Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መዓርግ ጀነራል ፍሊጶስ፡ ደምን ስቃይን ህዝቢ ኤርትራ ተሰኪሙ’ሎ

ኣይትሓዘለይ ልዕሊ ወይ ትሕቲ ሓቀኛ ጠባያትካ፡ ንጥፈታትካን እንታይነትካን ይመዝነካ ከይህሉ። ይቅሬታ፡ “ስለምንታይ ናባይ ጥራይ ኣድሂቡ፡ ዝተኣዘዝክዎ እንድየ ዝፍጽም ዘለኹ፡ ከም ናተይ ተግባራት ዝፍጽሙ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ” ዝብል ስምዒታት ከይህልወካ። ንስኻ ኣኽሊል ጥፍኣት ስልዝደፋእካ ድሕሪ ጎይታኻ

ኣይትሓዘለይ ልዕሊ ወይ ትሕቲ ሓቀኛ ጠባያትካ፡ ንጥፈታትካን እንታይነትካን ይመዝነካ ከይህሉ። ይቅሬታ፡ “ስለምንታይ ናባይ ጥራይ ኣድሂቡ፡ ዝተኣዘዝክዎ እንድየ ዝፍጽም ዘለኹ፡ ከም ናተይ ተግባራት ዝፍጽሙ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ” ዝብል ስምዒታት ከይህልወካ። ንስኻ ኣኽሊል ጥፍኣት ስልዝደፋእካ ድሕሪ ጎይታኻ ኢሳያስ ማለት’ዩ፡ እምበር ብቀጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ብኢሳያስ ዝተዋፈሩ እኩያት ከምዘለዉ ኣይስሓትኩን። የማነ ገብረኣብ፡ ሓጎስ ገብሪሂወት፡ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብርሃ ካሳ፡ ተኽላይ ሃብተስላሰ፡ ስምኦን ገብረድንግል፡ ተኽለ ማንጁስ፡ ሓድሽ ኤፍረምን ካልኦት ሕቡኣን ከም ኣብነት ክጠቅስ እፈቱ። እዞም ክብ ኢሎም ኣስዝማቶም ዝተዘርዘሩ ሰባት ኣብ ገበናት ህዝቢ ኤርትራ መቁርስካ ስለዝኾኑ፡ እዚ ብስምካ ዝለኣኽ ዘሎ መልእኽቲ ከተካፍሎም ተስፋ እገብር።

