣውራጃ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃገር ዝርከብ ምምሕዳራዊ ኣከፋፍላ ናይ ሓደ ጅኦግራፊካዊ ኣከባቢ እዩ። ኣውራጃዊ ስምዒት ከኣ፣ ኣብ ረብሓ ናይ ሓደ ኣውራጃ ዘተኩር ዝንባለ እዩ። እቲ ናይ ረብሓ ሃቐነ ብዋጋ ካልኦት ኣውራጃታት ንሓደ ዝተፈለየ ኣውራጃ ክብ ንምባል ዝድለ ክኸውን ከሎ ድማ ጸቢብ ረብሓ ንምርግጋጽ ብዝገብሮ ኣተኵሮ ኣሉታዊ ትርጉም ይህልዎ።

ኣውራጃዊ ምትእስሳር ካብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ሓሊፉ ፖለቲካዊ መስርሕ ናይ ሓደ ሃገር ንምጽላው ወይ ንምዕብላል ምስ ዝህቅን ተኣፋፊ ሳዕቤናት ኣለዎ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ሃይማኖት፣ ብሄር፣ ቋንቋ፣ በቲ ካልእ ናይ ምዕብላል ስምዒት ክሓድሮ ኸሎ ዝርአ ተኣፋፍነት፣ ኣውራጃዊ ስምዒት ዝተሓወሶ ፖለቲካዊ ዕብለላ ‘ውን ኣብ ኣባላት ካልኦት ኣውራጃታት ስግኣት ወይ ዘይውሑስነት (Insecurity) ፈጢሩ ምትፍናን ከምጽእ ብኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ግጭት ክምዕብል ስለዝኽእል፣ ብመንጽር ‘ቲ ኣብ ብዙሕነት ዝተሰረተ ሓድነት ንምምርግጋጽ ክካየድ ዘለዎ መስርሕ ሃገራዊ ህንጸት ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ።

እቲ ኣውራጃዊ ስግኣት ተሰሚዑዎ ሸቐልቀል ብምባል ስለ ኣውራጅኡ ክከላኸል ወይ ከጥቅዕ ኣብ ናይ ምትሕልላው ኩነት ዝጽመድ ኣካል ኣተሓሳስባኡ ኣብ ኣውራጃዊ ሳንዱቕ ተዓብዒቡ ናብ ሃገራዊ ደረጃ ክብ ከይበለ ወይ ከይሰፍሐ እዩ ዝተርፍ። እዚ ኣረኣእያ’ዚ ድማ ቅድሚ ኹሉ ንወናኒ ናይቲ ኣተሓሳስባ እዩ ዝጎድእ። ፍርሒ ወይ ዘይምትእምማን ሓዲሩካ ንኻልኦት ክትንጽል ተበግሶ ክትወስድ ከለኻ ንርእስኻ ትንጸል ኣለኻ ማለት እዩ። ረብሓኻ ድማ ብመጠን ጽበት ኣተሓሳስባኻ ንእሽቶ እዩ ዝኸውን።

በንጻሩ እቲ ብዓብላልነት ዝውቀስ ወገን፣ ዓብላሊ ስምዒት፣ ንገዛእ ርእሱ ካብቲ ብኣንጻሩ ዘሎ ስምዒት ግዳይነት (Victim Mentality) ዝኸፍአ ሞራላዊ ውድቀት ምዃኑ ብምዝንጋዕ፣ እቲ ኣብ ዓብላልነት ዘሎ ስብእነታዊ ቃና ባህታ ፈጢሩሉ፣ ኣጕል ትምክሕቲ ወሲኹ ኣብቲ ተዋስኦ መመሊሱ ዝጥሕል እንተደኣ ኮይኑ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ታኼላ ድሕረት ከምዘሎ እዩ ዘርኢ። ዓብላልነት ነባሪ ስለዘይኮነ ግዳይ ዕሽሽነቱ ‘ውን ክኸውን ከምዝኽእል ክንዝግዕ ኣይግባእን።

እዞም ክልተ ተተፋነንቲ ስምዒታት፣ ማለት፣ ኣውራጃዊ ስምዒት ኣለዓዒልካ “ካብ ዕብለላ ክወጽእ ይቃለስ ኣለኹ” እናበልካ (ፈሊጥካ ወይ ከይተፈለጠካ) ንርእስኻ ናብ ዕብለላ ምምራሕ ኮነ፣ በንጻሩ ካብ ስግኣት ተበጊስካ ብኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ዕብለላ ንምክልኻል ክትብል ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣውራጃዊ ቀጽሪ ከተደልድል ምሕላን፣ ነቲ ምትፍናን መሊሶም ነዳዲ ዝውስኹሉ መዕነውቲ ስጉምታት ብምዃኖም ከነወግዶም ይግባእ።

ስለዚ በንጻር’ዚ ምትፍናንን ሕነኣዊ መንፈስን ዘሐይል ዝንባለ፣ ኣብ ልዕልና ሕጊ፣ ፍትሕን ማዕርነትን ዝሕመረቶም ፖለቲካዊ መትከላት ዘተኮረ ሃገራዊ ራእይ ንምምዕባል ክጸዓር ኣለዎ። ኣብ ክንዲ ኣብ ሻራዊ ኣብ መትከላዊ መርገጺታት ክንኣምን ኣለና። ዕብለላ፣ ማዕርነት ብምርግጋጽ እምበር ብቕዳሕ ዕብለላ ኣይፍታሕን እዩ። ማዕርነት ንምርግጋጽ ከኣ ሕግን ፍትሕን ምንጋስ እዩ ዘድሊ።

