Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

‘መደረ ፕረዝደንት ሃገረ-ኤርትራ፡ ብኣጋጣሚ ጽንብል 25 ዓመት ብሩራዊ እዮበልዩ’

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ኣቐዲመ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ንኹሎም ፈተውቱን፡ ዮሃና ንኽብሪ 25 ዓመት ዝኽረ ዓመት ናጽነት እንዳበልኩ፡ ነቲ ንናጽነቱ ክውን ንምግባርን ክብሪ ልዑላውነቱን ሓርነቱን  ንምሕላውን፡ ጸሚእና ከይበልናዮ ማይ፡ ጠሚና ከይበልናዮ እኽሊ ብምቕራብ ዘስተየናን

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡

ኣቐዲመ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ንኹሎም ፈተውቱን፡ ዮሃና ንኽብሪ 25 ዓመት ዝኽረ ዓመት ናጽነት እንዳበልኩ፡ ነቲ ንናጽነቱ ክውን ንምግባርን ክብሪ ልዑላውነቱን ሓርነቱን  ንምሕላውን፡ ጸሚእና ከይበልናዮ ማይ፡ ጠሚና ከይበልናዮ እኽሊ ብምቕራብ ዘስተየናን ዝዓንገለናን ህዝቢ ኤርትራ፡ መዘና ዘይርከቦ መስዋእቲ ከፊልካ ኢኻ እሞ፡ ሓበንን ሞሳን ንዓኻ። ንኹሎም እቶም ነዚ ‘ርብዒ ዘመን፡ ኣብ መኸተን ልምዓትን’ ብዝብል ቴማ እንጽንብሎ ዘለና ኣጋጣሚ ንምምዕራግ ኣበርክቶ ዝገበሩ ዜጋታት፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ልዑል ምስጋናይ የቕርብ።

ዓመት መጸ ዝኽሪ መዓልቲ ነጻነት ኣብ እነብዕለሉ፡ ዝሓለፍናዮ ጒዕዞ እንዳገምገምና፡ ንመጻኢ እንታይ ክጽበየና ኢዩ ዘይኮነስ፡ ሕጂ እንታይ ክንዓምም ይግብኣና እንብለሉ ኣጋጣሚ ኢዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ዝተሰግሩ ሓያለ ብድሄታትን ተጻብኦን፡ ኣንፈት መኣዝና ንምስሓት ዝተጠጅኡ ውዲታትን፡ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዋላ’ኳ ዘነይተና እንተዘይኮነ፡ ተዛማዲ ክበሃል ዝከኣል ልምዓታዊ ገስጋስ ኣመዝጊብና ኢና። ብውህደት ሓያል መኸተ ህዝብን ሰራዊትን ግንባርን ክዕመሙ ዝጸንሑ፡ ኣብ መስርሕ ዘለውን ልምዓታዊ መደባት ብዝሓየለ ናህሪ ተደሪዖም ክቕጽሉ ምኻኖም ድማ ከዘኻኽር እፈቱ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ጎድኒ ጎድኒ ልምዓታዊ ግስጋሴና፡ ንዝበረኽ ዝላ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ ዓውለማዊ መድረኽ ዝምጥን፡ ሕሉፍ ኣከያይዳና ብምግምጋም፡ ሱር-ነቐል ጽገናዊ ለውጢ ክንገብር መድረኽ ዝጠልቦ እዋባዊ ዕማም ኢዩ። ክንሰርሓሎም ዝጸናሕና ኣገባብ ምሕደራ፡ ኣብ ጽላት ፖሊቲካ፡ ቊጠባን ወተሃደራዊ መዋቕራትናን ብፍላይ፡ ለውጢ ከምዘድሊ ኣሚናን ተገንዚብና ኣለና።