ኣቶ ፍሊጶስ፡ ናይ ጀነራል መዓርግ ከምዘለካ ይርድኣኒ’ዩ። ኣብ ጽባሕ ናጽነትና፡ እዚ መዓርግ’ዚ ንስኻን ካልኦትን ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ክትስለምዎ እንከለኹም፡ ኣነን ካልኦት ዜጋታትን “ዓስቢ ጻምኦምን ፍረ ጅግንነቶምን ስለዝኾነ ይግብኦም’ዩ” ኢልና ብልቢ ሓጎስና ገሊጽና ኔርና። እንተኾነ ሎሚ እቲ ጎይታኻ ኢሳያስ ዝመጠውልካ መዓርግ ጀነራል ተጠቂምካ፡ መዛኑኻን መጋደልትኻን ክትሃድን፡ ክትኣስር፡ መንእሰያት ኣብ ህሮርማን ኣስሓይታን ከተስፍር፡ እቲ ንኸብዱ ገዲፉ ዝዓንገለካ ህዝቢ ኤርትራ ከተንብዕ ንብረቱ ክትዝርፍ፡ ክትሰኽረሉ፡ ኣብ እዋን ናጽነት ብዕልልታን ከበሮን ዝተቀበላኻ ኣዴታትና ወላድ መኻን ጌርካየን ከምዘለኻ ምስተዓዘብኩ ግን ጀነራልካ ጀነራልና ኣይግበሮ፡ ፍሊጶስ ዘርኢ መርገም እምበር ጀነራል ፍሊጶስ ኢለ ከይሰምየካ ከቢዱኒ። ተጋዳላይ ኢለ ከይጽወዓካ ድማ ነብሰይ ምግባር ኣብዩኒ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ እቲ ናጽነት ኤርትራ ንምምጻእ ዘበርከትካዮ ጅግንነት ዝጓሓፍ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ኩሉ’ቲ ቅድሚ ሎሚ ዝፈጸምካዩ ዝና፡ ንእከይ ዕላማታት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከተተግብር ሓሺሽካዮ ኢኻ። በቲ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ገቢትካን ዘሚትካን ተሕልፎ ዘለኻ ምቾት ዝመልኦ ምግያጽን ዕንደራን ዘለካ ሕቡእ ሃብትን ንጉስ ፍሊጶስ ክብለካ ምመረጽኩ፡ እንተኾነ ወግዓዊ ፍቃድ ንግዲ የብልካን፡ ግብሪ መንግስቲ ኣይትኸፍልን ኢኻ፡ ብዓቢኡ ድማ ጀነራል-ነጋዳይ ዝብሃል መዓርግ’ውን ሰሚዐ ኣይፈልጥን’የ፡ ኣብ ዓለም’ውን ልሙድ ተርእዮ ኣይኮነን። ብመስተ ጢን ከምትስራሕ፡ በዓል ሓዳር ክንስኻ ከምትዝሙ፡ ከምኡ’ውን ሽጋራ ምትካኽን ጠላዕን ወልፊ ከምዘለካ፡ ኣብ ኣብያተ መስተ ምስ ጽሩራኻ፡ ሰባት ብሽጉጥ ከምተፈራርሕ፡ ከምትዝልፍን ከምትሃርምን ምስጢር ኣይኮነን። ብተግባራትካ በጋሚንዶ ኢለ ከይጽወዓካ ዘነወርኩኻ ይመስለኒ። ብዝኾነ፡ ኣጉዲለን ደሚረን ኣቶ ፍሊጶስ ክብለካ ወሲነ። እዚ’ውን እናዓበየካ’ዩ። እቶም ብሰንክኻ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብስቃይ ዝበልዩ ዘለዉ ንጹሃት ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝፈትውዋ ሃገሮምን ብሸለብ ገለብን ዝነብሩ ዘለዉ ዜጋታት፡ ብግፍዕታትካ ቤተሰቦምን ሃገሮም ገዲፎም ኣብ ስደት ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፉ ዘለዉ መንእሰያት፡ ንሓቀኛ ተግባራትካን ጠባያትካን ዘንጸባርቕ ስም ከጠምቁኻ ይትስፎ። ኣበየናይ ቤት ጸሎትን ኣየናይ ካህንን ከምዘጠምቀኻ ግን ኣጸጋሚ ክኽውን’ዩ። ስለምንታይሲ፡ ኣብ ባህልናን ሃይማኖትናን ሓጥያትካ ከይተናዘዝካ ኣብ ቅዱስ ቦታ ክትኣቱ ኣይትኽእልን ኢኻ።ኮይኑ ተሪፉ ቦታኻ ገሃነብ እሳት’ዩ።

ኣቶ ፍሊጶስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብስም ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ኣብ መቃብር ሓርበኛታት ሕቋፍ ዕንባባ ከተንብር እንከለኻ፡ ነቶም ካብ ጎድንኻ ብጅግንነት ዝተሰውኡ ብልቢ፡ ንብዓት ቁጽርጽር እናበለካ’ዶ ትዝክሮም ትኸውን ዋላስ ሕድሮም ስለዝጠለምካ ንነብስኻ ከም ገበነኛ ትቆጽራን ኣብ ልዕሊ መቃብር ስውኣት ክምሕል የብለይን ትብል ትኸውን? ናይ ገድሊ መዛኑኻን ወይ’ውን መልሚሎም ዘዕበዩኻን፡ ብትእዛዝ ኢሳያስን ቀንዲ ተግባሪኡ ንስኻን፡ ፍትሒ ይንገስ ስለዝበሉን ንሃገርናን ህዝብናን ዘርብሕ ሓሳብ ስለዘቅረቡን፡ ዝበዝሑ ትሕቲ መሬት ሰፊሮም ኣለዉ። ገለ ውሑዳት ድማ ብሕማምን ጭንቀትን መዓልቲ ሞቶም ይጽብጽቡ ኣለዉ። ክሳብ ሓለንጊ ኢሳያስ ተርክበልካ፡ ንስኻን ስድራቤትካን ኣብ ዝተመርጸ መንበሪ ገዛ ከተጋይጽ፡ ዝኸበረት ተሽከርካሪት ክትውንን፡ ሚልዮናት ጥረ ገንዘብ ከተዋህልል፡ ብሚስጢር ትካላት ክትውንን ክኢልካ ኣለኻ። እንተኾነ ዘለካ ሓለፋታት ነባሪ ኣይኮነን፡፡ እቲ ትጽፍሞ ዘለኻ ጽዩፍ ተግባራት ኣብ መዛግብ ታሪኽና ብደም ኩሎም’ቶም ኣደዳ’ተን ገበነኛታት ኣእዳውካ ዝኾኑ ኤርትራውያን ይጸሓፍ ከምዘሎ ኣይትረስዕ። ሒዝካዮ ዘሎኻ መዓርግ ጀነራል ድማ፡ደምን ስቃይን ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ተሰኪሙ ዘሎ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (22 መጋቢት 2016)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
52 COMMENTS
  • oromay March 23, 2016

    Tsilal’s timely message is a warning to the foot messager dubbed general Philipos. By now, we should make ready documents of the horrible crimes committed by each and every member of the clique since the beginning of the armed struggled up to this day and time.