ኣብዚ መዳይ’ዚ ዝተኻየደ ጭቡጥ መጽናዕቲ ‘ኳ እንተዘየለ፣ ክሳብ’ዚ ቀረባ ዓመታት ኣሉታዊ ቓና ዘለዎ ኣውራጃዊ ስምዒታት ኣብ ሕብረተሰብና ሱር ኣይሰደደን ክብሃል ይከኣል። ሎሚ ሎሚ ግን ብፍላይ ኣብ ስደት በጨቕታቱ ርኡይ እናኾነ፣ ዓውታ እናወሰኸ፣ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብ ያታዊ ሕብረተሰብ ኤርትራ፣ ዓድኻን ወዲ ዓድኻን ምፍታው ልሙድ ‘ኳ እንተኾነ ብኣሉታ ዝግለጽ፣ ወይ ነቲ ኻልእ ኣውራጃ ኣብ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ዘውድቕ ኣውራጃዊ ስምዒት ኣይነበረን። ብኣበዋት፣ ዓድን መበቆልን ሓዱሽ ገጽ ምሕታት ልሙድ እዩ ነይሩ። መልስኻ ኣሰር ኣፋትል ዝምድና እንተረኸቡሉ፣ መሊሶም ይስዕሙኻ፣ እንተዘየለ “መዋስብትና እንዲኹም” ኢሎም የቀራርቡዎ፣ ካብኡ እንተሓለፈ፣ “መሳድድትና እንዲኹም” ኢሎም የዛንዩኻ። እምበር፣ ካብ ካልእ ኣውራጃ ዝመጽአ ሰብ ተቐቲሉ ሓዲሩ ዝብል ዘረባ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን። ሕብረተሰብና፣ ኣሽንባይ ዶ ካብ ኣውራጃታት ኤርትራ ካብ ስግር ዶብ ንዝመጹ ኣጋይሽ ዘእንግድ፣ ገበላኡ ለጊሱ ልቡ ኣውዲቑ ዝሓድር ኣማንን ልዙብን ሕብረተሰብ እዩ ዝነበረ።

ብድሕሪ’ዚ ዝተዛነየ ኣውንታዊ ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብና፣ ብፍላይ ካብ ዘበነ ሓርነታዊ ቃልሲ ክሳብ’ዚ ዘለናዮ እዋን ግን ክልተ ጥሩፋት ዝንባለታት እናጎልሑ ክመጽኡ ይረኣዩ ኣለዉ። እቲ ንባዕላዊ ፍርሒ መራሕቲ ኣብቲ ሽዑ ፋሽን ዝነበረ ማሕበርነታዊ ፍልስፍና ዘዕቆበ ገድሊ መበቆል ዓዲ ምጥቃስ ከም ነውሪ ክሳብ ምርኣይ ደረጃ ክበጽሕ ከሎ፣ ኣብዚ እዋን ‘ዚ ኸኣ፣ “ብኣውራጃ ፖለቲካዊ ውደባ ምክያድ እንታይ ነውሪ ኣለዎ” ናብ ምባል ገጹ ዘምርሐ ኣተሓሳስባታት ከቀላቐል ይርአ ‘ሎ።

ዋላ ድሕሪ’ዚ ኹሉ ፈተነታት ‘ዚ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝሰፍሐ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ እቲ ኣሉታዊ ኣውራጃዊ ስምዒት ኣሎ ክብሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ዝበዝሐ ህዝቢ፣ እዚ ሻራዊ ጎደና’ዚ ናብ ጥፍኣት ዝመርሕ መንገዲ ምዃኑ ይርዳእ እዩ። እንተኾነ፣ ኣብ ኩሎም ወገናት ዘለዉ ሒደት ጥሩፍ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ውልቀሰባት ዘናፍሱዎም ክዉናትን ዘይክዉናትን ወረታት በብቑሩብ ኣብ ህዝቢ ከም ክልሸታት (stereotypes) እናሰረጹ ኽኸዱን፣ ምንጪ ምትፍናን ክኾኑ ስለዝኽእሉን ብኣግኡ ክመሓዉ፣ ዓዲ፣ ኣውራጃ፣ ሃገር ከምቲ ኣብ ያታዊ ሕብረተሰብና ዝነበረ እቲ ንቡር ኣውንታዊ ሚዛኑ ክሕሉ ኣለዎ።

