Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅልዕቲ ደብዳቤ

ቅልዕቲ ደብዳቤ ክቡር ፕሮፍ. ተኸስተ ነጋሽ፣ ሰላም። ምስ ሓደ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛ ዝገበርካዮ ንዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ቃል መሓትት ተገዲሰ ኣንቢበዮ። እቲ ምሉእ ሓሳብካ ቅድሚ ሕጂ ዲክታቶርያዊ ገዛእቲ ኢትዮጵያን ኣመኽነይቶም ሊቃውንትን፡ ንስኻ ንገዛእ ርእስኻ’ውን፡ ሽሕ ጊዜ ዝደጋገምዎን ኴይኑ ሓደስቲ

ቅልዕቲ ደብዳቤ

ክቡር ፕሮፍ. ተኸስተ ነጋሽ፣

ሰላም።

ምስ ሓደ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛ ዝገበርካዮ ንዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ቃል መሓትት ተገዲሰ ኣንቢበዮ። እቲ ምሉእ ሓሳብካ ቅድሚ ሕጂ ዲክታቶርያዊ ገዛእቲ ኢትዮጵያን ኣመኽነይቶም ሊቃውንትን፡ ንስኻ ንገዛእ ርእስኻ’ውን፡ ሽሕ ጊዜ ዝደጋገምዎን ኴይኑ ሓደስቲ ሓሳባት ስለዘይነበርዎ ቀልጢፉ ኣሰልችዩኒ። ሓደ ሊቅ’ስ ሓዲስ ሓሳባት እንተዘይህልዎ ንነፍሱን ንካልኦትን ንምድጋም ስለምንታይ ንሊቃውንቲ ከናፍሩ ይኸፍተን ኢለ፡ ኣነ ጅግና መዓንጣይ ሸጥ ኣቢለ ክሳብ ናይ መወዳእታ ኣርባዕተ ነጥቢ ኣንቢበ። ድምጽማጽ ሓዲስ ሓሳብ ኣይረኸብኩን። ነታ ናብ ምሕንባስ ክወስካ ትርብሸኒ ዝነበረት ሳራ ጓለይ ሓደ ጻዕዳ ወረቐትን መደምሰስን ሂበ ነቲ ሕንጻጽ እስከ ደምስስዮ በልኩዋ። ኣዕይንታ ኣፍጢጣ ነየናይ ሕንጻጽ? በለትኒ። ፕሮፌሶር፡ ንእሽቶይ ህጻን ንዝተገንዘበቶ ሓቂ ከመይ ክትግንዘቦ ኣይከኣልካን ገሪሙኒ። ዘይተሓንጸጸ ዶብ’ስ ከመይ ይድምሰስ? ንኤርትራ ከም ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ድኣ’ምበር ከም ነጻ ልዑላዊት ሃገር ጠቒስካያ ኣይትፈልጥን ኣብ ኣእምሮኻ ሕንጻጽ ዶብ የሎን እሞ ነየናይ ዶብ ኢኻ ክትድምስስ ደሊኻ? ዶብ ክትድምስስ ዋና ስርሐይ እዩ ኢልካ እንተወሲድካዮ ከኣ ፈለማ ዶብ ምንባሩ ክትቅበል ይነብረካ። ሕጂ ሕጂ፡ ፈቲኻ ኣይፈቲኻ፡ ኤርትራ ብገዛእ ርእሳ ዝሓደረት ናጻን ልዑላዊትን ሃገር ምዃና ክትኣምን ይግብኣካ። ካብ’ዚ እምነት’ዚ ዘይተበገሰ ንሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሓደ ዓይነት ሓድነት ከምጽእ ዝፍተን ኵሉ ሃቐነ ወዳቂ ምዃኑ ከም ፕሮፌሶር ታሪኽ ካብ ታሪኽ ኣይተመሃስርካን። ንሰረገላ ቅድሚ ፈረስ ኣቐሚጥካ ምግላብ ናብ ዝኾነ ሸቶ ኣየብጽሕን። ቀዋሚ ሓድነት ኣህዛብ ብውግእ፡ ብውዲት፡ ብፕሮፓጋንዳዊ ስነሽበራ ኪመጽእ ከምዘይክእል ታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣረጋጊጽዎ እዩ። “ … ኢሳያስ ብህይወት ክሳብ ዘሎ ክገዝእ እዩ። ድሕሪ ኢሳያስ ከኣ ኤርትራ ከም ሶማል ክትበታተን እያ!” ዝበሉ ትንቢታትካ ኒሕን ንያትን ህዝቢ ኤርትራ ክቐትሉ ዝኣደኑ ፍሉጣት ሜላታት ስነኣእምሮኣዊ ሽበራ እዮም።

