Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስራሕ ዝሰኣነ ፈላሲ ቆቢዕ ቀዲዱ ይሰፊ፣ ቃልሲ ዝጠፍኦ ብሃም ባንዴራ ኣቃጺሉ ይሕምሕም!

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ክሊ ኤርትራውያን ገኒኑ ዘሎ ርኡይ ድኻም ምጥፋእ ርእሰ ተኣማንነት እዩ። ቀንዲ ምልክቱ ድማ፣ ነቲ ኣውራ ጠንቂ ሃገራዊ ሕማም ዝኾነ ስርዓት ኣልቦነት ገዲፍካ ወግሐ ጸብሐ ኣብ ጓል መንገዲ ሸምበለል ምባል ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣብቲ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ክሊ ኤርትራውያን ገኒኑ ዘሎ ርኡይ ድኻም ምጥፋእ ርእሰ ተኣማንነት እዩ። ቀንዲ ምልክቱ ድማ፣ ነቲ ኣውራ ጠንቂ ሃገራዊ ሕማም ዝኾነ ስርዓት ኣልቦነት ገዲፍካ ወግሐ ጸብሐ ኣብ ጓል መንገዲ ሸምበለል ምባል ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣብቲ ብደምበ ተቓውሞ ዝፍለጥ ወገን ጎሊሑ ዝርአ ኣመል እዩ።  ሕማም ብሕማሙ፣ ናይ ርእሲ ሕማም እዩ። ምቸም ርእሰ ተኣማንነት፣ ካብ ኣካኣዊ ጉልበት ዘይኮነ ካብ ኣእምሮኣዊ ሓይሊ እዩ ዝምንጩ። ተስፋ ምቝራጽ ፋምፋም ዘበሎ ኣእምሮ ከምዚ ዝኣመሰለ ሸምበልል ምስ ተወሰኾ ጽርውርው ኢሉዎ ክወድቕ ምርኣይ ዘገርም ኣይኮነን።

ርእሰ ምትእምማንን ዓወትን ዝመላልኡ ተግባራት እዮም። ርእሰ ምትእምማን ዓወት ይፈጥር፣ ዓወት ድማ ዝያዳ ርእሰ ምትእምማን። ደምበ ተቓውሞ እምብኣር፣ ብድኽነት ናይዞም ነንሕድሕዶም ዝመራኾሱ፣ ግረሶ መንኮርኮር ለውጢ ዝኾኑ ክልተ ረቛሕቲ ስለዝተጠቕዐ እዩ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ኣብ ጓል መንገዲ ኣብ ዝተጸግዐ ዱኳ ተኾዲሙ ዝነበር ዘሎ። ኣብ ዱኳ ኮፍ ኢልካ ኣራንሺ ክትቅንጥብ እንተዘይክኢልካ፣ ምስቲ ኣብ ጥቓኻ ዘሎ፣ ካብ ናትካ ዝበረኸት ዱኳ ከምዘላቶ ዝጠርጠርካዮ ሰብ ምጭቕጣቕ ንርእሱ ቁምነገር መሲሉ ስለዝረኣየካ፣ ነቲ ዋና ኣራንሺ ናይ ምቕንጣብ ውራይ የረስዓካ። እንተኾነ፣ ድኳ ዋላ እንተነውሐ ዱኳ ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ።

ደምበ ተቓውሞ፣ ዓይኒ-ማይ ቃልሲ ረሲዑ፣ መጀመርያ ብውድባት ጀብሃ ሻዕብያ፣ ደሓር ብሃይማኖት ኣስላማይ ክስታናይ፣ ቀጺሉ ብቢሄር ሳሆ ትግርኛ ዓፋር ኩናማ፣ ኣስዒቡ ብኣውራጃ፣ ኣከለጉዛይ ሓማሴን ሰራየ፣ ሕጂ ድማ ብባንዴራ፣ ሰማያዊትን ቀያሕን ኣብ ምትህልላኽ ምእታዉ ኸኣ ‘ዩ፣ ኣብ ከምዚ ብምስላ ዱኳን ኣራንሽን ዝጠቐስናዮ ፍረ-ኣልቦ ሓሸውየ ሸሚሙዎ ዘሎ።

እዞም ንኡስ ኣርእስታት ሓሸውየ ኣብቲ ዘዝገነኑሉ እዋን ዳህሲስናዮም ስለዝኾና፣ ሎሚ ምቅጻል ባንዴራ ኤርትራ ብሓደ መንእሰይ ኣብ መንጎ ደምበ “ደለይቲ ፍትሒ” ኣጕዱዎ ኣብ ዘሎ ምፍልላይን ሳዕቤኑን ከነተኵር።