ፖለቲካዊ ጽገናን፡ ሃናጺ ጽምዶን

ብሰሪ እቲ ኣብ ልዕሌና ዝተኣወጀ ኲናት፡ ፖለቲካዊ ግስጋሴና ጂሆ ተታሒዙ ከምዝጸንሐ ኩላትና ዘይንስሕቶ ጉዳይ ኢዩ። እንተኾነ፡ ኣብ ተዛማዲን ዝሓሸ መድረኽ ሰላምን ርግኣትን ስለእንርከብ፡ መጻኢ ወለዶ ብሰላምን ቅሳንትን ዝነብሩላ ሃገር ክውንቲ ንምግባር፡ ምስ ዝቐያየሩ ስርዓታት ዘይቀያየር፡ ምትእትታው ሕገ-መንግስታዊ ስርዓተ-ምሕደራ ኣማራጺ የብሉን። ንወለዶታት ዝዘልቕን፡ ቀጻልነት እዛ ሃገር ዘውሕስን ዓንዲ፡ ልዕልና ሕጊ ዝነገሶ ትካላዊ ኣሰራርሓ ጥራሕ ኢዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣቐዲሞም ንዝተኣትው መብጽዓታት ሰውራዊ ቃልስና ክውን ኣብ ምግባር ዘንጊዕና እኳ እንተጸናሕና፡ ሕጂ ግን እቲ ግዜ በሲሉ፡ እዋኑ’ውን ዝኣኸለ ይመስለና። እቲ ንብዙሕነትና ዘተኣናግድን ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝተነድፈን፡ ግን ከኣ ተወጊኑ ዝጸንሐ ሃገራዊ ቅዋም፡ ኣብ ግብሪ ከከምኣድላይነቱ፡ በቲ ዝምስረት ሓድሽ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክለሳ እንዳተገብረሉ፡ ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል፡ ብእውጅ መልክዕ ንህዝቢ ክሕበር ምኻኑ ከበስረኩም እፈቱ።

ምስ ትግባረ ቅዋም ተተሓሒዞም ክለዓሉ ዝኽእሉ፡ ሓያለ ኣገደስቲ እዋናዉያን ሕቶታት ከምዘለው ኣይንስሕቶን። ትግባረ ቅዋምን፡ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ ፖሊቲካዊ መድረኽን ተኣሳሲሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ዜጋታት፡ ዝፈጸምዎ ገበናትን፡ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑሉ ግዜን ብዕቱብ ተመርሚሩ፡ ብምሕረት ከምዝልቀቑ በዚ ኣጋጣሚ ክሕብር እፈቱ። ብዘይ ኣገባብ ዝተኣስሩ ዜጋታት እንተልዮም፡ ንዝወረዶም ኣካላዊ ይኹን ስነ-ኣእምሮኣዊ በደል፡ ኣጻርያ እትመሚ ኮምሽን ዕርቕን ካሕሳን ከምእትቐውም፡ ነዚ ስራሕ ንምስላጥ ዝሕግዝ፡ ፍሉይ ባጀት መንግስቲ ሰሊዑላ ከምዘሎን እንተገንዘብኩ ጽቡቕ እመስለኒ። ብዘይካ’ዚ እዛ ኮምሽን፡ ንዝተዋህቦም ህዝባዊ ሓላፍነት ብምጉዕጻጽ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝዓገቡ መራሕቲ ወተሃደራውያን ይኹኑ ሲቪል እንተልዮም፡ ጉዳዮም ብጭቡጥ ኣጻርያ፡ ኣብ ፍርዲ ከተቕርቦም ምሉእ ስልጣን ከምዝህልዋ፡ ንኣንፈይ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ኣይደልን።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን

ከምዝፍለጥ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሓያለ በሰላ ኣብ ርእሲ ምግዳፉ፡ ዝሓለምናዮ ዘቤታዊ ልምዓታዊ መደባትና ከይትግበሩ’ዉን ገቲኡ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ ድሮ ምብቃዕ እቲ ኲናት፡ ተኣፈፍትን ዘይእዋናውያንን ሕቶታት ኣልዒልኩም ተባሂሎም፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን ነበር ከምዘለው ኣይዝንጋዕን። ዝፈጸምዎ በደላት ዋላ’ኳ ከቢድ እንተኾነ፡ ንሃገራዊ ዕርቅን፡ ነዛ እነብዕላ ዘለና ዕዝዝቲ ዕለተ-ናጽነት ክውንቲ ንምግባር፡ ንረዚን ኣበርክቶኦም ብምዝካር እምበኣር፡ መንግስቲ ብምሕረት ብነጻ ክለቆም ወሲኑ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ካብ ቦታ ተሓድሶ ወጽዮም፡ ንዕኦም ብፍሉይ ኣብ ዝተዳለወ ግዝያዊ መጽንሒ ከምዝርከቡ ክሕብር እፈቱ። እዚ ምሕረት፡ ነቶም ምስኦም ኣብቲ እዋን እቲ ዝተኣስሩ ኣዳለውቲ ብሕታውያን ጋዜጣታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ከም ዝሕውስ’ዉን ከየዘኻኸርኩ ክሓልፍ ኣይደልን።

