Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መድረኽ ብቐጥታ ይመልሹ ብጭብጢ ክንዛረብ – ኣብ ክንዲ ብስምዒት ብውክልና ንዛረብ።

ብዛዕባ ናይ ቐደም ገለ ኣባላት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ፣ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ዝብል ቴማ ዘለዎም ብዙሕ ይዝረብ ኣሎ። ካልኣይ ኣኼባ መድረኽ ብሰለስተ ኣባላት ዝተመርሔ ኣብ ዓዲእንግሊዝ ብዕለት 02/ የካቲት/ 2014 ተኻይዱ ነይሩ። ብስእልን ድምጽን ይኹን ብገለ

ብዛዕባ ናይ ቐደም ገለ ኣባላት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ፣ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ዝብል ቴማ ዘለዎም ብዙሕ ይዝረብ ኣሎ።

ካልኣይ ኣኼባ መድረኽ ብሰለስተ ኣባላት ዝተመርሔ ኣብ ዓዲእንግሊዝ ብዕለት 02/ የካቲት/ 2014 ተኻይዱ ነይሩ። ብስእልን ድምጽን ይኹን ብገለ ዝተሳተፉ ዝርዝር ተወሲኹ ከምዝተቓልሔ ኩልና ሰሚዕና።  ካብ ሰለስተ ኣካየድቲ ኣኼባ ለንዶን፣ እቶም ክልተ ዓብደላ ኣደምን ዓንደብርሃን ወልደገርግሽን ነይሮም። ክልቲኦም ካብ 1977 ቐዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ኣትሒዞም ማእከላይ ሽማግለ ህ. ግንባር ነይሮም። ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኮይኖም፣ ክልቲኦም ኣብ መወዳእታ ዝወጹሉ ግዜ ድማ ከም ኣምባሰደራት ይሰርሑ ነይሮም። ሳልሳዮም ዶክ. ኣሰፋው ምክትል ሓላፊ ሕክምና ዝነበረ እዩ።

ኣባላት መድረኽ ኣንጻር ዲክታቶራዊ ስርዓት ኤርትራ ዝካየድ ሓርነትዊ ቓልሲ፣ ኣብ መትከላት ደሞክራሲ ዝሙርኮስ ብልዕልና ሕጊ ዝግዛእ፣ ብህዝባዊ ምርጫን ናጻ ናይ ሰልፍታት ውድድር ዝረጋገጽ ህዝባዊ መንግስቲ ንምትካል፣ ኣብ ንጹር ዕላማን እስትራተጅን ዝሙርኮስ፣ ምስ ካልኦት ደለይቲ ፍትሒ ተወሃሂዶም፣ ምስ ናይ ውሽጢ ሃገር ድልድል ክኾኑ እስትራተጂ እንተለዎም፣  ብግሉጽነት ይሓብሩና የዕግቡና “መርሓባ” ዘይንሱ እንታይ ንደሊ ንኹልና ስለዘርብሕ ንድግፎ ዘዛርብ የብልናን። እንታይ ድኣ እዩ ዘዛርበና ጫቑ-ጫቕ ዘብለና ዘሎ?  ስለዚ ህድእ ኢልና እስከ ንመርምሮ?

ኣብ ክንዲ ብስምዒት ምጥባቕ፣ ናይ ክልተ ወገናት መልሲ ሰሚዕና፣ መርትዖ ኣሰኒና ብጭቡጥ ንመልሽ።

ክትዕና ሓላፍነታዊ ባህርያት ክህልዎ፣ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ዘተኮረ ገይረ ከቕርቦ ዕግበት’ዩ።

  1. ድሮ ናይ ክልተ ወገን ሰሚዕናዮ ዘለና ናይ መን ርእይቶ ሓቕነት ይህልዎ ብዘቕረቡዎ ሙጉትን መርትዖን ነመዛዝኖ።
  2. እቲ ጌና ናይ ሓደ ወገን ጥራይ ተገሊጹ ዘሎ፣ ናይቲ ካልኣይ ወገን መልሲ ከይሰማዕና፣ ናይ ደገፍን ተቓዉሞን መርገጺ ክንወስድ ሚዛናዊ ስለዘይገብሮ፣

