Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሳዕቤነ ከበሳ

ሳዕቤነ ከበሳ (The Plateau Effect) ስለምንታይ ጋም ማን? |ሓድሓደ ጊዜ ኣብ ዝቈምናዮ ንሽከል። ብርቱዕ ጽዒትና’ውን ኣብ ውልቃውን ዕላውን ሞያታትናን  ዕላማታትናን ኣይንዕወትን። ንሸቶታት ውልቃውን ትካላውን ህይወትና፡ ንሕልምታትና ንድሕሪት ንድርኾም። ዝምድናታትና ምስ ሰባት ልዕሌናን ትሕቴናን ይድስክል። ኣብ ከበሳ ሓይልናን ክእለትናን

ሳዕቤነ ከበሳ

(The Plateau Effect)

ስለምንታይ ጋም ማን?

|ሓድሓደ ጊዜ ኣብ ዝቈምናዮ ንሽከል። ብርቱዕ ጽዒትና’ውን ኣብ ውልቃውን ዕላውን ሞያታትናን  ዕላማታትናን ኣይንዕወትን። ንሸቶታት ውልቃውን ትካላውን ህይወትና፡ ንሕልምታትና ንድሕሪት ንድርኾም። ዝምድናታትና ምስ ሰባት ልዕሌናን ትሕቴናን ይድስክል። ኣብ ከበሳ ሓይልናን ክእለትናን በጺሕና ኢና። ዘገም ኢልና ከኣ ኣብ ዝቈምናዮ ንብስብስ። ንመውት። ኣዝዩ ዘሕርቕ እዩ ግን ከኣ ንቡር ይብል ጀርመናዊ ስነኣእምሮይና Axel Wolf። ነዚ ተረኽቦ’ዚ፡ L.J. Peterን R. Hullን ኣብ The Peter Principle ኢሎም ዝሰመይዎ መጽሓፎም ኣብ ጽፍሒ ዘይብቕዓትና (Level of incompetence) ስለዝበጻሕና እዩ ይብሉ። ወጮ ተገልበጥካዮ ወጮ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ኣምራት ብዙሕ ፍልልይ የሎን።

ደባስ ናብ ቤት ትምህርቱ ጋዜጣ ኣሰናዳኢን ንባዕሉ ጸሓፋይን ነበረ። መማህራኑ ትኵርን መጺጽን ውሩይን ደራሲ ከምዚኸውን ይንበዩ ነበሩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ’ውን ስነ ጽሑፍ ተማሂሩ። ሕዚ ናይ ስነጽሑፍ መምህር እዩ። ዕዉታት ደረስቲ የለልን የደንቕን። ብዛዕባ ዕብዬትን ዓወታትን ደረስትን ድርሰታቶምን የምህር። ድርሰታት ይነቅፍ። ካብ’ዚ ሓሊፉ ግን እቲ ዝተነበየሉ ዕሉል ደራሲ ኣይኮነን ወርቃዊት ብርዑ ብኣጋኡ ነቒጻ።

ሓጎስን ደስታን ዕዉት ሓባራዊ ናብራ ዝነብሩ ይመስሉ። ክልቲኦም ጽቡቕ ስራሕን ግሩም ቤትን መኪናን ይውንኑ። ብዙሓት ኣዕሩዅቲ’ውን። እቲ ካብ ደገ ዝርእዮም የደንቖምን ይቐንኣሎምን። እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጦም እቲ ሓዊ ፍቕሮም ቅሂሙ እዩ። ፍቕርና’ስ ኪውዳእ ድዩ? ኴይኑዎ ኣብ ከበሳ ዕብዬቱ በጺሑ ድዩ ቢሎም ይጠራጠሩን ይፈርሑን። ነቲ ሓዊ መሊሶም ከጕርዎ ክኽእሉ ድዮም ወይ’ስ ናብ ፍትሕ ከንቈልቍሉ እዮም?

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብቑዕ ወዳቢ ሓርነታዊ ቃልሲ ምንባሩ እቲ ምዕዋቱ ንባዕሉ ምስክር እዩ። ኣብ ምምስራት ሃገርን መንግስትን ግን ፈሺሉ። እምበኣር ብቕዓቱ ካብ ሳሕል ዝሓልፍ ኣይነበረን ኣብ ሳሕል ከኣ ተቐቢሩ።

ሓንቲ መጽሓፍ ጽሒፎም፡ ሓንቲ ደርፊ ጥራሕ ደሪሶም ዝጠፍኡ ስነ ጠበባውያን ውሑዳት ኣይኮኑን። በታ ናይ መጀመርያ ዓወት ስለዝሓንቀቑ ድዩ እቲ’ኳ መርገም ቀዳማይ ዓወት ተባሂሉ ዝጽዋዕ? ወይ’ሲ ጉድለተ ነፍሰ-እምነት እዩ? ስእነተ ሓሳባትን ድፍረትን ኒሕን? ደጊሞም ንኽዕወቱ ስለዘይጽዕሩን ዘይጸዓሩን? መብዛሕትኡ ጊዜ እቶም ኣብ ሓንቲ ዓንኬል ፍሽለት ሸኾርተት ክንብል ዝገብሩና ምኽንያታት እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ጉድለታት ኣይኮኑን። እኳ ድኣ፡ ብዙሓት፡ እንክፈሽሉ፡ ብብርቱዕ ጻዕርን ሓይልን ካብ  ፍሽለቶም ዝወጹ እንዳመሰሎም፡ ንሓንቲ ደቒቕ’ኳ ስለምንታይ ከምዝፈሸሉ ከይሓተቱ፡ ለይትን መዓልን ዓይኒ’ብለይ እዝኒ’ይብለይ ይከታኸቱ። ኣብ እዋን ቍርስን ምሳሕን ከይተረፈ ይሰርሑ። ክሳብ’ውን ነቲ ስራሕ ናብ ቤቶም ይማልእዎ። እንተኾነ ኣይዕወቱን። ኣዝዩ ዘበሳጩ ኵነት እዩ። ጠንቂ ናይ’ዚ መኻንነት ጻዕሪ እንታይ እዩ?

