Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሓይሊ ዝኣቱ ጽልኢ ብቐሊሉ ኣይወጽእን ‘ዩ! – 2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ብናተይ መረዳእታ፣ ካብቲ ንምሕደራዊ ኣከፋፍላ ዝተሓንጸጸ ካርታ ኣውራጃታት ኤርትራ፣ እሞ ኸኣ ኣብዚ ዓለም እናጸበበትሉ ትኸይድ ዘላ መዋእል፣ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ምምሃዝን ብቑጠባዊ ውዲታት ከተራጕዶ ምፍታንን ርትዓዊ መሰረት ዘይብሉ ኣጉል ምጕት እዩ። ብዛዕባ ሃገር ክንሓስብ ከለና፣ ምስ

ብናተይ መረዳእታ፣ ካብቲ ንምሕደራዊ ኣከፋፍላ ዝተሓንጸጸ ካርታ ኣውራጃታት ኤርትራ፣ እሞ ኸኣ ኣብዚ ዓለም እናጸበበትሉ ትኸይድ ዘላ መዋእል፣ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ምምሃዝን ብቑጠባዊ ውዲታት ከተራጕዶ ምፍታንን ርትዓዊ መሰረት ዘይብሉ ኣጉል ምጕት እዩ። ብዛዕባ ሃገር ክንሓስብ ከለና፣ ምስ ሓማሴን ኣብ ዝዳወባ ዓድታት ሰራየ ዝርከብ ኤርትራዊ፣ ኣብ ጎደቦኡ ኣብ ዘለዋ ዓድታት ሓማሴን ንዝርከብ ዜጋ ሕቖኡ ሂቡ ኣብ ቋሓይን ምስ ዝርከብ ወዲ ሰራየ ዘራኸቦ ዝተፈልየ ፖለቲካ የለን። ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ወዲ ካርኔሽም ካብ ወዲ ሰንዓፈ ንላዕሊ ዝረኸቦ ቁጠባዊ ሓለፋ ‘ውን ኣይረኣየንን። እዚ ዕሽነት’ዚ፣ ክልተ እሱራት፣ ሓቢሮም ካብ ማእሰርቲ ነጻ ዝወጽኡሉ ብልሓት ኣብ ክንዲ ዝምህዙ ኣብ ውሽጢ ናይ ማሕዩር ሸላኦም “መንጸፍካ ካብ ናተይ ዝያዳ ኣላታ” ተበሃሂሎም ብምትህልላኾም፣ ዋርድያኦም ነቶም ባዕሎም ዝተሓላለዉ ዘለዉ እሱራት ገዲፉ ካልኦት እሱራት ክምእርር ክወፍር ዕድል ከም ምሃብ እዩ ዝቝጸር። ተወሰኽቲ ግዳያት ምስ ዝርከቡ ድማ፣ ዝጸልኣሎም እሱራት ሸላኦም ትጸቦም! ንርእሶም ይገዶም። ሓርነት ከመይ ኣቢልካ ከም እትርከብ ዘይኮነስ ኣብ ባርነት ከመይ ኢልካ ከምዝንበር ዘገድሶ ዝጸልኣሉ እሱር ደኣ ‘ሞ መን ይድንግጸሉ፣ ባዕሉ ዶ ይኮነን ንሕልፈት ተኾኒኑ! እዚ ድኹም ኤርትራዊ ኣእምሮ ወዲቑሉ ዘሎ ደረጃ ኣውራጃዊ ምትፍናንን ካብዚ ናይ እሱራት ህልኽ’ዚ ዝፍለ ኣይኮነን። ኢዋኣኻ ነዚ ዝረኣኻ!

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሕንፍሽፍሽ ዘመን፣ ኣብ ወረን ሕሜታን ዝተመስረተ ኣውራጃዊ ክልሰሓሳብ ክፈልስ፣ ኣብቲ ዘይጽኑዕ ክልሰሓሳብ ዝተመስረተ ስምዒታዊ ኣውራጃዊ ፖለቲካዊ ኣወዳድባ ከምዘድሊ ከይተረፈ ብድፍረት ክስማዕ ከሎ፣ “ዓሻ ዝተኸሎ ለባም ነይነቕሎ ከይኮነና” ሸለል ክብሃል ስለዘይብሉ፣ ዘርኢ መርዚ ከይተተኽለ ክንቀል ከምዘልዎ ንምዝኽካር ከኣ ‘የ ርእይቶይ ወስ ዘብል ዘለኹ።

በዚ መሰረት፣ ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ፣ እቲ ናይ ሓው ታደሰ ይኹን እቶም ካልኦት ኣብ ዘይተጸንዐ ኣበሃህላታት ተመርኵሶም ዝብጽሑ ክልሰሓሳባዊ መደምደምታታት ስነፍልጠታዊ ምርኩስ የብሎምን ዘበለኒ ምኽንያት ክጠቅስ፣ ብቐንዱ፣ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ሃገራዊ ዕላማታት ለውጢ ንምውቃዕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኮነ፣ ሕድሕድ ምትእምማን ኣዳኺሙ ስኒት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዝራግ ክህልዎ ንዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤን ከረድእ ምዃነይ ኣሚተ ስለዝነበርኩ ብቐጥታ ናብ መብጽዓይ ክሰግር።

ሓው ታደሰ ኣብ ልዕልና ሕጊ ከምዝሰማማዕ ገሊጹ ኣሎ። እንተኾነ፣ ነቲ ኣብ መበቆል ዓዶም ተገዲሱ ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዘቕረቦ ክሲ፣ ምስቲ ንሳቶም ዝተወልዱሉ ከባቢ ሓናፊጹ፣ ክሳብ ሕጂ ሓደ ከባቢ ንኻልኦት ከባቢታት ወጺዑ፣ ሓደ ከባቢ ካብ ካልኦት ከባቢታት ረቢሑ ከምዝጸንሐ ዝገልጽ፣ ዘጋለብካዮ ፈረስ ጎልጎል ወዲኡ ቀዳሞት ኣእጋሩ ናብ ጸድፊ ወስ ምስ በላ ልጓም ከምምሓዝ ዝዓይነቱ ኣቀራርባኡ ምእራም ዘድልዮ እዩ። ቁስሊ ምንባሩ ዘረጋገጽ ጭብጢ ከይሓዝካ በሰላ ምህላዉ ውሁብ ዘምስል ኣመት ምሃብ ኣብቲ ኩሉ ፖለቲካዊ ጸወታ ንዘይወዓለ ህዝቢ ዝያዳ ከምዝጠራጠርን ከምዘይተኣማመንን ስለዝገብር፣ ንታሪኽ ብጎቦ ዓይንኻ ኣብ ክንዲ ምርኣይ፣ ብኽልተ ኣዒንትኻ ንመጻኢ ብምጥማት፣ ኣብ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ማዕርነትን ናይ ምርግጋጽ መትከል ብዘይ ነግፈረግ ክትኮረሉ ኣለዎ።

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ሓው ታደሰ ከቕርቦ ዝቐነየ ተኸታታሊ ዓንቀጽ ንኣብነት፣ “እቶም ኣብ ህዝባዊ ግምባር ንንጹሃት ሃገራውያን እናቐንጸሉ ነቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሒቶም ዝኣተዉ ውልቀሰባት (ተወለድቲ ናይቲ ሰሜን ካብ ኣስመራ ዝርከብ ከባቢታት ሓማሴንን፣ ሕርጊጎ ዝማእከሉ ከባቢታት ባጽዕን) ብጉልባብ ምምሕዳራዊ ቅርጺ፣ ነቲ ካልእ ማዕሪኦም ደቁ ዝኸፈለ ህዝቢ ኣጓንዮም ንቀንዲ ቁጠባ ኤርትራ ከመቓርሑዎ ኢና ተዓዚብና”… ብምባል፣ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኣታተወ ምምዳራዊ ቅርጺ፣ ነዞም ወገናት እዚኣቶም ብሓለፋ ንምርባሕ ከምዝተኣታተወ ከረድእ ዝገበሮ ፈተነ ቅኑዕ ኣይኮነን።

ኣብ ቀዳማይ ክፋል “ቀንዲ ቁጠባዊ ማእከል (ጸጋታት ሃገር) ብጉልባብ ዞባዊ ምምሕዳር፣ ብኸመይ ኣብ ውሱን ከባቢታት ከምዝጸዓቐን ብኡ ኣቢሉ ድማ ከባቢታት ዝማእከሉ፣ ኣብ ህዝብና ዝተኣልመ ነባሪ ቁጠባዊ ምዝንባል ዝፈጥር ውዲት ክንርኢ ኢና” ብምባል ነቶም ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዉ ዓድታት ተገይሩሎም ኢሉ ኣብ 2ይ ክፋል ዘቕረቦ ኣብነታት ቁጠባዊ ሓለፋ ‘ውን ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን።

ሀ – ኣብቲ ፈለማ ዘምጽኦ ኣብነት፣ “እቲ ኣብ ዞባ ማእከል ንሰሜን ክሳብ ከባቢ ወኪ (34 ኪ.ሜ)፣ ብደቡባዊ ምዕራብ ክሳብ ከባቢታት ሕምብርቲ (34 ኪ.ሜ) ዝዝርጋሕ፣ ካብ ኣስመራ ወጻኢ ዝርከብ ገጠራት ዞባ ማእከል፣ ብኸፊል ብኸፈልቲ ግብሪ ኣስመራ ከምዝምወል ተገይሩ፣ ኣብ ከባቢ ወኪን ሕምብርትን ዝርከብ ሓረስታይ በተን ንኸፈልቲ ግብሪ ኣስመራ ዝተዳለዋ ናይ ከተማ ኣውቶቡሳት ብውሑድ ወጻኢ፣ ኣስመራ ስራሕ ውዒሉ ገዝኡ ክሓድር ዕድል ይወሃቦ፣ እቲ 20 ኪሎሜተር ንደቡብ (ከባቢ ሽከቲ) ዝነበር ሓረስታይ ግን፣ እዚ ዕድል ‘ዚ የብሉን” ክብል ይጠቅስ።

ቅድሚ ኹሉ፣ ተቐማጦ ናይዞም ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዉ ዓድታት፣ መጠኑ ደኣ ይትሕት እምበር ንሳቶም ‘ውን ግብሪ ናይ ምኽፋል ግዴታ ኣለዎም። ልክዕ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ዝነበር ድኻ ብሰንኪ እቶቶም ካብ ግብሪ ነጻ እንተኾይኖም ከኣ፣ ካብ “ሃብታማት” ከፈልቲ ግብሪ ኣስመራ ዝጥቀሙ ንሳቶም ጥራይ ኣይኮኑን። እቲ ካብ ርሑቕን ቀረባን ኩርናዓት ኤርትራ መጺኡ ኣብ ኣስመራ ዝነብር ህዝቢ ‘ውን ተጠቃሚ ናይዚ ዕድል ‘ዚ እዩ። ብቐንዱ ግን፣ ካብ ወኪ ይኹን ካብ ሕምብርቲ ናብ ኣስመራ ክወፍሩ ከለዉ፣ ንሳቶም ከም ሸቃሎ ቀረብ ጉልበት፣ ወይ ከኣ ደርሆ-እንቋቍሖ፣ ድንሽ ዝኣመሰሉ ሃለኽቲ ሒዞም እዮም ንኣስመራ ዝገሹዋ ዘለው። ኣብ ኣስመራ ምሉእ መዓልቲ ክውዕሉ ኸለዉ ‘ውን ብውሑዱ እንተ ስዋ እንተ ፋታ ምሕሻሾም ኣይተርፍን። ስለዚ ብድጎማ ኣውቶቡስ ከተማ ካብ ዝረኽቡዎ መኽሰብ፣ ንኣስመራ ዝሃቡዎ ኣገልግሎት ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ እዩ።

 

ብዓቢኡ ካብዚ ንኣውራጃዊ ፖለቲካዊን ቁጠባውን ኣድልዎ ንምግላጽ ዘይበቅዕ ጽልቓ ኣብነት’ዚ ክብ ኢልና ክንርእዮ ዘለና፣ ምናልባት እቶም ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዉ ህዝቢ ኣብ ጥቓ ዓቢ ከተማ ብምድኳኖም ወጽዓ ከምዝህልዎም ‘ውን በቲ ሓደ ገጽ ምርኣዩ የድሊ። ጎዶቦ ከተማ ምዃን መኽሰብን ክሳራን እዩ ዘለዎ። ብዘይካ ተጠቃሚነት ኣገልግሎታት ከተማ፣ ዕድል ስራሕን፣ ካብ ክብሪ መሬት ዝርከብ መኽሰብን፣ ከከም ርሕቀቱ፣ እተን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዋ ዓድታት፣ ምስ ምስፋሕ ከተማ፣ ግራውተን ኣብ ክንዲ እኽሊ ገዛውቲ ኣብቍሉ፣ ብኸተማ ተዋሒጠን መንነተን የጥፍኣ እየን። ብመስረት ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ መሬት ናይ መንግስቲ ስለዝኾነ ካብቲ ንጤሳ ተባሂሉ ንስድራቤታተን ዝግደፈለን ቃጽዖ ሓሊፈን ካብ መሬት ዝረኽባኦ ሓለፋ እናጎደለ እዩ ዝኸይድ። ካብ ከተማ ርሒቐን ዘለዋ ዓድታት፣ ካብ መሬት ቀጻልነት ዘለዎ ድርብ ኣገልግሎት ክረኽባ ከለዋ፣ ናይ ከባቢ ከተማ ዓድታት ረብሓ እናጸበበ እዩ ዝኸይድ። በዚ ምኽንያት ከኣ እዩ፣ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ናይ ዝርከባ ዓድታት ህዝቢ ምስቲ ስርዓት ብቐጥታ ክጋጮን ክኸራኸርን፣ ክእሰርን ክፍታሕን ዝተራእየ።

