Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መብርሂ ንህጹጽ ጻዊዒት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ንምእላይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ስልጣንን ዳግማይ ጻዊዒትን።

ከም ዝዝከር ኣብ`ዚ ዝሓለፈ መዓልታት ``ህጹጽ ጻዊዒት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ንምእላይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ካብ ስልጣን፡ ``ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ክሳብ 50 ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበርና ክታምና ዘስፈርናሉ፡ ንሕሰምን ግፍዕን ህዝብን

ከም ዝዝከር ኣብ`ዚ ዝሓለፈ መዓልታት “ህጹጽ ጻዊዒት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ንምእላይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ካብ ስልጣን፡ “ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ክሳብ 50 ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበርና ክታምና ዘስፈርናሉ፡ ንሕሰምን ግፍዕን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምዝርዛር ናብ መራኸቢ ብዙሃን ዘርጊሕናዮ ቀኒና። ከም ውጺኢቱ ክኣ እዚ ከም`ዚ ዝኣመሰለ ጻዊዒት፡ ብዝበዝሐ ሓፋሽ ህዝብና ብኣወንታ ተራእዩ ሓያል ናይ ደገፍን ምትብባዕን ግብረ መልሲ`ኳ ይውሕዝ እንተሎ፡ ግን ክኣ ማዕረ ማዕሪኡ ብዙሕ ግምት ዝውሃቦ ቁጽሪ ወላ እንተዘይኮነ፡ ንገለ ግሩሃት ከደናግር ዝኽእል ጫሌዳ ጓል መገዲ ዘረባታት ግን ይስማዕ ኣሎ፡ ንሱ ክኣ እንታይ`ዩ “ ስለምንታይ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ጥራሕ? ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ኩልኹም ሓደ ኢኹም፡“ ብገለ ኣባላት ጀብሃ ዝነበሩ`ሞ ኽኣ፦ “ንሱ ብንሱ ዝኾነ መላኺ ኣተሓሳስባኹም ዶ! ምስታ ጸባብ ኣተሓሳስባኹም“ ዝብል ዘለፋታት ዝተሓዎሶ ክትገብር ሰለ ዘይክኣልካ ንዝገብሩ ጎርቢ ኮይንካ ንምዕንቃፍ ዘንቀደ ሃበስ ቀደስ ንሰምዕ ኣለና።

ይኹን`ምበር ከም`ቲ ኣብ ኣርእስቲ ናይ`ዚ ጽሑፍ ተጠቒሱ ዘሎ ንምብርሁ ዝኣክል እምብኣር፦ መንቀሊናይ`ዚ ህጹጽ ጻዊዒትና፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ኩልና ንዕዘቦ ከም ዘለና፡ ጉዳይ ሃገርና ኣብ ቀራና መገዲ ብምብጽሑን ነዚ ኩነት እዚ ክገጥም ዝኽእል ድልዉ ዝኾነ ጥርናፈን ሓይልን ደምበ ተቓውሞ ክኣ ብዘይምህላዉን ዘስተብሃሉ ገለ ግዱሳት ብጾት ካብ ውሽጥና “ኣንቱም! ሰባት እንታይ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ? ሃገር ናብ ምብትታን ገጻ ትኸይድ ኣላ`ሞ ገለ ክንገብር ክንክእል ኣለና“  ካብ ዝብል ንጹህ ሃገራዊ ሕልና ተበጊሶም ዘንቀልዎ ሓሳብ ምምባሩ ክጠቅስ እፈትው፡፡ ንኣተሓሕዝኡን ኣዘራጋግሕኡን ብዝምልከት`ውን እንተኾነ፡ ድሕሪ ዝተፈላለዩ ሪኢቶታትን ክትዓትን ብውሑዱ በቶም ብቐረባ እንፋለጥ፡ ብሓንሳብ ኣብ ዉዑይን ዝሑልን መድረኻት ዝነበርና ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብነት ኮይንና ንዘርግሓዮ`ሞ፡ ድሓር ክኣ ህዝቢ ይስዕበና ካብ ዝብል ተበግሶ ዝነቐለ ጥራይ`ዩ ነይሩ፡፡

ምስ`ዚ ኣተኣሳሲረ ዝጠቕሶን ንዘቕረብናዮ ጻዊዒት ዳግማይ ከድምቖ  ዝደልዮን ነገር እንተሃልዩ ግን፡ ከም`ቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ምስ`ቲ ዝነበረ ዉሁብ ኩነታት እዞም ብቐረባ ክንራኸብ ዝኽኣልና፡ ማለት እቶም ክታምና ዘምበርና ጥራሕ እኳ እንተነበርና፡ ግን ክኣ ብዙሓት ብጾት ነዚ ዘንቀልናዮ ሓሳብ ዝድግፉ ከም ዘለዉ ዘንጊዕናዮ ከም ዘይምዃና ክሕብር እፈትዉ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ክኣ ኢና ኣብ መዛዘሚ ናይ`ቲ ናይ ህጹጽ ጻዊዒት ጽሑፍና ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እትርከቡ ኣብዚ ጻውዒት` እትሰማምዑ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣስማትኩም ኣብዚ መዝገብ` ክሰፍር ምእንቲ ርኸቡና።“ ክንብል ዘቐመጥና።

 