ብቐዳምነት ኣባላት መድረኽ ኣብ ህዝቢ ቐሪቦም ነቶም ዘሰክፉን ዘዛርቡን ዘለዉ ህዝባዊ ሕቶታት ብንጹር ክምልሹ ግዴትኦም ክፍጽሙ ክንጽውዕ ጻዕርና ከነሓይል ኣገዳሲ ይመስለኒ።

  1. ናይ ሰባት ኣፍልጦ ክፈላለ ባህርያዊ’ዩ። ሰባት ትዕዝብቶም ስክፍትኦም ክገለጹ፣ ናጻ ሓሳባቶም ናይ ምግላጽ ዘይገሃስ ውልቓዊ መሰል’ዩ፣ ግና ብምክብባርን ምጽውዋርን ዝተሰነየ ክኸውን ፍትሓዊ ይገብሮ።
  2. ንኹሉ ሃገራዊ ዝጠምሩ ህዝባውን ደሞክራስያውን መትከላት ከኣ ስለዘለዉ፣ በቶም  መትከላት ክንዛረብ መሰልና’ዩ። ምኽንያቱ ጉዳይ ፍሉይ ጉጅለ መድረኽ ዘይኮነ፣ ጉዳይ ህዝብን ሃገር እዩ። ስለዚ ገሌና ንዝደለናዮ ክንከላኸሉ  ብስምዒት ጸግዒ ወሲድና ብሻርነት ክንጣበቕ ንፍትን። ገሌና ድማ ንዘይደለናዮ ከነጸልሞ ፍትሓዊ ኣይገብሮን።

ንመድረኽ ምንቃፍ ፖለቲካዊ ዲዩ ኣውራጃዊ? ቕድም መምዘንን መልክዕን ኣውራጅነት እንታይ’ዩ?

ብቕሉዕ ንካትዓሉ። ኩሉ ሰብ ነናቱ መቦቖል ኣለዎ ክንኮርዓሉ ድማ ይግባእ። ምእንቲ ሃገራዊ ረብሓ ንሓደ ዕላማ ከመይ ተኸባቢርና ተጻዊርና፣ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ምውዳቕ ንቓለስ ከኣ ህጹጽን ዘየላቡን ቐዳማይ ዕማምና ክኸውን ይግብኦ። እቲ ምክልኻልን ምጥቓዕን ግና ኪንዮ ሃገራዊ ረብሓ፣ ንሓድነትና ዝዘርግ ሕሱር ናይ ፖለቲካ ሜላ ስለዝኾነ ንረብሓ ህዝቢ ስለዘየገልግል ክንዋስኣሉ ኣይግባእን። ። ካብኡ ዝረብሑ ናይ ፖለቲካ ሰባት እንተለዉ ድም ክንቓወሞ ይግብኣና።

ስለዚ መጀምርያ ኣኼባ ዝመርሑ ሰለስተ ኣባላት መድረኽ ዝንቐፍሉን ዝኽሰስሉን ዘለዉ ነጥብታት፣ ብመስርሕ ህዝባዊ ቓልሲ ብዕላማኡን ዘይግሉጽነቱን፣ ብፖለቲካዊ ኣገማምግማ ዲዩ ዘዛርብ ዘሎ፣ ወይስ ብመበቖል ኣውራጅኦም?  ንጹር መልሲ ስለዘድልዮ ኣብ ሓቕታት ተሞርኩስና ብጭብጢ ንገምግሞ።