ባንዴራ ምልክት ወይ መለለዪ ናይ ሓንቲ ነጻ ሃገር እዩ። እቲ ሕብረተሰብ ምስ ሕሉፍ ተመክሮኡ ኣገናዚቡ ንባንዴራ ዝህቦ ትርጉም ኮነ ምስቲ ባንዴራ ዝፈጥሮ ስነኣእምሮኣዊ ዘገምታዊ ምትእስሳር ስሩዕነት ‘ኳ እንተዘይብሉ፣ ባንዴራ ከም ትእምርቲ ወይ Symbol ናይ ሓደ ሃገር ረዚን ክብረት ኣለዎ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ዝበረኸ ህንጻን ዝነውሐ ዘንግን ሓሪኻ ዝስቀል።

ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም እንግሊዛውያን ንሱዳናውያን ናጽነት ክህቡዎም ምስ ተደሃዩዎም፣ “ባዕደል ፍጡር” (ድሕሪ ቁርሲ) ኢሎም ንዕድሚኦም ከምዘይተሃወኹሉ ይዕለል እዩ። ሱዳናውያን ካብ ናጽነቶም ምኣዲ ቁርሶም ምዕባዮም ሓቅነቱ እዝጊሄር ዋንኡ፣ እቲ ገና ብጣቓን ግመን ኣብ ዝተዓፈነ ርሑቕ ብዓትን ስንጭሮን ከላ፣ ንናጽነቱ፣ ኣሓኡ ከምዘጥፍአ ጓሳ፣ ኣብ ኩርባ-ትጽቢት ተሰቒሉ “ኤሬና ንዒን ‘ዶ ቶሎ፣ ኤረና ኩሕሎ፣ ኤሬና ቦኽሪ ገዛና” ክብል ጎሮርኡ ዝነቕዐ ህዝቢ ኤርትራ፣ ነታ ብደምን መስዋእትን ዝተጓናጸፋ ናጽነት ዘለዎ ኣኽብሮት ዝዓሞቐ ምዃኑ ግን፣ ልብናን ዓይናን ዝመዝክሮ ዘየማትእ ሓቂ እዩ።

ኣብ ቅድሚ ‘ቲ ንባንዴራኡ ምልክት ናይቲ ማዕረ ህይወት ደቁ ዝኸፈለሉ ናጽነት ኣተኣሳሲሩ ዝርኢ ህዝቢ ባንዴራ ምቅጻል እምብኣር፣ ጽዩፍነቱ፣ በንጻር መጠን ዕምቆት ፍቕሩን ኣኽብሮቱን ዝኸፍአ እዩ። ስለምንታይ ደኣ ‘ዩ ‘ሞ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ ስነኣእምሮኣዊ ሃስያ ዝብየነሉ። ከምቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ፣ መርኣያ ጥፍሽናን ትሑት ርእሰ ምትእምማንን ጥራይ እዩ።

ምቅጻል ባንዴራ ምልክት ቅብጸትን ትሑት ርእሰ ምትእምማንን ምዃኑ ዘመልክተልና ሓደ ኣብነት እቲ ኣዕራብ ወግሐ ጸብሐ ዘዘውትሩዎ ምቅጻል ባንዴራታት ኣመሪካን እስራኤል እዩ። “ክንዳረጎም ኢና” ዝብል ተስፋ ስለዘይብሎም ባንዴራ ብምቅጻል ሕርቃኖም ይጥብሩ። ምቸም ከም የዕራብ ባንዴራ ኣመሪካን እስራኤል ዘቃጸለ ህዝቢ ኣይተራእየን፣ ኣብ ባይታ ዘምጽኡዎ ለውጢ ግን የልቦን።

በንጻር ናይዚ ተመክሮ’ዚ፣ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ፣ ኤርትራዊ ተጋዳላይ መዓስከራት ጸላኢ ደምሲሱ ዓወት ኣብ ዝዓትረሉ ናይ ሞራል ግዜ ይኹን፣ ብሓይሊ ጸላኢ ተደፊኡ ብጽንኩር ኩነታት ተዋጢሩ ተስፍኡ ኣብ ዝፍተነሉ ሰዓት፣ ባንዴራ ኢትዮጵያ ከቃጽል ርእየ ኣይረልጥን። ኣብ ጥርዚ ኣኽራናት ኤርትራ ከንበልብሎ ጦርሰራዊት ተዓጢቑዎ ንዝመጽአ ባንዴራ ተነጽፉዎ ተገምሲሱ ኸሎ፣ ቆርበት ጫማኡ ኣውጹኡ ዝሰፈዮ ዕጥቂ ወዲኑ ናብ ዝቕጽል ስርሒት ዝምርሽ  ጅግና ተጋዳላይ እምበር፣ ከምቲ ናይ ኣዕራብ ኣብ ሃልሃልታ ባንዴራ ስሒኑ ሞራሉ ክውስኽ ዝጸበ ተጋዳላይ ከቶ ኣይተራእየን። ምኽንያቱ፣ ንተጋዳላይ መጎታዊ ክዉንነት ደኣምበር ትእምርታዊ ሕበላትት ትርጉም ኣይህቦን እዩ ዝነበረ።

ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ፣ ሓደ ሳሕል ዝበጽሐ ብተግባራውነት ቃልስና ዝተደነቐ ሱዳናዊ፣ ምስቲ ርሱን ዝነበረ ገድሊ ኤርትራ ብምንጽጻር፣ “ናይ ማይክርፎን ተጋደልቲ እዮም” ብምባል፣ ንፋዳ ኣልቦነት ቃልሲ ፍሊጤማውያን ከነኣእሶ ይዝከረኒ። እንተ ሎሚ ግን ንሕና ኤርትራውያን ፣ ርእሰምትእምማን ኣጥፊእና ጠባይ የዕራብ ተተሓሒዝናዮ ኣለና።

ነቲ ክደፍእን ክድፋእን ርእሰ ምትእምማኑ ዘየጕድል፣ ፍሽኽታን ጽውግታን ሎምዓልቲ ብዘይግድስ ሓደ መዓልቲ ግድን ክዕወት ምዃኑ ዝተኣማመን፣ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብቲ ዝበረኸ ጥርዚ ጅግንነትን ርእሰ ምትእምማናን ዝበጽሐ ወርቃዊ ወለዶ ዝፈጠረ ኤርትራዊ ማህጸን ግን ሎሚ እንታይ ‘ዩ የሐንጊዱዎ?

እቲ ብራሻይዳ ሰሃራ ብጅምላ ተዘሪዑ፣ ብንጣብ ሓዊ ቆርበቱ ተበሻሽዑ፣ ብኹርማጅ በደዊን ሲናይ ተሓሚሉ፣ ኣሽሓት ዶላራት ሓዊሉ ዝተሰደ፣ ቆርበቱ ካብ ምቅጻል ክከላኸል ብዘይምኽኣሉ ዜጋታቱ ዘሕነኸ መንእሰይ፣ እንደገና ባንዴራ ኤርትራ ብምቅጻል ሕንከት ክደግሞም ከሎ፣ ንደንገጽቲ ግር ኣቢሉ ደኣ ምኽንያቱ ከመራምሮም ኣለዎ እምበር፣ ኣቐዲሞም ንዝኸዓውሉ ንብዓት ናብ የዒንቶም ክመልሱ ኣብ ፈተነ ክኣትዉ የብሎምን።

ኣማን ብኣማን፣ ብስምዒት ደተደሪኽካ ቦኽርን ሕሳስ ልደን ኣብ ምውድዳር ካብ ምጽማድ፣ ነቲ ጠንቅን ሳዕቤንን ብዕምቆት ምምልካት እዩ የርብሕ። ምኽንያቱ፣ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ቀውሲ ከምዘሎ ርኡይ ስለዝኾነ።

እዞም ኣብ ውሽጢ ሃገር ግዳይ ጊላነት ናይቲ ጓና-ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ዝኾኑ፣ ካብ ምቝሕ ናይቲ ስርዓት ፈንጠርጠር ኢሎም ምስ ኣምለጡ ‘ውን ኣብ ምቝሕ ነጋዶ ሰብ ዝወደቑ መንእሰያት፣ ኣብቲ ብኽቢድ ዋጋ ዝበጽሑዎ ስደት ‘ውን ግዳይነቶም ተመዝሚዙ መሳርሒ ነጋዶ -ፖለቲካ ካብ ምዃን ኣየምለጡን።

ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ደምበ ተቓውሞ ሰለስተ ገጻት እዩ ዘለዎ። እቲ ዝበዝሐ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ሕጋዊ ዲሞራስያዊ ስርዓት ተተኺሉ ፍትሒ ክነግስ ዝንቀሳቐስ ክኸውን ከሎ፣ ምስኦም ልሒኾም ዝርክቡ፣ ህልኽ ህዝባዊ ግንባር ኤነርጂ ዝፈጥረሎም፣ ጅብሃዊ ተሓሳስባ ምስ ኩሉ ዝንባሌታቱ ዘይበለየሎም፣ በቲ ኻልእ ድማ፣ ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ብውሑዱ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ምድሃኽ ከም ሓደ ዕማም ዝተተሓሓዙዎ ውሑዳት፣ ግን ከኣ ቀንዲ ሕመረት (Hard Core) ዝኾኑ ጉጅለታት ኣለዉ። ምቅጻል ባንዴራ ኤርትራ እምብኣር ዋላ ብኢድ ናይ ሓደ መእንሰይ እንተተፈጸመ ኣጀንዳ ናይዞም ዝንባለታት ኣዚኣቶም እዩ።

ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንሓያለ ዓመታት ክካየድ ኣብ ዝጸንሐ ምንቅስቓሳት፣ እቲ ዝበዝሐ ደላዪ ፍትሒ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምምካት ዘተኮሩ ዛዕባታት ሰሪዑ ክንቀሳቐስ ከሎ፣ ወትሩ ነዚ ዝጠቐስናዮ ክልተ ጥርዚ ዘለዎ ኣጀንዳ (ጀብሃዊ ከምኡ ‘ውን ኢትዮጵያዊ) ብምቕዳም ነታ ናይ ፈደረሽን ባንዴራ ከም ትእምርቲ ናይቲ ኣተሓሳስባታት ‘ቲ ብብምጥቃም፣ ሕሳቦም ከሰላስሉ ከምዝጸንሑ ዕሙት ዓይኒ ክርእዮ ዝጸንሐ ጉዳይ እዩ።

እዚ ክልቲኡ ዝንባለታት ዝተፈላለየ ዕላማታት ኳ እንተለዎ፣ ሓድግታት ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ምጹም ምድምሳስ ዝብል ናይ ሓባር ረቛሒ የራኽቦ። ኣብ ልዕሊ ‘ዛ ተምሳል ባንዴራ ህዝባዊ ግንባር ዘለዋ ሃገራዊት ባንዴራ ቀጻሊ ሕኒንታ ምርኣዮም ድማ ናይዚ ምልክት እዩ። ንምዃኑ፣ ናጽነት ኤርትራ ብዓቢኡ ሓድጊ መስዋእትን መውግእትን ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ምዃኑ ኸ ይስቆሮም ደኾን ይኸውን?

እቲ ዝበዝሐ ልቢ ዘዕበየ፣ መፈላለዪ ደምበ ተቓውሞ ከይከውን ነብሱ ዝተቖጻጸረ ሰብ፣ ጉዳይ ባንዴራ እዋናዊ ጉዳይ ከምዘይኮነ፣ ለውጢ ኣብ ዝተረጋገጸሉ እዋን ብውሳኔን ምርጫን ህዝቢ ክቕየር ከምዝኽእል እናገለጸ፣ ነቲ ጉዳይ ዕሽሽ ክብሎ ‘ኳ እንተጸንሐ፣ እቶም ተዳራጊ ምጕት ዘይነበሮም ወገናት፣ ኣብ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ምንቅስቓሳትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ከክንዲ ነጸላ ዝኸውን ሰማያዊ ባንዴራ ፈደረሽን ብምምብዛሕ ‘ዮም ነቲ “ልቢ ነዕቢ” ዝብል ናይ ዝበዝሐ ሰብ ዕሽሽታን ነብሰ መግናሕትን መዝሚዞም፣ ናይ ጉርሒ ጻቕጣይ ግብረመልሲ ከዘውትሩ ጸኒሖም። ነቲ ዕሽሽታ ደረት ስለዘይረኣዩሉ፣ ኣብ ከም ናይ ብዓል ጀኔቫ ዝኣመአለ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊታት ከይተርፈ፣ ነቶም ብዓመጽ ህግደፍን ጉዕዞ ስደትን ዝተዳህሉን ዝሓረቑን መንእሰያት፣ ከይሓነኹ፣ “እዛ ናይ ህግደፍ ባንዴራ ንየው በሉዋ” እናበሉ ልኡም ጎስጓስ ከካይዱሎም ጸኒሖም። እዚ ምቅጻል ባንዴራ እምብኣር መቐጸልታ ናይዚ ዝጠቐስናዮ፣ ምክሽማሽ ሰማእታት ኤርትራ ከይተረፈ ዝኽኽ ዘየብሎ፣ ክልተ ስልሕም ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ደኣምበር ሃንደበት ዝነቶገ ፍጻሜ ኣይኮነን። ከም ዓወት ናይቲ ንነዊሕ እዋን ብሰላሕ መላሕ ከካይዱዎ ዝጸንሑ ውዲት ስለዝረኣዩዎ ድማ ‘ዮም ሎሚ ቕነ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከወዓውዑዎ ቀንዮም።

