Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“መርደኽ ንሓገራዊ ዘተ” ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕን’ዶ – ስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም) 2ይ ክፋል

“መርደኽ ንሓገራዊ ዘተ” ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕን’ዶ - ስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም) 2ይ ክፋል   ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ’ዚ ከም ዝገለጽኩዎ፡ ናብ ሚድያ ቅድሚ ምውጽአይ፡ ምስ መስረትን መራሕትን መድረኽ (ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተን ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወ/ገርግስን) ብመንገዶም ከኣ ምስ

“መርደኽ ንሓገራዊ ዘተ”

ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕንስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ

ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም)

2ይ ክፋል

 

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ’ዚ ከም ዝገለጽኩዎ፡ ናብ ሚድያ ቅድሚ ምውጽአይ፡ ምስ መስረትን መራሕትን መድረኽ (ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተን ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወ/ገርግስን) ብመንገዶም ከኣ ምስ ሓው ሰመረ ተ ሃብተማርያም፡ ብመንገዲ ኢመይል ከም ዝተዘራረብኩ፡ እቲ ዝረኸብኩዎ መልሲ ግን ካብ “ዕበጦ ዕበጦ” ዝሓልፍ ከም ዘይነበረ ገሊጸ ኢየ። ነቲ ምእንቲ ፍትሒ እነካይዶ ቃልሲ ስለ ዝዓናቕፍን ዘየርብሕን ከኣ ሸለል ኢልካ ምሕላፉ ስለ ዘይተራእየኒ፡ ናብ ሰማዕቲ ክዝርግሖ ከም ዝወሰንኩ ገሊጸ ኢየ።

ነዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ካብ ዘስፈርኩሉ እዋን ጀሚረ፡ ካብ ብዙሓት – ንኣሰራርሓ መድረኽ ዝፈልጡ ሰባት፡ ብዙሕ ርእይቶታት ተቐቢለ። ኩሉ ዝበጽሓኒ ርእይቶታት ከኣ “ወናኒ ናይቲ ብስም መድረኽ ዝፍኖ ዜናታት / ኣሰፋው ተኸስተ ኢዩ። ተሓታትን ኣቀናባርን ናይዚ ኩሉ ፈላላይን ኣነዋርን ጽሑፋት ከኣ፡ ብውልቂ / ኣሰፋው ኢዩ ዝብል ኢዩ። ነዚ ጽሑፍ’ዚ ቅድሚ ምዝርግሐይ ኣብ ዝገበርኩዎ ናይ ኢመይል ምጽሕሓፍን ዝረኸብኩዎ መልስን’ውን ነዚ ርእይቶ’ዚ ዘራጉድ ኢዩ ነይሩ። እንተኾነ፡ ካልኦት’ውን ብስሞም (ብስም መድረኽ) ክወጽእ ኣፍቂዶም ወይ ኣጽቂጦም ስለ ዝኾኑ፡ ካብ ተሓታትነት ነጻ ዝገብሮም ኣይኮነን። እዚ “ሓቂ ኢዩ” ዝበሃል እንተ ኮይኑ ከኣ፡ እዚ ሕጂ ቀይሙ ዝበሃል ዘሎ ምትእኽካብ መድረኽ ኣጻርዩ ከቅርበልና ክንጽበ ኢና። ብወገነይ ግን ነታ – ነቲ ወረታት ተቕርብ መርበብ ሓበሬታ መድረኽ ኢየ ዝነቅፍ።

  • –         –         –        –         –         –         –         –         –          –

ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ፡ መድረኽ ኣስማት ናይ ወ/ሮ ሳባ ሃይሉ፡ ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ኮሎኔል ተስፋልደት ተስፋስላሴ ኣልዒሎም፡ ብፍሉይ ብትሕተ ሃገራዊ፡ ኣውራጃዊ፡ ዓዳዊ ምትእስሳር ከም ዝሰርሑን፡ ነቲ ዘይናቶም ወገን ፈልዮም ከም ዝብድሉን ከም ዝገለጹ፡ ሰነዳቶም ምርኩስ ገይረ ኢየ ገሊጸ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ከኣ፡ ብመንጽር’ቲ መድረኽ ዝሃቡና ምህሮ፡ ብድሕረ ባይታ ናይዞም ሰባት ክጅምር ኢየ።

 

ብዛዕባ እዞም ተጠቀስቲ መኮነናት እንታይ ይዕለል፡ –

ሓቅነት ይሃልዎ ኣይሃልዎ፡ ብዛዕባ ገለ ካብዞም ክብ ኢሎም ተጠቒሶም ዘለዉ መኮነናት ዝምልከት፡ ኣብቲ ናይ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ዝነበረ ኣወሃህባ ሓላፍነት፡ ብገዳይም ተጋደልቲ ክዕለል ዝሰማዕኩዎ ኢየ ክዛረብ።

ወ/ሮ ሳባ ሃይሉ፡ – ሕጋዊት በዓልቲ ቤት ኢሰያስ ኣፎርቅን ኣደ ደቁን ካብ ምዃና ንላዕሊ ብዙሕ ክዕለል ኣይሰማዕኩን። ብመንገዲ ደቃን ሰብኣያን ረባሒት ናይ ኩሉቲ ካብ በዓል ቤታ ክርከብ ዝከኣል ረብሓታት ምዃና ግን ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣይኮነን ንዓዳን ወገናን ተርብሕ ኢያ ክንብል፡ ኣውራጃኣ እምበር ትውልዲ ዓዳ ዝፈልጥ’ውን ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ። እዚ ከኣ፡ ብጭቡጥ ካብ ሳብ ዝረብሐ ወይ ብሳባ ዝተሓገዘ ሰብ ስለ ዘይረኣና ኢዩ። እሞ ሓለፍቲ ፈነወ ሓበሬታ መድረኽ፡ ብሳባ ዝረብሐ ወይ ዝተሓገዘ ከባብን ዓድን መን’ዩ? መልሲ ክረክብ እብድህን እጽበን ኣለኹ!!!

ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ – ምስቲ መስራትን ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ መሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታትን ዝነበረ፡ ኣብ ጉዕዞ በታ ሕብእቲ ሰልፊ ዝተበልዐ ተወልደ ኢዮብ፡ ደቂ ሓደ ዓዲ ኢዮም። “ድሕሪ ቅንጸላ ተወልደ ኢዮብ፡ ከም መባድልቲ ዝረአ፡ ብዙሕ ዘይጻባእ – ምእዙዝ ሰብ ተደልዩ፡ ናይ ሎሚ ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ኣብ ጽፍሕታት ህዝባዊ ግምባር ብጉሉሕ ክድይብ ተራእዩ” ዝብል ዕላል ነይሩ ኢዩ። እንተቲ “ንወገኑን ደቂ ዓዱን ኣርቢሑ” ዝብል ናይ መድረኽ ክሲ ግን፡ ስቡሕ ጀራዲን ዓላ ብሓለፍቲ መንግስትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ክምንዛዕ ከሎ፡ ብሒም ክብል ዝረኣዮ ሰብ የለን። ኣብ ጋደንን ሰሳሕን ካብ ካልእ ከባቢታት ዝተፈልየ ጉንዖን ሓገዝን ዝረኣየ ሰብ እንተልዩ ከኣ ሰብ ርእይትኡ ክህብ ክፉት ኢዩ።

ካብ ገበናት ሕጹብ ኢዩ ንምባል ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኮነን። ወዲ ካሳ ግን ይትረፍ ንመቕርቡን ቤተ-ሰቡን፡ ንነብሱ ዘይከውን እኳ’ድኣ ዝደኸየ መኮነን ህግደፍ ምዃኑ ኢዩ ዝዝረበሉ። እሞ ሓለፍቲ መድረኽ ብወዲ ካሳ ተሓጊዙ ሃብቲሙ ዝበሃል ሰብ ወይ ወገን ክፈልጥ እጽበ ኣለኹ’ሞ! ሃየ መልሲ

ሃቡ .

.መድረኽ ኣይተጽቅጡ

! !

ኮሎኔል ተስፋልደት ተስፋስላሴ፡ ናይ ራድዮ ርክብ ኦፖረተር ዝነበረን ድሕሪ ናጽነት ናብ ሓላዊ ፕረዚደንት ተቐይሩ፡ ኣብ በሪኽ ጉሉሕ ቦታ ዝተቐመጠ ሰብ ኢዩ። ብትውልዲ ዓዲ’ውን ምስ ዮውሃንስ ስብሃቱ (ኣብ 1973 ዓ.ም ምስቶም ብስም “መንካዕ” ዝተቐንጸለ፡ ግን ከኣ ኣብቲ ምንቅስቓስ ጉሉሕ ተራ ነይሩዎ ዝበሃል) ኣብ ሓደ ኢዮም። ንሱ’ውን ብሕርያ ኢሰያስ ንመከሓሓሲ ዝተቐመጠ ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን። ብቐንዱ ግን ኣዝማዱን ደቂ ዓዱን፡ ንሓወቡኡን ወዲ-ሓዉን ኣብ ሓላፍነት ኣብያተ መንግስትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፋ ካልኦት ብጻዕቂ ክቕመጡ ኣይረኣናን። “እፈልጥ ኢየ” ዝብል እንተሎ ከኣ፡ ካብቶም ዘርጋሕቲ ናይቲ ሓበሬታ ዝኾኑ ሓለፍቲ መድረኽ ጀሚርካ፡ ጭብጢ ክቐርበልና ንጽበ ኣለና። ሕጂ’ውን ኣይተጽቅጡ ! ! መን? መዓስ? ኣበይ? መልሱ ! ! !

ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ – ኣብቲ ስርዓት – ኣርባዕተ ጥይት ዝኣተዎን፡ ፈተነ ቅትለት ዝተኻየደሉን፡ ንስክላ ዝደሓነን መኮነን ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። እቲ ፈተነ’ውን ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት (ብፍላይ ከኣ ብውጩን ዓፋንን) ዝተዋደደ ምንባሩ ይግለጽ ኢዩ። ውጩን ዓፋንን ከኣ ‘ብዘይ ኣፍልጦን መምርሕን ኢሰያስ ኣፎርቂ፡ ‘ኣብ ፈተነ ቅትለት ላዕለዋይ ናይ ስለያ መኮነን ይሳተፉ ኢዮም’ ኢልካ ምሕሳብስ ይትረፍ፡ ኣብ ድቃስካ ምሕላም’ውን ዝከኣል ኣይኮነን። ብዘይካዚ ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ኣብ ዝኾነ ህዝባዊ ቦታታት ዘይረአ፡ ካብ ገዝኡ ንስርሑ ጥራይ ዝመላለስ፡ ንባዕሉ ተሾቕሪሩ ዝነብር ምዃኑ ይዝረብ ኢዩ። ብዓቢኡ ከኣ ንኸይቅተል ዝቐትል መኮነን ምዃኑ ኢዩ ዝዝረበሉ። እሞ ንነብሱ ኣብ ሑቕፊ ቀተልቱ ተኣሲሩ ዝነብር፡ ነብሱ ዘይከላኸል ሰብ ድኣ ከመይ ኢሉ ኢዩ ንወገኑን ደቂ ዓዱን ክኸውን? ብጭቡጥ እንፈልጦ ነገር እንተልዩ’ውን፡ ነበርቲ ናይታ ዝተወልደላ ዓዲ፡ ፈልፋሊ ራህያታት ማዮም ብቱቦታት ናብ ካልእ ከተማ ተወሲዱ፡ ልሙዕ ጀራዲኖም ክደርቕ’ምበር፡ ከምቲ ኣብ ቀሓውታ ብፍሉይ ዝስራሕ ገዛውቲ ኣስመራ፡ ብሓገዝን ሓልዮትን ጀነራል ስምኦን ክድሕንን ዓዶም ክለምዕን ኣይረኣናን። “ንደቂ ዓዱ ፈልዩ ይሕግዝ” ትብልዎ ኣለኹም!! ብመንገዱ ዝሃብተመን ገንዘብ ዝሓዘን ሰብ’ውን ኣይረኣናን። “እፈልጥ ኢየ” ዝብል እንተሎ ከኣ፡ ኣነ ጥራይ ዘይኮንኩ፡ ብዙሓት ሰማዕቲ ይጽበዩ ኣለዉ። ብፍላይ ሓለፍቲ ፈነወ መድረኽ “ብድምጺ ዝተቐርጸ ጭብጢ ኣለንና” ትብሉ ኣለኹም። እሞ ሃየ! ሰማዒ አጽበ ኣሎ

! !

