Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መን`ዩ ወዲ ዓሊ ? ንህዝቢ ኤሪትራ ካብ ጭቆና ከናግፍ ካብ ሰማይ ዝነጠበ ነቢይ ዲዩ?

መን`ዩ ወዲ ዓሊ ?  ንህዝቢ ኤሪትራ ካብ ጭቆና ከናግፍ ካብ ሰማይ ዝነጠበ ነቢይ ዲዩ? ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ - ለንደን እዚ ዘለናዮ ጊዜ    ውድዓዊ  ኩነታት ንለውጥጢ  በሲሉ ክነሱ ባዕላዊ  ኩነታት ግን ጌና ይመስል።  እተን  ነባራት ተቓወምቲ ውድባት ሐድነት ዘይምህላወን

መን`ዩ ወዲ ዓሊ ?  ንህዝቢ ኤሪትራ ካብ ጭቆና ከናግፍ ካብ ሰማይ ዝነጠበ ነቢይ ዲዩ?

ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ – ለንደን

እዚ ዘለናዮ ጊዜ    ውድዓዊ  ኩነታት ንለውጥጢ  በሲሉ ክነሱ ባዕላዊ  ኩነታት ግን ጌና ይመስል።  እተን  ነባራት ተቓወምቲ ውድባት ሐድነት ዘይምህላወን ይኹን ወይ ብኻልእ ምኽንያታት ከምቲ  ትጽቢት ህዝቢ ነዚ ውድዓዊ ኩነታት መዝሚዘን ክተዓጻጸፋሉ ኣይከኣላን ።  ብዙሐት ሰባት ብኣታተን ሕጉሳት ክምዘይኮኑ እውን  ይጸሓፍ ኢዩ።

ኣብ  ከምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ  ሃዋሁው  ብገለ ፥ሐደ ነገር ክንገብር ኣለና ዝብሉ፥ ሃገራውያን  ተብግሶታት  ይቅልቀሉ እዮም። ስለዚ ኣብዚ ኩነታት እዚ  ሐደስቲ ጉጅለታት ከም መድረኽ ይኹን ወይ ውልቀ ሰባት ከም ወዲ ቫካሮ  ምቅልቃል ዘገርም ኣይኮነን። የግዳስ ባህሪያዊን ፥ዘለናዮ ሐድነተ ቢስ ኩነታት ዝጠልቦን እዩ።

ይኹን እምበር እዚ ተርእዮ እዚ ንገለ ሰባት የባህርሮም ኣሎ። ዶብ ዝሐለፈ ፡ መሰል ተቃለስቲ ዝግህስ፡ ዘይሐላፍነታዊ ጸለመታት ንኣንበብቲ የእንግዱ ኣለው።   ኣረኣእየኦም ዝንቡዕ ድኣ ኮይኑ እምበር እዘን ሐድስቲ ተበግሶታት ነተን ዓመታት ዝገበራ ገዲማት ውደባት ጎናዊ ረብሐ የምጸኣለን እየን።   ናይቲ ዝሐለፈ ዓመታት ስረሐተን ገምጊመን ድኽመተን ኣለልየን ምምሕያሽ ክገብራሉ ድፊኢትን (incentive) ጸቅትን ስለ ዝኾነን። ብሕልፊ  ነተን ሐደስቲ  ተወሳኺ ሐይሊ ናይ ቃልሲ  ወሲደን ምስ ዝተሐባበራ ኣብ ኣሰራርሔኤን መሰረታዊ ለውጢ ከምጽኣ ይኽእላ እየን ።  ንስራሕካ ዳግመ ገምጋም ገርካ ምብጋስ  እቲ ዝሐሸ ግብረ መልሲ ንሐድሽ ተብግሶታት እዩ  ምኽንያቱ ሐቢርካ ምስራሕ ትጽቢትን ጠለብን ህዝቢ  ስለ ዝኾነ። ህዝቢ ንሐቢርካ ምስራሕ ሃረር ስለ ዝብሎ ብዚያዳ ከተባብዔንን ክትሐባበረንን ከም ዝኾነ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

እታ ካልኣይቲ ነጥቢ ኣሉታዊ ኮይና ዘተኩረላ ዘለኹ ጉዳይ እያ።  ሀገር ኣብ ምንታይ ደረጃ ከም ዘላ ከይገምገምካ ፥ ኩሉ ኤሪትራዊ ንለውጢ ክካፍል ኣልዎ ኢልካ እናጎሳጎስካንናይ ተጋደልቲ ነበር ተበግሶ  ዝኾነት መድርኽ ከተጸልም ተገራጫዊ እዩ። ኣንጻር  መንፈስን ቃልሲ ንለውጢ እውን እዩ።

ኣብ ኣሰና ፍትሒ ይንገስ ኢሉ ንመድረኽ ጸለማኡ ዝደምደመ ወልዱ ተኪኤ ምርኩስ ገይረ ሪኢቶይ ክገልጽ እፈቱ። ንሱ ጥራሕ አውን ኣይኮነን ኢሳያስ ኣስፈሐ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘይብሉ ፈራዳይ ኮይኑ ፥ውጽዓ ህዝብና ማና ተበለጽቲ  ክኽውን ኣይንፈቅደን ኢና ኢሉ ንመድርኽ ከይትቃለስ ፍቃድ (ሊቸንሳ) ከሊእዋ።  ባይታ ተቓውሞ ዝብሐቶ ኮይኑ ተሰሚዕዎ ዲዩ? መን ኢዩ ንሱ?  እቲ ሳልሳይ ከኣ ተድሮስ ተኽለ፥ዳሕራዮም እምበር ገደደ፥ ኢሉ መድርኽ ተምሳል ናይታ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረት ሚስጢራዊት ፓርታ ይገብራ።

