Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ ንተዋህዶ ቤተ ክርስትያን 5 ስሩዓት መጋበርያ ክመርሕዋ ምሉእ ስልጣን ሂቡ ኣዋፊርዎም ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ንተዋህዶ ቤተ ክርስትያን 5 ስሩዓት መጋበርያ ክመርሕዋ ምሉእ ስልጣን ሂቡ ኣዋፊርዎም ኣሎ። ኣቐዲምና ከም ዝሓበርናዮ፥ ነቶም ሽማግለታት ጳጳሳት ዓጽዩ ከጻብበሎምን ከፈራርሆምን ድሕሪ ምጽናሕ፥ እቶም ነዚ ሓሳብ ኣይንቕበልን ዝበሉ ክልተ ጳጳሳት ኣባ ቄርሎስን ኣባ ዮሓንስን

ስርዓት ህግደፍ ንተዋህዶ ቤተ ክርስትያን 5 ስሩዓት መጋበርያ ክመርሕዋ ምሉእ ስልጣን ሂቡ ኣዋፊርዎም ኣሎ።

ኣቐዲምና ከም ዝሓበርናዮ፥ ነቶም ሽማግለታት ጳጳሳት ዓጽዩ ከጻብበሎምን ከፈራርሆምን ድሕሪ ምጽናሕ፥ እቶም ነዚ ሓሳብ ኣይንቕበልን ዝበሉ ክልተ ጳጳሳት ኣባ ቄርሎስን ኣባ ዮሓንስን ኣብ ዘይብሉ፥ ብኣባ ሉቃስ ዝተመርሐ፥ ሓይሊ ተጠቒሙ፥ ሓሙሽተ መጋበርያ ኣዋፊሩላ ኣሎ። እዞም ብስም ትምህርቲ ሰንበት ኣሳቢቦም፥ ብዙሓት ንጹሃትን ግሩሃትን ካህናት ዝጎድኡ፥ ኣብ ታሪኽ ክርስትና ተራእዩ ዘይፈልጥ፥ ወራር ኣካይዶም ኣብ ቀጽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ምቅጻል መጻሕቲ ቅዱሳት ዝለዓለ ኢድ ዝነበሮም ናይ ዲቁና ይኹን ናይ ክህነት መዓርግ ዘይብሎም፥ ውዳሴ ማርያም ዘይደግሙ፥ ኣካል እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ማሕበር ቅዱሳን እዮም።

ኣብዚ እዋን ቀንዲ መሳርሒ ዝጥቀሙሎም ዘለዉ፥  ኣባ ሉቃስ እዮም። ኣባ ሉቃስ በዞም ኣባጽሕ ኣቢሉ ዝተዋህድቦም ቃል እዮም። ኣዝዩ ንምስምዑ ዘሕፍር ቃል ንቃል ኣምላኽ “ንመጽሓፍ ቅዱስና መጽሓፍ ርኩስ” ክብሉ ዝተገደዱ።

  1. ኣቶ ካሕሳይ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፥ ብጀካ ንጳጳስ ንካህንውን ዘይፍቀድ ቦታ እዩ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ።
  2. ኣቶ ክፍለ ሓላፊ ምቁጽጻርን ምእካብ ሞባእን ገንዘብን ኣብያተ ክርስትያናት ኣስመራ።
  3. ኣቶ ሰሎሞን ዋና ጸሓፊ ኣጻራይን መርማርን ሃይማኖት ተዋህዶ።
  4. ኣቶ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ መርጌታ ሰመረ (መንክር) ላዕለዋይ ተጸዋዒ ትምህርቲ ሰንበት፡
  5. ኣቶ ግርማይ ሓላፊ ምምሕዳር ኦርቶዶክስን ምክትል ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን

ኩሎም እዚኦም ምስ መዓርግ ቤተ ክርስቲያን ምርኻብ ዘይብሎም፥ ፖለቲከኛታት፥ ነጸላ ተኸዲኖም ዘደነግሩ እዮም። እዞም መጋበርያ ምልኪ ንእምነት ተዋህዶ ክሕልውዋ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ዘለዎ ሰብ እንተሎ ኣእምሮኡ ደሓን ኣሎ ምባልውን ዘሸግር እዩ።