ንሕና ደቂ ሰባት፡ ብዝለዓለ ደረጃ ዘይድረት፡ ዘይውዳእ ዘይጽንቀቕ ክእለትን ብቕዓትን የብልናን። ውዒልና ሓዲርና ከኣ፡ ኣብ ሓደ ነጥቢ ህይወትና፡ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ደረጃ  ናይ ኣካላውን መንፈሳውን ብቕዓትና (ንሱ ድማ’ቲ ደረጃ ዘይብቕዓትና’ዩ) ክንበጽሕ ግድን እዩ። ኣንጻር’ዚ ባህርያዊ ደረጃ ዘይብቕዓት’ዚ ክንገብሮ ንኽእል የሎን። ቸርችል፡ ሓደ ካብ’ቶም ዝተመስከረሎም ብቑዓት መራሕቲ ካልኣይ ውግእ ዓለም ነበረ። ኣብ እዋን ሰላም’ውን መሪሕነታዊ ብቕዓት ኣመስኪሩ እዩ። እንተኾነ ክእለቱን ብቕዓቱን ዝውዳእ ኣይመሰሎን ኣይተቐበሎን ክሳብ ወዲ ሰማንያ ዝኸውን ኪመርሕ ደለየ። ንመጠረስትኡ ከኣ ነታ ናይ ፓርላማ መንበሩ ንመዓልታዊ መታኸስን መደቀስን ጥራሕ ዝቕመጣ መሰለ። እምበኣር፡ ንወርትግ ነባሪ ብቕዓት ከምዘየሎ ፈሊጥካ፡ ኣብ መስጥሕ ዘይብቕዓት ከም ዝበጻሕካ ኣስተውዒልካ ካብ ስራሕን ሓላፍነትን ነፍስኻ ምልጋስ፡ ካብ’ዚ ዝዓቢ ብቕዓት ኣይህልውን።

እንተኾነ ኵሉ ፍሽለት፡ ጋም ማን፡ ሸቶኣልቦ ዕንክሊላዊ ሸኾርተት ናብ ባህርያዊ ደረጃ ዘይብቕዓት ምብጻሕ ኣየመልክትን። ብዙሓት፡ ኣብ ዓሚቝ ባሕሪ ፍሽለት ጥሒሎም ክንሶም፡ ስለምንታይ ቢሎም ኣይሓቱን። ንዝወደቑ ሓሳባትን ኣተሓሳስባትን ተግባራትን  ዓሰርተ ጊዜ እንተደጋገምዎም ብትኣምረ-ምድግጋም ዝዕወቱ ይመስሎም። እዚ ጉድለት’ዚ ንኵሎም መንግስታውን ተቛዉሞኣውን ትካላትና ዝምልከት ሓቂ እዩ።  ኣብ’ዚ ኵነት’ዚ እቲ ቀንዲ ሓጋዚ ንዅሉ ሓዲግካ ምሉእ ዕረፍቲ- ማለት- ምሉእ ለውጠ-ምግባር እዩ። ንሱ ከኣ ሓንቲ’ኳ ዘይምግባር እዩ። ዓለምቲ ብቕዓት ነዚ ኵነት’ዚ Phase of the Ultimate Laziness ኢሎም ይጽውዕዎ። ንሱ’ቲ ዝለዓለ ዕረፍቲ እዩ። ኣብ ስፖርትን ፈጣሪ ስራሓውትን ኣዝዩ ዝተፈልጠን ዘዓውትን ፍቱን ሜላ እዩ። ኣካልን ኣእምሮን መንፈስን ዓሚቝ ኣብ ዝተዛነይሉ እዋን ከኣ፡ ብሃንደበት፡ ሓደስቲ ሓሳባትን ተግባራትን ይኽሰቱ። ብዘይካ’ዚ ዕረፍቲ’ዚ ንቕድሚት ኣብ’ቲ ዓቐበ-ዓወት ክንድይብ ኣይንኽእልን። ኣካልን ኣእምሮን መንፈስን ደኺምና እንተይሎም ብዕረፍቲ (ለውጢ) ድኣ’ምበር ብሓይሊ ድልዬት ከነተንስኦም ኣይከኣልን።