ነቲ ባህሊ ኤርትራዊ ትግራዋይ (ትግርይና ተዛራቢ ህዝቢ ከበሳ) ገና ኢትዮጵያዊ ባህሉ ኣየጥፍአን ዝበለ ሓሳብ ሰንዚርካ። ሕጅ’ስ ናብ ተራ ዕላል ቡን ወሪድካ ፕሮፌሶርነትካ ክጠራጠሮ ጀሚረ። ፈለማ፡ ኢትዮጵያዊ ባህልታት ድኣ’ምበር ኢትዮጵያዊ ባህሊ ዝበሃል ነገር የሎን። ነቲ ኣምሓራዊ-ትግራያዊ ባህሊ ማለትካ እዩ ዝኸውን። እዚ እንተላይ ባህሊ ኤርትራዊ ከበሳ እዩ’ሞ ስለምንታይ ነዚ ባህሊ’ዚ ናብ ኢትዮጵያ ባህሊ ጥራሕ ሰሪሕካዮ? እቲ ምሉእ ታሪኽ ኣኽሱም’ውን እንተላይ ታሪኹ እዩ። እሞ ድሕሪ ነጻነት’ስ ሓዲስ ዘይነበረ ባህልን ታሪኽን ዘይመሃዘ ዲኻ ደሊኻዮ!?

ህዝቢ ቢለን ኣጎው ምዃኑ ይኣምን ትብል። እወ፡ ምንጩ ኣገው እንድዩ። ምንጩ ዘይከሓደ ዲኻ ደሊኻዮ? እወ፡ ቢለን፡ ኤርትራዊ ኣገው እዩ። እንታይ’ሞ? እዚ ህዝቢ’ዚ ከም ዝኾነ ካልእ ብሔር ኤርትራ ኣብ ኤርትራውነቱ ይኣምን። ብመጠን ብዝሒ ህዝቡ ከኣ ካብ ዝኾነ ካልእ ብሔር ኤርትራ ንላዕሊ ንናጽነት ኤርትራ ተጋዲሉን ተሰዊኡን እዩ። ቢለን ኣጎዋዊ ኤርትራዊ ብሔር እዩ።

ኦርቶዶክሳዊ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ተመሃሮኣ ብምስጢር ናብ ጎንደር ትልእኽ ኢልካ። በዚ ኣቢልካ ድማ ፡ኤርትራ፡ ብመንፈሳዊ ሸነኻ’ውን ርእሳ ኣይከኣለትን ጽግዕተኛ ኢትዮጵያ እያ ንምእማት እዩ። ወይ’ውን ከም  መረጋገጺ ኢትዮጵያውነት ኤርትራ ወዲድካዮ ትኸውን። እቲ ኦርቶዶክስያዊ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ገና ውልዶ ኮይኑ ተማሃሮኡ ናብ’ቲ ምዕቡልን ምኹርን ቤት ትምህርታት ክህነት ኢትዮጵያ እንተሰደደ’ስ እንታይ’ዩ? ስለምንታይ ክንድ’ዚ ናብ ባይታ ቀንጠ መንጢ ወዲቕካ ፕሮፌሶር? ንስኻ’ውን ንታሪኽ ሃገርካ ኣብ ኣውሮጳ  እንዲኻ ተማሂርካዮ? መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ትምህርቱ ከም ተሓጋጋዚ መምህር ኣይመስለንን። እታ መልሓስ ምሁር ኤርትራዊ ንጥቕማ መቐመጫታት ክትልሕስ ኣመል ስለ ዝኾና ጥራሕ እዩ። ዶስ … ? ብቕዓትካ መዚነ ግን ገለ ፖለቲካዊ ባእታት ዝረቝሑኻ መምህር ድኣ’ምበር እቲ ኣካደምያዊ ዩኒቨርሲቲ ብክእለትካ ዝሓረየካ  ኣይመሰልካንን።  ንከብዲ ምላሽ ዝሰርሕ ፖለቲካዊ  መሳርሒ ድኣ’ምበር ኣይመምህርን።