በዓል መን ኢዮም ብወገንን ኣውራጃን ዝተሓገዙ? ሕጂ’ውን ኣይተጽቅጡ . . . ጭብጥኹም እጽበ ኣለኹ !

! !

 

ኩሉ ከም ዝፈልጦ፡ እዞም ክብ ኢሎም ዝተገልጹ መኮነናት ሓደ ኣካልን ኣምሳልን ናይቲ ስርዓት ኢዮም። ከም ኩሎም ሰበ ስልጣን ህግደፍ ድማ፡ ኣተግበርቲ ናይቲ ጉዕዙይ ፖሊሲታትን ናይ ቀረባ ሓለውቲ ኢሰያስ ኣፎርቂን ኢዮም። ኢሰያስ ባዕሉ ሓርዩ ኮፍ ዘበሎም እምበር፡ ክሕገዝ ዝደለየ ህዝቢ ብምርጫ ዘቐመጦም ወይ ንስለ’ቲ በቲ ንሳቶም’ውን ዝዋስእሉ ጉዕዙይ ስርዓት ፋሕ ዝብል ዘሎ ህዝቢ (ከምቲ መድረኽ ‘ወገኖም’ እናበሉ – ከእምኑና ዝፍትኑ ዘለዉ) ካብ ጸበባን ምብትታንን ዘድሕኑ ከም ዘይኮኑ፡ ባዕላቶም ሓለፍቲ መድረኽ’ውን ኣጸቢቖም ይፈልጡዎ ኢዮም። እቲ ብሓገዞም ረቢሑ ዝበሃል ዘሎ ህዝቢ ከኣ፡ ምንባር ስኢኑ ከም ኩሉ ኤርትራዊ፡ ገዛ ዓጽዩ፡ ከብቱን ጠለ-በጊዑን ኮብኲቡ ናብ ትግራይ ይግዕዝ ኣሎ። እቲ ኣስማት ናይ’’ዞም ኣርባዕተ (4) ሰባት እናጠቐስካ፡ ብመንገዶም ክመሓላልፍ ዝደለ ዘሎ መልእኽቲ’ድኣ እንታይ ኢዩ?

 

መራሕቲ መድረኽ ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ጥራይ ኣይኮኑን። ላዕለዎት ካድረታት ናይታ ኣብ ከርሲ ህዝባዊ ግምባር ዝሰወደት ሕብእቲ ሰልፊ እውን ኢዮም።፡ ኣብቲ ከምኣቶም ምሁራት ዘጥፍእ ውድብ ከይተተንከፉ፡ ጠጢዖምን ክብ ዝበለ ሓላፍነት ሒዞም ዝኣተዉን ከኣ ኢዮም። ምስዚ ተኣሳሲሩ ክረአ ዘለዎ፡ ካብ 1973 ዓ.ም ኣትሒዙ፡ ናብ ተወለድቲ ኣውራጃ ኣከለ ጉዛይ ዘነጻጸረ “ደቂ ደቡብ ዝምቡላት ኢዮም፡ ወገናውያን ኢዮም፡ ኣውራጃውያን ኢዮም” ዝብል በታ ሕብእቲ ውሽጣዊት ሰልፊ – ውሽጢ ውሽጢ ዝዝርጋሕ ዘይወግዓዊ ወረታት ምንባሩ’ውን፡ ኩሉ ኣብቲ ግዜቲ ዝነበረ ተጋዳላይ ኣጸቢቑ ዝዝክሮ ኢዩ።  ብሰንኩ ብዙሕ መንእሰይ፡ ብፍላይ ተወለድቲ ናይቲ ከባቢ ካብ 1973 ዓ.ም ኣትሒዙ “ኣውራጃዊ” ንኸይበሃል ጥራይ ክሽቑረርን ኣንፈቱ ኣጥፊኡን ኢዩ ጸኒሑ። እዚ ከኣ ነቶም “ኣብ ስልጣን ክወዳደሩና ይኽእሉ ኢዮም” ዝብልዎም ተወለድቲ ናይቲ ከባቢ ነጺልካን ኣሰይጢንካን (demonize ገርካ) ተወዳደርትኻ ንምውሓድ ዝግበር ዝነበረ ምዃኑ ኩሉ ዝሰማማዓሉ እመስለኒ። እሞ መራሕቲ መድረኽ ነቲ ቀደም ብካድረታት ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ዝዝርጋሕ ዝነበረ ጸለመታት ምድጋሞም ድኣ እንታይ ኢዩ ሚስጢሩ? እዚ ሕቶ’ዚ ተመሊሱ ናብቲ ንሳቶም ብመሪሕነት ዝኣልዩዎ ምትእኽካብ መድረኽ ኢዩ ዝወስደካ።