ኣሉታዊ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ፣ ኣብ መትከላት ዝተመስረተ ርትዓዊ መጎተ ዕሽሽ ኢሉ ብባዕላዊ ስምዒት ዝተዋሕጠ ስለዝኸውን ጸገሙ ከዊሉ ነብሱ እናጸባበቐ፣ በንጻሩ ንኻልኦት ናይ ምክፋእ ኣመል ዘማዕብል ዝንባለ ስለዘለዎ  ክእረም ኣለዎ። ኣብቲ ናይ ምእራም ጻዕሪ እቲ ዝቐለለን ዝቐንዐን ኣገባብ፣ ካብ ነብስኻን ካብ ኣውራጃኻን ምጅማር እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተበግሶ ምጥርጣርን ምትፍናንን ኣፍኵሱ፣ እቲ ኻልእ ወገን ‘ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ዘተባብዕ ኣውንታዊ ወስታ ብምዃኑ ክድፍኣሉ የድሊ። ሰብ ገገዝኡ እንተጽርዩ፣ ዝጸረየ ኣከባቢ እዩ ዘፍሪ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ዝጠዓየት ሃገር ትርከብ። በንጻሩ ሚዛን ኣጥፊእካ ናብ ካልኦት ኢድካ ዊጥ ምባል እንተተዘውቲሩ፣ ምጕትካ ሓቅነት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ ዊጥታ እዩ ዝምለሰካ፣ ከከም ኩነታቱ ዊጥ ዊጥ ናብ ምውጥዋጥ ምምዕባሉ ኸኣ ኣይተርፍን።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብወረ ፍሑዅ ክብል ጸኒሑ ታተ ክብል ዝጋደል ዘሎ ዘይጽኑዕን ዘይሃናጽን ኣበሃህላ ንኣብነት፣ ንፖለቲካዊ መርገጺ ብኣውራጃዊ ካርታ ምርኣዩ እዩ። ኣሐፍሽ ኣቢልካ ሓማሴን ደጋፊ መንግስቲ፣ ኣከለጉዛይ ተቓዋሚ፣ ሰራየ ድማ ላንጋ ላንጋ ክብሃል ይስማዕ። ካብኡ ሓሊፉ ከከም በሃሊኡ፣ በቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ ንነብስኻ ወይ ኣውራጃኻ ኣጸባቢቕካ ንኻልእ ናይ ምክፋእ ቃናታት ‘ውን ይውሰኾ። ኣብ ባይታ ክርአ ኸሎ ግን እዚ ኣበሃህላ’ዚ መሰረት ዘለዎ ኣይኮነን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኩሉ ሰብ ዝተዓዘቦም ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝተወደቡ ንመጠን ደገፍ ናይቲ ስርዓት ኣብ ወጻኢ ሃገር ብሓፈሻዊ መንገዲ ክልክዑ ዝኽእሉ ክልተ ኣጋጣሚታት፣ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ መስከረም 2011 ኢሳይያስ ኣብ ኒውዮርክ ዘካየዶ ኣኼባ ደገፍቱ፣ ከምኡ ውን ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ኤውሮጳ ከተማ ቦለኛ ዝተኻየደ መበል 40 ዓመት ፈስቲቫል ቦለኛ ህግደፍ ከም ኣብነት እንተተመልከትና፣ ኣብቲ ናይ ኣመሪካ ኣኼባ፣ ‘ሎሚ ዘይከተተ’ እናተባህሉ ተጎስጕሶም ዝተሳተፉ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ናብ ኒውዮርክ ዝገሹ ደገፍቲ ካብ 3-5 ሽሕ ዝበጽሑ እዮም። እቶም ኣኼበኛታት ረሾኦም ብዘየገድስ ካብዘን ሰለስቲን ኣውራጃታት ከምዝነበሩ ርግጸኛ እየ። ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ብውሑዱ 150 ሽሕ ኤርትራዊ እንተደኣ ሃልዩ፣ 50 ሽሕ ደቂ ኣውራጃ ሓማሴን እንተደኣ ኮይኖም፣ ዋላ እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ 3 ሽሕ ካብ ሓማሴን ነይሮም ኢልና እንተገሚትና፣ እቶም 3 ሽሕ ከም ወከልቲ ናይቲ 50 ሽሕ ህዝቢ ተቖጺሮም ‘ኣብ ኣመሪካ ዝነበር ህዝቢ ሓማሴን ደጋፊ ስርዓት ህግደፍ እዩ’ ከብሉዎ ኣይክእሉን እዮም። ናይቲ ኣብ ኤውሮጳ፣ ቦለኛ ዝተኻየደ ኣብ ሳልስቲ 2 ሽሕ ደገፍቲ ዝተሳተፉዎ ፈስቲቫል ‘ውን ከምኡ። ዝዓበየ መልእኽቲ ናይዚ ተርእዮ ‘ዚ ብዝሒ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት እናኣንቆልቆለ ይኸይድ ምህላዉ ካብ ምዃን ሓሊፉ መለክዒ ኣውራጃዊ ፖለቲካዊ መርገጺ ክኸውን ኣይክእልን።

በንጻሩ፣ ኣብ ኣመሪካ፣ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ብ 2013 ዝተኻየደ ዋሃ ተባሂሉ ዝተዋህለለ ካብ 1000 ክሳብ 1500 ዝበጽሕ፣ ሎሚ ዘበን ‘ውን ኣብ ቦለኛ ኣብ ዝተኻየደ ካብቲ ናይ ኣመሪካ ኣዝዩ ዝተሓተ ቁጽሪ ዝነበሮ ተመሳሳሊ ጸረ ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፍታት ተቓወምቲ፣ ዝበዝሑ ተሳተፍቱ ኣከለጉዛይ ነይሮም ዝብሃል እንተኾይኑ ‘ውን ካብ 50 ሽሕ ደቂ ኣከለጉዛይ 600 ዘይበጽሑ ውልቀሰባት ስለዝተሳተፉዎ፣ ኣከለጉዛይ ተቓወምቲ ስርዓት ኢሳይያስ እዮም ዘብሎም ኣይኮነን።

እዚ ክልቲኡ ክዉንነታት፣ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ደላዪ ለውጢ ክንሱ፣ ነቲ ስርዓት ብንጥፈት ዝድግፉዎ ኮነ ብንጥፈት ዝቃወሙዎ ውሑዳን ምዃኖም እዩ ዘመልክት፣ እምበር ንሓደ ወገን ዘነይት ወይ ንሓደ ወገን ዘወንጅል ጭብጢ ኣየቕርበልናን እዩ።

ኣብዚ ክስሓት ዘይብሉ፣ ብፖለቲካዊ መትከላት ዘይኮነ ምስ ህግደፍ ብዘለዎም ውልቃዊ ረብሓዊ ዝምድናታት ዝተኣሳሰሩ ውሑዳት ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት፣ ነቲ ዘሻቕሎም መመሊሱ እናተቆርመመ ዝውዳእ ዘሎ ዋሕዲ ደገፍቲ መዳምቕቲ ዝኾኖም ቁጽሪ ንኽድርቡሉ፣ እቲ ስርዓት ናይ ወገኖም ምዃኑ ‘ሞ ነቲ ወገኖም ይከላኸሉሉ ምህላዎም ከምስሉ ብዓውታ ናይ ካርታ ጸወታ ወሲኾም ዝዋስኡ፣ ሳዕቤን ዕሽነቶም ዘይስቆሮም ደናቍር ምህላዎም እዩ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ‘ውን፣ ብፍላይ ኣብዚ መንእሰያት ናብ ተቓውሞ ዝተቓላቐሉሉ እዋናት፣ ነዞም በጻብዕቲ ዝቝጸሩ ባእታታት ከም ወከልቲ ናይ ሓደ ኣውራጃ ወሲድካ ህልኻዊ ግብረ-መልሲ ብምዝውታር ንስኻ ዝያዳ እሙን ተቓዋሚ ካልኦት ግን ኣይግድን ኣምሲልካ ነቲ ምንቅስቓስ ክትብሕቶ ወይ ከተጽብቦ ናይ ምፍታን ዘይብሱል ወገናዊ ምንቅስቓስ ክርአ ጸኒሑ እዩ። እዞም ክልተ ውሑዳን ጥሩፋት እምብኣር ወከልቲ ናይቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ክይኖም ነቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ቫይረስ ምፍልላይ ክዘርኡሉ ክፍቀደሎም የብሉን። ካብዚ ኣልዒልናዮ ዘለና ሰለስተ ኣውራጃታት፣ ደገፍቲ ኣለዉ፣ ተቓወምቲ ኣለው፣ ስቕታ ዝመረጹ ብዙሓት ከኣ ኣለዉ። ስለዚ ኣሐፍሽ ኣቢልካ (Generalize ጌርካ) ብኣውራጃ ምክሳስ ኣሉታዊ ሳዕቤን ስለዘለዎ ክንጥንቀቐሉ ይግባእ።

