ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ “ፕረሲደንት” ኢሳያስ ኣፍወርቂ
ቅልዕቲ ደብዳቤ፣- ዕለት 15/02/2013 ናብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ።- ንሕና መቦቀሊና ሳሕል ዝኾነ ኤርትራውያን ብሰንኪ ዘይፍትሓዊን ኣረመንያውን መግዛእትኻ ሃገርና ኤርትራ ገዲፍና ኣብ ምብራቅ ሱዳን ማለት ፖርትሱዳን, ቶከርን ቃሮራን ከባቢኣን አንነብር፣ ገሊና ተጋደልትን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበርና ሃገራውያን ደለይቲ
ቅልዕቲ ደብዳቤ፣- ዕለት 15/02/2013
ናብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ።-
ንሕና መቦቀሊና ሳሕል ዝኾነ ኤርትራውያን ብሰንኪ ዘይፍትሓዊን ኣረመንያውን መግዛእትኻ ሃገርና ኤርትራ ገዲፍና ኣብ ምብራቅ ሱዳን ማለት ፖርትሱዳን, ቶከርን ቃሮራን ከባቢኣን አንነብር፣ ገሊና ተጋደልትን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበርና ሃገራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣቀዲምና ንፍጻሜ 21 ጥሪ ስርሒት ፎርቶ ናይ ህዝብን ሰራዊት ጠለባት ብምኻኑ ከምእንድግፎ እንዳገለጽና እዚ ጠለብ ሽትኡ ስጋብ ዝበጸሕ ንቀጻሊውን ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኣኢ (ብፍላይ ጅግና ሰራዊትና) ተሓባቢርና ክንቃለስ ብሽም ስዉኣት ቃል ንኣቱ።
እዚ ብዕለት 21 ጥሪ ዝተፈጸመ ስርሒት ፎርቶ በዞም ዝስዕቡ 4 ጀጋኑ፣-
- ብ/ጀ ሳልሕ ዑስማን
- ኮ/ ስዒድ ዓሊ (ወዲ ዓሊ)
- ኮ/ ኣለም ግዝዋ
- ኮ/ ኣብርሃም ገለዋን
ኣባላት ምኒስትሪ ምክልኻል መርሕነት፣ ተኻይዱ እካ እንተኾነ ተራ ወተሃደራትን ዓበይቲ ጀነራላት ዝሓቆፈ ብህዝቢ ምሉእ ድጋፍ ዘለዎ ስርሒት ኢዩ።
ከም ኣመልካ ፈላሊኻ ምግዛእን ኣብ መንጎ ቀቢላታትን ኣውራጃታትን እተኣልሞ ዝነበርካ ውዲዳት ኩሉ ኣብቂዑ ሕጂውን ስልጣንካ ንምንዋሕ እዛ ሃገር ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትያን ሁውከትን ግጭትን ንምፍጣር እዞም ታሪኾም ዝምስክረሎም ሃገር ሓራ ዘውጻኡ ደልይቲ ለውጢ፣ እስላማውያን ጥርኑፋት ደቂ ሳሕል እዮም ኢልካ ብመንገዲ ዕሱባትካ ትዝርግሖ ዘለኻ ሕሱር ፕሮባጋንዳ ሓቂ ንምምሳልውን ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ እስላም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እእቲኻ። ከምኡውን ንተጋዳላይ ዓብደላ ጃብር ብናትካ ትእዛዝ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክቅተል, ከምኡውን ተጋዳላይ ሙስጣፋ ኑር ሕሴን ናይ ጸቅጢ ደምን ሹከር ሕማም ስለዘለዎ ክሳብ ዝመውት ሕክምና ንከይዋሃቦ ታእዛዝ ከምዝተሓላለፍካ ካብቶም ብኣካል ምሳኻ, ብልቢ ምስ ህዝቦምን ሰራዊቶም ዘለዉ ደለይቲ ለውጢ ምንጭታትና ኣረጋጊጽና።
ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ 3 ግንባር ናደው ከም ምኽንያት ገርካ ኣብ ሳሕል ከተማ ኣፍዓበት ዓቢ ፈስታ ተዳሉ ከምዘለኻ ኣረጋጊጽና። ነዞም ኣሲርካዮም ዘለኻ ጀጋኑ ደቂ ሳሕል ንስድርኦምን ኣንስቶምን ኣይትሻቀሉ እናበልካ ኣገዲድካ ጋይላ ክትስዕስዕ ንዕቀት ንደቂ ሳሕል ምኻኑ ርዱእ እዩ። ንሕና ብወገና ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንህዝቢ ሳሕል ብፍላይ ኣብ ኣፍዓበት ተዳልዮ ዘለኻ ዳስ ከይካፈሉ ጋስጋስ ነካይድ ኣሎና። እቶም ንሂወቶም ፈሪሖም ተገዲዶም ዝሳተፉ ሰባት ከም ዓወት ኣይትውሰዶ።
ንሕና ኤርትራውያን እስላምናን ክርስትያናን ከምቲ ሓደ ኢድ ኮይና ንኤርትራ ነጻ ዘውጻእና ሎሚውን ሓድነትና ኣደልዲልና ንለውጢ ብዘየወላውል መንገዲ ኣብ ጎኒ ህዝበናን ተባዕ ሰራዊትና ኮይና ምሉእ ናይ ምትሕብባር ክንገብር ኢና። ህዝቢ ሳሕል ጅግንነቱ ናይ ቀልሲ ታሪኹ ይምስክረሉ።
ከምቲ ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ኣብ ጊዜ ቃልሲ በሽም መንካዕ ጀጋኑ ምሁራት ደቂ ኣከለጉዛይ ከምዘጥፋእካ, ብሽም ትሕቲ ሃገራውነት ሃገር ነጻ ዘውጸኡ ገዳይም ተጋደልቲ (G15) ብዘይ ፍርድን ፍትሕን ኣሲርካ መብዛሕቲኦም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝሞቱ ገርካ።
ቀንዲ ተልእኾ ናይዛ ቅልዕቲ ደብዳቤ፣ ስልጣንካ ንምንዋሕ ትኣልሞ ዝነበርካ (ብሽም ቀቢላን ኣውራጃን፣ ጀሆባን ፐንጠን፣ ኣስላምን ክርስትያንን) ተቃሊዑ እዩ። እዛ ሃገር ኣብዝያዳ ቅልውላው ከየእተኻ፣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ስልጣንካ ነቶም ምሳኻ ዘለዉ ኣመንቲ ለውጢ ጀጋኑ ኣባላት ምኒስትሪ ምክልኻል ክተረክብ፣ ንሶምውን ሃገር ኣረጋጊኦም እሱራት ፈቲሖም ቅዋም ኣተግቢሮም ደሞክራስያዊ ለውጥን ህዝባዊ ምርጫ ከካይዱ።
ዓወት ንሓፋሽ
ካብ ሃገራውያን ደልይቲ ለውጢ-ሱዳን እዚ መልእኽቲ’ዚ ብቐጥታ ናብ ኢሳይያስ ድሮ ተላኢኹ እዩ።
Hurui February 18, 2013
