Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅልዕቲ ደብዳቤ

ቅልዕቲ ደብዳቤ ክቡር ፕሮፍ. ተኸስተ ነጋሽ፣ ሰላም። ምስ ሓደ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛ ዝገበርካዮ ንዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ቃል መሓትት ተገዲሰ ኣንቢበዮ። እቲ ምሉእ ሓሳብካ ቅድሚ ሕጂ ዲክታቶርያዊ ገዛእቲ ኢትዮጵያን ኣመኽነይቶም ሊቃውንትን፡ ንስኻ ንገዛእ ርእስኻ’ውን፡ ሽሕ ጊዜ ዝደጋገምዎን ኴይኑ ሓደስቲ

ቅልዕቲ ደብዳቤ

ክቡር ፕሮፍ. ተኸስተ ነጋሽ፣

ሰላም።

ምስ ሓደ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛ ዝገበርካዮ ንዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ቃል መሓትት ተገዲሰ ኣንቢበዮ። እቲ ምሉእ ሓሳብካ ቅድሚ ሕጂ ዲክታቶርያዊ ገዛእቲ ኢትዮጵያን ኣመኽነይቶም ሊቃውንትን፡ ንስኻ ንገዛእ ርእስኻ’ውን፡ ሽሕ ጊዜ ዝደጋገምዎን ኴይኑ ሓደስቲ ሓሳባት ስለዘይነበርዎ ቀልጢፉ ኣሰልችዩኒ። ሓደ ሊቅ’ስ ሓዲስ ሓሳባት እንተዘይህልዎ ንነፍሱን ንካልኦትን ንምድጋም ስለምንታይ ንሊቃውንቲ ከናፍሩ ይኸፍተን ኢለ፡ ኣነ ጅግና መዓንጣይ ሸጥ ኣቢለ ክሳብ ናይ መወዳእታ ኣርባዕተ ነጥቢ ኣንቢበ። ድምጽማጽ ሓዲስ ሓሳብ ኣይረኸብኩን። ነታ ናብ ምሕንባስ ክወስካ ትርብሸኒ ዝነበረት ሳራ ጓለይ ሓደ ጻዕዳ ወረቐትን መደምሰስን ሂበ ነቲ ሕንጻጽ እስከ ደምስስዮ በልኩዋ። ኣዕይንታ ኣፍጢጣ ነየናይ ሕንጻጽ? በለትኒ። ፕሮፌሶር፡ ንእሽቶይ ህጻን ንዝተገንዘበቶ ሓቂ ከመይ ክትግንዘቦ ኣይከኣልካን ገሪሙኒ። ዘይተሓንጸጸ ዶብ’ስ ከመይ ይድምሰስ? ንኤርትራ ከም ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ድኣ’ምበር ከም ነጻ ልዑላዊት ሃገር ጠቒስካያ ኣይትፈልጥን ኣብ ኣእምሮኻ ሕንጻጽ ዶብ የሎን እሞ ነየናይ ዶብ ኢኻ ክትድምስስ ደሊኻ? ዶብ ክትድምስስ ዋና ስርሐይ እዩ ኢልካ እንተወሲድካዮ ከኣ ፈለማ ዶብ ምንባሩ ክትቅበል ይነብረካ። ሕጂ ሕጂ፡ ፈቲኻ ኣይፈቲኻ፡ ኤርትራ ብገዛእ ርእሳ ዝሓደረት ናጻን ልዑላዊትን ሃገር ምዃና ክትኣምን ይግብኣካ። ካብ’ዚ እምነት’ዚ ዘይተበገሰ ንሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሓደ ዓይነት ሓድነት ከምጽእ ዝፍተን ኵሉ ሃቐነ ወዳቂ ምዃኑ ከም ፕሮፌሶር ታሪኽ ካብ ታሪኽ ኣይተመሃስርካን። ንሰረገላ ቅድሚ ፈረስ ኣቐሚጥካ ምግላብ ናብ ዝኾነ ሸቶ ኣየብጽሕን። ቀዋሚ ሓድነት ኣህዛብ ብውግእ፡ ብውዲት፡ ብፕሮፓጋንዳዊ ስነሽበራ ኪመጽእ ከምዘይክእል ታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣረጋጊጽዎ እዩ። “ … ኢሳያስ ብህይወት ክሳብ ዘሎ ክገዝእ እዩ። ድሕሪ ኢሳያስ ከኣ ኤርትራ ከም ሶማል ክትበታተን እያ!” ዝበሉ ትንቢታትካ ኒሕን ንያትን ህዝቢ ኤርትራ ክቐትሉ ዝኣደኑ ፍሉጣት ሜላታት ስነኣእምሮኣዊ ሽበራ እዮም።

ነቲ ባህሊ ኤርትራዊ ትግራዋይ (ትግርይና ተዛራቢ ህዝቢ ከበሳ) ገና ኢትዮጵያዊ ባህሉ ኣየጥፍአን ዝበለ ሓሳብ ሰንዚርካ። ሕጅ’ስ ናብ ተራ ዕላል ቡን ወሪድካ ፕሮፌሶርነትካ ክጠራጠሮ ጀሚረ። ፈለማ፡ ኢትዮጵያዊ ባህልታት ድኣ’ምበር ኢትዮጵያዊ ባህሊ ዝበሃል ነገር የሎን። ነቲ ኣምሓራዊ-ትግራያዊ ባህሊ ማለትካ እዩ ዝኸውን። እዚ እንተላይ ባህሊ ኤርትራዊ ከበሳ እዩ’ሞ ስለምንታይ ነዚ ባህሊ’ዚ ናብ ኢትዮጵያ ባህሊ ጥራሕ ሰሪሕካዮ? እቲ ምሉእ ታሪኽ ኣኽሱም’ውን እንተላይ ታሪኹ እዩ። እሞ ድሕሪ ነጻነት’ስ ሓዲስ ዘይነበረ ባህልን ታሪኽን ዘይመሃዘ ዲኻ ደሊኻዮ!?