ከም ዝኾነ ካልእ ነገራዊ/መንፈሳዊ ተረክቦ፡ ከበሳዊ ዛህሚ (ዓንኬላዊ ሾኾርተት፡ ጋም ማን)  ምስ ባህርያዊ ሕጊ ምንቅስቓስ ተኣሳሲሩ እዩ ዝኽሰት። ኵሉም ሰብኣዊ ምዕብልናታትን ተሞኵሮታትን፣ ኵሎም ውልቃውን ማሕበራውን መደባታትናን  ቀጥታዊ መስመር ሒዞም ፈጺሞም ኣይጎዓዙን። እቲ መገዲ ምዕብልና፡ መገዲ ንቕድሚት፣ ጥውይዋያትን ጸድፍታትን ሰልምታትን ዝመልኦ ጽንኩር እዩ። እቲ እንክንሽከል፡ እቲ እንክንጠፍእ፡ ኣብ ሓደ ዓይነት ቅልውላውን ረዚን ድስከላን ምንቍልቋልን ዝኣቶና ኴይኑ ይስምዓና እሞ ካብ’ዚ ዓዘቕቲ’ዚ ንምውጻእ ሃንደፍደፍ ንብል። ኣብ ትርጕመኣልቦ ሃንደፍደፋዊ ምንቅስቓስ ረጊእካ ምሕሳብን ምፍጣርን ኪህልዉ ኣይክእሉን። እወ፡ ዘይተንቀሳቐሰ ይምርት፡ ይፈርስ እዩ’ሞ ግድን ክንንቀሳቐስ ንደሊ። እንተኾነ ንቕድሚት ኣይንምርሽን። ንመጠረስትኡ ከኣ ባዕሉ እቲ ትርጕመኣልቦ ምንቅስቓስ ይቐትለና። እቲ ዝኸፍአ ሸነኽ ናይ’ዚ ሽግር’ዚ ከኣ ነዚ ኵነታትና’ዚ ምልማዱ እዩ። ከይተንቀሳቐስና ንንቀሳቐስ ከምዘሎና ኴይኑ ይስምዓና እሞ ኣብ ዘይምንቅስቓስና ንዓግብ ንነፍስና ንሽፍጥ። ህድኣት ናይ ዘይምንቅስስና ስምዒት ድሕንነትን ቀዋምነትን ይፈጥሩልና’ሞ ሓደስቲ ሓሳባትን መንገድታትን ህድኣትና ከይብትኑልና ንፈርትሕ። ንቕድሚትን ድሕሪትን ተወጢጥና ድማ ኣብ ሓንቲ ቦታ ጋም ማን ንብል። እዚ’ቲ ካልኣይ ሕዱር ሕማም መንግስትናን ተቛዋሚ ውድባትናን’ዩ። መራሕቲ ናይ’ዞም ክልተ ትካላትና ቀደም ብዘመን እኒ እኒ ኣብ ደረጃ ኵሉ ሸነኻዊ ፖለቲካዊ ደረጃ ዘይብዓቶም በጺሖም ክነሶም ሓደ’ኳ ናብ ደረጃ ዘይብቕዓተይ በጺሐ እዬ ኢሉ ካብ’ቲ መሳልል ሓላፍነት ነፍሱ ዝኣገደ የብሎምን። ሓደ’ኳ ስለምንታይ ፈሺልና ኢሉ ዝተንተነን፡ ሓዲስ መገዲ ዓወት ዝሃንደሰን የብሎምን። ብዙሓት፡ ከምቲ ኪዳነ ሓጎስ ሓደ እዋን ዝበሎ፡ ኣብ ካልእ ዓውደ ሞያ ኪቑጸሩ ዘይክእሉ ጽግዐኛታት ገድሊ እዮም። ስለ’ዚ ከኣ ንዝሓዝኩዎ ኣይንሰድድን ኢሎም ክሳብ መቓብር ይከታኸቱ። ንስልጣን ከምዘላታ ንምርካብ ድኣ’ምበር ንባህርዪ ስልጣን ናይ ምቕያር ሓሳባት የብሎምን። ስለ’ዚ ንዘየሎ ስልጣን  ይከታኸቱን ይፈናጨሉን። እዚ ከኣ ናብ ሓደ ፍሽለቱ ናብ’ቲ ሓደ እንዳደርበየ ፍሽለት ሕድሕዱ እንዳተመገበ ዝነብር ሃገረ ፍሽለት ቀይሩና። መንግስትናን ተቛወምቲ ሓይልታትናን መንጸብረቕታ ህዝባዊ ንቕሓትና እዮም። እሞ ኴይኑዎ እዚ ድዩ ንቕሓትና? እዚ ከኣ ናብ ካልእ ኣዝዩ ኣገዳስን ኣሰካፍን ሕቶ ይመርሓና። እምበርዶ ንሕና ኤርትራውያን ከም ሓደ ሃገር ክንቀዉም ብቑዓት ኢና? መልሰይ፡ ብሓጺሩ፡ ክሳብ ሕዚ’ስ ኣይበቓዕናን እዩ።

ኮን ደኾን ምኽንያታት ጋም ማን                  

  1. መርገም ፈለማዊ ዓወት

ቀዳማይ ዓወት ኣጋጣሚ፡ ካልኣይ ዓወት ዕድል፡ ሳልሳይ ዓወት ክእለት ይበሃል። ንዝኸኣለሉ፡ ቀዳማይ ዓወት መፈለምታ ናይ ሓያሎ ተኸታተልቲ ዓወታት ክኸውን ይኽእል። ብዙሕ እዋናት ግን ኣይኸውንን። ነታ ቀዳመይቲ ዓወት ዘገልገሉ ሜላታት ብጥሬኦም ንጥቀመሎም እሞ  ኣብ ምፍታሕ ሓደስቲ ግድላት ኣይሰርሑን። ምድግጋም ሜላ ከኣ ነቲ ሜላ ኣየብልሖን። ኣብ’ዚ ነጥቢ’ዚ ሓዲስ ሜላ ክፈጥር ዘይከኣለ ኣብ ጫፍ ከበስኡ ዝበጽሐ እዩ። ሰውራ ኤርትራ ናይ’ዚ መርገም’ዚ እቲ ዝበቕዐ ኣብነት እዩ። እወ፡ እታ ዕንጭቝሊት ሃገር ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ግዙፋን ሓያላት ዓለም- ኢትዮጽያን ተሓባበርታ ኣሜሪካን ሕብረት ሶቭዬትን ተዋዲቓ ተዓዊታ እያ። እዚ ዓወት’ዚ ግን ናብ መርገም ተቐይሩና። እቲ ነጻነት ዘዓወተ ሜላ ኣብ ምምስራት ሃገር ኣይሰርሐን። ኣብ ክንዲ ስለምንታይ ኢልና ንሓትትን ንምልስን ከኣ፡ ክሳብ ሕዚ፡ ነዚ ዓወት’ዚ ከም መሸፈኒ ናይ’ቲ ደጋጊሙ ዝሰዓበ ፍሽለታትና ንጥቀመሉ። ክሳብ ሕዚ ከኣ፡ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት፡ ነዚ ዓወት’ዚ እንዳተመገብና ንነብር። ንዓወትና ናብ ፍሽለት ለዊጥናዮ። ክሳብ እውን ንገለ ሕፍረተኣልቦ ተበለጽቲ እቲ ሰውራ ብመሰረቱ ግጉይ እዩ ነቢሩ ንኪብሉ መገዲ ኣጥዒምናሎም።

  1. ጣዕሚ (Decadence)