You are right good message,we all Eritrean people and all the Eritrean forces except few betrayals all beside you continue from now on ward the dictator and his servants will not stay long their sun is setting down, the people must be united with the corrective forces.The dictator is still using his old divider vision,but nowadays it will not work with you,your trash ideology that bring with you from Sahel. Mr dictator your future is getting darker and darker surely your futurity is like your friends Gaddafi Hosni Mobark etc.The sexton is already rang you can not escape from your apprehension of the defiance of the Eritrean defense forces and the people
fetsum abraham February 18, 2013
Very interesting message to the president. Keep up coming with such information and let us push the final.
A.A Yassin February 18, 2013
“ኣብ ጊዜ ቃልሲ በሽም መንካዕ ጀጋኑ ምሁራት ደቂ ኣከለጉዛይ ከምዘጥፋእካ “
we February 18, 2013
yup true
salma a. February 18, 2013
ajokum ahwat! alena msakum! n eseyas nguhafo. eseyas guahaf kixedif alewo!
A.A Yassin February 18, 2013
Someone is trying to exploit the january 21 incident by injecting into it a mix of religion and province.
” እስላማውያን ጥርኑፋት ደቂ ሳሕል እዮም ኢልካ ብመንገዲ ዕሱባትካ ትዝርግሖ ዘለኻ ሕሱር ፕሮባጋንዳ ”
“ኣብ ጊዜ ቃልሲ በሽም መንካዕ ጀጋኑ ምሁራት ደቂ ኣከለጉዛይ ከምዘጥፋእካ”
If we are not careful the irresponsible act could lead to a civil war. Some are already saying: loms ab Asmarana, kdefruna, ab gezana. The public is watching and the so-called Generals from Hamassien (Subhat,Wochu,Philippos … ) are also watching.
May Allah/God protect Eritrea!
Murad Ali February 18, 2013
Dear brothers and sisters,
This is the cause of we Eritreans all. At home and in diaspora. We should deal with it all together as one family and we are one family. This is not the time to talk about awaraja or religion or anything else. We are all in the same boat. We are facing a real evil that does not belong to any Awaraja or religion (same as Ghadafi, Assad , Hitler etc..)
Its removal will benefit all Eritreans including our brothers/sisters HIGDEF followers and I was one of them until Serheet Forto.Not anymore.
dawed February 19, 2013
you try to confuse people,but you are not going anywhere.dont bring problem we dont have it
belay nega February 19, 2013
TO THE OPEN LETTER
BETRAYING TO THE GUY WHO SAVED YOU FROM:
NOMAD TO STABLE LIFE
AGNED TO HOUSES
SHOWS THE FRAGILE UNITY ATTACHED BY SUPER GLUE IS MELTING
ab ab February 19, 2013
Belay denkoro blay
Zmerero February 21, 2013
can u tell me what does it mean “stable life” and “houses” in your view given the current situation of Eritrea?
For me I prefer NOMAD LIFE in AGNET in a country with Rule of Law.
ab ab February 19, 2013
Day day gesgs. Atfayo nhgdef. Loms hgdef ewn aykonun whudat wlkesebt eyom. Ajokum msakum Aleka.
Eritreawit February 19, 2013
Belay NEGA.
You have no right to talk to them like you did. the guy save them is their son/daughter Christian or Muslim it doesn’t matter. STAY AWAY FROM OUR business.
you go worship your one man dictator thanks.
Yikun Selam February 21, 2013
Ezi nedaf Adgi sakramgjeganuna uuwwaalla jefanuna hardy wediuuwom ! Tebaraber delay Selam eritrawi