እዚ ጸለመታት ማእዝኑ ዝሰሐተ ምኻኑ መታን ከብርህ ነታ መን እዩ ወዲ ዓሊ? ትብል ሕቶ ክምልስ።

ወዲ  ዓሊ ንኤሪትራውያን ካብ ጭቖና   ህግደፍ ከድሕን ብሰማይ ዝወረደ ነብይ  ኣይኮነን።  ሐደ ካብቶም መኮንናት  ሰራዊት  ኤሪትራ ኢዩ ነይሩ።    ኣገልጋሊ ናይዚ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ከም ዝነበረ ማንም ሰብ ዝኽሕዶ የለን። ይኹን እምበር  ዓሚ 21 ጥሪ  2013 ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ፍትሒ ክነግስ  ኣለዎ፥ ምልኪ ክእለ ኣለዎ  ኢሉ ንኢሳያሰ ኣፈወርቂ ክኣሊ ኣብ ፎርቶ  ተባዕ ስጉምቲ ዝወሰደ ጅግና እዩ።  ኣብ ፎርቶ እንዳ ዜና ቁዋም  ክትግበር ኣለዎ እሱራት ይፈትሑ ስርዓተ ሕጊ ይንገስ ኢሉ  ኣቃሊሑ። እቲ ተበግሶ ግን ኣይተዓወተን  ኣይተዓወት እምበር  ሐድጊ ገዲፉ።  ንፍትሒ ክቃለስ ስል ዝተስዋኤ ዓቢ ዝና ኣትሪፉ እዩ። እነሆ ድማ እታ ስጉምቲ ዝወሰደላ ኣብነታዊት መዓልቲ  ኮይና ብደለይቲ ፍትሒ ትበዓል ኣላ። ወዲ ዓሊ እንተ ዝዕወት ነይሩ ለወጢ ብውሽጢ እዩ ዝመጽእ ዝብል  ሐፈሻዊ እምነት (ኣምር ) ኣብ ግብሪ ምተራእየ።  ክውን ምኾነ። እዞም ንመድረኽ ብዕለት 2/2/2014  ሰንበት ብወግዒ ዘፋለጥዋ ውልቀሰባት ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ ዶክተር ኣሰፋው ተኽስተን ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም  መቃልስቲ ወዲ ዓሊ እዮም ነይሮም።

እዚ ዘብርሃልና ኣባላት ናይቲ ጨቃኒ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኩነታት ኣብ ዝነቅሕሉ ጊዜ እሞ ንለውጢ ምስ ዝብገሱ  ኣበርክቶኦም መዘና ኣይክህልዎን እዩ። እቶም ኣብ ስደት ዘለው እውን  ንደንበ ተቓወምቲ  እናተጸንበርዎን እናኣሃብተሙዎን ክኸዱ እዮም በብሐደ ከኣ ይገብርዎ ኣለው። ኣብ ሃገር እንግሊዝ ዘለው ማሕበር ተጋደልቲ ነበር ሂያው ኣብነት እዮም።

እቶም ኣብ ደገ ዘለው  ኣባላት ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ነበር እቶም  ክሳብ  ሕጂ ኣብ ናብርኦም ጥራሕ ኣድሂቦም ዘለው  ኣብ ዝወሰንዎ ጊዜ  ምስ ካልኦት ተወዲቦም ዲዮም፥ ካልእ ወድብ ፈጢሮም ዲዮም፥ ወይስ ኣብቲ ኣብ ዲያስፖራ ጎዲሉ ዝረኤ ናይ ምንቅቃሕ (ባህላዊ ደረጃ ኤሪትራውያን ክብ ኣብ ምባል)  ዕማም (ብረድዮን ብቲቭን ወዘተ) ከሰላስሉ ዲዮም ናቶም መሰል እዩ። ሐደ ኤሪትራዊ ንሐደ ካልእ ኤሪትራዊ ብወልቀ ወይ ብጉጅል ንፍትሕን ዲሞክራስን   ክቃለስ ክኽልክሎ  መሰል የብሉን ኣይክእልን ከኣ እዩ።

ወልዱ ተኪኤ፣ ኢሳያስ ኣስፍሐ፣ ተድሮስ ተኽለ  ንለውጢ ንቃለስ ኣለና ይበሉ እምበር ነዚ ሐፍሻዊ  እምነት እዚ ይግንዘብዎ የለውን። ግን እቲ ፖለቲካ ዲያስፖራ ብቀቢላውን ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ፍልልያት ከምኡ እውን ብውድድርን ዘይምክብባርን ዝተቖማጥዔ ስለዝኾነ መበገሲ ናይዚኦም ኣንጻር መድረኽ ሐደ ካብዞም ዝተጠቅሱ ምኽንያታት ክኸውን ይኽእል እዩ። ብሕልፊ  ኣውራጃዊነት።

ብዕለት 2/202014 ካብቶም ሰለስተ ንመድረኽ ዘላለዩ -እቲ ቀንዲ- ኣምበሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ እዩ ነይሩ።  ክሳብ ሕጂ ከም ብዙሐት አብ ስደት ዘለው ተጋደልቲ  ህዝባዊ ግንባር ነበር ኣብ ዋኒኑ እዩ ኣድሂቡ ነይሩ። ሕጂ  ግን ምስ መድረኽ ተበጊሱ።  ኣበርክትኡ ብሕጂ ዝርኤ እዩ።  ይኹን እምበር ናቱ ፉሉይ ዝገብሮ ዓቅሚ ስለ ዘለዎ፡  ኣብ ኣመሪካን ኤሮጳን ኣፍሪቃን  ኣብ ሜዳ  ዲፕሎማሲ ገዚፍ ተመክሮ ስለ ዘለዎ  መረረ ህዝቢ  ኤረትራ ኣብ ወጻኢ ከቅርብ  ተሰማዕነት ክረክብ ይኽእል እዩ።  ኣብ ቃልሲ  ድልየት ጥራሕ ዘይኮነ ክእለትን ዓቅምን እውን ወሳኒ እዩ። ብሕልፊ ተመክሮን ክብ ዝበል ትምህርትን ዘለዎም ባእታታት ።  እዚ ግን በይኑ ጥራሕ ዝገብሮ ኣይኮነን ምስ ብጸቱ ድኣ – እቲ ጸለመ ብዝያዳ ናብኡ ቀኒዑ ስለ ዘሎ እዩ ኣብኡ ዘተኩር ዘለኹ።

ካብቲ ምሉኡነት ናይቲ ኮንፈረንስ ነቲ ክትወቅዖ ትደልዮ  ዝሕግዝ  ነጥብታት ጥራሕቁንጭል ኣቢልካ ምጥቃም ናይ ጨለታት መደረ ኣብ ናይ ኤሪትራ ፖለቲካ ልሙድን ጉኑንን  ስለ ዝኾነ ኣይገርመንን እዩ።  ኣብቲ መንበር ካልኦት ከም በዓል ዶር ኣሰፋውን ኣምባሳደር ዓብደላን  ከለው  ኣብ ዓንደብርሃን ጥራሕ ምቱካር ሐደ ናይዚ ሜላ እዩ።  ዶክቶር ኣሰፋው እኮ ኣካልን ኣፈኛን ናይ መድረኽ ስለ ዝኾነ   ካብቲ ዝሰርሐሉ  ዩኒቨርሲቲ ኣብ ካሊፎርኒያ ኣመሪካ ጊዚኡ ወፍዩ ዝመጸ ሰብ እዩ። ንሐጺር ጊዜ ስለ ዝመጸ ብዙሕ ሰብ ክረኽብዎ ዝደልዩ  ኣይከኣሉን። ንሱ ካብቶም መጀመርያ ንለውጥን ንራህዋን  ከይተሐለለ ዝሰርሔ ሮል ሞድል ከይኑ ኣብ ኣገድስቲ መድረኻት ኣኼባታትን፣ ቃለ መጠይቃትን ከቕርቡ ዝሕተቱ ሰባት እዩ። ንለውጢ  ቅድሚ ሰብ ዝተበገሰ ብ ጂ-13 ዝፍለጥ ሰብ እዩ።  መድረኽ ከኣ ከምዚኣቶም ኣገደስቲ ሰባት ሐቁፋ እያ ነዊሕ ጉዕዞ ጀሚራ ዘላ። ነዚኣቶም ምጽላም ንኹሉም ነቶም  ኣብ ዶክተር ኣሰፋው  እምነትን  ክብርን ዘለና ጸርፊ እዩ። (An insult to our intelligence)  ዘይተረድኦም ግን ኣብ ርእሲኦም ሰብ እንታይ ገምጋም ከም ዝህሉ ዘስተብህሉሉ ኣይመስለንን። ናይ ሕልና መዔቀኒ (ሞራል ኮምፓስ ፡moral compass) ምስ ተዓዛቢ ህዝቢ ከም ዘላስ ዋላ ኣይተሰቖሮቶምን።