ሓሓደ ጊዜ እቲ ኣብ ሰልሚ ሸኺሉ ዘቐምጠና ምኽንያት ጣዕሚ፡ ጽጋብ፡ ኵሉ ሸነኻዊ ልዕለ ርውየት እዩ። ብዙሕ ካብ ኵሉ ዝወነነ ሰብ ኣብ ነፍሰ ፍትወትን ኵሉ ዓይነታት ስንፍናን ይኣቱ። በብመዓልቱ ኣብ ልሙዳት ወግዕታትን ኣገባባትን ይጥሕል። ነቲ ልሙድ ብሓዲስ ፈጠራታት ኪትክኦን ሓደስቲን መገድታትን ኪህንድስን ኣይፍትንን። ንመጠረስትኡ ከኣ ይብስብስ። ኵሎም ዓበይቲ ጥንታዊ ስልጣኔታት ከኣ በዚ ሓጢኣት መጠነኣልቦ ጽጋብ እዮም ወዲቖም። ስጋ ምስ እትጸግብ ኣእምሮን መንፈስን ይጠምዩ። እቲ ስጋ ከኣ ኣብ  ገዛእ ነፍሱ ጥሒሉ ንመጠረስትኡ ይመውት። ካብ መንግስቲ ኤርትራን ተቓዉሞኡን ዝበቕዑ ኣብነታት ናይ’ዚ ብስበሳ’ዚ ኣይርከቡን።

  1. ዕውረት ጭብጥታት

ንሕና ሰባት ሕማቓት ኣመሓደርቲ ውድቀት ኢና። ካብ ደቂቕ ዕድል ሓደጋ ዘሎዎ ንጥፈት ንፈርሕ። ንሕልሚ ፈሪሕና ኣይንድቅስን። ንጭብጥታት ብባህግታትናን፡ ስምዒት ድሕንነትናን ንትርጕሞም። ንኪሳራታት ከኣ በታ ሓንቲ ዝለመድናያ መገዲ ጥራሕ ንከላኸል። ኣብ ኵሉ ውሳኔታትና ብፍርሒ፡ ጉርሒ፡ ስስዐ፡ በለጽ … ዝኣመሰሉ ስነኣምሮኣዊ ልጓማት ንጽሎ።

  1. ስንፍና ወሳኔ

ብዝኾነ ኣብ ህይወትና ንወስዶ ውሳኔ ንካልኦት ምርጫታት ንሓጽር። ገዛ ክዕድግ እንተወሲነ ንካልኦት ዓሰርተ ወይ ዕስራ ምርጫታት ኣጊደ ኣሎኻ። ንባህጉ ክምርዖ እንተወሲነ ንኣዜብ ንሳባ … ኣይክምርዖን እዬ። ስለ’ዚ ኣብ ውሳኔይ ኣዝየ ክጥንቀቕ ኣሎኒ። እንተኾነ፡ ብዙሕ እዋን ብብዙሓት ዘየገደስቲ ረቛሒታት ተጸልየ ኣፍንጫይ እሰብር። ካብ ምስባር ኣፍንጫ ክመሃር እኽእል እዬ። ካብ’ዚ ዝኸፍአ ግን ናብ ቈላ ከንቆልቍል እውን እኽእል። እዚ ዋሕዲ ፋንጣዝያን(Phantasie) ትዅረትን ዝፈጠርዎ ደረጃ ዘይብቕዓት ወዲቐ ንኻልኦት እንዳረገምኩ ክነብር እኽእል ወይ ከኣ ኵነታተይ መምየ፡ መንገደይ ኣጻጽየ ክትንስእን ናብ ላዕለዋይ ከበሳ ክድይብን እኽእል። ክሓስብ ኣሎኒ። ተግባርን ጊዜን ከመዓሪ ኣሎኒ። ነቲ ሓጺን ብርስኑ ክዘብጦ ኣሎኒ። ፍሽልቲ ህይወት ብሓያሎ ኣብ ጊዜኦም ዘይተመንዝዑ ዕድላት ዝቈመት እያ። መንግስቲ ኤርትራ ጽባሕ፡ ድሕሪ ጽባሕ ኪወድቕ እዩ ዝተባህለሉ ጊዜ ምንባሩ እዝክር። ነቲ ጊዜ ኣይተጠቐምናሉን።

  1. ቅኑዕ ብቕዓት ኣብ ጉጉይ ቦታ ምቕማጥ

ነፍሲ ወከፍና ብምሉእ ልቡ ክገብሮ ደስ ዝብሎን ነዚ ዘተግብር  ክእለትን ይውንን። ብዙሕ ጊዜ ግን ልብናን ክእለትናን ዘይበቕዕዎ ሞያን ሓላፍነትን ንመርጽ። ብቁዕ ወትሃደር ግድን ብቑዕ ኣማሓዳሪ ኣይኮነን። እቲ ግምጣሉ’ውን ግድን ሓቂ ኣይኮነን። ማክበዝ ዕዉት መራሕ ውግእ ነቢሩ። ከም ንጉስ ግን ፈሺሉ።  ሶቕራጠስ መወዳድርቲ ዘይነበሮ መምህር ነቢሩ። ከም ጠበቓ ግን ፈሺሉ። ማራዶና ንፉዕ ተጻዋቲ ኵዕሶ ነቢሩ። ከም ዓላሚ ግን ፈሺሉ። ኣብ ውልቃውን ትካላውን ህይወትና ብቕዓታትና መሚና ፈሊጥና ኣብ’ቲ ብዝለዓለ ከፍርየሉ ዝኽእል ቦታ ከነውዕሎ ይግብኣና።

 