እቲ ጸገም እምብኣር ነዞም ሓቅነቶም ብመጽናዕቲ ዘይተረጋገጸ ኣውራጃዊ ክልሸታት (stereotypes) ከም ቅቡላት ወሲድካ ኣብ ልዕሊኦም ክልሰሓሳብ ምምስራት እዩ።

እዚ ሓው ታደሰ ኣብቲ ቀዳማይ ኮነ ኣብዚ ካልኣይ ጽሑፋቱ ምስ ኣውራጃዊ ኩነታት ኣተኣሳሲሩ ኣልዒሉዎ ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምጕታት እምብኣር ኣብዚ ብጽፈትን ጥንቃቐን ዘይተጸንዐ ኣበሃህላታት ዝተመርኮሰ ከይከውን ትዕዝብቲ ዝጠልብ እዩ።

ንኣብነት ነዚ ኣብዚ ዳሕረዋይ ተኸታተሊ ጽሑፉ “ምምሕዳር ዞባታትን ምምቕራሕ ጸጋታት ሃገርናን ብመንጽር ጽገናዊ ለውጢ?” ኣብቲ ቀዳማይ ተኸታታሊ ጽሑፉ፣ “ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን”…”ህዝባዊ ግምባር ብደቂ ከበሳ ዝተዓብለለ፣ ካብኡ ናብኡ ድማ ንተወለድቲ ዝተወሰነ ከባቢ ናብ ሓላፍነት ዝሓሪ ውድብ እዩ ነይሩ” ኢሉ ንዝጸሓፎ ብምዝካር…ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ሕጂ ዘቕርቦ ተኸታታሊ ዓንቀጽ፣ “እቶም ኣብ ህዝባዊ ግምባር ንንጹሃት ሃገራውያን እናቐንጸሉ ነቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሒቶም ዝኣተዉ ውልቀሰባት (ተወለድቲ ናይቲ ሰሜን ካብ ኣስመራ ዝርከብ ከባቢታት ሓማሴንን፣ ሕርጊጎ ዝማእከሉ ከባቢታት ባጽዕን) ብጉልባብ ምምሕዳራዊ ቅርጺ፣ ነቲ ካልእ ማዕሪኦም ደቁ ዝኸፈለ ህዝቢ ኣጓንዮም ንቀንዲ ቁጠባ ኤርትራ ከመቓርሑዎ ኢና ተዓዚብና”… ይብል።

እዚ ርእይቶ እዚ ጭቡጥን ዝተጸንዐን መሰረት ዘይብሉ ባዕላዊ መደምደምታ እዩ ዝብል መረዳእታ ኣለኒ። ናብዚ ገምጋም ‘ዚ ንዘብጽሓኒ መርትዖ ቅድሚ ምትንታነይ ግን፣ ነቲ ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት ዘተኣታተዎ ኣወዳድባ ዞባታት ብዝምልከት ከከም ኩርናዕ ኣበጋግሳ ናይቲ ምጕት ዝተፈላለዩ ባዕላዊ ክልሰሓሳባዊ ትንታኔታት ከምዘለዉ ክጠቅስ እደሊ።

1ይ – እቲ እዚ ስርዓት ‘ዚ ንልዕልና ናይ ሓደ ኣከባቢ ወይ ኣውራጃ ዘቐድም እዩ ዝብል መረዳእታ ዘለዎ ካብ ኣውራጃዊ ኩርናዕ ዝብገስ ክልሰሓሳብ፣ ነቲ ናይ ህግደፍ ዞባዊ ምክፍፋል፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዕብለላ ናይ ሓደ ኣከባቢ ወይ ኣውራጃ ንምርግጋጽ (ካልኦት ንምዕምጻጽ) ዝተኣታተወ ሜላ ገይሩ ይገልጽ። እዚ ብሓው ታደሰ ዝቐረበ ዝርዝራት ከም ሓደ ኣብነት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገላልጻ ክውሰድ ይከኣል።

2ይ – እቲ እዚ ስርዓት’ዚ ብሓደ ብሄር/ሃይማኖት (ትግርኛ/ክርስትያን) ዝዕብለል እዩ ዝብል መረዳእታ ዘለዎ ካብ ብሄራውን ሃይማኖታውን ኩርናዕ ዝብገስ ክልሰሓሳብ፣ ነቲ “እሙን ናይቲ ስርዓት ዝኾነ ብሄረ ትግርኛ፣ ኣብ ኩለን ዞባታት ከምዝህሉ ብምግባር፣ ንኻልኦት ብሄራት ንምቍጽጻር ዝዓለመ ፖለቲካዊ ስልቲ ከምዝኾነ ዝገልጽ ኣበሃህላ ‘ውን ኣሎ።