ኣሰራርሓ መድረኽ ብመንጽር ወግዓዊ መግለጺታቶም

መዓልታዊ ኣብ ፈነወ ራድዮኦም ከም ዝገልጽዎ፡ “መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ. . . ነቶም ኣብ ሓደ ዕላማ ዘለዉ ሓይልታት፡ ኣብቲ ንኹላትና ዝጠምር ፖለቲካዊ ዕላማ ንምዕሳል ዝዓለመ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ . . . ኢዩ” ክብሉ ይዝርግሑ ኢዮም። ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ናይሮቢ (ከንያ) እውን “ምስ ናትና ዝመሳሰል ፖሊሲ ኣለዎም” ንዝበሉዎም ውድባትን ውልቀ-ሰባትን ዓዲሞም ምንባሮም ኩልና እንፈልጦ ኢዩ። ድሕሪ’ቲ ናይ ከንያ ኣኼባ፡ ገለ ካብቶም ‘ብተመሳሳሊ ፖለቲካዊ ዕላማ’ ዝተዓደሙ ሓለፍቲ ናይ ገለ ውድባት፡ ብጋዜጠኛታት ተሓቲቶም ክምልሱ ከለዉ፡ “ጉዳይ ኤርትራ ምስ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይ ሩዋንዳ ዓሌታዊ ግጭትን ዝመሳሰል ኢዩ” ክብሉ ሰሚዕናዮም። ዝገርም ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ፖለቲካዊ መርገጺ ብዝኾነ መልክዑ ሓለፍቲ መድረኽ ፈጺሚም ዝቕበልዎን ዘተኣናግድዎን ኣይኮነን። እዚ ድማ ነቲ  ከም ዕላማ ኣቐሚጦም ክሰርሕሉ ዝጸንሑን፡ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ዝዝርግሕዎን በበይኑ ምኳኑ ኢዩ ዘነጽረልካ። እስኪ ናብ ጭብጥታተይ ተመሊሰ፡ ናብ ሰነዳት መድረኽ ክመልሰኩም።

ጭብጢ ቊጽሪ 4፡ – ብ13 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም “. . . ኣብ ኣስመራ ክሳብ ሎሚ ንግሆ ሰሉስ (12 ታሕሳስ) 350 ትካላት ብሓይሊ ብረት ተዓሺገን ምህላወን ተሓቢሩ። ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ’ውን

. . . ኣስማት ናይ ዝተፈላለያ ትካላት ድሕሪ ምዝርዛር፡ ስርዓት ህግደፍ ንናቱ መምዘኒታት ስለ ዘየማልኣ “ትካሎም ክዕጾ ጥራይ ዘይኮነስ ንሓዋሩ ክህገር ምኳኑ ይሕበሮም ኣሎ” ክብል ይገልጽ። ቀጺሉ ካብ ጀነራል ፊሊጶስ ብዝተላእኩ ወታደራት ትካሎም

ከም  ዝተዓጽወን

፡ ወነንቲ ድማ ብዝገበርዎ ዕግርግር ተቀይዶም ናብ መደበር ፖሊስ ከም ዝተወስዱ ይገልጽ’ሞ

. .

ኣብ 7ይ ሕጡበ ጽሑፍ

“. . . ድሮ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ንገለ ደቂ ከባቢኡ ዝኾኑ ዜጋታት ፍታሕ ንምግባር ክጽዕር ከሎ፡ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ንበዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሩት ብፍርቂ  ብርኪ እንተእትዮማ ፍታሕ ኪግበረሎም ከምዝኽእል ነቶም ትካሎም ዝተዓሸገ ብመንገዲ ቀረብቶም ይመያየጥ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።”           ሊንክ  13/12/2017        ብራድዮ ድማ ኣብዚ 14/12/2017 ጠውቕ

ኣስተውዕሉ፡ ስምኦን ንደቂ ከባቢኡ፡ ፊሊጶስ ንበዓልቲ ቤቱ ኢዮም ዝብሉና ዘለዉ መድረኽ። . . . ቀጺሎም . . .

ጭብጢ ቊጽሪ 5 ፡ – ብ30 ሕዳር 2017 “. . . ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ናይ 31 ጥቅምቲ ህዝባዊ ናዕቢ ‘ናይ ጀበርቲ ምንቅስቓስ’ ተባሂሉ ክጉስጎሰሉ መደብ ኣውጺኡ።” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ . . . ነዚ መደብ’ዚ ዝወሰኑ ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ብርጋደር ጀነራል ጋይምን ወዲ ህንጻ ዝበሃል ካልእ ኣባልን ምዃኖም ይገልጽ። በዛ ትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ድማ ትውድእ።

“. . . ብሪጋደር ጀነራል ኣብረሃ ክሳሳን ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግልን ብጸቢብነቶም ዝልለዩ ኮይኖም፡ ነቲ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝጭፍልቕ ዓማጺ ኣካይዳ ሃገራዊ ድሕነት፡ ካብኡ ንናብኡ ንደቂ ከባቢና ንዝብልዎም ወገን ኣድልዎንፍታሕኢሎም ዝጽውዕዎ ስጉምታትን ከምዝወስዱ ይፍለጥ። ብኣንጻሩ ዘይወገንና ወይ ናይ እቲካልእ ወገን’  ኢሎም ንዝፍርጅዎ ሰብ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓማጺ መስርሕ ዓቐኑ ዝሓለፈ ዝያዳ ዓመጽ ጌሮም ከምዝቐጽዕዎ ምንጭታት ካብ ሃገራዊ ድሕነት ይሕብሩ። እዚ ተግባራት ኣብ ማእሰርቲ፡ ምሃብ ቪዛ፡ ውሳነታት መቕጻዕቲ ስግረዶብ፡ ምኽታብ ቃርማታት፡ ወዘተ ጎሊሑ ይረአ።ይብል ።   (ሕብሪ ናተይ)      ሊንክ 30/11/207

ኣብዚ’ውን፡ ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግልን፡ ብጸቢብነቶም ዝልለዩ፡ ንደቂ ከባቢኦም ፍታሕ ዝገብሩ፡ ንዘይ ደቂ ከባቢኦምን ዘይናቶም ወገንን ከም ዝፍርጁ ይነብሩና ኣለዉ። ንበዓል መን? መዓስ? ኣበይ . . .? ንዝብል ሕቶ ክምልሱን፡ ተወለድቲ ካልእ ከባቢ ካብዚ ተግባር’ዚ ነጻ ኮይኖም፡ እዚ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ፡ በዞም ክልተ ወይ ሰለስተ ደቂ ሓደ ካባቢ ዝኾኑ ሰበ-ስልጣን ጥራይ ከም ዝግበር ዘስምዕ መደረኦም ኣስማትን ኣሃዛትን ጠቒሶም፡ ብዘእምን ጭብጢታት ኣሰንዮም ከቕርቡልናን ግን ኣይተራእዩን። እቲ “ዝፍርጅዎ” ዝብል ቃል ከኣ፡ ዘይውርዙይ ናይ ደቂ ጽርግያ ዘረባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስምዒት ሰብ ንምልዕዓል ዝኣትወ ጥራይ ኢዩ።