ዝኸብርኩምን ዝኸበርክንን

ኣብ እዋን ብረታዊ ተጓድሎና፡ ፖሊቲካዊ መርገጺ ዝመበገሲኦም ፍልልያት፡ ብሰሪ ጉድለት ዓቕሚ ኣፈታትሓ ግጭት፡ ኣድላይነት ናብ ዘይነበሮ ኲናት ሕድሕድ ተኣትዩ፡ እዛ ሃገር ህይወት ሓያለ ዕሸላት ደቃ ከምዝኸሰረት፡ ሕሉፍ ታሪኽና ዝሰነዶ ዘሕዝን ሓቂ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ናጽነት’ውን እንተኾነ፡ ብዘይካ ሒደት ሓያለ ካብ ነባራት ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ነበር፡ ናብዛ ሃገር ዘይኣተው ከምዘለው ኣይዘንጋዕናን። ኣብቲ ከነቚሞ እንውጥኖ ዘለና ቅዋማዊ ስርዓተ-ምሕደራ ንምስታፍ፡ ብጥርኑፍ ይኹን ብውልቂ ክኣትውን፡ እጃሞም ከበርክቱን ድላይ ንዘለዎም፡ እቲ ባብ ወትሩ ርሕው ምኻኑ ክሕብር እፈቱ። ብዘይካ እዚ፡ እቶም ብሰሪ ምንዋሕ ግዜ ምጥያስ ተማሪሮም፡  ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተሰዱ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበሩ መንእሰያትና፡ ዓዶም ክምለሱን፡ ኣብ ቊጠባዊን ፖሊቲካውን ዳግመ-ሕውየት እዛ ሃገር ብምስታፍ፡ አእጃሞም ከበርክቱን መጸዋዕታይ የቕርብ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ከምቲ ቤት ብዘይ ዓንዲ፡ ሃገር’ውን ብዘይ መንእሰይ ቀጻልነታ ክውሓስ ኣይክእልን። ኣተኣታቲናዮ ዝጸናሕና ደረት-ኣልቦ ወተሃደራዊ ዕስክርና፡ ኣብ መንእሰያትና ተስፋ ናይ ምቊራጽ መንፈስ ኣሳዕሪሩ፡ ኣፍራዮ ዕድሚኦም በሊዑን ኢዩ። ብፍላይ እኳ ደቀንስትዮ ክወልዳሉን ክዘምዳሉን ዝግብአን  ዕድመ ሓሊፍወን፡ ናይ ፍርያምነት ዕድለን በኺኑ ዝተረፈ ሓያለ ኢየን። መንእሰያትና፡ ክብደት እቲ ዝኸፍልዎ ዘለው ረዚን ዋጋ እንተዝልካዕ፡ ንዕኡ ዝድብስ ሞሳ ኣምበይ ምተረኽበን። ካብ ማሙቕ ቤቶምን፡ ሓዳሮምን ንነዊሕ ግዜ ተኣልዮም ከብቅዑ፡ ሕጅስ ይኣኽለና ደኺምናን ሰልኪናን እንከይበሉ፡ ብዘይ እኩል ዓስቢ፡ ነዛ ሃገር ኩለንትንኦም ከምዝወፈዩ ንኹላትና ግሁድ ሓቂ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እምበር፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ዋሕዚ መንእሰያትና ንስደት ኮይኑ ዘሎ፡ እቲ ክንክተሎ ዝጸናሕና ደረት-ኣልቦ ግዱድ ዕስክርና፡ ዝፈጠሮ ኣሉታዊ ሳዕቤን ምኻኑ ብምግንዛብ፡ ደረት ግዜ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ናብ ንቡር ከምእተመልሰ ክሕብረኩም እፈቱ።

ቀጻልነት ህላዌና ንምውሓስ ኣብ እነካይዶ መኸተ፡ ኣብ ናይ ምክልኻል ወተሃደራዊ ዓቕምታትና ምትእምማን ክህልወና ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ ዲፕሎማሲ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ መፍትሒ ግርጭት ጌርካ ምውሳድ ግን፡ ዝቐርዓወ ስልቲ ኢዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እምበኣር፡ እቲ ኣስታት 20 ዓመቱ ክተምም ቀሪቡ ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ንምዕራፉ፡ ኩሉ ዝከኣለና ቅሩብነት ጌርና ከምዘለና ከበስረኩም እፈቱ።