ህዝቢ ቢለን ኣጎው ምዃኑ ይኣምን ትብል። እወ፡ ምንጩ ኣገው እንድዩ። ምንጩ ዘይከሓደ ዲኻ ደሊኻዮ? እወ፡ ቢለን፡ ኤርትራዊ ኣገው እዩ። እንታይ’ሞ? እዚ ህዝቢ’ዚ ከም ዝኾነ ካልእ ብሔር ኤርትራ ኣብ ኤርትራውነቱ ይኣምን። ብመጠን ብዝሒ ህዝቡ ከኣ ካብ ዝኾነ ካልእ ብሔር ኤርትራ ንላዕሊ ንናጽነት ኤርትራ ተጋዲሉን ተሰዊኡን እዩ። ቢለን ኣጎዋዊ ኤርትራዊ ብሔር እዩ።

ኦርቶዶክሳዊ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ተመሃሮኣ ብምስጢር ናብ ጎንደር ትልእኽ ኢልካ። በዚ ኣቢልካ ድማ ፡ኤርትራ፡ ብመንፈሳዊ ሸነኻ’ውን ርእሳ ኣይከኣለትን ጽግዕተኛ ኢትዮጵያ እያ ንምእማት እዩ። ወይ’ውን ከም  መረጋገጺ ኢትዮጵያውነት ኤርትራ ወዲድካዮ ትኸውን። እቲ ኦርቶዶክስያዊ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ገና ውልዶ ኮይኑ ተማሃሮኡ ናብ’ቲ ምዕቡልን ምኹርን ቤት ትምህርታት ክህነት ኢትዮጵያ እንተሰደደ’ስ እንታይ’ዩ? ስለምንታይ ክንድ’ዚ ናብ ባይታ ቀንጠ መንጢ ወዲቕካ ፕሮፌሶር? ንስኻ’ውን ንታሪኽ ሃገርካ ኣብ ኣውሮጳ  እንዲኻ ተማሂርካዮ? መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ትምህርቱ ከም ተሓጋጋዚ መምህር ኣይመስለንን። እታ መልሓስ ምሁር ኤርትራዊ ንጥቕማ መቐመጫታት ክትልሕስ ኣመል ስለ ዝኾና ጥራሕ እዩ። ዶስ … ? ብቕዓትካ መዚነ ግን ገለ ፖለቲካዊ ባእታት ዝረቝሑኻ መምህር ድኣ’ምበር እቲ ኣካደምያዊ ዩኒቨርሲቲ ብክእለትካ ዝሓረየካ  ኣይመሰልካንን።  ንከብዲ ምላሽ ዝሰርሕ ፖለቲካዊ  መሳርሒ ድኣ’ምበር ኣይመምህርን።

ነቲ ኣብ ሞንጎ መንግስታት እትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ዝተኻየደ መዓት ህዝቢ ዝሓለቐሉ ውግእ፡ ውግእ ኣሕዋት እኳ ኣይበልካዮን ውግእ ሕውነት እዩ ኢልካ ከተናእሶ ፈቲንካ። ሕውነት ካብ መዓስ እዩ ዝተዋግአ? ሕውነት የላዝብ እምበር ክሳብ ፈጺሙ ከጽንት ኣይሕልንን። መንግስታት ሃይለ ስላሴን መንግስቱን ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ከጽንቱ እዮም ተላዒሎም ነቢሮም። “ኤርትራ፡ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን!” ኢሉ ዝተዋግአን’ስ ኣብ ከጽንተኒ ዘይክእለሉ ደረጃ ምስ ኣብጻሕኩዎ፡ ዘይ’ከ ሓወይ እዩ ነቢሩ! ኢለ፡ ብከም’ዚ ብቐሊሉ እቅረታ ክገብረሉ ኣይትጸበየኒ። ርትዓዊ ሰብ ድኣ’ምበር ጻድቕ ኣይኮንኩን።  ኣብ ክሳብ ክንድዚ ምቅታል ዝበጽሑ ኣሕዋት፣ ኣሕዋት ምዃኖም ዝቐበሩ ኣሕዋት እዮም። ሕውነቶም ደጊሞም ኪምስርቱ እንተደለዪ ከኣ ብከምዚ ሃታሃታን፡ ምድንጋርን ምፍርራሕን፡ ቀቢጸ-ተስፋነት ብምስፍሕፋሕን፡ ሃሮር! ንሕና ማዕቢልና ንስኻትኩም ንድሕሪት ቀሪኹም ኢልካ ብምቕናእን ምስትንዓቕን ዝፍጸም ኣይኮነን። እዚታት ኣብ’ቲ ህልኻዊ ስነኣእምሮ ኤርትራውያን መሊሱ ህልኽ ዝፈጥር ከንቱ ፈተነ እዩ። ፕሮፌሶር፡ ኣብ’ቲ ዘይነበርካዮ ውግእ ብርቱዕ ስምዒታት እዩ ተፈጢሩ። ሕውነት ናብ ድቕ ዝበለ ጽልኢ እዩ ተቐዪሩ። ኣብ’ታ ወርቃዊት መንበር ሊቅነት ተቐሚጥካ ዝኾነ መጽናዕቲ እንተኣካየድካ፡ ነቲ ዝተቐየረ ስምዒት ፈጺምካ ክትርድኦን ክትግንዘቦን ኣይትኽእልን። እዚ፡ ኣብኡ ብምውዓል ድኣ’ምበር ብመጽናዕቲ ዝግንዘብ ፍልጠት ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ኵሉ’ቲ ግጉይ ፖለቲካዊ/ማሕበራዊ ርእይቶታትካ ኣብ’ኡ ብዘይምውዓልካ ኣብ ነፍስኻ ብዝፈጠርካዮ ስክፍታ(ኣበራዊ ስምዒት) ዝተሰርሐ ከይከውን እትስፎ።