 

ምስዚ ተኣሳሲሩ ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ናይተን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከባ ዓድታት ዝወረደ ወጽዓ፣ እቲ ስርዓት፣ “ጤሳኹም ኣብ ውሽጢ 3 ዓመት እንተዘየስሪሕኩሞ መንግስቲ ከሕድገኩም እዩ” ኢሉ ስለዘፈራርሖም፣ እቶም ገንዘብ ዘይብሎም ዝበዝሑ ድኻታት ነቲ 500 ትርብዒት ሜትሮ ጤሳኦም፣ ብታህዋኽ ካብ ዝኾነ ኩርናዓት ኤርትራ ምስ ዝመጸ ብዓል ገንዘብ ንፍርቂ ተዋዓዒሎም ከምዘስራሕ ብምግባር ኣብ 250 ትርብዒት ሜትሮ ዝተሃንጸ ቤት ሒዞም ምትራፎም እዩ።

 

ንመሬት ኣባይቲ (ጤሳ) ብዝምልከት፣ ነበርቲ ኣስመራ ዝጸንሑዎ ዓመታት ብዘየገድስ ተቐማጦ ደኣምበር ደቂ ዓዲ ክብሃሉ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ብገንዘቦም ክካረዩ፣ መሬት ወይ ገዛ ክገዝኡ ደኣ እዮም ዝኽእሉ እምበር ከምቶም ዓዶም ብኣስመራ ዝተዋሕጠ (ከም ብዓል ኣርባዕተ ኣስመራ፣ ጎዳይፍ፣ ወይ ድማ ናብ ኣስመራ ጠቢቐን ዘለዋ ዓድታት፣ ከም ቁሸት፣ ዓዲ ኣቤቶን ጻዕዳ ክርስትያንን) ደቂ ዓዲ ተባሂሎም ጤሳ ክወሃቦም ክጽበዩ ኣይክእሉን። ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣስመራ ዝተዓደለ ኣባይትን ተጠቅምትን ዝገልጽ ጭቡጥ ኣሃዛዊ ሓበሬታ (Statstics) ክሳብ ዘይተረኽበ ብፖለቲካዊ መልክዕ ዝግለጽ ወገናዊ ኣተዓዳድላ ነይሩዎ ኢልካ ኣብ መደምደምታ ክብጻሕ ኣይክእልን እዩ። ነቲ ብብዝሕ ዝበለ ቁጽሪ ተዓዲሉ ዝብሃል ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከብ ኣባይቲ ብዝምልከት፣ ንናይ ህግደፍ ጽምኢ ዶላር ዘርውዩ፣ ክልተ ካብ ሚእቲ ዝኸፍሉ፣ ተደናገጽቲ ወይ ደገፍቲ ህግደፍ ኮነ ንህግደፍ ዘይቃወሙዎ ካብ ኩሉ ኣውራጃታት ዝውለዱ ውልቀሰባት ኣብቲ ጉጅለ ከምዘለዉ ኩሉ ሰብ በብወገኑ ዝፈልጦ እዩ። ሌላ ምስ ሓለፍቲ ኮነ ግቦ ኣብዚ ኣባይቲ ይኹን ትካላት ናይ ምርካብ ቅድድም ግደ ከምዘለዎ ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ በቲ ብልሽውና እቶም ፍሉያት ከባቢ ኣይኮኑን ዝሕመዩ። ብልሽውና ናይ ኩሉ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወገን ሕማም እዩ።

 

ካልእ ንእግረ መንገድና ክንጠቕሶ ዘድሊ ተገራጫውነት ናይቲ ሓው ታደሰ ወስ ዘበሎ ሓሳብ ዝእምት ጭቡጥ ነጥቢ፣ ሰሜን ካብ ኣስመራ ዝርከብ ብዙሓት ሓለፍቲ ህግደፍ ዝርከቡዎ ከባቢታት ሓማሴን ብጉልባብ ምሕደራዊ ቅርጺ ኣካል ዞባ ማእከል ኮይኑ ተጠቃሚ ስልጣኔን ረብሓታትን ኣስመራ ክኸውን ከምዝተገብረ እዩ ዘረድእ። እቲ ደቡባዊ ምዕራብ ካብ ኣስመራ ዝርከብ ሕብርቲ ኸ ደኣ ስለምንታይ እዩ ኣካል ዞባ ማእከል ኮይኑ?

 

ህግደፍ ነቶም ካብ ኣስመራ ንሰሜን ዘለዉ ዓድታት ሓማሴን ብሓለፋ ናይ ምርብሖም ውዲት እንተደኣ ሃልዩዎ፣ ነቲ ንቡር ባሕሪ ናይ ምውራድ ልማዶም ስለምንታይ ኣጊዱዎም? ምምሕዳሮም ምስ ኣስመራ ካብ ምዃን ንላዕሊ ባሕሪ ምውራድ ዶ ኣይምበለጾምን? ዞባዊ ወይ ኣውራጃዊ ዶባተን ብዘየገድስ ጂኦግራፊካዊ ርሕቀት ናይተን ዓድታት ስለዘይቅየር፣ ካብ ቅርበት ከተማ ኣስመራ ዝረኽባኦ ሓለፋ ኣይምሰኣነኦን።

 

ብሓጺሩ፣ እተን ብተዛማዲ ብዓሰርተታት ኪሎሜተራት ካብ ኣስመራ ርሒቐን ዘለዋ ዓዲ ዃላ ወይ ሰንዓፈ ማዕረ ወክን ሕምብርትን ካብ ኣስመራ ዘይረብሓ ክበሃል ኣይከኣልን እዩ። ልክዕ ከምቲ ቅርበት ናብ ዓቢ ከተማ ዘለዎ ረብሓን ክሳራን፣ ርሕቀት ካብ ዓቢ ከተማ ‘ውን ረብሓን ክሳራን ከምዘለዎ ኣድማሳዊ ሓቅነቱ ክንቅበሎ እምበር ከነማርረሉ ኣይግባእን።

 

ለ – ንዞባ ጋሽ ባርካ ብዝምልከት “ብቐዳማይ ደረጃ ናይ ወፍሪ ዕድል ዝወሃቦም እቶም ዝሓሸ ቁጠባን ፖለቲካዊ ውዳበን ዝውንኑ፣ ናብዚ ዞባ’ዚ ዝተጸንበሩ ደቂ ኸበሳ፣ (ምዕራብ ካብ ኣስመራ ዘሎ ከባቢታት ሓማሴን) እዮም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ትሑት ማሕበራዊ ምዕባለ ዘለዎ ህዝቢ ኩናማ ኣብ ገዛእ ዓዱን መረበቱን ወሪዱዎ ዘሎ በደል ድማ ናይዚ ዘይምዕሩይ ፖሊሲ ህግደፍ ንጹር መርኣያ እዩ። ኩናማ፣ ‘ናይ ኤርትራ ኣቦርጁንስ እዮም’ እንተበልኩ ምግናን ኣይመስለንን” ይብል ሓው ታደሰ።

 

ናይ ብሄረ ኩናማ ሕቶ ኣብ ጭቡጥ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰ ፍታሕ ዘድልዮ ኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ ናይ ሓው ታደሰ ዓንቀጽ ከም ተወሳኺ ናይ ሓደ ካልእ ዝዓበየ ዕላማ ዝቐርብ ዘሎ ኮይኑ እዩ ዝረኣየኒ። ወጽዓኦም ኣውራጃዊ ምምሕዳር ኤርትራ ናብ ዞባዊ ምስ ተቐየረ ዝጀመረ ኣይኮነን።

 

ምስ ዋሕዲ ቁጽሮምን ጽበት ዝነበሩሉ ከባብን ብሄረ ኩናማ፣ ዓምጽን ጭፍለቓን ህግደፍ ዝያዳ ካልእ ኤርትራዊ ክፍለጦምን ክውጽዖምን ከምዝኽእል ፍሉጥ እዩ። ብሰንኪ ጸቕጥን ዓመጽን ህግደፍ 1000 ደቂ ከበሳን 1000 ኣባላት ብሄረ ኩናማ ዓዶም ገዲፎም ክስደዱ ከለዉ፣ ሃስያኡ ኣብ ኣባላት ብሄረ ኩናማ ኣዝዩ ከምዝዓቢ ርዱእ እዩ። ስለዚ ከም ውሑዳን መጠን ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ምድንጋጽን ኣቓልቦን የድልዮም። ይኹን’ምበር ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ኣቦርጁንስ ኮይኑ ይጸንት ስለዘሎ፣ እዚ ዝጠቐስናዮ ኣቓልቦን ደገፍን ክረኽቡ ዝኽእሉ ሽግር ኩሉ ኤርትራዊ ምስ ዝፍታሕ እዩ። ጠንቂ ምድኻምን ወጽዓን ብሄረ ኩናማ ምስ’ዚ ናይ ምክፍፋል ዞባታት ሓናፊጽካ ምግላጹ እምብኣር ነቲ ኣውራጃዊ ምጕት ንምምቃር ተባሂሉ ይቐርብ ምህላዉ እዩ ዘርኢ።

 

ብጂኦግራፍ ጥራይ ዘይኮነ ብህዝቢ ‘ውን እንተርኢናዮ፣ ብፍላይ እቲ ምዕራብ ካብ ኣስመራ ኣብ ዝርከባ ዓድታት ዝነበር ህዝቢ፣ ድሕሪ እዚ ሓዱሽ ምክፍፋል ዞባታት ኣይኮነን ኣብ ጋሽ ባርካ ክጣይስ ጀሚሩ። ብዕድመ ክርአ ኸሎ እተን ኣብ ዞባ ጋሽ ዝርከባ ዝበዝሑ ካብ ከበሳ፣ ብሕልፊ ድማ ካብ ምዕራብ ሓማሴን ዝፈለሱ ህዝቢ ዝርከቡወን ዓድታት ካብ ህዝባዊ ግንባር ኣጸቢቐን ይዓብያ። ህዝቢ ምዕራብ ሓማሴን በዚ ሓዱሽ ዞባዊ ምምሕዳር ኣብ ዞባ ጋሽ ስለዝተጸንበረ ሓዱሽ ዋሕዚ ኣይተፈጥረን። ግደ ሓቂ፣ በቲ ግዱድ ናይ ሰፈራ ፕሮግራም ህግደፍ፣ ብዙሓት ተቐማጦ ዞባ ደቡብ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ጋሽ ባርካ ከምዝሰፈሩ ይፍለጥ። ልክዕ ከምቲ ኣስመራ ካብ ዝኾነ ኩርናዓት ኤርትራ ብዝመጽአ ህዝቢ ተጎቢኣ ዘላ፣ ዞባ ጋሽ ባርካ ‘ውን ብተመሳሳሊ ካብ መላእ ከባቢታት ኤርትራ ብዝመጽአ ህዝቢ ወይ ኣውፋሪ መሊኣ ‘ላ። እቲ ምርጫ መነባብሮ (Lifestyle) ውልቀሰባት ጥራይ እዩ ዝፈላለ። ክሓርስ፣ ክነግድ ዝደለየ ናብ ጋሽ ባርካ ይወፍር፣ ናብራ ከተማ ዘብህጎ ከኣ ኣስመራ ይእከብ።

 

ኣባላት ብሄረ ኩናማ፣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝውለድ ህዝቢ ጤሳ ክረክብ ዝግብኦ፣ ንሳቶም ‘ውን ኣብ ዓድታቶም ጤሳ ክወሃቦም፣ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከብ ጸጋታት ብዝበለጸ ክጥቀሙሉ፣ ያታዊ ኣገባብ መነባብሮኦም ኣመሓይሾም ህይወቶም ብዝበለጸ ክመርሑ ትምህርትን ስልጠናን ክረኽቡ ትዅረት ክወሃቦም ይግባእ። ልዕሊ ኹሉ ነዚ ናይ ማዕርነት ፍታሕ ዘጽንዖ ኸኣ ግዝኣተ ሕጊ ምትካል እዩ።

 

ተወሳኺ ተገራጫውነት ምጕት ሓው ታደሰ፣ ኣብ ህዝባዊ ግምባር…ፖለቲካዊ ስልጣን ብሒቶም ዝኣተዉ ውልቀሰባት (ተወለድቲ ናይቲ ሰሜን ካብ ኣስመራ ዝርከብ ከባቢታት ሓማሴንን፣ ሕርጊጎ ዝማእከሉ ከባቢታት ባጽዕን) ብጉልባብ ምምሕዳራዊ ቅርጺ፣ ነቲ ካልእ ማዕሪኦም ደቁ ዝኸፈለ ህዝቢ ኣጓንዮም ንቀንዲ ቁጠባ ኤርትራ ከመቓርሑዎ ኢና ተዓዚብና”…ዝበሎ፣ ኣብዚ ክፋል’ዚ ዘይሰርሕ ምዃኑ እዩ። ከምዝርድኣኒ፣ እቶም ምዕራብ ካብ ኣስመራ ዝርከቡ ከባቢታት ሓማሴን፣ ከም ባርካን ዝበዝሐ ክፋላት ሰራየን ኣብ ብረታዊ ቓልሲ ቅዱም ሌላኦምን ተሳታፍነቶምን ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ስለዝነበረ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ህግደፍ ብዙሓት የለዉን። ስለምንታይ ደኣ’ዮም ከም ኣበሃህላ ሓው ታደሰ ላህመት ቁጠባዊ ረብሓታት ጋሽ ባርካ ክገፉ ሓለፋ ተዋሂቡዎም?