  1. ንቡር ናይ ምዃን ድልዬት

ሓያሎ ንቡራት ጠባያት ስለዘማዕበልና ከም’ቲ ዝበዝሐ ንቡር ኵሉ ክንከውንን መታን ምስ’ቲ ኵሉ ንሰማማዕ። ፍሉያት መታን ከይንኸውን ንዕቝር ዓቕምና ኣይንጥቀመሉን። ኣብ ህግሓኤ፡ ፍልጠትካ ሓቢእካ ዘይፈላጥ ምምሳል ሓደ ሜላ ስረት ምንባሩ ንፈልጥ።  ምስ’ቲ ዝወሓዞ ምውሓዝ፡ ናብ’ቲ ዝበዝሐ ምጽጋዕ፡ ምስምማዕ፡ ዘይወሃብ ምሃብ … – ምቹእ መገዲ’ዩ። ብርግጽ ግን መገዲ ምህዞን ፍታሕን ኣይኮነን። ሕዚ ፍሽለት ናብ ንቡር ዝኾነና ሓደገኛ ኵነት ኣቲና ብዛዕብኡ እኳ ኣይንሓፍርን። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ምሕዝነት፣ ድሓር እቲ ብዙሕ ዝተዋጠየሉ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ እቲ ዝዓበየ ፍሽለት ዲሞክራስያዊ ተቛዉሞ። ብተግባር ዘየሎ ክነሱ፡  ፍሽለቱ ኣብ ግንባሩ ከም ስልማት ወቂጡ ገና ኣሎኹ ይብል።

ለውጥን ጊዜን 

ሓደ ግርቢጣዊ ኵነት’ዩ፡ ሓድሓደ እዋን፡ ኣብ ከበሳ ብቅዓትና ምስ በጻሕና፡ በቲ ካብ’ኡ ንምውጻእ እንገበሮ ጻዕሪ መጠን ናብ’ቲ ሰልሚ ንሽረብ። ኣብ’ቲ ክዉን ሰልሚ እውን ከምኡ እዩ። እቲ ካብ ሰልሚ ክወጽእ ላዕልን ታሕትን ዝበለ ንሱ ቀልጢፉ ይድፈን። እቲ ዝያዳ እንዳጸዓርና ዘይምዕዋትና ኵሉ ሸነኻዊ ቀውሲ ይፈጥረልና። ሸቶኣልቦ ከኣ ንሰርሕ። ክሳብ ሕዚ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሓደ ቅጥዐኣልቦ ዲክታቶር ምዃኑ ከረድኡኒ ዝጽሕፉን ዝግዕሩን የደንግጹኒ ነዚ ድኣ እፈልጦ እንድዬ! ንሳቶም ግን ዝቃለሱ ዘሎዉ እንዳመሰሎም እዩ። ንዓይ ዘድልየኒ ግን ፍታሕ እዩ። እዚ ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ከመይ ይወድቕ? ከመይ’ከኣ ይትካእ? ንዝብሉ ሕቶታት ብብቕዓት ክንምልሶም ከነተኵር ይግባእ። እዚ እንተዘይገቢርና ንህዝብና  “ኣንታ እቲ ኢሳያስ እኳ ምሐሸና! ንሱ’ስ ነዚ ገሪፉ ነቲ ኣሲሩ  ሕድሕድና ከይተፋለስና ገጥ ኣቢሉ ሒዙና  ነቢሩ … !” ናብ ዝብለሉ ኵነት ከይነእዎ እፈርሕ።

ክሳብ ሕዚ ተቓውሞ ኣብ ሰልሚ ተሸኺሉ ዘልዕሎን ዘንብሮን ከይፈለጠ ፈንጠርጠር ክብል እዩ ጸኒሑ።  ንሱ’ስ፡ እዋእ’ዩ፡ ገለ ክህብ እዩ ክፍትን ጸኒሑ። እቲ ዝወሃብ ግን ኣይነበሮን ወይ ከኣ ተወዲኡዎ እዩ።  እቲ ዝተወድኦ ከኣ ክወስድ ክጅምር ኣሎዎ። ብዘይ ምውሳድ ምሃብ የሎን።  [No output without input!]  እቲ ንህቦ እንተተወዲኡ፡ ክንወስድ፡ ክንመሃር ነፍስና ደጊምና ክንመልእ የድልየና። ንክንወስድ ድማ ነቲ ምሃብ ከነዕርፎ ኣሎና። እቶም ኵሉ ሂቦም ሕዚ ዝወሃብ ዘይብሎም መራሕቲ ከዕርፉ ይግብኦም። እተን ንዓሰርተታት ዓመታት ጽዒረን ዘይተዓወታ ውድባት ብወግዒ ነፍሰን ፈንጢሐን ከዕርፋ ይግብአን። ከይሞትካ ምትንሳእ የሎን። ንወርትግ ዘገልግል ትካልን ሜላን የሎን። መድሃኒት እውን ድሕሪ እዋን መድሃኒትነቱ የጥፍእ እዩ። ሓደ ዝዓይነቶም ተደጋገምቲ ሜላታትን ተግባራትን ንኣካላውን መንፈሳውን ብቅዓትናን ዓወትናን ዝሕግዙ ኣይኮኑን።  እቲ ክሳብ ሕዚ ዝኸድናዮ መገዲ ኣየዓወተን። እቲ ፍታሕ እምበኣር ለውጢ እዩ። [Variations of methods] ካብ ኵሉ ድማ ንብቑዕ ሜላ ኣብ ልክዕ ጊዜኡ ክትጥቀም ምኽኣል። ንጊዜ ክትጭብጣ ምብቃዕ። ነዚ እንተበቒዕና፡ ዓቐብ ድሕሪ ዓቐብ እንዳሰዓርና ካብ ከበሳ ናብ ከበሳ ክንዓርግ ክንክእል ኢና።

ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ

ጀርመን

28.08.2014

P/S ኣብ ውልቃውን ትካላውን ሰልሚ ዝተሽኸልኩምን፡ ካብ’ቲ ሰልሚ ምስ ምሉእ ጥዕናኹም ንኽትወጹ እተደልዩን ብ L.J. Peterን R. Hullን ዝተጻሕፈ “The Peter Principle” ዝተባህለ መጽሓፍ ከተንብቡ እላቦ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
43 COMMENTS
  • Almaz Gual Asmera September 26, 2014