  1. ኣስከ ንዝተቓልዑ ሰለስተ ኣባላት መድረኽ ብመበቖል ኣውራጃ ንገምግሞ፦

ዶክ. ኣሰፋው ካብ ሓማሴን እዩ። ዓብደላ ኣደም ካብ ኣከለ-ጉዛይ ከም ብሄረ ድማ ሳሆን ኣማኒ ምስልምናን እዩ። ዓንደብርሃን ካብ ሰራየ እዩ። ስለዚ መድረኽ ወኪሎም ዝተራእዩ ሰለስተ ሰባት፣ ካብ ሰለስተ ኣውራጃን ክልተ ሃይማኖትን ይውለዱ። ዝኾነ ሰብ ብዛዕብኦም ትዕዝብቱ ዝገለጸ፣ ኣገባቦም ዝነቐፈ፣ ስክፍትኡ ዘቐመጠ ሰብ ብምንታይ መምዘንን መዓቐንን ኣውራጃዊ ይገብሮ? ክምለስ ዘለዎ መሰረታዊ ሕቶ’ዩ።

ንመድረኽ ዝነቕፉ ዘለዉ’ኸ ካብ ሓደ ኣውራጃ ዝውለዱ ጥራይ ኣይኮኑን። ረድኢ መሓሪ ኣለና፣ ኣማኒኤል ኢያሱ ካልኦት ካብ ሰለስቲኡ ወይ ዝያዳ ኣውራጃ’ዶ ኣይኮኑን?  ስክፍትኦም ዝገልጹ ዝነቕፉ ዘለዉ ይኹኑ፣ እቶም ተነቐፍቲ ኣባላት መድረኽ ኩሎም ካብ ሰለስተ ኣውራጃታት ከበሳ ይውለዱ። ኣባላት መድረኽ’ከ ናይ መን ኣውራጃ ወከልቲ ስለዝኾኑ’ዩ ኣብ ክንዲ ውልቐሰባት ክንድዚ ምጥባቕ? ብጉጉይ ናይ ፖለቲካ ሜላ ዘይመልክዑ ኣትሒዝካ ንሓድነትና ዝዘርግ ናይ ሳይበር ውግእ ምምራሕ’ከ ንምንታይ ተደልዩ ንረብሓ መን’ከ? ብዕምቖትን ብሓቕን ተመራሚርና ሕልናዊ መልሲ ንሃበሉ። በብኣብነቱ ንምግላጽ፦

ተጋዳላይ ተድሮስ ተኽለ ኣብ ናይ መድረኽ ካልኣይ ኣኼባ ናይ ዓዲ ኣንግሊዝ ብዕለት 02 -የካቲት/ 2014 ተሳቲፉ ነይሩ። ተድሮስ ትዕዝብቱን ገምጋሙን “ ዳሕራዮም’ምበር ገደድ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣሰና. ኮም ብለት 06-የካቲት/ 2014  ቐጥታዊ ትዕዝብቱ ገሊጹ። ጴጥሮስ በዓታይ ንትዕዝብትን መግለጽን ተጋዳላይ ተድሮስ ኣውራጃዊ ኢሉዎ። ተድሮስ ንኣውራጅነት ዝጠቕስ ኣይገለጸን። ወዲ ባዓታይ ድማ ኣብ ሱር- ነገሩ ኣትዩ ንትዕዝብቲ ተድሮስ ዘፍርስ፣ ኣውራጃዊ ምኻኑ ዘቓልዕ ኣብ ምንታይ ጌጋ ኣለዎ ፈልዩ ኣነጺሩ ዘቕረቦ ሙጉትን ጭብጥን ኣይገለጸን። ወዲ ባዓታይ ነቶም ኣብ ኣኼባ ለንደን ዘይተሳተፍና ዘይነበርና ሰባት ዘእምን ዝርዝርን መርትዖን ኣቕሪቡ  ዘዕግበና ጭብጢ ብወገነይ ኣይረከብኩን። ስለዚ ተጋ. ተድሮስ ተኽለ ንመድረኽን ኣገባቡን ምንቓፍ ኣብ ምንታይ’ዩ ኣውራጃዊ ዘቑጽሮ ብወዲ ባዓታይ። ኣነ ንክልቲኦም ብኣካል ኣይፈልጦምን’የ ብዝኾነ ምኽንያት ተራኺበ ኣዕሊለ ኣይፈልጥን።