 

ምስዚ ጥቕስ ዘበልናዮ ሕጡበጽሑፍ ንኣውራጃ ብዝምልከት ኣብ ዝልዓል ምጕት ሓደ ዘይከሓድ ሓቂ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሕጂ ኸኣ ኣብ ህግደፍ ካብ ከባቢ ካርኔሽም ብዙሓት ላዕለዎት ሓለፍቲ ብሕልፊ ድማ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምህላዎም እዩ። እዚ ክዉንነት’ዚ ግን ንበይኑ ከም መበገሲ ኣውራጃዊ ፍልልይን ፖለቲካዊ ዕብለላን ክቐውም ዝኽእል ኣይኮነን።

 

ፈለማ ካብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ምስ ዕብየትን ምንቅስቓስን ህዝባዊ ግንባር ዝተኣሳሰር ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ከምዘለዎ ምግንዛብ የድሊ። ኣብ መጀመርያን መፋርቕን ሰብዓታት ህዝባዊ ግንባር ንሰሜናዊ ባሕሪ ከም መበገሲ ገይሩ ዝተቐልቀለሎምን ብጻዕቂ ዝተንቀሳቐሰሎምን ከባቢታት ካርኔሽም፣ ኣብቲ ንባሕርን ከበሳን ዳርጋ ብማዕረ ዝጥቀመሎም ዝነበረ ህዝቢ ‘ቲ ከባቢ ርኡይ ፖለቲካዊ ጽልዋ ክገድፍን ብዝሒ ተሳታፍነት ክዕድምን ባህርያዊ እዩ። እቲ ኩነታት ሳዕቤን ናይቲ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ዘይኮነ፣ ግድምና (ቅዱም ተሳታፍነትን ተመክሮን) ቀንዲ ረቛሒ መምዘንን መምዘዝንን ሓላፍነት ዝነበረሉ መድረኽ ቃልሲ፣ ዝመጸአ ክኸውን ይኽእል። ብተመሳሳሊ ንዓላ መበገሲ ብምግባር ናብ ከበሳታት ኣከለጉዛይ (ብፍላይ ከባቢ ሰገነይትን ድግሳን ጽንዓደግለን) ዝቀላቀል ዝነበረ ምንቅስቓስን ውደባን ህዝባዊ ግንባር ‘ውን ብመጠን ጻዕቂ ናይቲ ንጥፈታት ተመሳሳሊ ውጽኢት ከምዝነበሮ ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣብ ሰምሃርን ሳሕልን ‘ውን ከምኡ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ‘ውን ኣብቲ ቀንዲ መስረታ ዝነበረ ባርካ፣ ካብ ባርካ ተበጊሳ ትበጽሖ ዝነበረት ከባቢታት ሰንሒት፣ ብቖላ ሰራየ ዝኣተወቶ ዝሰፍሐ ከባቢታት ሰራየ፣ ከምኡ ‘ውን ክፋላት ዓንሰባ ናይ ሓማሴን፣ ከከም ጽልዋኡን መጠኑን ጻዕቂ ተጋደልትን ላዕለዎት ሓለፍትን ከምዝነበራ ይፍለጥ።

 

ሓው ታደሰ ኣብቲ ቀዳማይ ጽሑፉ (ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን) ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፣ ሓው ማሕሙድ ሳልሕ፣ ነዚ ኣመልኪቱ ኣቕሪቡዎ ምስ ዝነበረ መረዳእታ እሰማማዕ እየ። ኣብዚ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ሓው ታደሰ፣ ንምጕቱ ዘገልግል ምሩጽ ኣብነታት ጥራይ እዩ ጠቒሱ ሓሊፉ። ንስርዓት ህግደፍ ዘገልግሎት ዘለዉ ካብ ሓማሴን ዝበዝሑዎም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ክረቍሕ ከሎ፣ ነቶም ብዙሓት ደቂ ኣከለጉዛይ ዝርከቡዎም ነቲ ስርዓት ኣብ ስለያን ጸጥታን ዘገልግሉዎ ዘለዎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሸለል ኢሉዎም እዩ ሓሊፉ። (ብዝኾነ፣ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ናይቲ ጉዳይ፣ እቶም ዝወዓሉዎ ገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ጭቡጥ ተመክሮ ዝተመርኮሰ ሓበሬታን ኣስተምህሮን ክህቡ ዝኽእሉ ይመስለኒ)።

 

ዋላ ኳ ታሪኻዊ ድሕረባይታ እንተለዎ፣ እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ምዝንባል፣ ኣብ ንቡር ኩነታት ማለት ድሕሪ ናጽነት (ወዮ ደኣ ንቡር ኣይተረኽበን እምበር) ካብ ኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝተወከሉ ዜጋታት ኣብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ከምዝሳተፉ ብምግባር፣ ነቲ ኣብ ግድምና ዝምርኮስ ዝነበረ ወተሃደራዊ ጽፍሕታት ኣብ ትምህርትን ሳይንስን ዝተመስረተ ከምዝኸውን ብምግባር ንጸጥታ ሃገር ብዘይጎድእ መንገዲ በብቑሩብ እናመዛዘንካ ምቕያሩ ኣገዳሲ እዩ።

 

ነዚ ከም ድሕረ ባይታ ጥቕስ ኣቢለ፣ ብኣውርኡ ከተኵረሉ ዝደሊ ቀንዲ ጉዳይ ውጽኢት ናይቲ ዞባዊ ምክፍፋል እዩ። ከምቲ ኣቐዲምና ብሰፊሑ ዝረኣናዮ፣ በዚ ሓዱሽ ቅርጺ’ዚ ህዝቢ ካርነሽም ከም ህዝቡ ካብ ምጕዳእ ሓሊፉ ካብ ህዝቡ ንላዕሊ ዝረኸቦ ፍሉይ ቁጠባዊ ሓለፋ ይኹን ፖለቲካዊ ረብሓ ኣይረኣየንን። እቶም ካብቲ ከባቢ ዝውለዱ ላዕለዎት ሓለፍቲ፣ ኢሳይያስ ክሕልዉዎ መታን ብዝሃቦም ሓለፋታትን፣ ከከም ውልቃዊ ባህርያቶምን ሕልናኦምን ስልጣኖም ተጠቒሞም ብዝገብሩዎ ሽምጠጣን ብልሽውናን፣ ከም ኩሎም ‘ቶም ካልኦት ሓለፍቲ፣ ንነብሶምን ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን ይጠቕሙ ከምዘለዉ ፍሉጥ እዩ። ብሕታዊ ረብሓ ናይዞም ውልቀሰባት ናይ ህዝቢ ረብሓ ተመሲሉ፣ መበገሲ ኣልማማዊ ወቐሳ ክኸውን ግን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ውጹዕ ንውጹዕ ክካሰስ ከሎ ዝርሳዕ እቲ ቀንዲ ወጻዒ እዩ።  

 

ካብቶም ሰበስልጣን ብቐጥታ ዝጥቀሙ፣ ገለ ናይ ቀረባ ቤተሰብ፣ ንስርዓት ኢሳይያስ ከም ናቶም ርእዮም ረብሓኦምን ምንጪ በለጽ ንዝኾኑዎም ቤተሰቦምን ክከላኸሉሎም ምርኣይ ዘገርም ኣይኮነን። ካብዚ ወጻኢ፣ ገለ ደቂ እዚ ዝጥቀስ ዘሎ ከባቢታት ሓማሴን፣ እቲ ህዝቢ ከም ሃገሩ ይጕዳእ ከምዘሎ ርኡይ ክንሱ፣ በቶም ሰብ ፍሉይ ረብሓ ተገሪዞም፣ “መንግስትና” እናበሉ፣ ነቲ ስርዓት ናይ ምድጋፍ ሆይሆይታ ከስምዑ ከለዉ ‘ውን ዘደንጹ እዩ። እዚ ንረብሓን ተጠቃምነትን ህዝቢ መዐቀኒ ፖለቲካዊ መርገጺ ካብ ምግባር ዘይኮነ፣ ከም ተጻራሪ ግብረመልሲ ናይቲ ንሓደ ውሱን ከባቢ ደጋፊ ናይቲ ስርዓት፣ ነቲ ካልእ ከኣ ተቓዋሚ እናተበልካ ዝዝርጋሕ ሕሜታ ዝመጽእ ህልኽ እዩ። እዚ ኸኣ ‘ዩ እቲ ኣሉታዊ ሳዕቤን ወገናዊ ፖለቲካ።

 

እዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው፣ ነቲ ስርዓት ሓደ ወገን ስለዝደገፎ ወይ ስለዝተቓወሞ ዝመጸ ዘይኮነ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብሕትውና ስልጣን ንምርግጋጽ ብዝተኸተሎ ገባቲ ፖሊሲ ዝሰዓበ ውድቀት እዩ። እምበር ህዝቢ ሓማሴን ብምሉኡ እንተዝድግፎ ክንድዚ ኣይምወደቐን፣ እቲ ኻልእ ህዝቢ ብምሉኡ እንተዝቃለሶ ኸኣ ክሳብ ሎሚ ኣይምጸንሐን። ስለዝኾነ፣ ኣተኵሮና፣ ኣብ ነንሕድሕድና ዘይኮነ ኣንጻር እቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ክኸውን ኣለዎ።     

 

ነዚ ኣብነታት ከም መበገሲ ወሲድና፣ ነቲ ጉዳይ ዕብይ ብዝበለ ስእሊ ክንምልከቶ ምስ እንፍትን፣ ኣውራጃዊ ምምሕዳር ኤርትራ፣ ነዊሕ እዋን ቅድሚ ብረታዊ ቃልሲ፣ ካብ መግዛእቲ ጥልያን ኣትሒዙ ዝነበረ ክንሱ፣ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተጠቕሰ ተኣፋፊ ኣውራጃዊ ስምዒታት ኣለዓዒሉ፣ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ስምዒት ካብ ምምዕባል ኮነ ንሃገራዊ ናጽነቱ ብቐዳምነት ሰሪዑ ካብ ምቅላስ ዘይምዕጋቱ ብሓደ ወገን፣ በቲ ኻልእ ከኣ፣ “ርእስና ዝኸኣልና ሃገር እምበር ናይ ኢትዮጵያ ኣውራጃ ኣይኮነን” ኢልና ምእንቲ ሃገር ተቓሊስና ምስ ተዓወትና ዝኽሰት ዘሎ ንድሕሪት ናብ ኣውራጃ ገጽካ ናይ ምጥማት ተርእዮ መርመራ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ።

 

ብመንጽር’ቲ ኣብቲ ዝቐደመ ዓንቀጽ ዝጠቐስኩዎ ኣምራት ንቡር ህላወ ኣውራጃን ኣሉታዊ ኣውራጃዊ ስምዒትን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ጠንቂ ፍልልይ ኮይኖም ዘለዉ ምኽንያታት ንግዚኡ ክልተ ረቛሕቲ ምጥቃስ ይከኣል።

 

1ይ – ክርክር ስልጣን ፖለቲካዊ ቀጸላታት

 

ሳላ’ቲ ምጽውዋርን ልቦናን ሕብረተሰብና፣ ንኣውራጃዊ ፍልልይ ባዕዳውያን  ሓይልታት ብፍላይ ድማ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ክጥቀሙሉ ‘ኳ እንተዘይከኣሉ፣ ካብ ግዜ ገድሊ ኣትሒዙ ጠንቂ ናይዚ ኣሉታዊ ኣውራጃዊ ዝንባለ’ዚ ኮይኑ ፈኸም ከብሉዎ ካብ ዝጸንሑ ረቛሒታት ሓደ፣ ክርክር ስልጣን ፖለቲካዊ ቀጸላታት (Political Elites) ሃገርና እዩ።

 