3ይ – እቲ ሳልሳይ ክልሰሓሳብ ናይቲ ስርዓት ኮይኑ፣ እቲ ተክኒካዊ ክፋሉ (ማለት እቲ 6 ዞባታት ንምቛም ዝተወስደ ክራይተርያ) እንታይ ምዃኑ እምበር፣ ስለምንታይ ኣውራጃታት ፈሪሱ ብዞባታት ክትካእ ከምዝተመርጸ ሓፋሽ ዝሰምዖ ወግዓዊ ትንታነ ኣይተገብረሉን። ኣብቲ ብ1996 ምክፍፋል ዞባታት ዝተኣታተወሉ እዋን፣ ማይ ክዖ (Catchment Area) ቀንዲ ረቛሒ መከፋፈሊ ዞባታት ምንባሩ ተደጋጊሙ ክግልጽ ከሎ፣ እቲ ህዝቢ ከም ታሪኻዊ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል ለሚዱዎ ዝጸንሐ ኣውራጃታት ፈሪሱ ብዞባታት ክትካእ ዝተድለየሉ ምኽንያት ኣውራጃዊ ወይ ወገናዊ ስምዒታት ንምህሳስ ተባሂሉ ከምዝተገብረ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ጥራይ እዩ ተሰሚዑ።

(ክቡራት ኣንበብቲ፣ ዋላ’ኳ ሓሳባተይ ኣብ ሓደ ዓንቀጽ ክጥርንፎ ተሊመ እንተነበርኩ፣ ብሓደ ክፋል ከምዘይገላገል ድሮ ይፍለጠኒ ኣሎ ‘ሞ ንባብ ከይነውሓኩም ጽሑፈይ ንግዚኡ ኣብዚ ደው ከብል። ኣብቲ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል፣ እዚ ናይ ሓው ታደሰ ይኹን እቶም ካልኦት ክልሰሓሳባዊ  መደምደምታታት ጽኑዕን ጭቡጥን መሰረት የብሎምን ዘበለኒ ምኽንያት፣ ብቐንዱ፣ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ሃገራዊ ዕላማታት ንምውቃዕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኮነ ስኒት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዕቃብ ክህልዎ ንዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋ፣ ብምዝርዛር ክድምድም ክፍትን እየ። ሰላም የራኽበና)

ኣማኑኤል ኢያሱ

1 ሕዳር 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
87 COMMENTS
  • Mana November 2, 2014

    Well done Amanuel. Please continue like this. Taddese has right to say anything he wants as long as morally acceptable. However you cannot say anything although it is fact. Taddese should learn cost benefit analysis. The more the cost the better to keep silent because at the end of the day we all pay the price. Is there any regional sentiments in current Eritrea? YES! Do we benefit from these? NO! So, why do we advocating or trumpeting it? Foolishness. Please let’s remember “Asha zTekelo Lebam neyNeklo”. Whether it is good or bad, what we are sowing now will take us 50 years to root it out. So, Taddese must refrain or must take some consideration before he writes something. The best way you can decide is to learn how the cost benefit analysis works.

    • Genet-orginal November 5, 2014

      Mana
      I think Taddese has a right to speak his mind. Because he spoke, we are discussing the issue.
      Genet-O

  • Tes November 2, 2014

    Tadesse spoke about real issue which exist in private conversation. Bringing to open for discussion is a good step for seeking solution. Outright to reject it as his personal issue which was hitched by few individuals like him are simply wrong. We are trapped in backwardness and we always emitate our oppressors. The issue exist what we need is to debt and seek the best options which unit us or help us to establish a way to direct us to common good. Of course we are not on stage of killing each other but it is real barear preventing us from working together to sort out our main problem. I don’t see any wrong to say I have this feeling or understanding. What I see here is that It is true but “Newry”to talk about it. If we don’t deal with it appropriately we might end up disintegrating into many pieces and that all the sacrifices paid to get here were for nothing. Let not be haring to get into conclusion and leave that I am always right and the others were wrong attitude. Let’s learn from each other by respecting others though.

  • ERITRAWIT November 2, 2014

    As far as I see the way Isaias ruling the country non of the awraja gaining anything as well as the people. Isaias is killing and putting in prison to everyone.
    At this time No one support Isaias from inside and that is what matter to us!!!!!!
    Dekey hager please lets not make Isaias wish come true.
    SWATNA NZEKER.
    Demhit kulen awraja keywesedwen kolew.

  • sabina November 2, 2014

    Selam Amanuel eyasu absrahka aslto ymneyelka bzaba Tadese zbelo elka tentinka aleka tadese gn ab bayta dteraye eu zdegeme natka gn gerimkani ab Eritrea kale tonkol tegeur tebahilu eu.nnmen ageb ktbel kem zoloka gn flet Tadese Kidane neyru gn nkelakelo kydegem eu zbel zelo Amanuel gn abey senihka ksb hiji gerumuni ms Ewan mgimtal himak tebay eu emo ayekbrekan eu gmtil gmtil himak eu bzaba awrajadea degefti belom zblo eko eu wedi hamasen kelekas tqawem entay malet eu ezy were Zoba dobub entemesyo ketfuna eyom tetenkeku zblom bzuhat eyom selezi eti mugnay kab meda eu neyru menka sabi menka enatebahle zetefe seb buzu eu hanti malti tntnkayo aytfelitin.

  • Gezae November 2, 2014

    We have heard enough venom spewing out and really we are tired of them. They yearn for a change, yet do nothing and in reality do not want anything to be done. Now after a long damn run, they tried to exploit the existing or whatever other structure. They want to keep it these away and want work in their favor.