ነቲ ኣብ ሞንጎ መንግስታት እትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ዝተኻየደ መዓት ህዝቢ ዝሓለቐሉ ውግእ፡ ውግእ ኣሕዋት እኳ ኣይበልካዮን ውግእ ሕውነት እዩ ኢልካ ከተናእሶ ፈቲንካ። ሕውነት ካብ መዓስ እዩ ዝተዋግአ? ሕውነት የላዝብ እምበር ክሳብ ፈጺሙ ከጽንት ኣይሕልንን። መንግስታት ሃይለ ስላሴን መንግስቱን ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ከጽንቱ እዮም ተላዒሎም ነቢሮም። “ኤርትራ፡ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን!” ኢሉ ዝተዋግአን’ስ ኣብ ከጽንተኒ ዘይክእለሉ ደረጃ ምስ ኣብጻሕኩዎ፡ ዘይ’ከ ሓወይ እዩ ነቢሩ! ኢለ፡ ብከም’ዚ ብቐሊሉ እቅረታ ክገብረሉ ኣይትጸበየኒ። ርትዓዊ ሰብ ድኣ’ምበር ጻድቕ ኣይኮንኩን።  ኣብ ክሳብ ክንድዚ ምቅታል ዝበጽሑ ኣሕዋት፣ ኣሕዋት ምዃኖም ዝቐበሩ ኣሕዋት እዮም። ሕውነቶም ደጊሞም ኪምስርቱ እንተደለዪ ከኣ ብከምዚ ሃታሃታን፡ ምድንጋርን ምፍርራሕን፡ ቀቢጸ-ተስፋነት ብምስፍሕፋሕን፡ ሃሮር! ንሕና ማዕቢልና ንስኻትኩም ንድሕሪት ቀሪኹም ኢልካ ብምቕናእን ምስትንዓቕን ዝፍጸም ኣይኮነን። እዚታት ኣብ’ቲ ህልኻዊ ስነኣእምሮ ኤርትራውያን መሊሱ ህልኽ ዝፈጥር ከንቱ ፈተነ እዩ። ፕሮፌሶር፡ ኣብ’ቲ ዘይነበርካዮ ውግእ ብርቱዕ ስምዒታት እዩ ተፈጢሩ። ሕውነት ናብ ድቕ ዝበለ ጽልኢ እዩ ተቐዪሩ። ኣብ’ታ ወርቃዊት መንበር ሊቅነት ተቐሚጥካ ዝኾነ መጽናዕቲ እንተኣካየድካ፡ ነቲ ዝተቐየረ ስምዒት ፈጺምካ ክትርድኦን ክትግንዘቦን ኣይትኽእልን። እዚ፡ ኣብኡ ብምውዓል ድኣ’ምበር ብመጽናዕቲ ዝግንዘብ ፍልጠት ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ኵሉ’ቲ ግጉይ ፖለቲካዊ/ማሕበራዊ ርእይቶታትካ ኣብ’ኡ ብዘይምውዓልካ ኣብ ነፍስኻ ብዝፈጠርካዮ ስክፍታ(ኣበራዊ ስምዒት) ዝተሰርሐ ከይከውን እትስፎ።

ኣብ’ቲ ምሉእ ዘረባኻ ብዘይካ ኣቃባጣሪ ተራ ዕላል ቡን ዕቱብን ሃናጽን ንወርትግ ጠቓምን ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ኣይረኸብኩን። ኤርትራ’ስ ያኢ ብፍሉይ ኣይተወጽዐትን ንምባል እዩ እመስለኒ፡ 25% ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኤርትራውያን ነቢሮም ትብል። እዚ ኣብ መንፍዓት ተመሃሮ ዝተመርኮሰ ዘይኮነስ መንግስቲ ዝወሰኖ ኮታ እዩ ነቢሩ። እቶም ዝተረፉ 75% ካብ ሚእቲ’ከ እንታዎት ነቢሮም? እስከ ብግምት  ገለ 15% ትግራዎት ትግራይ፡ 5% ኦሮሞን ካልኦትን እንተ ነበሩ እቲ 50% ኣምሓራይ እዩ ነቢሩ። ትፈልጥ’ዶ ፕሮፌሶር ብዙሓት ብኵሉ ዓይነት ትምህርቲ ኣዝዮም ትኵራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ተመሃሮ ብኣምሓርኛ ጥራሕ ወዲቖም ኣብ ሃይለ ስላሴ ዩኒቨርሲቲ ክጽንበሩ ስለዘይከኣሉ ናብ ናይ ካርቱምን ካይሮን ዩኒቨርሲታት ከም ዝኾብለሉ? እቲ ትምህርተ ኣምሓርኛ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝጀመረ ኤርትራዊ፡ ምስ’ቲ ኣምሓርኛ ቋንቋ ኣዲኡን ቋንቋ ትምህርቱን ዝነበረ ሓደ ዓይነት ፈተና ኣምሓርኛ ክፍተን’ስ ቅኑዕ’ዶ ይመስለካ? ንስኻ ኣብ ጂማ ዓቢኻ እቲ ሽግርና ኣይነበረካን፣ ስለ’ዚ ከኣ እቲ ሽግር ኣይረኣየካን፡ ኣይግደሰካን። እቲ ናብ ሃይለ ስላሴ ዩኒቨርሲቲ ከይትኣቱን፡ ትምህርትኻ ከኣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ (ሳንታ ፋሚልያ) ክትቅጽሎን ዝገደደካ ምኽንያት ውድቀት ኣምሓርኛን ፍትወት ህዝቢ ኣስመራን ኣይመስለንን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ፕሮፌሶር ረኺበ ኢሉ ነቲ ኵሉ ዘርባዕባዕካ ሓቂ መሲልዎ ከም ፖሊሲ ከይጥቀመሉ እፈርሕ። ኣንጻር ሓድነት ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጽያን ኣይኮንኩን። እኳ ድኣ ዋና ደጋፊኡን፡ ደጋፊ ካብ’ኡ ንዝዓበየ ሓድነት ኣህዛብ ምስራቕ ኣፍሪቃን እዬ’ውን። ብልጽግናን ምዕብልናን እዚ ኣህዛብዚ ኣብ ግዙፍ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሓድነታት ከምዝምስረት ጽኑዕ እምነት ኣሎኒ። ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ካብ ኣብ ዕንጭቝሊት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ኢትዮ-ኤርትራ ብኵሉ ሸነኻቱ ከም ዝጥዕሞ እፈልጥ። እንተኾነ እዚ ሓድነት’ዚ ብምሉእ ድልዬትን ንቕሓትን ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ክውሰን ኣሎዎ በሃሊ እዬ። ውጽኢቱ ኣዎንታውን ነባርን ምእንቲ ክኸውን ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ዝስዕቡ ክፍጽም አማሕጽን።