ኣብ’ቲ ምሉእ ዘረባኻ ብዘይካ ኣቃባጣሪ ተራ ዕላል ቡን ዕቱብን ሃናጽን ንወርትግ ጠቓምን ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ኣይረኸብኩን። ኤርትራ’ስ ያኢ ብፍሉይ ኣይተወጽዐትን ንምባል እዩ እመስለኒ፡ 25% ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኤርትራውያን ነቢሮም ትብል። እዚ ኣብ መንፍዓት ተመሃሮ ዝተመርኮሰ ዘይኮነስ መንግስቲ ዝወሰኖ ኮታ እዩ ነቢሩ። እቶም ዝተረፉ 75% ካብ ሚእቲ’ከ እንታዎት ነቢሮም? እስከ ብግምት  ገለ 15% ትግራዎት ትግራይ፡ 5% ኦሮሞን ካልኦትን እንተ ነበሩ እቲ 50% ኣምሓራይ እዩ ነቢሩ። ትፈልጥ’ዶ ፕሮፌሶር ብዙሓት ብኵሉ ዓይነት ትምህርቲ ኣዝዮም ትኵራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ተመሃሮ ብኣምሓርኛ ጥራሕ ወዲቖም ኣብ ሃይለ ስላሴ ዩኒቨርሲቲ ክጽንበሩ ስለዘይከኣሉ ናብ ናይ ካርቱምን ካይሮን ዩኒቨርሲታት ከም ዝኾብለሉ? እቲ ትምህርተ ኣምሓርኛ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝጀመረ ኤርትራዊ፡ ምስ’ቲ ኣምሓርኛ ቋንቋ ኣዲኡን ቋንቋ ትምህርቱን ዝነበረ ሓደ ዓይነት ፈተና ኣምሓርኛ ክፍተን’ስ ቅኑዕ’ዶ ይመስለካ? ንስኻ ኣብ ጂማ ዓቢኻ እቲ ሽግርና ኣይነበረካን፣ ስለ’ዚ ከኣ እቲ ሽግር ኣይረኣየካን፡ ኣይግደሰካን። እቲ ናብ ሃይለ ስላሴ ዩኒቨርሲቲ ከይትኣቱን፡ ትምህርትኻ ከኣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ (ሳንታ ፋሚልያ) ክትቅጽሎን ዝገደደካ ምኽንያት ውድቀት ኣምሓርኛን ፍትወት ህዝቢ ኣስመራን ኣይመስለንን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ፕሮፌሶር ረኺበ ኢሉ ነቲ ኵሉ ዘርባዕባዕካ ሓቂ መሲልዎ ከም ፖሊሲ ከይጥቀመሉ እፈርሕ። ኣንጻር ሓድነት ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጽያን ኣይኮንኩን። እኳ ድኣ ዋና ደጋፊኡን፡ ደጋፊ ካብ’ኡ ንዝዓበየ ሓድነት ኣህዛብ ምስራቕ ኣፍሪቃን እዬ’ውን። ብልጽግናን ምዕብልናን እዚ ኣህዛብዚ ኣብ ግዙፍ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሓድነታት ከምዝምስረት ጽኑዕ እምነት ኣሎኒ። ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ካብ ኣብ ዕንጭቝሊት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ኢትዮ-ኤርትራ ብኵሉ ሸነኻቱ ከም ዝጥዕሞ እፈልጥ። እንተኾነ እዚ ሓድነት’ዚ ብምሉእ ድልዬትን ንቕሓትን ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ክውሰን ኣሎዎ በሃሊ እዬ። ውጽኢቱ ኣዎንታውን ነባርን ምእንቲ ክኸውን ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ዝስዕቡ ክፍጽም አማሕጽን።

ቀዳማይ፣ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምቲ ኣህሩራዊ ሕግን ቤት ፍርድን ዝበየንዎ ክፍጸም ይግብኦ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ነዊሕ ጊዜ ዝተሰርሐ ጽልእን ዘይትምትእምማንን ከዓሪ ይኽእል። ኢትዮጵያ፡ ነቲ ንኤርትራ መሬታ ዝኾነ፡ 25 ትርብዒት ኪሎሜተር ዘይኣክል ዶራን መሬት እንተመለሰት፣ እንትርፎ ገለ ስምዒታት ህዝቢ ትግራይ ኢትዮጵያ ክትንከፍ፡ ነታ ግዝፍቲ ኢትዮጵያ ዝጎድለና ኣይምነበረን። ንኤርትራውያን ግን ዓቢዪ ስምዒታዊ ትርጕም ምነበሮ። ንኢትዮጵያ ድማ ሳንቲም ከፊልካ ኣቕራሽ ምኽሳብ ምኾነ።

ካልኣይ፣ ሕጋዊ መሬት ኤርትራ ተመሊሱ እቲ ዶብ ብንጹር እንተተሓንጸጸ፡ እቲ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣብ ስነ ኣእምሮ ኤርትራውያን ዝሰኣሎ ምስሊ ናይ ሓሶት ጸላኢ ኣልጊሱ ዘፈራርሓሉ ወድዒ ምሰኣነ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ቃልሱ ኣብ ምልጋስ’ቲ ዲክታቶር ከተኵር ምኸለ። እዚ ከኣ ንሰላማዊ ዝምድናን ምትዕራቕን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምቅልጣፍ መገልገለ።

ሳልሳይ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ዓመጻውን ኢድወነናውን ምእታው ኢድ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኤርትራ ክቍጠብ ይግብኦ። እዚ ነቲ ድሮ ክሳብ ዓንቀር ዒቕ ዝበለ ጽልእን ዘይምትእምማንን ዘገንፍልን ንጥቕሚ ኢሳያስ ከኣ ዝሰርሕን እዩ። ብኣንጻሩ፡

ራብዓይ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን ሰደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያን ንመሰላቶም ከኽብር ይግብኦ። እዚ’ቲ ቅኑዕ መገዲ ምምላስ ሕውነት ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ምኾነ።