ሕልናዊ መልሲ ክንህበሉ ርእዮቶና ሚዛናዊ፣ ፍትሓዊ መደምደምታ ክንወስድ ንክልቲኤን ሊንክ ኣነጻጺርካ ምርኣዩ የድሊ።

ተድሮስ  ንወዲ በዓታይ እንደገና መልሲ ሂቡዎ። ክልቲኦም ስለዝፋለጡ ፍርዲ ንምሃብ ኣሸጋሪ’ዩ። እንተኾነ ተድሮስ’ውን ንወዲ ባዓታይ ናይ ኣውራጃ ስምዒቱ ሓሜቱን ሕሹኽሹኽን ምጽሓፍ ኣይመድለየን ጌጋ ብጌጋ ምእራሙ ሃናጺ ስለዘይኮነ።

መግለጺ ኣማኒኤል ኢያሱ ኣሰና፣

ኣማኒኤል ኣሰና ምስ መድረኽ ዘትዩ ብሓባር ብብመዓልቱ ፈነወ ረድዮ ሳተላይት ክፍንዉ ተሰማሚዑ፣ ፈነወ ናጻ ራድዮ መድረኽን ኣገባቡን ውዕል ገይሮም ኣብ ወብሳይቱ ለጢፉ ነይሩ። ሕጂ ውዕሎም ፈሪሱ ፈነወ ረድዮ ኣቛሪጹ ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣማኒኤል ኣሰና ምኽንያት ምፍራስ ስምምዕምን ኣገባቡን ስለዝተዋስኣሉ፣ ንሱ ብዝፈልጦን ብዝመስሎን መግለጺ ሂቡሉ ኣሎ ኣሰና።

ከም ተቓለስቲ ናይ መድረኽ መልሲ ከይሰማዕና፣ ቕኑዕ’ዩ ወይ ጌጋ’ዩ ክንብል ብስምዒት ክንጣበቕ ኣይግባእን። ምኽንያቱ “ “ ዘረባ ክልተ ከይሰማዕካ ኣይትፍረድ”  ስለዝኾነ። ስለዚ ንኩሉ ዝፈትሖ ድማ ኣባላት መድረኽ ተኸሰስቲ ስለዘለዉ ቕድም ንሳቶም ብቐጥታ ክምልሹ ኣለዎም ናይ ካልእ ጠበቓ ዘድልዮም ኣይኮነን።

ሰማዕቲ ቕድሚ ስምዒታዊ ፍርዲ ምሃብና፣ ኣብ ክንዲ ናይ ገለ ወገን ተጣበቕን ነቐፍትን ንኸውን፣ ህድእ ኢልና ካብ ኩሎም ከነዋህልል ኣፍልጦና ከነሰፍሕ ድማ ሓላፍነታውያን ይገብረና ሚዛናዊ ፍርዲ ክንህብ ይሕግዘና።

ኣብቶም ናይ ህዝባውን ደሞክራስያውን መትከላት ውልቓዊ ርእይቶይ ክህብ መሰልዩ፦

እዞም ክልተ ዝተጠቕሱ ተጋደልቲ፣ ተድሮስ ተኽለን ኣማኔል ኣሰናን፣ ምስ ኣባላት መድረኽ ብቐጥታ ዝተራኸቡ እዮም።

እቶም ምስ መድረኽ ዘይተዛረብና ድማ ኣብቲ ፖለዪካዊ ጉዳያት መድረኽ ርእይቶና ክንህብ ከም መሰል ዝኸበረ’ዩ። ርእይቶይ ቕኑዕ ዲዩ ጌጋ  ናቱ መልክዒ ህዝባዊ ቓልስን መትከላቱን ፖለቲካዊ ክኸውን ይግብኦ።