  • bielo November 2, 2014

    ክቡር ሓው ኣማኑኤል

    እዚ ሎሚ ዝጸሓፍካዮ ጽሑፍ ናይ ብልቢ ሃብታምን ሞጎታውን’ዩ። ዓጊበሉ። ቅሩብ ግን ክእርመካ ዝደሊ ጉዳይ ኣሎ። ኣነ ሕጂ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይነ ከምዚ ክትገብር ኣለካ፣ ከምቲ እባ ክትገብር ኔሩካ እንተበልኩ ኣየምሕረለይን’ዩ። ሞራላዊ ውን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብመስፈሪታተይ ኣነን ንስኻን ለውጢ ኣብ ምምጻእ ዝጸዓርናዮ እንተተለኪዑ ናተይ ሃሳስን ዘይርአን እዩ። ናትካ ድማ ብኣንጻሩ። ኣብዛ ናይ ታደሰ ኪዳነ ጽሕፍቲ ግን ብኣጠማምታይ ጌጋ ኣለካ። ካልእ ዘይኮነስ ኣቐዲምካ ኣተና ናይዚ ጽሑፍ ርኢኻ ፣ ምስ ታደሰ ብኸምዚ ሕጂ ኣቕሪብካዮ ዘለኻ ኣገባብ ተኻቲዕካ ከተሕልፎን ከተትርፎን ኔሩካ ዝብል እምነት ኣለኒ። ልክዕ ዩ ብሰንኪ ህግደፍ ዝመስለና ከይንጽሕፍን ከይንዛረብን ኣፍና ተለጊሙ ኔሩስ ሕጂ ድማ ኣብ ስደት ቀይዶም ደድሕረና ክኸይድ ዘብል ዩ። ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ዝዓቢ ጽሑፍ ግን ብመሰረቱ ኣብ ጎዱፍ ክድርበ ዩ ዘለዎ። ኣብ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዘሰክፍ መረዳእታ ክፈጥር ዝኽእል መልእኽቲ ካብ ዝዝራእ፣ ጸሓፊ ግጉይን ተንኮለኛን ጽሑፍ ፣ መሰለይ ተገፊፈ ኢሉ ጸጉሩ ክነጺ ምመረጽኩ ኣነ። እምበር ታደሰን ጽሑፋቱን ፣ ፍጹም ተንኮልን ክፍኣትን ዝሓዘሉ ኣደናገርቲ እዮም። ብኹሉ መልክዓቶም እንተተመልኪትካዮም ድማ ነቲ ሓማሴን ዝበሃል ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ታደሰ ከም ዝጸልኦ ዝሕቡሩ ገምቢ ዝጨኑ መልእኽቲ ዘለዎም እዮም። ነታ ሓማሴን ትበሃል ኣውራጃ ናይ 34 ኪሎ ሜተር ሰንጣቒት ዘለዋ፣ ድኻ፣ ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ፣ ደቃ ግን ንኹሉ ዴሞግራፍያዊ ባእታታት ናይዛ ሃገር ኣዳኺሞም ጸብለል ኢሎም ከም ዝወጽኡ ከረዳኣና ፈቲኑ። ብኻልኦት ኣውራጃታት ጽልእቲ ንኽትከውን ኩሉ ዝከኣሎ ምሂዙ። ኣብ ማእከላ ኣትዩ ካርነም እዮም እምበር ካልኦት ዳኣ እንታይ በዲሎም ኢሉ። ብኻልኦት ኣጽሊኡዋስ እንደገና ድማ ንዓኣ ድማ ክመቓቕላ ፈቲኑ መስኪናይ። ኣብ ሜዳ ንዝተቐንጸሉ ኩሎም ደቂ ኣከለ ጉዛይ ጥራይ ኮይኖም ፣ ቀንጸልቲ ድማ ደቂ ሓማሴን ጥራይ ከም ዝኾኑ ኣብ ሕቡእ መልእኽቲ ጽሑፋቱ ከረዳኣና ፈቲኑ። ብሓቂ ድዮም ደቂ ሓማሴን ኣብ ሜዳ ዘይተቀንጸሉ፠፠፠፠እዚ ታደሰ ጥራይ ስለ ዘይኮነ ተጋዲሉ ፣ ፍርዲ ንኹሉ ማዕረን ልዕልን ታደሰ ዝተጋደለ ተጋዳላይ ንግደፎ። ስለዚ ቀዳማይ ነገር ነታ ሓማሴን ትበሃል ኣውራጃ ብልክዕ ጌሩ ክገልጻ ኣለዎ። ምክንያቱ ብኣጠማምታ ታደሰ እታ ሓማሴን ትበሃል እዛ ካብ ዛግር ንሕምብርቲ ትዝርጋሕ ጸላም ጽርግያ እንተዳኣኮይና እቶም ክሳብ ሰፍኣን ተከዘን ንወሎዶታት ዝተቐመጡ ደቂ እቲ ኣውራጃ ከይኪዕቡዎ። እታ ሓማሴን ትበሃል ካልእ’ያ ታደሰ ሓቢቢ። ልዕሊ እዚ ዝገለጽካያ። ስለዚ ብስም ሓማሴን ኢልካ ሰባት ካብ ፖለቲካ ናይ ኤርትራ ክትንጽል ክትፍትን ከለኻ ምስ ክንደይ ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምትፍናን ትኣቱ ከም ዘለኻ ክትግንዘብ ጽቡቕ እዩ። እቲ ፍታሕ እዚ ታደሰ ዝብሎ ዘሎ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ጽሑፋት ታደሰ ካብ ሃመማ ሓኸለ እናውጻእካ ዘይነበሩ ፍልልያት ምፍሓር ጥራዮም ዝምህሩ። ኩለን ኣውራጃታት ግዝፈንን ብዝሒ ህዝበንን ብዘየገድስ ማዕረ ምካነን ምእማን፣ ንኹለን ብማዕረ ዘሳትፍ ፖለቲካዊ መድረኽ ክትፈጥር ምጽዓር፣ ኩለን ተበዲለን ከም ዘለዋ ምእማን፣ ኩለን ደቀን ከም ዝኸፈላ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ። ካብ ሃደ ንናጽነትካ ተጋዲለ ዝብል ሰብ ክሳብ ክንዲ ዚ ሓላፍነት ዝጎደሎ ጽሑፍ ምርኣይ ዘገርም እዩ። ንህግደፍ ድላይካ በሎ። ኩሉ ዓይነት ጸርፍታት ዝግበኦ ናይ ክሕደት እካበ ስለ ዝኾነ፣ መስዋእቲ አሕዋትና ብላሽ ዝገበረ ናይ ትምክሕተኛታት ጉጅለ ስለ ዝኾነ፣ ተወፋይነት ህዝቢ ኤርትራ ባዕሎም ዝፈጠርዎ ዝመስሎም ስኹራት ዝዓብለሉዎ፣ ልዕሊ ህዝብን ባይቶን ኢና አሎም ደቂ ህዝቢ ኣብ መጋርያ ኪናት ዝጠብሱ ድምሱሳት ዘቁሙዎ ስለ ዝኾነ ድላዩ ኢሉ ክጸርፎን ክዋግኦን ይክእል ዩ። ከባቢኻ ኣግዚፍካ ንካልኦት ከተድቅቅ ምፍታን ግን ኣብ ጽባሕ ውን ደቂቅ ዩ ዝገብረካ ታደሰ። ብከምዚ ድማ ብዜካ ጋስትራይት ክትሓምም ኣብ ትበጽሖ የቢልካን። ንህዝቢ ናይ ዝኾነ ይኹን ክፋል ናይ ሃገርና ነጺልካ ንስኻን ደቂ ሩባኻን ክትበጽሕዎ ትኽእሉ ዕምቆት ወይ ብራኸ ኮቶ የለን። ንሕበር፣ ንሕብረት ንስራሕ፣ ሓቢርና ድማ ተቃደስቲ ናይ ዝጸዓርናሉ መድረኽ ንኹን። ጽሑፋትካ ንዓይ ጠቒሙኒ ዩ ሓቂ። ከምዚ ናትካ እምነት ዘለዎም ኣውራጃውያን ብብዝሒን ኣብ ኩሉ ጽፍሕታትን ከም ዘለዉ ምሂሩኒ። ተገጢምካ ኢኻ ሞ ኣገባብ ቀዪር። ሓሚመ የ ብዜካ ኣከለ ጉዛይ ኣብ ርእሰይ ዝመጸኒ ቆለ የለን በሃላይ እንተዳኣ ኮይንካ ድማ ቀጽል። ሰብ ግን ይከታተለካ ኣሎ። እምበር እታ ሓቂ ከምዛ ኣማኒኤል ዝበላ’ያ። ኣቦታትና ዓድኻን ዓውድኻን ክፈልጡ ይደልዩ። ይሓቱኻ ድማ። ሓቲቶም ምስ ኣረጋገጹ ድማ ምስኦም ዘራኽበካ ወለዶ ወይ ምሕዝነት ይነግሩኻ። ብፍላይ ነተን ክተፈላልየን ትፍትን ዘለኻ፣ ሓማሴንን ኣከለ ጉዛይን ካኣ እሞ፣ ሕውነተን ኣብ ገሽናሺም ዝተባህለት ዓዲ ናይ ሓማሴን ኬድካ ሕተት። ንስኻ መን ኢኻ ንሳቶም ድማ መን ዮም ክሕብሩኻ ዮም። ወደሓንካ