ሓሙሻይ፣ ምድጋፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተቛወምቲ ኤርትራውያን ካብ ቅኑዕ መንፈስ ዲሞክራስያውነትን ሕውነትን ሓባራዊ ረብሓን ድኣ ክብገስ ይግብኦ’ምበር ካብ ከም መሳርሒ መሳለጢ ፖለቲካዊ ኣጀንዳኡ ክብገስ  ኣይግብኦን። እቲ ኤርትራዊ ህልኸኛ እዩ ኢልና እንዲና … ። ካብ’ቲ ዓቢዪ ሓውና ህዝቢ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ልቦናን ወሃቢነትን ትዕግስትን ንጽበ። ኵሉ ዓይነታዊ ዕብዬቱ ከኣ ነዚኣቶም ክኸፍል ዘኽእሎ እዩ።

ሻዱሻይ፣ ንመጠረስታ፡ ቀጥታዊ  ወሳኒ መጻኢ ዕድሉ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ፖለቲካዊ ውድባትን ፖለቲከኛታትን ሊቃውንትን ኢትዮጵያን ኤርትራን ክኣምኑን ክቕበሉዎን ይግብኦም። ድሕሪ ነጻነት ካብ ዲክታሮርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ህዝቢ እንታይ ከምዝደሊ ክሕተትን ባዕሉ ክውስንን ይግብኦ። ኣህዛብ ኤርትራ ብሓደ ዓይነት መልክዕ ሓድነት ኣብ ሓንቲ ኤርትራ ክነብሩ እንተደለዩ መሰሎም እዩ። ከም ሓንቲ ሃገር ምስ ኢትዮጵያ ብሓደ ዓይነት ሓድነት ክነብሩ እንተደለዩ እውን ምርጫኦም እዩ። ህዝቢ ቢለን ምስ ህዝቢ ኣገው ክነብር ተደለየ ናቱ ምርጫ እዩ። ዓፋራውያን ምስቶም ካልኦት ኣብ ሰለስተ ሃገራት ተጎጂሎም ዝነብሩ ዘሎዉ ዓፋራውያን ክጽንበሩ እንተ መረጹ ናቶም ጉዳይ እዩ። ትግራዋይ ከበሳ ምስ ትግራዋይ ትግራይ ሓቢሩ ክነብር ተደለየ ከኣ ናቱ ምርጫ እዩ። ቤኒ ዓምር ምስ ከምኡ ዝኣመሰሉ ብሔራት ሱዳን ክነብር እንተደለየ’ውን ናቱ ምርጫ እዩ። ኩናማ ኤርትራ ከም ከምኦም ዝኣመሰሉ ኣህዛብ ኢትዮጵያ ክነብሩ እንተደለዩ ናቶም ጉዳይ እዩ። ብነጻ ድልዬትን ንቕሓትን እንተዘይኮይኑ ብሓይሊ ዝመጽእ ሃገርን ሓድነትን የልቦን።

ሓው ፕሮፌሶር ተኸስተ፡ ሃጠው ቀጠውካ ከንብብን ክምልስን ንባዕለይ ኣብ ሃጠው ቀጠው ኣትየ ንጓለይ ናብ ምሕባስ ክወስዳ ተማባጺዔላ ነቢረ’ስ ኣብኵርካና ብርቱዕ ኮርያ ኣላ። እቕረታ ክትሓታ ከኣ እጽበ። ንእገረ መገድኻ ከኣ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጸሪፍካዮን ኣስተናዒቕካዮን ኢኻ’ሞ፡ ኣብ’ቲ እቅርታ እንተትጽንብሮ ኣንበይጸላእኩን። የቐንየለይ።

ሓውኻ

ዳንኤል ተስፋይ

17.11.2012

ጀርመን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
58 COMMENTS
  • fithawi November 18, 2013

    Dear Daniel,
    You have every right to disagree with any idea where ever it comes from. But no body has the right to underestimate, insult or himulate others for having different opinion. Hit the nail but not the wood.

  • Elias Maeruf November 18, 2013

    I wonder why Eritreans lack the culture of entertaining diverse ideas and opinions. Like any ordinary citizen, the professor has the right to suggest on any issue concerning his country. When it comes to relations between Ethiopia and Eritrea, the Ethiopian foreign policy document clearly states that the contribution of Eritrea to Ethiopia’s economic development is insignificant except that the use of Eritrea’s ports can add up to the efficiency of its economy. In fact, the reality during the last 20 years indicate that Ethiopia can thrive well in the absence of Eritrea and that it has ample port options. Thus, it is up to Eritrea to prove to the world that it can do fine without its neighbors. At a time when countries are talking about economic and political integration, its shameful to see Eritreans making themselves busy with issues of arrogant national identity and chauvinism.

  • Tes November 18, 2013

    Dear Assenna,

    I am sure this article has been slipped under your radar. I don’t think this is right. This kind of posting will trash this wonderful web in to the level of Meskerme.net. Individual who have personal grudge the have to do it in other own way not on this site. This website has a mission and this is contrary to its mission.