ምትእኽኻብ መድረክ ግሉጽነት ዝጎደሎን ገላልን ምኻኑ ይኣምን፦

መድረኽ ኣገባቡ “ ግሉጽነት ዝጎደሎ’ዩ” ። ኣኼባ በልጅዩም እንታይ ነይሩ ኣጀንድኡ፣ በዓል መን ተሳቲፎም፣ ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ወሲኖም፣ መን እንታይ ዓይነት ናይ ስራሕ ሓላፍነት ተሰኪሙ ኣሎ ዝግለጽ የለን። ምስ ደለይቲ ፍትሒ ዘሎ ዝምድና ናይ ቓልሲ ኣይተነጸረን። ዝተኻየደ ርክባት ኣሎ’ዶ የለን ኣይተገልጸን። ኩሉ ሚስጥራዊ’ዩ። ሓንቲ ነገር ከኣ ኣላ ንሚስጥሮም ዘቓልዓቶም። መን’ዮም መድረኽ እንታይ’ዩ ዕላምኦም ቕድሚ ምግላጾም  ፈነወ ረድዮ ጀሚሮም። ንሶም ካብ ህዝቢ ተኸዊሎም ረድዮኦም ይፍኖ። ዘገርም’ዩ! ካብዚ ንላዕሊ ጉድለት ግሉጽነት የለን ስለምንታይ ንሓቒ ንቓወም።

መድረኽ ገላሊ ባህርያት ኣለዎ ሓቛፊ ኣይኮነን፦

መድረኽ ንውሑዳት ብሕርያ ዝተጸውዑ ዝውክል “ ገላሊ ባህርያት ዘለዎ’ዩ። ንብዙሓት ገዳይም ዘይሓቑፍ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተገሊጹ’ዩ። ንሳቶም ጥራይ ኣይኮኑን ምኩራትን ሰብ ጸጋ ምሁራት። ክንደይ ኤርትራውያን ምሁራት ምኩራት ኣለዉ ። ነቲ ሓቓፊ ዘይኮነ ገላሊ ባህርያቶም ተወሳኺ መረጋገጺ ዘድልዮ እንተኾይኑ፣ መድረኽ ናብ ህዝቢ ምስቐረቡ ተሓቲቶም ክምልሽዎ ብመርትዖ ከቕርቦ ሽዑ ዝከራኸረሉ ጉዳይ ስለዝኾነ ንግዚኡ ክሰግሮ።

መድረኽ ብጉድለት ግሉጽነቱ ይኹን ገላሊ ባህርያቶም፣ ብደላይ ፍትሒ ህዝብን ተጋደልትን ምጥርጣር ክህሉ ስክፍታ ክፈጥር ባህርያዊ’ዩ። ህዝባዊ ሕቶታት ክለዓል ከኣ ግድነት’ዩ። ብፍላይ ባህርያቶም ዝፈልጥዎም ተጋደልቲ ካብ ዝኣምኑዎም ዝጠራጠሩ ከምዝበዝሑ ድሮ ይዝረበሉ ይጽሓፈሉ ኣሎ። ምኽንያቱ ካብ 1977 ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ እዮም። ሓለፍቲ ሚስጥራዊት ሰልፊ ነይሮም። ድሕሪ ናጽነት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ እዮም። ወረ ገሊኦምሲ ጉጅለ 15- ዝነበሩ፣ ምስወጹ ክንዲ መሰል ጂ 15 ዘይምጥባቖም ሓደ ካብ ዝዓበየ ዘሕምዮም ጉዳይ እዩ። ገሊኦም ድማ ጅ-15 ኣንጻር ሃገራዊ ጸጥታ ኢሎም ካብ ህዝቢ ክንጸሉ ጎስጋሳት ዘካየዱ ታሪኾም ዝደምሰሱ እዮም። ታሪኽ ደቒ ሰባት ተቐቢሩ ኣይከይድን’ዩ። ኣብ ሕሉፍ ተሞኩሮና ተጋጊና ነይርና ኢሎም ይቕሬታ ምስዝሓቱ ሕድገት ምግባር ስልጡን ባህሊ ደሞክራስ’ዩ። እቲ እምነት ይህነጽ’ዶ ኣይህነጽን ግና ግዜ ዝምልሾ ጉዳያ’ዩ።