ብተወሳኺ ክምዝመዝ ዝከኣል ጉዳይ ኣሎ ዓንደብርሃን ናይ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ፕረሲደንት ከሎ ምስቶም ፕሮፈሰራት  ግርጭትን ምትህልላኽን ነይርዎ እዩ፡  ኣብ ስደት ዘምርርዎ ሰባት እውን ኣለዉ። ኣነ ኣብዚ  ኣብ ዘይፈልጦ ረኢቶ የብለይን ግን ጌጋታት  ኣለዎ ንበል።    እዚ ግን ኣብ ስራሕ ዝተኽስተ ግርጭታት ምስ መድረኽ እንታይ ዘተኣሳስር ኣለዎ።

እቲ ዘገርም ግን ኣብዚ ኣኼባ ምልላይ መድርኽ  ዓንደብርሃን   ኣሰፋውን  ዓብደላ ኣደምን ጥራሕ ኣይነበሩን፥ ካላኦት ሰባት ብተወፉይነቶም  ሕዝቢ ዝፈልጦም እውን ኣብቲ ኣደራሽ የገልግሉ  ነይሮም እዮም ። ከም ፈቨን ሰሎሞን፣ ናይ ትግርኛ ረድዮ ኣቅራቢት።

እቲ ኣኼባ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብቲ ኮሪደዮ ምስ ሰባት ከዕልል ከለኹ ሐንቲ ጋል ኣንስተይቲ ምዕርግቲ ጽቡቅ ክዳን ተኽዲና ፍሽኽ እናበለት ናባና ትመጽእ። ነቲ ፍሽኽታ ግብረ መልሲ ኣይሃብክዎን ግዲ ኮይነ ፣ጴጥሮስ ገጊኻኒ ዲኻ ፈቨን እየ ትብለኒ ፣ ቀልጢፈ የለልያ እሞ ተሓናኒቅና ንሰዓዓም ። ካብ ዘይሪኣ 14 ዓመታት ሐሊፉ – ኣነ ክፈልጣ ከለኹ  ኣብ ኣስመራ ናይ ሻምሩክ ክላብ ማናጅርን (ሰባት ብዙሕ የድንቁዋ ነይሮም)፥ ካብኡ ወጺኣ ኣብ ትራቨል ኤጀንሲ ክትሰርሕ ከላ እዩ-  ጸጉራ ከም ማሪያ ማከባ – ፥ኣንጻር ዓሌትነት ውርይድቲ ደራፊት ደቡብ ኣፍሪቃ ፥ ኩሉ ጊዜ ሐጺር-እያ ትገብሮ ነይራ፥  ብጣዕሚ ደስ ዝብል  -ከጸብቀላ ከኣ።  ናይ ወርቂ ብሩር ሽልማት ወዲ ሽልማት ዘይትገብር። ። በዓል ጥዑም ድምጺ፥ ብድምጻ ንቡዙሕ ሰብ ዝማረኽት ኣብ ካልእ ሕብረተሰብ  ሕብብቲ ( celebrity) ተባሂላ ኣብ ሀብቲ ምሐንበሰት።   ክብራ ትሕሉ ውሕልልቲ  ህድእቲን፥ ትም በሃሊት ምንባራ ስለ ዝፈልጣ ፣ እዚ ድመጺ ካበይ ኣምጺእኪዮ ኢለ እሓታ እናሰሐቅኩ ንሳ ኸኣ ብስሓቅ ገጻ በሪሁ፥  ነቲ ትግርኛይከ ካበይ ኣምጺእክዮ ግዳ ዘይትብለኒ?  ንዓይ እውን እገርመኒ ኣሎ ትብለኒ። ኣስተማሲለ ሐቢኤዮ እምበር ተደናፊቀ- ገለ ካብቶም ናይ ሐባር የዕሩኽቱና ዝነበሩ ከም ፋረማሲስት ሰናይ ክፍለሱስ   ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ይሐቁ ዘለው ተዘኪሩኒ። እዚ ልልይ መድርኽ ጥዑም ጊዜ ኣዘካኪሩኒ። ስድራቤትካን መሐዙትካን ዝበታትን ዘመን፥ ሕማቅ ዘመን። ኣብ ውሽጢ 14 ዓመት ስደት ኣብቲ  ተጀሚሩ ዝነበረ ምህናጽ ሀገር ጊዝየና እንተነጥፍእስ እንታይ ሀገር ምሃነጽና ዘበል እዩ።    ናይ ዓንደብርሃን (sense of humour) እውን ኣስተማቂረዮ ኢየ። ክስዕሞ ኢደይ ወስ ከብል ከለኹ  ፍሽኽ እናበለ፥ እሂ ደኣ ኣሀዱ ዓዲ እንግሊዝ ይብለኒ። ኣነ እውን መንፈሰይ ሕድስ ኢሉ። ድሕሪ ባይታኡ 2 ይ ህዝባዊ ግንባር ጉባኤ እዩ ነይሩ። ተካፊለ ነይረ። ካብቶም ኣቦ መንበራት ድሩዕ ኢደይ ኣልዒለ ኽሐትት ዕድል ሂቡኒ ፥ብግስ ክብል ከለኹ  ሕርቕ ኢሉ በቲ መግልሕ ድምጺ ኣንታ ክንደይ ጊዜ ክንነግረኩም ኢና ሽምካን ኣሀዱኻን ግለጽ ይብለኒ። ኣነ ኸኣ ድንግርግር ኢለ፥ ጴጥሮስ ኣሃዱ ዓዲ እንግሊዝ፥  ምስ በልኩ  ፥ እቲ ኣደራሽ ዘይተኣደ ነጎዳ ዝጥዕም ስሐቅ ይመልእ።  መኣስ ዳ እያ ህዝባዊ ግንባር ንወጻኣ ኣሃዱታት ትልእኽ ዘበገሶ እዩ ነይሩ እቲ ዳንኬራ ።