ከምቲ ስሞም ዝገልጾ መድረኽ – ኩሉ ኤርትራዊ ዝተኣኻኸበሉን ዝዝትየሉን ዘይኮነ፡ ንዝበዝሑ ደለይቲ ፍትሒ ኣወጊኑ፡ ብረብሓ ናይ ዝተኣሳሰሩ ውሑዳት መተኣኻከቢ ባይታ ኢዩ። ነዚ ዘረጋግጽ፡ ካልእ ተንጀባሪሩ ኣብ እዝንና ዝበጽሐ ወረ’ውን ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ዝተመስረትሉ እዋን፡ ብዙሓት ኣብታ ሕብእቲ ሰልፍን ኣብቲ ግምባርን ክብ ዝበለ ሓላፍነት ዝነበሮም ሰባት ተጸንቢሮሞም ነይሮም ኢዮም።  ኣብቲ ዝሰዓበ ኣኼባታት ግን፡ ኣሰራርሓ መድረኽ ተሓታትነት ክህልዎን፡ ምንጪ ናይቲ ከም መካየዲ ዝጥቀምሉ ገንዘብ “መን ምዃኑ” ከነጽሩን ተሓቲቶም። ሓለፍቲ መድረኽ ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ምንጻግ “ንስኻትኩም መሻርኽቲ እምበር ኣባላትና ስለ ዘይኮንኩም፡ ብዛዕባ’ዚ ምሳኻትኩም ክንዘራረብ ድሉዋት ኣይኮናን” ዝብል ምንባሩ ሰሚዕና። “ብእዋኑ ዝነቀወ ዝብእስ ኣየሕድርን!” ድዮም ዝበሉ ቀዳሞት!! ኢሰያስ ድኣ “ብዛዕባ ገንዘብን ባጀትን ሃገር ከይትሓቱኒ” እንድኣሉ ዝበለ። ንምንታይ’ከ ምንጪ ዝጥቀምሉ ገንዘብን ብዝሑን ዘይዛረቡ? ህዝቢ ክፈላልይሉ በቶም ዝጣበቑሎም ዘለዉ ሰብ ር/ማል ስለ ዝተዋህቦም ዶ’ኾን ይኸውን?

ካብ’ዚ ክብ ኢለ ዝገለጽክዎ እምበኣር፡ ኩሉ ኣሰራርሓኦም ካብታ ተሓቢኣ ትሰርሕ ዝነበረት ቀንጻሊትን ፈላላይትን ሕብእቲ ሰልፊ ዝተወርሰ ኢዩ። እቲ ብወገንን ኣውራጃን እናጠቀንካ፡ ሰባት ምጽላም ንኣብነት ናቱ ውርሻ ኢዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልእ ጽሑፋተይ ገሊጸዮ ከም ዝነበርኩ፡ ናይ ሎሚ ፕረዘደንት መድረኽ ዶ/ር ኣሰፋው ተከስተ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ቀሪቡ “ኢሰያስ ጥራይ ኢዩ ጸላኢና” ብምባል፡ ንኹሎም ሓለፍቲ ህግደፍ ነጻ ገይሩዎም ነይሩ ኢዩ። ኣብ ምምስራትን ምዕባይን መድረክ ከም መሳርሕቲ ዝተሓርዩ ሰባት ኩሎም፡ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣሳሰይትን ቀንዲ ተለኣኣኽትን ኢሰያስን ንሱ ዝመርሖ ስርዓት ህግደፍን ዝነበሩ ኢዮም። እዚ ድማ ፖሊሲ መድረኽ ንኢሰያስ ብውልቂ “ተሰካሚ ናይ ኩሉ ፍሽለታትን ገበናትን ንሱ ጥራይ ኢዩ” ብምባል፡ ንዕኡ ኣልዮም፡ ኣብታ ተወጢሑዋ ዘሎ መንበር ኮፍ ድሕሪ ምባል፡ ንኹሉ’ቲ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ዝተፈጸመ ገበናት ከም ዘይተፈጸመ ኪሒድካ፡ ኣብ ፖለቲካን ገለ ናይ ሓላፍነት ቦታን ቁሩብ ምትዕርራይ ገርካ ብምጽጋን፡ ነቲ ዘይውዱን ቁጠባዊ ፖሊሲ ህግደፍ ምትግባርን ኢዩ። ነዚ ክዉን ንምግባር ዝሓርዩዎም ሰባት ድማ ቅድም ኣብ ህዝባዊ ግምባር ደሓር ኣብ ዘመነ ህግደፍ ቀንዲ ኣተግበርቲ ናይቲ ጉዕዙይ ፖሊሲን፡ ላዕለዎት ሓለፍትን ዝነበሩ፡ንዝፈጸምዎ ገበናት ምኽኑይ ምግባርን ከም ቀንዲ መሻርኽትን መሳርሕትን ምቕባልን ኢዩ።

እቲ ንዝበዝሑን ገዚፍ ር/ማል ዘኻዕበቱን ጀነራላት ህግደፍ ንሒፍካ ወይ ከይተንከፍካ፡ ናብ ውሑዳት መኮነናት ብፍላይ ከኣ ናብ ተወለድቲ ፍሉይ ከባቢ ዘነጻጸረ ዘመተኦም ከኣ ነዚ ኢዩ ዘነጽር።

ኣብ 3ክፋል የራኽበና

ታደሰ ኪዳነ

 

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • k.tewolde February 12, 2018

    It is a commendable political investigative work by Tadesse,however. besides me having no clue as to who these shady characters are,the story hinges around regional and ethnic lines of the highland origin which was a political laboratory of the current tyrant where he put together the recipe to the today’s disaster(HGDEF). That said, I would like to pose some questions, is the Eritrean story a highlander story? Is the Eritrean fate as a whole will be determined by the highlanders? why is it dominated by characters of Tigrigna names? What kind of message does it send to the rest of the Eritrea’s indigenous group(citizens)? who is the intended audience of this article? come to think of it, there is no way to make a healthy and vibrant nation without cohesive,sound and full fledged national psychology. Good day.