ስለዚ መድረኽ ብደለይቲ ለውጢ ንዘሎ ስክፍታት ከጉድሉ፣ ንዘለዉ ነቐፌታ ክቕበሉ ወይ ከረድኡ፣ ንዘለዉ ጥርጣሬታት ከድምቑ ወይ ከዕግቡ ሓንቲ ሃናጺት ኣገባብ ተድልዮም። ንኹሉ ህዝባዊ ሕቶታት ክምልሹ ኣባላት መድረኽ ርእሰ- ተኣማንነት ገይሮም ኣብ ቕሉዕ መራከቢ ብዙሓን ወጺኦም ብግሉጽነት ክምልሹ ግዴታ ኣለዎም። ስለዚ ዘረባ ክልተ ክንሰምዕ መድረኽ ናብ ህዝቢ ወጺኦም ሕቶታትን ስክፍታን ህዝቢ ክምልሹ ንጸውዕ ጻዕሪ ነካይድ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፣ ብስምዒትን ጸግዕን ክንምልሽ ምፍታን ካብ ሓቒ ዝረሓቐ’ዩ። ስለ ፖለቲካ ኢልና ዝወሃብ መግለጺ ምስሉይነት’ዩ ግብራዊ ኣይኮነን።  ንናጻ ሓሳባት ሰባት ንምድፋን ንምድሃል ኢልካ ዘይተደልየ ትርጉም ኣውራጅነት ከተትሕዞ ምፍታን ዘይሓላፍነታዊ’ዩ። ኣብ ክንዲ ኣብ መሰረታዊ ትሕዝቶ ብመርትዖ ምዝራብ ኣብ ጓል መንገዲ ምምላሽ መግለጺ ድኽመትና’ዩ። ክንዲ ሰባት ክንጣበቕ ከነቖናጁ፣ ወይ ንሰባት ከነጸልም ክልቲኡ ዘይሓላፍነታዊ ባህርያት’ዩ። ወይ ኮነ ኢልካ ሓድነት ንምዝራግ ናይ ፖለቲካ ሕንፍሽፍሽ ምፍጣር ከም ዕላማ ምውሳድ ኣነዋሪ’ዩ። ወይ ከኣ ንኣውራጃዊ ሕማምካ ከም መባድልቲ ወሲድካ ብድሑር ኣወዳድባ ኣውራጃ ተዘዋዋሪ ጻውዒት ምግባር’ዩ። ኩሎም ተደሚሮም ከኣ ኣዕነውቲ እምበር ሃነጽቲ ኣይኮኑን። ዝኾነ ሰብ ከኣ ናይ ኣውራጅኡ ውክልና ዝሃቦ ሰብ ስለዘየለ፣ በጃኩም ብሰንኪ ውልቐሰባት ዝፍጠር ጉድለት ናብ ህዝብን ኣውራጃን ኣይነጸግዓዮ። ነቲ ሰብ ፈሊና ብሃናጺ ኣገባብ ንኣርሞ። ገለ ሚድያታት ከኣ ኣብ ክንዲ ምስዋር ነዳዲ ምውሳኽ፣ ንዘይሓላፍነታዊ ጽሑፋት ብሞያዊ ስነ-ምግባር ክቕየዳ፣ ንሓድነትና ዝዘርግ ጽሑፋት ካብ ምእንጋድ ክቑጠባ ለበዋይ ከመሓላልፍ ይደሊ።

 

ዓወት ንውጹዕ ንህዝቢ ኤርትራ

21/02/2014

ሶሎሞን ብርሃነ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
73 COMMENTS
  • Weyseb Deqey February 21, 2014

    kemzi tsbuq article kenbeb aziye tehaguwisse. yeqeniyelna!