ቀዳማይ፣ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምቲ ኣህሩራዊ ሕግን ቤት ፍርድን ዝበየንዎ ክፍጸም ይግብኦ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ነዊሕ ጊዜ ዝተሰርሐ ጽልእን ዘይትምትእምማንን ከዓሪ ይኽእል። ኢትዮጵያ፡ ነቲ ንኤርትራ መሬታ ዝኾነ፡ 25 ትርብዒት ኪሎሜተር ዘይኣክል ዶራን መሬት እንተመለሰት፣ እንትርፎ ገለ ስምዒታት ህዝቢ ትግራይ ኢትዮጵያ ክትንከፍ፡ ነታ ግዝፍቲ ኢትዮጵያ ዝጎድለና ኣይምነበረን። ንኤርትራውያን ግን ዓቢዪ ስምዒታዊ ትርጕም ምነበሮ። ንኢትዮጵያ ድማ ሳንቲም ከፊልካ ኣቕራሽ ምኽሳብ ምኾነ።

ካልኣይ፣ ሕጋዊ መሬት ኤርትራ ተመሊሱ እቲ ዶብ ብንጹር እንተተሓንጸጸ፡ እቲ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣብ ስነ ኣእምሮ ኤርትራውያን ዝሰኣሎ ምስሊ ናይ ሓሶት ጸላኢ ኣልጊሱ ዘፈራርሓሉ ወድዒ ምሰኣነ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ቃልሱ ኣብ ምልጋስ’ቲ ዲክታቶር ከተኵር ምኸለ። እዚ ከኣ ንሰላማዊ ዝምድናን ምትዕራቕን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምቅልጣፍ መገልገለ።

ሳልሳይ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ዓመጻውን ኢድወነናውን ምእታው ኢድ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኤርትራ ክቍጠብ ይግብኦ። እዚ ነቲ ድሮ ክሳብ ዓንቀር ዒቕ ዝበለ ጽልእን ዘይምትእምማንን ዘገንፍልን ንጥቕሚ ኢሳያስ ከኣ ዝሰርሕን እዩ። ብኣንጻሩ፡

ራብዓይ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን ሰደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያን ንመሰላቶም ከኽብር ይግብኦ። እዚ’ቲ ቅኑዕ መገዲ ምምላስ ሕውነት ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ምኾነ።

ሓሙሻይ፣ ምድጋፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተቛወምቲ ኤርትራውያን ካብ ቅኑዕ መንፈስ ዲሞክራስያውነትን ሕውነትን ሓባራዊ ረብሓን ድኣ ክብገስ ይግብኦ’ምበር ካብ ከም መሳርሒ መሳለጢ ፖለቲካዊ ኣጀንዳኡ ክብገስ  ኣይግብኦን። እቲ ኤርትራዊ ህልኸኛ እዩ ኢልና እንዲና … ። ካብ’ቲ ዓቢዪ ሓውና ህዝቢ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ልቦናን ወሃቢነትን ትዕግስትን ንጽበ። ኵሉ ዓይነታዊ ዕብዬቱ ከኣ ነዚኣቶም ክኸፍል ዘኽእሎ እዩ።