  • k.tewolde March 23, 2016

    Even in the good US of A that boasts the most sophisticated armed force there are a handful full fledged generals. Besides earning it by working through rank and file of the forces,it requires a minimum college education,and attending the prestigious and high tech West Point Academy of military sciences.Not to mention the grueling psychological and background scrutiny the aspiring general has to go through before that rank is bestowed to him/her. This cowards that were spared by giving orders from the rear, they are appointed by a man who doesn’t have military experience,I simply refer them as DEJASMACH,KEGNASMACH,GRAZMACH, they are not even deserving of these titles, the ones that did the brunt of the work and deserving are six feet under or wasting away somewhere.

  • Aman March 23, 2016

    ናይ በዓል ፍሊፖስ ኣነዋሪ ተግባራት ክትፈልጡ እንተደሊኹም፡ ጁባ፡ ኣንጎላ፡ ኡጋንዳ ዘለዉ “ነጋዶ” ጥራይ ምሕታት እኹል እዩ።
    ብመዓልቱ ክንደይ ጉድ ክትሰምዑ ኢኹም።

  • Whedi Hagher March 24, 2016

    Filippos and a number of his comrades who worked as Iseyas’ hit men for decades, now are ready to inherit the brutal legacy of their boss. Given their criminal record, these men cannot be expected to play any positive role in bringing peace to the country.
    They will make any change that eventually may lead to normality, impossible.
    They will fight to the bitter end to avoid being prosecuted, and those who want bring them to justice know that too well.

  • nefasit March 24, 2016

    Tselat it is nice article that could touch the heart of innocent citizens of our country. If you act according to the principles of your position. But all of us we are, were, and will remember in where ever the positions have. it is possible to have the dignity and personality from the retrospection of the whole society.
    Do Good any way. for what ever it is/

  • haqi yzereb March 24, 2016

    ናይ ብሓቒ ጽቡቅ ጽሑፍ ። ንዓይ ሓሓሊፉ ዝገርመኒ ነገራት ኣሎ። እዚ ኩሉ ኣብ ሊዕሊ ህዝብና ዝግበር ዘሎ ኣደራዕን መከራን ቀንዲ ተሓታቲ ባዕሉ ኢሰያስ ምዃኑ ርዱእ እዩ ። ኮይኑ ግን ከም በዓል ፊሊፖስ ዝኣመሰሉ ኣረሜናውያን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽምዎ ዘለዉ ገበናት ክጽሓፍን ክዝረብን ብዙሕ ኣይረኤን። ፊሊፖስ ካብ ኩሎም ጀነራላት ኢሰያስ እቲ ኣዝዩ ብድዔኛን ትምክሕተኛን ኮይኑ ንዝኮነ ኤርትራዊ ብውልቃዊ ድሌቱ ዝኣስርን ዝርሽንን እዩ። ፊሊፖስ ኣብ ሒወቱ ብጣዕሚ ተጠራጣራይን ወላ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ኣዘዝቲ ዘራዊት ዘይኣምን ፡ መስተ ክሰቲ እንተኮይኑ ምስ ደቂ ኣንስትዮ እምበር ምስ ከምኡ ሓለፍቲ ክሳቲ ዘይወርደሉ፡ ንሓለውቲ መንበሪ ገዝኡን ቤት ጽሕፈቱን ካብ ተረፍ እሱ ዝበልዖ መግቢ ከይምገቡ ዝክልክል፡ እሱ ጮማ እንዳበልዔን ዊስኪ እንዳ ጨለጠን ዓደስ ከስራሓሎም ዝእዝዝን እዩ።
    ንከምኡ ተጋደልቲ ይኩን ስቪል ብፍሉይ ክተሓዙን ምስ ሰብ ከይራኸቡን ይእዝዝ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ኣንደር ክእሰሩ ዝእዝዘሎም ሰባት ዓይኖም ዓዊሮም ከምዝወጹ ይፍለጥ። ፊሊፖስ ናብራ ሰራዊት መሪርዎምን ግዜ ነዊሕዎምን ካብ ሰራዊት ንዝኾብለሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣዛዚ ስርሒት ዞባ 2 ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣብ ጋሽ ባርካ ኮብሊሎም ካብ ዝተታሕዙ ሰባት መምሃሪ ንክኮኑ ከም ዝርሸኑ ዝገበረ ኣረሜን እዩ። ፊሊፖስ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ከይተረፈ ኣትዩ ንሰባት ብድሌቱ ዝኣስር፡ ጉቦኛ ዝሓቶ ብዝሒ ገንዘብ 1.5 ሚሊዮን ኢሉ ከም ዝጅምር ጽኒሑ`ውን ብዶላር ክሓትት ከም ዝጀመረን ይፍለጥ። ኢሰያስ ንኩሎም ሓለፍቲ ስርዓቱ ከም ዝበኣሱን ከም ዘይተኣማመኑን ከምዝገብሮም ዝፍለጥ እዃ እንተኮነ ፊሊፖስ ግን ብትዕቢቱን ሕማቕ ጠባዩን ወላ እውን ሓደ ይኹን ኣማኒ ዘይብሉ እዩ። ፊሊፖስ ኣብ ዝገሸሉ ግዜ ሊዕሊ ኢሰያስ ብጋርድታትን ረሻታትን ከምዝስነን ቅሳነት ዘይስምዖን ፍጥረት እዩ። ናይ ግዜ ሕቶ ተዘይኮይኑ እዚ ናይ ሕጂ መዳርግቲ ዘይብሉ ኮይኑ ዝስምዖ ዘሎ ኮርዒዳ ጽባሕ ንግሆ ናብ ወካርያ ክቕየር እዩ። ብሓለንጊ ግዳያት ከኣ ክቅጻዕ እዩ።