ከምኡ እውን ጋዜጠኛ ኣማል ዓሊ ኣብ ቲቪ ኤረ ኣቅራቢት ዓረበኛ ዝነበረት ። ካልኦት እውን  ነይሮም ከም ጋዜጠኛ ሳሙኤል ዓካ ዓካ። ኣይፋልኩሙን  መጸለምቲ ኩሎም እዚኦም ሃብቲ ደንበ ተቃውምቲ እዮም።

ሐደ ክበርህ ዘለዎ እምበኣር

  •  ዝኾነ ይኹን ሰብ ንህግደፍ ራሕሪሑ ንለውጢ  ዝቃልስ መሰሉ እዩ።

 

  • ቁዋማዊ መንግስቲ ምስ ተተኽለ ንገበናት ተጽንዕ ኣካል ክህሉ እዩ።

 

  • ኩሉ ነገር ኣብ ግብሪ ስለዝረኤ፡ ንተበግሶታት ብግስ ከይበለ ኣይንፍረድ። ኣብ ፓለቲካ ዲያስፖራ  ነንሕድሕድካ ምንኻስ ክፉት ባይታ ስለ ዘሎ ቅድም ቀዳድም  ኣብ ኣበርክቶና ነድህብ።  ውልቀ ተቃላሲ ይኹን ውድብ  ስርሓቶምን ዘመዝግብዎ ዓወታትን  ክዛረበሎም ስለ ዝኾነ  ጠበቃታት ኣየድልዮምን ኢዩ።

 

  • እስቲ ኩላህና ነንእሽቶ ግብራዊ ን|ኹን፥ ንግበር ምውረዛይ ገዲፍና። ብሕልፊ ኣብ ረዲኢት ንስደተኛታት።   ብሰንኪ ተባዕ ስጉምቲ ወዲ ዓሊ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ስደት ስለዝርከቡ ንዕኦም ንምሕጋዝ ዑዉት ተበግሶ ናይ ገንዘብ ሐገዝ ብኣስና ከም ተዳለወ ዝዝከር እዩ።   ኣብ ለንደን እውን ብተበግሶ ኣባላት ፥ማሕበር ሐገዝ ንስደተኛታት ኤሪትራውያን ኣብ ሀገር እንግሊዝ- (ERSA-UK) ኣማል ዓሊ፡ዶክቶር መብራህቱ ኣተወብርሃንን ረዳኢ ኣዩብን ዘበገስዎ ብ25-01-2012  ናይ ኤሪትራውያንን ሙዚቀኛታትን መሐዙት ሱዳናውያንን ሙዚቀኛታት ዘለውዎ ትልሂት ተኻይዱ። US $1370 (£840.00) እቶት ተረኺብዎ ንአሰና ተረኪቡ። ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ግብራዊ ይብሃል።

 

  • ኣንጻር ምሁራትን ሰብ ሞያን ናይ ቢሲነስ ሐለፍትን ምንሻውን ምጥቃንን  ብህግደፍ ዝንብድበት ኮይኑ ንባህሊ ኤሪትራውያን መሪዝዎ  ይርከብ። እዚ ኣብ ዝምድናታት ዲያስፖሮ ብብዝሒ የንጸባርቅ ኣሎ።  ግዳይ ናይዚ ድሑር ኣተሐሳስባ ኣይንኹን። ዕንቅፋት ናይ ሐድነት ጥራሕ ዘይኮነ ናይ  ቁጠባውን ማሕበራውን ፓለቲካውን ምዕባለ እውን ኢዩ።

ይዝከረኒ ቅድሚ ኢትዮ-ኤሪትራ ኩናት ኣብ ጋዚጣታት እዞም ነጋዶ መዝመዝቲ  እናተባህለ ፍረ ጻዕሪ ከም  ቅጥፈት ተወሲዱ – ያታና ይብከል ነይሩ እዩ።  ዘገርም ኢዩ ሀ ኢልካዮም ሁ ዘይብሉ ሰባት ቖልዑ እዞም መዝመዝቲ ነጋዶ ንዮው በሎም  ይብሉ ነይሮም።   ኣብ ኣስመራ ኣብ  ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ – ናይ ትምህርትን ምርምርን ሐላፊ ከለኹ – በዚ ምብካል ባህሊ ምስ ዑቅበ ኣብርሃ (ሚኒስተር ናይ ንግድን ኢንዱስትሪን ዝነበረ ተዛራሪብናሉ ነርና። እንታይ እዩ ጉዱ – እዚ ተካይዶ ሚኒስትሪ ይጥቃዕ ኣሎ ዝዓይነቱ። ጀነራል ዑቅበ ባህላዊ ለውጢ ክም ዘድሊ መንእሰያት ብትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሀገር ይኹን ብማህደረ ትምህርቲ ክህነጹ ከም ዘለዎም ብሰፊሑ ገሊጹለይ፡ እሞ ክምዞም ሰባት ከነጥፍእ ሃየንታ እዩ። (ፎቶ፡ ጀነራል ዑቅበ ኣብርሃ፣ ጀነራል ብርሃነ  \ገረዝጊሄር ምስ ኣባላት ረዲኤት / ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ቦሎኛ ፍስቲቫል 1991.) ካብ ጸጋም መጀመረያ ዘሎ ጀነራል ብርሃን ኣብ  ሳልሳይ መስርዕ ጀነራል ዑቅበ ኣብርሃ። እሞ ዑቀበ ከምቲ ዝሐሰቦ ኣብ ህዝቢ ኣበርክትኡ ከይተግበረ ሕልሙ በኒኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ድኣ ሐቀቀ፤ መብዛሕትኡ ኣባል ህግድፍ ኮነ ኣባል ሓፋሽ ውድባቱ  ኣብ ዓዲ ዘሎ ወይ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ግዳይ ናይ ህግደፍ ጨቃኒ ስርዓት እዩ። እዚ ረብሕኡ  ምስ ደለይቲ ፍትሒ ስለ ዝኾነ በትኡ  ክሕዝ ምድትብባዕ ክግበረሉ ኣለዎ። ናይ ኣተሐሳስባ ኩናት እቲ ዝኸበደ ብድሆ ንደለይቲ ፍትሒ እዩ። ኣብዚ ሜዳ እዚ ኣብ ወጻኢ ዘለና ኣዚና ዲሒርና ክብል እደፍር። ደንበ ተቓዋሚ  ሕማም ኣስቅጥ (conspiracy of silence)  ገና ይሳቅዮ ኣሎ። ሐደ ካብቲ ምኽንያታት ዝህብሉ ከኣ ብመሪሕነታት ተቃወምቲ ዑጉባት ዘይምኻን እዩ። መሪሕነታት ጥራሕ ኣይብሎን እየ እቲ ተራ ኣባል እውን ኣብቶም ደገፍቲ ሀግደፍ ዝስሕብ ሜላ ስለዘይብሉ። ሎሚ እቶም ደገፍቲ ህግደፍ ኣካል ናይቲ ጸገም እዮም ጽባሕ ግን ኣካል ናይቲ ፍታሕ እዮም።