ሻዱሻይ፣ ንመጠረስታ፡ ቀጥታዊ  ወሳኒ መጻኢ ዕድሉ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ፖለቲካዊ ውድባትን ፖለቲከኛታትን ሊቃውንትን ኢትዮጵያን ኤርትራን ክኣምኑን ክቕበሉዎን ይግብኦም። ድሕሪ ነጻነት ካብ ዲክታሮርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ህዝቢ እንታይ ከምዝደሊ ክሕተትን ባዕሉ ክውስንን ይግብኦ። ኣህዛብ ኤርትራ ብሓደ ዓይነት መልክዕ ሓድነት ኣብ ሓንቲ ኤርትራ ክነብሩ እንተደለዩ መሰሎም እዩ። ከም ሓንቲ ሃገር ምስ ኢትዮጵያ ብሓደ ዓይነት ሓድነት ክነብሩ እንተደለዩ እውን ምርጫኦም እዩ። ህዝቢ ቢለን ምስ ህዝቢ ኣገው ክነብር ተደለየ ናቱ ምርጫ እዩ። ዓፋራውያን ምስቶም ካልኦት ኣብ ሰለስተ ሃገራት ተጎጂሎም ዝነብሩ ዘሎዉ ዓፋራውያን ክጽንበሩ እንተ መረጹ ናቶም ጉዳይ እዩ። ትግራዋይ ከበሳ ምስ ትግራዋይ ትግራይ ሓቢሩ ክነብር ተደለየ ከኣ ናቱ ምርጫ እዩ። ቤኒ ዓምር ምስ ከምኡ ዝኣመሰሉ ብሔራት ሱዳን ክነብር እንተደለየ’ውን ናቱ ምርጫ እዩ። ኩናማ ኤርትራ ከም ከምኦም ዝኣመሰሉ ኣህዛብ ኢትዮጵያ ክነብሩ እንተደለዩ ናቶም ጉዳይ እዩ። ብነጻ ድልዬትን ንቕሓትን እንተዘይኮይኑ ብሓይሊ ዝመጽእ ሃገርን ሓድነትን የልቦን።

ሓው ፕሮፌሶር ተኸስተ፡ ሃጠው ቀጠውካ ከንብብን ክምልስን ንባዕለይ ኣብ ሃጠው ቀጠው ኣትየ ንጓለይ ናብ ምሕባስ ክወስዳ ተማባጺዔላ ነቢረ’ስ ኣብኵርካና ብርቱዕ ኮርያ ኣላ። እቕረታ ክትሓታ ከኣ እጽበ። ንእገረ መገድኻ ከኣ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጸሪፍካዮን ኣስተናዒቕካዮን ኢኻ’ሞ፡ ኣብ’ቲ እቅርታ እንተትጽንብሮ ኣንበይጸላእኩን። የቐንየለይ።

ሓውኻ

ዳንኤል ተስፋይ

17.11.2012

ጀርመን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
58 COMMENTS
  • G November 19, 2013

    To put things in perspective… Tekeste is an Ethiopians and like many Ethiopians like him, he will continue to wish Eritrea to be part of Ethiopia; especially since he is a ‘wedi arba’a’

  • Keren November 19, 2013

    This is uncharacteristic of Daniel’s previous articles. This is too shallow, may be he wrote this in a hurray which is not a good excuse.
    Daniel needs to attach Tekeste’s article for all of us to read it and judge. Or, he needs to provide a translation, a link or or quote him, otherwise, Daniel’s article looks one sided and poor.
    Still, Daniel has every right to express his views, though this piece is far below any standard.

  • Rahwa G November 19, 2013

    Selam Daniel,

    You are excellent language expert. I have read most of your previous articles and found them very good. But this time you wrote your articles when you were in a disturbed state. Shallowness and emotions are vividly seen in it. Only those with inferiority complex rush for insults especially when they tries to attack academicians. You could have been a professor had you worked harder in your early days. Your reasoning here are not matured. I could mention many fallacies but let show one of your lame arguments. Remember that sneaking young boys for religious studies to Gondar and Gojam is different from officially sending the youngsters to this places. You know that since the last two decades, many popes, priests and deacons show more respect for any thing Egypt than Ethiopian Orthodox church. I could have a lot, but time is limiting.

  • Rahwa G November 19, 2013

    Daniel,

    You were lying when you wrote about the proportion of students going to higher education. It is as if you were arguing that more than 75% of the proportion for higher education enrollment should have been reserved for Eritreans. Deep inside you know that many kebesa people were privileged during Haile Selassie compared to other Ethiopians next to Amhara. What kind of personality do you have?

  • M Russian November 19, 2013

    The present and future of Eritrea is for Eritreans to decide, but Tekeste is a self declared Ethiopian and does not enjoy the privilege… If he was of the opinion that Eritrea was an integral part of Ethiopia was there a need for him to disown Eritrea in his 40s? But more importantly, and especially after his official disassociation, why the come back to repossess Eritrea? Eritrea is for Eritreans