ኣብ 60ታትን መጀመርያ 70ታትን ኣብቲ ብኣመንቲ ምስልምና ዝዕብለል ዝነበረ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንመራሕቲ ጀብሃ ብዝያዳ ሃይማኖትን ቀቢላን መከራኸሪ ዕብለላ ስልጣን ኮይኑ ዘገልግሎም እንተነይሩ፣ ኣብቲ ብሃይማኖትን ቋንቋን ብሄርን ሓደ ዝኾነ ህዝቢ (ከበሳ) ኣሃዛዊ ዓብላልነቱ እናተራእየ ዝኸደሉ ዝነበረ ሻዕብያ ብፍላይ ንኢሳይያስ ስልጣኑ ክዕቅብ ዝተረፎ እንኮ መጣልዒ ካርታ ኣውራጃ እዩ ነይሩ። ኢሳይያስ ነዚ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ‘ዚ ብግሁድ ናብ ሓፋሽ ተጋዳላይ ከስርጾ እንተፈቲኑ ኩሉ ገዲፉዎ ምኻዱ ስለዘይተርፎ ኣብ መወዳእትኡ ዝምራሕ ‘ውን ክረክብ ስለዘይኮነ ብጠበብ እዩ ኣካይዱዎ። ኣብ ስልጣኑ ስግኣት ከጋጥሞ ኸሎ ካብ መጻብቦ መውጽኢ ዝኾኑዎ ደገፍቲ ንኽኸስብ ወይ ንተቓወምቱ ንኽንጽል ተጠቒሙሉ። ኢሳይያስ ኮነ እቶም ብቐጥታን ተዘዋዋርን ዝተሓባበሩዎ ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ፣ ድሮ ብናይ ስልጣን ህልኽን ውድድርን ላድዮም ስለዝነበሩ፣ ነቲ ሽዑ ካብ’ቲ ያታዊ ሕብረተሰብ ብብዝሒ ዝስለፍ ዝነበረ ጋሻ ተጋዳላይ ከደናግሩዎ፣ ነቲ ዝፈለጦም ሒደት ከኣ ከፈራርሑዎ ዝቐለለ እዩ ነይሩ።

 

ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ጥሙሕ ዝነበሮም ኢሳይያስን መሻርኽቱን፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ሕቶ ዲሞክራስን ሕጋውነትን ክለዓል ከሎ፣ ነቲ ኣብ ስልጣኖም ስግኣት ዝፈጥረሎም ሕቶ ንምቅላልን ንምድኻምን ምስቲ ንሓፋሽ ተጋዳላይ ዘፍርሖ ከም ኣውራጃዊ ምፍልላይ ዝኣመሰለ ጉዳያት ኣተኣሳሲሮም ብምግላጽ ነቲ ናይ መትከል ሕቶ ብፕሮፖጋንዳ ይሰብሩዎ፣ ስልጣኖም ድማ የድሕኑ ከምዝነበሩ ኢና እንርዳእ። ምኽንያቱ ነዚ ኣመል’ዚ ክሳብ ሕጂ ይቕጽሉዎ ስለዘለዉ።

 

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ግብረመልሲ ናይቲ ሕጋውን ዲሞክራስያውን ሕቶታት ዘልዓለ ወገን ወሳኒ እዩ። ፕሮፖጋንዳዊ ማሺንን ሓይልን ዘይምህላው ክፈጥረሎም ዝኽእል ብድሆ ቀሊል ኳ እንተዘይኮነ፣ እቶም ዓቀብቲ ስልጣን “ደቂ ‘ዚ ኣውራጃ’ዚ ስለዝኾኑ ‘ኮ እዮም ነዚ ሕቶ’ዚ ዘልዕሉ፣ ዝቃወሙና ዘለዉ” ክብሉ ከለዉ፣ እቶም ሓተቲ ብወገኖም፣ “ደቂ እቲ ኣውራጃ ‘ቲ ስለዝኾኑ ‘ኮ እዮም ንሕቶና ዝነጽጉዎ፣ ዝከላኸሉ ዘለዉ” ክብሉ እንተመሊሶምሎም፣ ወዮ ፖለቲካዊ ጉዳይ ካብቲ ቀንዲ መትከላዊ ሕቶታት ወጺኡ ማለት እዩ። ካብዚ ምዝባል’ዚ ዝኸስብ ከኣ እቲ ከፋፋሊ ስልቲ ብምዝውታር ፖለቲካዊ ስልጣን ክብሕት ውዲት ዝኣለመ እዩ። ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘለና፣ እቲ ዕላማ ስልጣን፣ እቲ ኣውራጃዊ ምክፍፋል ከኣ ሜላ ምዃኑ እዩ።

 

ነዚ ኩነታት’ዚ ምስ’ቲ ብወረወረ እንሰምዖ ናይ 73 ምንቅስቓስ ኣተኣሳሲርና እንተተመልከትናዮ፣ ብፍላይ ኣብ ደምበ ተቓውሞ፣ ሓደ ኣውራጃ (ሓማሴን) ቀንጻሊ ሓደ ካልእ ኣውራጃ (ኣከለጉዛይ) ተቐንጻሊ ከምዝነበረ ዘስምዕ ዛንታ ክደጋገም ይስማዕ። ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ድሕሪ 40 ዓመታት ናይቲ ፍጻሜ፣ ብፍላይ ንሕቶ ኣውራጃ ዝምልከቱ ጉዳያት ምስዚ ዛንታ’ዚ ተኣሳሲሮም ክረኣዩ ‘ውን ትዕዘብ።

 

ፈለማ ኣብቲ ኢሳይያስን ደገፍቱን “መንካዕ” ኢሎም ዝጠቐሱዎ ምንቅስቓስ፣ ናይ ዝኣሰሩን ዝተኣስሩን፣ ዝቐንጸሉን ዝተቐንጸሉን፣ ኣፋዊ ሓበሬታ እንተዘይኮይኑ፣ ምሉእ ቁጽርን መንነትን ኣውራጃዊ ዝንባለን ዝገልጽ፣ ጭቡጥ መወከሲ ዘለዎ ውዱዕ ሓበሬታ የለን። እንተኾነ፣ ኣብ 1976 ‘ውን (እዚ ኸኣ ብተመሳሳሊ ብዘይውዱዕ ሓበሬታ) ብዛንታ እንሰምዖ፣ ደቂ ሓማሴን ዝበዝሑዎ፣ ናይ “የሚን” ተባሂሉ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ግዳይ ከምዝነበረ ይዝረብ እዩ። ብዓቢኡ ኣብ 2001 ዝተፈጸመ ጃምላዊ ማእሰርቲ ‘ጉጅለ 15’ ኣውራጃን ሃይማኖትን ዘይፍለየሉ ዘመተ ማእሰርቲ ምንባሩ ኩላትና ዝረኣናዮ እዩ። ነቶም ፖለቲካዊ ሕቶ ዘልዓሉ ተንቀሳቐስቲ፣ ዋላ ኢሳይያስ ነቲ ኣረጊት ኣውራጃዊ ሜላ ምፍልላይ ምጥቃም ስለዘጸገሞ፣ “ተምበርከኽቲ፣ መሳርሒ ወያነ ሲ ኣይ ኤ” ብምባል እዩ ከጸልሞም ፈቲኑ። ካብዚ ውሩይ ተርእዮታት ወጻኢ፣ ካብ ኩሉ ኣውራጃታትን ሃይማኖታትን በብውልቂ ይኹን በብጉጅለ ተኣሲሮም ኣብ ምቑሕ ዝበልዩን ዝሓቁን ብዙሓት ኤርትራዉያን ምህላዎም ‘ውን ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ እዩ። ስለዚ ንኻልኦት ዛንታታት ዕሽሽ ኢልካ ኣብ ሓደ ዝተመርጸ ዛንታ (Selcted Naration) ብምትኳር ናብ መደምደምታታት ምብጻሕ ‘ውን ቅኑዕ ኣይኮነን።

 

ካብዚ ተረእዮታት’ዚ ክንግንዘቦ እንኽእል ነገር፣ ኢሳይያስ፣ ነቲ ስልጣን ናይ ምግባት ጥሙሑ ንምርዋይ፣ ካብ ኣየናይ ኣውራጃ ወይ ሃይማኖት ብዘየገድስ ብስልጣን ዝቕሸሹ ምእዙዛት ኣገልገልቲ እናኣለለየ፣ ኩሉ ዓይነት ሜላታት፣ እንተላይ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ፍልልይ፣ ናይ ጸለመ ፕሮፖጋንዳን ሓይልን ዝጥቀም፣ ኣብ ድሕረትና ዞሪቝ ን40 ዓመታት ዝተጻወተልና መራሒ ምዃኑ እዩ። ኣብዚ ብዝበዝሐ ክፋል ህዝብና ተጸይኑ፣ ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ስግኣቱ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ዓብዩሉ ዘሎ እዋን፣ ነቶም ናብ ስልጣን ክስቀልን ኣብ ስልጣን ክጸንሕን ሓጊዞምኒ ዝብሎም ኣረግቶት ሜላታት ብዝለዓለ ይጥቀመሎም ምህላዉ ኸኣ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።

 

እቶም ደለይቲ ልዕልና ሕጊ፣ ዲሞክራሲ፣ ፍትሕን ማዕርነትን እምብኣር፣ ከም’ቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ፣ ንኢሳይያስ እቲ ዕላማ ስልጣን፣ ምክፍፋል ኣውራጃ ኸኣ ሜላ ካብ ኮነ፣ ካብዚ ሓቂ ‘ዚ ሸተት ኢልና፣ ኣብቲ ዘዳለወልና መጻወድያ ብምውዳቕ ንኣውራጃ ከም ዕላማ ርኢና ከይነዛንዮ ክንጎርሓሉ ይግባእ። ተገሪህና ወይ ጎሪሕና ኣብ’ዚ ፈላላዪ ጸወታ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ተሳተፍቲ እንተዄንና፣ ተጻወቲ ዘይኮና ኵዕሶ ኢና እንኸውን። ኣብራኹ ተሰይሩ ካብ ሜዳ ክወጽእ ኣብ ቃሬዛ ብዝተሰቕለ ስዑር ተጻዋታይ ከም ኩዕሶ እንቕላዕ ተጻወቲ። ንሱ ኸኣ ኣብ ክልቲኡ ልዳታት ዝኣትዋ ጎላት ዝሕሰባውሉ ካብ ሜዳ ወጻኢ ኮይኑ ዝስዕር ዕድለኛ ተጻዋታይ።

 

ብሓጺር ኣዘራርባ፣ እዚ ዝንቡዕ መንገዲ’ዚ፣ ቀንዲ ጸላኢና ኣብ ምልላይን ዕላማና ኣብ ምንጻርን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንዝጸንሐ ድኻም መሊሱ ዘዕቢ፣ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብና ዘሎ ተመሳሳሊ ምድንጋር (Confusion) ‘ውን ብዝያዳ ዘጋድድ እዩ።

 

ኢሳይያስ ብሓደ ክገጥሞ ንዝኽእል ሓይሊ ብኣውራጃዊ ሜላ ከፋፊሉ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ክጥቀመሉ ክፍትን ከሎ፣ ንሕና በንጻሩ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘፍርሖ ዘሎ ሓድነት ህዝቢ ምሕያል፣ ናብቲ ዝፈጥረልና ዘሎ ጓል መንገዲ ተኣሊና፣ ካብ ቀንዲ ዕላማ ለውጢ ተገሪዝና ክንተርፍ ከለና ንዝህብና ውርደት ጥራይ ኢና ንውስኸሉ፣ ብተዘዋዋሪ ንዕላምኡ ኢና ነገልግል ዘለና። ስለዚ፣ ዕላማና ንመኸተ ውልቀምልኪ ኣጽኒዕና ብምሓዝ፣ ካብቲ ቀንዲ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ዝሕመረቱ ስትራተጂ ለውጢ ከይንወጽእ ናይ ቃልሲ ኣሳእንና መሳምር ክንሸኽለሉ ይግባእ።

 

ከምቲ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ ዘውካእኩዎ፣ ኣብ ናይ ስልጣን ቁርቍስ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ቀጻላታት ብመትከል ክሰዓሩ ኸለዉ፣ ነቲ ኣብ ኣእምሮኦም ተዓቝሩ ዝጸንሕ ዝንባለታት (ንኣብነት ኣውራጃዊ ፍልልይ) ናብ ኣእምሮ ህዝቢ ኣፍሊሶም እንተኾይኑሎም ሓይሎም ኣጽኒዖም ስልጣን ክዕቅቡ፣ እንተዘይኮይኑሎም ከኣ ዕግርግር ፈጢሮም ካብ ተሓታትነት ከምልጡ ክፍትኑ ምርኣይ ልሙድ እዩ። እቶም በዅቢኾም ዘለዉ መራሕቲ ህግደፍ ኣብዚ መስቀላዊ መንገዲ እዮም ዝርከቡ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣውራጃዊ ፍልልይ ምእንጋድ ከኣ ድዅዕን ማይን ምዃኖም እዩ።

 

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተኸስተ ግጭት ሓደ ኣብነት ናይዚ እዩ። ንመራሕቲ ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኬርን ሪክ ማሻርን ናይ ስልጣን ቁርቍስ ኣብ ተኣፋፊ ደረጃ ምስ ኣብጽሖም፣ ነቲ ግጭት ናይ ዲንቃን ንውየርን ዓሌታዊ መልክዕ ኣብ ምትሓዙ ዳርጋ ተዓዊቶም ክብሃል ይከኣል። እቲ ዝሞተን ዝተመዛበለን ኣሽሓት ግን ኣብ ክልቲኡ ወገን ዝርከብ ውጹዕ ህዝቢ እዩ። ናይ ስልጣን ክርክሮም ብዝወልዖ ሕድሕድ ውግእ ህዝቢ ምትእምማን ኣጥፊኡ ዓሌታዊ ግንባራት ሒዙ እናተጣፍአ፣ እቶም መንቀኛታት መራሕቲ፣ ኣብ ርእሰ ከተማታት ጎረባብቲ ሃገራት ተራኺቦም ነንሕድሕዶም ሰላምታ ዝለዋወጡ ኸኣ፣ እቲ ዓሌታዊ ስምዒት ወገናቶም ፍታሕ ስለዝረኸበ ዘይኮነስ ናይ ስልጣንን ስስዐኦም ብምምቕራሕ ስልጣን እንተ ብኸፊል እንተ ብምሉእ ረውዩ ልቦም ምስ ረግአ እዩ። እቲ “ጠፋእካ፣ ንርእስኻን ወገንካን ተኸላኸል” ተባሂሉ ዝተለዓዓለ ምስኪናይ ምልሻ ኸኣ፣ ቡቝሊ ጸልኢ ኣብ ርእሱ ኣቐሚጡ፣ ከይተኣማመነ ብረቱ ኣውሪዱ ከም ቀደሙ ድኽነቱን ወጽዕኡን ይቕጽል።