  • megos November 2, 2014

    ወይ ጉድ!
    ኣንቱም ሰባት፡ ኩሉኹም ኣውራጃነት ኣሎ ግን ኣየዋጽእን ኢዩ፡ ትብሉ ኣለኹም። እሞ እቲ ኣሎ ትብልዎ ኣውራጃነት ድኣ እንታይ ኢዩ? ክትገልጹልና ትኽእሉ`ዶ? እሞ ታደሰ ድኣ ዘይ ክምዚ ኣሎ`ሞ ንኣርሞ ኢዩ ዝበለ። ከም ዘሎ ትኣምኑ፡ ክትዛረብሉ ግን ኣይትደልዩን። ክእረም እንተኾይኑ`ኮ ኣየናይ መዳዩ ኢዩ ክእረኣም ዘለዎ? ክንፈልጥ ኣለንና። እሞ ኣውራጃነት ዘምጽኦ ሳዕቤን ምዝርዛር ድኣ መኣስ ኢዩ ሓጢኣት ኮይኑ። በሉ፡ እቲ ኣውራጃነት ወገንነት ከም ዘሎ እንተ ድኣ ኣሚንኩም ኣየናይ ኢዩ? እንታይ እንታይ መልክዕ ሒዙ`ኸ ይመጽእ ኣሎ ክለዓል የብሉን ድዩ ነገሩ።
    ሓደ ነገር ክእረም እንተ ኾይኑ ንዛረበሉ፡ ንካታዓሉ፡ ድሕሪኡ ድማ መኣረምትኡ ንደልየሉ። እዚ ኢዩ ኣቲ ሓቂ። ነቲ ዘሎ ምፍልላይ ከይተንከፍካ ክትእርሞ ምፍታን ድኣ ከመይ ገይርካ ኢዩ ክኸውን። ህግደፍ ኣውራጃነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንብዙሓት ብሀራት ሃገርና ናብ 3ይ ዜጋ ቀይሩወን ኣሎ። እሞ ህግደፍ ድኣ ኣውራጃነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ወገንነት፡ ብሀርነት ሃይማኖት ኩሉ ዓይነት ምፍልላይ እናተጠቕመ ክትከላኸለሉ ምፍታን ዘይከውን ኢዩ። ፈቲኹም ጸሊእኩም ሕጂ`ውን ኣበርቲዕና ክንቃለሰሉን ከነቃልዖን ኢና። ውሕ ውሕ ማባል ትርጉም የብሉን።
    ንኣማኑኤል ስለቲ ዘምጽኦ ናብ ክትዕ ዘምርሕ ኣርእስቲ አመስግኖ። እንተ እቶም ኣይትተንክፉና ትብሉ ዘለኹም ግን፡ ነንሕድሕድና ኣይንተናኸፍ፡ ኢዩ`ቲ መልሲ። ህግደፍ ብኣውራጃ ይሰርሕ ኣንተ ድኣ ሃልዩ፡ ንዕኡ ከየቃላዕካ ክቃወሞ ኢየ ምባል ትርጉም የብሉን። ንህግደፍ ክትእርም ነቲ ዝእረም ወገኑ ክትዛረበሉ ግድን ኢዩ። ወደሓንኩም

