Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዘን ዝሓለፋ ቀረባ መዓልታት ካብ ከረን ክሳብ ተሰነይ ሓያለ ብሎኮታት ገይሩ ናይ ልዕሊ 90 መካይን ዝተፈላለየ ዓይነት ጽዕነት ከምዝመንዝዐ ምንጭታት ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዘን ዝሓለፋ ቀረባ መዓልታት ካብ ከረን ክሳብ ተሰነይ ሸሞንተ ናይ መፈተሺ ንቝጣታት (ብሎኮታት) ብምውዳድ ኣብ ዝሓዘን 90 ናይ ጽዕነት መካይን ንዝረኸቦ ብብዝሒ ስሚንቶን ነዳድን ዝርከቦ ንብረት ከምዝዘረፎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። እቲ ኩሉ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዘን ዝሓለፋ ቀረባ መዓልታት ካብ ከረን ክሳብ ተሰነይ ሸሞንተ ናይ መፈተሺ ንቝጣታት (ብሎኮታት) ብምውዳድ ኣብ ዝሓዘን 90 ናይ ጽዕነት መካይን ንዝረኸቦ ብብዝሒ ስሚንቶን ነዳድን ዝርከቦ ንብረት ከምዝዘረፎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

እቲ ኩሉ ዓይነት ቀረብ ሓሪሙዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሱዳን ብኮንትሮባንዳ ብዝኣቱ ነዳድን ሲምንቶን እዩ ክጥቀም ጸኒሑ። ድሕሪ’ዚ ኩነታት ከኣ፣ እቲ ብኮንትሮባንዳ ንሊትሮ በንዚን 60 ናቕፋ፣ ንሊትሮ ናፍታ 45 ናቕፋ፣ ንኩንታል ቸሜንቶ 1600 ናቕፋ እናገዝአ ክጥቀም ዝጸንሐ ህዝቢ ዕጽፊ ክኸፍል ተገዲዱ ኣሎ።

ንህዝቢ እኹል ሃለኽትን ኣገልግሎትን ዘቕርብ ሓደ ንቡር መንግስቲ ኮንትሮባንዳዊ ንጥፈታት ክቆጻጸር ሓላፍነቱ እዩ። እንተኾነ፣ ነቲ ስእነት ሃለኽትን ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ንጥፈታትን ባዕሉ ዝፈጠረ ኮንትሮባንዳ ስርዓት ህግደፍ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ክወስድ ከሎ ኣየምሕረሉን እዩ።

ስርዓት ህግደፍ፣ ብወደብ ባጽዕ ንዝኣተወ ንብረት ናብ ዶብ ሱዳን ወሲዱ፣ ባዕሉ ብዘዋፈሮም ኮንትሮባንዳ ትራንዚት ኣምሲሉ ናብ ኤርትራ መሊሱ ከምዝሸጦ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • Emba Denden December 1, 2014

    Amlak tray kabzi Hasad sebeay ygelagilena ember. Isayas hijis atsebiqna felitnayo ena. 1.)Lebamat bimiqtal hilfi sebu lebam nimukan zideli 2.) Muhurat bimiqtalin midinqarn hilfi sebu muhur kikewin zideli 3.) Jigna bimiqtalin miesarin hilfi sebu jigna kikewin zifitin 4.) Habtam bimiqtalin midkayn hilfi sebu haftam kikewin zideli. Wezeterefe. Isayas wididir ayfetun entay dia mewedadirtika bimitsnat goblel mukan. ANE ZEHZINENI NI HIZBAWI GIMBAR NETI KINDEY QYA ZISERHE WIDIB TARIKAWI MIERAFU ZAZIMU AB HANGOLNA TESERITU KEYNEBIR METAN ISAYAS TSELOLO LEKYU AB NAY TARIK GUHAF DERBYIWO. I AM SO SORRY FOR ALL TRUE MEMBERS OF EPLF THOSE LIVING AND PASSED. I REALLY RESPECT AND LOVE THEM.

  • alitena December 1, 2014

    tsinih elus gezom kehdigom eyu ezi resah wedi tenben allready his days are numbered from now. he is intending to demolish the country and grab everybody’s property. your stories have been writen in black. the fake ypfdj is not going to protect him becuase they think nationalism can be determined by 2%.
    shame on you ypfdj and higdef.