 

2ይ – ፖለቲካዊ ጥፍሽናን ሞራላዊ ውድቀትን ሕብረተሰብና 

 

እቲ ካልኣይ ነዚ ኣውራጃዊ ስምዒትን (ከም ብሄራውን ሃይማኖታውን ዝኣመሰሉ ፍልልያትን) ዘጓሃህር ዘሎ ኩነታት፣ ሞራላዊ ወድቀት ሕበረተሰብናን ብሰንኪ ፖለቲካዊ ጥፍሽና ናይ ኣማራጺ ባዶሽ ተፈጢሩ ምህላዉን እዩ። እቲ ብዓመጽ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተወጺዑ ዘሎ ኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ፣ ናይ ሓባር ራእይ ኣማዕቢሉን ንጹር ስትራተጂ ስኢሉን ነቲ ቀንዲ ጸላኢኡ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ክምክት ዘኽእሎ መሪሕነት ስለዘይረኸበ፣ ኣብ ድንግርግር (Confusion) ይርከብ ምህላዉ እዩ እቲ ጸገም።

 

ሰለ’ዚ፣ እቲ ብተስፋ ምቝራጽ ተሰኒፉ ኣንጻር እቲ ቀዳማይ ጸላኢ ፊትንፊት ናይ ምግጣም ርእሰምትእምማን ዘጥፍአ ክፋል ሕብረተሰብና፣ ኣብ ኣውራጃ፣ ብሄር፣ ሃይማኖት ወሪዱ ካልኦት ናእሽቱ ሓሳባዊ ጸላእቲ (Imaginary Foes) ይፈጥር ‘ሞ፣ ከይተፈለጦ ሰራዊት ምልኪ ኮይኑ ክንሱ “ይቃለስ ኣለኹ” እናበለ ነብሱ የደዓዓስ፣ ብግብሪ ግን ኣብ ዕንወት ይጽመድ። እዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዓራትካ ደቂስካ ከለኻ ብሕልሚ ትኸይድ ዘለኻ ዝመስለካ፣ ኣካይዳ ሕልሚ እዩ። እቲ ፍልልይ፣ ብሕልሚ ዓራት ዘይስበር ምዃኑ፣ እንተ በዚ ዓያሹ ክተኽሉዎ ዝፍትኑ ፍልልይ ግን፣ ንሓዋሩ ሃገር ናይ ምዕናው ግደ ዘለዎ ስምብራት ክተርፍ ዝኽእል ምዃኑ እዩ። እዚ ማለት፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፣ እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ “እንታይ ገደሰኒ” ኢሉ ዓገብ ካብ ምባል ስለዘድሓርሕር፣ ውሑዳት ፍጮ ሕብረተሰብ ዝኾኑ ስምዒታውያን ጥሩፋት ነቲ ባዶሽ ክመልኡዎ ይቀላቐሉ። ኣብ መንጎ’ቲ ሓቀኛ ናይ ለውጢ መስርሕን ዕላማን፣ ጥሙሕ ውልቀምልካዊ ስርዓትን ዘሎ ጋግ መሊሱ ይርሕብ። እዚ ፖለቲካዊ ምንቍልቋል’ዚ ተመሊሱ ነቲ ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ዝጸንሐ ህዝቢ ናብ ቅብጸት የውርዶ። ነቲ ስርዓት ዕድመ ስልጣን ይልቅበሉ። ስቓይ ህዝቢ ድማ ይናዋሕ።

 

ምስ ሓፈሻዊ ባህርይ ደቂ ሰብ ብምንጽጻር ዝያዳ ንምርድኡ ኣብነት ንምጥቃስ፣ ኣብዚ ዘለናዮ ናይ ምዕራብ ዓለም ከይተረፈ ብሰንኪ ውድቀት ቁጠባዊ ስርዓት እቲ ኣብ ታሕተዋይ ቀጸላ ዝርከብ ህዝቢ፣ ገንዘብ ክሓጽሮ፣ መነባብሮ ክጽግሞ፣ ስራሕ ክስእን ከሎ፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ ነቶም ኣብ ዝተሓተ ቀጸላ ዝርከቡ ስደተኛታት ክዅንን ክጻባእን እዩ ዝስማዕ። እቶም ስደተኛታት ካብቲ ዝተሰደዱሉ ሃገር ካብ ዝወስዱዎ ነቲ ሃገር ዝህቡዎን ዘገልግሉዎን ከምዝዓቢ ኣሃዛት እናምስከሩ ኸለዉ ከይተረፈ፣ ግዳይ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኮይኖም ይሳቐዩ። ነቲ ሓቂ ክገጥሙዎ ዝጸገሞም ውጹዓት ጽውጽዋይ ፈጢሮም ኣንጻር ካልኦት ከምኣቶም ውጹዓት ይሕንሕኑ። ነቲ ካብ መንግስታዊ ጸገማት ዝብገስ ወቐሳታት ናብቶም ዘይጓድኡ ግዳያት (ስደተኛታት) የዝብሉዎ። እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ንቡር ግዜ ዋጋ ዘይህቦም፣ ነዚ ሃዋህው ‘ዚ ዝጥቀሙሉ ጣቋ ዘይብሎም ጥሩፋት ጉጅለታት ከኣ ዕድል ረኺቦም የሽካዕልሉ።

 

እቶም ክብል ኢልና ዝጠቐስናዮም ፖለቲካዊ ቀጸላታት ‘ውን፣ ነቲ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ውድቀቶም ዝተፈጥረ ቅልውላው መዝሚዞም እዮም ነቲ ኣውራጃዊ ኮነ ካልእ ስምዒታት ናይ ስልጣን ቍርቍሶም ብዘርብሕ መንገዲ ዝጥቀሙሉ። ዓማጽን ተዓማጽን፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ሓደ መንገዲ ጥፍኣት ይራኸቡ። ምስኪናይ፣ እቲ ግዳይ ምልኪ ዝኾነ ህዝቢ፣ ዱዅዒ ምልኪ ይኸውን ማለት እዩ።

 

ናብቲ ዘልዓልናዮ ዛዕባ ኣውራጃ ምስ እንምለስ፣ ልዕሊ ኹሉ፣ ከምቲ እቲ ብመግዛእቲ ጥልያን ዝተኣታተወ ምምሕዳር ኣውራጃታት ብስርዓት ህግደፍ ተቐይሩ ብዞባዊ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ዝተተክአ፣ እዚ ሕጂ ዘሎ ምሕዳራዊ ዞባታት፣ ጽባሕ ብኻልእ ክቕየር ወይ ‘ውን ናብቲ ናይ ቀደም ኣውራጃዊ ኣከፋፍላ ክምለስ ከምዝኽእል እንኣምን እንተደኣዄና ኸ እንታይ ኮለል ዘብል ኣለና፣ ናብቲ ዝኸበደ ኣብ ኤርትራ ፍትሓዊ ለውጢ ብምምጻእ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ ናይ ምሕዋይ ዕማም ዘይነተኵር። ሕጂ ‘ውን እምብኣር ክብ ኢለ ከምዝጠቐስኩዎ፣ ከምቲ ምስቲ ዝዓበየ ተጻባኢ (ውልቀምልኪ) ክንገጥም ርእሰምትእምማን ስለዘጥፋእና ናእሽቱ ጸላእቲ ኣብ ምንዳይ ዝወደቕና፣ ነዚ ዝዓበየ ዕላማ ለውጢ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ጌርና ስለዝረኣናዮ፣ ነቲ ዝዓበየ ጸገምና ኣብ ምፍታሕ ትርጉም ዘይብሎም (እኳ ደኣ መሊሶም ዝሓላልኹዎን ዘናውሑዎን) ናእሽቱ  ዕላማታት ሃሰስ ምባል እዩ ዝኸውን ዘሎ።

 

ኣብዚ ንእግረ መንገድና ካብቲ ህግደፍ ንኣውራጃዊ ብዞባዊ ምሕደራ ኣብ ምትካእ ዝወዓሎ ጌጋ ክንቀስሞ ዝግባእ ተመክሮ ከምዘሎ ምጥቃስ የድሊ። ንሱ ኸኣ፣ ከም ኩሉ ፖሊሲታቱ፣ ነቲ ሓዱሽ ምሕዳራዊ ቅርጺ ምስ ህዝቢ ከይተላዘበን ንህዝቢ ከየእምነን ብሓይሊ ምትእትታዉ ኣዕናዊ ከምዝነበረ እዩ።

 

ማይ ክዖ ከም ቀንዲ ረቛሒ መከፋፈሊ ዞባታት ምውሳዱ ሓቂ እንተኾይኑ መስሓቕ እዩ። ምምሕዳር ህዝቢ ብማይ ክዖ ዝውሰነሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ርዱእ ኣይኮነን። ሰብ ከም ማይ ዓቐበት ምውጻእ የጸግሞ እዩ ዝበለ  መን እዩ? ቁልቁለት ኣብ ምሕደራ ማይ ትርጉም ይህልዎ ይኸውን፣ ኣብ ምምሕዳር ህዝቢ ከም ምርኩስ ምጥቃሱ ግን መዕጸዊ ኣፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ ትርጉም የብሉን። እቲ ብህግደፍን ደገፍቱን ብወረወረ ዝነፈሰ፣ “ኣውራጃዊ ፍልልያት ንምህሳስ” ዝብል ምኽንያት ከኣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣውራጃዊ ፍልልያት መሊሱ ከምዝበኣሰ ብግብሪ ንርእዮ ኣለና። ካርታ ኣብ መሬት ስለዝደምሰስካ ስምዒታት ካብ ኣእምሮ ይሃስስ ማለት ኣይኮነን።

 

ማዕረ ማዕረ’ቲ ምስዚ ጉዳይ’ዚ ኣተኣሳሲርና ዝረኣናዮ ፍሽለት ፍልስፍና ሓይሊ ህግደፍ እንግንዘቦ ካልእ ሓቂ ‘ውን ኣሎ። ፍተዎ ጽልኣዮ፣ ሓደ ካብቶም ምስ ንጡፍ ቁጠባዊ ምንቅስቓስን ስልጣኔን ተኣሳሲሩ ዝኽሰት ተርእዮ፣ ምጽባብ ሕብረተሰባዊ ፍልልያት እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ሕብረተሰብና ሕድሕዳዊ ምትእምማን እናጥፍአ ሰበይ ሰብካ ክብል ምርኣዩ ኸኣ፣ ጎኒጎኒ ‘ቲ ፖለቲካዊ ጥፍሽናኡ፣ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ብቁጠባዊ ምዕባለ ይኹን ደረጃ ንቕሓቱ ካብቲ እዋን ናጽነት ንዝበዝሐ ዓመታት ንድሕሪት መሊሱዎ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ። እዚ ድማ፣ ናብ ጓል መንገዲ ካብ ምእላይ ተጠንቂቕና ኣብ ኣደ መንገዲ ጸኒዕና፣ ነቲ ጠንቂ ኩሉ ፍሽለት ሃገርን ፍልልያትን ኮይኑ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ብሓባር ናይ ምቕያር ጻዕሪ ብህጹጽ ክንትግብሮ ተወሳኺ ምኽንያት ይኾነና።

 

ኣብዚ ኣሽንባይ ዶ ብኣውራጃታት ተኸፋፊልና፣ ከም ሃገር ደው ምባል ጸጊሙና ረይረይ እንብለሉ ዘለና እዋን፣ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ምሕሳብ ዕንወት ጥራይ እዩ ትርፉ። ውልቀምልካዊ ስርዓት ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎን፣ ተስፋና እናጎደለ ብዝኸደን ‘ውን ፣ ፍልልይና ኣብ ኣውራጃ ደው ከብል ከምዘይኮነ ክንግንዘብ ይግባእ። ከከም ምጽዕጻዕ ሽግርናን ስንፍናናን፣ ከምቲ ካብ ሃገር ናብ ኣውራጃ ወሪድና ክንዛረብ ጀሚርና ዘለና፣ ካብ ኣውራጃ ናብ ወረዳ፣ ካብ ወረዳ ናብ ዓዲ፣ ካብ ዓዲ ናብ ማይቤት ወሪድና ክንፈላለ፣ ፍልልይና ድማ ፍልሖ ኮይኑ ክበልዓና ክነበር ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ።

 