  • ኣብ November 19, 2013

    ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ምሕባር የርብሕ ዝብል ርእይቶኻ ምስ ኣንበብኩ፣ ህሉው ቁጠባ፣ ሰላም፣ ሓይሊን ናይ ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ኣብ Google እየ ኣትየልካ፣ ነዚ ዝስዕብ ሓቤርታ ድማ ረኺበ፣
    1 ብዛዕባ ንቁጠባ ዝምልከት፣ ኢትዮጵያ ካብተን ሓንቲ ዝደኸየት ክፍሊ ዓለም ሙዃና ምስ ኣንበብኩ፣ ደሓን ጥሜትን ስደትን ስንና ነኺስና ንሓልፎ ኢሉ እዩ ዝኸውን ኢለ፣ ንሓሳብካ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትየዮ፣
    2. ብዛዕባ ንሰላም ዝምልከት፣ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ኲናት ዘይነበረሉ ግዜ ከም ዘየሎ፣ ክሳዕ ሕጂ `ውን ውሽጣዊ ኲናት ከም ዘሎ ምስ ኣንበብኩ እሞ፣ ሓቂ ሓይሽ ነዛ ሳልሰይቲ ነጥበይ፣ ኣብ Google ኣቲኻ ምድላይ `ውን ኣየድለየንን።
    3. ሓይሊ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ብዙሕ ወገናዊ ሓይልታት ዝተኻፋፈለ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ክኣ እትስራሕ ሓንቲ ዓረር ( ጥይት )`ውን የላን። በዚ ነጥቢ `ውን ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዋልታ ትኾነሉ መንገዲ ኣይተራእየንን።

    ኣይ እዝስ ረብሓ ንኤርትራ ኣይኮነን፣ ዳንኤል `ውን እዚ ጠፊእዎስ ኣይመስለንን፣ ካልእ ዘይተረደኣኒ ነገር ከይህሉ ኢለ ራብዓይቲ ነጥቢ ኣብ ምንዳይ እየ ኣትየ። ብዙሕ ከይጸናሕኩ እታ መልሲ ረኺበያ። ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ እንተ ሓቢራ፣ በቃ ህዝቢ ኤርትራ ቡን ከም ድላዩ ይሰቲ። ቀሲነ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓቢረን ክነብራ ድማ ርዒመ ተቀቢለዮ። ምናልባት ካልእ ዝረሳዕኩዎ ኣገዳሲ ነጥቢ እንተ ኣልዩ ድማ ምስናይ እቅሬታ።

    ቀጺለ ጽሑፍካ ምስ ኣንበብኩ ግን ኣይግድን ኮይኑኒ ክሳዕ ሕጂ ድቃስ ዝኸልእ ዕዮ ገዛ ኢኻ ሂብካኒ፣ ሓዘለይ በል፣

    እቲ ዝኾነ ዓሌት ምስ ንዓይ ይመስለኒ ዝበሎ ዓሌት ሓቢሩ ክነብር እንተ ደልዩ፣ ናቱ “መሰል” እዩ ዝበልካዮ ብሓጎስ እየ ተቀቢለዮ። ኣነ ንርእሰይ ካብ ዓሌት ብሌን ስለ ዝውለድ ምስ ኣገው ሓቢርና ንነብረሉ መንገዲ ኣብ ምስልሳል ብዙሕ ግዜ ወሲደ። መጀመርታ ካርታ ምድሪ ብሌንን ኣገውን ኣብ ሓንጎለይ ስኢለያ። በቃ ነገር ተወዲኡ ምድረ ኣገው-ብሌን ክንስርት ንኹሎም ኣነ ዝፈፍልጦም ብሌን ደዊለ ኣበሲረዮም። ክገርመካ ኩሎም መሰልና እንድዩ ኢሎም ብሓጎስ ተቀቢሎምኒ። ዝተረፈ ኣጻፊፈ ምሸት ክድቅስ ክብል እንከለኹ ተሌፎን ተደዊልኒ፣
    “ሃለው” ምስ በልኩ፣ ሓደ ብዙሕ ትምህርቲ የብሉን ኢለ ንዒቀ ከይደወልኩሉ ዝሓለፍኩ ብሌናይ ሰላም ከይበለ፣
    “ስለምንታይ ንዓይ ከም ህዝበይ ከማኽር ዘይደወልካለይ ” ኢሉ ዓው ዓው ኢሉለይ። ኣነ `ውን ብዘይ ቃል ዓለም፣
    ” እዚ ካብ ዓቅምኻ ንላዕሊ፣ ጉዳይ ምምስራት ሃገር ስለ ዝኾነ እዩ ዘይደወልኩልካ ኢለዮ”
    ” እሞ መሰለይ . . . . . ” ኢሉ ዘረባ ምስ ጀመረ ዘረባኻ ዘኪረ እቅሬታ ሓቲተዮ። ርእይቶኡ ክህብ መሰሉ ሙዃኑ ሓቢረ ድማ ዕድል ሂበዮ። እዚ ወጣም ብሌናይ ድምጹ ሓፍ ኣቢሉ፣
    ” እሞ ምስ ሓማሴንን ኣከለጉዛይን ትግራይን ካልኦትን ተሰማሚዕና፣ ቀጣን መንገዲ ኣውጺእና ዲና ሰንሒትን ምድሪ ኣገውን ከነራኽበን? ወይስ ኩላትና ብሌን ናብ ምድሪ ኣገው ከይድና መንበሪ መሬት ሃቡና ኢና ክንብሎም? ባንዴራና ክኣኒ ብሙሉኡ ሕብራ ብጫ ትኹን ዶ? ብዛዕባ ቁጠባና፣ ሓይሊ ምክልኻልና፣ ባጤራና፣ ሕጊ መንግስትና፣ ጎረባብቲ ሃገርና ከ ወዲእካዮ ዶ ኣለኻ?” ዝብሉ ሕቶታት ኣድራጋ ምስ ፈነወለይ፣ ርእሰይ ክዞሮኒ ጀሚሩ። ነዚ ብዙሕ ቀለም ዘይጸገበ ብሌናይ ኣብ መንጎ ዘረብኡ ከም ዝቋርጽ ጌረ፣
    ” እዚ ኩሉ ንዳንኤል ሓቲተ መልሲ ክህበካ እየ” ኢለ ተሌፎን ኣብ እዝኑ ገው ኣቢለ ዓጽየያ። ሃየ ዳንኤል ናባኻ እዩ እቲ መልሲ፣ ኣነ እሞ ምድረ ኣገው-ብሌን ከይመስረትኩ ኣይክድቅስን እየ።