  • Stefanos Temolso December 2, 2014

    እቲ ናይ ትራንዚት ስራሕ ብመሰረቱ ብኤርትራውያን ነጋዶ እዩ ዝካየድ። መንግስቲውን ነዚ ይፈልጦ እዩ። ከምኡ መታን ከይብሃል ግን እቲ ሊቸንሳ ብስም ዝኾነ ሱዳናዊ ይወጽእ። ድሕርዚ እቲ ንብረት ካብ ፊኖ፡ ቢራ፡ ላሜራ፡ ቴንዲኖ፡ ስሚንቶ ናብ ሱዳን ተባሂሉ ብስም ንግድ ትራንዚት ኣብ ወደብ ባጽዕ ምስ ተራገፈ ነስመራ ሰንጢቑ ናብ መታሕት ይሓልፍ። እቶም ነጋዶ ድማ ከከም ዝጥዕሞም ካብ ኣቝርደት፡ ተሰነይ፡ መሎቨር ወዘተ ናብ ኣስመራ ይመልሱዎ። ናብ ኣስመራ ክምለስ ከሎ ናይ ሰራዊት ንብረት ተመሲሉ ቴንዳ ተሸፊኑ እዩ ዝምለስ ነይሩ። ሓደ ግዜ ሽዱሽተ ቴንዲኖ ዝጸዓና ናይ ወዲ ሃብተስላሴ እየን ዝተባህላ በጣሓት ነስመራ ምሉእ ኣዛሪበናኣ ነይረን። ሓደ እዋን ድማ ሓንቲ ስሚንቶ ድያ ፊኖ ዝጸዓነት በጣሕ ኣብ ከባቢ ምኒስትሪ ሕርሻ ተታሒዛ። እቲ ምኽንያት መራሕ መኪና ክፈትሖ ዝነበረ ኣብ መንጎኡን ተሓጋጋዚ (ኣይታንትን) ዘጋጠመ ቀሊል ጕዳይ ነይሩ። በዝን ክንድዝን እቲ ኣይታንቲ ምስ ጠርዐ እቲ መራሕ መኪና ድማ ንዋና ከቕርቦ ተገዲዱ። ብዛዕባዚ ሚኒስተራት ከይተረፉ ንሓጐስ ክሻ ከምዚ ክብሉ ብጋህዲ፡ “እቲ ንብረት ኣብ ድኳናት ኣሎ፡ ግን ብኣዝዩ ክቡር ዋጋ። ስለዚ፡ ትራንዚት እናተባህለ ኮንትሮባንዳ ኮይኑ ካብ ዝምለስሞ ህዝቢ ዝህሰ እቲ ኣዋጅ ዘይለዓል?” ክብሉ ተወኪሶሞ። ንሱ ድማ ከይሓፈረ፡ “ንሕና ዘገድሰና ዶላርና እዩ። ካብ ሓደ ኮንተይነር 2000 ዶላር (ክልተ ሽሕ ዶላር) ስለ ንረክብ ንሱ እዩ ዘገድሰና ክብል መሊሱሎም። እዚ ዝብለኩም ዘለኹ ወረ ሰብ ዘይኮነ ጭቡጥ ሓቂ እዩ። ኣብ 2005 ሓደ ኣብ ህንጻ ኮንስትራክሽን ተዋፊሩ ዝሰርሕ ዝነበረ ተጋዳላይ ዝነበረ ወናን ትካል በቲ ጸይቂ ኣዋጅ ናይ ኢሰያስ ስራሑ ደው ኢሉ። ጽንሕ ኢሉ ኣብ ትራንዚት ንግድ ኣትዩ። በጋጣሚ ድሕሪ ክንደይ ምስ ተራኺብና፡ “እንታይ ደኣ ትገብር ኣለኻ?” ምስ በልኩዎ፡ “ትራንዚት ንግድ’ንድየ ጀሚረ፡” ይብለኒ። “እቲ ስራሕ ግን ሓደገኛዶ ኣይኮነን፡ ንብረትካ ከይተረክብ ኣይፋልካን እብሎ፡” በቲ ቀደም ዝፈልጦ ኣሰራርሓ እናሃሰብኩ። “ጸገም የሎን፡ ሓለፍቲ ሰራዊት ስልከ ዘለዉ ሳላኦም ዝተሳእነ የሎን፡” ኢሉኒ። እሞ ኣሚንካ ገንዘብካ ኣዋፊርካ?” ምስ በልኩዎ። “በቃ! ብስም ሓደ ሱዳናዊ ሊቸንሳ ኣውጺአያ፡ ፊኖን ቢራን እናምጻእኩ መሎቨር ኣብጺሐ ድማ ናብ ኣስመራ እናመለስኩ ከም ዕቡድ እሰርሕ ኣለኹ። እዚ ክብለካ ግን ምስ ሓለፍቲ ሰራዊት ሽርካ ኢና፡” ክብል እናሰሓቐ መሊሱለይ። በዝን ክንድዝን ሓደ ግዜ ሓንቲ መኪና ኣብ ብሎኮ ኦኣዲ ኣቤቶ ምስ ተታሕዘት፡ ብቴንዳ ክፈት ኣይከፍትን ህውከት ኮይኑ። ኣብ መወዳእታ እቶም ሰራዊት ጥሒሶም ከይዶም። ፍላንሳ ብረት የብሎምን ክታዀሱ ኣይከኣሉን። እቲ ኵነታት ከምዚ እዩ ዘሎ። ኣብ ሃደ ሃገር ክልተ መንግስቲ፡ ሓለፍቲ ሰራዊት ምስ ነጋዶ በቲ ሓደ ሸነኽ ብዘይ ሕጋዊ መነገዲ ሚልዮናት ናቕፋ ይግሕጡ፡ ብሕጋዊ መንገዲ ዶላር ዝግሕጥ ህግደፍ ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ ኣሎ። ህዝቢ ድማ ዋና ዘይብሉ ኣብ ጥራይ ጐልጎል። እዚ እዩ እቲ ህሉው ኵነታት ህዝብን መንግስትን ኤርትራ። ኤሪቲቪ ድማ መስኪነይቲ፡ ኣብ ዞባ እከለ ዝተሰላሰለ መደባት ልምዓት፡ ኣብ ወረዳ እከለ ዒላ ተዃዒቱ ክትብል ትውዕል።