  • Desalegn Berhe March 24, 2016

    ምጽምባር ናብ ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን

    ሙሉእ ስምይ ደሳለኝ በርሀ ይብሃል መቦቀለይ ኤርትራዊ – ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለያ ሚኒስሪታትን ናይ ግብረሰናይ ስራሓት ልምዓትን ህንጸት ሃገርን ከምኡውን ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ን 3 ዓመታት ከም ዝኮነ ኤርትራዊ ኣገልጊለ።

    ኤርትራ ብናይ ገዛእቲ ሕጊ ትመሓደር ዝነበረት ሃገር ኣብ 1991 ሙሉእ ናጽነታ ረኺባ ተነፊግዋ ንዝነበረ ምዕሩይ ምሕደራ ስርዕተ ፍትሒን ሕግን ንኽትረኽቦስ ይትረፍ በየናይ ሸነኽ ከምዘሎውን ኣንፈቱ ንምፍላጥ ዘይበቅዐት ሃገረ ዝኾነትሉ ዓመት እዩ ነይሩ። ብሕጊ ናይ ጫካ ዘይኮነስ ብኽትገልጾ ዘጸግም ብናይ ጉጅለ ማፍያታት ትመሓደር ሕጊ ኣልቦ ሃገር ክትከውንን ዘርኢ እርትራውያን ዝበርስሉ ስማዊ ናጽነት ብምሓዝ ክትጎዓዝ ዝተዓደለት ሃገር ኮይና እያ ተሪፋ።

    ሃገርና ኤርትራ እንዳዕነወትን ህዝባ እዳበረሰን ዓልየት እዳጸነተ ከሎ ጸግኢ ሒዝካ ምርኣይ ስለዘይከኣን ናይ ደገ ጸላኢ ኣለና ብዝብል ምስምስ ካብ ሓቂ ዚራሓቀ ኣብርእሲ ምኻኑ ዚኾነ መረጋገጺ ዘይተረኽቦን ጠንቁን መበገሲኡን ዘይፍጥ ኩናት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ብዙሕ ዕንወት ዘኸተለ ኩናት ሕጂውን ሃንዳሲኡ ጉጅለ ህግደፍ ዝኾነ ኣብ ዚሓለፈ ኣዋርሕ ናብ ክልል ትግራይ ሰራዊቱ ብምልኣኽ 100 ዝኾኑ ሰለማውያን ሰባት ብምግፋፍ ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምውሳድ ዘለዓዓሎ ኣለኹ ንምባልን ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ብሰላም ከይነብር ዘይጠፍእ ሓዊ ወሊዑልና ስለዘሎ እዚ ተርእዮዚ ብኣግኡ ህዝቢ ኤርትራ ነቅሑ ስጉምቲ ክወስደሉ ኣለዎ ኢለ ስለዘኣምንን ኣዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ቀንዲ ጸላእን ናይ ካንሰር ሕማም ኮይኑና ዘሎ ህግደፍ ካብ ሃገርና ካብ ሱሩ ንምምውሓው ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ እጃመይ ንኸበርክት ነቲ ዝክየድ ዘሎ ቃልሲ ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ተጸንቢረዮ ከምዘሉኹ ለሚ መዓልቲ ዕለት 23/03/20016 ብወግዒ ይገልጽ ኣለኹ።