    እንተ ነቲ 99.98% እወ ንነጽነት ኢሉ ዘድመጸ፣ ዳንኤል መሰልኩም ከይፈለጥኩምን ኢኹም ጌርኩሞ፣ መሰል ዳንኤል ክትሕልዉ ሓስብኩም ቀዪሩ ክብለልካ እየ።

    መልእኽተይ፣ ኣብ ባይታ ክትግበር ዘይክእል ነገር፣ መሰል ኢልካ ናይ ዝሓንጸጽካዮ ብልሂ ኣይገብረካን እዩ። መሰለይ ዘይኮነ ኸ እንታይ እዩ ኢልካ ሓሲብካ ትፈልጥ ዶ? ምናልባት ኣምላኽ ናይ ሙዃን መሰል. . . .

    • daniel s. tesfai November 20, 2013

      ኪር! ኪር ! ኣቀራርባኻ ደስ ኢሉኒ። ሳላ ጉግል ዘይተሳእነ ዘየሎ እቲ ሓድንት ኣጎውን ቢለንን ኣብ ኢንተርነትን ብኢንተርነትን’ዶ ኪካየድ ኣንበይተኻእለን ትብሎ! … እቲ ኣባህላ ኵሉ ጠበቃ ህዝቢ’ዬ በሃሊ ንህዝብን መሰላቱን ረሲዑ ዘህተፍትፍ ዘሎ ኴይኑ ስለዝተሰመዓኒ እዬ ብዛዕባ መጻኢኡ ናይ መጠረስታ ወሳኒ ንሱ ህዝቢ ንስለ ምዃኑ ንምግናግ እዩ ነቲ ሓሳብ ብከምቲ ዝቐረቦ ከቕርቦ ዝደለኹ። እታ ብገዛእቲ ተጠፍጢፋ ዝተሰርሐት ሰብ ሰርሖ ኤርትራ፡ ሽሕ’ኳ ኣብ ገድሊ ሓድነት ህዝቢ ክድልድል ኪኢሉ እንተነበረ፡ ሕጂ ሳላ ኢሳያስ ኣብ ሕድሕዱ መንፈሱ ኣዝዩ ዝተፈናተየ ኴይኑ ይስምዓኒ። ነቲ ኢሳያስ ዝፈናተዮ ንምዕራይ ከኣ ኵሎም ብሔራት ኤርትራ ብነጻ ክዝትዩን ድልዬቶም ክመርጹን ክግበር ይግባእ በሃሊ እዬ። እንትምንታይ፡ ሓደ ህዝቢ ሓደ ሃገር ኢና ኢልካ ኣንጻር ድልዬት ህዝቢ ቀዋዊ ሓድነት ህዝቢ ክረጋገጽ ስለዘዝከኣል። እሞ ህዝቢ ቢለን ሓድነት ኣገው ንደሊ እንተበለኸ? ኣነ መሰልካ እዩ እዬ ዝብሎ። እቲ ተክኒካዊ ሽግር ሓድነቱ ናቱ ጉዳይ እዩ። መልሰይ ተግባራዊ ኣይኮነን መትከላዊ ግን እዩ። ክሳብ ናይ ምፍላይ መሰሉ ዝተሓለወሉ ህዝቢ ግን ክፍለ ዝመርጽ ኣይመስለንን። ‘ዲኖክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓድነት ኣገው’ ከመይ ከምዝማዕበልት ክትሕብረኒ እትስፎ። ኣነ’ውን ሃገራዊ ዲሞክራስያ ምንቅስቓስ ህዝቢ ሎጎ መስሪተ ነቲ ከይተሓተ ናብ ሓማሴንን ሰራዬን ኣከለ ጉዛይን ዝተመቓቐለ ህዝቢ ሎጎጭዋን ሎጎ ሳርዳን ኣኪበ ምስ’ቲ ኣብ ጎንደር ዝተረፈ ህዝቢ ሎጎ ሓድነት ክምስርት እደሊ ኣሎኹ’ሞ ተሞኵሮኻ ክጠቕመኒ እዩ።