    ኣቶ ዳኒኤል ብርኢቶይ ጠቓምን መሃርን ጽሑፍ። ሰብ ጸጽዩ ኣብ ዝፈልጦ ዓውዲ ኪጽሕፍ ከሎ ብሉጽ መምህር እዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝሃብኩዎ ሪኢቶ ሰማዒ ዝረኸበ መሲሉኒ፤ ቀጽል ዕድመ ሃብካ ፈጣሪ።

  • Hazhaz September 26, 2014

    ዝኸበርካ ኣቶ ዳኒኤል፤

    ዘቕረብካዮ ማሕበረ-ፖለቲካዊ-ስነልቦናዊ መጣጥፍ፣ ናይ እዋናዊ ኩነተ ኤርትራ፣ ኣብ ቦትኡ እዩ። ኮይኑ ውን እቲ ወሳኒ ኢልካ፤ መፍትሒ ዘቕረብካዮ “ለውጢ ናይ ኣተሓሳስባ” ቅቡል እዩ። ኮይኑ ግና ነቲ ጠንቂ ናይቲ ብግቡእ ዘቕረብካዮ ሳዕቤን: ማለት ብቓላትካ “እንተኾነ ኵሉ ፍሽለት፡ ጋም ማን፡ ሸቶኣልቦ ዕንክሊላዊ ሸኾርተት” ብዕምቆት ኣየለለኻዮን።

    ብሓጺሩ ጠንቂ ናይዚ ኵሉ ፍሽለት፡ “ጋም ማን፡ ሸቶኣልቦ ዕንክሊላዊ ሸኾርተት” ፥ ገድልን ነቲ ናይ ገድሊ ዘይብሱል ሸቶታትን እዩ።

    ነዚ ጠንቂ ትኽ ብትኽ፣ ኣይገጠምካዮን። ብጋድም ግን ሸልፈፍ ኣቢልካዮ ሓሊፍካ። ኣብ ዝመጽእ ጽሑፋትካ ከምቲ ኣቶ ዮሴፍ ገብረሂወት ብድፍረትን ብሙሉእ ልቦናን ገጢሙ ዝመከቶ፤ ንስኻ ውን ብኽፉት ኣእምሮ ከምእትድህስ ሶ፤ ብስለተ እምሮ ከም ዘለካ ይኣምን እየ።

    ኣቶ ዳኒኤል ይብል፤ “መንግስትናን ተቛወምቲ ሓይልታትናን መንጸብረቕታ ህዝባዊ ንቕሓትና እዮም። እሞ ኴይኑዎ እዚ ድዩ ንቕሓትና፧ እዚ ከኣ ናብ ካልእ ኣዝዩ ኣገዳስን ኣሰካፍን ሕቶ ይመርሓና። እምበርዶ ንሕና ኤርትራውያን ከም ሓደ ሃገር ክንቀዉም ብቑዓት ኢና፧ መልሰይ፡ ብሓጺሩ፡ ክሳብ ሕዚ’ስ ኣይበቓዕናን እዩ።”

    ኣብዛ ጥቕስኻ ምስ ኣቶ ዮሴፍ ገብረሂወትን ጽሑፋትን፣ ብምሉእ ትቃደዉ ኢኹም።

    • daniel s. tesfai September 29, 2014

      ኣቶ ሓዝሓዝ፣ ሰላም። ርእይቶኻ ብእሩም ኣገባብ ስለዘቕረብካለይ አመስግነካ። እንተኾነ ዮሴፍን ኣነን ኣብ ተሞኵሮን ሓሳባትን ሓንቲ’ኳ ዘራኽብ ከምዘይብልና ከረጋግጸልካ እፈቱ። ኣነ ኣብ መንቀልን ዕላማን ሰውራን እኣምን’ዬ። ተጋዳላይ ኔረ ክሳብ ሕዚ እውን ተጋዳላይ’ዬ። ሰውራ ኤርትራ ክልተ ስጕምቲ ንቕድሚት ከይዱ ሓደ ስጕምቲ ንድሕሪት ተመሊሱ እዚ ኣብ ታሪኽ ንቡር ምዃኑ እፈልጥ። ንዓይ ሰውራ ኤርትራ ተደንኪሉ እምበር ገና ኣይተኻዕወን። ኵሉ ጻዕረይ ከኣ ነቲ ዝተደንከለ ሰውራ ንምቕናዕ እዩ። ካብ ናይ ሕዚ ኵነታቱ ተንሲእካ እቲ እንክነቕል ቅኑዕ ኣይነበረን ንምባል ጠንቋላይ ምዃን ኣየድልዮን ተበላጺ ምዃን ጥራሕ ይኣኽል። እቲ “ … ንዓወትና ናብ ፍሽለት ለዊጥናዮ። ክሳብ እውን ንገለ ሕፍረተኣልቦ ተበለጽቲ እቲ ሰውራ ብመሰረቱ ግጉይ እዩ ነቢሩ ንኪብሉ መገዲ ኣጥዒምናሎም። “ ዝበለ ሓረግ ከኣ ናብ በዓል ዮሴፍ ዘተኮረ እዩ።

      • Amerna September 29, 2014

        Daniel,
        Germany had produced many renowned philosophers in the last century. Among them, Eduard Bernstein is well known Social Democrat, his quote reminds me the ‘struggle’ in Eritrea, which was conducted without any aim: “that the movement was everything and the final goal nothing”.
        http://www.amielandmelburn.org.uk/articles/bernstein.htm
        Hope the current generation could learn something from the past mistakes and learn co-habitation……

  • weygud September 26, 2014

    Hmm,your biased attitude does not bring anything good home. Without positive thinking on realities, you cannot analyze facts and history. You are neither a critic nor analyst on the national agenda. In fact your article sounds a fairy tale narration based on your personal prejudice on highlanders. If you trying to teach the public about the cause effect relationship, you are missing out the cause of something. Effect is the result of cause.