ኣብዚ ጉዳይ ‘ዚ መጀመርያ እቶም “ሰማያዊት ወይ ሞት” ዝብሉ ዘለዉ ወገናት ክስቆሮም ዘለዎ ጉዳይ፣ እታ ቀጠልያ ኣውሊዕ ዘለዋ ሰማያዊት ባንዴራ ናይታ ኣብ ትሕቲ ዘውዲ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ዝተቖርነት ኤርትራ ባንዴራ ደኣምበር ናይ ነጻ ኤርትራ ባንዴራ ኣይኮነትን። ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ጥልያን ብዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ምስ ተሳዕረት፣ እታ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጥልያን ዝነበረት ኤርትራ፣ ካብ 1941 ክሳብ 1952 ዓመት ምህረት ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ምስ ጸንሐት፣ ብመሰረት ፈደራላዊ ድንጋገ ኢትዮጵያን ቅዋም ኤርትራን ካብ መስከረም 1952 ክሳብ ‘ቲ ስርዓት ሃይለስላሰ ንፈደረሽን ብሓይሉ ዘፍረሰሉ እዋን (ሕዳር 1962) ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ዝተቖርነት ሃገር እያ ነይራ። ስለዚ፣ ኤርትራ ንገዛእ ርእሳ ነጻ ሃገር ኣብ ዘይነበረትሉ እዋን፣ እዛ ሰማያዊት ባንዴራ ናይ ኣይናይ ዘበነ ናጻ ኤርትራ ባንዴራ ኮይና እያ ትረኣዮም ዘላ?

እቲ ዘቝርቡዎ ምጕት ባንዴራ፣ ነቲ ዝጠቐስናዮ ክልተ ዝንባለታት ንምርዋይ ካብ ዘለዎም ስምዒት ዝተበገሰ ደኣምበር ርትዓዊ ትሕዝቶ የብሉን። ኣብታ ባንዴራ ዘሎ ኣሰር ተጋዳላይ ከኣ፣ ደም ስለዘለዎ፣ ዋላ ኢዶም ክሳብ ዝቑረጽ እንተፋሕፍሑዎ ክብለል ኣይክእልን እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ሕጂ ‘ውን፣ እዚ ዛዕባ ባንዴራ ንኹልና ደለይቲ ፍትሒ መፈላለዪ ከይከውን ዝዓርቀና ልዙብ መደምደምታ፣ “ክንብርኩት ከይብርኩት ኣብ ሩባ ‘ሞ ንብጻሕ” ከምዝብሉዎ፣ እቲ ኩልና እንደልዮ ለውጢ ምስ ተረጋገጸ፣ እቲ ምጕት ባንዴራ እንተ ብረፈረንደም ህዝቢ፣ እንተስ ብባይቶ ህዝቢ ክውሰን ንግዜ ንግደፈሉ። ከምዚ ደጋጊምና ዝበልናዮ መፈላለዪን መቀሓሓሪን ካብ ምዃን ሓሊፉ፣ ነታ ኣብዚ እዋን ‘ዚ ዘላ ወግዓዊት ሃገራዊት ባንዴራ ኣንዲድካ ኣሽሓት ሰማያዊት ባንዴራ ምጭጫሕ ንህግደፍ ካብ ስልጣኑ፣ ነታ ኣብ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተንበልብል ዘላ ባንዴራ ኤርትራ ድማ ካብ ዘንጊ ከውርዳ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ካብዚ ነብሰ ምትሓትን ዘይምትእምማንን ዘበገሶ ‘ቆቢዕ ቀዲድካ ምስፋይ’ ዝዓይነቱ ወጀሃላይ ስራሕ ግልል ኢልና፣ ናብ ዓወት ዘብጽሑ ግብራውያን ስትራተጂታት ብምውዳድ ንህዝብና ተስፋ ዝህብ ምንቅስቓስ ንምክያድ ነብስና ክንስሕል ይግብኣና።

ሃገር እናዓነወት ህዝቢ እናጠፍአ ኣብዚ ጸቢብ ስምዒታዊ ናይ ባንዴራ ምጕት ምጽማድ ግን፣ ኣብ ጭቃ ተሸኺልካ ጋእማን ክትብል ምንባር እዩ ፋይድኡ። ብፍላይ ሕጂ እቲ ጉርሒ ንህዝቢ ተገሊጹሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ እቲ ልቢ ምዕባይን ‘ውን ማዕሪኡ ደረት በጺሑ ብምህላዉ፣ እቲ ዕሽሽታ ከም ቀደም ስለዘይርከብ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይጥዑይ መኣዝን፣ ዝያዳ ምትፍናንን ዘይምትእምማንን (polarization) ‘ዩ ውጽኢቱ። ተተሓሒዝካ ኣብ ጭቃ ድማ መኽሰብ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት፣ ክሳራ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ኣብ ዓለም፣ መብዛሕትኡ ግዜ፣ መንግስቲ ኣብ ዝደኽመሉ እዋን እቲ ተቓዋማይ ክሕይል ስለዝርአ፣ እቶም መራሕቲ ደእ ይቀያየሩ እምበር መሓወር ሃገር ደው ኣይብልን እዩ። በዚ መንጽር ክርአ ኸሎ ግን ሃገርና ኤርትራ ዕድለኛ ኣይኮነትን። ብዓይኒ ሕልና ክትርእዮ ክለኻ፣ እቲ ንስሙ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ይኹን ደምበ ተቓውሞ፣ ናብ ኦኣሲስ ንምብጻሕ ክተሃላለኹ ብጸሓይ መኺኾም ኣንፈቶም ኣጥፊኦም ኣብ ጻሕ ዝበለ ምድረበዳ ጎኒ ንጎኒ ተጋዲሞም ሰለምለም ዝብሉ፣ ኣሽንባይ ዶ ነንሕድሕዶም ክራግሑ፣ ኣብ ገጾም ዝዓለቡ ሃመማ ኡሽ ምባል ዝኣገሞም ፍጡራት እዮም ኮይኖም ዝረኣዩ ዘለዉ። እዚ ብኽልቲኡ ወገን ከሲሩ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓቂ ዕድለኛ ኣይኮነን።

ሃለዋትና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ትሕቲ ህሉዋትን ልዕሊ ምዉታትን ኩነታት ወዲቑ ኸሎ፣ ብባንዴራን ሕብርን ምትህልላኽ ደኣ ‘ሞ እንታይ ፋይድኡ? ኣንቱም ሰባት፣ ልዕሊ ኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ክርህዎ፣ እቶም ቆለኦም ቀይሕ ሕብሪ ዘይፈቱ ‘ውን እንትኾይኑሎም ኣብ ምድረ ኤርትራ ሰማያዊ ቃንጥሻ ክበቝለሎም፣ ደምበ ተቓውሞ ሓባራዊ መኣዲ ቃልሲ ሰሪዑ ቀዳምነታቱ ብምልላይ ኣብ ናይ ብሓቂ ቃልሲ ክጽመድ ኣለዎ።

ሓደ ኣማራጺ ናይዚ ሓባራዊ መኣዲ ቃልሲ፣ ጀብሃ ሻዕብያ፣ ኣስላማይ ክስታናይ፣ ደጋፊ ሰማያዊ ደጋፊ ጉራጉራ ባንዴራ ከይተበሃሃለ፣ ኩሉ ደላይቲ ለውጢ በብኸተምኡ ብህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ተወዲቡ፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ናይ ብሓቂ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ጭቡጥ ተራ ክጻወት ዝኽእል ወገን ከተባብዖ፣ ተስፋ ክኾኖ ይግባእ። ካብኡ ዝተረፈ ግን፣ “ሰማያዊት ባንዴራ ተጀኒንክን ኣብ ስደት ምቕባር መን ከሊኡክን፣ እንተ ዓዲ ‘ሞ ሓመድ ዕደ ረኸብክን” ከይከውን ነገሩ።