ምሕጽንታ

ኣብዚ ዘለና ኣሰቃቂ ኩነታት ግዝኣተ ሕጊ፥ መሰል ወዲ ሰብ ዝሕለወሉ፡ ዲሞክራሲያዊት ሀገር ክንሃንጽ ከቢድ ዕማም እዩ። ነዚ ብግብሪ ክንሰርሓሉ እንተ ኮንና መጀመርያ ኣብ ዓይንና ዘሎ ገፈል መፈል ክንኣልዮ ክንክእል ኣለና። ነብሲ ወከፍና  ጠንቂ ፍልልይ ዝኮነ ጠባያት ነወግድ። ብሃይማኖት ብወገን ብኣውራጃ ብቢሄር ፍልልይ ምግባር ኣብዚ ጊዜ እዚ ገበን እዩ፥ ሕማቅ ሳዕቤናት ስለ ዘለዎ።

ፈላላዬ ኣተሐሳስባና ሐጺብና ኣብ ጉሐፍ ምስ እንድርብዮ ንሐድነት ክንሰርሕ ዓቢ ተኽእሎ ኣለና።  ነብስና ንመርምር ፥ ባህላዊ ደረጃና ትሑት ምህላው ኣለሊና፥ ክንፈልጥ ክንምሃር፡ ከነንብብ ንጽዓር ። ልክዕ እዩ እተን  ማሕበራዊ ሕብረተሰብ (ሲቪል ሶሳይቲ)  ናይ ምንቅቃሕ ዕማም ገና ኣይተተሐሐዝኦን ኣለዋ። እዚ ናይቶም ምሁራትና ግደ እዩ። እቲ ዝበለጸ ንውጹዕ ህዝቢ ዝቀንዐ ፍሉይ ትምህርቲ ብሙሁራት እንተ ዝዳሎ ከም (pedagogy of the oppressed) ዝዓይነቱ ኣዚዩ ሐጋዚ ምኾነ።

እዞም ንመድርኽ ንምጽላም  ዘራፍ ዝብሉ ዘለዉ ባህላዊ ደረጅኦም ባይታ ስለ ዝዘበጥጠ እዩ እምበር ብኻልእ ተንኮል ኣይመስለንን።  ምሕረት የውርደሎም እመበር ብዘይ ምስትውዓል ንህግደፍ ዓቢ ደገፍ ይገብርሉ ኣለው፡፡

ሎሚ መድርኽ ገለ ገለ ወልቀ ሰባት ይፍትውዋ  ኣይፍተውዋ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ  ተረኣ ከትጻወት  ተበጊሳ ኣብ ስረሐታ ናብቶም ብሕማም ኣጽቅጥ ተደኒሶም ዘለው ኣካል ሕብረተሰብና እንተተኩር ጽቡቅ ነይሩ።

ኣሉታዊ መዳይ ምጥቃስ ኣስሚረሉ እምበር ብምኽንያት ምብጋስ መድረኽ ብዙሕ ሃናጺን ኣወንታውን  ዘተ ኣብ ፋይስ ብክ ይሰላስል ኣሎ።  ብዛዕባ እዚ ብውሕሉል ኣቀራርባ  ገዛኢ  ኣቅሪቡ ንኣንበብተ ንቀደም በሉ ይብል።  Challenges and Promises Ghezae Hagos Berhe (The article is abridged from facebook discussion.)   By assenna on February 8, 2014: Linkhttp://demo.archive.assenna.com/forum-for-national-dialogue-medrek-challenges-and-promises/  እዚ ባህላዊ ደረጃ ሐፍ ዘብልን ንሐድነት ምንጻፍ ዝኾኑ ናይ ሐባር ኣረኣእያ ዘሕይልን እዩ። ካብ በለካን ለኽዓካን ካብቲ ዘተ ንመሃር።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
66 COMMENTS
  • amanuel February 12, 2014

    Dear Petros, well done very good analyses.

    The issue is the regime in Eritrea failed to implement our constitution. Once the constitution is implemented, we will have justice, freedom of expression, free market economy, rule of law, democracy and good diplomatic relation regional and international. We need to develop tolerance and we have no right to accuse others, personal assignation. If any one have a case against anyone collect your evidence. Otherwise we need to acknowledge that the prim enemy of people of Eritrea the regime in Eritrea. If we start to accuse individuals we will not be fretful and we will be destructives. I agree With Petors Andebrhan will be able to help the people of Eritrea as stated above and more of his experience.

    We should give him the chance and give him the support.

  • Grmay February 12, 2014

    Abzi. Aleka. Zereba. Tsbuq. Melsi. U. Des. Zbl

  • Ted February 12, 2014

    I agree with Petros, Andebrhan is a hero for us those knows his detail knowledge and his background. He is committed, educated, fighter, responsible, accountable, respect rule of low, honest, very good communication skill, leader, Ambassador and endless wisdom. Eritrea will benefited from Andebrhan and those people written nonsense comments against Andebrhan, I would ask them to check their CV before accusing or making wrong assumptions

  • I Asafaha February 12, 2014

    ጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ(ወዲ ባዓታይ) ኣብቲ ድውስውስ ዝበለ ኣቀራርባ ዘለዎ ጽሑፍካ “ወልዱ ተኪኤ፣ ኢሳያስ ኣስፍሐ፣ ተድሮስ ተኽለ ንለውጢ ንቃለስ ኣለና ይበሉ እምበር ነዚ ሐፍሻዊ እምነት እዚ ይግንዘብዎ የለውን። ግን እቲ ፖለቲካ ዲያስፖራ ብቀቢላውን ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ፍልልያት ከምኡ እውን ብውድድርን ዘይምክብባርን ዝተቖማጥዔ ስለዝኾነ መበገሲ ናይዚኦም ኣንጻር መድረኽ ሐደ ካብዞም ዝተጠቅሱ ምኽንያታት ክኸውን ይኽእል እዩ። ብሕልፊ ኣውራጃዊነት።” ዶ ኢልካ? ዝገርም እኮ ኢዩ፣ ኩሉ ጊዜ ተበለጽትን መደናገርትን ዝሕብእሉ ብዓቲ እኮ ኣውራጃውነት ኢዩ። እምበር ከምቲ ወሃብ ሪኢቶ ሓው ተወልደመድህን ጠቒስዎ ዘሎ ሓሳቡን ሪኢትኡን ሂቡ ዓገብ ነንዝበለ ኣውራጃዊ ክትብልዎ እንተኾይንኩም ወዳጀ ውጹእ ሃገራውነት። በልስከ ወደይ ንስኻ ኸ ኣብ ክንዲ መን ኢኻ ትሕለቕ ዘለኻ? እንታይ ገደሰካ ካብ ንዓንደብርሃን ከምዚ ኢልኩሞ ባ ከምዚ ደጊምኩሞ ትብል ንሓወይ ወዲነይ ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ ኣይትተንክፉለይ ዘይትብል። ብዝኾነ ኣታ ኣውራጃዊ ዘይኮንካ “ውጹእ ሃገራዊ” ጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ ወዲ ባዓታይ ንዓ ግደፍ “እንዳ ዕኮት ኣይትተንኪ ድሓር ከይትበኪ።