እምብኣር፣ ነታ ቆለ ስልጣን ፖለቲካውያን መራሕቲ ዝፈጠራ ናይ ህልቂት ማሽን ዘየአንግድ፣ በዚ ዝጠቐስናዮ ፖለቲካዊ ጥፍሽና ዝፈጠሮ ሕንፍሽፍሽ መኣዝኑ ዘየጠፍእ፣ ካብ ዝኾነ ወገን ይምጻእ፣ ብኣውራጃውን ዓሌታውን ሃይማኖታውን ፕሮፖጋንዳታት ከይተታለለ፣ ስምዒቱ ተቖጻጺሩ ነንሕድሕዱ ምጽውዋርን ምክብባርን ከምዘዋጽኦ ዝፈልጥ፣ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ዝኣምን፣ ነዚ ዲሞክራስያዊ ክብርታት ናይ ምጕናጽፍ ቃልሱ ካብዚ ወገናዊ ጽልዋታት ሓራ ገይሩ ሃገራዊ መትከላት ዘቐድምን ዘጽንዕን ንቑሕ ሕብረተሰብ ምህናጽ ኣድማሳዊ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ዜጋ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፣ ኣብ ክንዲ ወገን ክኾኑና እዮም እንብሎም ውልቀሰባት ምንዳይ፣ ንመላእ ህዝቢ ብማዕረ ክናቢ ዝኽእል ልዕልና ሕጊ ዘሳሲ ስርዓት ምትካል ዓንዲ ማእከል ምዃኑ ተገንዚብና፣ ክሳድ ንምሓዝ ናብ መጻኢ ኣተኵርና ክንሰርሕ ይግባእ። ንታሪኽ ክንመሃረሉ እምበር ክንቅምቅሞ (Edit ክንገብሮ) ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ፣ እንተስ መሲሉና እንተስ ክዉን ኮይኑ ንዝሓለፈ ፍጻሜታት ንመጻኢ ወለዶታት ኤርትራ ኣውንታዊ ኣገልግሎት ብዘለዎ ሃናጺ መንገዲ ክንጥቀመሉ ይግባእ።

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

 

ኣማኑኤል ኢያሱ

 

12 ሕዳር 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
148 COMMENTS
  • megos November 17, 2014

    ክቡራት ኣሕዋት!
    ታደሰ ክብ ኢሉ ሓንቲ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ገዲፉ ኣሎ። ትሕዝቶኣ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ

    ዝኸበርካ ሓው ኣማኑኤል ኢያሱ
    ኣዳላዊ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ፋውንደሽን
    ነዚ ኣብ ክልተ ተኸታታሊ ጽሑፋት ዝጸሓፍካዮ፡ ነቲ ኣነ ዝሃብኩዎ ሓሳባት ዝምልከት ርእይቶኻ ኣንቢበዮ። ብዙሕ ምስቲ ኣነ ከሕልፎ ዝደለኹ መልእኽቲ ዘይጠዓዓም ሓሳባት ድማ ረኺበሉ። ንመልእኽተይ ብግቡእ ዝተረዳእካዮ ኣይመስለንን`ሞ፡ ንሕጂ ካልእ ቀዳምነቲ ዝወሃቦ ጉዳይ ኣለኒ። ቅንይ ኢለ ግን ኣብቲ ቀንዲ ጉዳይ ኣተኲረ መልሲ ክህበሉ ኢየ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓሳባት ምልውዋጥን ክትዕን ድማ ናይ ብዙሕ ሰብ ርእይቶን ተሳትፎን ክህልዎን ኣወንታዊ እመስለኒ። ሕጂ`ውን ጉዳያት እንተ-ተዛራረብናሎም እምበር ስለ ዝዓቢጥናዮም ፍታሕ ኣይመጽእን ኢዩ።
    ኣንበብቲ ድማ ቅድሚ ናብ ፍርዲ ምቅድዳምኩም ንኽልቲኡ ጽሑፋት (ማለት ነቲ ኣነ ዝጸሓፍኩዎን፡ ኣማኑኤል ዝብሎ ዘሎን) ኣንቢብኩምን ኣመዛዚንኩምን ፍርድኹም ክትህቡ እምሕጸን።
    መልሰይ ሒዘ ክሳብ ዝመጸኩም ድማ
    ሰናይ ቅነ
    ታደሰ ኪዳነ

    እሞ ዝከበርኩም ኣሕዋት። ታደሰ ቀስ ኢለ ክምልስ ኢየ ካብ በለ፡ ስለምንታይ ዘይንጽበዮ። ወይ ድማ ንኽልቲኡ ኣወዳዲርና ኣንቢቢብናን እንተንምልስ ጽቡቕ ምኾነ። ዝል ኢልካ ናብ መደምደምታ ዘለፋን ምጉያይ ትርጉም የብሉን። ስለዚ ንኽልቲኡ ጽሑፋት ኣንቢብኩም፡ ትሕዝትኡ ኣወዳዲርኩም ክትጽሕፉ ዝበለጸ ኢዩ። ብዝተረፈ ደስ ብዝበለካ፡ ንስኻ ዝደለኻዩ ጥራይ ምድርባይ ጽቡቕ ኣይኮነን። ስለዚ ርእይቶ ክንጽሕፍ ከለና ንትሕዝቶ ናይ ክልቲኡ ጽሑፋት ነወዳድሮ።
    መጎስ

    • robi November 19, 2014

      kburat ahwat do belka megoseyshi. xnh ilka da tefenjirka entay rekibuka iyu. wereja tmesl xenihkas bhansab bayta zebitka. kkkk. abmntayka ika terekibka?kkkkk haki berbere may bexbibxka steyo mber bzuh aytegergr hiray do? dnkurnakan bdekan juba entetidelyelu do aymihashen? anta beal nskums kurub ke ayni haseka yeblkumn dyu wedey?

  • ogbai November 17, 2014

    ሕጂውን ጥርኑፍ ዕላማና ከይንስሕት ምጥንቃቕ ከድልየና ኢዩ፡ እቲ ስርዓት ዝወሰዶ ጉጉይ መንገዲ ምሕደራ ንኹሉ ሕብርተ ሰብና ብዘይ ኣፋላላይ እንዳአሳቐየ፡ ነቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ዓቢ ዕድል እንድሃበ ከሎ። ኣብ ማይ ቀጠነ ዘዓይነቱ ፍልልያት፡ ኣብ ዘይ መድረኹ እንዳምጻካ ንሕዝቢ ኣብ ጎዘዝ ኣእቲኻ ብዓቢኡ ነቲ ኣዕናዊ ስርዓት ኣብ ስልጣኑ ምንዋሕ ዕድል ዝህብ መድረኽ ትኸፍቱ ኣለኹም። እንታይ ተጌሩ ኣብ ታሪኽ ሰውራና፡ ሕጂ’ኽ እንታይ ይግበር ኣሎ፡ ምፍላጡ’ካ ኣድላይነት እንተሃለዎ፡ ደቒቅን ስኑድን መጽናዕትን ከምዘድልዮ ክንግንዘብ ይግባኣና። ከም ናይ ሓውና የማነ ተኽለገርግሽ ብንጹር ጉዳት እቲ ምኩሕ ስርዓት ዘጋልጽ ዘቃልዕ ብጣዕሚ ሓጋዚ እዩ፡ ስለዚ ኣድህቦና ነዚ ዝበስበሰ ስርዓት ካብ ስሩ ነቒልካ ምድርባይ ዝሕግዙ እዋናውያን ዝዕባታት ምጉህሃር እተትመርጹ ዝሓሰ ኮይኑ ይስማዓኒ።

  • Truly Truly i say to you November 17, 2014

    ኽቡራት የሕዋት ቅድም ቀዳድም ክፈለጥ ዘለዎ ኣብ ኤርትራ ብዝሒ ዘለዎ ሓማሴናይ እዬ ዝብል ደቂ ብሪ ተባሂሎም ዝጽውኡ፣ ተወልጄን ደቂ ኣርባን
    ከምኡውን ውሁዳት ዝተደናገሩ ደቀባት ናይ መንግስቲ ደገፍቲ እንበር፣ ጹሩይ ሓማሴናዊ ነቲ ስርዓት ዝድግፍ ኮነ በኣል ስልጣን የለን። እቲ ደጋፋይ ካብ ሓማሴን እዬ ተወሊደ ዝብል ዝበዘኃሉ ምኽንያት´ከኣ፣ እቲ ሚስጥሩ ንጹር እዩ። እዚ ከኣ ናይ ኤርትራ ሓርነት ንቅናቄ ገና “ሀ” ኢሉ ምስተጀመረ፣ ስርዓት ኃይለስላሴ ነቲ ቃልሲ ንምእጋት ካብዝተጠቀመሉ ሃደ ኣቢ ሜላ፥ ነቶም ጽሩያት ደቀባት ኤርትራውያን ናብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ብፍላይ ናብ ኣዲስ ኣባባ ከምዝሰፍሩ ብምግባርን ጽቡቕ ናብራ ንክገብሩ ዕድል ብምክፋት መነነቶምን ቋንቑዖምን ከጥፍእ ፈቲኑ ከምዝነበረ፣፣ ናብ ኤርትራ ብፍላይ ናብ ከተማ ኣሥመራን ከባቢኣን በቲ ግዜ እቲ ከባቢ ብዙሕ ናይ ሥራህ ዕድልን ሞዕባሌን ስለዝነበሮ´ከኣ፣ ነቶም ተኣመንቲ ንዝኾኑ ካላኦት ኢትዮጵያውያንን ብፍላይ ብዝሂ ዘለዎም ደቂ ትግራይ፣ ናብ ኤርትራ ኣትዮም ከምዝትኽእዎም ስለዝተገበረ፣ ብድህሪኡ´ውን ስርዓት መንግስቱ ኃይለማርያም ኣብ ኤርትራ ሰለስተ ሚኢቲ ሠራዊት ኣዋፊሩ፣
    ንኣንስቲ ኤርትራ እናኣመጹን እናተጋሰሱን ንገሊእን´ከኣ ብኣገዽዽ ተመርኢዎም ከምዝዳቀሉ ተጌሩ እቲ ኤርትራዊ መንነት ንምጥፋእ ዝገበርዎ ኣመጽ ከይኣክል፣ ምናልባሽ ኤርትራ እንተተገንጸለት ኢትዮጵያ ብደይ ወደብ ንከይትተርፍ ስልሰጉኡ´ከኣ ንወደብ ኣሰብ ንምርካብ፡ ናይ ኣሰብ ኣስተዳደር ብምባል ነቲ ግዛእትና ኣይተኣውቱን እንበር ብፉሉይ ኣስተዳደር ዝብል ገንጺሎም የማሓድርዎ ከምዝነነበሩ ዘይፈልጥ የለን። ይኹን እንበር ካብዞም ክልተ ስርዓታት፣ ብዝከፈእ መልኽእ ነቲ ኤርትራዊ መነነትን ሃገራዊነትን ንምሕሳስን ንምጥፋእን ካብ ኢሳያስ ንላእሊ ዝሰርህ ዘሉ ገፋኢ ሥርዓት ከምዘይተራኣየ ድማ ባእልና ንርእዮን ንእዘቦን ዘለና ጉዳይ እዩ። በዘን ዝጠቀስኩዎን ምክንያታትን ካልእን እንበኣር ሓማሴናይ እዬ ባሓሊ ደጋፊ መንግስቲ ክበዝሕ ዝከኣለ፣ እቲ ጹሩይ ሃማሴናዊ ወይ ኣውራጃ ካብካልዖት ፍሉይ ረብሓ ስልዝረኸበ ኣይኮነን።
    ኣነ ናይ ኢሳያስ ተንኮላት ንምዝርዛር ግዜ ይሃጸረኒ እዩ። ግናስ ብሃጸሩ ሕዝብና ብውግእ ከምዝጸንትን ከምዝስደድን ብምግባር ብቦትኦም ንደማሂት ሠራዊትን ናይመነነት ጸገም ንዘለዎም ደቂ ትግራይን ኣብ ኤርትራ ከምድሌቶም ከምዝዳቀሉ፥ከምዝእንድሩን ከምዝጥቀሙን ብምግባር፣ ናይቲ ሃገር ሃብቲ ኣበይ ይልዕኮ ከምዘሎ ንከይፍለጥ ሕግን ቅዋምን ንከይገብረልና ተሃሲሙ ንሕዝብና ዘጽንትን ንሓብቲ ሃገርና ዘባድምን ንሉእዊነትና ኣብ ኣቢ ሃደጋ ኣውዲቁ ዝርከብ፣ ኣረሜናዊ ስርዓት ኢሳያስ ምዃኑ እናተፈለጠ፥ ንህና ብኣውራጃ ሕሕድና ክንቆራቆስ ምርዓይ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘሕምምን እዩ። ኣነ ነዚ ካብ ላእሊ ዝጠቀስኩዎ ኣብነታት ዝገልጽ ዘለኹ፣ ነቲ ስርዓት ዝድግፍዎ ዘለው መን ከምድኮኑ ንምግላጽን ካብ ሃማሴን ዝብዝሑሉ ምኽንያት ከኣ እቶም ቀዲ ደቃባት ደይኮኑ ኣብከተማታት ተዳቂሎም ዝኣበዩ ደቂ ብሪ ከምድኾኑ ንምግላጽ ስለደለኹ እዩ። በዚ ምክንያት ታደሰ ኺዳኔ ኮነ ኣማንኤል ኤርትራውያን ክሳብ ኮኑ፣ ነዚ ናይ ሓባር ጸላኢ ከተተኹሩሉ እንበር ኣብዘየድልይ ኣውራጃዊ ሓሸውዬ ኣትዮም ክቆራቆሩሱሉ ኣይግባእን። ምክንያቱ ከምቲ ኣማንኤል ክገልጾ ዝፈተነ በዚ ጉዳይ ክረብሕ ዝክእል ስርዓት ኢሳያስ ጥራይ ስለዝኾነ። በዚ ተቀጺሉ ግን፣ እመኑኒ ኩሉ ብኣውራጃዊ ብምውዳብ ናቱ ዝምስልዎ ሰባት ጥራይ ክዛረብሉ ዝክዕል ሚድያታት ብምክፉት ጥራይ ደይኮነ፣ ከምቲ ኣብ ፓል ቶክ ተጀሚሩ ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና፣ ኩሉ ናይ ኣውራጅኡ መርበብ ሓበሬታት ብምክፋት ነቲ ክሰምዖ ዝደልዮ ዘረባታትን ጹሑፋትን ጥራይ ብምፍቃድ፣ ነቲ ብክንደይ መስዋእትነት ዝተረኸበ ነጻነት ኣብ ሃደጋ ብዝያዳ ንከይውድቅዎን ሕሕድና ከም ሩዋንዳ ከይንበልላእ ስለዘስግእ፣ ዝኮነ ናይ መፍትሒ ሓሳብ ከነናድይ ንግደድ ኣለና። ሕጂውን እቲ ሕቶ ናይ መንግስትስ ንግደፎ፣ ግናስ ሕበረትን ምትእምማንን ብከመይ መንገዲ ከምንፈጥር ኣብቲ መፍትሒ ሃሳብ እንተንመያያጠሉ ዝሓ ሸ ይመስለኒ፣ ኣብክንዲ ብዛእባ ኣውራጃዊነት ምውንጅጃል።