እቲ ኻልእስ፣ ንግዜ ገሊኡ ሸርሚሙሉ ገሊኡ ጓዕሚሙሉ እዩ። ብሕልፊ መንእሰያት ግን፣ ኣእምሮኹም ንትምህትን ንቕሓትን ከፊትኩም ደኣ ግዜኹም ተጠቐምሉ እምበር፣ መሳርሒ ናይ ዝጠፈሹ ፖለቲከኛታት ኴንኩም፣ ሓንሳብ ምስ ስዉኣት ክትቋየቑ ሓንሳብ ባንዲራ ከተቃጽሉ ዕድሜኹም ከይትባኽኑ ክትጥንቀቑ ይግባእ። ወጽዓኹም ርዱእ ኳ እንተኾነ፣ “ፍርቂ ናጽነት ኣምጺኦምልና” እናበልኩም ስንፍናኹም ኣብ ጣሻ መረረ ምሕባእ “ይኣክል” በሉዎ። እንተኾነ፣ ነቲ ዝተረፈ ፍርቂ ባዕልኹም ምመላእኩሞ፣ ካብኡ ሓሊፉ፣ ንስኹምስ ‘ኳ ፍርቂ ናጽነት ረኺብኩም፣ ኣቦታቶም ኣብ ባይቶ ድንን ኢሎም ከለዉ ፍርቂ ናጽነቶም ተሰሪቓ፣ ፍርቂ ባንዴራኦም ወሪዳ፣ ሕንኳዅ ናጽነት ዘይጸንሓቶም ሰብ ሱሳታት፣ ሰብዓታትን ሰማንያታትን ኣቦታትኩምን ኣያታትኩምን ካብ ዜሮ ጀምሮም ከምዝተዓወቱ ኣይትረስዑ። እቲ ቅድሚኹም ዝነበረ ወለዶ ኤርትራ፣ ኣቦታቱ ዘጥፍኡዎ ፍርቂ ናጽነት እናምለሰ ደኣ ‘ሞ፣ ኣቦታትኩም ዝረኸቡዎ ምሉእ ናጽነት ምዕቃብ ከመይ ኢሉ እዩ ዝእግመኩም?

እቲ ምስጢር ዓወት እምብኣር ኣብ ርእሰ ምትእምማን ‘ዩ ዘሎ። ካብቲ ናይ ፖልቶካት ፕርፖግንዳ ሓንሳብ ግልል ኢልኩም፣ ርእስኹም ሓቝንኩም፣ “እምቢ፣ ኣይንምብርከኽን! ታሪኽ ንሰርሕ እምበር ብታሪኽ ኣይንእሰርን፣ ግድን ክንዕወት ኢና!  ኢልኩም ነብስኹም ኣእምኑ ጥራይ እምበር፣ እንተዘይኣቢኹሞ፣ ዓወት ዝኸልኣኩም የለን።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

24 ነሓሰ 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
76 COMMENTS
  • Tselot August 24, 2016

    Ema, I prefer if you give some time to such hot issues to settle. Burning a flag is a normal thing that we see it every where and it is NOT ILLEGAL in most countries, let our people excercise their right as others do.

  • Mohamed August 24, 2016

    Amanuel

    Whose flag you are talking about ?
    Is there anyone who has voted for it, except the dictator ?
    It shows a blend of colors used in the Ethiopian flag ….. I can see where the tyrants ideals are coming from. Till now the blue flag is the only legitimate one, anything else will divide Eritreans.
    If you think the EPLF leadership can impose its own flag on Eritrea, the same can be done by any group in the future, and just imagine what that can lead to.

  • ፍረዝጊ ተስፎም August 24, 2016

    ብሱል ጽሑፍ የቐንየልን ኣማኑኤል ቅልስና ቃልሲ ንፍትሕን ዴሞክራስን፡ ንቅሳነትን ራህዋን ፡ምዕባለን ብልጽግናን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ እምበር ንባንዴራን ሃገር ምምስራትን ኣይኮነን። ክብርን ሞጎስን ንስወኣት ይኹኖም ባንዴራን ነጻ ሃገርን ኣረኪቦምና እዮም ሓሊፎም።

  • Fikre August 24, 2016

    Wow! This is a wonderful piece by a nationalist who is level=headed and intelligent. We need positive change but we have to be focused first. You think you can afford to burn flags when our people are dying in pfdj prisons? Think again. Who gave us the blue flag in the first place?

  • Muhammad August 25, 2016

    ኩቡር ሓው ኣማንኤል:-
    ስለምንታይ ነቲ ብተስፋጺዮን ዝፍለጥ ልቢ ኤርትራውያን ኣስላም ውግሐ ጸብሐ ዘቃጽል ዘሎ ዕሽሽ ክትብሎ መሪጽካ?
    እዚ ኩሉ ብሰንኪ ባንዴራ ምቅጻል ዲዩስ ወላ ናትካ ቨርሺን ናይቲ ተስፋጽዮን ዝብሎ ዘሎ ኢዩ? ዳርጋ ካብቲ ተስፋጺዮን ዝጥቀመሎም ዘሎ ቃላት ኣይፍለይን ኢዩ እዚ ናትካ እውን: ክልቴኹም ምሩቃት ናይ ቤት ትምህርቲ ንሕናን ዕላማናን ስለ ዝኾንኩም’ዶ ኾን ይኸውን?