    • Suleiman Salim February 12, 2014

      ኣንታ ወዲ ኣስፈሃ ኣውራጃውያን ብኣውራጃውያን ዓይኖም ብኣውራጃውነት መርዚ ዝተሸፈነ ሰባት ኩሉ እንዳ ረኣዮን እንዳ ተዓዘቦን ኣውራጃውያን ኢሎምና ኣይበሃልን እዩ። በል ክንደግመልካ፡ ኣእዛንካን ዝኾነ ኣብ ኣካላትካ ዘሎ ቡኮታት ክፈቶ፡ ካብ ሎሚ ንንየው ኣውራጃውያን ኣብ ኤርትራ ቦታ የብልኩምን።

      ኣስመራ ብኣስመራኣ፡መንደፈራ ብመንደፈራኣ፡ ከረን ብከረና፡ ባጽዕ ብባጽዓ …ዓሰብ ብዓሰባ …ኮታስ መላእ ኤርትራ ፈሊጣትኩም እያ።

      ብዝኾነ ንስኻትኩም በዚ ትኸድዎ ዘለኹም ክንቅጽል ኢና ኢልኩም እንተ ኣሐሊልኩምና መእተው ገደልኩም ስለ ዝኾነ ንሕና ካብ ኪዱ መርሹ ቀጽሉ ምባል ተሪፉ ካልእ ንብለኩም የሎን።

      • MightyEmbasoyra February 12, 2014

        Salim Tembienay,
        ግርም ዘረባ, ዘበን ግርምቢጥ ኢሎሞ ከምዝናትካ’ዩ. ቦኽቯኽ።

  • MightyEmbasoyra February 12, 2014

    Petros,
    You are either you don’t have the grasp of the subject you wrote or you are one of them. You seem to care about those Medrek individuals than the main argument. Who is to say these guys had abandoned isayas’s admin? I don’t believe so. You shouldn’t criticize those few gentlemen who raised their concerns about this club (yes, it is a club). And you have tried to compare the hero wedi Ali with these ethics deficient people? Come on.

    • Suleiman Salim February 12, 2014

      nsKa ke ” ethics ” aloka malet dyu? kan nay Eritrea gebarn Hadagn ktkewn deliKa? men tbehal ‘ske ? bfesn TraTn seKirka mengsti Eritrea SbaH zwedQ mesiluka dro ab mfrad atiKa!! Hangolka SbuQ sle zey serH bQlTuf ‘nda Hakim kiedka temermer!!

  • rezene kidane February 12, 2014

    ብወገነይ እቲ ጕዳይ ኣባላት መድረኽ ንህግደፍ ራሕሪሖሞ ድዮም ኣይራሕርሑዎን ጥራይ ኣይመስለንን። ብቀዳምነት መድረኽ ስለምንታይ ብምስጢር ጀሚሮም፡ ብሕሽኽዅ ይቕጽሉ ኣለዉ? ርግጽ እዩ ዲፕሎማስያዊ ይኹን ናይ ፖለቲካ ተሞክሮን ኣብ ኤውሮፓን ኣመሪካን ተፈላጥነት ኣለዎም። ስለዚ፡ “በሉ ንሕና ኣብቲ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ዕማማት ክንጽዕት ኢና። ንስካትኩም ድማ ምስ ወዲ ቫካሮ ብምዃን ነቲ ሓፋሽ ኣጐሳጕሱ ብምባል ምስቶም ዝተፈላለዩ ሲቪካዊ ማሕበራትን ማሕበራት መንእሰይን ሓቢሮም ክሰርሑ ፈቲኖም እንተ ዝነብሩ ክንደይ ጽቡቕ ምኾነ። እዚእእቶም ግን ሓፍ ከይበላ ቋቝ ኣበላ ከም ዝብሃል ገና ከይጀመሩ ብስምጢር ኣኼባታት ክገብሩን፡ ንውሱናት ይጠቕሙና እዮም ዝበሉዎ ሰባት ቴለፎናት ኣናደወሉን ናብ ኣኼባ ክጽውዑ ጀሚሮም። እሞ ኣበይ ደኣ ኣሎ እቲ ንሓፋሽ ንውክል ኢና ዝብል ዘረባ? ከምዚ ኢልካ ዝቃየድ ቃልሲ ብዘይካ ክፈላሊ ኣድማዒ ክኸውን ኣይክእልን። ኣብ ዝጸናሕካ ጸኒሕካ ኣበይ ኔርካ ዝብሃል ዘረባ ብወገነይ ኣይድግፎን። እቲ ጸገም ዝኾነ ሰብ ናብ ናይ ሓፋሽ ቃልሲ ክመጽእ እንተ ኾይኑ፡ ዝሓለፈ ኵነታቱ ብጋህዲ ገሊጹ፡ ምስቲ ኣብ ቃልሲ ዘሎ ማሕበራት ክላለን ናይ ቃልሲ መፈሱ ከሕድስን ኣለዎ። ካብኡ በለ ዲፕሎማስያዊ ተሞክሮ ኣለኒ’ሞ ግድን ትስዕቡኒ ዝብል ዘረባ፡ ደው በለልይ ክብለጸልካ እዩ። እቲ መሰል ግን ኣብ ቦታኡ ኣሎ መድረኽ ተቐባልነት እንተ ረኺቡ እንሀ ፈረስ እንሄ ሜዳ ከም ድላዩ ይዓንድር። ተመሊስካ ትረድኦ ገዲፍካዮ ኣይትኺድ ስለ ዝኾነ ግን፡ ትጋገዩ ኣለኹም መስመርኩም ኣዕርዩ ክብሎም እፈቱ።

    • Suleiman Salim February 12, 2014

      nsKa nkal’ot diktator ilka ‘nda teSarefka baElKa Abi diktator iKa::

  • rahwa February 12, 2014

    Mr. petros says,
    ሀገር ኣብ ምንታይ ደረጃ ከም ዘላ ከይገምገምካ ፥ ኩሉ ኤሪትራዊ ንለውጢ ክካፍል ኣልዎ ኢልካ እናጎሳጎስካንናይ ተጋደልቲ ነበር ተበግሶ ዝኾነት መድርኽ ከተጸልም ተገራጫዊ እዩ። ኣንጻር መንፈስን ቃልሲ ንለውጢ እውን እዩ።
    medrek is not only an ex-fighters’ group. members of this secretive and sneaky initiative are former high ranking pfdj officials who allegedly did wrong against the Eritrean people. they are not simply ex-fighters. many ex-fighters distrust this group. that is not all: why they did not think of apologizing to the people is even more shocking. many would have turned a blind eye (to their past) had their actions (including the meeting they held in London) been consistent with justice seeking ways. people do not trust medrek. that is a huge problem. and they do not seem to care. eseyas is in their actions.