    • ዘርባዕባዕ December 2, 2014

      እስቲፋኖስ ተመልሶ ዝሀብካዮ ኣብነታት ዝርፍያ ህግደፍ ብጣዕሚ እዩ ገሪሙኒ። ከምዚ ዓይነት ዝርፍያ ኣሎ? ከምዚ ዓይነት መንግስቲ ሒዝና ኢና ነጻነት ረኺብና ኢልና ዝዓልልና? ካብ መገዛእ ህዝቡ ዝዘርፍ መንግስታዊ ማፍያ! መንግስቱ ሃይለማርያም ከማን ከምዚ ዓይነት ግዕዙይ መንግስቲ ኣየካየደን። እዚኦም ገና ክሳብ ሕጂ ሸፋቱ እዮም ዘለው።

  • anedo December 2, 2014

    Stefanos temelso

    You spotted on. Kulu zbelkayo haki eyu. Ertrana mengsti yeblan.

    Isayas ka n ztemeyen lewahn hzbi

    B gororo hizwo Alo. Yerhwo

  • tegistei December 2, 2014

    hatew qetew zereba gedeifkum; heizeibi eritrea himaqq allo ! entay neigber :kemey neigber; buzuhat yeiesseru ;kab geza ms wetsuu yelowunn;hayletatt mes kede ab addeu dehay yelen;haleftei mengstei kab geza sirah mes kedeu ne misahh geza aymeilesun;temeharoo yeitefuu alowu ; ettta zeiweledett trayy wedey gualley teibeill alla; entay neigber entay negber ; hade neger eyyu entay negber; kulu kufeuuueee yeigeberr allo ab ertrea ;entay kee negberr,,, zeitegebre ayteingerunnaaaaaa ? entay neigberr himaqqq alloo heizebe befeillayy addee ertrawwii weddey gualleyy eteibeill,

  • tegistei December 2, 2014

    hatew qetew zereba gedeifkum; heizeibi eritrea himaqq allo ! entay neigber :kemey neigber; buzuhat yeiesseru ;kab geza ms wetsuu yelowunn;hayletatt mes kede ab addeu dehay yelen;haleftei mengstei kab geza sirah mes kedeu ne misahh geza aymeilesun;temeharoo yeitefuu alowu ; ettta zeiweledett trayy wedey gualley teibeill alla; entay neigber entay negber ; hade neger eyyu entay negber; kulu kufeuuueee yeigeberr allo ab ertrea ;entay kee negberr,,, zeitegebre ayteingerunnaaaaaa ? entay neigberr himaqqq alloo heizebe befeillayy addee ertrawwii weddey gualleyy eteibeill,