    • daniel s. tesfai November 19, 2013

      ብዛዕባ ኣባ ጨጎራታት
      ንኵልኹም ኣብ ልዕሊ’ቲ ዓንቀጽ “ቅሉዕ ደብዳቤ ንፕሮፌ. ተኸስተ” ዘንበርኩሞ ርእይቶን ትዕዝብትን አመስግነኩም። ኣብ ገለ ካብ ርእቶታትኩምን ኣነ’ውን ገለ ትዕዝብትታት ስለዝገበርኩ ከካፍለኩም እፈቱ።
      1. ብዛዕባ መሰል ሓሳብ ምግላጽ፣ ብዙሓት ኣነ ንፕሮፌ. ተኸስት ሓሳባቱ ብምስትንዓቕ ሓሳቡ ከይገልጽ ከም ዘጻገምኩ፡ ከም ዝደረኽኩ፡ ከም ዝገሰጽኩ ኣምሲልኩም ጽሒፍኩም። ኣሽንኳይዶ ንፕሮፌሶር ዝኣመሰለ ሊቅ’ስ ንህጻንኳ ሓሳባቱ ከም ድልዬቱ ክገልጽ ዘተባብዕን ሓሳባቱ ዘኽብርን እዬ። ፕሮፌሶር ከኣ ሓሳባቱ ገሊጹ እዩ። ኣነ’ውን ንሓሳባቱ መሊሰሉ። እቲ ቀንዲ ነቐፌታ ሓሳባትካ ብኣኽብሮት ዘይመለስካ! እዩ ይመስለኒ። መልሰይ፡ ብኣኽብሮት ሓሳቡ ንዘቕረበ ብኣኽብሮት እምልሰሉ፣ ኣስተናዒቑ ሓሳቡ ንዘቕረበ ከኣ ኣስተናዒቐ እምልሰሉ እዩ። ኣነ ብርትዕን ወንን ዝተሰራሕኩ ተራ ንቡር ሰብ ድኣ’ምበር ጻድቕ ኣይኮንኩን። ድሑር ወዲ ሃሙራቢ! ትብሉኒ ትኾኑ። እወ፡ እዬ። ቅድሚ ብዛዕባ ስድነተይ ምምጽዳቕ ግን እቲ ፕሮፌሶር ዝበሎን፡ ወርትግ ዝብሎን ብኸመይ ከምዝበሎ እንተትሰምዑን እንተተንብቡን ኣባህላኹም ርትዒ ምነበሮ። ንመጻኢ ግን ብስምዒት ካልኦት ተጎሲሰ ከይከይድን ክምዕብልን ክጽዕር’ዬ።
      2. ሓደ ኣብ ጎናይ ስም ዝተሓብአ ፍሉይ-ጎራሕ’ዬ በሃሊ ከኣ ከምቲ ኣነ ዝጸሓፍኩዎ ዝዓይነቱ ጽሑፍ ከመይ’ሉ ኣብ ኣሰና ክጽሓፍ ተፈቒዱሉ ኢሉ ንኣሰና ኣጓጢጡን ተወራዝዩን። “ኣሰና ካብ ተልእኾኡ የንዛሕጥ ኣሎ፡ ናብ ደረጃ መስከረም ኮም ይወድቕ ኣሎ” ኢሉ ነቲ ወብ ሳይት ብላክመይል ክገብሮ ፈቲኑ። ኣሰና እንታይ ግዲ እዩ ሚስዮኑ? ሚስዮን ኣሰና ኵሉ ሓሳባት ዘሎዎ ሓሳባቱ ክገልጽን፡ ኵሉ መልሲ ዘሎዎ ክምልስን፡ ሓሳብት ክዓኩን፡ ሓቂ ክትደምቅን ባይታ ምፍጣር እዩ። ኣሰና ካልእ ተልእኾ የብሉን። ነዚ ድማ ይገብር ኣሎ። ንስኻ፡ ተስ. ግን ንኣሰና ሚስዮንካ ከተግብር ትህውጾ። ሽጣራኻ ደርሆ’ውን ፋሕቲራ እተውጾ እዩ። ንኣሰና’ኮ ሰንሱር ክጥቀም፡ ንዓኻ ንዘይተፈተወካ ሓሳብ ክኽልክል ኢኻ ሃዊኽካዮ። ርእይቶኻ ብዛዕባ ነጻናት ሓሳባት ኮይንዎ እዚ ድዩ? ሓደን ክልተን ኢሉ ዝትንትን ሓሳባት ኣየቕረብካን። ኣሰና’ስ ወዮ’ኳ ንርእይቶኻ ሓቲምዎ! ብሓቂ ክብለካ ተስ.፡ ንስኻ ሓደ ካብ’ቶም መን ከይበሃሉ መንነቶም ሓቢኦም፡ ኣብ ጸልማት ተሓቢኦም ዝጽሕጽሑ ጃጀውቲ ሕቡኣን ኢኻ። መንነት የብልካን። ጸሪፍካኒ ኣይትበል እዚ ጭቡጥ ሓቂ ስለዝኾነ ገሊጸካ ጥራሕ እዬ። ትኵር፡ ደፋር እንተዝብለካ እዚ ጸርፊ ምኾነ። ኣባ ጨጎራ’ውን ከም’ኡ። እስከ ማስኬራኹም ቀሊዕኩም ተዛረቡ!
      3. እቲ ነቶም ብቕዲ ኣጸሓሕፋይ ኣምሲሎም ቀንዲ ዝሓረቑ እቲ ቅድሚ ዶብ ምድምሳሱ፡ ነጻ ምኽፋቱ … ፡ ፈለማ ክሕንጸጽ ኣሎዎ ዝበለ ሓሳበይ እዩ። ካብ’ዚ ተበጊሶም ከኣ ጸቢብ ሃገራዊ፡ ሾቪንስታዊ፡ ላህመታዊ … ዝኣመሰሉ ቅጽላት ኣሰኪሞሙኒ። ነቲ “ኣነ ኣሽንኳይ’ዶ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ስ፡ ዶብ ምሉእ ምስራቕ ኣፍሪቃ’ውን ክድምሰስ ደጋፊኡ እዬ” ኢለ ንዝጸሓፍኩዎ- እውነታዊ እምነተይ ድማ’ዩ- ክርእይዎን ክሰምዕዎን ኣይደለዩን በታ “ፈለማ ግን ዶብ ክንጸር ኣሎዎ” እትብል ቅድመኵነት ዓዊሮም። ትግራይ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኴይናን ንኢትዮጵያ እንዳመርሐትን ኣብ ሞንጎኣን ኣብ ሞንጎ ካልኦት ኣውራጃታት ኢትዮጵያን ዝነበረ ዶብ ክንጸር ኣሎዎ ኢላ፣ ነቲ መሬታ ነቢሩ’ስ ብዓመጽ ብዎሎን ጎንደርን ተወሲዱኒ ዝበለቶ መሬትን ህዝብን ናብ ትግራይ መሊሳ ዶባታ ኣነጺራን ነፍሳ ኣግጂፋን እያ! ኤርትራ ድኣ፡ ነጻ ካልእ ሃገር – ምስ ኢትዮጵያ – ነጻ ካልእ ሃገር- ዘሎዋ ዶብ ቅድሚ ምድምሳሱስ ፈለማ ይነጸር ከመይ ኣይትብልን። ነዚ ከም ላህመታዊ፡ ጸቢብ ሃገራዊ፡ ሾቪኒስታዊ ኴይኑ ዝረኽቦ እቲ ንባዕሉ ኵሉ እዚታት ዝኾነ ጥራሕ እዩ። ንሃገራዊነት ነጢርካ ኣህጉራዊ ክትከውን ምፍታን እዩ እቲ ላሕመታዊን ምስሉይን። እቲ ዶብ ክልተ ሃገራት ቅድሚ ምድምሳሱ ፈለማ ይነጸር ስለዝበልኩ ከም ጸቢብ ሃገራዊ ዝጥቅነኒ ፈለማ ንትግራይ ክጥቅን ይግብኦ።
      4. ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክነጸርን፡ እቲ ብኢትዮጵያ ዝተወስደ መሬት ከኣ ክምለስትን እቲ ቀንዲ ቅንደኵነት፡ እቲ ፈላሚ ንሰላማውን ሕውነታውን ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት እዩ። ነቲ ብይን ኣብ ምትግባር ዝሓንገደ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ጠንቂ ናይ’ቲ ኣይውግእ ኣይሰላም ኵነታት ክልቲኤን ሃገራት እዩ። እዚ ከኣ ንዕድመ ዲክታቶርያዊ ኢሳያስ ኣናዊሑን ጠንቂ ምዝሕታል ምጣነሃብታዊ ሃለዋት ኤርትራ ከኣ ኴይኑን እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ኵነት’ዚ ናይ ምፍታሕ ክእለትን ሓላፍነትን ኣሎዎ።
      5. ፍሉይ መልእኽቲ ንኣባ ጨጎራ … ኣባ ጨጎራ፡ እወ ሓቅኻ ኣነ ሊቅ ኣይኮንኩን። እንተኾነ፡ ንሊቃውንትን ሓሳባቶምን፡ ድሕረ ሓሳባቶምን፡ ኣመተታቶምን ክርዳእ ዝኽእል እኹል ትምህርትን፡ ኣእምሮን ትኵርነትን ኣሎኒ። ካብ ኵሉ ከኣ ሓሳባተይ ብቓልዕ ናይ ምባል ድፍረት ኣሎኒ። ኣብ ጎናይ ስምን ኣባ ጨጎራነትን ኣይሕባእን። ፕሮፌ. ተኸስተ ክንዲ 200 ከምዚ ከማይ እንተኾይኑ ተዓዊቱላ ኤርትራ፡ ተዓዊቱላ ኢትዮጵያ እብል። ኣባ ጨጎራ ሓወይ፡ “ጊዜኻ ኣብ ክንዲ ንመሰል ሃገርን ህዝብን ክትጣበቕ ተጥፍኦ ከም’ቲ ወርትግ ትገብሮ ንኢሳያስ ኣብ ምቅዋም ኣጥፍኣዮ” ኢልካ ምዒድካኒ። ፈለማ ኣነ ጊዜይ ኣየጥፍእን እዬ። ውልቃዊ ጭርሖይ CARPE DIEM እዩ። ብላቲን [ንዝኾነት] መዓልቲ [ንቁምነገር] ተጠቐመላ ማለት እዩ። (ኣባ ጨጎራ፡ ተገንዚብካኒ’ዶ … ሊቅ ክኸውን እኮ’የ ዝፍትን ፈቲነ)። እቲ ንኢሳያስ ምቅዋመይ ንቕኑዕ ምቅላስ መትከለይ ስለዝኾነ ድኣ’ምበር ንስኻ ክትሑጎሰለይ ኢለ ኣይኮንኩን። ምናልባት ግን፡ ንእግረ መንገደይ፡ ንዓኻ ካብ’ቲ ኣባ ጨጎራ ዝቕመጦ ጥልቁል፡ ጸልማት መጀነኒ ሓራ ኣውጺኤ ናብ ናጻ ነፋሪት ጽብቕቲ ሕብራዊት ጽንብላሊዕ ክቕይረካ እኽእል እኸውን። እቲ መታሞርፎሲስ ክዕወት ግን ኣእምሮኻን፡ ልብኻን፡ ሕልናኻን ክትከፍት የድሊ። እዚ እንተዘይጌርካ ግን ንዓለም ብኣባ ጨጎራነትካ ከትሕልፋ ኢኻ። ክትዓቢ ቍሩብ ጠቒመካ ክኸውን እትስፎ። ናይ ልበይ’ዬ ኣባ ጨጎራ።