    • Suleiman Salim February 12, 2014

      Rahwa ( Gual Agame),

      feradit men gieruki?

  • tome February 12, 2014

    wedi ali abal mekanayez 74 kaleay merahi kefeleserawit deheri wedi gerezghiher eyu neru azazi natey eyu neru segab elet mesewaetu lewahe hemaqe nay menesey zeyfetu jigena tegadalay eyu ane gen mara teqoteani neti kurkur wedimokea keqetelo nerwo gen dehan mealtu ayetewedeten malet eyu hanti mealti ala issayas wedi berad zehekekela gab mederi gex mesewaeti wedi ali kontu ayekewenen eyu deqi erey ajokum ajona

  • woldu tekle February 12, 2014

    ኣቶ ጴጥሮስ …

    “ዝግ በል ድሕሪ ዋንጫ” ይብሉ ኣቦታትና፡ ፡ እቲ ናይ ህግደፋውያን ሜላ ከፋፊልካ ግዛእ ካብ ጎይታኻ ኢሳያስ ዝተመሀርካያ ጊዝይኣ ዝሓለፋ መኻን ሜላ ምዃና ዝተረደኣካ ኣይመስልንን፡ ፤ ንደለይቲ ፍትሒ ብኣውራጃውነት ክትከስስ ምህንዳድካ ዘገርም’ዩ፡ ፡ እሞ ከኣ ንስኻ ኣብ ኤውሮጳ ኮንካ ክትስዕስዕ ከለኻ ሓው ኢሳያስ ኣስፍሃ ግን ምእንቲ እዛ ሓላል ሃገር ንእስነቱ ወፍዩ ኣብ ዝሑልን ውዑይን ኣትዩ ዝዛበጥ ዝነበረ በሃር ወደባት ብኣውራጃዊ ክትከሶ መሕፈረካ፡ ፤ ፍትሒ ይንገስ እንዳበለ ዝጽሕፍ ንዝበልካኒ ሕጂ’ውን ንፍትሒ’ምበር ምስ ዓመጽቲ ጠጠው ኢለ ኣይፈልጥን፡ ፤ እንተ እቲ ንሓው ቴድሮስ ኣልዒልካ ዝጸሓፍካዮ እንታይ ስለ ዝገበረ’ዩ? እቲ ፍሽለትኩምን ፖለቲካዊ ክስረትኩምን ስለ ዘቃልዐ ኣውራጃዊ ክትብሎ? ንዓ ደኣ መልሰሉ ኣቶ ጴጥሮስ፡ ፡ንምዃኑ እስከ ክሓተካ፡ ፤ናይ ሰለስተና ሽም ኣልዒልካ ብኣውራጃውነት ክትከሰና ንምንታይ መሪጽካ? ኣብ መደበር ዓዋተ.ዶት ኮም ብሓው ተቓላሳይ ሳልሕ ቃዲ ኣብ ልዕሊ መድረኽ ዝጸሓፎ ኣንቢብካዮ’ዶ? ደቒቑካ ከይንብሎ ስእልኹም ለጢፉ’ዩ ጽሒፍዎ ዘሎ፡ ፤ ሓው ሳልሕ ቃዲ ካብ ካልእ ፕላኔት ድዩ መጽዩ? መቦቆል ኣውራጃ የብሉን ድዩ? ብተወሳኺ ሓፍትና ሰላም ኪዳነ ኣብ ኣዝማሪኖ ጽሒፋቶ ዘላ’ኸ ክትርእዮ ኣይከኣልካን? ሓፍትና ሰላም ኪዳነ’ኸ ካብ ማርስ ድያ መጽያ?ካልኦት ኣሽሓት ደለይቲ ፍትሒ ብዛዕባ መድረኽ ኣይጸሓፉን ድዮም? ንሓው ገዛኢ ክተሞጉሶ ርኢናካ፡ ፤ ሓው ገዛኢ ዝጸሓፎ ንኣኻ ስለ ዝተሰመማዓካ ክተሞጉሶ ንሕና ዕቃቤታትና ስለ ዝገለጽና ግን ብሕሉፍ ኣውራጃውነት ክትከሰና ምፍታንካ እቲ ጽጉን ሓንጎልካ ጽጉናዊ ለውጢ ከም ዝሓስብ ኣብሪህካልና ኣለኻ፡ ፤ብዛዕባ ኣቶ ዓንደብርሃን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝነበሮ ሽግር ተናኺፍካ ሓሊፍካ፡ ፤ ኣነ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣይፈልጥን’የ ክትብል’ውን ፈቲንካ፡ ፤ ደሓን ናይ ዩኒቨርሲቲ ጉዳይ ዝሕተተሉ እዋን ርሑቕ ኣይክኸውንን’ዩ፡ ፤ዝተፈጸመ ገበን ተፈጺሙ ስለ ዘሎ ኤርትራ ሃገርና ናብ ዋናታታ ምስ ተመልሰት ነርክበሉ፡ ፤ ብዛዕባ ኣቶ ዓንደብርሃን ካብ ኣልዓልካ ግን ኣቶ ዓንደብርሃን ንጉጅለ 15 ክኸሶም ከሎ ረሲዕካዮ ዲኻ ወይስ ሙዉት ተረሳዓይ’ዩ ኮይኑካ፡ ፤ ብጥልመትን ክሕደትን ሃገር ኣብ ቅድሚ ዓለም ክኸሶም ከሎ ረሲዕካዮ? ጠበቓ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ ይውሓስ የግብእ ኣብ ዘይብሉ ቤትፍርዲ ብጥልመትን ክሕደትን ከሲስዎም ከብቅዕ ንጹህ ከም ጲላጦስ’ዩ ዲኻ ትብለና ዘለኻ?

    ኣቶ ጴጥሮስ ዓቢ ስለ ዝኾንካ ኣቶ ክብለካ ኤርትራዊ ባህሊ ስለ ዝኾነ ኣቶ ክብለካ ክግደድ’የ፡ ፤ ንጅግና ወዲ ዓሊ ኣገልጋሊ ጉጅለ ህግደፍ ክትብሎ’ውን ኣይሓፈርካን፡ ፤ ንጅግና ወዲ ዓሊ ምስ ኣቶ ዓንደብርሃንን ምስቶም ስጋ ሰብ ዝበልዑ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ህግደፍ ክተወዳድሮ ምፍታንካ ተሕዝን፡ ፤ ሓጥያት ኣቶ ዓንደብርሃን ስኑድ’ዩ፡ ፤ ንወዲ ዓሊ ከምቲ ጎይቶትካ ህግደፍ ዝበልዎ ጌርካ ክትገልጾ መሕፈረካ፡ ፤ ወዲ ዓሊ ኣደራዕ ህዝቡ ኣሕሚምዎ ንመሰል ህዝቢ ሂወቱ ከፊሉ ከብቅዕ ንስኻ መዝሙር ህግደፋውያን ምድጋምካ መን ምዃንካ ገሊጽካልና ኣለኻ፡ ፤