    • Simon G February 13, 2018

      k.tewolde,
      On your last question about the rest (beside highlanders), it reminds me the commercial I see every Christmas season: about Santa and those two M&Ms. He does exist; they do exist 🙂
      ————————————————————————————————–
      Most of the highlanders think Eritrea is those stupid 3 regions (AHS) and the rest they don’t exist. However, we start to remember one by one when take vacation to Massawa, when we try to fled the country through Metahit, etc.
      We are geographically challenged.
      The worst though, out tolerance Barometer reads very low. I feel sometimes the Barometer is broken, because it is very hard to see the reading. That bad.

  • Fkadu gebreab February 12, 2018

    መድረኽ መቀጸልታ ናይ ህግ ዮም።ከም ህግ ጸቢብን ወንጃልን የን።እዞም፡ዝኸሱዎም ዘለው ብደዎም ዝሞቱ(ካብቶም ብሂወቶም ዘለው ደቂ፡ኣኮሎግዛይ ውሑዳት ብሂወቶም ዝተረፉ ዮም)።ብዛዕባ ኩሎም ምስ ምሉእ፡መርትዖኻ ሃየ ኣቅርቡ ዝብል ምሃብካ ዝንኣድ ዩ።በታ ናይ ስምኦን ዘልዓልካያ ውን ኣብዚ ከራጉደልካ እቲ ዝሓመቀ ጊላ ኢሳያስ ዩ ክኸውን ዝኽእል።ኣብ ዓዱ ኳ ብዘይካ ታ ብናይ ስውኣት ደበስ ኣብኡ ዝሰርሑዋ ገዛ ጥር ትብል ነገር የብሉን።ንሰቡ ዝገብሮ ይትረፍ ሓለፋ መዓልኩም፡ናይ እግዚኣብሄር ከማን፡የላን።ብደው ዝሞተ ጊላ ኢሳያስ ታሪኽ ዘይብሉ ሰትይ ደም ሙኻኑ፡ግን ኩላትና፡ንሰማምዓሉ።ናይ መድረኽ ኣበሃህላ፡ግን፡ንጹር ዩ።ኣንጻር ሓደ ኣውራጃ ዝቀንዐ ቅንጸላን፡ቃልሲን ዮም ዘካይዱ።ስለዚ እዚ ድማ ብተወላዶ ቲ ግዳይ ዝኾነ፡ጥራይ ዩ ክምከት ዘለዎ።

    • ታደሰ ኪዳነ February 13, 2018

      ፍቓዱ ስለቲ ተወሳኺ ጭብጥታት ብዛዕባ ስምኦን ምቕራብካ ብጣዕሚ ኤመስግነካ።
      የቐንየለይ

  • Simon G February 13, 2018

    እዞም ውልቀ-ሰባት: ክንደይ ንጹሃት ተጋደልቲ ዘሕቀቑን ክሓቁ ዝተዓዘቡን ‘ዮም።
    ከመይ ጌርና ጽቡቕ ክሰርሑ ኢልና ንሓስብ? ገበኖም መታን ተሸፋፊኑ ክሓልፍ: ጸገም ክፈጥሩ ኣለዎም።
    ደሞክራሳዊት ኤርትራ ምስተምስረተት: ገበኖም ክቕላዕ ‘ዩ። ስለዚ, ሰለማዊትን ዴሞክራሳዊትን ኤርትራ ኣይክትጥዕሞምን ‘ያ። ዝሓሸ ምበኣር ዕግርግር ምፍጣር ዩ።
    ብዙሕ ሰብ ፈሊጥዎም ዩ ሎሚ። ዘሕዝን ግን ብዙሓት ድማ ኣልወኡ ደቂ ገርሂ ልባ: ሓቂ ይመስሎም።
    ————————————————————————————————————
    ዶካትር ተባሂሎም: ናይ መሃይምነት ዘየጥፈአ ሰብ ይዛረቡ!
    —————————————————————-

    ኣነ ከምዝመስለኒ: ምስ ኢሳያስ ርክቦም ኣይበተኹን። ከምስሉ ጥራይ: መደናገርቲ። ኔው በሎም: በላዕቲ ሰብ!

  • Lula February 13, 2018

    There is nothing new here in the worthless Eritrean al Thawra politics. The main actors in Eritrean politics, be it Jebha or Shaebia are all stupid with the most narrowest brains. The former retards of Teref meref Jebha and that of shaebia are the same
    Jebha used to eat humans alive as Hgdefites, so ignore the comments of the Terefe Meref Jebha above, they are the same parasites and blood suckers sticking everywhere.

  • AHMED SALEH !!! February 13, 2018

    k.tewelde and Simon G .
    We can detect the source of wrong seed sown to see our people reap in their daily affairs .
    Yesterday was against DEKI – METAHT and today is Hamassien verse Akeleguzay . Sadly
    the worst of the worst cancerous culture to divide even TEWAHDO CHURCH . It is not
    easy to draw boundary where the beginning meets the end . Everything we begin usually
    has its ending . Wrong policy designed in Sahel led to current national predicaments .
    We are the living witnesses of political life experience to observe the way how crooks . liars
    and hypocrites succeed to become deal making winners . Most of the time politicians for
    long years in leadership positions prefer to wear two hats, one for them and one for the public
    because they play games which lacks honesty , integrity plus they lack ultimate truth .
    So far since Eritrean politics have not transformed to invite fresh ideals , progressive elements
    to replace most of these old age politicians , we have no choice but to look for miracle drop
    from above the sky .