  • wedi Keren December 2, 2014

    ሰላም ኣሕዋት ሓው እስቲፋኖስ ናይ ብሓቂ መሃሪ ዝኾነ ሓቅታት ጠቒስካ ኣነውን ንእሽቶይ ኣብ ሓደ ካብ ወደባትና እተፈጸመ ወንጄል ብኸመይ ከም እተፈትሐ ክግለጽ እየ፥
    ( ኣብ ወደብ _______ ሓደ ናይ ጉምሩክ በዓል መዚ ድሕሪ ናይ ስራሕ ሰዓታት እንዳ መጸ ኮንትሮባንዳ ምሕላፍ ኣዘውቲሩ፡ ወዮ ወዲ ገርሂ ልባ መሳርሕቱ “ኣንታ ሓወይ ኣይፋልካን ኣነ ከመልክተልካ ኣይ ደለኹን ስለዚ ባዕልኻ ካብዚ ተግባር’ዚ ተቆጠብ ይብል” ወዮ በዓል መዚ ዝሓዞ ወ ዝኣመኖ ሕቍ ስለ ዝነበሮ ነቲ መሳርሕቱ ” ወይ ሱቅ ኢልካ ብላዕ ወይ ድላይካ ግበር ግን ክትጣዓስ ኢኻ ይብሎ”! ሰብኣይ ንሂሩ ነቲ ሽፍታ ጉምሩክ ብጭብጢ ክሲሱ የእስሮ፣ ዓቢ ስራሕ ዝፈጸመ መሲልዎ ይሕጎስ ወዮ ሽፍታ ድሕሪ 8 ኣዋርሕ ኣብ ርእስ’ቲ ዝነብሮ ስልጣን ወሲኹ ኣብ ዓዲ ህንዲ ኮርስ ወሲዱ ጠበሽ ይብል! መስኪናይ ዓርክና ደንጽይዎ እንታይ ከም ዝብል ጠፊኡዎ ቃላት እንዳ ኣናደየ ወይ ሽፍታ ቀዲሙ ናቱ ሓላፊ ከም ዝኾነን ናቱ ዘረባን ትእዛዛትን እንተ ዘይሰሚዑ ናብ ካልእ ሓዲግ ዝኾነ ወደብ ከም ስቕየርን ይነግሮ) ስለዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ናይ ሸፋቱ መንግስቲ ኣብ ክንዲ ብልሽውና ምጥፋእ ብልሽውና የተባብዕ።
    ስለዚ ከምቲ ቀዳሞት ኣበው ዝበልዎን ሕጂ ደቂ ደቆም ዝደገምዎ
    ኣብ ዘመነ-ህግደፍ ዘይትነግረ እምበር ዘይተገብረ የለን
    እዚ ወደሓንኩም

  • Ahmedin Salehidin December 2, 2014

    The Economist Intelligence Unit (EIU), which had wrongly predicted that Eritrea will have the fastest economy in 2011, doubled down and said Eritrea will have the fastest growing economy in 2014. This was tweeted by Yemane G/meskel and re-tweeted, favorited by Camp Nkhid Tray (“lets just march on”). Of course, the economist also said that “… this will have little impact on broader income level given the regime’s economic mismanagement” but, details, details.
    What will 2014-18 look like? “The IMF estimates that Eritrea’s per-capita GDP adjusted for purchasing power parity will grow only around 1.7% between 2014 and 2018, a mark that will lead to the nation being ranked as the second-poorest country in the world by that time.” Well, this kind of defamation of our Eritrea “Singapore” requires serious ‘Mekhete’, don’t you think so fellow Singaporeans?

  • Ahmedin Salehidin December 2, 2014

    What will 2014-2018 look like? Well, it is as depressing as you would expect a closed Mafia economy run by unprofessional, unschooled, bureaucrats would look like that is just very grim indeed.

  • ኣርዓዶም December 2, 2014

    ቀለብ ደምሒት ውሒድዎ ስለዝኾነ`ዩ ደምሒት ኣዋፊሩ ነጋዶ ዝዝርፍ ዘሎ። ካን እቲ ምውት ሰራዊት ኩሩብ ፍሕት ኣይብልን።