Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ እንርከብ  ኤርትራውያን ስደትኛታት መንእሰያት ካብ ዕለት 9/01/2012 ክሳብ ዕለት 12/01/2012  ካብ ኩለን መዓስከር ስደተኛታትን  ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኢትዮጵያ እንነብር ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ  ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ክንዝቲ ተኣኻኺብና። ብዛዕባ ህልው  ኩነታት ኤርትራን 

ኣብ ኢትዮጵያ እንርከብ  ኤርትራውያን ስደትኛታት መንእሰያት ካብ ዕለት 9/01/2012 ክሳብ ዕለት 12/01/2012  ካብ ኩለን መዓስከር ስደተኛታትን  ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኢትዮጵያ እንነብር ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ  ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ክንዝቲ ተኣኻኺብና።

ብዛዕባ ህልው  ኩነታት ኤርትራን  ህዝባን  መነባብሮን ኩነታት መንእሰያትን ባህልን ካልእ ኣገደስቲ ኣርእስትታትን  ተዘራሪብናን ዘቲናን። ከም ቀንዲ ኣርእስቲ ከኣ ኣብዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ኣተኲርና  ማለት

–    ኩነታት ቁጠባ

–    ፖለቲካ

–    ማሕበራዊ ናብራን

–    ዲፕሎማስያዊ ርክባትን  ካልእን  ገምጊምና።

ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ሰፊሕን ዓሙቕን ምይይጥን ርሱን ክትዕን ኣብዞም ዝስዕቡ መረዳእታታት በጺሕና።

   1) ኩነታት ቁጠባ ሃገርና

ኣብ ኤርትራ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ  ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ፡ ኣብ ሽፍትነት ዝተመርኮሰ ንውሑዳት ኣባላት እቲ ጃንዳ ዘርብሕ ቁባዊ ኣካይዳ ኢዩ፡፡ብሰንኪ’ዚ ሃገርና ኤርትራ ቁጠባኣ ኒሂሉ ኣብ ፍጹም ውድቀት ተሸሚሙ ይርከብ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ስድራቤታት ኤርትራ ኣብ ክወጽሉ ዘይክእሉ ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው ኣትየን ዕርቓኑ ኣብ ዝወጸ ሕሱም ድኽነት ተሸሚመን  ኣደዳ ስደትን ምብትታንን ኮይነን ከምዝርከባ ገምጊምና።

   2) ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናውን ጨፍጫፍን ፖለቲካዊ  ኣካይዳ፡ ሃገርና ኤርትራ ብሓደ ሸነኽ ሰናይ ምምሕዳር  ተሓሪምዋ፡ ማለት ኣብ ሃገርና ሕጊ ኣልቦነት ነጊሱ፣ ውሑዳት ኣባላት እዚ ጉጅለ ባህ ዝበሎም ዝፍጽምሉ ኮይኑ ኣሎ፡፡ በቲ ካልእ  ሸነኽ ድማ፡ መሰረታዊ ዲሞክራስያዊ መሰላት ዜጋታት ማለት ናይ ምዝራብ፡ ምጽሓፍ፡ ምእካብ፡ ውልቃዊ እምነትካ ምምላኽ፡ ክትመርጽ ክትምረጽ ወዘተ……….ዝኣመሰሉ ሰብኣዊ መሰላቱ ተራስዮ፡ ኣደዳ ግፍዕን መጭወይትን ማእሰርትን መቕተልትን ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊኡ ከቢድ በደል እናፈጸሙ ይርከቡ። ስለዚ ድማ ፖለቲካዊ ሰረት እዚ ስርዓት ፍጹም ተሸምሪሩ ንሃገርን ህዝብን ፍጹም ዘየርብሕ ምዃኑን ገምጊምና።

  3) ማሕበራዊ ኩነታት ሃገርና  

ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ሃገርና ብዘተኣታተዎ ዘይፍትሓውን ዘይምእኩልን ማሕበራዊ ኣካይዳ ባህልታትን ክብርታትን ህዝቢ ኤርትራ  ኣብሪሱ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ጥዕናን ካልኦት መሳለጥያታትን ምእኩል ዝርጋሐ ዘይብሉን ዘይብቑዕ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ፈጢሩ ስድራቤታት በታቲኑ፣ ብሰንኪ እዚ ህዝቢ ኤርትራ ንስደትን ሞትን ከልበትበትን ተቓሊዑ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው ወሪድዎ ከምዘሎ ገምጊምና።

4) ኩነታት ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታትን ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ሃገርና

ዲፕሎማስያዊ ፖሊሲ እቲ ስርዓት ካብ ደገ ናብ ውሽጢ ዝጠመተ ዓዕናዊ ፖሊሲ ስለዝኽተል ሃገርና ካብ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራትን ካብ ማሕበረሰብ ዓለምን ናይ ግብረሰናይ ትካላትን ዞባውያን ናይ ልምዓት ማሕበራትን ተነጺላን እቲ ስርዓት ጻሕታሪ ኩናትን ተሓባባሪ ግብረ ሽበራን ኮይኑ ኣብ ክወጸሉ ዘይክእል ዲፕሎማስያዊ ክሳራ ተሸሚሙ  ከምዝርከብ ገምጊምና፡፡

እዚ ድማ ሕማቕ ፖሊሲ ኣካይዳ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ምዃኑ ኩልና ተሰማሚዕና፡፡በዚ መሰረት ኣብ ስልጣን ዘሎ ገባቲ ስርዓት ካብ ስልጣን ንኽእለ  ኩሉ መዳያዊ ጻዕሪ ክንገብር ከምዘሎና  ሎሚ ዕለት 12/01/2012 ገምጊምና ኣሎና።

ብዘይካ እዚ ተራ መንእሰያት ኣብ ሃገርና  እንታይ ከምዝመስልን እንታይ ክኸውን ከምዘለዎን ተሳተፍቲ መንእሰያት ብዓሙቕ ዘቲናሉ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣቦ መንበር ፈጻሚት ሽማግለ  ኤርትራዊ  ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ  ዶ/ር ዮሱፍ ብርሃኑ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ ኣብ ኣዋሳ ን10 መዓልቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ኤርትራውያን ውጽኢቱን እንታይ ይመስል ከምዝነበረ መብርሂ ሂቡ።ኣኼበኛታት  ብወገንና ኣብ ጎድኒ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኮይንና ኩሉ መዳያዊ ምትሕብባር ከም እንገብረሉ ገሊጽና።

            ኣኼባ ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት  

ጥሪ 12/2012 ሽረ እንዳስላሴ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
51 COMMENTS
  • Isayas Front for Dictatorship and Jailing(PFDJ) January 17, 2012

    @Tadddese
    you say it well,
    the big lie of Isyas is always trying to direct the questions of our people by saying.. Woyane Ethiopia will invade Eritrea.
    that mechanism helps the tyrant isayas regime to take a little time to stay on power.
    actually Isayas is helping for these who dont accept the independent of Eritrea.
    what will Isayas say if these who are in asmara but dont accept a country with name Eritrea come to power in Ethiopia?
    an other worst war……………

Post a Reply to Cambo Cancel Reply