    • daniel s. tesfai September 27, 2014

      My dear Speedy Gonzales Weygud, this article is not at all about geographical or ethnographical topography.Had you given yourself three minutes to think, you would habe understood I was talking about socisal/mental/psychological topographies. But thinking is a hard job and three minutes is a long time for some people. Read it again and give yourself time to think about it. By doing so, you will be able to spare us from the torture of your stupid words and thoughts.

  • akal September 26, 2014

    Hello Daniel Semere,

    As usual, and simply, another brilliant article. You are one of the few who goes at the root cause of our social and personal maladies. I see myself-call it personality or behavior- in what your article. I admire not only your mastery of the language but also the content, too.
    Indeed, in whatever we have accomplished we seem to be content and complacent instead of proceeding into another, albeit challenging, achievement. I believe We Eritreans, as any other people in the world, do have the potential to achieve any commendable achievements, be it educational, social or economical, provided we make an effort. However, we became complacent and lackadaisical in our daily activities. Instead of looking on self and try improve our self, we tend to look at people around us for good or better, to admire or criticize.
    There is one word we all need to do. We need to do “Jihad” with our self. By “Jihad”, I mean, struggle or unrelenting striving against own vices, maladies, laziness, etc… I know some might freak out when they see the word “Jihad”. It just simply mean struggle or striving. Struggle and striving starts with oneself. I am not talking or thinking about holy war(Harbel kudus in Arabic). After we cleanse or get rid of our maladies can we try to change our society for a better educational, social and economic states. And it is doable provided we make a meaningful and conscious effort.
    By the way, yes we have limitations. However, we are not reaching even half of what we are supposed to accomplish. We haven’t even reached half of the “Kebessa” or plateau. We are still down there in Qolla(nadir or bottom), may not even weyne dega. At least 3 generatios are lost due to constant cross national, regional or civil war. Our nation is reeling under this brutal, draconian and mercenary PFDJ mafia rule.We can’t blame nobody first but ourselves and you said it rightly above: ” መንግስትናን ተቛወምቲ ሓይልታትናን መንጸብረቕታ ህዝባዊ ንቕሓትና እዮም። እሞ ኴይኑዎ እዚ ድዩ ንቕሓትና? ” . I am afraid that is true.
    Kudos to you, respected compatriot. and thank you for this educational article. I hope to see more of your analytical writings.

    • daniel s. tesfai September 29, 2014

      I understand what you mean and i know the real meaning of Jihad is a daily fight against one’s own ego.

  • akal September 26, 2014

    Some words to hazhaz and wegud,

    Hazhaz,

    His article is not about “gedli” or armed struggle or aims of the struggle. It is about, if I am not mistaken, personal or social complacency. It has nothing to do with the (twisted) logic and (wrong) reasoning of the unionist anti-social Yosief Gebrehiowt. In fact, I hope Yosief can learn from this brilliant article if he has some remaining socially healthy cells in his brain. Do not try to drail the direction of this wonderful article into that nonsense Yoosef Gebrehiwot debate.

    Weygud,

    This article is again not about Kebessa people. By kebessa he meant a level of consciousness and personal/social achievement and not to literally mean the people of Kebessa or land of Kebessa. You missing the real meaning of it. You need to re-read it and apologize to Daniel, bro: unless you are “Higdef” or “some mercenary element sent to seed mistrust among the people.”

    • Hazhaz September 26, 2014

      selam Akal, you wrote “His article is not about “gedli” or armed struggle or aims of the struggle. It is about, if I am not mistaken, personal or social complacency. ”

      His article, as I said is a brief note on contemporary socio-political psychology of Eritreans which you rightly called “personal or social complacency” of Eritreans. ato Daniel tried his best to explain the effect ” ኵሉ ፍሽለት፡ ጋም ማን፡ ሸቶኣልቦ ዕንክሊላዊ ሸኾርተት” and my point is that he missed the cause which he merely passed whizzing tangentially. The cause of Eritrean current political malaise and predicament is Ghedli and its immature goals. The only person who best explained and dissected this fact clearly is ato Yosief Ghebrehiwet.

      You may ignore ato Yosief Ghebrehiwet but you will live for the rest of your life trying to reach a mirage in the desert called Eritrea – “ፍሽለት፡ ጋም ማን፡ ሸቶኣልቦ ዕንክሊላዊ ሸኾርተት”. Ignore YG at your own peril because the alternative is another Somalia, Yemen and Iraq at your closest neighborhood. If you think Eritrea is not a failed state yet, listen to ato Amanuel Eyasu’s seminar in Seattle, USA.

      • ahmed saleh September 26, 2014

        Hazhaz
        Lets say Eritrea is a failed state , so what is the alternatives to change the course ?
        And again why always concentrate to degrade GHEDLI ERITREA ?

      • Hagherawi September 27, 2014

        “You may ignore ato Yosief Ghebrehiwet but you will live for the rest of your life trying to reach a mirage in the desert called Eritrea – “ፍሽለት፡ ጋም ማን፡ ሸቶኣልቦ ዕንክሊላዊ ሸኾርተት”.”

        Hazhaz aka Teclay, Kombishtato .et cetera .. 15 nicknames.

        Pointing a finger at Ghedli and Eritrea will not help you to solve your problems.
        If you hate to be Eritrean you have your Mama waiting for you.

  • Truly Truly i say to you September 27, 2014

    Ayte Hazhaz or compishitato what hell you call yourself, please stop your filthy mouth and filthy propaganda. We know your motive and what you like to achieve. Once again our brother Akal above like correctly addressed to you, i want also assure you, the brilliant Daneiol´s article has nothing to do with the (twisted) logic and (wrong) reasoning of the unionist anti-social Yosief Gebrehiowt´s . Do not try to drail the direction of this wonderful article into that nonsense Yoosef Gebrehiwot debate.
    And most importantly you do not have right to corruptly using our brother Amanuel´s speech also. Whatever he be said, we understand what he means and We listen his voice because he is our once; but you and yoseif alike , because we exactly know you are not from us in whatever angle language you spoke to us, we will never listen you even your crocodile tear about our suffering people is meaningless to us. You don´t ashamed a little when all time you try to propagate about Yosef´s and yours nonsense agenda here? As you succeeded to hay jack Asmarino com and you finally turned it to fulfil with your andenet agenda, do you think you will also be succeed to turn Assenna? No way! What a shameless poor guy! to expand your trash propaganda you have many websites go there! But not try again in this true Eritrean website. please!