    • ዘርባዕባዕ November 18, 2014

      Truly Truly ~ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ሃለው-ለው ምጽሓፍካ ስርዓተ ሕጊ ስነ ጽሑፍ ትግርኛ ተምሃር። ፍልልያትን ትርጉምን ናይ “ሃ”ን “ሓ”ን ፤ “ኣ”ን “ዓ”ን ፤ “ቀ”ን “ቐ”ን ፈላሊኻ ፍለጥ። ኣብነታት ካብ ጽሑፍካ ክህበካ ~ ንሕና ኤርትራውያን “ሓማሴናዊ” ድኣምበር “ሃማሴናዊ” ፤ “ክቡራት” ድኣምበር “ኽቡራት” ፤ “ህዝብና” ድኣምበር “ሕዝብና” ፤ “ዝበዝሓሉ” ድኣምበር “ዝበዘኃሉ” ፤ “ምምሕዳር” ድኣምበር “ኣስተዳደር” ኢልና ኣይንጽሕፍን ኢና። ብተውሳኺ ኣብ ፊደላት (ኤርትራዊ) ትግርኛ በዓል “ሠ” “ፀ” “ኀ” ዝበሃሉ ፊደላት የለዉን። ነዞም ፊደላት ንስኹም ኢትዮጵያውያን ድኣምበር ንሕና ኤርትራውያን ኣይንጥቀመሎምን ኢና። ስለዚ ሚስተር ትሩሊ (Truly) ኣብቲ ህድሞኻ ኬድካ ኣደናግር። ንዓና ንኤርትራውን ኢትዮጵያውን ንምፍላይ ቀሊል እዩ። ከም ኢትዮጵያዊ መጠን ኣብ ገዛ ተጋሩ ኬድካ ድላይካ ክትዛረብ መሰልካ እዩ። ኣብዚ ኤርትራዊ ፖርታል ግን ናትና መሲልካ ክተደናግር መሰል የብልካን፡ “ኮሓሎ መሲለን መንቆሮ” ዝበሃል ምስላ ንከማኻን ከምዚ ከማኻን ዝተመሰለ እዩ። ኣብዚ ክትስሕቶ ዘይብልካ ኣነ ዝመለስኩልካ ንጽሑፍካ ዓቢ ግምት ሂበ ዘይኮንኩስ ንሕና ኤርትራውያን መንነት ናይ ሰብ ቀልጢፍና ከምነለሊ ተረዲእካ ንመጻኢ ኣብቲ ናይ ደቂ ዓድኻ (ገዛ ዓድዋ) ኬድካ ክትዋሳእ ኢለካ እየ። ሰናይ መዓልቲ

      • Biniam November 18, 2014

        ዘርባዕባዕ – If you ask me, Truly sounds much more Eritrean than you. He didn’t say anything wrong. He is asking Eritreans to unite and fight PFDJ instead of fighting on Awraja lines. Why didn’t you quote even a single statement from Truly and refute it or debate it instead of saying ‘we know you, you are not Eritrean, blah blah…’ That shows your small character. That person made great points and the few comments that I read from Truly, that person is a very concerned and good hearted Eritrean.

        One other thing, the GEEZ alphabets you mentioned – Shaebia is trying to destroy our heritage and that is one thing they have done. All the alphabets he used are perfectly legitimate and I was able to understand everything he said without having to re-read anything. Please be real. Fight tyranny. We Eritreans are not like you. We value all human beings whether they grew up in Jima or Hirgigo or wherever. Truly is an Eritrean who probably was raised in Ethiopia but he is very concerned about the current predicament of his country and he is making great points.

        • ዘርባዕባዕ November 18, 2014

          ቢንያም ዓቕሚ እንተለካ ብትግርኛ (ብፊደል ግእዝ) ምመለስካ ፤ ብትግርኛ ንዝጸሓፈ ሰብ ብካልእ ቋንቋ ትምልስ? ኣብዘይ መንጠቢትክን ኣይትደያ ኢድክን። እሞ ኣነኸ ሕጂ ብጀርመን’ዶ ክምልሰልካ?

          • Ahmed saleh November 18, 2014

            Zerbaebae
            Neger dilili betri hasewsew kem zitebahle
            iyu iti negeratka . To offend truly for no
            apparent reason that way , I don’t get it .
            Even though new and strange pen names always
            incline me to suspect the motives .
            And I hope truly ignore you .

          • Biniam November 19, 2014

            ዝኸበርካ ዘርባዕባዕ፤ ትግርኛ ዳኣ እሞ ታይፕ ክንገብሮ ሙሉእ ማዓልቲ አንዳ ወሰደልና እምበር ብኡ እንዶ ኣይቀልልን ሓሳብካ ምግላጽ። ኣነ ናዓኻ ዝንጥል ኣቢለ ክወቅስን ከናሹን ኣይኮነን ዕላማይ:የግዳስ እቲ ናይ Truly ነጥቢታት ብጌጋ ስለዝተረዳእካዮን ዝተርጎምካዮን እየ። ንሱ ዝበለ ‘ኣቱም ሰባት ብሙሉኡ ህዝቢ ሓምሴን ደጋፊ ህግደፍ ኣይኮነን። እንታይ ዳኣስ ውሑዳት ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎምን ውሑዳት የዋሃትን እዮም መጋበሪያኡ ኮይኖም ዘለው።’ እዚ ብጣዕሚ ዝነኣድ ኣባሃህላ እዩ ምኽንያቱ ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ምትእምማን ይግብረሉን የተዓርቕን እዩ። ስለዚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዎንታውን ሓቂን ነጥቢታት እንዳ ተመርኮስና ንቃራረብ እምበር ብስርዓተ ፊደላት ኣጠቓቕማን ካልእ ማልእን ጌርና መመሊስን ኣይንበታተን። በዚ ስርዓት አዚስ ዘይተተንከፈት ስድራ ቤት ኣላ ማለት ሓሶት እዩ፤ ስለዚ ሓባራዊ ረቝሒታት እንዳ ደለና ኣብ ሓደ ዕላማ ንቀራረብ።

            ኣብታ መልሲ ናባኻ ትሩሊ ዝጻሓፋ ዓባይ ነጥቢ ዓዲኻ ብግልጺ ምዝራብሲ ኣበየናይ ዓለም እዩ ከም ነውሪን ጽያፍን ዝቑጸር ብጀካ ኣብ ስርዓት ህግደፍ፧ ኣነ ወዲ ኣስመራ ጻዕዳ እየ፥ ወለደይ ካኣ ካብ ከባቢ መንደፈራ ዘለዋ ዓድታት። ብጣዕሚ ይሕበን። ከምዚ ምባል ነውሪ እዩ? ስለምንታይ? ክልተ ደቂ ገደቦ ዓድታት ዚያዳ ክቀራረቡን ክዛመዱን ወላውን ክዋሰቡን፤ እዚ ውን ባህርያዊ እዩ። ጥራሕ ፈላልዪን በታታኒን ፖሊሲታት ከም ናይ ህግደፍ እዩ ንህዝቢ ፋሕ ዘብል እምበር ደቂ ሰባት ብትውልዶምን ብዓዶምን እንተ ተሓበኑን ወላውን እንተተምኩሑን ኣነ ከም ጎዳኢ ኣይርእዮን እየ። ኣብ ኣሜሪካ ንምሳሌ እቶም ኣብ ምብራቕን ኣብ ምዕራብን ዘለው ምስ እቶም ኣብ ማእከላይ ብፍላይ ኣብ ማእክላይ ምዕራብ ምስ ዘለው ኣዝዩ እተፈላለየ ፖሊቲካዊን ናይ ማሕበራዊ ህይወትን ሰብኣዊን ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። እዚ ቅሩብ ናይ ልዑላዊነት መንፈስን ምንዕዓቕን ብመጠኑ ተርእዮታት ይገብር እዩ ግን ነቲ ሕብረቶም ብሃስያ ኣይጸልዎን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ዳኣ የደልድሎ እምበር ኣይጎድኦን እዩ።

  • daniel tekle November 17, 2014

    Waw that is one big article , I agree with Amanuel’s point , if we don’t unite urgently asap , we will pay a huge price soon , if the regime collapses before we are united and have a strong people’s organization(group) , like Amanuel said ,religion, ethnic and sectarianism(awragawinet) will fill the power vacuum , it is like waiting for a time bomb to go off and not be able to disable it , that is what we are doing , that is why ppl like wedi vacaro ande other ppl,like Amanuel have been calling for unity , that is the only thing that would strike terror at the heart of the blood sucking regime higdef , Amanuel is right .

    Higdef didn’t replace the zones(awraja) with it’s own(Zobatat) from good intention , they did that because of many reasons , one of them is to creat a rift between Akolgzay and Seraye so no one trust each other, so have to be above this to over come the problem.

  • Genet-orginal November 17, 2014

    Dear Truly, Truly

    Well said! I don’t have anything to add. Thank you brother!
    Genet-O

  • Samrawi G/hiwet November 17, 2014

    What is important for Eritreans is to ponder about our history, to scrutinize ourselves; and to accept the reality of Eritrea as a dysfunctional entity because , and only because, of the cancerous debilitating diseases of RELIGION, AWRAJENET, and RACISM. Issayas Afeworki couldn’t have been what he turned out to be without the naivety and collusion of the Eritrean people – especially the intellectual elites – who adore him and elevated him to a Saint. All what Issayas has done was in nroad day light…. Issayas was shrewd enough to know the psyche of Eritreans and played one against the other on religion and regions …. all the way from his first year college failure to the mountain top of his choice. He did it because Eritreans are gullible and hopelessly EMOTIONAL PEOPLE, without any sense of rationality. Please brothers and sisters, no more regional, religious or race issues any more, just simple unity & love of all and each other would do so much good and pleasure to mama/mother Eritrea.

    • Samrawi G/hiwet November 17, 2014

      correction : please read All what Issayas has done was in “broad” day light. Thank you.

      • ahmed saleh November 18, 2014

        The politically correct attitude based on the past keep hunting our
        people’s mind . Now to start playing the blame game first look yourself
        in the mirror . And we have the free will to act like dumbs as usual .
        We couldn’t defend other Eritreans in the last twenty years and now
        to come with regional issues advocates doesn’t hold water . The issue
        is not about two regions but about the whole country . As proud native
        from Akeleguzay if I couldn’t defend my Eritrean people’s right , there
        is possibility I will do the same for my own region . It is about self
        principled stand .

  • oromay November 17, 2014

    ልዕሊ 37 ውድባት ታደሰ ስለዝጸሓፈ ኣይኮናን ከም ቓንጥሻ ተመስሪተን ኣቐዲመን እየን። ታደሰ ኣውራጃዊ ፖለቲካን ኣይመሃዘን ቑጠባዊ ውዲት ኣይሓሰበን እቲ ስርዓት ዝገበሮ እዩ ግሊጹ። ኣብ ወታሃድራዊ ስልጣን ደቒ ካርነሽም ክበዝሑ ምኽንያት ዝኾነ ሻዕብያ ኣብቲ ከባቢ ስለዝነበረት ዝተፈጥረ ኣጋጣሚ ገይርካ
    ምቕራብ ዘእምን ነጥቢ ኣይኮነን። ደቂ ከበሳ ኣብ ምታሕት ወሪዶም ይሓርሱ እዮም ተባሂሉ ፡ እቲ ሕቶ ካልእ እዩ ብሓይሊ ሰባት ካብ መረበቶም ኣልዒልካ ዲሞግራፊ ህዝቢ ንምቅያር ዝግበር ዘሎ ሽርሒ ከ ኣይረአልኣየካንዶ? ጣልያን ኤርትራ ደጋዊ ዶባት ከዝህልዉዋ እዩ ዝገበረ እምበር ንሓደ ካባቢ ጨፍሊቑ ብሓይሊ ኣይሓወሰን። ናይዚ ስሪኣት ዝገበሮ justification ኣየድልን እዩ። ስለያ ናይ ኣከለጉዛይ እዮም ዝበሃል ዝእምን ኣይኮነን ተጋሩ እዮም። እዚ ስርዓት ሕሉፍ ሓልፉዎስ ብቤተ ክርስትያን ክፈላሊ ብሓዳር ከይተረፈ ከፋትሕ ፈቲኑ እዩ። ብ2001 ዝነፍሖ ዝነበረ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። ስለዚ ሓቂ ኣይንዓባብጥ። ንለውጢ ድማ ካብ ኩለን ኣውራጃታት መሰረት ዝገበረ ውድብ ምምስራት እዩ ፈውሱ። በቲ ስርዓት ዝተገብረን ዝግበር ዘሎን ምግላጽ ግና ኣድላይ እዩ።

  • Genet-orginal November 17, 2014

    Dear Aman,
    You are smart and thoughtful. I am proud of you.
    I read your articles and I am learning Tigrinya from the best.