  • Simon G. November 2, 2014

    ኣማኑኤል:
    1. ንታደሰ ጭብጢ የብልካን ህግደፍ ኣውራጃዊ ከም ዝኾነ እንዲኻ ሓቲትካ መስለኒ፣ ኣነ ድማ ንዓኻ ጭብጢ ኣየቕረብካን, ወገናዊ ከምዘይኮነ ይብለካ።
    2. ንህዝቢ ኤርትራ ዘበሳብስዎ ዘለዎ መርሕቲ ሰራዊት’ዮም (መን ትእዛዝ ሂብዎም ብዘየገድስ)። ስለዚ: ካበይ ‘ዮም ዝበዝሑ ሓለፍቲ ሰራዊት? ሊስታ ኣቕሪብካ ምስረኣና, ሽዑ ኣውራጃዊ ድዩ ትካላት ሰራዊት ኤርትራ ኣይኮነንን ንብለካ። እቶም ዓያሹ ሓለፍቲ ሰራዊት ንኹሉ ብማዕረ ድዮኡም ዝጭፍጭፍዎ ዘለዉ, ዝብል ሕቶ ካልእ ዩ።
    እዝ ደኣሞ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ሰብ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ከፊእዎ ዘሎ ሰብ “ኣነ ፈልጥ ኣይከፈኣካን” ከም ምባል ማለት ኳ’ዩ።
    ሓንቲባ ክሕብረካ፣ ንታደሰ እንድሕር ጭብጢ የብልካን ትብሎ ኣሊኻ, ንምንታይ ናይ የማነ ቃለ ማሕተት ይቕጽል? ናይ የማነ ምስክርነትከ ብቑዕ ምስክር ኣይኮነን ድዩ? ናይ ተስፋይ ተምንዎ ከ?
    ስለምታይ ኢና ሸፋፊና ክንሓልፍ ንመርጽ፧ ንሓደ ጎድኒ ከይተኾሪ ክትብል ሕማቕ ግብሪ ምሕባእ? እንደገና ተገምጢልካ ንስመር ምባል, ከመይ ‘ሉ?
    መጀመርታ ተሃስየ ዝበለካ ወገንካ ሕማቕ ረኺብካ። ብሰንኪ ዞም ደናቑር ውሑዳት ተሃሲኻ። ንዓናውን ዝገድፉልና የብሎምን ትብል። ሽዑ ንስመር ትብል።
    ኣንባቢ: ንዓይ ድማ ተመልስካ/ኪ ወገናዊ በለኒ። እሳ ‘ኳ’ያ ግርም መሸፈኒት።

    • Mai Edaga November 2, 2014

      Simon,
      I have understand you have a prove and want to mention list of names high ranking military officials causing serious damage human rights abuses in Eritrea, prompt thousands of Eritreans to flee the country.
      As I came from Eritrea few days s ago from Eritrea, I want to mention some names of top security right hand of the brutal Isayas Afewerki regime:

      B/ General Tesfalidet Habteslasie (head of presidential security, acting Minister of Defense)

      B/ General Abraha Kasa ( head of security)
      B/ General Simon Ghebredingil
      Colonel Teame (mekele)
      Colonel Yemane Afewerki ( Head of security of Zoba Maekel)
      Colonel Amanuel (operation head of presidential security guard)
      Yemane Gebremeskel ( director of presidential office , head of all ministers )
      Hagos Kisha
      Yemane (Tselimay) high ranking of presidential security guard
      Pilot (high ranking of presidential security guard)
      And others …………

      Kulom izom ab laili zitekeskuwom lailewot halefti nay tsetita )(security) halefti kab hade awraja iyom , but they DO NOT EXEMPLIFY TO THE GALANT PEOPLE OF AKELEGUZAY AS THE OTHER HIGH RANKING GENERALS ARE NOT REPRESENT TO OTHER Awrajas. becouse of these greedy don’t Generalize.

      • Simon G. November 2, 2014

        ማይ ዕዳጋ:
        እዝ ዝጸሓፍካዮ ቅኑዕ ‘ዩ። ብዙሕ ግዜ ድማ ጠቒሰዮም ኔረ (ብጀካ ውሑዳት ዘይፈልጦም), እዞም በላዕቲ ሰብ። የግዳስ: ብዛዕባ ሓለፍቲ ሰራዊት ‘ዩ ናተይ ሕቶ። ስለምንታይ: ነዚ ኹሉ ኣገልግሎትን ተጋዳልትን ድፋጭኡ ዘስተይዎን ክሳብ ሕጂ ዝቕጽልዎ ዘለውን ስለ ዝኾኑ።

  • mahta November 2, 2014

    Zkeberka bielo Fkri ktmestie ente koina hdgetat ena geberka kem zkone knamn ygbae. Ezi nkulu krdo zelewo haki eu.Tadese zbl zelo zmesleni ztegebre hluf hakegna tarik mkuanu eu gelistu. Zle zkone kea nety gudlet bhgi meseret nfewso eu zbl zelo nezi ktamno zgbaka halafnetka koinu ystmeani. Kensteltyn tekensteltn menyom . Ab bayta bchbty sle zelo mezgeb . Hgi tray habirna neta hager nedhnan nab hign fthin gestna kulu hasabna ykun.

  • negash November 2, 2014

    The Awraja reality was there long before Isaias was born. It is not Issaias’s creation. If we have to solve this we need to discuss it without bulling. PFDJ was using the same tactic i.e. bulling. Amanuel I want to ask you one question how do you recognize our religious,and nationality differences but not treat the awraja difference. The psychological make up is also one factor. But, however, that doesn’t have any problem with our unity. Whether we like it or Taddese exactly what has happened. Whether we like it or not we will talk these things in detail. mewerezay aydeln.

Post a Reply to rezen Cancel Reply