      ዳንኤል ተስፋይ
      19.11.2013
      ጀርመን

      • Tes November 19, 2013

        Dear Mr Tesfai,

        You are trying to repeating the same mistake which is intimidating for criticizing you. You don’t need to go to that length to attack us. I didn’t say you are liar but this is irrelevant you should not brought it here and rubbish to be frank. If you hate the professor than that is only your problem not mine but to lecture us about the demarcation you are not qualified. You are simply repeating what HGDEF was saying the last 13 years redirecting blaims to others or to expect others to start the initiative rather than taken responsibility. You said ,Isiais is in power because the Ethiopian refuse to demarcating the boarder what a pathetic excuse. So the Exodus of the youth, the injustice and all those suffering is because of Ethiopians that is what Isiais and Co keep repeating and I don’t see any difference you and them. As for Assenna they know their mission and i am sure it is not a play ground for abusers and I bet they don’t entertaining hate monger like you. They are victim of that kind themselves. So give us a bear don’t dare to talk about right. If you had a power you might be worse bro!

        • Abudi November 20, 2013

          Tes Habibi!
          You seem to have developed that terrible sickness!” The nihna nisu Syndrome”
          one of the symptoms is feeling of rage when someone is critical of your master! Then this is followed by false full accusation and passing judgments on the motive of critics that goes as far as allegation of blackmailing as if everyone of us have the levrage to blackmail the good professor.

        • daniel s. tesfai November 22, 2013

          ሓው ተስ.
          ሰላም። ንዝተጻሕፈ ከምዝተጻሕፎ ከይተንብብን፡ ንዝቐረበልካ ሕቶ ከይትምልስን ዝመሓልካ ትመስል።
          1. ኣብ ዝኾነ ቦታ ጽሑፈይ ሓሳዊ ኢልካኒ ኣይበልኩኻን።
          2. ተልእኾ ኣሰና እንተይ እዩ ኢለካ ኣሰና ተልእኾኡ ባዕሉ እፈልጦ እዩ መሊስካ። እዝስ መልሲ ድዩ? ኣነ ንዓኻ እዬ ሓቲተካ። ኣሰና ትልእኾኡ ከምዝፈልጥ እፈልጥ። ተልእኾኡ ከኣ ይፍጽም ኣሎ። ስለ’ዚ ነቲ ንስኻ ዝምኸልከልካዮ ዓንቀጸይ ሓቲምዎ። ንስኻ ግን ነቲ ንስኻ ናይ ጽልኢ ጽሑፍ ኢልካ ዝመዘንካዮ ኣሰና ከየሕትሞ ደሪኽካ ጥራሕ ዘይኮነስ ብላክመይል ክትገብር ፈቲንካ። ኣሰና ንጽሑፈይ ናይ ጽልኢ ጽሑፍ ከምዘይኮነ መዚኑ ሓቲምዎ። ኣብ ርእይቶኻ’ውን ብሚክሮስኮፕ ደልዩ ገለ ቁም ነገር ግዲ ረኺቡ ሓቲምዎ። ካብ’ዚ ንላዕሊ ካብ ኣሰና እንታይ ትጽበ? ርእይቶኻ ብዛዕባ ኣብ ናጽነት ሓሳብ ምግላጽ ሕቲተካ ኣይመለስካን። ንስኻ ዲክታቶር ክኸውን ዘይበቕዐ ዕንጭቝሊት ዲክታቶር ኢኻ።
          3. መንግስቲ ኢትዮጵያ ብውሳኔ ቤት ፍርዲ ክቕየድ ኣቐዲሙ ተሰማሚዑ ክነሱ ድሕሪ ፍርዲ ንብይን ፍርዲ ምትግባር ኣብዩ። እዚ ከኣ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ሃገራት ናይ ዘይሰላም ዘይውግእ ኵነታት ፈጢሩ። እዚ ከኣ ሓደ ካብ’ቶም ንህይወት ኢሳያስ ዘናውሑ ኴይኑ። ንምጣነሃብታዊ ምዕብልና ኤርትራ ብኣሉታ ጸልዩ። እዚ ሓሳብ’ዚ ብስነ ሞገት ዝተተኣሳሰረ ሓሳብ’ዩ። ንስኻ ድማ ብስነሞገት ክትምክቶ ነቢሩካ። ንስኻ ግን ንሕቶ ብሕቶ ክትምልሶ ፈቲንካ። ናብዝን ናብትን ነጢርካ። ዓቕለ ጽበት ድዩ ዘይፍልጠት ክርድኣኒ ኣይከኣለን።
          4. ብዛዕባ ዶብ ዓደይ ክዘራረብ ብቕዓት ይብልካን ኢልካኒ። ሓደ ብዛዕባ ዶብ ሃገሩ ክዛረብ እንታይ ብቕዓት ክህልዎ ከምዝግብኦ እስከ በጃኻ ኣረድኣኒ።
          ንስኻ ካብ’ቶም ሓንሳብ ምስተጋገዩ ንምእራም ከም ኢድ ምሃብ ስለዝቈጽርዎ ንድሕሪት ዘይምለሱ ዋላ ትንፈር እምበር ጤል እያ ዝብሉ ደረቕ ዕንጸይቲ ኢኻ። እንተኾነ ኣነ ብቐሊሉ ተስፋ ዝቈርጽ ኣይኮንኩን። ስለ’ዚ ጥራሕ’ዬ ዝምልሰልካ ዘሎኹ። የቐንየለይ።

  • Truly Truly i say to you November 18, 2013

    ኣንቱም ሰባት! ብትግርኛ “ምስመን ከምትኸይድ ንገረኒ እሞ፡ መን ምኳንካ ክነግረካ” ዝብል ምስላ ዘሎ ይመስለኒ። ንኣይውን ዝኾነ ናይ ኃይማኖት`ኮነ ናይ ትምሕርቲ ፕሮፌሰር(ሊቅ) እዬ ኢሉ ብዛእባ ጉዳይ ፖሎቲካ ኤርትራ ኣልኢሉ ክዋራዘ ንዝደልይ ምስሉይ ሃተላ፣ ሃንቲ ሃጺር ሕቶ ጥራይ ሃቲትካ፣ ነቲ ዘለዎ መርገጽ ምፍላጥ ምስተከኣለ እብል። እታ ሕቶ`ካኣ ንምዃኑ ነቲ ዝተውለድካሉ ወይ ዝኣበኻሉ ሀገር ደይኮነ፣ ነቲ መቦቆል ሃገርካ፣ ኣቦታትካን ኮነ ኣቦ ሃጎታትካ መነገርካኒ´ዶ ኢልካ ብምህታት ንዝኾነ ፕሮፌሰር ኮነ ገባራይ ነቲ ብድህሪኡ ክብሎ ንዝደልይ ሃለውለው መርገጺ ብቐሊሉ ምፍላጥ ይከኣል። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣድጊ ኾነ ዝብኢ፣ ወኻርያ ይኹን ተዃሉ መልክኦም ቀይሮም ደይኮንዎ፣ ኣባጊእ ኮነ ርግቢት ክኾኑ እንተፈተኑ ብጀካ ምስሉይነት ካልእ ዝወሃቦ ትርጎም ኣይክህልዎን እዩ። እቲ ኹሉ ሃተፍትፍ (ብላ ብላ´ክኣ)
    ብዙህ ከይሰጎምካ በዚ`ኣ ሕቶ ብምፍላጥ ንቲ ነገር ምድምዳም ይካኣል እዩ።። ኣናፍራ ቆቃህ ዘይፈልጥ ኣይሃዳናይን እዮ። So honorable Daneil Semere Tesfay, don´t give value to this and alike fox worthless so called professors.
    speech.