    The main point I learn is no matter how much or long we complain, about who is most victimized by DIA and PFDJ’s system, we will remain for ever victims of DIA and PFDJ’s system. Crimes have been committed against Eritreans by DIA and companies. In order to hold those criminals accountable, we have to be united and defeat the worst enemy. We have to be aware of what we are doing to ourselves. We have to grow up. As Aman stated eloquently, our people came from tiny villages and fought for our independent and nation. It is disgraceful to go backward to our tiny villages and speak as us VS them within our people. Clearly, there is a lot of mistrust among our people. For the most part, it is about fear of the unknown. So, how do we start to build trust among ourselves? We need to stop giving each other reasons not trust one another.

    “Unless you are involved with thinking about what you’re doing, you end up doing the same thing over and over, and that becomes tedious and, in the end self defeating” (unknown author)

    I thank Mr Tadese, for writing about how he feels. If he didn’t put his thoughts, good or bad out in the open, we wouldn’t have this discussion by Aman and everyone else.

    God Bless our people and country!
    We Shall Overcome!
    Genet-O

  • Girma T. November 18, 2014

    So far so typical of Eritrean Political Culture which is “keyni-semaAmaA tesemaAmina”. In other words, so far “we agreed NOT to agree”. We should be doing a lot better in the advanced 21st century of World globalization. Last but not least, historically speaking the student lead Eritrean armed struggle has used regionalism as a tool to neutralize or compensate individuals.

  • megos November 18, 2014

    እቲ ዝገርም ኣማኑኤል ዝጸሓፍ እንተሃልዩዎ፡ ንምንታይ ብናቱ ኣርእስቲ ዘይጽሕፍ። ናይ ካልኦት ምርኩስ ገይርካ ምጽሓፍ፡ ኣብ ነብስኻ ዘይምትእምማን ጥራይ ዘይኮነ፡ ክትሃርሞ ዝደለኻዮ ጉዳይ ንምባል፡ ነገራት እናኣሳወርካን እናኣተዓባበኻን ዘየለ መልእኽቲ ከተመሓላልፍ ምፍታን ትርጉሙ እንታይ ኢዩ?
    ኣምኑኤል ባዕሉ ወገናዊ ፖለቲካ የዋጽእ`ዶ ክብል ከሎ፡ እንታይ ማለቱ ድዩ?
    ንዘሎ ንዛረበሉ። እንተ ዘየለ ድማ የለን፡ ንበል። ኣሎ፡ ግን ንዕበጦ ምባል ኣበይ ንምብጻሕ ኢዩ። ንምንታይ`ከ ይዕበጥ? ኣብ ቅርዓት ወጺእካ ንኹሉ ናተይ ትብሎ ሰብ ከተዕስል ስለ ዘይከኣልካ፡ ንኻልኦት ብብዝሒ ክቃወሙ ንዘወጹ `ብድብድቡ ኣውራጃውያን` ምባል፡ ካብ ህግደፍ እንታይ አፈልየካ? `ኩሉ ሰብ ኢዩ ተበዲሉ` እንዳበልካ፡ ከም ዘይተበደልካ ኣብ ገዛኻ ኮንካ ክትሓሚ ምውዓል፡ ንዝተበደሉ ምውቃዕ`ሶ ኣይኮነን። ተበዲለ በለኒ፡ ምሳይ ኣብ ጎድነይ ደው በል። ሽዑ ከም ዝተበደልካ ኣነ`ውን ከማኻ ብዱል ብሓንሳብ ሓቢርና ንቃለስ። ናይ ሓባር ቃልሲ ትድግፍ፡ ካብ ቃልሲድማ ትሕባእ። ኣብ ቅርዓት እንተ ዘይወጺእካ፡ ካበይ ኣርየ ኢየ ክምጽኣካ?
    ሓማሴን ተበዲለ ዝብል እንተኾይኑ፡ ኣብ ክንዲ ምስ ልኡኻት ህግደፍ ደው ኢሉ፡ ንዓይ ንዝቃወም ዝዕንቅፍ፡ ምሳይ ደው ኢሉ፡ ንልኡኻት ህግደፍ ክብድሕ እንተኺሊሉ፡ ሓቢረ ምስኡ ክቃለስ ጸገም የብለይን። ሰረወታይ ብብዝሒ ግዳም ወጺኡ ምሳይ ደው ኢሉ ንልኡኻት ህግደፍ ክብድህ እንተ ወጺኡ፡ ምስኡ ክሰርሕ ጸገም የብለይን። ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ክሓሚ ስለ ዝወዓለ፡ ተቓዋሚ ኣየብሎን ኢዩ። ምሳይ ቅርዓት ወጺኡ ደው ይበል፡ ኣነ ከኣ ተኣማሚነ ምስኡ ክሰርሕ። ቃልሲ ምስ ተቓለስቲ እምበር ምስ ሓመይቲ ኣይኮነን።
    ደቂ ኣከለ-ጉዛይን ኣመንቲ ምስልምናን ኣብ ቅርዓት ወጺኦም ኣንጻር`ቲ ስርዓት ደው ስለ ዝበሉ፡ እቲኦም ጅሃድ፡ ኣቲኦም ድማ ኣውራጃውያን` ተባሂሎም። ስለዚ ጀሃድ ወይ ኣውራጃዊ ከይትበሃል መታን፡ ኣብ ገዛኻ ኮንካ ክትሓሚ ጥራይ ኢዩ ዘለካ።
    ሕጂ`ውን ውጹ፡ ብሓባር ክንሰርሕ። ኣማኑኤል ቅርዓት ወጺኡ ስለ ዝተቓለሰ፡ ኩሉ ሰብ ስዒቡዎ። ምስኡ ክሰርሑ ከለዉ፡ መን`ዶ ብዛዕባ ኣውራጅኡ ሓቲቱዎ ኢዩ? ቅርዓት ስለ ዝወጸ ጥራይ ሰብ ስዒቡዎ። ሕጂ ከኣ ኣንጻር`ቶም ዝመወልዎን ዝሕቖፉዎን ክምጉት ንርእዮ ኣለና። ዓው ኢሉ `ክዕብልሉ ደልዮም` ክብል ይውዕል ኣሎ። ንመን ኢዮም ባይታ ከሊኦሞ? መን`ዩ ኣብዚ ኣይትቃለሱ ኢሉዎም? ኣብ ገዛኻ ኮፍ ኢልካ፡ ተዓብለልና`ዶ ኣብ በሪኽ ይወዱ ኣለዉ`ዶ፡ እንታይ ዘረብኡ ኢዩ። ኣብ ደገ ዘለና ተዛረብቲ ትግሪኛ`ኮ ብቑጽሪ ተመጣጣኒ ብዝሒ ኢዩ ዘለና። እቲ መቃለሲና ድማ ኢትዮጵያን ኤውሮጳን ኢዩ። ንኹሉ ክቃለስ ዝደሊ ክፉት። ሓደ ንሓደ ክኽልክል ኣይክእል፡ ክዓግት ኣይክእል።
    ሕጂ`ውን እቲ እንኮ ፍታሕ ብሓንሳብ ምስራሕ ኢዩ። ኣብ ገዛኡ ኮፍ ምስ ዝበለ ግን ብሓንሳብ ክስራሕ ኣይከኣልን ኢዩ። ወይ`ውን መሰነይታ ኤምባሲታት ኮይኑ ደው ምስ ዝበለ፡ ብሓንሳብ ክስራሕ ዝከኣል ኣይኮነን። ቅርዓት ምስ ዝወጸ ጥራይ ኢዩ ብሓንሳብ ዝስራሕ። ስለዚ `ብሓንሳብ ምስራሕ ኢዩ እቲ ፍታሕ`ሞ፡ ንዑ ብሓንሳብ ምስራሕ ምባልን፡ ኣብ ቅርዓት ወዲእካ ምስቶም ዝሰርሑ ክትሰርሕ ምፍታንን፡ በበይኑ ኢዩ። ምጹ፡ ውጹ ብሓኝሽእብ ኽኝሸርሕ።
    ብዝተረፈ ኣብ ገዛኻ ኮፍ ኢልካ ክትሓሚ እናወዓልካ፡ ናይ ሓባር ቃልሲ ኢዩ ዘድልየና` ምባል ትርጉም የብሉን።
    ዎ ደሓንኩም።
    መጎስ

    • ዘርባዕባዕ November 18, 2014

      ኣየ በዓል ሞጎስ ደናቑር ፤ ሓንሳብ ሓንጎልኩም ሓሙኽሽቲ መሊእዎ እንድዩ እንታይ እሞ ክትገብሩ። ኣማንኤል ዝበሎ ኩሉ ሓቂ እዩ ፤ ንዓኻ ዝሰማመዐካ ስለዘይበለ “እንታይ ማለቱ እዩ” ክትብሎ? “ነቶም ዝመወልዎ ጠሊምዎም” ማለትከ እንታይ ማለት እዩ? ምሳኻትኩም ድኹማት ሓንጎል ኴንካስ ከመይ ኢልካ እዩ ዲሞክራስያውት ኤርትራ ክምስረት። እሞ ሞጎስ ፍቶ ጽላእ ተታሒዝና ድኣ ንጠፍእ እምበር ኣውራጃዊት ወይ ሃይማኖታዊት ኤርትራ ክትምስረት ኢልካ ፍጹም ኣይትሕሰብ። ኣማንኤል ዝበለ ህግደፍ ንኹሉ ሕ/ሰብ ኤርትራ ብማዕረ እዩ ዝጭፍጭፍ ዘሎ ስለ ዝበለስ ክንድዚ ሃለውልው? ንዚ ሓሶት እዩ ፤ ህግደፍ ንዓና ንደቂ ኣከለጉዛይ ወይ ንኣስላማይ ጥራሕ’ዩ ዝጭፍጭፈና ዘሎ ትብል እንተሊኻ ኣነ ድማ ሓሳዊ (ኣውራጃዊ) ኢኻ ይብለካ።

    • Asmerom November 18, 2014

      ሞጎስ
      ንስካ እምበር ትገርም ኣማኒኤል ደኣ 10 ዓመት ብናቱ ኣርእስቲ ጽሒፉ እንድዩ። ሕጂ ቆጭቆጭ ዘብለካ ዘሎ ምፍልላይ ኣየድልን እዩ ስለዝበለ፣ እቲ ቃሕ ዝበለካ ጸቢብ ፍልስፍና ስለዝፈሸለ ድዩ። ታደሰ ልዕሊ 20 ኣርቲክል ክጽህፍ ከሎ ኣቤት ወ ኣናበልካ ቁስልካ ክትሃክክ ጸኒሕካ ሕጂ ብክልተ ኣርቲክል ዋይ ዋይ እትብል ስለምንታይ? ታደሰ ሃሳቡ ሂቡ ኣማኒኤል ከኣ ሓሳቡ ሂቡ። ኣእምሮ እንተለካ ካብ ክልቲኡ ጠጡዑዩ ወሲድካ ተማሃር። ሕንከት ከማን የብልካን ኣብቲ እሂንምሂን ክትበሃሃል ዘፍቀደልካ መድረኽ ንዕኡ ክትእግዶ። እንታይ እዩ ነገሩ? እንተተኸልከልካ ተወጊና እንተተፈቕደልካ ተዘሪና።

    • Genet-orginal November 18, 2014

      megos

      Are you in denial that you are one of the problem? Have you ever asked why other Eritreans are staying at home, rather than standing with you against PFDJ? let me break it to you. Because they don’t trust you. Ask yourself Why??? Do you have to be in control of everything all the time? No body wants to be near you, if you act like you are the only man/woman who can be in control, no body wants to be near you. If you want people to follow you, share the work. If you think people are going to follow you, without knowing what you are doing or where you are going, you need to think again and again, until you get it right.

      Don’t forget about other Eritreans who are close to you, who are hearing and seeing what you are saying behind the seen. Don’t accuse other Eritreans for pointing at what you are doing and staying at home. Stop being power-monger and control freak; for God sake have a little faith on other Eritreans who are not from your village. FYI, Arrogant people can’t fess up to their own mistakes. SO, ask why are other people not standing with you? Because you are giving them many reasons not to trust you. It is not that complicated. Eritrean bothers and sisters, please think what you are doing. Let us fess up to our own mistakes, before we accuse others.

      God save our people!
      Genet-O

    • meron November 19, 2014

      eluk znebereka ika tmesl megosey si. mhret yewrdelka. cherkika derbika kan? mskinay.

Post a Reply to Genet-orginal Cancel Reply