ህዝብታት ክልቴአን ሃገራት ዝኸሰርዎም ዓበይቲ ዕድላት ሓባራዊ ምዕባሌን ብልጽግናን፡ ከም ሕማቕ ታሪኻዊ ተረኽቦ ተወሲዶም፡ ኣብ ሃናጺ ጽምዶ ብምእታው፡ ዝተፈጥረ በሰላ ንምሕዋይ ዘይጽዓድ እምንቶን ድሌትን፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ምኻኑ እኣምን። ብምምሕያሽ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት፡ ብዓቢኡ ንሕና ከምእንጥቀም ግን፡ የዋህ ዝግዘቦ ሓቂ ኢዩ። እቲ ቅድሚ ምብራዕ ኲናት ዕሙር ወደባዊ ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ክልቲኡ ወደባትና፡ ኢትዮጵያ ክትጥቀመሉ እንተደልያ ከነሐድሶን፡ እዚ ድማ ንሓያለ እቶም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝጣየሱ መንእሰያትና፡ ናይ ስራሕ ዕድላት ከምዝፈጥር ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብዘይካ’ዚ እቲ ካልእ ንህዝብና ኣዝዩ ኣሸጊሩ ዘሎ ጉዳይ፡ ድሩት ዓቕሚ ቀረብ ጸዓት ኢዩ። ካብ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ናይ ተሓድሶ ግድብ፡ ብሕሱር ዋጓ ብምዕዳግ፡ ዝበለጸ ኣገልግሎት ጸዓት ክንቅርብ ከኽእለናን፡ ንብሕታዊ ቁጠባዊ ጽላትን ወፍርን ዘተባብዕ ሃውህውን ክንፈጥር ዝድርኽ ኣጋጣሚ ኢዩ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ናይዛ ዝሓለፈት ዓመት፡ ሓድሽ ባጤራ ናቕፋ ብምትእትታው፡ ንዘይሕጋዊ ሸርፊን ቅርሰናን ኣብ ምግታእ፡ ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ተገንዚብና ኣለና። ይኹን እምበር፡ ካልእ ጎድናዊ ኣሉታዉ ሳዕቤናት ኣይነበሮን ክበሃል ግን ዝከኣል ኣይኮነን። ህዝቢ ብሰሪ ሕጽረት ዝርግሐን ቀረብን ባጤራ ይጽገም ከምዘሎ ብምርዳእ፡ ኣራሚ ስጉምቲ ክንወስድ ጀሚርና ከምዘለና ክሕብር እፈቱ።

መንግስትን ግንባርን ክሰርሕሉ ዝጸንሑ ምእኩል ኣገጋብ ምሕደራ ዕዳጋ፡ ዋጋታት ኣብ ምርግጋእ እኳ ዘይንዓቕ ግደ እንተነበሮ፡ ከቢድ ሕጽረት ቀረብ ብምኽታሉ ግን፡ ዘላቒ ፍታሕ ኮይኑ ኣይተረኸን። ካብዚ ሕሉፍ ተመኲሮ እዚ ብምምሃር እምበኣር፡ ዘይምእኩል ኣገባብ ቁጠባዊ ምሕደራ ከምዝድፍኣሉ ብምግባር፡ ንብሕታውያን ነጋዶን ኣውፈርትን ከነተባብዕ ብልዑል ቅሩብነት ኪንሰርሓሉ ጀሚርና ከምዘለና ከበስረኩም እፈቱ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ፡ ንኹሎም እቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ሰብ ርእሰ-ማል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፡ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ተዋፊሮም ዝርከቡ ዜጋታትናን፡ ዓዶን ብምእታው፡ ተጠቀምቲ ናይዚ ተጀሚሩ ዘሎ ዕድላት ወፍሪ ኪኾኑ፡ መጸዋዕታይ ከቕርበሎም እደሊ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት፡ ክንድ’ቲ ክንከዶ ዝወጠናዮ ዝላ ከይንስጒም፡ ብዘጋጠሙና ግዳማውያንን ዘቤታዉያንን ተጻብኦታት ከምዝተጎናደበን፡ ሓያለ ዕድላት ከምዝተኸስሩን ምእማን ምኽኑይ እመስለኒ። እንተኾነ፡ እቲ ዝሓለፈ መድረኽ ከም መምሃሪ ተወሲዱ፡ ድኹምን ድልዱልን ጎድንና ገምጊምና፡ ጉድለታትና ኣሪምና፡ ሓያል ጎድንና ዓቂብና፡ ዕቱብ ህዝባዊ ተሳትፎ ማእከል ዝገበረ ልምዓታዊ መደባት ቀይስና፡ ብኣውርኡ ድማ ንመንእሰያትና፡ ናይ ትምህርትን ስራሕን ዕድላት ኣብ ምፍጣር ከቢድ ዕማም ይጽበየና ኣሎ።