    • romay February 21, 2014

      Good job Solomon. Very balanced and civilized
      Point of view.
      Romay

  • Tes February 21, 2014

    Kibur Hawi Solomon,

    Tsubuk Zereba you are quite right Maderk is not about region it is about its method of engagement. Transparency is a prerequisite to any political entity but Medrek has none of it. To make it Worse Wedi Baatay twisted the issue to cover the groups weakness and accused innocent individuals as Wegwnawoyan. Its old trick of PFDJ but this old man do not free himself from that sick mentality. He assumed he could silence them but it din’t work it was spectacularly backfired to his disadvantage. It becomes clear how weird character he is. I was one of those outraged years back when he was dragged out of PFDJ meeting in London. But now have second thought.

  • hadnet February 21, 2014

    Solomon I love your introduction and conclusion. In the middle of your article you started to judged them by bela belew.. bahiriatom zfeltwom ktble gemirka. Abti kedamay tsihufka gn zereba kltewegen keysemaEka aytferdn eka elka nerka. Elomo endabelka gn abAfdege fridi atka. MluE bmluE mizanawi seb eki kbleka dma atsegimuni.

  • ERITRAWIT February 21, 2014

    Dear Selomon Brhane,
    Excellent I am impress nothing to add from what you said.

  • zgeremo February 21, 2014

    Very funny! You said”do not judge before we hear from both.” then you judge them.

  • Tesfu Kbrom February 21, 2014

    Eti awrajawi ilu nseb zexelim nbaelu awrajawi iyu. Hade seb awrajawi mkwanu ente feliTna kabti zelewo xebib ankiel knewxi’o tray mftan iyu eti ftah ember awarajawi ilka sile zxerefkayo aykonen. ezi qal ezi gn kan akiluwo mexarefi wey thanka wmewx’i iyu koynu zelo. Weyanie, awarajawi, HGDEF ilka xerfi aykonen. Amerika, norway, ilka mxraf tray iyu terifu zelo. eski bejakatkum qurub nmaebil.

  • Eritrawi February 21, 2014

    ሃገራዊ ምዃን ሕማቕ ድዩ? ኣውራጃዊ ምዃን ህማቕ ድዩ? ወረዳዊ ምዃን ሕማቕ ድዩ? ዓዳዊ ምዃን ህማቕ ድዩ? ኣስማሪኖ ምዃን ህማቕ ድዩ? ብዛዕባ እትፈልጦ ፡ ቦታ ፡ ታሪኽ ፡ ግለሰብ ፡ ዓይነት ትምህርቲ ፡ ክትዛረብ/ክትጣባቕ ፡ ከምቲ ንስኻ ዝመስለካ ነውሪ ድዩ? ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝተኣታተወ ሓደ መርዛም ኣትሓሳስባ ክሳብ ሕጂ ነቲ ንቡር ከምዘይንቡር ጌሩ ጸሚዱ ሒዙና ኣሎ። እቶም ንለወጢ ንኣምን እንብል ነብስና ነጽሪ መጀመርያ። እቲ ንቡር ናብ ቦትኡ ንምለሶ።