    • aba_chegora November 18, 2013

      From your shallow writing I can tell that you are not a professor. If you claim to be worthy and not “worthless” like the professor , why do you have difficulty in accepting the right of people to express their idea? Do you have to question the nationality of the professor simply because he expressed an idea you dislike ? Who made you super eritrean than the professor? I think you need to grow up and read more. 200 people like you can not make one professor tekeste. I am sure about it.

    • daniel s. tesfai November 20, 2013

      Those who are interested to read t Pro. Tekeste’s interview about the abolishion of the Ethio-Eritrean border personally, please go to: “የኢትዮ-ኤርትራ ችግር መፍትሔ ድንበር ማስመር ሳይሆን ድንበር ማፍረስ ነው። http://www.addisadmassnews.com” Thank you.

  • ሰላምይንገስ November 18, 2013

    ብራቮ ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ ተዓወት። ሓንቲ መጽሓፍ ናቱ ኣንቢበ ኔረ ፕሮፈሰር መሲሉኒ። ኣነ መጽሓፍ ዘንብቦ ክፍወስ ሓንጎለይ ክመሊእ እንበር ሕዱር ሕማም ኣብ ኣእሙሮይ ከስፍር ኣይኮንኩን። መጽሓፉ ምስ ኣንበብኩ ግን ከም ስርዓት ሓሚመ ። ከም ሰብ ዝሓስብ ኣድጊ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን ከም ኣድጊ ዝሓስብ ግን እንሆ ባዕሉ ነዚ ዶ ትኸውን ታ ምስላ ተመሲላትሉ ናብ ኣንባባይ ይገድፋ

    • Tes November 18, 2013

      halewolow …ezie dia entay bravo zebul koynu. eynika tedefen ember.

    • aba_chegora November 19, 2013

      From your shallow writing I can tell that you are not a professor. If you claim to be worthy and not “worthless” like the professor , why do you have difficulty in accepting the right of people to express their idea? Do you have to question the nationality of the professor simply because he expressed an idea you dislike ? Who made you super eritrean than the professor? I think you need to grow up and read more. 200 people like you can not make one professor tekeste. I am sure about it.

  • ፍትሓዊ November 19, 2013

    ኣብ ቅድሚ ስሙ ገለ ማዕረግ ስለ ዝለቀበ ክንድዚ ኣድህቦ ክዋሃቦ ኣይምተገብኤን ። ኣብ ግዜ ውበ ዝጸመመስ ዝባን ውበ ክብል ነበረ ድዩ ዝባሃል ። ተረፍ መረፍ ናይ ሃይለስላሰን ደርግን ህዝቢ ኤርትራ ክጭፍጭፍ ከሎ ፡ ፍጹም ዓገብ ኢሎም ዘይፈልጡ ሕጂ ሓለይቲ ተመሲሎም ብዛዕባ ኤርትራ ክዛረቡ መሰል የብሎምን ። ዳንኤል ስመረ ከምዚ ናቱ ዓይነት ስናሓስብ ዘለዎም ንህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጥዎ ግና ነቲ ጽሑፍካ ዘንብቡ ስባት ብዝህብዎ ናይ ውሽጦም ጥሙሕ ኣይግረምካ ። ሓደ ዓይነት ኣኽናፍ ዘለወን ረጋቢት ብሓባር ስለዝነፍራ ።

    • aba_chegora November 19, 2013

      But you have no title before your name. What are you then?

  • ahmed saleh November 19, 2013

    Calm down , no need to jump for conclusion before we read both side arguments . First we should get an access
    to the professor’s transcripts to read then we would we will take sides either to support or oppose .

    • daniel s. tesfai November 20, 2013

      Those who are interested to read t Pro. Tekeste’s interview about the abolishion of the Ethio-Eritrean border personally, please go to: “የኢትዮ-ኤርትራ ችግር መፍትሔ ድንበር ማስመር ሳይሆን ድንበር ማፍረስ ነው። http://www.addisadmassnews.com” Thank you.

  • WEDI JANI/VERO ASMARINO November 19, 2013

    WHAT A SURPRISING THING , WHY DON’T LISTEN PROPERLY AND READ THOROUGHLY THEN THE MATTER OF ACCEPTING THE IDEA AND REJECTING WILL DEPEND ON YOU BUT WHETHER PRO OR FARMER HAVE THE RIGHT TO SPEAK AND WRITE. SO TRY TO BE CIVILIZED LIKE OTHER PEOPLES, ONE THING TO KNOW THE PRO IS WRITE AND HE IS 100% ERITREAN FOR EXPRESSING HIS IDEA NOT LIKE THOSE BLIND AND DEAF EDUCATED PERSONS. AT LAST THE ISSUE OF BOARDER DEMARCATION IS OVER FOR ONE AND LAST .

  • teclay November 19, 2013

    Hello Daniel Tesfay,,i ske you politely ,where and when and who said the stupide lay ” we need eritrean land but not the eritrean people” “eritrea mereta inber seba ayedliyenan iyu” i chalenge you,,your answer?

  • Daniel Mebrahtu November 19, 2013

    I can’t agree more, terrific job as always Dani Moksi!

Post a Reply to Meretse Asmelash Cancel Reply