Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ጀዳን ርያድን ዝርከቡ ካብ 1991 ንደሓር ዝተሰደዱ ኤርትራውያን ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ከምዝኾኑ ኣብ ዘዳለዎ ቅጥዒ ክፍርሙ ዘስገድድ ኣኼባ ንሎሚ ምሸት ቆጺሩ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ`ቲ ቦታ ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብፍላይ ድማ ኣብ ጀዳን ርያድን ዝርከቡ ካብ 1991 ንደሓር ዝተሰደዱ ኤርትራውያን ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እምበር ናይ ፖለቲካ ጸገም ከምዘይብሎም ብምግላጽ ኣብ ዘዳለዎ ቅጥዒ ክፍርሙ ዘስገድድ ኣኼባ ንሎሚ ሓሙስ ምሸት

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብፍላይ ድማ ኣብ ጀዳን ርያድን ዝርከቡ ካብ 1991 ንደሓር ዝተሰደዱ ኤርትራውያን ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እምበር ናይ ፖለቲካ ጸገም ከምዘይብሎም ብምግላጽ ኣብ ዘዳለዎ ቅጥዒ ክፍርሙ ዘስገድድ ኣኼባ ንሎሚ ሓሙስ ምሸት 24 ታሕሳስ ቆጺሩ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ`ቲ ቦታ ሓቢሮም።

እቲ ስርዓት ካብ ኩሎም እቶም ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ነቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅጥዒ ክፍርሙ ዘገድደሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ነቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘለዉ ኤርትራውያን ዳርጋ ኹሎም ብናይ ኤርትራ ፓስፖርት ስለዝንቀሳቐሱ ብቐሊሉ ክቆጻጸሮምን ጸቕጢ ክገብረሎምን ይኽእል `የ ዝብሎም ዜጋታት ኣፈሪሙ፡ `ርኤኹሞ መዝገብ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኩሎም ብናይ ቁጠባ ምኽንያት ዝተሰዱ እዮም፡ ናይ ሰብኣዊ መሰል ጸገም የብሎምን` ኢሉ ነቲ ዓይንኻ ዓይንኻ ዝብሎ ዘሎ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምትላል ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣሚቶም።

እቲ ስርዓት፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ብፍላይ; ነቲ ምልክት ዜግነት ዝኾነ ፓስፖርት ኤርትራ ወትሩ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጸቢብ ፖለቲካዊ መዓላ ከምዝጥቀመሉ ብምዝኽኻር፡ ኩሎም ኤርትራውያን ብሓባር ነቲ ኣኼባ ብምዂናን፡ ካብ ተሳታፍነት ብምብኳር ተቓውሞኦም ክገልጹ ኣተሓሳሲቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • A H December 24, 2015

    ፓስፖርትኹም ካብ መዓላ(ጥቕሚ) ከይብኩራ ኣማርጺ ቐሪብኩም ጽንሑ፡ ኣረሜን ኣንታይ ይገብር ስለ ዘይፍለጥ፡ ምጥንቅቕ የድሊ።
    ንጎራባብቲ ምፍላጥ ወይ ምሕባር የድሊ ከይከውን ተቐሪብኩም ጽንሑ፡ ዕጫ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ከይትበጽሓኩም፡፡ መስፋን ዝነበሮ ቦታን፡ ንስኹም ዘለኹሞ ቦታ ይፈላለዩ፡ የቐንየለይ።

  • sidi abdu December 24, 2015

    Betray Habini Dehmouko aleni
    Hand me my stick, I know who to whack with it.

    This regime is pathetic. It keeps beating the beaten down souls of the Eritrean population. Oh Eritrea, I wish this arrognat hear the cry of freedom echoing out of this down trodden people

  • sidi abdu December 24, 2015

    This is similar to a doctor asking the patient to sign that the patient is free of any diseases, while at the same time the doctor is holding in other hand about the patient medical report with a fatal diagnosis.

  • ሞጎስ December 24, 2015

    ኣብ ድባይ ውን ጽባሕ 25 ታሕሳስ 2015 ንከምኡ ኣኼባ ተባሂሎም፡ኣለዉ

  • Gebrai December 24, 2015

    As far as this government is in existence, we are going to suffer one way or the other. My way of dealing with this regime is to not participate in any gathering called by the state.

  • Afom December 24, 2015

    This is the of our disunity. Please let us unit and raise our arms and get back our dignity and freedom. What are waiting for. Are we that much hopeless? A for from Australia.

  • sidi abdu December 24, 2015

    The idea is tomorrow or day after if they laeve Arabia and ask for a refugee in the West,he wants to challenge their assertion by saying see I told you this are economic migrants. The proof is their signature. What he fails to understand there is a court system in the West where these individuals can make their case. He is a small minded ignorant who thinks the West has a Kangaroo court like his.

  • hagos zerom December 24, 2015

    ኣሕዋት ዘይዘራእናዮ ክንዓጽድ ኣይንኽእልን።እቲ ኣሕዋትና ዝተሰውኡሉ ቅዱስ ዕላማ ረሲዕናዮ ጥራይ ዘይኮነስ ጠሊምናዮ ኢና። እንታይ እዩ ድሌትና ? መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ዘለዉ ኤርትራውያን ይቋጻጸሮም ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም 2% ዘይከፍሉ ውልቀሰባት ኣእሲሩ ናብ ኤርትራ መሊሱ ከም ዝኣስሮም ብስሩዓቱ ጌሩ ብታሕቲ ታሕቲ ይህድዶም ኣሎ። ሓቢርና ምቅላስ ኣይክኣልና፣ነቶም ኣብ ሲናይ ዝባላሸዉ ዘለዉ ኣሕዋትና ኡይ ክንብለሎም ኣይክኣልናን ሕጂ ድማ ኩሎም ንኢሳያስ ፈንጢሶም ዝወጹ ደቂ ሃገር መእሰር ዝተረፉ ኣሕዋቶም ገንዘብ ከዋጽኡ ይግደዱ ኣለዉ። ኣነስ ተስፋይ ይልሕልሕ ኣሎ ፣ኣብቲ ዝክኣለኒ ከፊለን ኣባራታቲዔን። ሰባት ምእካብ ኣብዮምኒ ግን እንሆ ተስፋይ ካብ ዝቕህም ሰለስተ ዓመቱ። እንታይ ኢዩ ናይ ብሓቂ ድሌትና ? ራህዋን ዲሞክራስን ኢዩ ከይንብል ኣይንደፍኣሉን ኣለና።

    ዝተደናገሮ ሓውኩም
    ምልኪ ይትረፍ ፍትሒ ይንበር

  • aron December 24, 2015

    WEY GUD ETI SEREAT UNDER KONTROLL KEGEBEROM SELEZEDELYE TERHA U ENBER AB ERITREA NAY POLITIKA TSEGEM KEMZEYBELOM GERU KEKEREBOME SELEZEDELEYE TERHA U MEKEBI GENZEB

  • Genet-orginal December 24, 2015

    Well, if they have Eritrean passport and they are coming and going to Eritrea, they are business people not immigrants. Unless DIA is trying to use names of people to mislead the world. I say people shouldn’t sign such papers.

Post a Reply to Simon G. Cancel Reply