  • ሃብቶም ብርሃነ February 13, 2018

    ኩቡር ሓው ታደሰ ኪዳነ: ሰላም ናይ እግዝሄር እዩ’ሞ ሰላም ክብለካ ይብህግ። ቀጺለ እዚ ኣብ ጭብጢ ዝተሞርኮሰ እሞ ድማ ምስ ሰነዱ እተቕርቦ ዘለኻ ጽሑፍ መሃሪ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕሳብና ንክንገብር እውን ዝቕስብ ጽሑፍ እዩ። ብዘየወላውል መድረኽ ጽሑፋትካ ካብ ምምላስ ሓንጊዶም ኣብ ዓደውን ወገናውን ዘተኮረ እዩ ኢሎም ከም ዝውንጅሉኻ ንስኻ እውን ትስሕቶ ኢኻ ኣይብልን። መድረኽ ወገናውያን ምዃኖም ሕጂ ኣይኮነን። ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ እውን ” እዚ ገዛ ኣከለጉዛ ኣከለጉዛይ ጨንዩ!” ዝበሉ እዮም። ጽሑፋትካ ኣብ ሓቅን ቅንዕናን ዝተሞርኮሰን ኣራምን መሃርን ምኻኑ ከኽርዓካ ይግባእ። ካብ ስምዒት ወጺእካ( ምክንያቱ ብዝተካእሎም መጠን ኣብ ስምዒት ከእትውኻ ክፍትኑ’ዮም) ከምዛ ሒዝካያ ዘለኻ ኣብ ጭብጥን ርትዕን ክሳድ ሓዝ። ከምቲ ኣቐሚጥካዮ ዘለኻ ድማ ” ካብ ሎሚ ዝነቀወ ዝብኢ ነየሕድረኒ!” እዩ’ሞ:ከምቲ ለባማት ዝብልዎ ድማ ” ቆልዓ ብንኡሱ ቆርበት ብርሑሱ!” ስለዝኾነ: ንጻህያይስ ብሸዓ ድኣ ምብንቋሱ።
    እግዝኣብሄር ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ የውርደሉ።

  • Beraki Yohannes February 13, 2018

    ውይ መድረኽ ሰበበኛታት፡፡

    ኣብ’ዝ ዘለናያ ግዜ መን እዩ ትሕተ ሃገራዊ መን’ዩ ሃገራዊ ንህዝቢ ኤርትራ ብንጹር ክርእዮን ክምስክሮን ዘኽእለሉ ሰዓት ኢና ዘለና፡

    ታሪኽ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ምፍታሽ ከድሊየና ኢዩ ብዛዕባ መን ዩ ትሕተሓገራዊ ንኽንዛረብ እኹል ብቅዓት ንክህልወና፡፡ መተውሰኽታ ንክኸውን ኣቶ ዓንደብርሃን ናይ ባንክ ጋቨርነር ኣብ ዝነበረሉ እዋን መን እዩ ተወላድ ኣከሎጉዛይ እንዳበልካ ተወለዲ ኣኮሎጉዛይ ካብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ዝተዘናበሉሉ ገዜ እውን ክዝከር ይግባእ፡፡ ነዚ ከ እዞም ዝተጠቅሱ መኮንናት ዶኾን ይኾኑ ስራሕ ዓንደብርሃን ዘሰላስሉ ዝነበሩ?

    ኩብራት ኤርትራውያን ፡ ኣብ ዘመነ ኢሰያስ፡ ማለት ፡ ካብ’ዚ ወጺእና ኣብ ስርዓት ኢሰያስ ንወገን ዝጎንዕን ወይ ዝሕግዝ ብዓል መዚ ኣሎ ኢለ ኣያምንን ኢየ፡፡ እንተልዩ ከኣ፡ ካብ ዶክተር ተከስተን ዓንደብርሃንን ንላዕሊ ክህሉ ዝኽእል ኣካል ኣሎ ክብል ኣዚዩ ኢዩ ዘሸግረኒ፡፡ ኮይኑ ግን ኣኮሎጉዛይ ትብሃል ኣውራጃ፡ ብፍላይ ነተን ክልተ ትግርኛ ዝዛረባ ኣውራጃታት ከም መፈራርሂ ይጥቀሙላ እዚ ካብቲ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ክርድኣኒ ዘይክእል ኢዩ፡፡ እንታይ እዩ ቲሽግር? ደሓርከ ኣብ ኤርትራ እዘን ሰለስተ ኣውራጃታት ጥራሕ ዲየን ዘለዋ ? ብምንታይ መንጽር’ከ እተን ካልኦት ኣውራጃታት ንኣውራጃ ኣኮሎጉዛይ ይርእያኣ?????

    ካብ ዝመስለኒ ግን ጸላእትና ህግደፍ ጥራይ ዘይኮኑ ጃኬት ናይ ሰላምን ዘተን ዝለበሱ ህግደፋውያን ኣለዉ ኣብማእከልና እሞ ነለልዮም.

    ኣኮሎጉዛይ ጸሊኡ ንህዝቢ ኣኮሎጉዛይ ኣትሒቱ ወይ ኣናሽዉ ክነብር እየ ዝብል ወገን እንተሊዩ ፡ ካብ ድቃስካ ምብርባር የድልየካ ኣሎ ጥራሕ እዩ ክብሃል ዘለዎ፡፡፡

    ኤርትራ ካብ 9 ንላዕሊ ኢንዲጅነስ ወይ ወነንቲ መረት ደቀባት ኣለዉዋ፡፡ እዞም ደቀባት ኣኣብ መረቶም ዝተኸብሩ ህብረተሰብ ኢዮም፡ እዚ ክብርታት እዚ ከኣ ሃብቲ ናይ ሃገርናን ህዝብናን ኢዩ፡ እዚ ምዃኑ ፈሊጥና ከነክብሮን ክንከባበርን እዩ ዘለና እምበር ስም ውልቀሰባት ተጠቂምካ ኣውራጃታትን ከባቢን ህብረተስን ምቁንጻብ ትሕታውነት ምልክት ዓቕምኻን ዝጠፈዠ ፖሎቲካዊ ዓቅሚታትካን እዩ ዘርኢ፡፡