ልዕልን ቅድምን ኩሉ ግን፡ እቲ ከነተኣታትዎ ጀሚርና ዘለና ሱር-ነቀል ጽገናዊ ለውጢ፡ ብዘይ ዕዙዝ ተሳትፎ ውዑይ ሓይሊ መንእሰይ ወለዶ፡ ክውን ክኸውን ስለዘይሕሰብ፡ በብእብረን ደረጃን፡ መንግስታዊን ውድባውን ስልጣን፡ ናብ መንእሰይ ወለዶ ብምስግጋር፡ እቶም ኣብ ዓዲ ሱሳታትን ሰብዓታትን ዕድመ ረጊጽና ዘለና፡ ጥሮታ እንወጸሉን እነዕርፈሉን እዋን ከምዝኾነ፡ ባህሪ ዘዘኻኽረና ዘሎ እመስለኒ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እምብኣር፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ልዑል ኣካዳምያዊ ብቕዓት ዝደለቡ ዜጋታት፡ ዓድኹም ክትኣትውን ሃገርኩም ኣብ ምህናጽ መሪሕ ግደ ክትጻወቱን፡ ሃገራዊ ጻውዒተይ ከቕርበልኩም እደሊ። ናጽነት ክውን ዝገበረን ንምዕቃቡ ከይተሓለለ ክሰርሕ ዝጸንሐን ወለዶ፡ ድሮ ሓደ እግሩ ኣብ ጉድጓድ ኣትዩ’ዩ እሞ፡ ርህውትን ብልጽግትን መጻኢት ኤርትራ ክውንቲ እትኸውን፡ ሕድሪ በጃ እዛ ሃገር ዝሓለፉ ሰማእታት ተሰኪምኩም፡ ግቡእ እጃምኩም ከተበርክቱ ምስ እትጅምሩ ጥራሕ ኢዩ።

ዘይከይድ ነይዕንቀፍ፡ ዘይሰርሕ ነይጋገ ከምዝበሃል፡ ብሰሪ ጉድለት ዓቕሚ መንግስትን ግንባርን ጌጋታት ክፍጸሙ ከምዝጸንሑ ምግላጽ፡ ንቀባሪ ምርዳእ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን። በዚ ኣጋጣሚ እምበር፡ ኦ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ በዳሊ ተረስዐ ተበዳሊ ኣይርስዕን እዩ እሞ፡ እቕሬታ ክንሓተካን፡ እትጸባጸበና እንተልዩካ እውን፡ ካብ ብርክኻ ዝወጻና ደቕኻ ኢና እሞ፡ ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዝምዕዶን ዝግስጾን፡ ንእትህበና ውሳነ ብጸጋ ኣሜን ኢልና ከም እንቕበል፡ ቃል ክንኣትወልካ ንፈቱ። እዛ ሃገር ብገንዘብ ወይ ብወርቂ ዘይኮነ፡ ቀያሕቲ ደቕኻ ብምኽፋል ኢኻ ጨቢጥካያ እሞ፡ እቶም ዝተረፉ ደቕኻ’ኳ ዘይነብሩላ ሃገር እንዳኾነት ክትከይድ ግን ሃየንታ ኣለዎ እሞ፡ እቲ ምሕደራ ካብ ፈቲና ካብ ዘይክኣልናዮስ፡ ደጊም በተረ-ስልጣን ናትካ ኢዩ። ድሕሪ ደጊም’ውን፡ ኣብ ልዕሌኻ ዝጉይትት ልዕሊና ሕጊ እምበር፡ ማንም ዓኻይ ኣይክህሉን ኢዩ።