ስለ`ዚ በዚ ኣጋጣሚ ድማ፡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ክንብል ከለና ንመን ማለትና ምዃንና ንምብርሁ ዝኣክል፦ ንሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ምሉእ ግዚኡ ኣብ ገድሊ ኤርትራ (ሜዳ) ከም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ዝተሰለፈን ኣብ ወጻኢ ሃገር ክእ ብመልክዕ ሓፋሽ ውድባት ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ንገድሊ ዘገልገለን ዝሓብሓበን፡ እንተላይ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ሕጂ`ውን መሲልዎ ኣብ ትሕቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ሃገረይ ከይትድፈር ኢሉ ምሉእ ገንዘቡን ጉልበቱን ዝወፈየን ሕጂ ግን ኩሉ ኣበርክቶኡ በዚ ገባቲ ስርዓት ተኻሒዱ ዝተጠልመን ንለውጢ ቁሩብ ዝኾነን ይምልከት። እዚ ክንብል ከለና ግን ንካልኦት ዜጋታት እዛ ሃገር ኣወጊንና ኣግሊልናን ንሕና ጥራሕ ኢና ዝብል መንፈስ ከም ዘይብልና እናዘኻኸርና፡ ኣብ`ዚ ተበግሶ`ዚ ክዓስል ፍቓደኛ ዝኾነ ማንም ኤርትራዊ ዜጋ ማዕጾና ርሕው ምዃኑ ከነረጋግጽ ንፈትዉ።

ካልእ ኣብ`ዚ ሓደ ከተሓሳስቦ ዝደልዮን ክእረም ኣለዎ ዝብሎን ሕማቕ ተጠሪዩ ዘሎ ባህሊ፡ ንዘዝመጸ ሃገራዊ ተብግሶ ብኣልማማ ክትወቕዖን ከተጸልሞን ምፍታን ዓገብ፡ ኣበይ`ሞ ኩሉ በብዝመስሎ እንተ ዝልዓል ኣበይ እንዶ ምበጻሕና። ድሓር ክኣ ሃየ! እንዶ ዝሓሸ ሓሳብን ተበግሶን ኣምጽኡ ክንስዕበኩም። እንተዘየሎ ኣብ`ዚ ዘለናዮ ተሃዋሲ መድረኽ ኣብ ክንዲ ኣብ ፈቕዶ ፈይስቡክን ፓልቶክን ንከማኻ ተቓዋሚ ክትቋወም ጣቋ ዘይብሉ ጨለነት ተሳሲ፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን  ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ዓቢ ሃገራዊ ብድሆ ኢዩ`ሞ ሃየ! ኩሉ ዓቕምና ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢና ንልዓል በብዝመስለና።

መስዋእትን ሕድርን ጀጋኑና ብላሽ ኣይክኸውንን`ዩ፡

ክንዕወት ኢና!

ኢሳያስ ኣስፍሃ ሎንዶን 12/10/2018።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • Alex October 14, 2018

    All members of EPLF and ELF joined the struggle for the independent of their beloved country and their People. All of them are our heroes. Eritrea belongs to all ERITREANS EQUAL. IT WOULD HAVE BETTER IF YOU COULD HAVE CALLED TO SIGN ” TO ALL MEMBERS OF EPLF AND ELF. ( Kulom tegadelti zineberu/zinberae).

    Lets assume you have a brother who was an ELF member and is living in UK and you just ignored him and preferred to call only members of EPLF.? Do you think it is correct?
    I believe it is wrong and should be corrected urgently.

    Thanks

  • Alex October 15, 2018

    Dear Isayas, Please remember Hadish woledgorgis and Ibrahim afa both are Eritreans Heroes. So do all members of EPLF and ELF..who have sacrificed their lives and who are alive.

    Tegadelti…….Tegadelti… .Tegadali

  • Fithawi October 15, 2018

    Dear isayas asfaha; I understand your intentions are right but I can sense that these project is based on emotions. We need to go away from this shaebia/jebha politics. We should all stand as eritreans to bring about the necessary changes for our beloved eritrea. We lost a lot of eritreans during that poisonous kunat hidhid to the appeasement of tegaru. Eplf made a coalition with tplf destroy elf. It is one of the saddest points of our struggle history. I urge you to stop this project to gather only Eplf ex fighters instead let’s get organised under the banner of eritrea for all eritreans. In the first place you shaebia tegadelti turned blind eyes since 1991 when the dictator was doing whatever he wanted. so please either unite the eritrean people or move from the way of young generation so we can figure it out by ourselves.

  • HdriswuE halalmariet October 15, 2018

    I have no doubt that your intention is solely focused on saving our homeland by preemptive strike on isaias afewerk and his jackals. Go ahead and do it. You have my hundred percent blessing. And I do not care if you stay in power long after you knocked him down. Just do it. But remember it will require physical force and meticulous planing and execution. You will probably need people in the calbre of Abraham Teckle. The sooner the butter because as we speak he is fast demolishing whatever Defense Forces Eritrea have had and replacing them with heavily armed forces of Amharu,tegaru,galalu etc.

  • Russom October 15, 2018

    I find it a wise call of the EPLF tegadelti living in britain, to come togather, to save the sovereinity of our beloved country Eritrea, which costed a huge myrtiedom for its independence. This initiative wil have a big influence on those misleaded PFDJ members to reconsider their standpoint.; I hope also the ELF tegadelti wil support this sacred plan and work togather reconciling the past. I hope too this wil flourish in all the places. Time is running uit, they have to act soon and and people will follow them.

  • N. W. Rufael October 16, 2018

    I am an ELF Veteran and admire your motivation and intention. Actually what caught my attention more than anything is the fact that you belonged to EPLF. That would attract the Eritrean Armed Forces even more, I thought. I could be wrong and many people may disagree. As far as I am concerned you have my blessings and wish the very best.

Post a Reply to Futsum Teferi Cancel Reply