    ሓማሴን/ሰራየ/ሰንሒት/ኣከለጉዛይ…ወዘተ. ኣለዋ ንብል እንተኾና ወይ ክህልዋ እንተጽዒርና ወዲ ኩለን ኣውራጃታት ኣሎ ማለት’ዩ። ነቲ ኣውራጃን ህዝባን ዝሓሊ ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ሓማሴን ከም ኣብነት ድማ ኣውራጃ እያ ። እናታይ ድኣሉ እቲ ጌጋ? መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ቅድሚ ስርዓት ህግደፍ ዝነበረ ምምሕዳራዊ ክፍፍል ዝድግፍን ዝጣበቕን እዩ ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ። ስለምታይ ድኣ ንተወለድትን ኣስማት ኣውራጃታትን ነመራስሕን ንጸርፍን ድኣ! ።
    ብስም ተወላዲ ሓደ ኣውራጃ ምዃን ትጽረፍን ትምጎስን እንተኾንካ ኣብቲ ሃገር ብሓፈሻ ጥዕና የለን ማለት እዩ። ባዕላዊን ስነኣእምሮኣውን ሕማም ስለዘሎ እዩ ድማ ፡ ንሳ ከኣ ከም ሕማም ዓሶ ኢሰያስ ምልካፍ ማለት እያ’ሞ ሓንጎልና ነስፍሓዮ ። ከምቲ ህግደፍ ዘጠመቕዎ ስም ማለት ተቓዋማይ እንተኾይኑ ወዲ ኣከለጉዛይ ክኸውን ኣሎዎ ኢሎም ኣብቲ ሕብረተሰብ መርዚ ዝነስነሱ ተቓወምቲ ድማ ናይዚ ኣተሓስስባ ግዳይ ኣይንኹን። ኣተሓስስባና ነማዓራሪ ፡ ክትጽረፍ እንተዘይደሊካ ኣይትጻረፍ ፡ ሓደራ ኣስማት ኣውራጃታትና ታሪኻዊ ስለዝኾነ ናይ ህምቀትን ክፋእን መመሰሊ ኣይንግበሮ ሓደራ።
    ዝበለ ይበሃል ፡ ኣውራጃታትና ምስ ክብረተን ክህልዋ እየን ፡ ህዝበን ድማ ክቡር እዩ ። እቶም ኣስማት ኣውራጃታትና መጽረጊ ንፋጥኩም ክትገብርወን ትውዕሉ ግና ወይለኹም።

  • bereket b woldeab February 21, 2014

    Dear Solomon: Thanks a lot for shedding a critical illumination on a messy and chaotic field. Short, precise, incisive, to-the-point and what is more:a rational and well balanced approach that is so lucking these days. Thanks!

  • Ghizie 3 February 21, 2014

    ክቡር ኣቶ ሰሎሙን ብርሃነ፡ ንሓደ ጉዳይ ብክልተ ገጻቱ ርኢኻ ምምዛኑ፡ ጽቡቕ እዩ ምባልካ፡ ከም ተጥቢ ኣይተጋገኻን። ይኹን እምበር፡ ባህሮምን ታሪቃዊ ኩነታቶም ብምንፃር፡ ናይ ዝተፈላለዩ ኣውራጃን ሃይማኖትን ብምኻኖም ብሕቱ እንታይ እዩ ቁምነገሩ? ምስ መትከል ህዝቢ ዘራኽብ ዘይብሎም እንከለዉ፡ ከመይ እዩ ፍሉይነቶም ብጽቡቕ (ከም ፖሲቲቭ) ኪጥመት? ግሉጽነትን ህዝባዊ መትከልን ናይ ብዙሓት ውክልና ዘየማልኡ ክነሶም፡ ከም ሕብሪ እንተጸበቕና ተባሂሉ ንጠረጴዛ ዝተሰንዐ፡ እንታይ ዋጋ አለዎ? ኣብ ህዝባዊ ድሌትን ዝድለ ዘሎ መትከ ለውጥንከ፡ ገለ ዝጭበጥ ኣወዎ ድዩ? ህግደፍ እውን፡ ብኸምኡ ናብ ህዝቢ ከምዝቐርብ፡ ህፉዕ ምኻኑን ከመይ ዘንጊዕካዮ? እዞም መድረኻውያን ድማ ካብዚ ንይ መታለሊ ስልቲ (deceptive) እዮም ተበጊሶም። ሓቂ እንተዝህልዎም ነሩ፡ ግልጽነትን ህዝባውነትን ናይ ለውጢ ጠልውባትን ብቐዳምነት መንጸባረቑ።

  • luna February 21, 2014

    Solomon: This is the type of reasoning and content which Eritreans had been lacking all through. I thank you for your fair assessment of the situation where we are. We are at a cross-road and more than ever we need clear pictures and at the same time simple enough to be understood by the majority of our population. Keep up the good work. Once again many thanks!

1 2 3 5

Post a Reply to monicasalguero Cancel Reply