ደጊመ ርሑስ መዓልቲ ናጽነትን፡ ጽቡቕ ጅማሮ ሓድሽ መድረኽን ቅዋማዊ መንግስትን ይግበረልና።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪን ክብሪን ንሰማእታትና፡

ቅሳነት፡ ፍትሒን ደሞክራስን ድማ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን።

እዚ ነቲ ናይ ሕልሚ ፕረዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታው ሓቀኛ ለውጢ ንኽመጽእ ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግብኦም ስጉምትታት ኣብ ግምት ብምእታው ዝቐረብ ናይ ፈጠራ መደረ ኢዩ።

ኣዳላዊ፡ ቴድሮስ ኣብርሃም

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
66 COMMENTS
  • Genet May 21, 2016

    አንታ ቴድሮስ!
    ክንደይከ የህረፍካና!!! አን ክንዲ መወዳእታ ዓለም መጀመርታ ዓለም ዝመጸ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። እዝግዮ!!
    we are so thirsty for peace that we kind of desperately want it to happen like Manna from the sky. It won’t! We have to work for it. WE have to make him rattle with fear and only then will this monster say such things!
    But I have one request for you. Please translate it (professionally) and post it in all facebook, twitter and let us see what the supporters will say about this ልዙብ speech that can heal many wounds.

  • zene May 21, 2016

    God bless Essays, this is what we were expecting, good enough , now we do not like any propaganda against Eritrea. all Eritrean must help for this new stage in life . mainly about poetical prisoners , if this is true and in action, we have to see them in person at ER tv.From there, we can give full support. To respected Eritrean president .Essays now you have got your people heart.Then every one can help as before one Eritrea.
    hopping to see the political prisoners to see there kids and family.

  • Negusse May 21, 2016

    ክቡር ሐው ተድሮስ ሰላም!!

    እቲ ዘቕረብካዮ ናይ ስነ ጽሑፍ መደረ፥ ብጣዕሚ ጽቡቕ ኢዩ። ይኹን’ምበር አብ ከም ብዓል ኢሳያስ ዝአመሰሉ፥ ንቕርሕንትን ቂምን ጽልእን ከም ቀንዲ መቐየስን መዓቀኒን ስነልቦናኦም ዝቖጽሩ ክሕሰብ ዘይክአል ኢዩ። ኢሳያስ አብ ፖለቲካ ኤርትራ ተጸንቢሩ ካብ ዝተሰለፈሉ ክሳብ ሕጂ ሐንጎሉን አእምሮኡን ብኽፍአትን ተንኮልን ተመሊኡ፥ ዝተነግረን ዘይተነግረን፥ ዝተገልጸን ዝተሐብኤን ግስሩጥ ታሪኻዊ ገበናት ስለዘለዎ፥ ህዝቢ ኤርትራ ተመለስ ጥራሕ’ምበር ንኹሉ ምሕረት ጊርናልካ ኢና ኢሉ ብልቢ እንተዝገልጸሉኳ፥ ብፍጹም መዓኮሩ ክአምን ኢልካ ዘይሕሰብ ኢዩ። ስለዝኾነ ከአ ላዕለ ላዕሊኡ ደፋር ክመስል፥ ውሽጡ ግን አብ ከቢድ ፍርሕን ምሽቕራርን ኢዩ ዝነብር። ኩሉ እቲ ዝወስዶ ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ አዕናዊ ስጉምቲታት ከአ ካብቲ አዝዩ ዓሚቕ ጃጃዊ ፍርሑ ዝመንጨወ ኢዩ። ክሳብ ጊዜ ጥፍአቱን ዕንወቱን ከአ ግድነት በቲ ሒዝዎ ዘሎ ጎደና ብርግጽ ክቕጽል ኢዩ። ብዝተረፈ ኢሳያስ ዝአመነን ማይ ዝሐቖነን መለሳ የብሉን።

  • wedifre May 22, 2016

    Dear Tedros,

    Great writing. I love your god will.
    However, knowing the personality of DIA expecting such a noble and historic move is like expecting ABA GOBIYE to change into a COW.
    The use of history is to help you to guess or forecast based on the past facts. Similarly, our history with DIA has taught us he is against Repentance, reconciliation, forgiveness and mercy. DIA has a mission and he is doing it properly but we are confused.
    Whoever, he has recently released from prison is not for good intention, it was mainly because there were more serious new prisoners and there is shortage of space and they only replaced them.
    So, let us only unite and kick his ass by force because no dictator leaves his place gracefully and peacefully.