መንግስቲ ህግደፍ ሞባእ ቤተ ክርስትያን ዝምዝምዘሉ ንጹር መገዱ ኣብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኣነጺሩ ኣሎ። ነዚ ሓደገኛ ንዕንወት ቤተ ክርስትያን ዝተበገሰ፥ ዓመጸኛ ኣሰራርሓ፥ ብትብዓት ክንምክቶን ክንቃለሶን ይግባእ።

 

ግዱሳት ካብ ኣስመራ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • Debasse November 13, 2014

    Thomas and yonas, Adisegdo
    , you need to stop confusing us. Even u didnot put their father name
    You want them to put u on position but they refuse u. Many of them are intellectuall than u. But wanr them to stand for justice
    No need presonal issues. Go and discuss with them.

  • solomon November 13, 2014

    Haimanot tewahdo kulu gizye nay zemetse ametsegna mesarhi ember haymanot aykonen.

    Solomon

    • Asghedom Woldeghiorghis November 15, 2014

      Solomon
      it is not true, if the ethiopians have not been colonized we have to say thanks to the coptic Church.
      Coptic church prestis has been chited by thier sons, and by Hegdf.
      the composition of our leaders have no culture of respected Tewahedo Haymanot , they are paganes and half casts of unknown fathers.

  • ERITRAWIT November 13, 2014

    Selam Gudusat Yehwat,
    Ezey Gebel ms mezamrtew kolo selam alo malet zebet eu.
    yegdas b kemey hade b hade yknselew ab weshetey temakerew.
    Awet N hzbey Eritrea.
    Nay Swatna dem B kentew aykeyden eu.

  • ጎበዛይ November 13, 2014

    ሰላም ምስ ኩላትኩም ይኹን ክቡራት ደቂ ኤረይ።
    ኣብ ክንዲ ሓቂ ምዝራብ ሓንሳብ ስም ኣቦ፥ ሓንሳብ ስም ኣደ፥ ሓንሳብ ጸሎት ዶ እንታይዶ እንዳበልኩም ሰብ ኣይተደናግሩ፥ ጭዋታት ይፍለጡ ኣይፍለጡ ንቤተክርስትያን ክመርሑ ስልጣን የብሎምን፥ እቲጉዳይ ንጹር እዩ። እዞም ሰባት ካህናትን ዲያቆናትን ስለ ዝተሳእኑ ድዮም ኣብ ቤተ ክርስትያን ክሰርሑ ተመሪጾም? ብፍልጠትን ተሞክሮን ደኣ ዮፍታሄ ዶ ኣይበልጽን ካብኣቶም። ስለምንታይ ሃይማኖትና መወራዘይ ንጥቀመሉ፥ ደምበ ህግደፍ መጻወቲኦም ይገብርዎ? ንሕና ዘይተቓለስናሉ፥ ዘይጎየናሉ ካልእ ክግደሰሉ ኣይክእልን እዩ።

  • ኦርቶዶክሳዊ November 13, 2014

    በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
    ቤተ ክርስትያን ኡፍ ተባሂሉ መንፈስ ቅዱስ ዘይተቐበለ ስልጣነ ክህነት ብዘይሓዘ ሰብ ኣይትምራሕ ኣይትመሓደር። እዞም ሰባት ፖለቲከኛታት እምበር ሃይማኖታውያን ኣይኮኑን። ሕጅውን ብጸሎትን ብጽንዓትን ክንቃለሶም ኣሎና። ይድከሙ ይሕሰሙ ካህናትናን ጳጳሳትናን ይምርሑና።
    ኣምላኽ ቤተ ክርስትያንና ይሓሉ።

  • ዛይድ November 13, 2014

    ህግደፍ ናቱ መገዲ ኣለዎ፥ ሕጂ ድማ ካልእ መቃለሲ ነገር ምሂዙልና፥ ነንሓድሓድና ክንቃለስ ጉዳይ ሃገርናን ቤተ ክርስትያንና ተወንዚፉ ኣሎ።
    እዞም ሰባት ስለምንታይ እዮም ኣብ ሃይማኖት ዘይዓቕሞም ጠብሎቕሎቕ ዝብሉ። ረብሓ ኣለዎም ንጥቕሞም እዮም ዝቃለሱ ዘለዉ። እምበር ክህነት የብሎም ጵጵስና የብሎም ንምንታይ ክሳብ ክንድዚ ይከራኸሩ?
    ኣብ ክንዲ ንሓድሕድና ንበኣስ ነቶም ምእንቲ ሓቂ ደው ኢሎም ዘለቁ ካህናት ኣብ ጎኖም ደው ንበል።
    ኣምላኽ ይሓግዘና

  • haki November 14, 2014

    All of them are Deaconat and had graduated from University. I hope they will debug the weakness of the past and fix the errors.
    May God help the young leaders of the church.