    እዚ ስጉምቲዚ ንኽወስድ ቀንዲ ዝደረኸኒ ምኽንያት ናይ ህግደፍ ዕሱብ ብምኻን ንሕዝበይ ከልምስን ዓልየት ከጽንትን ሕልናይ ንኽቅበሎ ስለዘየፍቀደለይ ምኻኑ ክገልጽ እፈቱ።

    ዕንወት ንህግደፍን ኣጫፈርቱን

    ዓወት ንህዝቢ ኤርትራን ንደለይቲ ፍትሕን።

  • Gebre Tekle March 24, 2016

    የሕዋት መጀር ጀነራል ማለት እኮ ብጉቡእ ትርጉሙ ዓይኒ ሃገር ማለት ኢዩ።

    ፍሊጶስ ውልድዮሃንስ ግን ዓይኒ ሃገር ዘይኮነስ ዓይኒ ገበነኛትት ህግደፍ ምኻኑ ከመይ ጌርኩም ትስሕትዎ
    ክሳድ ኤርትራውያን ብኻራ ከም ጉምቦ መሸላ ዝተቖሮጹ ጥንቒ መንዮም። ?

    ተር ኢሉ ዝተሰርዔ ሪሳታትና ኣብ ላምባዱሳ ንዓለም ዘሕዘነ ህግደፋውያን ኣብ ክንዲ ባንዲራ ኣብ ፍርቂ ኣውሪዶም ሃገራዊ ሓዘን ንዝኽሪ ኣብ ክንዲ ምግባር ሪሳታቶም ከይ ተቕብረ ናይ ደስደስ ብክፍሊ ምዚቃታቶም ገይራም ጋይላታት ክገብሩ ናብ ዓለም ዘዋፈርዎም ረሲዕኩሞ ዲኹም።

    መጀር ጀነራል ዓይኒ ሃገር ተትኾውን ፍልጶስ እበይ
    ዳኣ ነይሩ ታርኡ ዘይተጻወተ
    ፍልፖስ ታሩኡ ንተንኮላት ኢሳያስ ዘተግብር ዳምበር ንህዝቢ ንምድሓን ታራ የብሉን።
    ብደም ህልቀት ኤርትራውያን ካብ ትሓታትነት ካኣ ኣየምልጥን አዩ። ጥራሕ ናይ ግዜ ዝምልከት ኢዩ።
    ካብ ኣቡ ዓሸራ

  • tesfamariam March 24, 2016

    ናይዚ ስሱዕ ጀነራል ተለኣኵቲ ኣብዚ ምዕራባዊ ሰሜን ኣሜሪካ ይርከቡ ብሽም ወረዳን ከባብን ዝተኣካከቡ መንግስትና ዝብሉ ኣብ ዓመት ዕመት ከይዶም ዝነግድዎን ከንዘቡ Launder ዝገበሩን፡፡
    እቲ ዘገርም እቶም ጥፉሻት ምንያ ኮለል ተቃወምቲ ብፍርሒ ተሾቅሪሮም ኣብ መርዓታት ምስኦም ክድብሉ ክትርኢ ዘገርም እዩ ቃልሲ ኣብ ካባቢኦም ዘየካይዱ ካብ ምርጋም፡፡

  • AHMED SALEH !!! March 24, 2016

    To have strong organized army forces requires educated , trained and experienced leadership ability to prepare for missions plus complexity
    when national security interest face dangers .
    But in case of Gen. Philipos and his alike high rank officers promotion
    based in loyalty and favoritism contradicts the aim to build modern
    national defense military system .
    Sahel type culture preference for uneducated yes men in leadership
    posts might benefit the ruling party interest but the damage it brings
    to the country’s stability bothers our expectation for better future .
    No wonder Gen. MESFIN HAGOS had disagreement with Issayas in early 1990’s
    when he selected his unqualified party members for higher-up ranks .
    BADME war defeat was the result of corrupted military leaders failure as
    many who fought in frontier complained to blame .
    Corrupted leaders produce corrupted mind followers , it is the reality
    we must recognize .

Post a Reply to Desalegn Cancel Reply