  • ኣርዓዶም May 22, 2016

    ከምዚ ዓይነት ጽሑፋት ፈጠራ ክወጽእ የብሉን፡ ምክንያቱ ሰብ የደናግር ኣሎ፡ ሕጂ`ውን እንተኮነ እዚ ጽሑፍ ክልዓል ኣለዎ። ኣዝዩ ኢዩ ሰብ ኣደናጊሩ ዘሎ፡ ንገዛእ ርእሰይ ብስምዒት ስለዝነበብክዎ፡ ክሳብ ሕጂ ንኣእምሮይ ከም ሓቒ ገይሩ ተቐቢሉ ዛህላል ኢዩ ገይሩና።

    ደገፍቲ ህግደፍ ድማ፡ ከም ሓቒ ገይሮም ንፕሮፓጋንዳ ይጥቐምሉ ስለዘለዉ፡ በጃኹም እዚ ጽሑፍ እዚ ኣልቕቕዎ። ሰብ የደናግር ኣሎ፡ ድሕሪ ሕጂ`ውን ከምዚ ዝብለ ምህዞን ኣሽክዓላልን ክውገድ ኣለዎ። እዚ ዓይነት ጽሑፍ እዚ ንቓልሲ ህዝቢ ወይ ንምልዕዓል መንእሰያት ንሓርነት ከዛሕትሎ ዓቢ ተኽእሎ ኣለዎ።
    ዋዛ ኣብ ዋዛ ይኹነልና፡ እዚ ቑምነገር ወይ ዋዛ ገርና ክንወስዶ ኣይግባእን።

    ወድሓንኩም

  • Azaria May 22, 2016

    Antum ahwat entay ena bedilnakum nezi seb ezi telaliwo bejakum demna yfelhanalo simu mislun ayteryuna eta nisu zitefala tray abesuruna kidmugin kali buzuh emam alena,eti tselot zigebir tselotu,eti zikales ka komu ente zey koinu nayzi diablos seb simun mislun ayteryuna.

  • Genet-orginal May 22, 2016

    This man will never say that kind of statement. it is not in his nature. He is a narcissistic evil man. Eritrea to him is death. The past 25 years he had many chances to make changes and care for the Eritrean people, he choose not to do it. He proved, he is the worst invader in our people’s history. Again he will never say such statement, until his dying day.

  • Berhane May 22, 2016

    No way out for the Eritrean people from the extreme anti all types of development and peace of the country and region. The only way for the Eritrean just to consolidate their unity and crush this extreme and brutal government. Let’s enhance our way of dealing to overthrow these government so that our people and country be in peace and development in the tracks people’s development and sustained peace and development.

  • kibrom yemane May 22, 2016

    ሰላም ኣሰና፡ ስለምንታይ ኢካ ትርጉም ዘይብሉ ፈጠራ ወይ መደረ ኣብ ሚድያ ኪወጽእ ተፍቅድ?

    • AHMED SALEH !!! May 23, 2016

      The article’s high number respondents expressed Eritrean people wishes
      and dreams . It sent strong message that touched readers true feelings
      that forced us to react with frustration , anger and disbelief. He proved
      emotional distress brought from Eritrean politics played to create these
      kind bewildered minds .
      As one commentator put it precisely ; some take action and others pray
      to show solidarity for common cause . In this case it seems the majority
      seem focused on same dream to get rid from SAHEL-SNAKES .

  • PH May 22, 2016

    ኩቡር ኣርዓዶም
    ዝኾነ ጽሑፍ ምስነስተማቅሮ ጸገም የለን።ናኣብነት ኢዛ ብተድሮስ ዝቀረበት ብዝያዳ ቅልዕቲ ደብዳበ ንመራሒ ህግደፍ ኮይና ኣብዛ ክብርቲ ዕለት 24 ጉንቦት መበል 25 ኢዮበል ከስምዖ ዝግባእ ኮይኑ ኢንተዘይ ክይኑ ግን ሰናይ ትምኒትና ዘሓደሰት ጽሕፍቲ ኢያ።ኣቶ ተድሮስ ኣፉ ይስዓር።

Post a Reply to mm Cancel Reply