  • FAILED PEOPLE November 14, 2014

    “ኣብ ታሪኽ ክርስትና ተራእዩ ዘይፈልጥ፥ ወራር ኣካይዶም ኣብ ቀጽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ምቅጻል መጻሕቲ ቅዱሳት ዝለዓለ ኢድ ዝነበሮም ናይ ዲቁና ይኹን ናይ ክህነት መዓርግ ዘይብሎም፥ ውዳሴ ማርያም ዘይደግሙ፥ ኣካል እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ማሕበር ቅዱሳን እዮም”

    ኣቱም ሰባት ዳዊት መኮነን ዝብሎ ነገር ምስማዕ እንዳኣበና እኳ ኢና እምበር እቲ ሕንቂልሕንቂሊተይ ተፈቲሑ እዩ።ኤርትራ መሊሶም ናብ ኢትዮጵያ ክዳጕንዋ ዝመደቡ ወያነን ሓይሊ ብዓል ኢሳያስን ጀነራላቱን (ፊሊጶን ስብሓትን ስዓብቶምን)ስለዚ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንበርነቶም ህግደፍ እንተተቐበሎም እንታይ ይገርመና።ነቲ ነገር ኣቕሊልና እናርኣናዮ እኮ ኢና ዘይንዕወት ዘለና።ጉዳይ ,ጉዳይ ባድመን ዓሰብን ጥራይ ኣይኮነን፣ግሎባል ኣሻጥር ኣለዎ።ሱዳን ይኹን ጅቡቲ ዝኸዱ ስደተኛታት ይእሰሩ ወያነ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ተቓወምቲ ብሃልቲ ኣብ ናይ ሰብ ምሻጥ ኣዋፊርዎም ይርከብ።ካብ ሽመልባ እቶም ተቓወምቲ ብሃልቲ እንድዮም ብዶላራት ብሱዳንን ሊብያን ጌሮም ናብ ኤውሮጳ ዘስግሩኻ።ሓደ ወዲ ዓሊ ተሪፉ ዕስራ ደቂ ዓሊ እኳ እንተተላዕሉ ምዕራብን ወያነን ህግደፍን ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣእትዮም ነቲ መታሕት ምስ ሱዳን ከጸግዕዎ እሞ እስራኤል ብሰላም ክትነብር(ማለት ህዝበ ትግርኛን ተጋሩን ኣምሓሩን ዝበዝሕዋ ዓዲ ኮይና ኢትዮጵያ ብሰራዊት ንኽትምዕብል እዩ።ኢትዮጵያ ክንደይ ሚሊታሪ ሳይንቲስት ኢትዮጵያውያን ኣእትያ ተስርሖም ኣላ።ኣቱም ሰባት ናብ ኢትዮጵያ ንሽየጥ ኣለና።ወይ ንንጸጎ ወይ ንቀበሎ ።ኣነ ይነጽጎ።ንስኻትኩምከ ፧ግን ማንም ክዋጋእ ኣይደልን ኣሎ።ተዋጊእካ እውን ኣብታ ኣሜሪካ ዝመደብዋ ኢና ክንኣቱ።
    ድርብ ውርደት,ክልተ ሳዕ ተራኢና።ንብላሽ ጠፊእና !

    • hannyhago December 1, 2014

      kibur haw. ezom zitemeretsu sebat hamushitiom diyakonatn agelgelti betekrstiyanin eyom. mis ethiopia walahanti rikib yeblomin. aynsenbid. ezom sebat nibetekrstiyan yitekmiwa enber aygodiewan eyom. beti haki megedi kimerhuna bi tselot nihagizom.

  • ab November 15, 2014

    If they are from Mahbere Kidusan then the so called reformists but in reality the messengers of protestants will be in trouble.

  • haki November 15, 2014

    please stop all the lies .all of them are deaconat and had graduated from Asmara University. I hope the young generation will fix the problem who were created by the previous leaders.

Post a Reply to sal Cancel Reply