  • ahmed saleh September 27, 2014

    Brother Truly
    You know what is our main problem ” KAL-ALEM ” not to speak up at times when we see and hear wrongs .

    • Mightyembasoyra September 27, 2014

      Ahmed,
      I am so disappointed on you that you believe peoples like trueky is independent minded. How is that a person quotes from the holy book can spread the virus of hate?
      Have some self confidence. Forget about those people who doubt’s Eritrea’s independence. But to follow truly is Dawit M.? Come on.

      • Hagherawi September 27, 2014

        “But to follow truly is Dawit M.? Come on.”

        Mightyembasoyra

        Brother, Dawit Mekonen is Higdefite who hates Iseyas and Tigreyans in general. While I find Truly to be a religious nationalist.

        • Mightyembasoyra September 27, 2014

          Hagerawi,
          It appears that way, but he is not. When someone questions what was going on during the struggle, people like truly start crying. People like Yemane are telling us what was going on. We have the right to know.
          People like truly quote the holy book and in the sane sentence add hateful comment to individuals or neighbors.
          He supports people like Dawit M. How are those Dawit and alike our cries for democracy?

          • ahmed saleh September 27, 2014

            Mighty
            I stand to the principle of ” agree to disagree ” .
            And I do respect Truly and Dawit straightforward
            comments than some dishonest ones . I think if
            we open our eyes to watch out the cockroaches
            in this forum it may benefit our common cause .
            Let’s give priority to defend our country’s interest.

          • Simon G. September 27, 2014

            I am with mighty on this. How is that possible to defend your country when you create hate with neighbours? I don’t see it.
            If woyane works for their interest, I can’t blame them. Why can’t we do the same?
            Aren’t you diverting from the main enemy? People like Mr. Meconen are still active HGDF members, pretend to be on opposition side. He was against Fitsum (actually he labeled him as woyane agent – you didn’t seem to object to that) and now defaming Yemane. How is that you are on the opposition side and supporting the people like Dawit, whose main goal is to put down anyone against HGDF? I failed to see that. How is the defending our country working while you simply seem to support people like Dawit – which are working very hard on disintegrating the country. These kind of people’s objection is to oppose to whomever opposing HGDF. I think you are wrong on this.

        • ahmed saleh September 27, 2014

          And hazhaz or kombishtato hates Eritrea and
          everything which goes with it .
          So Almighty who do you think is a threat to our
          national issues ?
          Notice to identify the big picture , brother.

          • Mightyembasoyra September 28, 2014

            Ahmed,
            For those who do not like Eritrea and saying it openly, it won’t bother me at all. All I could say to them is, then, what r u doing in this forum?
            However, those pretenders, I have big problem.
            Say, if Dawit or truly, say it clearly, I wouldn’t be bothered to reply them – at all.

  • Honest September 27, 2014

    The best article so far I read from Asenna website even it is good to see our selves with this article to our personal achievement.

    Great Ato Daniel keep it up

  • weygud September 27, 2014

    Hahaha,arrogance blocks our brain not to learn from others. In other words, there is co-relation between arrogance and ignorance. Individuals like aite Daniel wish to impose their ideas on others as if they were perfect. Instead of accepting diverse comments, they look for self aggrandizement and flattery. In fact, they rush to vomit ugly words and insults which is a typical norm of the PFDJ clique. It is a wrong defense mechanism.

    • daniel s. tesfai September 29, 2014

      Weygud! you really chose a nickname that explains you perfectly. you are a weygud! when i have ideas i share them. i dont impose them.it is up to the reader to accept them or reject them. but you build ideas without reading or understanding other peoples’ ideas. i told you the article is not about the Eritean kebessa or it people. kebessa is a tigrigna word for plateau. i even translated it in english so that it would not confuse people like you. you still dont understand or dont want to understand and accept your mistake. and you call me arrogant. weygud!if i were arrogant i would have ignored you totally. see, i am not arrogant because i am still answering you eventhough every goddamned word you utter is stupid. i wouldnt be a good brother to you if i dont tell you you are stupid when you say stupid things out of the blue sky. some people are so stupid they dont understand they are stupid unless you tell them clearly and loudly that they are stupid. i am not sorry to call a spade a spade.

  • akal September 27, 2014

    Kibur Haw Hazhaz,
    You stated: ..

    “…my point is that he missed the cause which he merely passed whizzing tangentially. The cause of Eritrean current political malaise and predicament is Ghedli and its immature goals. The only person who best explained and dissected this fact clearly is ato Yosief Ghebrehiwet. you stated”…
    Why you guys are so obsessed or stuck with vilifiying the great Eritrean “Sewra” or “Ghedli”, which its foundation was laid in the peaceful struggle in the 40’s. Because the one with no self confidence or confidence in his people and country, the deranged and mercenary Yosief Ghebrehiwot said so? Who is Yosief Ghebrehiwot?? Is he a prophet or what? Why would you believe and take the crazy and self selling ideas of Yosief. If Yosief and you don’t seat well with the Ghedli or Sewra or revolution of Eritrea you can comfortably take your Suit case and live in the land of Alula/Yohanness or minelik, Ethiopia or New Tigray.
    And which Ghedli is YG talking about? the 1961? 1970? what has to do with the personal accomplishment of an average Eritrean? How about the Eritrean of 1961 and before? the 18th, 19th and 20th century? I guess YG has an answer and panacea for all. What a despicable mercenary element. So disgusting.