  • Gebre Tekle August 25, 2016

    ኣማኒኤል ኢያሱ መዘረታዊ ለውጢ ክ ኣሃል ኮሎ ቀረብ ውልቀ መላኺ ትካል ውልቀ መላኺ ዊንታ ውልቀ መላኺ ኣፍርስካ ነቲ ኩቡር ባህልን ልምድን ልምድን ናብ ንቡሩ መሊስካ ንህዝቢ ሓራን ኣውጺኻ ሰላም ራህዋን ቅሳነትን ግዛተ ህግን ምንቃስ ዳኣምበር ንገለ ዊንታን ድልየታትን ባህግን ህግደፍ ተቀቢልካ ንኽፋሉ ምኽባል ጽገና ኣይኮነን ባንዴራ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ብወከልቱ ጌሩ ብባርላማ ተመርጸት ባንዲራ ኣላቶ ድምጺ ህዝቢ ክዕበስ የብሉን ንብል በቲ ሓደ መንጽር ካኣ ንድምጺ ህዝቢ ገዲፍና ኢሳያስ ውልቀ መላኺ ዝቀረበልና ንቕበል ዓገብ ምስኩሉ ኣኽቡሮት ኣማኒኤል ኣጽንዕ ከመይ ኢላ መጺኣ እዛ ሰማያዊ ባንዴራ ኣውሊዕ ዘለዋ ኛይ ጀብሃ ኣይክነትን ጀብሃ ነዛ ባንዴራ እዚኣ ፈአሊጣ ኢያ ወጺኣ ኣነ ነዚ ትስሕቶ ኣይ መስለንን የግዳስ እንታይ ስለ ተደለየ ኢዩ ታሪኽ ምጥምዛ?
    ኣይ ተርዳኣንን።

  • Michael August 25, 2016

    Hiiiiiii

  • Mohamed August 25, 2016

    “ኣብዚ ጉዳይ ‘ዚ መጀመርያ እቶም ሰማያዊት ወይ ሞት ዝብሉ ዘለዉ ወገናት ክስቆሮም ዘለዎ ጉዳይ፣ እታ ቀጠልያ ኣውሊዕ ዘለዋ ሰማያዊት ባንዴራ ናይታ ኣብ ትሕቲ ዘውዲ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ዝተቖርነት ኤርትራ ባንዴራ ደኣምበር ናይ ነጻ ኤርትራ ባንዴራ ኣይኮነትን። ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ጥልያን ብዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ምስ ተኣዕረት፣ እታ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጥልያን ዝነበረት ኤርትራ፣ ካብ 1941 ክሳብ 1952 ዓመት ምህረት ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ምስ ጸንሐት፣ ብመሰረት ፈደራላዊ ድንጋገ ኢትዮጵያን ቅዋም ኤርትራን ካብ መስከረም 1952 ክሳብ ‘ቲ ስርዓት ሃይለስላሰ ንፈደረሽን ብሓይሉ ዘፍረሰሉ እዋን (ሕዳር 1962) ኣብ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ እያ ተቖሪና ነይራ። ስለዚ፣ ኤርትራ ንገዛእ ርእሳ ነጻ ኣብ ዘይነበረትሉ እዋን፣ እዛ ሰማያዊት ባንዴራ ናይ ኣይናይ ዘበን ናጻ ኤርትራ ባንዴራ ኮይና እያ ትረኣዮም ዘላ?”

    ኣማኑኤል ኢያሱ

    Brother Amanuel,

    It’s very clear that you stand in defense of EPLF flag regardless what Eritreans say or do.
    But one thing you are missing is this: if it was not for the Blue Flag, Eritreans nationalism would have died in early fifties. When the Blue Flag was removed the people felt their country was being taken away by a foreign power. The values shared by our people were enshrined in the Blue Flag, and these values were at the center of Eritrean struggle for national liberation.
    Even now, the Blue Flag is the only legitimate one, and till the people decide on a new one, the dictator’s flag will remain what it is: the dictator’s flag.
    In your article, you could not hide your emotions, loaded with heavy anti-Arab racial bias “እንተ ሎሚ ግን ንሕና ኤርትራውያን ፣ ርእሰምትእምማን ኣጥፊእና ጠባይ የዕራብ ተተሓሒዝናዮ ኣለና”.
    Well, I don’t have much to say, I excepted you to be above such wrong attitudes.
    You cannot fight a dictator while believing in his ideology.

  • Mohamed August 25, 2016

    Please don’t delete my comments, I don’t agree with what I say, you can reply back with better ideas.

  • Mohamed August 25, 2016

    Removing the comments you do not agree with is the work of tyrants, That is what Higdef is doing. They have silenced the whole country, because they want their voice to be the only one to be heard in the country.
    If you are fighting for democracy you better learn to tolerate.
    Get rid of Higdefite practices.

1 2 3 6

Post a Reply to rezen Cancel Reply