    ኣቶ ጴጥሮስ ማዕበል ለውጢ መንእሰይ ወለዶ ብሽም ህዝቢ ኤርትራ ዝኣከብክሞ ዘይተኣደነ ገንዘብ ጌርኩም ክትጨውይዎ ከም ዘይትኽእሉ ከብርሃልካ እፈቱ፡ ፤ ናይ መድረኻውያን ናይ ዓራርብ ምስጢራውነት ከይተበገሰ ከሎ ፈሺሉ ኢዩ፡ ፤ መድረኽ ኣብቂዓ’ያ፡ ፤ መድረኽ ሞይታ ኢያ፡ ፤ ኣቀባብርኣ የጸብቐላ ክብለካ እደሊ፡ ፡ ኣብ መወዳእታ ክብለካ ዝደሊ ንሕና ንመሰለን ሓርነትን ህዝቢ ንቃለስ ኣለና፡ ፤ መንነትና ኩርዓትና’ምበር ኣየሕፍረናን፡ ፤ እታ ጎይታኻ ኢሳያስ ዝመሃረካ ከፋፊልካ ግዛእ ሜላ መድረኻ ኣብቂዓ’ያ፡ ፤ ንህንእ ኤርትራውያን ኢና፡ ፤ ከምቲ ንስኻ ነዛ ሃገር እሓስበላ’የ ትብሎ ንሕና’ውን ንሓስበላ ኢና፡ ፤ ፍንጫሕ መሰንገለና ዝኸፈልናላ ሃገር ብዉሑዳት ክትርገጽ ኣይንፈቅድን፡ ፤ኣረኣእያና ክፈላለ ይኽእል’ዩ፡ ፤ ምክብባር ግን ከድልየና’ዩ፡ ፤ ዘራይን ወዲ ዘራይን ዘድልዮ ኣይመስለንን፡ ፤ኣብ ክንዲ መድረኽ ዘሪኻ በትርኻ ምስ ተወጣውጥ ግን ግብረ መልሲ ከም ዘለዎ ኣይትዘንግዕ፡ ፤

    • Suleiman Salim February 12, 2014

      ኤርትራ ኣብ ዋናታታ ምስ ተመልሰት ዶ ኢልካ ኣንታ ቀጣፊ ኣውራጃዊ? እንታዋይን ኣበይን ኮይንካ ኢኻ ንስኻ ንሰብ ክትፈርድ ኣንታ ገበነኛ ? ኣነ ናብ ናይ ፋንጣዝያ ዓለም ዘሰጋግር ገለ ዓይነት ዝትኸኽ ወይ ብከኒና መልክዕ ዝወሰድ ነገር ትጥቀም ኣሎኻ እየ ዝብል።

      ቀደም ዘበን ሓደ ሸያጥ ጸባ ኔሩ ይበሃል። እዚ ሸያጥ ጸባ ንግሆ ንግሆ ካብ ገዝኡ ተበጊሱ ጸብኡ ኣብ ዕትሮ መሊኡ ናብ ዓማዊሉ ይኸይድ ኔሩ። ሓደ መዓልቲ ከምቲ ልሙዱ ኣብ ሓደ ገዛ ኳሕ-ኳሕ ኣቢሉ ” ጸባ ኣሎና፡ ሎሚ ከ ክንደይ ኢኹም ትወስዱ? ” ኢሉ ነቶም ሰብ ገዛ ይሓቶም። ኣብቲ ገዛ ዝነበረት ሰበይቲ እቲ ዘድልያ ጸባ ምስ ወሰደት ሰልዲ ንክተምጽእ ናብ ውሽጢ ገጻ ትኣቱ።

      እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ሸያጥ ጸባ ጠጠው ኢሉ እንዳ ተጸበየ ኣብ ዓምዩቕ ሕልሚ ይኣቱ እሞ ምስ ነብሱ ከምዚ እንዳበለ ” ኣብዚ ገዛ ናይ ክንድዚ ዝኸውን ጸባ ሸይጠ …ኣብ ካልኦት ገዛውቲ ድማኒ ከምኡ ክሸይጥ እየ ..ሎሚ ..ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ..ከምኡ እንዳ በልኩ እኹል ሰልዲ ምስ ኣከብኩ ይምርዖ ..ምስ ተመርዓኹ ድማ ወዲ ይወልድ ..ወደይ ድማ ምእዙዝ ክኸውን ተስፋ ይገብር …
      ምእዙዝ እንተ ዘይኮይኑ በዛ በትሪ ጌረ …” ከይተፈለጦ ነቲ ጸባ ዝሐዘ ዕትሮ ብበትሪ ጌሩ ሽዋሕ የብሎ!!

      ኣኽላባት ዎያነ ዝኾኑ ኣውራጃውያን ከምዚ ሸያጥ ጸባ እዮም። ዝሓዝዎ ዘይብሎም ኣብ ሕልሚ ይኣትዉ …ንሕና ስልጣን ምስ ሓዝና ኣብ ኣስመራ ክንፈርደኩም ኢና ..ከምዚ ክንገብር ኢና ..ከምቲ ክንገብር ኢና …ቦኾኽ ቦኾኽ…መዓት ዶረና!!

      .

      • MightyEmbasoyra February 12, 2014

        Salim Tembienay,
        It looks like your min wage has risen and you are working very hard as a result of it. Or you broke off with your boyfriend?

  • Merir Kalsi February 12, 2014

    1. first of all the writer whether Petros,or others you couldn’t defend the criminal ( blood washed ) hand of Andberhan W.
    2- Do you think AW is the only one who has diplomatic skills or what ever. We Eritreans have many people who can do it so many things above & above AW .
    3rd- The Eri youth organisations are doing better in campaigning, pressuring international worlds and disclosing DIA & Higdef, with out contribution of AW or other criminals who try to infliterate by reasons of ( ” we are better in diplomatic skiill; We have money more than you guys ; We have connection with inside,…bla bla lame reasons for interfering in our affairs
    3rd- what is the use of grouping by Tegadelti, by 1st round, 2nd round, 3rd, round……etc. lol
    4th. I am the one who originallyused the phrase ” No one needs license ( lichensa ) for struggle “; There is no icense agency for this purpose. Iintended to defend EYSNS or SMERR from those who ( HIGDEF as well as Pseudo-HIFDEF organisation ) who tried to dismantle the soliadrity movement by accusing as awrajawi or islamawi,…etc
    5th- This article is written by Kutesha of Medrek, Solomon Tesfamariam
    6th- Even now we have many non criminal tegadelti delyti fethi, we don’t need the criminal AW, MH or the like.
    7th We need real change but not cosmetic change.

    • Suleiman Salim February 12, 2014

      Your IQ is very low.

Post a Reply to Amanuel Cancel Reply