  • Nebro February 13, 2018

    መድረኽ ከም ሽምኩም ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ሓዲሽ መድረክ ክተመርሑዎ ኢዩ ነይሩ ትስፍኡ። ካብታ ሓራዲት ዉድብ ህሃባዊ ሓይልታት ጀሚሩ ንኣርባዓ ዓመት ዝሰማዕናዮ ዘረባ ሒዝኩም ክትመጹ ዝተጸበየኩም ኣይነበርን። ንዕካትኩም ሓደ ዝገብረኩም ረቛሒ ኩልካትኩም ናይታ ክንደይ ንጹሃት ጀጋኑ ዘጥፍኤት ሰልፊ ጸላም ኣባላት ምብባርኩም ኢዩ። ንሱ ጸገም ኣይምኾንነን። ጸገምኩም ክትመሃሩ ዘይትኸሉ ምሁራት ደናቘር ምዃኑንም ኢዩ። ናይ ዓንደበርሃን ጸሃይ ዝወቖ ኣውራጃውነት ንጉድኒ ንግደፉ `ሞ። ኣነ ዝገርመኒ ናይ`ቲ ሓኪም ኢዩ። 1. ከይሓፈር ነነብሱ ምስ ኢሳያስ አንዳወዳደረ ክንደይ ክንደይ ጽሩይ ደም ከም ከምዘሎውዎ ንደገፉ ከእምን፡ `ኣነ ንድሕሪ 14 ወሎዶ ክቖጽር ይኽእል` ኢሳያስ ግን ..….’ ወዘተ ዝብል። 2. ንህግደፍ ከም ዘይነዓቅ ሓይሊ ኣፍልጦ ሂቡ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ምስ ምእላይ ኢሳያስ ዝፍታሕ ምዃኑ ከእምን ዝፍትርን፡ ኢዩ። እንተ`ቲ ናይ 14 ወለዶ ንድሕሪት ክትጻብጻብ ምይኽኣል ኣይምኸፍኤን፡፡ ሕጊ እንዳባ ምኽባርካ ጽቡቕ። ዋላ ኣብ 14 አንተዘይኮነ ኣብ 17 ወለዶ ካባይ ከምዝመጻኹም ካብ ገለ ዓባይቲ ዓዲ ወኪ ፡ወይ ካብ ሓወቦታትካ ከይሰምዕካዮ ተሪፍካ ኣይብልን።
    አቲ ጸገም ሕጂ`ውን ዕዉር ጥሙኻ`ዩ ኣሰፋው!! ካልእ ዘይትሓስብ? ሕጆውን ታሪኽኩም ተጽርዩሉ እዋን ይባኻን ኣሎ ። ኣብ ዊሽጥኹም ዘደናገሩኹም ሰባት እንተደኣ ሃልዮም ሕጂውን ነብስኹም መርምሩ ። ክንዮ ኢዚ ዝምጠወልኩም ዘሎ መሳሪፍ፡ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ሲኦል ዝርከብ ሕዝብኹም ሕሰቡ።

  • Dawit February 13, 2018

    Our lost brothers and sisters of Akeleguzay don’t need to to join the awful Arab league as they can rejoin their original brothers and sisters of Tigray in a newly to be formed state of AGAZI Christian. But they have to get rid of their old disease of regionalism where in today’s competitive world it doesn’t have any relevance or place. The sad thing is that so-called educated people like T.Kidane can’t move on to advanced and beneficial to all politics.

    • Simon G February 13, 2018

      Dawit,
      Why would we join you? Anyone who doesn’t like Akele-Guzay is free to join you. This includes the Medrek People, meskerem, AyaKa isayas and his followers.
      Thanks but no thanks!

      • AHMED SALEH !!! February 14, 2018

        Proud WEDI Akeleguzay speaks with nothing to hide .
        Either you like it or not , AKELEGUZAY people made history of heroism to protect the border from
        foreign forces . That is why some deki arbaA ERITREANS in leadership and their arrogant supporters
        who fight against their own interest couldn’t trust them . But the truth is we deki Akeleguzay were
        and still we are loyal nationalists in 1940s , 1950s , 1960 , 1970s . 1980s until people’s demands find
        satisfactory answer .
        We paid heavy price for the sake of independence since 1960’s but we shouldn’t let them destroy
        our trust in other fellow citizens . Cowards who are jealous and without self confidence always bring
        excuses to attack others . To listen their nonsense talk make us look foolish .

        • wedeb February 14, 2018

          The people of Akeleguzay right from Bahta Hagos are proud people who never bent for the savage Arabs nor burned their own languages.
          Tell me about the idiots who are ashamed to hear their own languages, identity and villages of origin.

          • AHMED SALEH !!! February 15, 2018

            Ayte NEFAHITO beal 100 asmat
            Zigheberrka gherka hugum mibal yelon
            Eta hilmi ” wedeb ‘ dima inte resaEkaya yihayish

            Bahta Hagos enemies didn’t come from across RED SEA
            but from across southern border . Arabic and Tigrigna used
            to be part of education curriculum in Eritrea before your people showed up uninvited in 1952 .
            By the way how come Tigrigna speakers in Ethiopia have
            bad history with ERITREANS . You saw 1998-1999 incidents
            to rob ERITREANS wealth inside ETHIOPIA by jealous people
            in power from TIGRAY . Do not waste your time if you want to deviate facts and try to fool eye witnesses account .

        • Simon G February 14, 2018

          Tell them, brother Ahmed!
          Those riffraffs are not even qualified to mention the name, let alone to downplay.

          • Mahta February 18, 2018

            Simon G,Ahmed saleh,wedeb…are you cannt still think beyond Akeleguzay??wesedewa eza akelguzay nay train wala kenkeflekum!

    • Sol February 14, 2018

      Dawit Tekhlay, it is impossible for a socially sick person like you to hide his evil nature, don’t try too look smart….you are here in assenna to promote the divide and conquer systematic policy of DIAAA>

  • Simon G February 14, 2018

    Seraki T.,
    Akele-Guzay + Muslims = ~70% of Eritrea. What’s left is about 30%. What is your Tembienay isayas’s plan after that?
    To tell you the truth, I have nothing against the people of Tembien or Tigray in general. However, I do have an issue with people who born in Eritrea but they like to see Eritrea disintegrated and becomes a failed state. These are people like you, isayas, Kisha, etc.
    I have a very high respect to the people of Tigray who are proud of being Tigrawot; just like Meles, Yemane Jamiaca, Weldeab Woldemariam, etc.
    Can you see the difference?

Post a Reply to Degoli Cancel Reply