  • Kalighe November 19, 2013

    Some facts about Ethiopia and (Tigray in particular):

    – The single most important change in Ethiopia’s recent history is ethnic Federalism.
    – Over all, this has brought peace to many Ethiopians, but it far from being perfect.
    – There are armed conflicts in some parts of Ethiopia but rarely reported in media.
    – Tigray has benefited a lot from being the most important party in the ruling coalition.
    – Economically, Ethiopia has done relatively well, but poverty is still everywhere.
    – Democracy is only in Addis Abeba, elsewhere these is little freedom.
    – In Tigray, Weyane are the only allowed party, those who disagree with it keep silent.
    – In Oromo lands, the situation is much worse, killing and disappearances are frequent.
    – In Ogaden the Chinese are looking for oil, but because of insurgency cannot work.
    – Ethiopia occupies parts of Somalia and supports a moderate Mulism (Ansar) armed groups.
    – Generally speaking the political situation in Ethiopia is not so stable.
    – If the ruling coalition loses election (which is mostly unlikely) the system will halt.

  • Truly truly i say to you November 20, 2013

    In deed it is necessary before any judgment to hear what the so called profesor to what as hsaid, but i trust Daniel Semere Tesfay as he not false informed us about the socalled profesor point of views. Myself let alone this unknown professor; i many times heard alike known proffesors like Prof. Tesfazion Medhane when they preaching about federation and confederation as means of solution for Ethio- Eritrea conflict. My goodness! Does he mean in otherworld all this sacrifice was for nothing? And how can someone after Eritrea got its independence; only because by internal and external enemy forces deliberetly because abused and denied , our people barbarically because oppresseing and exterminating by mercenary president, our economy because systematically stealing and destroying, and our nation purposely from world because isolating; the socalled professor thinks Eritrean will chose now Federation or confederation? This and alike professors should be perverse! If they think the more people getting hard, wounding and oppressing they will kneel down and inforce for compromising ask federation or unity? Do they think real Eritreans are brainless (fool)that much ? Unity only thinkable through love, good brotherly neighborhood relationship,and when the nation ecnomy develop and when people consciousness cultivate is only like the brilliant Daniel Semere pointed, not vice verse. You hypocrite sadists!

    • daniel s. tesfai November 20, 2013

      Those who are interested to read t Pro. Tekeste’s interview about the abolishion of the Ethio-Eritrean border personally, please go to: “የኢትዮ-ኤርትራ ችግር መፍትሔ ድንበር ማስመር ሳይሆን ድንበር ማፍረስ ነው። http://www.addisadmassnews.com” Thank you.

  • Truly Truly i say to you November 20, 2013

    In deed it is necessary before any judgment to hear what the so called profesor to what has said. But i trust Daniel Semere Tesfay as he not false informed us about the socalled profesor point of view. Myself let alone this unknown professor; i many times heard alike known professors like Prof. Tesfazion Medhane when preaching about federation and confederation as means of solution for Ethio- Eritrea conflict. My goodness! Does he mean in otherworld all this sacrifice was for nothing? And how can someone after Eritrea got its independence; only because by internal and external enemy forces deliberetly because people basical right abused and denied , our people barbarically because oppressing and exterminating by mercenary president, our economy because systematically stealing and destroying, and our nation purposely from world because isolating; the socalled professor thinks Eritrean will chose now Federation or confederation? This and alike professors should be perverse! If they think the more people getting hard, wounding and oppressing they will kneel down and inforce for compromising to ask federation or unity? Do they think real Eritreans are brainless (fool)that much ? Unity only thinkable through love, good brotherly neighborhood relationship,and when the nation ecnomy develop and when people consciousness cultivate is only like the brilliant Daniel Semere pointed, not vice verse. You hypocrite sadists!

  • daniel s. tesfai November 20, 2013

    Those who are interested to read Pro. Tekeste Negash’s interview about the abolishion of the Ethio-Eritrean border personally, please go to: “የኢትዮ-ኤርትራ ችግር መፍትሔ ድንበር ማስመር ሳይሆን ድንበር ማፍረስ ነው። http://www.addisadmassnews.com” Thank you.

Post a Reply to Fthi Cancel Reply